ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ግንቦት 2015

ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘተስፈወ ኣምላኽ ምሰሎ

ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘተስፈወ ኣምላኽ ምሰሎ

“ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ምሰልዎ።” —ኤፌ. 5:1

1. ባህርያት ኣምላኽ ክንቀድሕ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

የሆዋ ንርእስና ኣብ ቦታ ኻልኦት ናይ ምግባር ክእለት ሂቡና እዩ። ብመጠኑ እውን እንተ ዀነ፡ ካልኦት ንዜሕልፍዎ ዘይተመከርናዮ ዅነታት ክንርዳእ ንኽእል ኢና። (ኤፌሶን 5:1, 2 ኣንብብ።) እሞኸ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ብኸመይ ኢና ብጥበብ ክንጥቀመሉ እንኽእል፧ ንጕድኣትና ምእንቲ ኸይንጥቀመሉኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

2. ጸበባና ንየሆዋ ብኸመይ እዩ ኺጸልዎ ዚኽእል፧

2 ኣምላኽ ንእሙናት ቅቡኣት ኣብ ሰማይ ዘይመውት ህይወት ኪህቦም፡ ነቶም እሙናት ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” የሱስ ከኣ ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም ምትስፋዉ ንዅልና ኸም ዜሐጕሰና ፍሉጥ እዩ። (ዮሃ. 10:16፣ 17:3፣ 1 ቈረ. 15:53) እቲ ኣብ ሰማይ ዚህሉ ዘይመውት ህይወት ኰነ እቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ዘለኣለማዊ ህይወት በቲ ሎሚ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ስቓይ ከም ዘይትንከፍ ከኣ ፍሉጥ እዩ። የሆዋ ልክዕ ከምቲ ንስቓይ እቶም ኣብ ግብጺ ባሮት ዝነበሩ እስራኤላውያን ዚፈልጦ ዝነበረ እሞ፡ ‘ኣብ ኵሉ ጸበባኦም ዝጸበቦ፡’ ሎሚ እውን ነቲ እነሕልፎ ስቓይ ይፈልጦ እዩ። (ኢሳ. 63:9) እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ዘመናት  ጸኒሑ፡ ኣይሁድ ነታ ዝፈረሰት ቤተ መቕደስ እንደገና ኺሃንጽዋ ምስ ደለዩ፡ ጸላእቲ ስለ እተጻረርዎም ፈርሁ። ኣምላኽ ግና፡ “እቲ ንኣኻትኩም ዚትንክስ፡ መርዓት ዓይኑ [“ዓይነይ፡” NW] እዩ ዚትንኪ” በሎም። (ዘካ. 2:8) ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ኣደ ንውሉዳ እትርሕርሓሉ፡ የሆዋ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ፍቕራዊ ተግባር ኪፍጽም ይድረኽ እዩ። (ኢሳ. 49:15) ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ የሆዋ ንርእሱ ኣብ ቦታ ኻልኦት ኪገብር ይኽእል እዩ፣ እዚ ኽእለት እዚ ንዓና እውን ሂቡና እዩ።—መዝ. 103:13, 14

የሱስ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዘንጸባረቐ

3. የሱስ ርሕሩሕ ከም ዝነበረ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

3 የሱስ፡ ሰባት ኪሳቐዩ ኸለዉ፡ ከምቲ ናታቶም ኵነታት ፈጺሙ ዘየሕለፈ ኽነሱ እንታይ ከም ዚስምዖም ይርድኦ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ተራ ሰባት ነቶም ዜታልልዎምን ብብዙሕ ስርዓት ሰብ ጾር ዜሰክምዎምን ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ይፈርህዎም ነበሩ። (ማቴ. 23:4፣ ማር. 7:1-5፣ ዮሃ. 7:13) የሱስ ፈሪሁ ወይ ተታሊሉ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ንዘይተመከሮ ዅነታት ኪርድኦ ግና ይኽእል ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ “ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ድርቡያትን ስለ ዝነበሩ፡ ደንገጸሎም።” (ማቴ. 9:36) የሱስ ልክዕ ከም ኣቦኡ ኣፍቃርን ርሕሩሕን እዩ ነይሩ።—መዝ. 103:8

4. የሱስ፡ ስቓይ ካልኦት ምርኣዩ እንታይ ንኺገብር እዩ ደሪኽዎ፧

4 የሱስ፡ ሰባት ኪሳቐዩ ኺርእዮም ከሎ፡ ኬፍቅሮም ይድረኽ ነበረ። ስለዚ፡ ንፍቕሪ ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቕዋ እዩ። የሱስን ሃዋርያቱን ሰፊሕ ዕዮ ስብከት ድሕሪ ምፍጻሞም ናብ ብሕት ዝበለ ቦታ ኸይዶም ኬዕርፉ ተበገሱ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ነቶም ዚጽበይዎ ዝነበሩ ሰባት ስለ ዝደንገጸሎም፡ ግዜኡ ሰዊኡ፡ ‘ብዙሕ ኪምህሮም ጀመረ።’—ማር. 6:30, 31, 34

ንፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ ክንቀድሓ ኸም እንኽእል

5, 6. ንፍቕሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንቀድሓ፡ ንብጻይና ብኸመይ ኢና ኽንሕዞ ዘሎና፧ መረዳእታ ሃብ። (ኣብ ገጽ 24 ዘላ ስእሊ ርአ።)

5 ንብጻይና ብእንሕዘሉ መገዲ ንፍቕሪ ኣምላኽ ክንቀድሓ ንኽእል ኢና። ንመረዳእታ፡ ኣሮን ዚብሃል ክርስትያን መንእሰይ፡ ብዛዕባ ሓደ ኣረጋዊ ሓው ይሓስብ ኣሎ ንበል። እቲ ኣረጋዊ ዓይኑ ስለ ዝደኸመ ምንባብ የጸግሞ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ብእግሩ ኻብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ እውን የጸግሞ እዩ። ኣሮን ነቲ የሱስ እተዛረቦ፡ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ እውን፡ ንስኻትኩም ከምኡ ግበሩሎም” ዚብል ቃላት ይዝክር። (ሉቃ. 6:31) ሽዑ ኣሮን፡ ‘ሰባት እንታይ ኪገብሩለይ እየ ዝደልዮም፧’ ኢሉ ንርእሱ ይሓትታ እሞ፡ ‘ምሳይ ኵዕሶ ኺጻወቱ እየ ዝደልዮም’ ብምባል ብሓቅነት ይምልስ። እቲ ኣረጋዊ ሓው ግና ምስ ኣሮን ኵዕሶ ኺጻወት ኣይክእልን እዩ። እቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት፡ ‘ኣነ ኣብ ቦታ ብጻየይ ነይረ እንተ ዝኸውን፡ ብጻየይ እንታይ ኪገብረለይ ምደለኽዎ’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኸም ዘሎና ዚእምት እዩ።

6 ኣሮን ኣረጋዊ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ግዜ እርጋን እንታይ ኪስምዖ ኸም ዚኽእል ኣብ ኣእምሮኡ ኺስእል ይኽእል እዩ። ፈለማ፡ ነቲ ኣረጋዊ ሓው ኬስተብህለሉን ብተገዳስነት ኪሰምዖን ጀመረ። በብቝሩብ ከኣ፡ ነቲ ኣረጋዊ ሓው መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ካብ ቤት ናብ ቤት ብእግሩ ምኻድን ከም ዜጸግሞ ኣስተብሃለሉ። ጭንቁ ምስ ተረድኣሉ ኸኣ፡ እንታይ ሓገዝ ከም ዜድልዮ ተራእዮ፡ ኪሕግዞ ኸኣ ደለየ። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ንፍቕሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንቀድሓ፡ ንርእስና ኣብ ቦታ ሓውና ኽንገብራ ይግባእ።—1 ቈረ. 12:26

ንኻልኦት ፍቕሪ ብምርኣይ ንየሆዋ ንምሰሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ንሰባት ስቓዮም ክሳዕ እንርድኣሎም ክንፈልጦም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 ሓድሓደ ግዜ ኻልኦት ንዜሕልፍዎ ስቓይ ክንርድኦ ኼጸግመና ይኽእል እዩ። ሓያሎ ሰባት  ዘይንፈልጦ ጸገማት የሕልፉ እዮም። ገሊኦም ብመጕዳእቲ፡ ብሕማም፡ ወይ ብእርጋን ኣካላዊ ጸገማት የሕልፉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ብሰንኪ ጭንቀትን መጥቃዕትን ግፍዕን ይሳቐዩ እዮም። ካልኦት ድማ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ወይ ብንጽል ወላዲ ኣብ እትመሓደር ስድራ ቤት እዮም ዚነብሩ። ኵሉ ሰብ ጸገማት የሕልፍ እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ እቲ ጸገም ንሕና ዘየሕለፍናዮ ዓይነት ጸገም እዩ ዚኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ንፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ክንቀድሓ ንኽእል፧ ንስምዒት እቲ ጸገም ዜሕልፍ ዘሎ ሰብ፡ ብመጠኑ እውን ይኹን ክሳዕ እንርድኦ ጽን ኢልና ብምስማዕ እዩ። እዚ ኸኣ ከከም ኣድላዪነቱ ብተግባር ብምግላጽ ንፍቕሪ የሆዋ ኽንቀድሓ ኺድርኸና እዩ። ኵሉ ሰብ ዜድልዮ ነገራት ሓደ ዓይነት ኣይኰነን። ግናኸ፡ መንፈሳዊ ምትብባዕን ካልእ ግብራዊ ሓገዝን ክንህብ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 12:15፣ 1 ጴጥሮስ 3:8 ኣንብብ።

ንለውሃት የሆዋ ቕድሓያ

8. ንየሱስ፡ ለውሃት ኬርኢ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

8 ወዲ ኣምላኽ፡ “እቲ ልዑል ንዘየመስግኑን ንእኩያትን ለዋህ እዩ” በለ። (ሉቃ. 6:35) የሱስ ንለውሃት ኣምላኽ ቀዲሕዋ እዩ። ከምኡ ኺገብር ዝሓገዞኸ እንታይ እዩ፧ ቃላቱን ተግባራቱን ንስምዒት ሰባት ብኸመይ ኪጸልዎ ኸም ዚኽእል ኣብ ኣእምሮኡ ብምስኣል፡ ንኻልኦት ይልውሃሎም ነበረ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ኸም ሓጥእ እትፍለጥ ዝነበረት ሰበይቲ ናብኡ ቐሪባ ብንብዓታ ንኣእጋሩ ኣጠልቀየቶ። የሱስ ከም እተነስሐት ኣስተውዓለ፣ ዕሽሽ ብምባል ካብኡ እንተ ዜርሕቓ ኸኣ ክሳዕ ክንደይ ክትድቈስ ከም እትኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ንኣዳ፡ ይቕረ ድማ በለላ። ሓደ ፈሪሳዊ ነቲ ዝረኣዮ ነገር ምስ ተቓወሞ፡ ንዕኡ እውን ብለውሃት ተዛረቦ።—ሉቃ. 7:36-48

9. ንለውሃት ኣምላኽ ክንቀድሓ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

9 ንሕናኸ፡ ንለውሃት ኣምላኽ ብኸመይ ክንቀድሓ ንኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ባርያ ጐይታስ ንዅሉ ልኡም፡ ንምስትምሃር ብቑዕ . . . ኪኸውን ይግብኦ እምበር፡ ኪብኣስ ኣይግብኦን እዩ” በለ። (2 ጢሞ. 2:24) ልኡማት ሰባት ንስምዒት ካልኦት ምእንቲ ኸይሃስዩ፡ ንተኣፋፊ ዅነታት ብኸመይ ኪሕዝዎ ኸም ዘለዎም ይፈልጡ እዮም። ኣብዚ ዚስዕብ ኵነታት ብኸመይ ለዋሃት ክንከውን ከም እንኽእል እሞ ርአ፦ ኣብ ስራሕ፡ ሓላፊና ስራሑ ብግቡእ ኣይዓይን ኣሎ ንበል። እሞኸ፡ እንታይ ግብረ መልሲ ኢና እንህብ፧ ሓደ ሓው ካብ ጉባኤ ርሒቑ ጸኒሑ ድሕሪ ነዊሕ ኣዋርሕ ናብ ኣኼባ መጺኡ ንበል። እሞኸ፡ እንታይ ኢልና ኢና እንዛረቦ፧ ኣብ ኣገልግሎት፡ ሓደ ብዓል ቤት፡ “ሕጂ ኽዛረብ ግዜ የብለይን” ይብለና። እሞኸ፡ ሓልዮት ነርኢ ዲና፧ መጻምድትና፡ “ብዛዕባ እቲ ንቐዳም ዝመደብካዮ መደብ ስለምንታይ ዘይነገርካኒ፧” ትብለና። እሞኸ፡ ብለውሃት ዲና እንምልስ። ንርእስና ኣብ ቦታ ኻልኦት ንገብርን ቃላትና ንስምዒቶም ብኸመይ ኪትንክፎ ኸም ዚኽእል ኣቐዲምና ንሓስበሉን እንተ ዄንና፡ ንለውሃት የሆዋ ብምቕዳሕ እንታይ ክንዛረብን ክንገብርን ከም ዘሎና ኽንፈልጥ ኢና።—ምሳሌ 15:28 ኣንብብ።

ንጥበብ ኣምላኽ ቅድሓያ

10, 11. ንጥበብ ኣምላኽ ክንቀድሓ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

10 እቲ ንዘይተመከርናዮ ፍጻመታት ክንርዳእ ዘሎና ኽእለት፡ ንጥበብ የሆዋ ንኽንቀድሓን ተግባራትና እንታይ ውጽኢት ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ኣቐዲምና ንኽንርእን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ጥበብ ሓንቲ ኻብተን ቀንዲ ባህርያት ኣምላኽ እያ። የሆዋ ጥበብ ስለ ዘለዎ፡ እንተ ደልዩ፡ ገሊኡ ተግባራት እንታይ ውጽኢት ከም ዚህልዎ ኣቐዲሙ ብዝርዝር ኪርኢ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ዚመጽእ ዘሎና ደረጃ ፍልጠት ውሱን እኳ እንተ ዀነ፡ ተግባራትና እንታይ ኬስዕብ ከም ዚኽእል ኣቐዲምና ምሕሳብና ግና ኣገዳሲ እዩ። እስራኤላውያን ንኣምላኽ ዘይምእዛዞም እንታይ ኬስዕብ ከም ዚኽእል ኣይሓሰቡሉን ነይሮም። ብዛዕባ እቲ  ኣምላኽ ዝገበረሎም ነገራት ኣይሓሰቡን። ሙሴ ነዚ ስለ ዘስተብሃለሎም፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እከይ ዘበለ ኸም ዚገብሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኵላ ማሕበር እስራኤል እናሰምዐት ከኣ፡ እዚ ዚስዕባ ቓላት ዝሓዘ መዝሙር ነገሮም፦ “ምኽሪ ዝጠፍኦም ህዝቢ እዮም እሞ፡ ምስትውዓል ከኣ የብሎምን። ነዚ ኼስተውዕልዎ፡ ነቲ ዳሕራዮም ድማ ኪሐስቡስ፡ ለባማት ደኣ እንተ ዚዀኑ።”—ዘዳ. 31:29, 30፣ 32:28, 29

11 ንጥበብ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንቀድሓ፡ ተግባራትና እንታይ ሳዕቤን ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ኣቐዲምና ኽንሓስብ ወይ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእል ኣሎና። ንኣብነት፡ ወረዘ እንተ ጀሚርና፡ ጾታዊ ስሕበት ዘለዎ ሓይሊ ኽንግንዘብ የድሊ። ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ኽቡር ርክብ ኬበላሹ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ወይ ውጥን ከይንገብር ክንጥንቀቕ ኣሎና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስቲ፡ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ” ዚብል መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ተሰማሚዕና ንመላለስ።—ምሳ. 22:3

ጐዳኢ ሓሳብ ኣወግድ

12. ሓሳብ ኪጐድኣና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 ኣስተውዓሊ ሰብ፡ ሓሳብ ልክዕ ከም ሓዊ ምዃኑ ይግንዘብ እዩ። ሓዊ ብግቡእ እንተ ተጠቒምካሉ፡ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብሓዊ ምግቢ ኽንሰርሕ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ሓዊ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ እንተ ዀይኑ ሓደገኛ እዩ፣ ገዛ ኼባርዕን ሰባት ኪቐትልን ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሓሳብ ንየሆዋ ንምምሳል እንተ ተጠቒምናሉ ጠቓሚ እዩ። ብዛዕባ ብዕሉግ ነገራት ንሓስብ እንተ ዄንና ግና ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፦ ብዛዕባ ሓጥእ ተግባራት ብተደጋጋሚ ንሓስብ እንተ ዄንና፡ እዚ ናብ ተግባር ኪመርሓና ይኽእል እዩ። እወ፡ ብዛዕባ ብዕሉግ ነገራት ምሕሳብ መንፈሳዊ ሞት ኬስዕብ ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 1:14, 15 ኣንብብ።

13. ሄዋን ኣብ ኣእምሮኣ እንታይ ዓይነት ናብራ እያ ስኢላ ኽትከውን እትኽእል፧

13 እታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ፡ ማለት ሄዋን፡ ካብ ፍረ እታ እተኸልከለት “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ንኽትበልዕ ብኸመይ ባህጊ ኸም ዘሕደረት ንርአ። (ዘፍ. 2:16, 17) እቲ ተመን ንሄዋን፡ “ኣይፋልኩም፡ ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ፡ ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር፡ ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ። ሄዋን፡ “እታ ኦም ምብልዓ ጥዕምቲ፡ ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ” ምዃና ረኣየት። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ “ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት፡ ምስኣ ኸኣ ንሰብኣያ ሀበቶ፡ ንሱውን በልዔ።” (ዘፍ. 3:1-6) ሄዋን ካብቲ ሰይጣን ዘመሓላለፈላ ሓሳብ ብገለ ነጥቢ ተሳሒባ ኽትከውን ኣለዋ። ጽቡቕን ክፉእን እንታይ ምዃኑ ኣብ ክንዲ እትንገር፡ ባዕላ ኽትውስን ደለየት። እዚ ሓሳብ  እዚ ጐዳኢ ምዃኑ ተራእዩ እዩ። በቲ ሓጥእ ሰብኣይ ሄዋን ዝነበረ ኣዳም ከኣ፡ “ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት።”—ሮሜ 5:12

14. መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጾታዊ ርኽሰት ንኽንርሕቕ ብኸመይ እዩ ዚሕግዘና፧

14 እቲ ሄዋን ኣብ ገነት ኤድን ዝፈጸመቶ ሓጢኣት፡ ጾታዊ ርኽሰት ኣይኰነን ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ኣብ ኣእምሮና ምስ ጾታዊ ርኽሰት እተተሓሓዘ ነገራት ከይንስእል ኣጠንቂቑና እዩ። “ንሰበይቲ ብፍትወት ዚጥምታ ዅሉ፡ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘመወ” በለ። (ማቴ. 5:28) ጳውሎስ እውን፡ “ንትምኒት ስጋ ኸተርውዩ ኢልኩም ኣይትሃቅኑ” ብምባል ኣጠንቀቐ።—ሮሜ 13:14

15. እንታይ ዓይነት መዝገብ ኢና ኽንእክብ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

15 ካልእ ሓደገኛ ሓሳብ ከኣ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ግዲ ኸይገበርካ፡ ኣዚኻ ኸም እትህብትም ጌርካ ምሕሳብ እዩ። ንሃብታምሲ ሃብቱ፡ ‘ብሓሳቡ ኸም ክብ ዝበለ ቐጽሪ እዩ።’ (ምሳ. 18:11) የሱስ፡ “እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ሃብታም ዘይኰነ” ሰብ፡ ኵነታቱ ዜሕዝን ምዃኑ ዚገልጽ ዛንታ ሂቡ ኣሎ። (ሉቃ. 12:16-21) የሆዋ ንዕኡ ዜሕጕስ ነገራት ክንገብር ከለና ይሕጐስ እዩ። (ምሳ. 27:11) ንሕና እውን “ኣብ ሰማይ መዝገብ” ክንገብር ከለና፡ ስምረት የሆዋ ስለ እንረክብ ንሕጐስ ኢና። (ማቴ. 6:20) ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ምምስራት ከኣ ካብ ዝዀነ ይኹን መዝገብ፡ እቲ ኣዝዩ ዝኸበረ መዝገብ ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን።

ንዜጨንቕ ሓሳባት ተቘጻጸሮ

16. ጭንቀት ንምቍጽጻር ኪሕግዘና ዚኽእል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

16 ‘ኣብ ምድሪ መዝገብ ክንገብር’ ሒዅ ብምባል ሓይልና ምስ ዚጽንቀቕ፡ እንታይ ዓይነት ጭንቀት ኬስዕበልና ኸም ዚኽእል እሞ ንሕሰብ። (ማቴ. 6:19) የሱስ፡ “ጭንቀት እዚ ስርዓት ዓለምን ምትላል ሃብትን” ንቓል መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚሓንቆ፡ ብምሳሌ ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 13:18, 19, 22) ገሊኦም ሰባት፡ ዜጨንቖም ገንዘብ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ወትሩ ብዛዕባ ኼጋጥም ዚኽእል ሕማቕ ነገራት ይሓስቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ ዜጨንቕ ሓሳብ ቍጽጽር እንተ ዘይተገይሩሉ፡ ኣካላውን መንፈሳውን ጕድኣት ኬስዕበልና ይኽእል እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ የሆዋ ንወከል፡ ነቲ “ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ [“ጭንቀት፡” NW] ንእኡ ይጸቕጦ፡ ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ” ዚብል ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣይንረስዓዮ። (ምሳ. 12:25) ሓደ ዚርድኣልና ሰብ ዚዛረቦ ዜተባብዕ ቃላት ንልብና ባህ ኬብሎ ይኽእል እዩ። ንነገራት ብኣረኣእያ ኣምላኽ ንዚርኢ ወላዲና፡ ንመጻምድትና፡ ወይ ንሓደ እሙን ዓርክና ምስጢርና ምስ እነካፍሎ ጭንቀትና ንምቍጽጻር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

17. ክንጭነቕ ከለና የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚሕግዘና፧

17 ከምቲ የሆዋ ዚርድኣልና ገይሩ ንጭንቀትና ኺርድኣልና ዚኽእል የለን። ጳውሎስ፡ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፣ እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” በለ። (ፊል. 4:6, 7) ክርስትያን ብጾትናን ሽማግለታትን እቲ እሙን ባርያን መላእኽትን የሱስን የሆዋን ካብ መንፈሳዊ ጕድኣት ኬዕቝቡና ኸም ዚጽዕሩ ንሕሰብ።

18. ሓሳብ ብኸመይ እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧

18 ከም ዝረኣናዮ፡ ሓሳብ ንኸም ፍቕሪ ዝኣመሰለ ባህርያት ኣምላኽ ክንቀድሕ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (1 ጢሞ. 1:11፣ 1 ዮሃ. 4:8) ናይ ሓቂ ፍቕሪ ምስ እነንጸባርቕ፡ ብዛዕባ እቲ ተግባራትና ዜስዕበልና ሳዕቤን ምስ እንሓስብ፡ ነቲ ሓጐስና ዜጥፍኣልና ጭንቀት ከኣ ምስ እነወግድ ሕጉሳት ክንከውን ኢና። ሃየ እምበኣር፡ ነቲ ብዛዕባ ተስፋና ኣብ ኣእምሮና ንኽንስእልን ንኸም ፍቕርን ለውሃትን ጥበብን ሓጐስን ዝኣመሰለ ባህርያት የሆዋ ንኽንቀድሕን ኣምላኽ ዝሃበና ኽእለት ብጽቡቕ ንጠቐመሉ።—ሮሜ 12:12