ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)  |  ሓምለ 2015

‘ድሕነትኩም ቀሪቡ እዩ’

‘ድሕነትኩም ቀሪቡ እዩ’

“እዚ ኪኸውን ምስ ጀመረ ግና፡ ድሕነትኩም ስለ ዝቐረበ፡ ቅንዕ በሉ፡ ርእስኹም እውን ኣልዕሉ።”—ሉቃ. 21:28

መዝሙር፦ 49, 43

1. ብ66 ድ.ክ. እንታይ እዩ ተፈጺሙ፧ (ኣብ ገጽ 14 ዘላ ስእሊ ርአ።)

ብ66 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም እትነብር ክርስትያን ከም ዝዀንካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣብ ከባቢኻ ብዙሕ ነገራት ይፍጸም ነበረ። ፈለማ፡ ፍሎረስ ዝስሙ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ኻብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ሳጹን፡ 17 ታለንት መንዚዑ ወሰደ። ብኡብኡ፡ ኣይሁድ ዓመጽ ኣለዓዒሎም፡ ኣብ የሩሳሌም ንዝነበሩ ሰራዊት ሮሜ ኪቐትልዎም ጀመሩ እሞ፡ ካብ ግዝኣት ሮሜ ናጻ ዀይኖም ከም ዚመሓደሩ ኣወጁ። ይኹን እምበር፡ ሮሜ ብኡብኡ መልሰ ግብሪ ሃበት። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ፡ 30,000 ወተሃደራት ሮሜ ብሰስተስ ጋለስ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ሶርያ ተመሪሖም ንየሩሳሌም ከበብዋ። እቶም ወተሃደራት ቀልጢፎም ኣብ ቀጽርታት የሩሳሌም ደየቡ፡ እቶም ዝዓለዉ ኣይሁድ ከኣ ኣብ ዕርድታት እቲ ቤተ መቕደስ ተሓብኡ። ድሕሪኡ ወተሃደራት ሮሜ፡ ነቲ ናይ ወጻኢ መካበብያ እቲ ቤተ መቕደስ ኬፍርሱ ጀመሩ። ምልእቲ ኸተማ ድማ ረዓደት። እዚ ዅሉ ኺፍጸም ከሎ እንተ ትርእስ እንታይ ምተሰምዓካ፧

2. ብ66 ድ.ክ. ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ስጉምቲ እዮም ወሲዶም፧ ከምኡ ኺገብሩ ዝኸኣሉኸ ብኸመይ እዮም፧

2 ነተን የሱስ እተዛረበን፡ ሉቃስ ከኣ ኣብ ወንጌል ዝመዝገበን፡ “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ ምስ ረኣኹም ከኣ፡ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ”  ዚብላ ቓላት ከም እትዝክረን ፍሉጥ እዩ። (ሉቃ. 21:20) የሱስ ኣስዒቡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሽዑ፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፣ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ፣ እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉ እውን ናብኣ ኣይእተዉ” ብምባል ተዛሪብዎም ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 21:21) የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ ኽነሳ፡ ክርስትያናት ብኸመይ እዮም ካብኣ ኺወጹ ዚኽእሉ ነይሮም፧ ሓደ ዜደንጹ ነገር ተፈጺሙ እዩ። ሰራዊት ሮሜ ብሃንደበት ካብ የሩሳሌም ወጹ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተነግረ፡ እቲ ዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ‘ሓጺሩ’ እዩ። (ማቴ. 24:22) ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቶም እሙናት ክርስትያናት ንመምርሒ የሱስ ኪእዘዙ ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም። ስለዚ፡ እቶም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ከባቢኣን ዝነበሩ እሙናት ክርስትያናት ንመምርሒ የሱስ ብምእዛዝ ስግር ርባ ዮርዳኖስ ናብ ዘሎ ኣኽራን ሃደሙ። * ድሕሪኡ፡ ብ70 ድ.ክ. ሓድሽ ሰራዊት ሮሜ ናብ የሩሳሌም መጸ። ነታ ኸተማ ድማ ኣጥፈኣ። እቶም ንመምርሒ የሱስ እተኣዘዙ ክርስትያናት ግና ደሓኑ።

3. ኣብዚ ቐረባ ግዜ፡ ክርስትያናት እንታይ ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ኼጋጥሞም፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 እቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታን መምርሕን ኣብ ግዜና እውን ዚውዕል እዩ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ተመሳሳሊ ዅነታት ኬጋጥም እዩ። የሱስ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተፈጸመ ፍጻመታት፡ “ብርቱዕ ጸበባ” ሃንደበት ኪመጽእ ከሎ ምስ ዜጋጥም ፍጻመታት ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ማቴ. 24:3, 21, 29) እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ካብዚ ብደረጃ ዓለምለኸ ዚፍጸም ጥፍኣት ዚድሕኑ፡ “ብዙሓት ህዝቢ” ኣለዉ። (ራእይ 7:9, 13, 14 ኣንብብ።) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ፍጻመታት እንታይ እዩ ዚነግረና፧ ድሕነትና ስለ ዝቐረበ፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣዝዩ የገድሰና እዩ። ቀጺልና እምበኣር፡ እዚ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ፍጻመታት ንነፍሲ ወከፍና ብብሕቲ ብኸመይ ከም ዚጸልወና ብዝርዝር ንርአ።

ምጅማር እቲ ብርቱዕ ጸበባ

4. እቲ ብርቱዕ ጸበባ ብኸመይ እዩ ዚጅምር፧

4 እቲ ብርቱዕ ጸበባ ብኸመይ እዩ ዚጅምር፧ መጽሓፍ ራእይ፡ ብጥፍኣት “ዓባይ ባቢሎን” ከም ዚጅምር እያ እትገልጽ። (ራእ. 17:5-7) ኵለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ምስ ሓንቲ ኣመንዝራ ተመሳሲለን ኣለዋ። ከመይሲ፡ ኣቕሽሽቲ ምስ መራሕቲ እዛ እክይቲ ዓለም መንዚሮም እዮም። ንየሱስን ንመንግስቱን ብተኣማንነት ኣብ ክንዲ ዚድግፉ፡ ፖለቲካዊ ጽልዋ ምእንቲ ኺህልዎም ኢሎም ንሰብኣውያን መራሕቲ ደጊፎም ንስርዓታት ኣምላኽ ድማ ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም። እዚኣቶም ምስቶም ንጹሃትን ደናግልን ዝዀኑ ቕቡኣት ኣምላኽ ኪነጻጸሩ ኸለዉ፡ ሰማይን ምድርን እዮም። (2 ቈረ. 11:2፣ ያእ. 1:27፣ ራእ. 14:4) ይኹን እምበር፡ ነዛ ምስ ኣመንዝራ ተመሳሲላ ዘላ ውድብ መን እዩ ዜጥፍኣ፧ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ልቢ እቲ “ዓሰርተ ቐርኒ” ዘለዎ “ቐይሕ ኣራዊት፡” “ሓሳቡ” ኼእቱ እዩ። እቲ “ቐይሕ ኣራዊት” ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኬመልክት ከሎ፡ እቲ “ዓሰርተ ቐርኒ” ኸኣ ንዅሎም እቶም ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዚድግፉ ፖለቲካዊ ሓይልታት የመልክት።—ራእይ 17:3, 16-18 ኣንብብ።

5, 6. ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ኪብሃል ከሎ፡ ሞት ኵሎም ሃይማኖታውያን ሰባት ከም ዝዀነ ጌርና ዘይንርድኦ ስለምንታይ ኢና፧

5 ዓባይ ባቢሎን ክትጠፍእ ከላ፡ ኵሎም ኣባላት ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ኪጠፍኡ እዮም ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ነብዪ ዘካርያስ ብመንፈስ ተመሪሑ ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ጽሒፉ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ሓደ ኣባል ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝነበረ ሰብ ኬዘንቱ ኸሎ ኸምዚ ይብል፦ “ሰብ ካብ ንእስነተይ ገዚኡኒ እዩ እሞ፡ ሓረስታይ እየ እምበር፡ ነብዪ ኣይኰንኩን፡ ኪብል እዩ። ንእኡ ኸኣ፡ እዚ ኣብ ማእከል  ኣእዳውካ ዘሎ ቝስሊ እንታይ እዩ፧ እንተ በልዎ፡ ንሱ ድማ፡ እዚ ኣብ ቤት እቶም ዘፍቅሩኒ እተወጋእክዎ እዩ፡ ኪብል እዩ።” (ዘካ. 13:4-6) ስለዚ፡ ገለ ኻብቶም ካህናት ሃይማኖቶም ከም ዚገድፉን ኣባላት ከም ዝነበሩ እውን ከይተረፈ ኸም ዚኽሕዱን እዩ ዚመስል።

6 ኣብቲ ግዜ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ብኸመይ እዮም ኪድሕኑ፧ የሱስ፡ “እተን መዓልትታት እቲአን እንተ ዘይሓጽራስ፡ ስጋ ዘበለ ኣይምደሓነን፣ ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና፡ እተን መዓልትታት እቲአን ኪሓጽራ እየን” በለ። (ማቴ. 24:22) ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ ብ66 ድ.ክ.፡ መዓልትታት እተን መከራ ‘ሓጺረን’ እየን። እዚ ኸኣ ነቶም “ሕሩያት” ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ካብታ ኸተማን ካብ ከባቢኣን ንኺሃድሙ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ቀዳማይ ክፋል እቲ ዚመጽእ ብርቱዕ ጸበባ፡ “ምእንቲ እቶም ሕሩያት” ‘ኪሓጽር’ እዩ። ነቶም ፖለቲካውያን “ዓሰርተ ቐርኒ” ንህዝቢ ኣምላኽ ኬጽንቱ ኣይኪፍቀደሎምን እዩ። ንሓጺር ግዜ ድማ ዕረፍቲ ኺህሉ እዩ።

ግዜ ፈተናን ፍርድን

7, 8. ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ውድባት ምስ ጠፍኣ፡ እንታይ ኵነታት እዩ ኺህሉ፧ ሽዑ እቶም እሙናት ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ካልኦት ዚፍለዩ ብኸመይ እዮም፧

7 ናይ ሓሶት ሃይማኖታውያን ውድባት ምስ ጠፍኣ እንታይ እዩ ኼጋጥም፧ እቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ልብና ብሓቂ እንታይ ከም ዘሎ ዚግለጸሉ ግዜ እዩ። መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ፡ ካብተን ምስ “ኣኻውሕ ኣኽራን” እተመሳሰላ ውድባት ደቂ ሰብ ዕቝባ ኺደልዩ እዮም። (ራእ. 6:15-17) ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ግና፡ ህዝቢ ኣምላኽ ናብቲ የሆዋ ዜዳልዎ መዕቈቢ ኺሃድሙ እዮም። እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ እዋን ዕረፍቲ፡ ብዙሓት ኣይሁድ ብጃምላ ናብ ክርስትና ዚቕየሩሉ እዋን ኣይኰነን ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም ድሮ ክርስትያናት ዝነበሩ ስጕምቲ ዚወስዱሉን ተኣዛዝነቶም ዜርእዩሉን እዋን እዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚህሉ ግዜ ዕረፍቲ፡ ሓደስቲ ኣመንቲ ኣይኪውሕዙን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኵሎም ናይ ሓቂ ኣመንቲ፡ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ዜርእዩሉን ንኣሕዋት ክርስቶስ ደገፎም ዚህቡሉን ኣጋጣሚ እዩ ኪኸውን።—ማቴ. 25:34-40

8 ኣብቲ ግዜ ፈተና እንታይ ከም ዚፍጸም ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ እተወሰነ መስዋእቲ ኸም ዚሓትት ክንግምት ንኽእል ኢና። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ምእንቲ ኺድሕኑ ኢሎም ንብረቶም ጠንጢኖም ሃዲሞምን ከቢድ ሽግራት ተጻዊሮምን እዮም። (ማር. 13:15-18) ንሕናኸ፡ እሙናት ኴንና ምእንቲ ኽንነብር ኢልና፡ ጥሪትና ኽንሓድግ ፍቓደኛታት ክንከውን ዲና፧ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ንኸነርኢ፡ ካባና ዚድለ ዘበለ ንኽንገብር ተዳሊና ኽንጸንሕ ዲና፧ ሕስብ እሞ ነብሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዝመጸ እንተ መጸ ኸየባተኽና ንየሆዋ ጥራይ ብምምላኽ፡ ኣብነት እቲ ጥንቲ ዝነበረ ነብዪ ዳንኤል እንስዕብ ንሕና ጥራይ ኢና።—ዳን. 6:10, 11

9, 10. (ሀ) ኣብቲ ግዜ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ መልእኽቲ እዮም ኪእውጁ፧ (ለ) ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ እዮም ኪገብሩ፧

9 እቲ እዋን እቲ፡ “ብስራት መንግስቲ” እንሰብከሉ እዋን ኣይኰነን። ሽዑ፡ ብስራት ዚስበኸሉ ግዜ ሓሊፉ፡ “መወዳእታ” ዚመጸሉ ግዜ እዩ። (ማቴ. 24:14) ኣብቲ ግዜ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ሓያል መልእኽቲ ፍርዲ ኺእውጁ እዮም። እዚ መልእኽቲ ፍርዲ እዚ፡ እዛ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ምሉእ ብምሉእ እትጠፍኣሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ መልእኽቲ እዚ፡ ምስ በረድ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “ኣስታት ሓሓደ ታለንት ዝምኽባዱ ዓበይቲ በረድ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ፣ እቲ መዓት ኣዝዩ ዓብዪ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ሰብ ብሰሪ እቲ መዓት በረድ ንኣምላኽ ጸረፍዎ።”—ራእ. 16:21

10 ጸላእትና ነዚ ኼስተብህሉሉ እዮም። ነብዪ  ህዝቅኤል ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ፡ እቲ ንጕጅለ መንግስትታት ዜመልክት ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ እንታይ ከም ዚገብር ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፤ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነገር ኣብ ልብኻ ኺትንስእ እዩ፡ እኩይ እማመ ኽትእምም ኢኻ፡ እሞ፤ ናብታ ዘይተዐርደት ከተማ ክድይብ፡ ናብቶም ሀዲኦም ብደሓን ዚነብሩ፡ ኵላቶም ብዘይ ቀጽሪ ዘለዉ፡ መሃርሃርን መዓጹን ዜብሎም ህዝቢ ሓደጋ ኽወድቆም እየ፡ ክትብል ኢኻ። ክትማርኽን ክትብዝብዝን፡ ናብቲ ኸብትን ሃብትን ዘጥረየ፡ ካብ ህዝብታት እተአከበ፡ ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ ዚነብር ዘሎ ህዝቢ ኢድካ ኽትዝርግሕ ክትድይብ ኢኻ።” (ህዝ. 38:10-12) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ፡ ልክዕ ከም “ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ” ዘለዉ፡ ካብ ካልኦት ብንጹር ኪፍለዩ እዮም። ሽዑ ህዝብታት ወይ ሃገራት ስጕምቲ ኺወስዱ ኺህንደዱ እዮም። እወ፡ ንቕቡኣት የሆዋን ንብጾቶምን ኬጥቅዑ ኺድረኹ እዮም።

11. (ሀ) ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ ብዛዕባ መስርዕ ፍጻመታት እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ (ለ) ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ዚርአ ምልክታት እንታይ እዩ ኺስምዖም፧

11 ብዛዕባ እቲ ቐጺሉ ዚፍጸም ኵነታት ክንምርምር ከለና፡ ቃል ኣምላኽ፡ መስርዕ ፍጻመታት እቲ ሽዑ ዚህሉ ዅነታት ከመይ ምዃኑ ብንጹር ከም ዘይነግረና ክንዝክር ይግባእ። ይኹን እምበር፡ ገሊኡ ፍጻመታት ኣብ ሓደ እዋን ዚፍጸም እዩ ዚመስል። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ መደምደምታ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ እተዛረቦ ትንቢት ከምዚ በለ፦ “ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ፡ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ፣ ኣብ ምድሪ እውን ኣህዛብ ብሰንኪ ደሃይ ባሕርን ነውጹን መዋጽኦ ብዘይምፍላጦም፡ ኪጭነቑ እዮም፣ ሓይልታት ሰማያት ኪናወጽ እዩ እሞ፡ ብፍርህን ብትጽቢት እቲ ኣብ ዓለም ዚመጽእን፡ ሰባት ውኖኦም ኪጠፍኦም እዩ። ሽዑ፡ ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን ብደበና ኺመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም።” (ሉቃ. 21:25-27፣ ማርቆስ 13:24-26 ኣንብብ።) እዚ ትንቢት እዚ ኺፍጸም ከሎ፡ ኣብ ሰማይ ዜፍርህ ትእምርትታትን ፍጻመታትን ኪህሉ ድዩ፧ ክንጽበ ጥራይ እዩ ዘሎና። ይኹን እምበር፡ እቲ ትእምርቲ ንጸላእቲ ኣምላኽ ራዕድን ፍርህን ከም ዜሕድረሎም ፍሉጥ እዩ።

ድሕነትና ኸም ዝቐረበ ስለ እንፈልጥ፡ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኪህልወና እዩ (ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 12, 13 ርአ)

12, 13. (ሀ) የሱስ “ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን” ኪመጽእ ከሎ እንታይ እዩ ኺፍጸም፧ (ለ) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ እዮም ኪገብሩ፧

12 የሱስ “ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን” ኪመጽእ ከሎ እንታይ እዩ ኺፍጸም፧ እቲ እዋን እቲ፡ እቶም እሙናት ዓስቦም ዚቕበሉሉ፡ እቶም ዘይእሙናት ከኣ ዚቕጽዑሉ እዋን እዩ። (ማቴ. 24:46, 47, 50, 51፣ 25:19, 28-30) ብመሰረት ማቴዎስ፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ነገራት ዝሓቘፈ ምልክት ድሕሪ ምግላጹ፡ ነዚ ዚስዕብ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ሃበ፦ “ወዲ ሰብ ምስ ኵሎም መላእኽቱ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ሽዑ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ኪቕመጥ እዩ። ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኺእከቡ እዮም፣ ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ጓሳ ንኣባጊዕ ካብ ኣጣል ዚፈላልየን፡ ካብ ንሓድሕዶም ኪፈላልዮም እዩ። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ ኺገብረን እዩ።” (ማቴ. 25:31-33) እተን ኣባጊዕን እተን ኣጣልን እንታይ ፍርዲ እዩ ኺውሃበን፧ እቲ ምሳሌ፡ “እዚኣቶም [እቶም ብኣጣል እተመሰሉ] ናብ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት፡ ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም” ብዚብል ቃላት ይዛዘም።—ማቴ. 25:46

13 እቶም ብኣጣል እተመሰሉ፡ “ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት” ከም ዚጽበዮም ምስ ፈለጡ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧ “ደረቶም እናወቕዑ ኼልቅሱ እዮም።” (ማቴ. 24:30) ኣሕዋት ክርስቶስን እቶም እሙናት ብጾቶምን ግና ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ እዮም ኪገብሩ፧ ኣብ የሆዋ ኣምላኽን ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስን ምሉእ እምነት ስለ ዘለዎም፡ ነቲ የሱስ፡ “እዚ ኪኸውን ምስ ጀመረ ግና፡ ድሕነትኩም ስለ ዝቐረበ፡ ቅንዕ በሉ፡ ርእስኹም እውን ኣልዕሉ” ብምባል ዝሃቦም ትእዛዝ ኪሕልውዎ እዮም። (ሉቃ. 21:28) እወ፡ ድሕነትና  ኸም ዝቐረበ ስለ እንፈልጥ፡ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኺህልወና እዩ።

ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ደሚቖም ይበርሁ

14, 15. ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ መጥቃዕቲ ደድሕሪ ምጅማሩ እንታይ ዕዮ ምእካብ እዩ ኺህሉ፡ እዚ ዕዮ ምእካብ እዚኸ እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧

14 ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ኺፍኑ ምስ ጀመረ፡ እንታይ እዩ ኺፍጸም፧ ማርቆስ፡ “[ወዲ ሰብ] ንመላእኽቱ ኺልእኮም፡ ንሕሩያቱ እውን ካብ ኣርባዕተ ንፋሳት፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ” ዚብል ሓሳባት መዝጊቡ ኣሎ። ማቴዎስ እውን ተመሳሳሊ ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ። (ማር. 13:27፣ ማቴ. 24:31) እዚ ዕዮ ምእካብ እዚ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ምእካብ እቶም ቅቡኣት ኰነ ነቲ ናይ መወዳእታ ምሕታም እቶም ተረፍ ቅቡኣት ዜመልክት ኣይኰነን። (ማቴ. 13:37, 38) እቲ ናይ መወዳእታ ምሕታም፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቐቅድሚ ምጅማሩ እዩ ዚፍጸም። (ራእ. 7:1-4) እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ዕዮ ምእካብ ደኣ እሞ እንታይ እዩ ዜመልክት፧ ነቲ ተረፍ ቅቡኣት እቶም 144,000 ሰማያዊ ዓስቦም ዚቕበሉሉ እዋን እዩ ዜመልክት። (1 ተሰ. 4:15-17፣ ራእ. 14:1) እዚ ፍጻመ እዚ፡ ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ መጥቃዕቲ ኺፍኑ ደድሕሪ ምጅማሩ ኣብ ዘሎ ግዜ እዩ ዚፍጸም። (ህዝ. 38:11) ሽዑ፡ እቲ፡ “ጻድቃን ኣብ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ደሚቖም ኪበርሁ እዮም” ዚብል ቃላት የሱስ ኪፍጸም እዩ።—ማቴ. 13:43 *

15 ኣብ ህዝበ ክርስትያን ዘለዉ ሓያሎ ሰባት፡ ክርስትያናት ስጋ ለቢሶም ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ እዮም ዚኣምኑ። ብዘይካዚ፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ንኺገዝእ ብዚርአ መገዲ ኸም ዚምለስ እዮም ዚሓስቡ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርአ፡” የሱስ ከኣ “ብደበና ሰማይ ኪመጽእ” ምዃኑ ብንጹር ይገልጽ  እዩ። (ማቴ. 24:30) እዚ መግለጺ እዚ፡ የሱስ ብዘይርአ መገዲ ኸም ዚመጽእ ዚሕብር እዩ። ብተወሳኺ፡ “ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይክእል” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ እቶም ናብ ሰማይ ዚኸዱ፡ “እታ ናይ መወዳእታ መለኸት ኣብ እትንፍሓሉ እዋን፡ ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ” ኺልወጡ ኼድሊ እዩ። * (1 ቈረንቶስ 15:50-53 ኣንብብ።) እወ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተረፍ ቅቡኣት፡ ብቕጽበት ኪእከቡ እዮም።

16, 17. መርዓ እቲ ገንሸል ኣብ ሰማይ ቅድሚ ምፍጻሙ እንታይ ኪህሉ እዩ፧

16 ኵሎም እቶም 144,000 ናብ ሰማይ ምስ ከዱ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ምድላዋት መርዓ እቲ ገንሸል ኪጅምር ይኽእል እዩ። (ራእ. 19:9) ቀቅድሚ እቲ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ ግና ሓደ ዚፍጸም ነገር ኣሎ። ተረፍ እቶም 144,000 ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምኻዶም፡ ጎግ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ኸም ዚጅምር ርኢና ኔርና ኢና። (ህዝ. 38:16) እዚ መጥቃዕቲ እዚ እንታይ እዩ ዜለዓዕል፧ ኣብ ምድሪ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣደዳ መጥቃዕቲ ዚዀኑ እዩ ዚመስል። ንሳቶም ነቲ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ኣብ መዓልትታት ንጉስ ዮሳፋጥ እተዋህበ መምርሒ ኺእዘዝዎ እዮም፦ “ኣቱም ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ንስኻትኩምሲ ኣብዚ ኣይክትዋግኡን ኢኹም፡ ንቕድሚት ኣቢልኩም ደኣ ደው በሉ እሞ፡ እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ርአዩ፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን ከኣ።” (2 ዜና 20:17) ኣብ ሰማይ ግና፡ ካልእ ነገር እዩ ኺፍጸም። ራእይ 17:14 ነቲ ዅሎም ቅቡኣት ናብ ሰማይ ዚውሰዱሉ ግዜ ኣመልኪታ ብዛዕባ ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ ከምዚ ትብል፦ “እዚኣቶም ምስቲ ገንሸል ኪዋግኡ እዮም፣ እቲ ገንሸል ግና ጐይታ ጐይተትን ንጉሰ ነገስትን ስለ ዝዀነ፡ ኪስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን እውን ኪስዕሩ እዮም።” የሱስ ምስቶም ኣብ ሰማይ ምስኡ ዚነግሱ 144,000 ኰይኑ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ኬድሕኖም ኪመጽእ እዩ።

17 ውግእ ኣርማጌዶን እቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ኸም ዚውደስ ኪገብር እዩ። (ራእ. 16:16) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኵሎም ብኣጣል እተመሰሉ ሰባት፡ “ናብ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት” ኪኸዱ እዮም። ሽዑ ምድሪ ኻብ ኵሉ እከይ ክትጸሪ፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ካብቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺድሕኑ እዮም። ኵሉ ምድላዋት ምስ ተወድአ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተጠቒሱ ዘሎ ባህ ዜብል ናይ መወዳእታ ፍጻመ፡ ማለት መርዓ እቲ ገንሸል ኪፍጸም እዩ። (ራእ. 21:1-4) * ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚድሕኑ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ሞገስ ኣምላኽ ስለ ዚረኽቡ፡ ፍቕሩን ልግሱን ኬስተማቕሩ እዮም። ኣየ ሽዑስ ከመይ ዝበለ ዜሐጕስ እዋን መርዓ ዀን እዩ ኪኸውን! ነቲ እዋን እቲ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ።—2 ጴጥሮስ 3:13 ኣንብብ።

18. ነቲ ብትንቢት እተነግረ ባህ ዜብል ፍጻመታት እናተጸበና፡ እንታይ ክንገብር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

18 ነዚ ባህ ዜብል ፍጻመታት እዚ እናተጸበና፡ ነፍሲ ወከፍና ሕጂ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመንፈስ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እዚ ዅሉ በዚ ኸምዚ ዚጠፍእ ካብ ኰነ፡ ብቕዱስ ኣነባብራን ብግብርታት ኣምላኻዊ ተወፋይነትን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም! . . . ነቲ መዓልቲ የሆዋ ኣብዚ እትህልወሉ እዋን ተጸበይዎ፡ ብሓሳብኩም እውን ኣቐልጥፍዎ። ስለዚ፡ ፍቑራተየ፡ ነዚ ትጽበዩ ኻብ ኣለኹም፡ ብዘይ ርስሓትን ብዘይ ኣበርን ኴንኩም ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ።” (2 ጴጥ. 3:11, 12, 14) ሃየ እምበኣር፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንጹሃት ብምዃን ነቲ ንጉስ ሰላም እናደገፍና ኽንነብር ቈራጽነት ንግበር።

^ ሕ.ጽ. 2 ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 2012 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 25-26 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 15 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ስጋዊ ኣካል እቶም ብህይወት ዘለዉ ቕቡኣት ናብ ሰማይ ኣይኪድይብን እዩ። (1 ቈረ. 15:48, 49) ልክዕ ከምቲ የሱስ ስጋዊ ኣካሉ ገዲፉ ዝኸደ፡ እቶም ቅቡኣት እውን ስጋዊ ኣካሎም ገዲፎም ኪኸዱ እዮም።

^ ሕ.ጽ. 17 መዝሙር 45 እውን ብዛዕባ እቲ መስርዕ ፍጻመታት ሓበሬታ ትህበና እያ። ፈለማ፡ እቲ ንጉስ ኣብቲ ውግእ ይዋጋእ፡ ድሕሪኡ እቲ መርዓ ይፍጸም።