ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ሓምለ 2015

ኣብ ገሊላ ዚርከብ ዱር ቢርያ (ታሕቲ)

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ጥንታዊት እስራኤል ብዱር እተሸፈነት ድያ ነይራ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ገሊኡ ኸባቢ ምድሪ ተስፋ ብዱር እተሸፈነ ስለ ዝነበረ፡ ኣዝዩ ‘ብዙሕ’ ኣእዋም እዩ ነይሩ። (1 ነገ. 10:27፣ እያ. 17:15, 18) ኰይኑ ግና፡ ነቲ ሎሚ ዘሎ ምብራስ ኣግራብ ዘጋጠሞ ዝበዝሐ ኽፋል እስራኤል ዚርእዩ ተጠራጠርቲ ሰባት፡ ብሓቂ ጥንታዊት እስራኤል ብዱር እተሸፈነት እንተ ነይራ ይሓትቱ እዮም።

ብዙሕ ፍረ ሳግላ

ላይፍ ኢን ቢብሊካል ኢዝራኤል ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዱር፡ ካብቲ ሎሚ ዘለዎ ኣዝዩ ዝሰፍሐ እዩ ነይሩ” በለት። እቲ ኣብ ከበሳ ዝነበረ ዱር፡ ብቐንዱ ብጽሕድን (Pinus halepensis) ወትሩ ሓምላይ ብዝዀነ ዳዕሮን (Quercus calliprinos) ተረቢንዝ ብዚብሃል ኦምን (Pistacia palaestina) እተሸፈነ እዩ ነይሩ። ኣብ ቈላ ድማ፡ ማለት ኣብቲ ኣብ መንጎ ማእከላይ ሰንሰለት ኣኽራንን ገማግም መዲተራነያንን ዝነበረ እግሪ እምባታት፡ ሳግላ (Ficus sycomorus) ብብዝሒ ነበረ።

ፕላንትስ ኦቭ ዘ ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ ገሊኡ ሕጂ ዘሎ ኸባቢታት እስራኤል፡ ጥር እትብል ኦም የብሉን። ነዚ ጠንቁ እንታይ እዩ፧ እታ መጽሓፍ፡ ጠንቂ እቲ ጸገም ቀስ ብቐስ ዝመጸ ምዃኑ ኽትገልጽ ከላ፡ “ደቂ ሰብ ብቐንዱ ንማሕረስን ንመጋሃጫን ዚኸውን መሬት ንምርካብ፡ ኣብ ርእሲኡ እውን ንህንጻታትን ንሓውን ዚኸውን ኦም ንምርካብ፡ ንነዊሕ እዋን ነቲ ዱር ጨፍጪፎምዎ እዮም” በለት።