ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ጥሪ 2015

ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኽትህሉ ትኽእልዶ፧

ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኽትህሉ ትኽእልዶ፧

‘ረስኒ ፍቕሪ ኸም ረስኒ ሓዊ፡ ሃልሃልታ እግዚኣብሄር እዩ።’—መሃ. 8:6

1, 2. ንመሃልየ መሃልይ ብምምርማር ኪጥቀም ዚኽእል መን እዩ፧ ስለምንታይከ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ሓደ መደረ መርዓ ዘቕረበ ሽማግለ፡ ነቶም ሓደስቲ መርዑት ኪርእዮም ከሎ፡ ‘ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ብፍቕሪ ንሓድሕዶም ኪጠማመቱ ኸለዉስ፡ ክንደይ ኰን እዩ ዜጸብቐሎም! ኣዝዮም ከም ዚፋቐሩ ኣየጠራጥርን እዩ’ ኢሉ ሓሰበ። እቶም ሓደስቲ መርዑት ኣብ ውራዮም ብምዕሩግ ኣገባብ ኪስዕስዑ ኸለዉ፡ ‘ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ሓዳሮም ይቕጽል ደዀን ይኸውን፧ ፍቕሮምከ እናሓደረ ይዓምቝ ደዀን ይኸውን ወይስ ቀስ ብቐስ እናቐሃመ እዩ ኪኸይድ፧’ ዚብል ሕቶታት ኣብ ኣእምሮ እቲ ሽማግለ ይመላለስ ነበረ። ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍቕሪ፡ ጽኑዕን ድልዱልን እንተ ዀይኑ፡ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ ዚኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣዝዩ ብዙሕ ፍትሕ እዩ ዜጋጥም ዘሎ፣ ስለዚ፡ ‘ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኽትህሉ ትኽእልዶ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን።

2 ናይ ሓቂ ፍቕሪ፡ ብግዜ እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን እውን እንተ ዀነ፡ ሳሕቲ እትርከብ ነገር እያ ነይራ። ሰሎሞን ብዛዕባ እቲ ብግዜኡ ዝነበረ ስነ ምግባራዊ ዅነታት ኪገልጽ ከሎ፡ “ካብ ሽሕሲ ሓደ ሰብኣይ ረኺበ፡ ኣብ ማእከል ኵላቶም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን። እንሆ፡ ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ኸም ዝፈጠሮ ግዳ ረኸብኩ፡ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መክ. 7:26-29) ብግዜ ሰሎሞን፡ ንኣምልኾ በዓል ዚስዕባ ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ ስለ ዝነበራ፡ ስነ  ምግባራዊ ስርዓታት ኣዝዩ ኣንቈልቊሉ ነበረ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ሰሎሞን፡ ጽቡቕ ስነ ምግባር ዘለዎ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ምርካብ ኣጸጋሚ ዀይንዎ ዝነበረ። * ኰይኑ ግና፡ እታ ኣስታት 20 ዓመት ኣቐዲሙ ብመልክዕ ግጥሚ ዝጸሓፋ መሃልየ መሃልይ፡ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኽትህሉ ኸም እትኽእል እተርኢ እያ ነይራ። ብዘይካዚ፡ እታ መጽሓፍ፡ ፍቕሪ እንታይ ምዃናን ብኸመይ ከም እትንጸባረቕን ብንጹር ትገልጽ እያ። ስለዚ፡ ሰብ ሓዳር ኰኑ ገና ዘይተመርዓዉ ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ነታ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መሃልየ መሃልይ ብምምርማር፡ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብዙሕ ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣላ

3. ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኽትህልዎም እትኽእል ስለምንታይ እያ፧

3 መሃልየ መሃልይ 8:6 ኣንብብ። እታ “ሃልሃልታ እግዚኣብሄር” እትብል ሓረግ፡ ንፍቕሪ እትገልጽ ሓያል ሓረግ እያ። ናይ ሓቂ ፍቕሪ፡ “ሃልሃልታ እግዚኣብሄር” እያ፣ ከመይሲ፡ ምንጪ እታ ፍቕሪ እቲኣ የሆዋ እዩ። የሆዋ ድማ ንሰብ ብመልክዑ ስለ ዝፈጠሮ፡ ሰባት ፍቕሪ ኼርእዩ ይኽእሉ እዮም። (ዘፍ. 1:26, 27) ኣምላኽ ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ዝነበረት ሄዋን ፈጢሩ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ዝነበረ ኣዳም ምስ ኣምጽኣ፡ ኣዳም ካብ ምሕጓሱ እተላዕለ ግጥሚ ገጠመላ። ሄዋን ካብ ኣዳም ‘ስለ እተወስደት፡’ ክልቲኦም ኣዝዮም ይቀራረቡ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። (ዘፍ. 2:21-23) የሆዋ ንደቂ ሰብ፡ ፍቕሪ ኼርእዩ ዘኽእሎም ዓቕሚ ስለ ዝሃቦም፡ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ናይ ሓቅን ዘይተቋርጽን ፍቕሪ ኼርእዩ ይኽእሉ እዮም።

4, 5. ነቲ ኣብ መሃልየ መሃልይ ዚርከብ ዛንታ ኣጽሕር ኣቢልካ ግለጾ።

4 ኣብ መንጎ ኣንጻር ጾታ እትህሉ ፍቕሪ፡ ነባሪትን ዘይተቋርጽን ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ካልእ መለለዪ እውን ኪህልዋ ይኽእል እዩ። ገለ ኻብዚ መለለዪ እዚ፡ ኣብ መሃልየ መሃልይ ብዜደንቕ መገዲ ተገሊጹ ኣሎ። መሃልየ መሃልይ፡ ምስ ጽሑፍ ኦፐራ (ሙዚቃ ዜጠቓልል ተዋስኦ) ብዚመሳሰል መገዲ እያ ተጻሒፋ፣ ሹነም ወይ ሹለም ካብ እትብሃል ቍሸት ብዛዕባ ዝመጸት ጓልን ብዛዕባ ሓደ እተፍቅሮ ጓሳን እትገልጽ ዛንታ ድማ እያ። ንጉስ ሰሎሞን ብመልክዕ እታ ጓል ስለ እተሳሕበ፡ ናብቲ ሰፈሩ ኸም እትመጽእ ገበረ፣ ሰፈር ሰሎሞን ኣብ ጥቓ እቲ እታ ጓል እትሕልዎ ዝነበረት ኣታኽልቲ ወይኒ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዙ፡ እታ ጓል ነቲ ጓሳ እያ ኣፍቂራ ነይራ። ሰሎሞን ንኸተፍቅሮ ኼእምና እኳ እንተ ጸዓረ፡ ንሳ ግና ምስቲ ፍቱዋ ኽትከውን ዘለዋ ባህጊ እያ እትገልጽ ነይራ። (መሃ. 1:4-14) እቲ ጓሳ እውን እንተ ዀነ፡ ናብ ሰፈር ሰሎሞን ብምእታው፡ ምስታ ፍትውቱ ባህ ብዜብል ፍቕራዊ መግለጺ ተዘራሪቡ እዩ።—መሃ. 1:15-17

5 ሰሎሞን ነታ ጓል ሒዝዋ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ፣ እቲ ጓሳ ድማ ስዒብዋ ኸደ። (መሃ. 4:1-5, 8, 9) ሰሎሞን፡ እታ ጓል ምእንቲ ኸተፍቅሮ ብዙሕ እኳ እንተ ጸዓረ፡ ኣይተዓወተን። (መሃ. 6:4-7፣ 7:1-10) ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ናብ ቤታ ንኽትምለስ ፈቐደላ። መሃልየ መሃልይ፡ እታ ጓል ንፍቱዋ፡ ‘ከም ሜዳቝ ቐልጢፉ’ ናብኣ እናጐየየ ንኺመጽእ ባህጋ ብምግላጽ ትዛዘም።—መሃ. 8:14

6. ነቶም ኣብ መሃልየ መሃልይ ተገሊጾም ዘለዉ ገጸ ባህርያት ከነለልዮም ኣጸጋሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

6 እታ ሰሎሞን ዝጸሓፋ ብልጽቲ መዝሙር ዝዀነት “መሃልየ መሃልይ፡” ትርጕም ዘለዋን እተደንቕን እኳ እንተ ዀነት፡ ኣብቲ ምይይጥን ምስ ነብስኻ ዚግበር ዝርርብን ሕልምን ዜጠቓልል ሓሳባት፡ መን ይዛረብ ከም ዘሎ ምፍላይ ኣጸጋሚ እዩ። (መሃ. 1:1) ዘ ኒው ኢንተርፕረተርስ ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ባይብል ከም ዝገለጾ፡ ‘ሰሎሞን ብቐንዱ ኣብቲ ንድፍን ዛንታን ኰነ ኣብቶም ገጸ ባህርያት ኣይኰነን ዜተኵር ነይሩ።’ ስለዚ፡  እቲ ኣንባባይ ኣብቲ ግጥምን ኣብቲ ግጥማዊ ኣገላልጻን ጥራይ ምእንቲ ኼተኵር፡ መንነት እቶም ተዛረብቲ ኣይተገልጸን። ኰይኑ ግና፡ መኖም እንታይ ይብል ከም ዘሎን ንመን ይዛረቦ ኸም ዘሎን ብምርኣይ፡ ነቶም ገጸ ባህርያት ከነለልዮም ንኽእል ኢና።

“ፍቕርኻ ኻብ ወይኒ ይጥዕም”

7, 8. ብዛዕባ እቲ ኣብ መሃልየ መሃልይ ዚርከብ መግለጺታት ‘ፍቕሪ’ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ኣብነት ሃብ።

7 መሃልየ መሃልይ በቲ ሓንቲ ጓልን ሓደ ጓሳን ዚለዋወጥዎ ቓላት ‘ፍቕሪ’ ዝመልአት እያ። እቲ ኣብኡ ዚርከብ መግለጺታት፡ ነቲ ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ኣገላልጻ ዜንጸባርቕን ነቲ ሎሚ ዘሎ ኣንባቢ ቝሩብ ዜገርምን እኳ እንተ ዀነ፡ ትርጕም ዝሓዘለ እዩ፣ እቲ ኣብኡ ተንጸባሪቑ ዘሎ ስምዒት ድማ ሓድሽ ኣይኰነናን እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ጓሳ ነቲ ርሕራሐን ሕያውነትን ዚንበቦ ኣዒንቲ እታ ጓል፡ ምስ ‘ኣዒንቲ ርግቢ’ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (መሃ. 1:15) ንሳ ድማ ንኣዒንቱ ምስ ኣዒንቲ ርግቢ ዘይኰነስ፡ ምስ ርግቢ ኣመሳሲላቶ ኣላ። (መሃልየ መሃልይ 5:12 ኣንብብ።) እቲ ብጻዕዳ እተኸብበ ጸሊም ዓይኑ፡ ልክዕ ከምተን ኣብ ጸባ ዚሕጸባ ርግብታት ኣዝዩ ምልኩዕ እዩ ነይሩ።

8 ኣብ መሃልየ መሃልይ ዚርከብ መግለጺታት ‘ፍቕሪ፡’ ብምሉኡ ኣብ ኣካላዊ መልክዕ ጥራይ ኣይኰነን ዜተኵር። እቲ ጓሳ ብዛዕባ ዘረባ እታ ጓል ኪገልጽ ከሎ እንታይ ከም ዝበለ እሞ ርአ። (መሃልየ መሃልይ 4:7, 11 ኣንብብ።) ከናፍር እታ ጓል፡ “መዓር ወለላ የንጠብጥብ።” ስለምንታይ፧ መዓር ወለላ ኻብቲ ንፋስ ዝወቕዖ መዓር ዚበልጽ መቐረትን ጣዕምን ስለ ዘለዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ “መዓርን ጸባን ኣብ ትሕቲ መልሓስኪ አሎ” በለ፣ እዚ ኸኣ፡ ዘረባ እታ ጓል ልክዕ ከም መዓርን ጸባን ባህ ዜብልን ጥዑምን እዩ ማለት እዩ። ብንጹር እምበኣር፡ እቲ ጓሳ ነታ ጓል፡ “ኵለንትናኺ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ሕፍቲ የብልክን” ኪብላ ኸሎ፡ ካብ ኣካላዊ መልክዕ ንላዕሊ እዩ ዚሓስብ ነይሩ።

9. (ሀ) ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዘላ ፍቕሪ እንታይ ተጠቓልል፧ (ለ) ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ፍቕሮም ኪገልጹ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

9 ሓዳር፡ ፍቕሪ ዘይብሉ ውዕል ወይ ስምምዕ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ መለለዪ ክርስትያናዊ ሓዳር፡ ፍቕሪ እያ። እዚኣ ፍቕሪ እዚኣ ግና እንታይ ዓይነት ፍቕሪ እያ፧ ብስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትምራሕ ፍቕሪ ድያ፧ (1 ዮሃ. 4:8) ነታ ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ ቤትን ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽን ዘላ ፍቕሪ እውን እተጠቓልል ድያ፧ (ዮሃ. 11:3) ፍቕሪ ኣንጻር ጾታ እውን እትሓቝፍ ድያ፧ (ምሳ. 5:15-20) እታ ሰብ ሓዳር ዘላቶም ፍቕሪ፡ ነዚ ዅሉ እተጠቓልል እያ። ፍቕሪ ብቓላት ክትግለጽ ከላ እያ ዝያዳ ትርጕም ዚህልዋ። ስለዚ፡ ሰብ ሓዳር፡ መዓልታዊ ንጥፈታት ንሓድሕዶም ፍቕሮም ንኸይገልጹ ንኺዓግቶም ኪፈቕዱ የብሎምን። ከመይሲ፡ ከምዚ ዓይነት መግለጺ ፍቕሪ፡ ንሓዳር ኬደልድሎን ዜሐጕስ ኪገብሮን ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ወለዲ እዮም መጻምድቲ ዜማጽኡ፣ እቲ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ድማ ክሳዕ እታ መዓልቲ መርዓኦም ኣይፋለጡን እዮም፣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት፡ እቶም መጻምድቲ ፍቕሮም ዚገልጹ እንተ ዀይኖም፡ እታ ኣብ መንጎኦም ዘላ ፍቕሪ ኽትዓብን ሓዳሮም ኪሰምርን ይኽእል እዩ።

10. ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ፍቕሮም ዚገልጹ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ ሓዳሮም እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

10 ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ፍቕሮም ዚገልጹ እንተ ዀይኖም፡ ካልእ ጥቕሚ እውን ኣለዎ። ንጉስ ሰሎሞን ነታ ሹላማዊት፡ “ኣድሪ ብሩር ዘለዎ ስልማት ወርቂ” ኸም ዚሰርሓላ ነገራ። ብዙሕ ድማ ወደሳ፣ “ከም ወርሒ ጽብቕቲ፡ ከም ጸሓይ ድምቕቲ” ምዃና እውን ነገራ። (መሃ. 1:9-11፣ 6:10) እታ ጓል ግና ነቲ እተፍቅሮ ጓሳ እያ እምንቲ ነይራ። ምስቲ ጓሳ ኣብ እተፈላለየትሉ እዋን ዘበራትዓን ዘጸናንዓን እንታይ እዩ፧ እንታይ ከም ዝበለት እስከ ንርአ። (መሃልየ መሃልይ  1:2, 3 ኣንብብ።) ንመግለጺ ‘ፍቕሪ’ እቲ ጓሳ ምስ ዘከረት እያ ተጸናኒዓን ተበራቲዓን። እቲ ተዘክሮ ንዓኣ ኻብቲ ንልቢ ዜሐጕሶ ‘ወይኒ ንላዕሊ ይጥዕም፣’ ስም እቲ ፍቱዋ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣብ ርእሲ ዚፈስስ ‘ቅብኢ’ ባህ ዜብል እዩ ነይሩ። (መዝ. 23:5፣ 104:15) እወ፡ ሰብ ሓዳር ነቲ ምስ መጻምድቶም እተገላለጽዎ ፍቕሪ ኺዝክርዎ ኸለዉ፡ ነታ ኣብ መንጎኦም ዘላ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኼዕብያ ይኽእል እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ፍቕሮም ብተደጋጋሚ ኪገልጹ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

‘ንፍቕሪ ኽሳዕ እትደሊ፡ ኣይተበራብራኣ’

11. ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ካብቲ እታ ሹላማዊት ንኣዋልድ የሩሳሌም ዘምሓለተን ማሕላ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

11 መሃልየ መሃልይ ንዘይተመርዓዉ ክርስትያናት፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም መጻምድቲ ዚደልዩ ዘለዉ ዚኸውን ትምህርቲ እውን ዝሓዘት እያ። እታ ኣብ መሃልየ መሃልይ እተጠቕሰት ጓል፡ ንሰሎሞን ኣየፍቀረቶን። ንኣዋልድ የሩሳሌም ድማ፡ ‘ንፍቕሪ ኽሳዕ እትደሊ፡ ከየተንስኣኣን ከየበራብራኣን’ ኣምሓለተን። (መሃ. 2:7፣ 3:5) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ምስ ማንም ሰብ ፍቕራዊ ርክብ ክትምስርት ግቡእ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ሓደ ኺምርዖ ዚደሊ ክርስትያን፡ ነቲ ብሓቂ ኼፍቅሮ ዚኽእል ሰብ ክሳዕ ዚረኽቦ ብትዕግስቲ ኺጽበ ጥበባዊ እዩ።

12. እታ ሹላማዊት ነቲ ጓሳ ዘፍቀረቶ ስለምንታይ እያ፧

12 እታ ሹላማዊት ነቲ ጓሳ ዘፍቀረቶ ስለምንታይ እያ፧ እቲ ጓሳ “ንሜዳቝ” ስለ ዚመስል ምልኩዕ እዩ ነይሩ፣ ኣእዳዉ ልክዕ ከም “ቀላብቲ ወርቂ” ድልዱላት እየን ነይረን፣ ኣእጋሩ ድማ ጽቡቓትን ልክዕ ከም “ኣዕኑድ እምነ በረድ” ተረርትን እየን ነይረን። ኰይኑ ግና፡ ምልኩዕን ድልዱልን ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ። እታ ንየሆዋ እምንቲ ዝዀነት ጓል፡ እቲ ጓሳ መንፈሳዊ ሰብ፡ ማለት ንየሆዋ ዜፍቅሮን ባህ ዜብል ባህርያት ዘለዎን ምዃኑ ትፈልጥ ነይራ እያ። በዚ ምኽንያት እዚ እያ ብዛዕባኡ ኽትገልጽ ከላ፡ “ፈታውየይ ኣብ ማእከል ኣወዳት ከምቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር ዘሎ ቱፋሕ እዩ” ዝበለት።—መሃ. 2:3, 9ትርጕም 1990፣ 5:14, 15።

13. እቲ ጓሳ ነታ ጓል ዘፍቀራ ስለምንታይ እዩ፧

13 ብዛዕባ እታ ሹላማዊትከ እንታይ ክንብል ንኽእል፧ ንኣቓልቦ እቲ “ንግስታት ስሳ፡ ዕቁባት ሰማንያ፡ ኣዋልድ ከኣ ቍጽሪ ዜብለን” ዝነበራኦ ንጉስ ክትስሕቦ ዝኸኣለት ብመልክዓ እኳ እንተ ዀነ፡ ንገዛእ ርእሳ ኸም ኣብ ጐልጐል እትርከብ ተራ “ጽጌረዳ ሳሮን” ገይራ ጥራይ እያ እትርእያ ነይራ። እወ፡ ኣዝዩ ዜደንቕ ትሕትና ነበራ። ብኸምኡ ድማ እዩ እቲ ጓሳ “ኸም ኣብ ማእከል እሾዅ ዝበቘለት ዕምባባ ሹሻን” ገይሩ ዚርእያ ዝነበረ። እታ ሹላማዊት ንየሆዋ እምንቲ እያ ነይራ።—መሃ. 2:1, 2፣ 6:8

14. እታ ኣብ መሃልየ መሃልይ ተጠቒሳ ዘላ ፍቕሪ፡ ነቶም ኪምርዓዉ ዚደልዩ ንጽል ክርስትያናት እንታይ እያ እትምህሮም፧

 14 ክርስትያናት “ብጐይታ ጥራይ” ኪምርዓዉ ኸም ዘለዎም ዚገልጽ ሓያል ማዕዳ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተዋሂቡ ኣሎ። (1 ቈረ. 7:39) ኪምርዖ ዚደሊ ሰብ፡ ምስ ዘይኣመንቲ ፍቕራዊ ርክብ ኪምስርት የብሉን፣ የግዳስ፡ ካብ መንጎ እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ መጻምድቲ ንምርካብ ኪጽዕር እዩ ዚግብኦ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ነገራት እናተጻወርካ ንሓዳርካ ሰላማውን መንፈሳውን ንምግባር፡ ብየሆዋ ኽትእመንን ንዕኡ ውፉይ ክትከውንን ይግባእ፣ ሓደ ንሓዳር እትደልዮ መጻምድቲ ድማ ከምዚ ዓይነት ባህርያት እዩ ኺህልዎ ዘለዎ። እቲ ጓሳን እታ ሹላማዊትን እውን እንተ ዀኑ፡ ከምኡ ዓይነት ባህርይ እዩ ነይርዎም።

ክርስትያናት ምስ ዘይኣመንቲ ፍቕራዊ ርክብ ኪምስርቱ የብሎምን (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

መርዓተይ “እተሸጐረ ገነት” እያ

15. እታ ሹላማዊት ነቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ገና ዘይተመርዓዉ ሰብኡትን ኣንስትን ሰናይ ኣብነት እትዀኖም ብኸመይ እያ፧

15 መሃልየ መሃልይ 4:12 ኣንብብ። እቲ ጓሳ ነታ ፍቕርቱ ኸም “እተሸጐረ ገነት” ወይ ስፍራ ኣታኽልቲ ገይሩ ዝገለጻ ስለምንታይ እዩ፧ እተሓጽረ ወይ ብዃና እተኸብበ ስፍራ ኣታኽልቲ፡ ማንም ሰብ ኪኣትዎ ኣይክእልን እዩ። ነቲ እተሸጐረ ማዕጾ ኸፊትኻ ጥራይ እዩ ኺእቶ ዚከኣል። እታ ሹላማዊት፡ ፍቕራ ነቲ ሰብኣያ ኪኸውን እትደልዮ ጓሳ ጥራይ ስለ እትገልጸሉ፡ ልክዕ ከምቲ ስፍራ ኣታኽልቲ እያ ነይራ። ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ዘቕረበላ መስድዒ ስለ ዘይተቐበለቶ፡ ልክዕ ከምቲ ጋሕ ኢሉ ዚኽፈት “ደገ” ዘይኰነስ፡ “ቀጽሪ” ምዃና ኣርኣየት። (መሃ. 8:8-10) ብተመሳሳሊ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ገና ዘይተመርዓዉ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ፍቕሮም ነቲ ናይ መጻኢ መጻምድቶም ሓዚኦምሉ ይጸንሑ እዮም።

16. መሃልየ መሃልይ ብዛዕባ እዋን ወረዘ እንታይ እያ እትምህር፧

16 እቲ ጓሳ ነታ ሹላማዊት ኣብቲ ዝናም ዚዛርየሉ ወቕቲ ምስኡ ኽትዛወር እኳ እንተ ሓተታ፡ ኣሕዋታ ግና ንኽትከይድ ኣይፈቐዱላን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትሰርሕ ነገሩዋ። ስለምንታይ፧ ስለ ዘይኣመንዋ ድዮም፧ ርኽሰት ከይትፍጽም ስለ ዝጠርጠርዋ ድዮም፧ ሓብቶም ኣብ ፈተና ምእንቲ ኸይትወድቕ እዮም ዚጥንቀቑ ነይሮም። (መሃ. 1:6፣ 2:10-15) እዚ እውን እንተ ዀነ፡ ንዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ጽቡቕ ትምህርቲ እዩ ዚዀኖም፣ ኣብ እዋን ወረዘ፡ ማለት ኣብቲ ምስ ኣንጻር ጾታ ግዜ ዜሕልፉሉ እዋን፡ ነቲ ርክቦም ንጹህ ንምግባር ኣድላዪ ጥንቃቐ ኺገብሩ ኣለዎም። ካልኦት ሰባት ኣብ ዘይርእይዎም ቦታ ንበይኖም ኪዀኑ የብሎምን። ፍቕሮም ኪገላለጹ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ፈተና ዜእቱ ነገራት ከይገብሩ ግና ኪጥንቀቑ ኣለዎም።

17, 18. ንመሃልየ መሃልይ ብምምርማርካ እተጠቐምካ ብኸመይ ኢኻ፧

17 ክርስትያን ሰብ ሓዳር ንሓዳሮም ብፍቕሪ እዮም ዚጅምርዎ። የሆዋ ድማ ሓዳር ንዘለኣለም ኪቕጽል ስለ ዚደሊ፡ ሰብ ሓዳር ኵሉ ሳዕ ንፍቕሮም ሃልሃል ኬብልዎን ፍቕሮም ንኽትዓቢ ዜኽእል ሃዋህው ከም ዚህሉ ኺገብሩን ኣለዎም።—ማር. 10:6-9

18 መጻምድቲ ኽትደሊ ኸለኻ፡ ከምቲ ኣብ መሃልየ መሃልይ ተገሊጹ ዘሎ፡ ብሓቂ እተፍቅሮ፡ ንፍቕርኻ ድማ ድልድልትን ዘይትቕህምን ኪገብራ ዚኽእል መጻምድቲ ንኽትረክብ ክትጽዕር ኣሎካ። ገና መጻምድቲ እትደሊ ዘለኻ ወይ ከኣ ድሮ ሓዳር ዘሎካ ኹን ብዘየገድስ፡ ነታ ‘ሃልሃልታ እግዚኣብሄር’ ዝዀነት ናይ ሓቂ ፍቕሪ እትረክብ ይግበርካ!—መሃ. 8:6

^ ሕ.ጽ. 2 ናይ 15 ጥሪ 2007 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 31 ርአ።