ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ጥሪ 2015

ድልዱልን ሕጉስን ሓዳር ህነጽ

ድልዱልን ሕጉስን ሓዳር ህነጽ

“እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፡ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ።”—መዝ. 127:1

1-3. ሰብ ሓዳር እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ካብ ዚምርዖ 38 ዓመት ዝገበረ ሓደ ብዓል ሓዳር፡ “እንተ ጽዒርካን ሓዳርካ ኺሰምር ከም እትደሊ እንተ ኣርኢኻን፡ በረኸት የሆዋ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ” በለ። እወ፡ ሰብ ሓዳር፡ ባህ ዜብል ግዜ ኼሕልፉን ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ንሓድሕዶም ኪደጋገፉን ይኽእሉ እዮም።—ምሳ. 18:22

2 ይኹን እምበር፡ ሰብ ሓዳር “ኣብ ስጋኦም ጸበባ” ኼጋጥሞም ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 7:28) ስለምንታይ፧ እቲ በብመዓልቱ ዜጋጥም ጸገማት ንባዕሉ ንሓዳር ኪጐድኦ ይኽእል እዩ። ዕዉታት ሰብ ሓዳር እውን እንተ ዀኑ፡ ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ፡ ስምዒት ዚጐድእ ዘረባ ኺዛረቡን ምርድዳእ ኪስእኑን ሓሳቦም ምግላጽ ኪኸብዶምን ይኽእል እዩ። (ያእ. 3:2, 5, 8) ብዘይካዚ፡ ብዙሓት ሰብ ሓዳር፡ ንደቆም እናኣዕበዩ ብዙሕ ስለ ዚሰርሑ፡ እዚ ኣዝዩ ኼጸግሞም ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰብ ሓዳር ድማ፡ ብሰንኪ ውጥረትን ድኻምን፡ ነቲ ንሓዳሮም ንምድልዳል ዜድልዮም ግዜ ኸም ዚስእኑ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። ገንዘባዊ ጸገም፡ ምስኣን ጥዕና፡ ወይ ከኣ ካልእ ሽግር፡ ነቲ ንሓድሕዶም ዘለዎም ፍቕርን ኣኽብሮትን ኪንክዮ ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ እቲ ኸም ርኽሰትን ንውርምናን ጽልእን ባእስን ቅንእን ቍጥዓን ህልኽን ዝኣመሰለ “ግብሪ ስጋ፡” ንመሰረት ሓደ ድልዱል ሓዳር ኬናውጾ ይኽእል እዩ።—ገላ. 5:19-21

3 ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ኸኣ፡ ኣብዚ ብፈተውቲ ርእሶምን ፍርሃት ኣምላኽ  ብዘይብሎም ሰባትን መሊኡ ዘሎ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘለና፣ እዚ ባህርያት እዚ ድማ፡ መርዚ ሓዳር እዩ። (2 ጢሞ. 3:1-4) እዚ ኸይኣክል ድማ፡ ሰብ ሓዳር ነቲ ኻብ ሓደ ተንኰለኛ ጸላኢ ዚመጾም ዘየቋርጽ መጥቃዕቲ ኺጻወርዎ ኣለዎም። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ድያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዚውሕጦ ደልዩ፡ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ” ኢሉ ኣጠንቂቑና ኣሎ።—1 ጴጥ. 5:8፣ ራእ. 12:12

4. ድልዱልን ሕጉስን ሓዳር ኪህልወካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

4 ኣብ ጃፓን ዚነብር ሓደ ብዓል ሓዳር፡ “ምስ ገንዘብ ብዚተሓሓዝ፡ ኣብ ዓብዪ ውጥረት እየ ነይረ። ሰበይተይ እውን እንተ ዀነት፡ ኣነ ምስኣ ብዙሕ ስለ ዘይዘራረብ፡ ጸቕጢ በዚሕዋ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ከቢድ ሕማም ሓመመት። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ውጥረት ንሓድሕድና የጋጭወና እዩ” በለ። ነቲ ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ገሊኡ ጸገማት ክትሰግሮ ኣሸጋሪ እኳ እንተ ዀነ፡ ፈጺምካ ዘይስገር እዩ ማለት ግና ኣይኰነን። ሰብ ሓዳር ብሓገዝ የሆዋ፡ ድልዱልን ሕጉስን ናብራ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። (መዝሙር 127:1 ኣንብብ።) ድልዱልን ነባርን ሓዳር ንኽትሃንጽ ኪሕግዘካ ዚኽእል ሓሙሽተ ምሳልያዊ ሕጡብ እስከ ንርአ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ምሳልያዊ ሕጡብ ብኸመይ ብፍቕሪ ኸነጽንዖ ኸም እንኽእል ክንምርምር ኢና።

የሆዋ ኣብ ሓዳርካ ቦታ ይሃልዎ

5, 6. ሰብኣይን ሰበይትን ንየሆዋ ኣብ ሓዳሮም ቦታ ምእንቲ ኺህብዎ፡ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

5 ቀንዲ መሰረት ድልዱል ሓዳር፡ ነቲ መስራቲ ሓዳር እሙንን ተገዛእን ምዃን እዩ። (መክብብ 4:12 ኣንብብ።) ሰብ ሓዳር ነቲ ፍቕራዊ መምርሒታት የሆዋ ብምስዓብ፡ ንየሆዋ ኣብ ሓዳሮም ቦታ ኺህብዎ ይኽእሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ፡ “ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም፡ ኣእዛንካ፡ እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ፡ ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን” ይብል። (ኢሳ. 30:20, 21) ሎሚ ሰብ ሓዳር፡ ንቓል ኣምላኽ ብሓባር ኰይኖም ብምንባብ፡ ንቓል የሆዋ ‘ኺሰምዕዎ’ ይኽእሉ እዮም። (መዝ. 1:1-3) በቲ ዜሐጕስን ብመንፈሳዊ መዳይ ዚሕድስን መደብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣቢሎም እውን፡ ንሓዳሮም ኬደልድልዎ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኻብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዚመጽእ ሓያል መጥቃዕቲ ምእንቲ ኺጻወርዎ፡ በብመዓልቱ ብሓባር ኪጽልዩ ኣለዎም።

ሰብ ሓዳር ብሓባር ኰይኖም መንፈሳዊ ነገራት ዚገብሩ እንተ ዀይኖም፡ ነቲ ምስ ኣምላኽን ኣብ ንሓድሕዶምን ዘለዎም ርክብ ኬደልድልዎን ሕጉስ ሓዳር ኪሃንጹን ይኽእሉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 5, 6 ርአ)

6 ኣብ ጀርመን ዚነብር ገርሃርት፡ “ሓጐስና ብጸገማት ወይ ከኣ ብዘይምርድዳእ ኪዕብለል ከሎ፡ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ምኽሪ፡ ዓቕልን ይቕረ ምባልን ንኸነማዕብል ሓጊዙና እዩ። እዘን ባህርያት እዚአን፡ ኣብ ዕዉት ሓዳር ኣዝየን ኣገደስቲ እየን” በለ። ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር ኰይኖም ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ብምክፋል፡ ንኣምላኽ ኣብ ሓዳሮም ቦታ ምእንቲ ኺህብዎ ኣበርቲዖም ኪጽዕሩ ኸለዉ፡ ምስ ኣምላኽ ኰነ ኣብ ንሓድሕዶም ጽቡቕን ዜሐጕስን ርክብ ይህልዎም።

ኣቱም ሰብኡት፡ ንርእስነትኩም ብፍቕራዊ መገዲ ተጠቐሙሉ

7. ሰብኡት ንርእስነቶም ብኸመይ እዮም ኪጥቀሙሉ ዚግብኦም፧

7 ሰብኣይ ንርእስነቱ ዚጥቀመሉ መገዲ፡ ድልዱልን ሕጉስን ሓዳር ንምህናጽ ኣብ ዚግበር ጻዕሪ ዓብዪ ግደ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ” ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (1 ቈረ. 11:3) ኣብ ከባቢ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት፡ ሰብኡት ንርእስነቶም ብኸመይ ኪጥቀሙሉ ኸም ዘለዎም ኪገልጽ ከሎ፡ ነቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ ሰብኣይ ንዘለዎ ርእስነት እተጠቕመሉ መገዲ ኪቐድሕዎ ኸም ዘለዎም ይጠቅስ እዩ። የሱስ፡ ጨቋኒ ወይ ጨካን ኣይኰነን ነይሩ፣ የግዳስ፡ ፈቃርን ለዋህን ሚዛናውን ልኡምን ትሑትን እዩ ነይሩ።—ማቴ. 11:28-30

8. ሓደ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ኸም እተፍቅሮን ከም እተኽብሮን ኪገብር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

8 ክርስትያን ሰብኡት፡ ኣንስቶም ብግዲ ኸም  ዜኽብራኦም ኣይገብሩን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ምሳታተን ብፍልጠት [ወይ “ብሓልዮት፣ ብምስትውዓል፡” እግረ ጽሑፍ] እዮም ዚነብሩ። ‘ከም ተነቃፊት ኣቕሓ ገይሮም ድማ የኽብርወን እዮም።’ (1 ጴጥ. 3:7) ኣብ ቅድሚ ሰባት ኰነ ኣብ በይኖም፡ ንኣንስቶም ብኣኽብሮት ኪዛረብወንን ብለውሃት ኪሕዝወንን ኣለዎም፣ በዚ ኸምዚ፡ ኣንስቶም ንዓታቶም ክቡራት ምዃነን የርእዩ። (ምሳ. 31:28) ሓደ ሰብኣይ ንርእስነቱ ብፍቕራዊ መገዲ ዚጥቀመሉ እንተ ዀይኑ፡ ሰበይቱ ንኸተፍቅሮን ንኸተኽብሮን ትድረኽ እያ፣ ኣምላኽ ድማ ነቲ ሓዳር ይባርኾ።

ኣትን ኣንስቲ፡ ብትሕትና ተገዝኣ

9. ሓንቲ ሰበይቲ ብትሕትና ኸም እትግዛእ ከተርኢ እትኽእል ብኸመይ እያ፧

9 እታ ንየሆዋ ዘላትና ጥቕሚ ርእሳ ዘይትደልን ብስርዓት እትምራሕን ፍቕሪ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ ኣምላኽ ትሕት ንኽንብል ትሕግዘና እያ። (1 ጴጥ. 5:6) ሓንቲ ንሰብኣያ እትግዛእ ሰበይቲ ንስልጣን የሆዋ ኸም እተኽብሮ ኸተርኢ እትኽእለሉ ሓደ ኣገዳሲ መገዲ፡ ምስ ሰብኣያ ብምትሕብባርን ንዕኡ ብምድጋፍን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም” ይብል። (ቈሎ. 3:18) ሓንቲ ሰበይቲ ንውሳነታት ሰብኣያ እትሰማምዓሉ ዅሉ ሳዕ ከይከውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ውሳነታት ሰብኣያ ምስ ሕግታት ኣምላኽ ዘይጋጮ እንተ ዀይኑ፡ ንሰብኣያ እትግዛእ ሰበይቲ ነቲ ውሳነታት ንኽትቅበሎ ፍቓደኛ እያ።—1 ጴጥ. 3:1

10. ብፍቕሪ ተደሪኽካ ዚግበር ተገዛእነት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ሓንቲ ሰበይቲ ኸም ‘ብጸይቲ’ ሰብኣያ መጠን፡ ክቡር ቦታ እዩ ዘለዋ። (ሚል. 2:14) ነታ ስድራ ቤት ዚምልከት ውሳነታት ኪግበር ከሎ ጽቡቕ ሓሳብ ትህብ እያ፣ ነዚ ድማ፡ ሓሳባታን ስምዒታን ብኣኽብሮት ብምግላጽ ግናኸ ተገዛኢት ብምዃን እያ እትገብሮ። ጥበበኛ ሰብኣይ ድማ ንርእይቶ ሰበይቱ ጽን ኢሉ ይሰምዕ እዩ። (ምሳ. 31:10-31) ከምዚ ዓይነት ብፍቕሪ ተደሪኽካ ዚግበር ተገዛእነት፡ ኣብታ ስድራ ቤት፡ ሓጐስን ሰላምን ስኒትን ከም ዚሰፍን እዩ ዚገብር፣ እቶም ሰብ ሓዳር ድማ ንኣምላኽ ዜሐጕሶ ነገራት ይገብሩ ኸም ዘለዉ ስለ ዚፈልጡ፡ ዕግበት ይረኽቡ እዮም።—ኤፌ. 5:22

 ወትሩ ንሓድሕድኩም ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉ

11. ይቕረ ምባል ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 ሓደ ኻብቲ ንሓዳር ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ምሳልያዊ ሕጡብ፡ ይቕረ ምብህሃል እዩ። ሰብ ሓዳር ‘ንሓድሕዶም ዚተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ዚባሃሃሉን’ እንተ ዀይኖም፡ ሓዳሮም ኪድልድል ይኽእል እዩ። (ቈሎ. 3:13) ብኻልእ ሸነኽ ግና፡ ሰብ ሓዳር ቂም ዚሕዙ እንተ ዀይኖምን ንመጻምድቶም ንምጥቃዕ መመሊሶም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘጋጠመ ነገራት ዚጠቕሱ እንተ ዀይኖምን፡ ሓዳሮም ንፋስ ኪኣትዎ ይኽእል እዩ። ልክዕ ከምቲ ነቓዕ ንሓደ ህንጻ ኼበላሽዎ ዚኽእል፡ ጓህን ቂምን ኣብ ልብና ኺጥጥዕ እንተ ጀሚሩ፡ ይቕረ ንኽንብል ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ሰብኣይን ሰበይትን ከምቲ የሆዋ ይቕረ ዚብለሎም ንሓድሕዶም ይቕረ ዚብሃሃሉ እንተ ዀይኖም፡ ድልዱል ሓዳር ኪህልዎም ይኽእል እዩ።—ሚክ. 7:18, 19

12. ፍቕሪ ‘ብዝሒ ሓጢኣት እትኸድን’ ብኸመይ እያ፧

12 ናይ ሓቂ ፍቕሪ “ኣይትቕየምን” እያ። ከመይሲ፡ “ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ።” (1 ቈረ. 13:4, 5፣ 1 ጴጥሮስ 4:8 ኣንብብ።) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ፍቕሪ እንተ ኣልዩና፡ ብዘይ ደረት ኢና ይቕረ እንብል ማለት እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ኺብል ከም ዘለዎ ምስ ሓተተ፡ የሱስ፡ “ክሳዕ ሰብዓን ሸውዓተን ሳዕ” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴ. 18:21, 22) የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ሓደ ክርስትያን ንኻልኦት ይቕረ ዚብለሉ መጠን ብቝጽሪ ዚድረት ከም ዘይኰነ እዩ ዚሕብር ነይሩ።—ምሳ. 10:12 *

13. ይቕረ ምባል ዚኽብደና እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

13 ኣነት፡ “ሰብ ሓዳር ይቕረ ኺብሉ ፍቓደኛታት እንተ ዘይኰይኖም፡ ኣብ መንጎኦም ቂምን ዘይምትእምማንን ኪዓቢ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ መርዚ ሓዳር እዩ። ይቕረ ምባል ግና፡ ንሓዳርካ የደልድሎን ንሓድሕድካ ኸም እተቀራረብን እዩ ዚገብረካ” በለት። ይቕረ ምባል ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ ሞሳ ኸተማዕብልን ኣመስጋኒ ኽትከውንን ጽዓር። ንመጻምድትኻ ኻብ ልብኻ ናይ ምንኣድ ልማድ ይሃሉኻ። (ቈሎ. 3:15) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ እቶም ይቕረ ዚብሉ ሰባት ዚረኽብዎ ናይ ኣእምሮ ሰላምን ሓድነትን ኣምላኻዊ በረኸትን ክትረክብ ኢኻ።—ሮሜ 14:19

ነታ ወርቃዊት ሕጊ ተግብራ

14, 15. እታ ወርቃዊት ሕጊ እንታይ እያ፧ ኣብ ሓዳር ኣገዳሲት ዝዀነትከ ብኸመይ እያ፧

14 ካልኦት ሰባት ክብረትካ ኺሕልዉልካን ኬኽብሩኻን ከም እትደሊ ኣየጠራጥርን እዩ። ብዘይካዚ፡ ርእይቶኻ ኺስማዕን ስምዒትካ ኣብ ግምት ኪኣቱን ከሎ፡ ባህ ይብለካ እዩ። ግናኸ ሓደ ሰብ፡ “ሕነ እንተ ዘይፈድየ ኣነ ኣይኰንኩን” ኪብል ከሎ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ ሰባት ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚብሉ ሓድሓደ ሳዕ ርዱእ እኳ እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ . . . እየ፡ ኣይትበል” እዩ ዚብል። (ምሳ. 24:29) የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ንኣጸጋሚ ዅነታት ብኸመይ ብዝሓሸ መገዲ ኽንፈትሖ ኸም እንኽእል ገሊጹ ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ እዋን ‘ወርቃዊ ሕጊ’ ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ፣ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ እውን፡ ንስኻትኩም ከምኡ ግበሩሎም” ድማ ይብል። (ሉቃ. 6:31) የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ንሰባት ልክዕ ከምቲ ንሳቶም ኪገብሩልና እንደልዮ ኽንገብረሎም፡ ሕነ ኻብ ምፍዳይ ድማ ክንርሕቕ ከም ዘሎና እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ኣብ ሓዳር ድማ፡ ልክዕ ከምቲ መጻምድትና ኺገብረልና እንደልዮ ነገራት፡ ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብረሉ ኣሎና።

15 ሰብ ሓዳር ንስምዒት መጻምድቶም ዚጥንቀቑ  እንተ ዀይኖም፡ ንርክቦም ኬደልድልዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብር ብዓል ሓዳር፡ “ነታ ወርቃዊት ሕጊ ኽንትግብራ ንጽዕር ኢና። ሓድሓደ ግዜ እንሓርቀሉ እዋን ከም ዘሎ ዚከሓድ ኣይኰነን፣ ኰይኑ ግና፡ ንሓድሕድና ኽንከባበር ንጽዕር ኢና” በለ።

16. ሰብ ሓዳር እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘይብሎም፧

16 ዋላ እውን ብዋዛ ይኹን፡ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ድኽመት ወይ ባህርይ መጻምድትኻ ብኣሉታዊ መገዲ ኣይትዛረብ። ሓዳር ኪብሃል ከሎ፡ መንኩም ከም ዚብርትዕ፡ መንኩም ብዝያዳ ኸም ዚጭድር፡ ወይ ከኣ መንኩም ኣዝዩ ሃሳዪ ቓላት ከም ዚዛረብ እትፈልጡሉ ውድድር ዘይምዃኑ ዘክር። ሓቂ እዩ፡ ኵላትና ጕድለት ስለ ዘሎና፡ ሓድሓደ ሳዕ ንኻልኦት ነበሳጭዎም ኢና። ኰይኑ ግና፡ ሰብ ሓዳር፡ ሕጫጨ ዝመልኦን ዜዋርድን ዘረባ ኺዛረቡ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኪተሃራረሙ ኣይግባእን እዩ።—ምሳሌ 17:27፣ 31:26 ኣንብብ።

17. ሰብኡት በታ ወርቃዊት ሕጊ ኺምርሑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

17 ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ሰብኡት ንኣንስቶም ይድንድንወን ወይ ይሃርምወን ይዀኑ፣ እዚ ኸኣ ከም ስብእነት ጌርካ ይርአ ይኸውን፣ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “ንዅራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ፡ ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ከኣ መንፈሱ ዚገዝእ ይበልጽ” ይብል። (ምሳ. 16:32) ነቲ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብምምሳል ንመንፈስካ ምቍጽጻር፡ ድልዱል ስነ ምግባራዊ ብርታዐ ዚሓትት እዩ። ንሰበይቱ ብቓላት ዚሃስያን ዚሃርማን ብዓል ሓዳር፡ ከም ሰብኣይ ጌርካ ኣይርአን እዩ፣ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ እውን ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ። እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበረ፡ ብኣካላዊ መዳይ ድማ ሓያልን ተባዕን ዝነበረ ዳዊት፡ “ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ፡ ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን” በለ።—መዝ. 4:4

‘ንፍቕሪ ልበስዋ’

18. ወትሩ ፍቕሪ ኸነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ቀዳማይ ቈረንቶስ 13:4-7 ኣንብብ። ኣብ ሓዳር፡ ፍቕሪ ኣገዳሲት ባህርይ እያ። ስለዚ፡ “ልባዊ ርሕራሐ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ልእመት፡ ዓቕሊ ልበሱ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ እውን፡ ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ እሞ፡ ልበስዋ።” (ቈሎ. 3:12, 14) እታ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ፍቕሪ፡ ንሓደ ድልዱል ሓዳር ንዜቕውም ምሳልያዊ ሕጡብ ብዝያዳ ዜጽንዖ ስሚንቶ እያ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ ዜበሳጩ ባህርይን ከቢድ ጸገም ጥዕናን ዜጨንቕ ገንዘባዊ ቕልውላውን ምስ እንዳ ኣሕሙ ዜጋጥም ጸገማትን እኳ እንተ ሃለወ፡ ንሓዳር ተደልድሎ እያ።

19, 20. (ሀ) ሰብኣይን ሰበይትን ንሓዳሮም ድልዱልን ሕጉስን ኪገብርዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

19 ሓቂ እዩ፡ ሓዳርካ ዕዉት ኪዀነልካ እንተ ደሊኻ፡ ፍቕራዊ ተወፋይነትን ተኣማንነትን ጻዕርን የድልየካ እዩ። ስለዚ፡ ጸገማት ኬጋጥም ከሎ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓዳሮም ኪጥንጥንዎ ኺሓስቡ የብሎምን፣ ውሽጢ ሕሩር ኰይኖም እውን ኪነብሩ የብሎምን፣ የግዳስ፡ ርክቦም ብዝያዳ ኸም ዚመሓየሽ ንኺገብሩ ኺጽዕሩ ኣለዎም። ንየሆዋን ንሓድሕዶምን ውፉያት ዝዀኑ ክርስትያናት ሰብ ሓዳር፡ በታ ንኣምላኽን ንሓድሕዶምን ዘላቶም ፍቕሪ ተደሪኾም፡ ንጸገማቶም ኪፈትሑ ኣለዎም፣ ከመይሲ፡ “ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ።”—1 ቈረ. 13:8፣ ማቴ. 19:5, 6፣ እብ. 13:4

20 ድልዱልን ሕጉስን ሓዳር ምህናጽ፡ ብፍላይ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና “ጽንኩር ግዜ” ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ኰይኑ ግና፡ ብሓገዝ የሆዋ ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር፡ ሰብ ሓዳር ምስቲ ኻብ መጠን ንላዕሊ እናኣንቈልቈለ ዚኸይድ ዘሎ ስነ ምግባር እዛ ዓለም እዚኣ ኺቃለሱ ኣለዎም። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓዳሮም ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱል ኪገብርዎ ዚኽእሉ ብኸመይ ምዃኖም ክትገልጽ እያ።

^ ሕ.ጽ. 12 ሰብ ሓዳር ይቕረታ ብምግባር ንጸገማቶም ኪፈትሕዎ ይጽዕሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ሓደ ንጹህ መጻምድቲ ነቲ ዝሙት ዝፈጸመ መጻምድቱ ይቕረ ንኺብሎ ወይ ንኺፈትሖ ናይ ምውሳን መሰል ከም ዘለዎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ማቴ. 19:9) ነቲ ኣብ መጽሓፍ “ፍቕሪ ኣምላኽ” ኣብ ገጽ 219-221 ዚርከብ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍትሕን ምፍልላይን ዘለዎ ኣረኣእያ” ዚብል መመላእታ ጽሑፍ ርአ።