ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ለካቲት 2015

ንትሕትናን ንርሕራሐን የሱስ ቅድሓዮ

ንትሕትናን ንርሕራሐን የሱስ ቅድሓዮ

“ክርስቶስ እኳ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ ኣርኣያ እናሓደገልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።”—1 ጴጥ. 2:21

1. ንየሱስ ክንመስሎ ምጽዓርና፡ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኸም እንቐርብ ዚገብረና ስለምንታይ እዩ፧

መብዛሕትኡ እዋን፡ ነቶም ባህርያቶምን ኣነባብራኦምን እነድንቖ ሰባት ክንመስሎም ንደሊ ኢና። ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ዅሎም ሰባት፡ ከም የሱስ ክርስቶስ ጌርና ኽንመስሎ ዚግብኣና ኻልእ ሰብ የለን። ስለምንታይ፧ ሓደ እዋን፡ የሱስ፡ “እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” ኢሉ ነበረ። (ዮሃ. 14:9) የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ፡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ስለ ዘንጸባረቖ፡ ንወዲ ምርኣይ፡ ንኣቦ ኸም ምርኣይ እዩ ዚቝጸር። ስለዚ፡ ንየሱስ ክንመስሎ ኸለና፡ ናብቲ ኻብ ኵሉ ፍጥረት ዝዓበየ ዝዀነ የሆዋ ኢና ብዝያዳ እንቐርብ። ንባህርያትን ንኣነባብራን እቲ ወዲ ምቕዳሕ፡ ከመይ ዝኣመሰለ ዓስቢ ዀን እዩ ዘለዎ!

2, 3. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ ወዱ ዚገልጽ ጽሑፍ ዝሃበና ስለምንታይ እዩ፧ እንታይ ክንገብርከ እዩ ዚጽበየና፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ ቐጺላ ዘላን፡ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

2 ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ባህርያት የሱስ ክንፈልጥ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እቲ ዜሐጕስ፡ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፍ ኣሎ። የሆዋ ነዚ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዚርከብ ጸብጻብ ዝሃበና፡ ንወዱ ጽቡቕ ጌርና ምእንቲ ኽንፈልጦን ምእንቲ ኽንመስሎን ኢሉ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:21 ኣንብብ።) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ምስ ‘ኣሰር’ ተመሳሲሉ ኣሎ። ስለዚ፡ የሆዋ፡  ደድሕሪ የሱስ ብምኻድ ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ እዩ ዚነግረና ዘሎ። ሓቂ እዩ፡ የሱስ ፍጹም ኣብነት እዩ ሓዲጉልና፣ ንሕና ኸኣ ፍጹማት ኣይኰንናን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ፡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ ኣይጽበየናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከም ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ መጠን፡ ብእተኻእለና ዓቕሚ ንወዱ ኽንመስሎ እዩ ዚደልየና።

3 ገለ ኻብቲ የሱስ ዝነበሮ ተፈታዊ ባህርያት እስከ ቐጺልና ንርአ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ ትሕትናኡን ርሕራሐኡን ክንምርምር ኢና፣ ኣብታ ቐጺላ ዘላ ኸኣ፡ ብዛዕባ ትብዓቱን ምስትውዓሉን ክንርኢ ኢና። ምስ ነፍሲ ወከፍ ባህርይ ተተሓሒዙ፡ ነዘን ዚስዕባ ሰለስተ ሕቶታት ክንምልሰን ኢና፦ እንታይ ማለት እዩ፧ የሱስ ብኸመይ እዩ ነታ ባህርይ ኣንጸባሪቕዋ፧ ንሕናኸ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

የሱስ ትሑት እዩ

4. ንትሕትና ብኸመይ ምገለጽካያ፧

4 ትሕትና እንታይ እያ፧ ኣብዛ ብትዕቢት ተነፊሓ ዘላ ዓለም፡ ገሊኦም ሰባት ንትሕትና ኸም ድኽመት ወይ ከም ጕድለት ርእሰ ምትእምማን ገይሮም ይርእይዋ። መብዛሕትኡ እዋን ግና፡ እቲ ሓቂ ኻብዚ እተፈልየ እዩ። ትሑት ንምዃን፡ ብርታዐን ትብዓትን ይሓትት እዩ። ትሕትና፡ “ምስ ጃህራን ትዕቢትን እትጻረር ኣረኣእያ” ኸም ዝዀነት ጌርካ ተገሊጻ ኣላ። እዛ ባህርይ እዚኣ፡ ካብቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዘሎና ኣረኣእያ እያ እትጅምር። ሓደ መዝገበ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ትሕትና ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣዚና ዝተሓትና ምዃንና ምፍላጥ ማለት እዩ” በለ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናይ ብሓቂ ትሑታት እንተ ዄንና፡ ካብ ካልኦት ሰባት ከም እንበልጽ ጌርና ኣይክንሓስብን ኢና። (ሮሜ 12:3) ዘይፍጹማት ሰባት፡ ትሕትና ኼማዕብሉ ቐሊል ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ቦታ ንሓስብን ኣስኣሰር ወዱ ንስዕብን እንተ ዄንና፡ ብኸመይ ትሑታት ከም እንኸውን ክንመሃር ንኽእል ኢና።

5, 6. (ሀ) ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ እንታዋይ እዩ፧ (ለ) ሚካኤል፡ ትሕትና ዝመልኦ ኣረኣእያ ዘንጸባረቐ ብኸመይ እዩ፧

5 የሱስ ብኸመይ እዩ ትሕትና ኣርእዩ፧ ወዲ ኣምላኽ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ እዩ ትሑት ነይሩ፣ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣብ ሰማይ ከሎን ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋንን ትሕትና ኣርእዩ እዩ። ሒደት ኣብነት እስከ ንርአ።

6 ኣረኣእያኡ። እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ይሁዳ፡ የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ብዛዕባ ዘጋጠመ ሓደ ፍጻመ ጠቒሱ ነበረ። (ይሁዳ 9 ኣንብብ።) የሱስ ከም ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መጠን፡ ‘ምስ ድያብሎስ ዜከራኽር ጕዳይ ኣልይዎ ተማጐተ።’ እቲ ጕዳይ ድማ፡ “ብዛዕባ ሬሳ ሙሴ” እዩ ነይሩ። ሙሴ ምስ ሞተ፡ የሆዋ ንሬሳኡ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ኸም ዝቐበሮ ትዝክሮ ኢኻ። (ዘዳ. 34:5, 6) ምናልባት ድያብሎስ ንሬሳ ሙሴ፡ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ንምስፍሕፋሕ ኪጥቀመሉ ደልዩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዕላማ ድያብሎስ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ሚካኤል ብትብዓት ተጻረሮ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ እተን “ተኸራኸረ”ን “ተማጐተን” ዚብላ ናይ ግሪኽኛ ቓላት፡ “ንሕጋዊ ምጕት ንምምልካት እውን ኣብ ጥቕሚ ይውዕላ እየን፣” ስለዚ፡ “ሚካኤል፡ ‘ነቲ ድያብሎስ ዝነበሮ’ ንሬሳ ሙሴ ‘ናይ ምውሳድ መሰል’ ተቓዊምዎ እዩ።” ኰይኑ ግና፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ ፍርዲ ኺፍጽም ቦታኡ ኸም ዘይኰነ ተገንዚቡ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ነቲ ጕዳይ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝለዓለ ፈራዲ ዝዀነ የሆዋ ኣቕረቦ። ከምኡ ብምግባር ድማ፡ ዋላ እኳ ዜቘጥዕ ነገራት እንተ ኣጋጠሞ፡ ቦታኡ ኸም ዚፈልጥ ኣርኣየ። ከመይ ዝኣመሰለ ትሕትና ዝመልኦ ኣረኣእያ ዀን እዩ!

7. የሱስ ኣብ ዘረባኡን ተግባሩን ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

7 የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ናይ ሓቂ ትሕትና ብዜርኢ መገዲ እዩ ዚዛረብን ዚመላለስን ነይሩ። ዘረባኡ። ኣቓልቦ ሰባት ኪስሕብ ኣይጽዕርን እዩ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኵሉ ኽብሪ ንኣቦኡ ኸም ዚውሃቦ እዩ ዚገብር ነይሩ። (ማር. 10: 17, 18፣ ዮሃ. 7:16) ንደቀ መዛሙርቱ ኣየስተናዕቖምን ወይ ዘይረብሑ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ኣይገብርን እዩ ነይሩ። የግዳስ፡ ክብረቶም ይሕልወሎምን በቲ ዝነበሮም ጽቡቕ ነገራት ይንእዶምን ብኣታቶም ከም ዚተኣማመን ይገልጸሎምን ነበረ። (ሉቃ. 22:31, 32፣ ዮሃ. 1:47) ተግባሩ። የሱስ፡ ስጋዊ ነገራት ዘይበዝሖ ቐሊል ናብራ ኺነብር እዩ መሪጹ። (ማቴ. 8:20) ብፍታው ድማ ኣዝዩ ትሑት ዕዮ ይዓዪ ነበረ። (ዮሃ. 13:3-15) እዙዝ ብምዃን፡ ኣዝያ እተደንቕ ትሕትና ኣርእዩ እዩ። (ፊልጲ 2:5-8 ኣንብብ።) ከምቶም ንትሕትና ዚንዕቁ ዕቡያት ዘይኰነስ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ብትሕትና ተገዝአ፣ “ክሳዕ ሞት . . . እኳ ተኣዘዘ።” እሞኸ፡ እቲ ወዲ ሰብ ዝነበረ የሱስ፡ “ትሑት ዝልቡ” ምዃኑ ንጹር ደይኰነን፧—ማቴ. 11:29

ንትሕትና የሱስ ቅድሓዮ

8, 9. ትሕትና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

8 ትሕትና ብምርኣይ ዝመጸ ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣረኣእያና። ትሑታት እንተ ዄንና፡ ቦታና ንፈልጥ ኢና። ንኻልኦት ክንፈርዶም ቦታና ኸም ዘይኰነ እንተ ተገንዚብና፡ ተሃዊኽና በቲ ዝገበርዎ ጌጋ ኣይንነቕፎምን ኢና፣ ንድራኸኦም ድማ ኣብ ሕቶ ኣይነእትዎን ኢና። (ሉቃ. 6:37፣ ያእ. 4:12) ትሕትና፡ “እምብዛ ጻድቕ” ንኸይንኸውን፡ ነቶም ከምቲ ናትና ዓይነት ክእለት ወይ ፍሉይ መሰል ዘይብሎም ድማ ንኸይንንዕቆም ትሕግዘና እያ። (መክ. 7:16) ትሑታት ሽማግለታት፡ ካብቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ከም ዚበልጹ ገይሮም ኣይሓስቡን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ እዞም ጓሶት እዚኦም፡ ‘ንኻልኦት ካብ ርእሶም ኣብሊጾም፡’ ንርእሶም ድማ ኣንኢሶም እዮም ዚርእዩ።—ፊል. 2:3፣ ሉቃ. 9:48

9 ነቲ ኻብ 1894 ጀሚሩ ፒልግሪም ወይ ገያሺ ሓላዊ ዀይኑ ዘገልገለ ዎልተር ቶርን እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ኣብቲ ዕዮ እቲ ንብዙሕ ዓመታት ምስ ኣገልገለ፡ ናብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝነበረ ኪንግደም ፋርም ዚብሃል ቦታ ተጸውዐ እሞ፡ ኣብ እንዳ ደርሁ ኺዓዪ ጀመረ። ሓውና ቶርን፡ “ሓድሓደ ሳዕ ኣብ ገዛእ ርእሰይ ብዙሕ ከተኵር ከለኹ፡ ‘ኣንታ ዘይትረብሕ ዶሮና። እንታይ ዜዅርዕ ኣልዩካ እዩ፧’ ኢለ ንርእሰይ እግስጻ” በለ። (ኢሳይያስ 40:12-15 ኣንብብ።) ከመይ ዝኣመሰለ ትሕትና ዝመልኦ ኣረኣእያ ዀን እዩ!

10. ኣብ ዘረባናን ተግባርናን ትሕትና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ዘረባና። ብሓቂ ትሑት ዝልብና እንተ ዄንና፡ እዚ ኣብ ቃላትና ኺንጸባረቕ እዩ። (ሉቃ. 6:45) ምስ ካልኦት ክንዘራረብ ከለና፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብናዮ ዓወትን ፍሉይ መሰልን ጥራይ ኣይንዛረብን ኢና። (ምሳ. 27:2) ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዜርእይዎ ጽቡቕ ነገራት ኢና እነተኵር፣ በቲ ዘለዎም ኣወንታዊ ባህርያትን ክእለትን ከምኡ እውን በቲ ዝረኸብዎ ኣሳልጦ ንንእዶም ኢና። (ምሳ. 15:23) ተግባርና። ትሑታት ክርስትያናት፡ ኣብዚ ስርዓት ዓለም እዚ ህቡባት ኪዀኑ ኣይጽዕሩን እዮም። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ቀሊል ናብራ ኺነብሩ እዮም ዚመርጹ፣ እቲ ዚሰርሕዎ ስራሕ ብዓለም ከም ትሑት ጌርካ ዚርአ እኳ እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኼገልግልዎ ዜኽእሎም እንተ ዀይኑ፡ ንኺሰርሕዎ ፍቓደኛታት እዮም። (1 ጢሞ. 6:6, 8) ልዕሊ ዅሉ፡ እዙዛት ብምዃን ትሕትና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ነቶም ኣብ ጉባኤ ‘ዚመርሑ ምእንቲ ኽንእዘዞም፡’ ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚውሃበና መምርሒ ተቐቢልና ድማ ምእንቲ ኽንስዕቦ፡ ትሑታት ክንከውን ኣሎና።—እብ. 13:17

የሱስ ርሕሩሕ እዩ

11. ብዛዕባ ትርጕም ርሕራሐ ግለጽ።

11 ርሕራሐ እንታይ እያ፧ ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ፡ ነታ “ራሕርሐ” እትብል ቃል፡ “ኣብ ልዕሊ ሰብ ብዝወረደ ሕማቕ ነገር ስምዒቱ ተተንከፈ፣ ደንገጸ፣ በቝበቘ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ርሕራሐ ሓንቲ መዳይ ፍቕሪ እያ፣ ምስ ድንጋጽን ምሕረትን እትተሓሓዝ ልእመት ዝመልኣ ስምዒት ድማ እያ። ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ብዛዕባ “ርሕራሐን” “ልባዊ ፍቕር”ን ይገልጽ እዩ። (ሉቃ. 1:78፣ 2 ቈረ. 1:3፣ ፊል. 1:8)  ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እቲ ርሕራሐ ንኸነርኢ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተዋሂቡና ዘሎ ምኽሪ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዚ ምኽሪ እዚ፡ ንስምዒት እቶም እተጸገሙ ሰባት ንኽንርድኣሎምን ንኽንሓዝነሎምን ዜተባብዕ ጥራይ ኣይኰነን። ብሓልዮት ተደሪኽና ኣቓልቦ ኽንገብረሎም፡ ንህይወቶም ዚሕድስን ሓድሽ ኣንፈት ከም ዚሕዝ ዚገብርን ስጕምቲ ኽንወስድ ከም ዘሎና እውን እዩ ዜተባብዓና” በለ። ርሕራሐ ንተግባር ትድርኸና እያ። ርሕሩሕ ሰብ፡ ንህይወት ካልኦት ሰባት ንኼመሓይሽ ይድረኽ እዩ።

12. የሱስ ንኻልኦት ይድንግጸሎም ከም ዝነበረ ዚሕብር እንታይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ንኺገብር እዩ ደሪኽዎ፧

12 የሱስ ርሕራሐ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ርሕራሐ ዝመልኦ ስምዒቱን ተግባሩን። የሱስ ንኻልኦት ይድንግጸሎም ነበረ። እታ ፈታዊቱ ዝነበረት ማርያምን ምስኣ ዝነበሩ ሰባትን ብምኽንያት ሞት ኣልኣዛር ሓዋ ኺበኽዩ ኸለዉ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም “ነብዐ።” (ዮሃንስ 11:32-35 ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ ካብ ልቡ ስለ ዝደንገጸ፡ ልክዕ ከምቲ ንሓደ ወዲ መበለት ዘተንስኦ፡ ንኣልኣዛር እውን ካብ ሞት ኣተንስኦ። (ሉቃ. 7:11-15፣ ዮሃ. 11:38-44) በቲ ርሕራሐ ዝመልኦ ተግባሩ ኣቢሉ ድማ ንኣልኣዛር፡ ሰማያዊ ህይወት ንኺረክብ ዜኽእሎ ኣጋጣሚ ኸፊቱሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ብዙሓት ሰባት “ደንገጸሎም።” በዚ ተደሪኹ ድማ፡ “ብዙሕ . . . ኪምህሮም ጀመረ።” (ማር. 6:34) እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ነቶም ነቲ ትምህርቱ ጽቡቕ ምላሽ ዝሃቡሉ ሰባት ህይወቶም ዚቕይር እዩ ነይሩ። ርሕራሐ የሱስ ካብ ስምዒት ንላዕሊ ኸም እተጠቓልል ኣስተብህል፣ ንኻልኦት ሰባት ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ስጕምቲ ንኺወስድ እውን ደሪኻቶ እያ።—ማቴ. 15:32-38፣ 20:29-34፣ ማር. 1:40-42

13. የሱስ ንኻልኦት ብርሕራሐ ዘዘራረቦም ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 5 ዘላ ስእሊ ርአ።)

13 ርሕራሐ ዝመልኦ ቓላቱ። የሱስ ብልባዊ ርሕራሐ ተደሪኹ፡ ንኻልኦት ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም እተደቝሱ ብልኡም መገዲ የዘራርቦም ነበረ። ሃዋርያ ማቴዎስ፡ እዘን ዚስዕባ ቓላት ኢሳይያስ ኣብ የሱስ ከም ዚውዕላ ገሊጹ ነበረ፦ “ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፡ ተኻኺ ጥዋፍ ድማ ኣይኬጥፍእን እዩ።” (ኢሳ. 42:3፣ ማቴ. 12:20) የሱስ ነቶም ብምሳልያዊ መገዲ ኸም ጭፍሉቕ ሻምብቆ ወይ ከም ጭልምልም ዚብል ተኻኺ ጥዋፍ ዝነበሩ ሰባት፡ መንፈሶም ዚሕድስ ዘረባ ይዛረቦም ነበረ። ‘ንስቡራት ልቢ ኺዝንን’ ዚኽእል ተስፋ ዝሓዘለ መልእኽቲ ይሰብኽ ነበረ። (ኢሳ. 61:1) ነቶም ‘ዚጽዕሩን ጾር ዝኸበዶምን’ ናብኡ ንኺመጹ ዓደሞም፣ ‘ንነፍሶም ዕረፍቲ ኸም ዚረኽቡ’ ድማ ኣረጋገጸሎም። (ማቴ. 11:28-30) ብዘይካዚ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣምለኽቱ፡ እንተላይ ነቶም ብዓይኒ ዓለም ከም ‘ንኣሽቱ’ ጌርካ ዚርኣዩ ኣገልገልቱ ኸም ዚርሕርሓሎም ኣረጋጊጹሎም እዩ።—ማቴ. 18:12-14፣ ሉቃ. 12:6, 7

ንርሕራሐ የሱስ ቅድሓዮ

14. ንኻልኦት ሰባት ክንርሕርሓሎም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 ርሕራሐ ብምርኣይ ዝመጸ ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ርሕራሐ ዝመልኦ ስምዒት። ከምዚ ዓይነት ስምዒት ብተፈጥሮና ኸይህልወና ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ርሕራሐ ኸነማዕብል የተባብዓና እዩ። ከመይሲ፡ “ልባዊ ርሕራሐ” ሓደ መዳይ እቲ ዅሎም ክርስትያናት ኪለብስዎ ዚግባእ ሓድሽ ስብእና እዩ። (ቈሎሴ 3:9, 10, 12 ኣንብብ።) ንኻልኦት ሰባት ክትርሕርሓሎም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ልብኻ ኣርሕወሎም። (2 ቈረ. 6:11-13) ሓደ ሰብ ብዛዕባ ስምዒቱን ዜተሓሳስቦ ነገራትን ኪነግረካ ኸሎ፡ ጽን ኢልካ ስምዓዮ። (ያእ. 1:19) ‘ኣነ ኸምኡ እንተ ዜጋጥመኒ፡ እንታይ ምተሰምዓኒ፧ እንታይ ኪግበረለይከ ምደለኹ፧’ ኢልካ ሕሰብ።—1 ጴጥ. 3:8

15. ነቶም ልክዕ ከም ጭፍሉቕ ሻምብቆ ወይ ከም ጭልምልም ዚብል ተኻኺ ጥዋፍ ዝዀኑ ሰባት ምእንቲ ኽንሕግዞም፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

 15 ርሕራሐ ዝመልኦ ተግባር። ርሕራሐ ንህይወት ካልኦት ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ንህይወት እቶም ከም ጭፍሉቕ ሻምብቆ ወይ ከም ጭልምልም ዚብል ተኻኺ ጥዋፍ ዝዀኑ ሰባት ንኸነመሓይሾ ትድርኸና እያ። ንኸምዚኦም ዓይነት ሰባት ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ሮሜ 12:15፡ “ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ” ትብል። እተደቝሱ ሰባት፡ ካብ መፍትሒ ንላዕሊ፡ ድንጋጽ እዩ ዜድልዮም። ሓንቲ ሓብቲ ጓላ ምስ ሞተታ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾታ ኣጸናንዕዋ፣ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ፈተውተይ መጺኦም ምሳይ ምብካዮም ንባዕሉ ኣጸናኒዑኒ እዩ” በለት። ብዘይካዚ፡ ሓድሓደ ለውሃት ዝመልኦ ነገራት ብምግባር፡ ርሕራሐ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ቤታ ጽገና ዜድልዮ መበለት ትፈልጥዶ፧ ናብ ኣኼባታት ንምምጻእ፡ ናብ ኣገልግሎት ንምኻድ፡ ወይ ከኣ ሕክምና ንምግባር መጓዓዝያ ዜድልዮ ብዕድመ ዝደፍአ ክርስትያን ይህሉዶ ይኸውን፧ እቲ ብለውሃት ተደሪኽና እንገብሮ ንእሽቶ ተግባር፡ ኣብ ህይወት እቲ ሓገዝ ዜድልዮ ሓውና ወይ ሓብትና ዓብዪ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ። (1 ዮሃ. 3:17, 18) ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ብምክፋል፡ ንኻልኦት ርሕራሐ ኸነርእዮም ንኽእል ኢና። ኣብ ህይወት ሰባት ዓብዪ ለውጢ ኸነምጽእ እንኽእለሉ ኻልእ ዝዓበየ መገዲ የልቦን።

ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ፡ ካብ ልብኻ ትግደሰሎም ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

16. ነቶም እተጨነቑ ሰባት ንምትብባዕ እንታይ ክንብል ንኽእል፧

16 ርሕራሐ ዝመልኦ ቓላት። ንኻልኦት ንርሕርሓሎም እንተ ዄንና፡ ‘ነቶም እተጨነቑ ንኸነጸናንዖም’ ክንድረኽ ኢና። (1 ተሰ. 5:14) ነዞም ሰባት እዚኦም ምእንቲ ኸነተባብዖም እንታይ ክንብል ንኽእል፧ ካብ ልብና ኸም እንሓልየሎምን ከም እንግደሰሎምን ብምግላጽ፡ ንመንፈሶም ክንሕድሶ ንኽእል ኢና። ነቲ ዘለዎም ኣወንታዊ ባህርያትን ክእለትን ምእንቲ ኺግንዘብዎ፡ ካብ ልብና ኽንንእዶም ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ናብ ወዱ ኸም ዝሰሓቦም፡ ከምኡ ዝገበረ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኽቡራት ስለ ዝዀኑ ምዃኑ ኸነዘኻኽሮም ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 6:44) የሆዋ ነቶም “ስቡር ልቢ ዘለዎም” ወይ “ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም” ኣገልገልቱ ኣዝዩ ኸም ዚግደሰሎም እውን ከነረጋግጸሎም ንኽእል ኢና። (መዝ. 34:18) እቲ ርሕራሐ ዝመልኦ ቓላትና፡ ነቶም ምጽንናዕ ዜድልዮም ሰባት፡ ጥዕና ኼምጽኣሎም ይኽእል እዩ።—ምሳ. 16:24

17, 18. (ሀ) የሆዋ ንሽማግለታት፡ ነተን ኣባጊዕ ብኸመይ ኪሕዝወን እዩ ዚጽበዮም፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

17 ኣቱም ሽማግለታት፡ የሆዋ ንኣባጊዑ ብርሕራሐ ኽትሕዝወን እዩ ዚጽበየኩም። (ግብ. 20:28, 29) ነተን ኣባጊዕ ክትምግብወንን ከተተባብዕወንን መንፈሰን ክትሕድሱን ሓላፍነትኩም እዩ። (ኢሳ. 32:1, 2፣ 1 ጴጥ. 5:2-4) ስለዚ፡ ሓደ ርሕሩሕ ሽማግለ ንኣሕዋትን ንኣሓትን ኪቈጻጸሮም ኣይፍትንን እዩ፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሕግታት ብምውጻእ ወይ ከኣ ጸጸት ከም ዚስምዖም ብምግባር፡ ካብቲ ዅነታቶም ዚፈቕደሎም ንላዕሊ ኺገብሩ ኣይሓትቶምን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እታ ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ ንዕኡ ምሉእ ብምሉእ ንኼገልግልዎ ኸም እትድርኾም ብምትእምማን፡ ልቦም ብሓጐስ ከም ዚምላእ ኪገብር ኣለዎ።—ማቴ. 22:37

18 ብዛዕባ ትሕትናን ርሕራሐን የሱስ ከነስተንትን ከለና፡ ኣስኣሰሩ ንኽንስዕብ ከም እንድረኽ ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ ኽልተ ተፈታዊ ባህርያት የሱስ፡ ማለት ብዛዕባ ትብዓቱን ምስትውዓሉን ክንምርምር ኢና።