ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)  |  ግንቦት 2015

ሰይጣን ኪውሕጠካ ስለ ዚደሊ፡ ንቑሕ ኩን!

ሰይጣን ኪውሕጠካ ስለ ዚደሊ፡ ንቑሕ ኩን!

“ንቕሑ። ድያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዚውሕጦ ደልዩ፡ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ።”—1 ጴጥ. 5:8

1. ሓደ መንፈሳዊ ፍጡር ብኸመይ ሰይጣን ከም ዝዀነ ግለጽ።

ሓደ እዋን፡ ሓደ መንፈሳዊ ፍጡር ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ነበሮ። ኰይኑ ግና፡ ደቂ ሰብ ንኼምልኽዎ ኺምነ ጀመረ። ነዚ ዘይግቡእ ትምኒት እዚ ኣብ ክንዲ ዜወግዶ ግና፡ ብዝያዳ ንኺዓብን ሓጢኣት ንኺወልድን ፈቐደሉ። (ያእ. 1:14, 15) እቲ መንፈሳዊ ፍጡር፡ እቲ ‘ኣብ ሓቂ ዘይጸንዐ’ ሰይጣን እዩ። ካብ የሆዋ ስለ ዝዓለወ ኸኣ፡ “ኣቦ ሓሶት” ኰነ።—ዮሃ. 8:44

2, 3. እተን ‘ሰይጣንን ድያብሎስን ተመንን ዓብዪ ገበልን’ ዚብላ ቓላት፡ ብዛዕባ እቲ ዝዓበየ ጸላኢ የሆዋ እንታይ እየን ዚገልጻ፧

2 ሰይጣን ካብቲ ዝዓለወሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ዝዓበየ ጸላኢ የሆዋ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ፣ ንደቂ ሰብ እውን እንተ ዀነ ይጸልኦም እዩ። እቲ ሰይጣን ዚጽውዓሉ ስማት፡ ክሳዕ ክንደይ ብልሹው ምዃኑ ዜርኢ እዩ። “ሰይጣን” ኪብሃል ከሎ፡ “ተጻራሪ” ማለት እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ እዚ እኩይ መንፈሳዊ ፍጡር እዚ ንልዑላውነት ኣምላኽ ከም ዘይድግፎ፡ የግዳስ ከም ዚጸልኦን ኣንጻሩ ኸም ዚቃለስን ዚሕብር እዩ። ሰይጣን ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ፡ ልዑላውነት የሆዋ ኼቋርጽ እዩ ዚደሊ።

3 ከምቲ ኣብ ራእይ 12:9 ተገሊጹ ዘሎ፡ ሰይጣን፡ “ድያብሎስ” ተባሂሉ እውን ተጸዊዑ ኣሎ፣ “መካፍኢ” ማለት ድማ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ሰይጣን ንየሆዋ፡ ‘ሓሳዊ’ ኢሉ ብምጽዋዕ ከም ዘካፍኦ እዩ ዜዘኻኽረና። እተን “ናይ  ጥንቲ ተመን” ዚብላ ቓላት፡ ነቲ ሰይጣን ብተመን ተጠቒሙ ንሄዋን ኣብ ኤድን ዘታለለሉ ሕማቕ መዓልቲ እየን ዜዘኻኽራና። “ዓብዪ ገበል” ዚብል መግለጺ ኸኣ፡ ብዛዕባ ዜፍርህ ጭራቕ ከም እንሓስብ እዩ ዚገብረና፣ እዚ ድማ ነቲ ሰይጣን ንዕላማ የሆዋ ንምትዕንቓፍን ንህዝቡ ንምጥፋእን ዘለዎ ዓብዪ ባህጊ ብዚግባእ እዩ ዚገልጾ።

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

4 ብንጹር እምበኣር፡ ሰይጣን ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ንንጽህናና ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። ድያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዚውሕጦ ደልዩ፡ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ” ኢሉ ዚላበወና። (1 ጴጥ. 5:8) ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ ሰለስተ ባህርያት ሰይጣን ክትገልጽ እያ፣ ካብዚ ጨካን ጸላኢ የሆዋን ህዝቡን ክንጥንቀቕ ከም ዘሎና ድማ ከተጕልሕ እያ።

ሰይጣን ሓያል እዩ

5, 6. (ሀ) መንፈሳውያን ፍጡራት “ሓያላት” ምዃኖም ዜርኢ ኣብነት ሃብ። (ለ) ሰይጣን “ሞት ኬስዕብ ዚኽእል” ብኸመይ እዩ፧

5 እቶም “መላእኽቲ” ተባሂሎም ዚጽውዑ መንፈሳውያን ፍጡራት፡ “ሓያላት” እዮም። (መዝ. 103:20) ብምስትውዓልን ብብርታዐን ድማ ካብ ደቂ ሰብ ይበልጹ እዮም። ሓቂ እዩ፡ እሙናት መላእኽቲ ንሓይሎም ንጽቡቕ እዮም ዚጥቀሙሉ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ መልኣኽ የሆዋ 185,000 ኣሶራውያን ወተሃደራት ቀተለ፣ ከምኡ ምግባር፡ ይትረፍዶ ንሓደ ሰብሲ፡ ንሓደ ምሉእ ሰራዊት እውን ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። (2 ነገ. 19:35) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ ሓደ መልኣኽ ነቲ ልዕለ ሰብኣዊ ሓይሉን ብልሑን ተጠቒሙ፡ ንሃዋርያት የሱስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺእዎም እዩ። እቲ መንፈሳዊ ፍጡር፡ ነቶም ሓለውቲ ሓሊፉ ብምኻድ ንማዕጾ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኸፈቶ፣ ንሃዋርያት ናጻ ኸም ዚወጹ ብምግባር ድማ፡ ነቲ ማዕጾ ብድሕሪኦም ዓጸዎ፣ እዚ ዅሉ ኺገብር ከሎ፡ እቶም ሓለውቲ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ነበሩ።—ግብ. 5:18-23

6 እቶም እሙናት መንፈሳውያን ፍጡራት ንሓይሎም ኣብ ጽቡቕ መዓላ እዮም ዜውዕልዎ፣ ሰይጣን ግና ንሓይሉ እከይ ንምግባር እዩ ዚጥቀመሉ። ሓይሉን ጽልዋ ናይ ምሕዳር ዓቕሙን ድማ ዓብዪ እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንሰይጣን፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ፡” ከምኡ እውን “ኣምላኽ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ” ኢሉ ይጽውዖ። (ዮሃ. 12:31፣ 2 ቈረ. 4:4) ብዘይካዚ፡ ሰይጣን ድያብሎስ፡ ‘ሞት ኬስዕብ ይኽእል እዩ።’ (እብ. 2:14) ከምኡ ኺብሃል ከሎ፡ ብቐጥታ ንዅሎም ሰባት ይቐትሎም ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ እቲ ንሱ ዜንጸባርቖ መንፈስ ቅትለት፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ሄዋን ንሓሶት ሰይጣን ብምእማን ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዘቶ፡ ሓጢኣትን ሞትን ናብ ኵሎም ደቂ ሰብ ሓሊፉ እዩ። (ሮሜ 5:12) ስለዚ፡ ድያብሎስ፡ ‘ሞት ኬስዕብ ይኽእል እዩ።’ ልክዕ ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ “ቀታል ነፍሲ እዩ።” (ዮሃ. 8:44) ብርግጽ እምበኣር፡ ሰይጣን ኣዝዩ ሓያል ጸላኢ እዩ።

7. ኣጋንንቲ ሓያላት ምዃኖም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

7 ንሰይጣን እንተ ተጻሪርናዮ፡ ምስኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስቶም ኣብ ጕዳይ ልዑላውነት ኣብ ጐድኑ ደው ዚብሉ ዅሎም እውን ኢና እንጻላእ። እዚኣቶም ከኣ ነቶም ብዙሓት ዝዓለዉ መንፈሳውያን ፍጡራት፡ ማለት ንኣጋንንቲ እውን ዜጠቓልሉ እዮም። (ራእ. 12:3, 4) ኣጋንንቲ ነቶም ዜሳቕይዎም ሰባት ብዙሕ መከራ ኸም ዚወርዶም ብምግባር፡ ልዕለ ሰብኣዊ ብርታዐ ኸም ዘለዎም ብተደጋጋሚ ኣርእዮም እዮም። (ማቴ. 8:28-32፣ ማር. 5:1-5) ስለዚ፡ ንሓይሊ እዞም እኩያት መላእኽቲ ዀነ ንሓይሊ እቲ “ሓለቓ ኣጋንንቲ” ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። (ማቴ. 9:34) የሆዋ እንተ ዘይሓጊዙና፡ ኣብቲ ምስ ሰይጣን እንገብሮ ቓልሲ ኽንዕወት ኣይንኽእልን ኢና።

 ሰይጣን ጨካን እዩ

8. (ሀ) ዕላማ ሰይጣን እንታይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 9 ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) እዛ ዓለም እዚኣ፡ ነቲ ጭካነ ዝመልኦ መንፈስ ሰይጣን ከም እተንጸባርቕ ዚሕብር እንታይ ዘስተብሃልካሉ ነገራት ኣሎ፧

8 ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሰይጣን ምስ “ዚጓዝም ኣንበሳ” ኣመሳሰሎ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ እታ “ዚጓዝም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ “ሓደ ኣመና ዝጠመየ ኣራዊት ንዜስምዖ ሓያል ድምጺ” እያ እተመልክት። እዚ ነቲ ጭካነ ዝመልኦ ባህርይ ሰይጣን ብዚግባእ እዩ ዚገልጾ። ብዘላ ዓለም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን እኳ እንተ ዀነት፡ ንሱ ግና ገና ዝያዳ ግዳያት ንኺረክብ እዩ ዚህንጠ። (1 ዮሃ. 5:19) እዛ ዓለም እዚኣ ንዕኡ ኸምቲ ንመኽፈቲ ሸውሃት ተባሂሉ ዚብላዕ ምግቢ እያ። ሕጂ ግና ኣቓልቦኡ ኣብቶም ከም ቀንዲ ምግቢ ዝዀኑ ሰባት፡ ማለት ኣብ ተረፍ ቅቡኣትን ኣብቶም ብጾቶም ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ”ን ገይሩ ኣሎ። (ዮሃ. 10:16፣ ራእ. 12:17) እወ፡ ሰይጣን ንህዝቢ የሆዋ ኺውሕጦም ይደሊ እዩ። ካብ ቀዳማይ ዘመን ኣትሒዙ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ የሱስ ዘውረዶ ተኸታታሊ መስጐጕቲ፡ ጨካን ምዃኑ ዜርኢ እዩ።

9, 10. (ሀ) ሰይጣን ነቲ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዚተሓሓዝ ዕላማ ኣምላኽ ኪዓናቕፎ ዝጸዓረ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብነት ሃብ።) (ለ) ሰይጣን ብፍላይ ኣቓልቦኡ ኣብ ጥንታውያን እስራኤላውያን ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ሐ) ሎሚ ሓደ ኻብ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸቢድ ሓጢኣት ኪፍጽም ከሎ፡ ድያብሎስ እንታይ ዚስምዖ ይመስለካ፧

9 ሰይጣን ንዕላማ ኣምላኽ ኪዓናቕፎ ዚጽዕር ጨካን ፍጡር ምዃኑ ዜርእየሉ ኻልእ መገዲ እውን ኣሎ። ኣመና ዝጠመየ ኣንበሳ፡ ንግዳዩ ፈጺሙ ኣይድንግጸሉን እዩ። ነቲ ግዳዩ ቕድሚ ምቕታሉ ኣይርሕርሓሉን እዩ፣ ምስ በልዖ እውን ኣየጣዕሶን እዩ። ሰይጣን እውን ብተመሳሳሊ፡ ነቶም ኪውሕጦም ዚደሊ ዋላ ሓንቲ ድንጋጽ የብሉን። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ኣብ ከም ምንዝርናን ስስዐን ዝኣመሰለ ሓጢኣት ምእንቲ ኺወድቁ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ብኸመይ ብተደጋጋሚ ብሰላሕታ ይከታተሎም ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ሕሰብ። ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ምንዝርና ኸቢድ ሳዕቤን ዝዓጸደ ዚምሪን ብዛዕባ እቲ ስሱዕ ዝነበረ ገሓዚን ከተንብብ ከለኻ፡ እቲ ዚጓዝም ኣንበሳ በቲ ዝረኸቦ ዓወት ኪሕጐስ ከሎ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእልዶ፧—ዘሁ. 25:6-8, 14, 15፣ 2 ነገ. 5:20-27

ሓደ ኻብ ኣገልገልቲ የሆዋ ሓጢኣት ኪፍጽም ከሎ፡ ሰይጣን ይሕጐስ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10 ሰይጣን ኣቓልቦኡ ኣብ ጥንታውያን እስራኤላውያን ዝገበረ፡ ፍሉይ ምኽንያት ስለ ዝነበሮ እዩ።  ከመይሲ፡ እቲ ንዕኡ ብምጭፍላቕ ንልዑላውነት የሆዋ ዜረጋግጽ መሲሕ፡ ካባታቶም እዩ ዚመጽእ ነይሩ። (ዘፍ. 3:15) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሰይጣን ንእስራኤላውያን ኪስስኑ ኣይደልዮምን እዩ ነይሩ፣ ስለዚ፡ ንዓታቶም ብሓጢኣት ምእንቲ ኺብክሎም፡ ጭካነ ዝመልኦ ጻዕርታት ገበረ። ዳዊት ዝሙት ኪፍጽም ከሎ ወይ ከኣ ሙሴ ናብ ምድሪ ተስፋ ኻብ ምእታው ኪኽልከል ከሎ ኺድንግጸሎም ማለት ዘበት እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ሰይጣን፡ ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከቢድ ሓጢኣት ኪፍጽም ከሎ ብሓጐስ እዩ ዚፍንጫሕ። በቲ በዚ መገዲ እዚ ኣቢሉ ዚረኽቦ ዓወት ድማ፡ ንየሆዋ ይጸርፎ እዩ።—ምሳ. 27:11

11. ሰይጣን ብፍላይ ኣብ ሳራ ዘተኰረ ስለምንታይ እዩ፧

11 ሰይጣን ብፍላይ ነቲ መሲሕ ዚመጸሉ መስመር ወለዶ ይጸልኦ ነበረ። ንኣብነት፡ ኣብርሃም “ዓብዪ ህዝቢ” ኸም ዚኸውን ካብ ዚንገሮ ነዊሕ ከይጸንሐ ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገር እስከ ንርአ። (ዘፍ. 12:1-3) ኣብርሃምን ሳራን ኣብ ግብጺ ኸለዉ፡ ፈርኦን ንሳራ ሰበይቱ ኺገብራ ብምሕሳብ፡ ናብ ቤቱ ወሰዳ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኢዱ ብምእታው ንሳራ ኻብ ስነ ምግባራዊ ሓደጋ ኣድሓና። (ዘፍጥረት 12:14-20 ኣንብብ።) ይስሃቅ ቀቅድሚ ምውላዱ እውን፡ ኣብ ጌራር ተመሳሳሊ ዅነታት ኣጋጠመ። (ዘፍ. 20:1-7) እዚ ዅሉ ፍጻመታት፡ ኢድ ሰይጣን ነይርዎዶ፧ ሰይጣን፡ እታ ኻብታ ብልጽግቲ ኸተማ ኡር ወጺኣ ኣብ ድንኳን እትነብር ዝነበረት ሳራ፡ በቲ ምሹእ ኣብያተ መንግስቲ ፈርኦንን ኣቢሜሌክን ክትታለል ድዩ ተስፋ ገይሩ ነይሩ፧ ሳራ ንሰብኣያን ንየሆዋን ሓዲጋ ብዝሙት ኣብ እተመስረተ ሓዳር ክትኣቱ ድዩ ሓሲቡ ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዘይገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ሳራ ነቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ ንኽትወልድ ዘይብቕዕቲ እንተ ትኸውን፡ ድያብሎስ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ክንድምድም ንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ ሰይጣን፡ ከም ሳራ ዝበለት ንፍዕቲ ሰበይቲ፡ ሓዳራን ስማን ምስ የሆዋ ዘለዋ ርክብን እንተ ተበላሸወ ቕጭጭ ኣይብሎን እዩ። ሰይጣን ክሳዕ ክንደይ ጨካን ኰን እዩ!

12, 13. (ሀ) ሰይጣን፡ የሱስ ምስ ተወልደ ጭካነኡ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሰይጣን ብዛዕባ እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ንዕኡ ኼገልግልዎ ዚጽዕሩን ዘለዉ መንእሰያት እንታይ ዚስምዖ ይመስለካ፧

12 የሱስ ካብቲ ኣብርሃም ዝነበረሉ እዋን፡ ዘመናት ጸኒሑ እዩ ተወሊዱ። ሰይጣን ነዚ ሕጻን እዚ፡ ከም ምልኩዕ፡ ክትሓቝፎ እትብህግ፡ ወይ ኣዝዩ ፍቱው ቈልዓ ገይሩ ኸም ዝረኣዮ ጌርና ኽንሓስብ ኣይንኽእልን ኢና። ከመይሲ፡ እዚ ቘልዓ እዚ ምስ ዓበየ፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ከም ዚኸውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሱስ ቀንዲ ኽፋል ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀነ፡ ጸኒሑ ‘ግብሪ ድያብሎስ ኬፍርስ’ እዩ። (1 ዮሃ. 3:8) እሞኸ ሰይጣን፡ ንሓደ ቘልዓ ምቕታል ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ከም ዝዀነ ገይሩ ይሓስብ ደዀን ይኸውን፧ ንሱ ብዛዕባ ቕኑዕ ወይ ጌጋ ስነ ምግባር ዋላ ሓንቲ ኣይዓጅቦን እዩ። ውዓል ሕደር ከይበለ ድማ፡ ነቲ ቘልዓ ዝነበረ የሱስ ኪቐትሎ ፈተነ። ብኸመይ፧

13 ንጉስ ሄሮድስ፡ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ብዛዕባ “እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ” ኪፈልጡ ይሓትቱ ኸም ዘለዉ ምስ ፈለጠ፡ ኣመና ተቘጥዐ፣ ነቲ ቘልዓ ኪቐትሎ ድማ ወሰነ። (ማቴ. 2:1-3, 13) ኣብ ቤት-ልሄምን ኣብ ኵሉ ጐደቦታታን ንዝጸንሑ ደቂ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዘበሉ ዅሎም ኣወዳት ኪቕተሉ ድማ ትእዛዝ ሃበ። (ማቴዎስ 2:13-18 ኣንብብ።) የሱስ ካብቲ ንኽትሓስቦ እውን ዜስካሕክሕ ጃምላዊ ቕትለት ኣምለጠ፣ እዚ ግና ብዛዕባ እቲ ጸላኢና ዝዀነ ሰይጣን እንታይ እዩ ዚሕብረና፧ ድያብሎስ ብዛዕባ ሰብኣዊ ህይወት ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይግድሶ ንጹር እዩ። ንቘልዑ እውን እንተ ዀነ ኣይድንግጸሎምን እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ “ከም ዚጓዝም ኣንበሳ” እዩ። ነዚ ጨካን ባህርዩ እዚ፡ ኣትሒትና ኽንርእዮ የብልናን።

ሰይጣን መታለሊ እዩ

14, 15. ሰይጣን ‘ንሓሳብ እቶም ዘይኣመንቲ ዘዖሮ’ ብኸመይ እዩ፧

14 ሰይጣን ንሰባት ካብቲ ፈቃር ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኺፈልዮም ዚኽእል፡ ብምትላል ጥራይ እዩ። (1 ዮሃ. 4:8) ንሰባት ብምትላል፡  ‘መንፈሳውነት ምእንቲ ኸይሃርፉ’ ይዓግቶም እዩ። (ማቴ. 5:3) በዚ ኸምዚ፡ “ብርሃን እቲ ኽቡር ብስራት ክርስቶስ፡ ንሱ ድማ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎም፡ . . . ንሓሳብ እቶም ዘይኣመንቲ ኣዖሮ።”—2 ቈረ. 4:4

15 ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ንምትላል ዚጥቀመሉ መገድታት፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እዩ። ሰባት ንኣቦሓጎታቶም፡ ንተፈጥሮ፡ ንእንስሳታት፡ ኰታስ ካብቲ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ “ቐናእ” ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ወጻኢ ንዘሎ ዝዀነ ይኹን ነገር ኬምልኹ ኸለዉ፡ ሰይጣን ኣዝዩ ይሕጐስ እዩ። (ዘጸ. 20:5) ብዙሓት ንኣምላኽ ብግቡእ ዜምልኽዎ ዚመስሎም ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ብናይ ሓሶት እምነትን ዘይረብሕ ጽምብላትን እተቐየዱ እዮም። ልክዕ ከምቶም የሆዋ እተማሕጸኖም ሰባት፡ ኣብ ዜሕዝን ኵነታት እዮም ዘለዉ፣ የሆዋ፡ “ገንዘብኩም ነቲ እንጌራ ዘይኰነ፡ ጻማኹም ድማ ነቲ ዘየጽግበኩም እተጥፍኡሉስ ስለምንታይ፧ ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፡ ነቲ ዝጸበቐ ኸኣ ብልዑ፡ ነፍስኹምውን ብጣዕሚ ባህ ኪብላ እዩ” በለ።—ኢሳ. 55:2

16, 17. (ሀ) የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ካባይ ርሓቕ፡ ሰይጣን!” ዝበሎ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሰይጣን ምስ ናይ ህጹጽነት መንፈስ ብዚተሓሓዝ ኬታልለና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

16 ሰይጣን ንቐናኣት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን እንተ ዀነ ኼታልሎም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኪቕተል ምዃኑ ምስ ነገሮም ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገራት እስከ ንርአ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ቅኑዕ ድራኸ ተበጊሱ ንየሱስ ንበይኑ ገይሩ፡ “ጐይታይ፡ ንርእስኻ እባ ሕለየላ፣ እዝስ ኣይብጻሕካ” በሎ። የሱስ ዝሃቦ ምላሽ ግና ሓያል እዩ ነይሩ፣ “ካባይ ርሓቕ፡ ሰይጣን!” በሎ። (ማቴ. 16:22, 23) የሱስ ንጴጥሮስ “ሰይጣን” ዝበሎ ስለምንታይ እዩ፧ ቀጺሉ እንታይ ከም ዜጋጥም ስለ ዝፈለጠ እዩ። መስዋእታዊ በጃ ዀይኑ ዚሞተላን ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ ዜረጋግጸላን ሰዓት ቀሪባ እያ ነይራ። ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝነበረ ህሞት፡ የሱስ ‘ንርእሱ ዚሓልየሉ’ እዋን ኣይኰነን ነይሩ። ንቑሕ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ሰይጣን ሓሳብ ልቡ ምሰመረሉ።

17 ኣብዚ ናብ መወዳእታ ስርዓት ዓለም እንቐርበሉ ዘሎና እዋን፡ ኣብ ጽንኩር ግዜ ኢና እንነብር ዘለና። ሰይጣን ክንፈዝዝን ኣብዛ ዓለም ዕዉታት ክንከውን ብምጽዓር ንርእስና ‘ኽንሓልየላን’ ናይ ህጹጽነት መንፈስና ኸነጥፍእን እዩ ዚደልየና። ከምኡ ኼጋጥመካ ኣይትፍቀድ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ንቑሕ ኩን።’ (ማቴ. 24:42) መወዳእታ ገና ኸም ዝዀነ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ፈጺሙ ኸም ዘይመጽእ ንዚገልጽ ዜታልል ፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ኣይትእመኖ።

18, 19. (ሀ) ሰይጣን፡ ንገዛእ ርእስና ዘሎና ኣረኣእያ ተጠቒሙ ኼታልለና ዚፍትን ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ፡ ጥንቁቓትን ንቑሓትን ንኽንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

18 ሰይጣን ብኻልእ መገዲ እውን ኬታልለና ይጽዕር እዩ። ኣምላኽ ከም ዘየፍቅረናን ሓጢኣትና ይቕረ ኸም ዘይብሃሎን ክንኣምን ይደልየና እዩ። እዚ ኸኣ ሓደ ኽፋል እቲ ሰይጣን ዚነዝሖ ዜታልል ፕሮፓጋንዳ እዩ። ብሓቂ ኺርአ ኸሎ ግና፡ የሆዋ ብፍላይ ንመን እዩ ዘየፍቅሮ፧ ንሰይጣን እዩ። ፈጺሙ ይቕረታ ዘይግበረሉኸ መን እዩ፧ ሰይጣን እዩ። ብኣንጻሩ ግና መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽሲ . . . ግብርኹም ኰነ ንስሙ ዘርኣኹምዎ ፍቕሪ ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን” ይብል። (እብ. 6:10) የሆዋ ነቲ ንዕኡ ኸነሐጕሶ እንገብሮ ጻዕሪ የማስወሉ እዩ፣ ኣገልግሎትና ድማ ከንቱ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 15:58 ኣንብብ።) ስለዚ፡ በቲ መታለሊ ዝዀነ ፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ኣይንተዓሾ።

19 ከምቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ፡ ሰይጣን ሓያልን ጨካንን መታለልን እዩ። ምስ ከምዚ ዝበለ ሓያል ጸላኢ ተቓሊስና ኽንዕወት እንኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና፧ የሆዋ ብግቡእ ኣዕጢቑና ኣሎ። ቃሉ ብዛዕባ ሜላታት ሰይጣን ስለ ዚምህረና፡ “ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና።” (2 ቈረ. 2:11) ንውዲት ሰይጣን እንተ ተረዲእናዮ ድማ፡ ክንጥንቀቕን ንቑሓት ክንከውንን ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ ንውዲት ሰይጣን ምፍላጥ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንድያብሎስ . . . ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድም እዩ” ይብል። (ያእ. 4:7) እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ምስ ሰይጣን ተቓሊስና ኽንዕወት ብዛዕባ እንኽእለሉ ሰለስተ መዳይ ክትገልጽ እያ።