ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ጥሪ 2015

ድራር ጐይታ እነብዕል ስለምንታይ ኢና፧

ድራር ጐይታ እነብዕል ስለምንታይ ኢና፧

“እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ።”—1 ቈረ. 11:24

1, 2. የሱስ ብ14 ኒሳን 33 ድ.ክ. ኣብ ዝነበረት ምሸት፡ እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

መስዩ እኳ እንተ ነበረ፡ እታ እትርአ ዝነበረት ምልእቲ ወርሒ ግና ንየሩሳሌም ብብርሃና መሊኣታ ነበረት። እዋኑ፡ ምሸት 14 ኒሳን 33 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። የሱስን ሃዋርያቱን ነቲ እስራኤላውያን ቅድሚ 1,500 ዓመት ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ዝወጹሉ እዋን ብምዝካር፡ ፋስጋ ኣብዒሎም ወዲኦም ነበሩ። ድሕሪኡ፡ የሱስ ምስቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ዀይኑ፡ ፍሉይ መኣዲ ኣዳለወ፣ እዚ መኣዲ እዚ፡ ነቲ እታ መዓልቲ እቲኣ ቕድሚ ምዝዛማ ዜጋጥሞ ሞት ዚዝክር እዩ ነይሩ። *ማቴ. 26:1, 2

2 የሱስ ምስ ጸለየ፡ ንሃዋርያቱ ዘይበዅዐ እንጌራ ሃቦም፣ “ውሰዱ፡ ብልዑ” ድማ በሎም። ጽዋእ ወይኒ ኣልዒሉ እውን፡ እንደገና ኣመስጊኑ፡ “ኵላትኩም ካብዚ ስተዩ” በሎም። (ማቴ. 26:26, 27) የሱስ ንሃዋርያቱ ኻልእ ዓይነት ምግቢ እኳ እንተ ዘይሃቦም፡ ኣብታ ኣገዳሲት ለይቲ እቲኣ ግና፡ ነቶም እሙናት ሰዓብቱ ብዙሕ ዚነግሮም ነገራት ነበሮ።

3. እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነየናይ ሕቶታት እያ ኽትምልሶ፧

3 በዚ ኸምዚ፡ የሱስ፡ ዝኽሪ ሞቱ፡ ማለት “ድራር ጐይታ” ኣቘመ። (1 ቈረ. 11:20) ገሊኦም ሰባት፡ ብዛዕባ ድራር ጐይታ ኸምዚ ኢሎም  ይሓትቱ ይዀኑ፦ ንሞት የሱስ ክንዝክሮ ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧ ትርጕም እቲ ቕጫን ወይንን እንታይ እዩ፧ ንበዓል ዝኽሪ ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧ ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ መን እዮም፧ ክርስትያናትከ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ተስፋኦም እንታይ ምላሽ እዮም ኪህቡሉ ዚግባእ፧

ንሞት የሱስ እንዝክሮ ስለምንታይ ኢና፧

4. ሞት የሱስ እንታይ ንኽንረክብ ዜኽእለና ኣጋጣሚ እዩ ኸፊቱልና፧

4 ዘርኢ ኣዳም ስለ ዝዀንና፡ ሓጢኣትን ሞትን ወሪስና ኢና። (ሮሜ 5:12) ዝዀነ ይኹን ዘይፍጹም ሰብ ድማ፡ ንህይወቱ ዀነ ንህይወት ካልኦት ዚኸውን በጃ ንኣምላኽ ኬቕርበሉ ኣይክእልን እዩ። (መዝ. 49:6-9) የሱስ ግና ፍጹም ሰብነቱን ደሙን ንዓና በጃ ብምሃብ፡ ኣብ ክንዳና ሞተ፣ ተቐባልነት ዘለዎ በጃ ኸኣ ኣቕረበ። ንዋጋ በጃኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብምቕራብ ድማ፡ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንኽንድሕን፡ ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ንኽንረክብ ዜኽእለና ኣጋጣሚ ኸፈተልና።—ሮሜ 6:23፣ 1 ቈረ. 15:21, 22

5. (ሀ) ኣምላኽን ክርስቶስን ንደቂ ሰብ ከም ዜፍቅርዎም ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ኣብ ዝኽሪ ሞት የሱስ ክንርከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

5 እቲ የሱስ ዝኸፈሎ በጃ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ከም ዜፍቅሮም ዜርኢ መርትዖ እዩ። (ዮሃ. 3:16) ብዘይካዚ፡ እቲ መስዋእቲ፡ የሱስ እውን ከም ዜፍቅረና ዜርኢ መርትዖ እዩ። ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጽኡ እውን እንተ ዀነ፡ ወሓለ “ሰራሕተኛ” ዀይኑ ምስ ኣምላኽ ይዓዪ ነበረ፣ ‘ተድላኡ ኸኣ ብፍላይ ብደቂ ሰብ ነበረ።’ (ምሳ. 8:30, 31) ስለዚ፡ ንኣምላኽን ንወዱን ዘሎና ሞሳ፡ ኣብ ዝኽሪ ሞት የሱስ ንኽንርከብ ይድርኸና እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ነቲ፡ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ዚብል ትእዛዝ ነኽብሮ።—1 ቈረ. 11:23-25

እቲ ቕጫን ወይንን እንታይ የመልክት፧

6. ነቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ብኸመይ ክንርድኦ ይግብኣና፧

6 የሱስ ንበዓል ዝኽሪ ኬቕውም ከሎ፡ ቃል ብቓሉ ነቲ ቕጫ ናብ ስጋኡ፡ ነቲ ወይኒ ኸኣ ናብ ደሙ ብተኣምራዊ መገዲ ኣይቀየሮን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ እቲ ቕጫ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዚ ስጋይ ማለት እዩ” በለ። ብዛዕባ እቲ ወይኒ እውን፡ “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናተይ ‘ደም ኪዳን’ ማለት እዩ” በለ። (ማር. 14:22-24) ብንጹር እምበኣር፡ እቲ ቕጫን ወይንን ከም ምሳልያዊ ጌርካ እዩ ኺርአ ዘለዎ።

7. እቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ቅጫ ንምንታይ የመልክት፧

7 ኣብቲ ብ33 ድ.ክ. ዝነበረ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ፡ የሱስ ነቲ ኻብቲ ፋስጋ ዝተረፈ ዘይበዅዐ እንጌራ እዩ ተጠቒሙ። (ዘጸ. 12:8) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ማይ ብሑቝ ሓድሓደ እዋን ንብልሽውና ወይ ንሓጢኣት እዩ ዜመልክት። (ማቴ. 16:6, 11, 12፣ ሉቃ. 12:1) ስለዚ፡ የሱስ ዘይበዅዐ እንጌራ ምጥቃሙ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይነበሮ ፍጹም ስጋኡ ዜመልክት ብቑዕ ኣብነት እዩ ነይሩ። (እብ. 7:26) ኣብ በዓል ዝኽሪ እውን እንተ ዀነ፡ ከምኡ ዓይነት ቅጫ እዩ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል።

8. እቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ወይኒ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧

8 እቲ የሱስ ብ14 ኒሳን 33 ድ.ክ. እተጠቕመሉ ወይኒ፡ ንደሙ እዩ ዜመልክት፣ እቲ ሎሚ እንጥቀመሉ ወይኒ እውን ንደም የሱስ እዩ ዜመልክት። ኣብቲ ኻብ የሩሳሌም ወጻኢ ዝነበረ ጎልጎታ ዚብሃል ቦታ፡ ደም የሱስ “ንሕድገት ሓጢኣት” ፈሲሱ እዩ። (ማቴ. 26:28፣ 27:33) እቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ነቲ ምእንቲ እዙዛት ደቂ ሰብ ተባሂሉ ዝቐረበ ብዋጋ ዘይሽነን መስዋእቲ የሱስ ስለ ዜመልክት፡ ነዚ ፍቕራዊ መሰናድዎ እዚ ድማ ስለ እነማስወሉ፡ ነቲ በብዓመቱ ዚብዓል ድራር ጐይታ ብውልቅና ኽንዳሎ ግቡእ እዩ።

ክትዳለወሉ እትኽእል ገለ መገድታት

9. (ሀ) ነቲ ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ በብእዋኑ ኸነንብቦ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ በጃ እንታይ ይስምዓካ፧

9 ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዚርከብ ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ በብእዋኑ ብምንባብ፡ የሱስ ቅድሚ ሞቱ  እንታይ ከም ዝገበረ ኸነስተንትን ንኽእል ኢና። እዚ ድማ፡ ልብና ንድራር ጐይታ ንኸነዳሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። * ሓንቲ ሓብቲ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ንበዓል ዝኽሪ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ። በብዓመቱ ፍሉይ እዩ። . . . እቲ ዘፍቅሮ ኣቦይ ኣብ ዝሞተሉ እዋን፡ ኣብ ጥቓ ሳንዱቑ ደው ኢለ፡ ነቲ የሱስ ዝኸፈሎ በጃ ኻብ ልበይ ከማስወሉ ኸለኹ ትዝ ይብለኒ። . . . ንዅሉ እቲ ብዛዕባ በጃ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እፈልጦ ነበርኩ፣ ነቲ ጥቕስታት ብኸመይ ከም ዝገልጾ እውን እፈልጥ ነይረ እየ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ሞት ዜምጽኦ ውሽጣዊ ጕድኣት ኣብ ህይወተይ ምስ ረኣኽዎ፡ በቲ ኽቡር በጃ ኣቢሉ ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት ሓሰብኩ፣ ብሓጐስ ድማ ፍንጭሕ በልኩ።” ብሓቂ እምበኣር፡ ንበዓል ዝኽሪ ኽንዳሎ ኸለና፡ መስዋእቲ የሱስ ብኸመይ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ኸም ዘውጽኣና ኸነስተንትን ኣሎና።

ነቲ ዘሎካ ናውቲ ተጠቒምካ፡ ልብኻ ንበዓል ዝኽሪ ኣዳሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

10. ንበዓል ዝኽሪ እንገብሮ ምድላው፡ ንኣገልግሎትና ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

10 ንበዓል ዝኽሪ ምድላው ኪብሃል ከሎ፡ ኣገልግሎትና ብገለ መገዲ ምስፋሕ እውን ዜጠቓልል እዩ፣ ምናልባት ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና። ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባትን ንኻልኦትን ናብ ድራር ጐይታ ኽንዕድሞም ከለና፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ወዱን ብምዝራብ ክንሕጐስ ኢና፣ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንየሆዋ ዜሐጕስዎን ዚውድስዎን ሰባት ተዓቚሩሎም ዘሎ በረኸት ብምዝራብ እውን ሓጐስ ክንረክብ ኢና።—መዝ. 148:12, 13

11. ገሊኦም ሰብ ቈረንቶስ፡ ከይተገብኦም ካብቲ ቕጫን ወይንን ዝወሰዱ ብኸመይ እዮም፧

11 ንድራር ጐይታ ኽትዳሎ ኸለኻ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ኢሉ ኸም ዝጸሓፈሎም ሕሰብ። (1 ቈረንቶስ 11:27-34 ኣንብብ።) ከይተገብኦ ነታ እንጌራ ዚበልዕን ካብታ ጽዋእ ዚሰትን ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ “ኣብ ስጋን ደምን ጐይታ እዩ ዚዕግብ።” ስለዚ፡ ሓደ ቕቡእ፡ ‘ርእሱ ኺምርምር’ ኣለዎ፣ ድሕሪኡ እዩ ኻብቲ ቕጫን ወይንን ኪወስድ ዚግብኦ። ከምኡ እንተ ዘይገይሩ፡ “ኣብ ርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን።” ብዙሓት ሰብ ቈረንቶስ ብሰንኪ ዘይግቡእ ጠባይ፡ ‘ድኹማትን ሕሙማትን ኰኑ፣ ሓያሎ እውን [ብመንፈሳዊ መዳይ] ሞቱ።’ ምናልባት ገለ ኻባታቶም፡ ቅድሚ እቲ በዓል ዝኽሪ ወይ እውን እቲ በዓል እናተኻየደ ኸሎ ብዙሕ ይሰትዩን ይበልዑን ስለ ዝነበሩ፡ ብኣእምሮኣዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሓት ኣይነበሩን ይዀኑ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ከለኻ ኻብቲ ቕጫን ወይንን ምውሳድ፡ ሞገስ ኣምላኽ ዜስእን እዩ ነይሩ።

12. (ሀ) ጳውሎስ ንበዓል ዝኽሪ ምስ ምንታይ እዩ ኣመሳሲልዎ፧ ነቶም ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስዱኸ እንታይ ኢሉ እዩ ኣጠንቂቕዎም፧ (ለ) ኣብ በዓል ዝኽሪ ኻብቲ ቕጫን ወይንን ዝወስድ ሰብ፡ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺሙ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

 12 ጳውሎስ ንበዓል ዝኽሪ ምስ መኣዲ ኣመሳሲልዎ ኣሎ፣ ነቶም ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ ድማ፡ “ጽዋእ የሆዋን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ካብ ‘መኣዲ የሆዋ’ን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (1 ቈረ. 10:16-21) ኣብ በዓል ዝኽሪ ኻብቲ ቕጫን ወይንን ዝወስድ ሰብ፡ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺሙ፡ መንፈሳዊ ሓገዝ ኪሓትት ኣለዎ። (ያእቆብ 5:14-16 ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ “ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ” እንተ ፈርዩ፡ ካብቲ ቕጫን ወይንን ኪወስድ ይኽእል እዩ፣ ከምኡ እንተ ገይሩ፡ ኣብ መስዋእቲ የሱስ ከም ዝዓገበ ጌርካ ኣይርአን እዩ።—ሉቃ. 3:8

13. ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ኽንጽሊ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13 ንበዓል ዝኽሪ በብውልቅና ኽንዳሎ ኸለና፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ብጸሎት ኣቢልና ኽንሓስበሉ ጠቓሚ እዩ። ሓደ ርእሱ ንየሆዋ ዝወፈየን እሙን ሰዓቢ ወዱ ዝዀነን ኣገልጋሊ የሆዋ፡ ቅቡእ ክርስትያን ምዃኑ ዜረጋግጽ ንጹር መትርዖ ዘይብሉ ኽነሱ ኻብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ዚወስድ እንተ ዀይኑ፡ ንመስዋእቲ የሱስ ዘለዎ ንዕቀት እዩ ዜርኢ። እሞኸ ሓደ ሰብ ካብቲ ቕጫን ወይንን ኪወስድ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ብኸመይ እዩ ዚውስን፧

ካብቲ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ዘለዎም መን እዮም፧

14. ቅቡኣት ክፍሊ እቲ ሓድሽ ኪዳን ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ በዓል ዝኽሪ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧

14 እቶም ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ዚወስዱ ክርስትያናት፡ ክፍሊ እቲ ሓድሽ ኪዳን ምዃኖም ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት እዮም። የሱስ ብዛዕባ እቲ ወይኒ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዛ ጽዋእ እዚኣ፡ ብደመይ ዚግበር ሓድሽ ኪዳን ማለት እያ” በለ። (1 ቈረ. 11:25) ኣምላኽ ድማ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ፡ ካብቲ ምስ እስራኤላውያን ዝገበሮ ኺዳን ሕጊ ሙሴ ዚፍለ ሓድሽ ኪዳን ከም ዚገብር ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኤርምያስ 31:31-34 ኣንብብ።) ኣምላኽ ምስ መንፈሳውያን እስራኤላውያን ሓድሽ ኪዳን ገይሩ እዩ። (ገላትያ 6:15, 16) እዚ ኺዳን እዚ፡ ብመስዋእቲ የሱስ ኣቢሉ ሕጋዊ ዀይኑ እዩ፣ በቲ ዝፈሰሰ ደሙ ኣቢሉ ድማ፡ ኪዓዪ ጀሚሩ እዩ። (ሉቃ. 22:20) የሱስ ማእከላይ እቲ ሓድሽ ኪዳን እዩ፣ እቶም ክፍሊ እቲ ኺዳን ዝዀኑ እሙናት ቅቡኣት ድማ፡ ሰማያዊ ርስቲ እዮም ዚቕበሉ።—እብ. 8:6፣ 9:15

15. ክፍሊ እቲ ኺዳን መንግስቲ ዝዀኑ እንታዎት እዮም፧ እሙናት እንተ ዀይኖምከ እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ዚጽበዮም፧

15 እቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ኻብቲ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ዚኽእሉ ውልቀ ሰባት፡ ክፍሊ ኺዳን መንግስቲ ምዃኖም እውን ይፈልጡ እዮም። (ሉቃስ 12:32 ኣንብብ።) እቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ ብምዃን ብተኣማንነት ምስኡ ዚጠብቁን ኣብ መከራኡ ዚካፈሉን ሰባት፡ ኣብ ሰማያዊ ግዝኣቱ እውን ምስኡ ኺገዝኡ እዮም። (ፊል. 3:10) እሙናት ቅቡኣት ክፍሊ እቲ ኺዳን መንግስቲ ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ኪነግሱ እዮም። (ራእ. 22:5) በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ በዓል ዝኽሪ ኻብቲ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ዚኽእሉ።

16. ብዛዕባ ሮሜ 8:15-17 ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ።

16 እቶም ውሉዳት ኣምላኽ ከም ዝዀኑ መንፈስ ዝመስከረሎም ሰባት ጥራይ እዮም ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ኪወስዱ ዚግብኦም። (ሮሜ 8:15-17 ኣንብብ።) ጳውሎስ ነታ “ኣቦ” ዝትርጕማ “ኣባ” እትብል ናይ ኣረማይስጢ ቓል ከም እተጠቕመ ኣስተብህል። እታ “ኣቦ” እትብል ቃል ልክዕ ከምታ “ባባ” እትብል ቃል፡ መግለጺት ፍቕርን ኣኽብሮትን ስለ ዝዀነት፡ ሓደ ውሉድ ነዛ ቓል እዚኣ ተጠቒሙ ንኣቦኡ ኺዛረቦ ይኽእል እዩ። እቶም “መንፈስ ውልድነት” እተቐበሉ ሰባት፡ ብመንፈስ እተወልዱ ውሉዳት ኣምላኽ እዮም። መንፈሱ ምስ መንፈሶም ኰይኑ ይምስክር እዩ፣  እዚ ኸኣ ነቶም ቅቡኣት፡ ውሉዳት የሆዋ ምዃኖም ከም ዚግንዘቡ ይገብሮም። ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ኣይደልዩን ማለት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክሳዕ ሞት እሙናት እንተ ዀይኖም፡ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንየሱስ መዋርስቱ ኸም ዚዀኑ ርግጸኛታት እዮም። ሎሚ ኻብቶም ኣስኣሰር ክርስቶስ ዚስዕቡ 144,000፡ ሒደት እዮም ተሪፎም ዘለዉ፣ እዚኣቶም ከኣ ‘ካብቲ ቕዱስ ዝዀነ የሆዋ፡ ቅብኣት ኣለዎም።’ (1 ዮሃ. 2:20፣ ራእ. 14:1) ብመንፈስ የሆዋ ኣቢሎም ድማ እዮም “ኣባ፡ ኣቦ!” ኢሎም ዚጽውዕዎ። ምስ ኣምላኽ ከመይ ዝኣመሰለ እተባረኸ ርክብ ኰን እዩ ዘለዎም!

ንቕዱስ ጽሑፋዊ ተስፋኻ እትህቦ ምላሽ

17. ቅቡኣት እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧ ንተስፋኦምከ ብኸመይ እዮም ዚርእይዎ፧

17 ቅቡእ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ሰማያዊ ተስፋ ሓደ ኻብቲ ኣብ ውልቃዊ ጸሎትካ እትጠቕሶ ኣገዳሲ ርእሰ ነገራት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅቡኣት ነቲ ሰማያዊ መርዓዊ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ‘ከም እተሓጽዩ’ ኺገልጽ ከሎ፡ እዚ ንዓኻ እውን ከም ዚምልከተካ ጌርካ ኢኻ እትሓስብ፣ ክፍሊ “መርዓት” ክርስቶስ ንምዃን ድማ ብሃንቀውታ ኢኻ እትጽበ። (2 ቈረ. 11:2፣ ዮሃ. 3:27-29፣ ራእ. 21:2, 9-14) ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ብዛዕባ እቲ ንመንፈሳውያን ደቁ ዘለዎ ፍቕሪ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዚ ንዓይ እውን ዜጠቓልል እዩ” ትብል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ቃል የሆዋ ንቕቡኣት ውሉዳት መምርሒ ኺህቦም ከሎ፡ ነቲ መምርሒ ምእንቲ ኽትእዘዞን ብልብኻ ድማ “እዚ እኮ ንዓይ እውን ዚምልከት እዩ” ምእንቲ ኽትብልን፡ መንፈስ ቅዱስ ይድርኸካ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ መንፈስ ኣምላኽን መንፈስካን፡ ሰማያዊ ተስፋ ኸም ዘሎካ ብሓባር ኰይኖም ይምስክሩ።

18. “ካልኦት ኣባጊዕ” እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧ ብዛዕባ እዚኸ እንታይ ይስምዓካ፧

18 ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ክፍሊ እተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ “ብዙሓት ህዝቢ” እንተ ዄንካ፡ ኣምላኽ ምድራዊ ተስፋ ሂቡካ ኣሎ። (ራእ. 7:9፣ ዮሃ. 10:16) ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክትነብር ትደሊ ኢኻ፣ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚህሉ ህይወት ብዚምልከት ዚገልጾ ሓሳብ ከተስተንትን ከለኻ ድማ ትሕጐስ ኢኻ። ብስድራ ቤትካን ብኻልኦት ጻድቃንን ተኸቢብካ ብብዝሒ ሰላም እናተሓጐስካ ኽትነብር ትህንጠ ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ንደቂ ሰብ ዜሳቕዮም ዘሎ ጥሜትን ድኽነትን መከራን ሕማምን ሞትን ዚጠፍኣሉ እዋን ብሃንቀውታ ኢኻ እትጽበዮ። (መዝ. 37:10, 11, 29፣ 67:6፣ 72:7, 16፣ ኢሳ. 33:24) ነቲ ምዉታት ካብ ሞት ተንሲኦም ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ዚነብሩሉ እዋን እውን ሃረር ትብሎ ኢኻ። (ዮሃ. 5:28, 29) የሆዋ፡ ምድራዊ ተስፋ ብምሃብ ስለ ዝባረኸካ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢኻ ኸተመስግኖ ዚግብኣካ! ካብቲ ቕጫን ወይንን ዘይትወስድ እኳ እንተ ዀንካ፡ ንመስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ስለ እተማስወሉ ግና ኣብ በዓል ዝኽሪ ትእከብ ኢኻ።

ክትእከብ ዲኻ፧

19, 20. (ሀ) እቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ተስፋ ኺፍጸም ከሎ ኽትርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ለ) ኣብ ድራር ጐይታ እትእከብ ስለምንታይ ኢኻ፧

19 ተስፋኻ ምድራዊ ወይ ሰማያዊ ይኹን ብዘየገድስ፡ ተስፋኻ ኺፍጸም ከሎ ኽትርኢ እትኽእል፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኽን ኣብ የሱስ ክርስቶስን ኣብቲ በጃን እምነት እንተ ኣሕዲርካ እዩ። ኣብ በዓል ዝኽሪ እንተ ተኣኪብካ፡ ብዛዕባ ተስፋኻ ንኽትሓስብን ሞት የሱስ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኸተስተንትንን ኣጋጣሚ ኽትረክብ ኢኻ። ስለዚ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ዓርቢ 3 ሚያዝያ 2015 ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ዚብዓል ድራር ጐይታ ንኼብዕሉ ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ካልእ ቦታታትን ዚእከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ምእንቲ ኽትከውን መደብ ግበር።

20 ኣብ በዓል ዝኽሪ ምእካብ፡ ነቲ ንመስዋእታዊ በጃ የሱስ ዘሎካ ሞሳ ብዝያዳ ኼዕምቖ እዩ። ነቲ መደረ ጽን ኢልካ ምስማዕካ ድማ፡ ንብጻይካ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘርኣየና ፍቕርን ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዓብዪ ዕላማን ብምንጋር ፍቕርኻ ንኸተርኢ ኺድርኸካ እዩ። (ማቴ. 22:34-40) ሃየ እምበኣር፡ ኣብ ድራር ጐይታ ተኣከብ።

^ ሕ.ጽ. 1 ብኣቈጻጽራ እብራውያን፡ ሓንቲ መዓልቲ እትጅምር፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት እዩ ነይሩ፣ ክሳዕ እታ ቐጺላ ዘላ ዕራርቦ ጸሓይ ድማ ትጸንሕ።

^ ሕ.ጽ. 9 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጕም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ)፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ 12 ርአ።

ብዝያዳ ፍለጥ

የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ናይ መወዳእታ ሰሙን (1ይ ክፋል)

የሩሳሌምን ከባቢኣን ዜርኢ ካርታን ካብ 8 ኒሳን ክሳዕ 11 ኒሳን 33 ድ.ክ. እተፈጸመ ፍጻመታት ዜርኢ ሰሌዳ ግዜን ርአ።

የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ናይ መወዳእታ ሰሙን (2ይ ክፋል)

ካብ 12 ኒሳን ክሳዕ 16 ኒሳን 33 ድ.ክ. ዝነበረ እዋን ዚሽፍን ሰሌዳ ግዜ ርአ።