ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ  |  ነሓሰ 2015

 ካብ መዛግብትና

“የሆዋ ሓቂ ኽትፈልጡ ኢሉ እዩ ናብ ፈረንሳ ኣምጺኡኩም”

“የሆዋ ሓቂ ኽትፈልጡ ኢሉ እዩ ናብ ፈረንሳ ኣምጺኡኩም”

ኣንትዋን ስካሌኪ፡ ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብኡ ዘይፍለ ፈረስ ነበሮ። ምስ ፈረሱ ዀይኑ ኸኣ ብውሽጢ ጽልግልግ ዝበለ ገለርያ፡ ብትሕቲ መሬት 500 ሜተር እናተጓዕዘ ኣብ መዐደኒ፡ ከሰል የጐዓዕዝ ነበረ። ኣቦኡ ኣብ መዐደኒ፡ ናሕሲ ምስ ፈረሰ ስለ እተጐድአ፡ እታ ስድራ ቤት ንኣንትዋን ናብቲ መዐደኒ ኽትልእኮ ተገደደት። ኣንትዋን ኣብ መዓልቲ፡ ትሽዓተ ሰዓት ይሰርሕ ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ናሕሲ እቲ መዐደኒ ምስ ፈረሰ ኣንትዋን ንስክላ እዩ ድሒኑ።

ፖላንዳውያን ዓደንቲ ዚጥቀምሉ ዝነበሩ ናውትን ኣብቲ ኣንትዋን ስካሌኪ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ኣብ ዴሺ፡ ጥቓ ሳንላኖብሌ፡ ዚርከብ መዐደንን

ኣንትዋን ሓደ ኻባታቶም ካብ 1920ታት ክሳዕ 1930ታት ኣብ ፈረንሳ እተወልዱ ሓያሎ ቘልዑ ፖላንዳውያን እዩ ነይሩ። ፖላንዳውያን ናብ ፈረሳ እተሰደዱ ስለምንታይ እዮም፧ ፖላንድ ደድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ናጽነታ ምስ ረኸበት፡ ኣብታ ሃገር ብዝሒ ህዝቢ ኻብ መጠን ንላዕሊ ወሲኹ ነበረ። ፈረንሳ ግና ብኣንጻሩ፡ በቲ ውግእ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰብኡት ስለ ዝሞትዋ፡ ዓደንቲ ኸሰል የድልይዋ ነበሩ። ስለዚ፡ መንግስቲ ፈረንሳን መንግስቲ ፖላንድን ኣብ መስከረም 1919 ንስደተኛታት ዚምልከት ውዕል ተፈራረማ። ብ1931 ቍጽሪ እቶም ኣብ ፈረንሳ ዚነብሩ ዝነበሩ ፖላንዳውያን 507,800 በጺሑ ነበረ፣ መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ ሰሜን ፈረንሳ ኣብ ዚርከብ ክልታት መዐደኒ እዮም ዚቕመጡ ነይሮም።

እቶም ጻዕረኛታት ዝነበሩ ፖላንዳውያን ስደተኛታት፡ ፍሉይ ባህሎምን ሃይማኖታዊ ኣረኣእያኦምን ሒዞም እዮም መጺኦም። ሕጂ ወዲ 90 ዓመት ዝዀነ ኣንትዋን፡ “ኣቦሓጎይ ጆሴፍ፡ ኣቦኡ ጦብላሕታ ስለ ዘሕደረሉ፡ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ብኣኽብሮት እዩ ዚዛረብ ነይሩ” በለ። ኣባላት እተን ኣብ ዕደና ዚዓይያ ፖላንዳውያን ስድራ ቤታት ልክዕ ከምቲ ኣብ ዓዶም ከለዉ ዚኽደንዎ ዝነበሩ፡ ሰንበት ሰንበት ናብ ቤተ ክርስትያን ብሉጽ ክዳውንቲ ተኸዲኖም እዮም ዚኸዱ ነይሮም። ገለ ኻብቶም ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ፈረንሳውያን ግና ይንዕቕዎም ነበሩ።

መብዛሕትኦም ፖላንዳውያን ንመጀመርታ ግዜ ምስ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እተራኸቡ፡ ኣብ ኖርድ-ፓስ-ዴ-ካለይስ እዮም፣ እዚ ኸኣ፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ኸባቢ ኻብ 1904 ኣትሒዞም ብቕንኣት ይሰብኩ ስለ ዝነበሩ እዩ። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኻብ 1915 ኣትሒዛ ብፖላንድኛ ኣብ ወወርሒ ኽትሕተም ጀመረት፡ መጽሔት ንቕሑ! ኸኣ በቲ ቛንቋ እቲ ኻብ 1925 ኣትሒዛ ኽትሕተም ጀመረት። ሓያሎ ስድራ ቤታት ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መጽሔታትን ነታ ብፖላንድኛ እተሓተመት ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ (በገና ኣምላኽ) ዘርእስታ መጽሓፍን ብሓጐስ እየን ዚቕበላኦ ነይረን።

ስድራ ቤት ኣንትዋን ብዛዕባ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝፈለጠት፡ በቲ ብ1924 ንመጀመርታ ግዜኡ ኣብ ኣኼባ እተረኸበ ኣኮኡ ኣቢላ እያ። ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ ቡራዩ-ኤን-ኣርቶይስ ናይ መጀመርታ ዓብዪ ኣኼባ  ብፖላንድኛ ገበሩ። ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ከኣ ኣብታ ኸተማ እቲኣ፡ ወኪል ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዝዀነ ጆሴፍ ራዘርፎርድ፡ ህዝባዊ ኣኼባ ገበረሎም፣ 2,000 ዝዀኑ ሰባት ድማ ተኣኪቦም ነበሩ። ጆሴፍ ራዘርፎርድ ነቶም መብዛሕትኦም ፖላንዳውያን ዝዀኑ ሓያሎ ተኣከብቲ ምስ ረኣየ፡ “የሆዋ ሓቂ ኽትፈልጡ ኢሉ እዩ ናብ ፈረንሳ ኣምጺኡኩም። ሕጂ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ንፈረንሳውያን ክትሕግዝዎም ኣሎኩም። ኪዕየ ዜድልዮ ዓብዪ ዕዮ ስብከት እዩ ዘሎ፡ የሆዋ ድማ ነዚ ዕዮ እዚ ዚዓይዩ ኣስፋሕቲ ኼተንስእ እዩ” በሎም።

የሆዋ ልክዕ ከምኡ እዩ ገይሩ። እቶም ፖላንዳውያን ክርስትያናት ከምቲ ኣብ ዕደና ህርኩታት ዝነበሩ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት እውን ብምሉእ ልቦም ይዓይዩ ነበሩ። ገሊኣቶም ከኣ ነቲ እተምሃርዎ ኽቡር ሓቂ ንኻልኦት ምእንቲ ኺነግሩ ናብ ሃገሮም ፖላንድ ተመሊሶም እዮም። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ሰፊሕ ቦታታት ፖላንድ ምእንቲ ኺነግሩ ኻብ ፈረንሳ ዝወጹ ኣስፋሕቲ፡ ቲኦፊ ፒኣስኮውስኪ፡ ሽቴፓን ኮሲያክ፡ ያን ዛቡዳን ይርከብዎም።

ይኹን እምበር፡ ፖላንድኛ ዚዛረቡ ሓያሎ ወንጌላውያን ኣብ ፈረንሳ ተሪፎም፡ ምስ ፈረንሳውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኰይኖም ብቕንኣት ምስባኾም ቀጺሎም እዮም። ብ1926 ኣብ ሳንላኖብሌ ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ፡ ነቲ መደብ ብፖላንድኛ እተኸታተልዎ 1,000፡ ብፈረንሳይኛ እተኸታተልዎ ድማ 300 ተኣከብቲ ነበሩ። መጽሓፍ ዓመት 1929፡ “ኣብታ ዓመት እቲኣ 332 ፖላንዳውያን ኣሕዋት ርእሶም ወፍዮም ተጠምቁ” ዚብል ጸብጻብ ሃበት። ካልኣይ ውግእ ዓለም ቀቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ ፈረንሳ ኻብ 84 ጉባኤታት እተን 32 ብፖላንድኛ እየን ነይረን።

ኣብ ፈረንሳ ዚነብሩ ዝነበሩ ፖላንዳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ዓብዪ ኣኼባ ኪኸዱ ኸለዉ። እቲ ምልክት፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ይብል

ብ1947 ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ መንግስቲ ፖላንድ ናብ ሃገሮም ንኺምለሱ ዜቕረበሎም ዕድመ ተቐቢሎምዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ ካብ ፈረንሳ ምስ ወጹ እውን ከይተረፈ፡ ፍረ ጻዕሮምን ጻዕሪ ፈረንሳውያን ኣሕዋቶምን ተራእዩ እዩ። ከመይሲ፡ ኣብታ ዓመት እቲ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብ10 ሚእታዊት ወሲኾም እዮም። ካብ 1948 ክሳዕ 1950 ኣብ ዝነበረ ዓመታት እውን በብዓመቱ 20 ሚእታዊት፡ 23 ሚእታዊት፡ ከምኡ እውን 40 ሚእታዊት ወሰኽ ተራእዩ እዩ። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ፈረንሳ ነዞም ሓደስቲ ኣስፋሕቲ ምእንቲ ኼሰልጥን ኢሉ፡ ብ1948 ንመጀመርታ ግዜ ሓለውቲ ወረዳ ሸመ። ካብቶም እተመርጹ ሓሙሽተ ኣሕዋት፡ እቶም ኣርባዕተ፡ ኣንትዋን ስክሌኪ እውን ዚርከቦም ፖላንዳውያን እዮም ነይሮም።

ኣባሓጎታት እቶም ኣብ ፈረንሳ ዚነብሩ ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቶም ኣብ ዕደናን ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን ብትግሃት ዚዓይዩ ዝነበሩ ፖላንዳውያን እዮም። ሎሚ እውን ኣብ ፈረንሳ ዚነብሩ ሓያሎ ስደተኛታት ሓቂ ይምሃሩ ኣለዉ። እቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝዀኑ ወንጌላውያን፡ ገሊኦም ናብ ዓዶም ብምምላስ፡ ገሊኦም ከኣ ኣብታ ሃገር ንኺነብሩ ብምውሳን፡ ኣሰር እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ፖላንዳውያን እናሰዓቡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ይእውጁ ኣለዉ።—ኣብ ፈረንሳ ኻብ ዚርከብ መዛግብትና።