ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ጥሪ 2015

ንየሆዋ ወድሶ እሞ ተባረኽ

ንየሆዋ ወድሶ እሞ ተባረኽ

‘የሆዋ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ወድስዎ።’—መዝ. 106:1NW።

1. የሆዋ ኺውደስ ዚግብኦ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ወሃብ “ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን” ዝዀነ የሆዋ፡ ኪውደስ ይግብኦ እዩ። (ያእ. 1:17) ንሱ ኸም ፈቃር ጓሳና መጠን፡ ብስጋውን ብመንፈሳውን ዜድልየና ነገራት ይሓልየልና እዩ። (መዝ. 23:1-3) ብፍላይ ኣብ እዋን ጸበባ፡ “ንኣና መዕቈብን ሓይልን” ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። (መዝ. 46:1) ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “ንሱ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ወድስዎ፣ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ብምባል ጸሓፈ። ንሕና እውን ነዚ ሓሳብ እዚ ብምሉእ ልብና ኸም እንሰማምዓሉ ዚገብር ብዙሕ ምኽንያት ኣሎና።—መዝ. 106:1NW።

ጥቕሲ ዓመት 2015፦ ‘የሆዋ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ወድስዎ።’—መዝሙር 106:1

2, 3. (ሀ) ነቲ ዝረኸብናዮ በረኸት ኣቕሊልና እንተ ርኢናዮ፡ እንታይ ሓደጋ እዩ ኼስዕበልና ዚኽእል፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 ነቲ ንውዳሰ ወይ ንምስጋና ዚምልከት ጉዳይ ክንምርምሮ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ከምቲ ብትንቢት እተነግረ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ሰባት በብግዜኡ ዘየመስግኑ እናዀኑ ይኸዱ ኣለዉ። (2 ጢሞ. 3:2) መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ዝረኸብዎ በረኸት ኣቕሊሎም እዮም ዚርእይዎ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ በዛ ናይ ንግዲ ዓለምን በቲ መዋዓዊዒታታን ስለ ዚጽለዉ፡ በቲ ዘለዎም ዓጊቦም ኣብ ክንዲ ዚነብሩ፡ ዝያዳ ኺረኽቡ እዮም ሃርገፍገፍ ዚብሉ። እዚ መንፈስ እዚ ንዓና እውን ኪጸልወና ይኽእል እዩ። ልክዕ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ነቲ ምስ የሆዋ  ዘሎና ኽቡር ርክብን ነቲ ኻብኡ ዝረኸብናዮ በረኸትን ዘይነማስወሉን ዘይነመስግንን ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝ. 106:7, 11-13

3 እተፈላለየ ሽግራት ከነሕልፍ ከለና እንታይ ኬጋጥመና ኸም ዚኽእል ሕሰብ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ በቲ ሽግራት ስለ እንውሓጥ፡ እቲ ዝረኸብናዮ በረኸት ከይርኣየና ይኽእል እዩ። (መዝ. 116:3) ብኸመይ ደኣ ኢና እሞ መማሰዊ ልቢ ኸነማዕብልን ክንዕቅብን እንኽእል፧ ከቢድ ፈተናታት ከነሕልፍ ከለና እውን ከይተረፈ፡ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ንኺህልወና ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ እስከ ቐጺልና ንርአ።

‘ኣምላኸየ ተኣምራትካ ብዙሕ እዩ’

4. መማሰዊ ልቢ ኽንዕቅብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

4 መማወሰዊ ልቢ ምእንቲ ኸነማዕብልን ምእንቲ ኽንዕቅቦን፡ ነቲ ኻብ የሆዋ ዝረኸብናዮ በረኸት ክንፈልጦን ብሞሳ ኸነስተንትነሉን ነቲ ብተኣማንነት ዘርኣየና ፍቕሪ ኸኣ ብጥንቃቐ ኽንምርምሮን ይግባእ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ከምኡ ምስ ገበረ፡ በቲ የሆዋ ዝገበሮ ሓያሎ ዜደንቕ ነገራት ተደሚሙ እዩ።መዝሙር 40:5፣ 107:43 ኣንብብ።

5. መማሰውቲ ብዛዕባ ምዃን፡ ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል ኢና፧

5 መማሰውቲ ብዛዕባ ምዃን፡ ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ብተደጋጋሚ ኻብ ልቡ የመስግን ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኸቦ በረኸት የስተንትን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። “ተጻራፍን ሰጓጕን ነቓጽን” ከም ዝነበረ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ብሓጢኣት ተመላሊሱ ኽነሱ፡ ኣምላኽን ክርስቶስን ምሕረት ስለ ዘርኣይዎን ንኣገልግሎት ስለ ዝመደብዎን ኣመስጊኑ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:12-14 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ ንክርስትያን ብጾቱ ኣጸቢቑ ኣመስጊንዎም፡ ስለቲ ሰናይ ባህርያቶምን ብተኣማንነት ዝገበርዎ ኣገልግሎትን ከኣ ንየሆዋ ብዙሕ ግዜ ኣመስጊንዎ እዩ። (ፊል. 1:3-5, 7፣ 1 ተሰ. 1:2, 3) ጳውሎስ ፈተናታት ምስ ኣጋጠሞ፡ ስለቲ ኻብ መንፈሳውያን ኣሕዋቱ ዝረኸቦ እዋናዊ ደገፍ ንየሆዋ ብኡብኡ ኣመስጊንዎ እዩ። (ግብ. 28:15፣ 2 ቈረ. 7:5-7) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ብጽሑፋቱ ኣቢሉ ንክርስትያናት፡ “ብመዝሙርን ብውዳሰ ኣምላኽን ብጥዑም መንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተማሃሃሩን ተተባብዑን። . . . ብየሱስ ንኣቦና ኣምላኽ እናኣመስገንኩም፡ ኵሉ ብስም ጐይታና ግበርዎ” ብምባል ዘተባብዖም።—ቈሎ. 3:15-17

ኣስተንትኖን ጸሎትን—መማሰውቲ ንኽንከውን ዚሕግዝ ረቛሒታት

6. ንየሆዋ ብፍላይ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ እተመስግኖ፧

6 መማሰውቲ ብምዃንን ሞሳና ብምግላጽን፡ ነቲ ጳውሎስ ዝሰርዖ ሰናይ ኣብነት ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ልክዕ ከም ጳውሎስ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ብብሕቲ ዝገበረልና ነገራት ከነስተንትን ኣሎና። (መዝ. 116:12) ‘ከተማስወሉ እትኽእል እንታይ ካብ የሆዋ እተቐበልካዮ በረኸት ኣሎ፧’ ዚብል ሕቶ እንተ ዚቐርበልካ፡ እንታይ ምላሽ ምሃብካ፧ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ኽቡር ርክብ፡ ወይ ከኣ ኣብ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ብምእማንካ ንእተገብረልካ ሕድገት ሓጢኣት ምጠቐስካዶ፧ ስማት እቶም እተፈላለየ ኣሸጋሪ ፈተናታት ከተሕልፍ ከለኻ ኣብ ጐድንኻ ዝቘሙ ኣሕዋትን ኣሓትንከ ምረቛሕካዶ፧ ንመጻምድትኻ ወይ ነቶም ክቡራት ደቅኻ ኸይጠቐስካዮም ከም ዘይትሓልፍ ፍሉጥ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኻብቲ ፈቃር ኣቦኻ ዝዀነ የሆዋ ዝረኸብካዮ ዜደንቕ በረኸት፡ ግዜ መዲብካ ምስትንታንካ፡ በብመዓልቱ ንኸተመስግን ኪድርኸካ እዩ።መዝሙር 92:1, 2 ኣንብብ።

7. (ሀ) ጸሎት ውዳሰ ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ብጸሎት ኣቢልካ ኸተመስግን ከለኻ ብኸመይ ኢኻ እትጥቀም፧

7 ነቲ ዝረኸብናዮ በረኸት ኣብ ኣእምሮናን ኣብ ልብናን እንተ ቐሪጽናዮ፡ ንየሆዋ ብጸሎት ኣቢልና ንኸነመስግኖ ድሉዋት ክንከውን ኢና። (መዝ. 95:2፣ 100:4, 5) ሓያሎ ሰባት ንጸሎት፡ ንኣምላኽ እትልምነሉ መገዲ ገይሮም ጥራይ እዮም  ዚርእይዎ። ንሕና ግና፡ ስለቲ ዝረኸብናዮ ነገራት ምስ እነመስግን፡ የሆዋ ኸም ዚሕጐስ ንፈልጥ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ሃናን ህዝቅያስን ዘቕረብዎ ጸሎት ሓዊስካ፡ ካብ ልቢ ዝቐረበ ብዙሕ ጸሎት ውዳሰ ሒዙ ኣሎ። (1 ሳሙ. 2:1-10፣ ኢሳ. 38:9-20) ስለዚ፡ ነቶም መማሰውቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምሰሎም። እወ፡ ስለቲ ዝረኸብካዮ በረኸት፡ ንየሆዋ ብጸሎት ኣመስግኖ። (1 ተሰ. 5:17, 18) እዚ ድማ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ሓጐስካ ይውስኽ፡ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ ይዓቢ፡ ናብ የሆዋ ኸኣ ብዝያዳ ትቐርብ።—ያእ. 4:8

‘ከተማስወሉ እትኽእል እንታይ ካብ የሆዋ እተቐበልካዮ በረኸት ኣሎካ፧’ (ሕጡብ ጽሑፍ 6, 7 ርአ)

8. ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገራት ዘሎና ሞሳ ኸም እነጥፍኦ ኺገብረና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

8 ብዛዕባ ሕያውነት የሆዋ ዘሎና ሞሳ ምእንቲ ኸይነጥፍኦ ኽንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ ናይ ዘይምምስጋን ባህርይ ወሪስና ኢና። እቶም ቀዳሞት ወለድና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤድን እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ዜድልዮም ዘበለ ነገራት ከኣ ይረኽቡ ነበሩ፣ ንዘለኣለም ብሰላም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ እውን ነበሮም። (ዘፍ. 1:28) ይኹን እምበር፡ ነቲ ዝረኸብዎ በረኸት ኣየማሰዉሉን። ብስስዐ ዝያዳ ነገራት ኪረኽቡ ተመነዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኵሉ ነገራት ሰኣኑ። (ዘፍ. 3:6, 7, 17-19) ንሕና እውን ኣብዛ ዘይተመስግን ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገራት ክንርስዖ ኽንጅምር ንኽእል ኢና። ነቲ ምስ የሆዋ ዝመሰረትናዮ ርክብ ወይ ከኣ ነቲ ኽፍሊ ዓለምለኻዊ ሕውነት ብምዃን ዝረኸብናዮ ፍሉይ መሰል ዘሎና ሞሳ ኸነጥፍኦ ንኽእል ኢና። በቲ ቐልጢፉ ዚሓልፍ ነገራት እዛ ዓለም እዚኣ ኽንወሓጥ ንኽእል ኢና። (1 ዮሃ. 2:15-17) ከምዚ ምእንቲ ኸየጋጥመና፡ በቲ ዝረኸብናዮ በረኸት ከነስተንትን፡ ንየሆዋ ኸኣ፡ ህዝቡ ንኽንከውን ፍሉይ መሰል ስለ ዝሃበና ወትሩ ኸነመስግኖ ኣሎና።መዝሙር 27:4 ኣንብብ።

ፈተናታት ኬጋጠመና ኸሎ

9. ከቢድ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብናዮ በረኸት ከነስተንትን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 መማሰዊ ልቢ፡ ከበድቲ ፈተናታት ንኽንጻወር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ህይወትና ዚቕይር ሃንደበታዊ ዅነታት ምስ ዜጋጥመና፡ ማለት መጻምድትና ዘይእሙን ምስ ዚኸውን፡ ሓደገኛ ሕማም ምስ እንሓምም፡ እነፍቅሮ ሰብ ምስ ዝሞተና፡ ወይ ከኣ ባህርያዊ ሓደጋታት ምስ ዜጋጠመና፡ ተስፋ ኽንቈርጽ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ነቲ ዝረኸብናዮ በረኸት ነስተንትነሉ እንተ ዄንና ኽንጸናናዕን ክንበራታዕን ኢና። ነዚ ዚስዕብ ናይ ሓቂ ተመክሮታት እስከ ንመርምሮ።

10. ኣይሪና ነቲ ዝረኸበቶ በረኸት ብምጽብጻባ ብኸመይ ተጠቕመት፧

 10 ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እትነብር ስርዕቲ ፈላሚት ዝዀነት ኣይሪና፡ * ሽማግለ ብዓል ቤት ነበራ። ኰይኑ ግና፡ ሰብኣያ ዘይእሙን ኰነ፡ ንዓኣን ንደቃን ራሕሪሕዎም ድማ ከደ። ኣይሪና ንየሆዋ ብተኣማንነት ንኸተገልግሎ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ንሳ፡ “ንየሆዋ ስለቲ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዝገበረለይ ሓልዮት አመስግኖ እየ። ነቲ ዝረኸብክዎ በረኸት በብመዓልቱ ኽጽብጽቦ ስለ ዝመረጽኩ፡ እቲ መዕቘቢና ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና ኸም ዝፈልጠንን ከም ዜፍቅረንን ክግንዘብ ክኢለ እየ። ፈጺሙ ኸም ዘይጥንጥነኒ እፈልጥ እየ” በለት። ኣይሪና፡ ኣብ ህይወታ ሓያሎ ዜሕዝን ኵነታት እኳ እንተ ኣጋጠማ፡ ሕጕስቲ ብምዃና ኸይተሓለለት ክትነብር ክኢላ እያ፣ ንኻልኦት ከኣ ምንጪ ምትብባዕ ትዀኖም ኣላ።

11. ክዮንግ ሱክ ነቲ ኸቢድ ሕማም ንኽትጻወሮ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧

11 ኣብ እስያ እትነብር ክዮንግ ሱክ ምስ ሰብኣያ ዀይና ንልዕሊ 20 ዓመት ፈላሚት ኰይና ኣገልጊላ እያ። ሃንደበት ግና፡ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ዝበጽሐ መንሽሮ ኸም ዘለዋ ተፈልጠ፡ ካብ ሰለስተ ኽሳዕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ብህይወት ከም እትጸንሕ ድማ ተነግራ። ንሳን ሰብኣያን ቀሊልን ከቢድን ዝዀነ ብዙሕ ፈተናታት እኳ እንተ ኣሕለፉ፡ ብዛዕባ ጥዕናኦም ግና ስክፍታ ዚብሃል ኣይነበሮምን። ክዮንግ ሱክ፡ “እዚ ናይ ጥዕና ጕዳይ ኣጸቢቑ ሃሲዩኒ እዩ። ኵሉ ነገራት ዝሰኣንኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ፣ ኣዝየ ኸኣ እየ ሰምቢደ” በለት። ነቲ ጸገም እቲ ንኽትጾሮ ዝሓገዛ ደኣ እንታይ እዩ፧ ኣስዒባ፡ “ምሸት ምሸት ቅድሚ ምድቃሰይ፡ ናብ ናሕሲ ቤትና እድይብ እሞ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ ዝረኸብክዎ ሓሙሽተ ዘማስወሉ ነገራት ዓው ኢለ እጽሊ። ድሕሪኡ፡ ቅሳነት ይስምዓኒ፡ ንየሆዋ ፍቕረይ ንኽገልጸሉ ድማ እድረኽ” በለት። ክዮንግ ሱክ ካብቲ ብለይቲ እትጽልዮ ጸሎት ብኸመይ ተጠቒማ፧ “የሆዋ ኣብ ኣሸጋሪ ዅነታት ከም ዚሕግዘና፡ ካብቲ ዜጋጥመና ፈተናታት ንላዕሊ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ህይወትና እንረኽቦ በረኸት ኣዝዩ ኸም ዚበዝሕ ክግንዘብ ክኢለ እየ” በለት።

ምስቲ ብህይወት ዝተረፈ ዮሃንስ ሓዋ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

12. ጀይሰን፡ ድሕሪ ሞት ሰበይቱ ብኸመይ እዩ ተጸናኒዑ፧

12 ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዚርከብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዜገልግል ጀይሰን ዚብሃል ሓው፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንልዕሊ 30 ዓመት ጸኒሑ እዩ። ከምዚ ብምባል ከኣ የዘንቱ፦ “ሸውዓተ ዓመት ይገብር፡ ሰበይተይ ሞተትኒ። እቲ ስቓይ ኣዝዩ ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቲ ምስ መንሽሮ ኽትቃለስ ከላ እተሕልፎ ዝነበረት ስቓይ ምሕሳብ ኣዝዩ ተስፋ ዜቝርጽ ኪኸውን ይኽእል እዩ።” ነዚ ሽግር እዚ ንኺጻወሮ ዝሓገዞ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ ጀይሰን፡ “ሓደ እዋን፡ ኣነን ሰበይተይን ብሓንሳእ ኴንና ንዘሕለፍናዮ ጽቡቕ ግዜ ዘከርኩ፣ ነዚ ኽዝክር ብምኽኣለይ ከኣ ንየሆዋ ብጸሎት ኣመስጊነዮ እየ። ባህ ኪብለኒ ጀመረ፣ ድሕሪኡ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተዘክሮታት ንኺህልወኒ ስለ ዝሓገዘኒ፡ ንየሆዋ ኣዘውቲረ ኸመስግኖ ጀመርኩ። መማሰዊ ምዃን ኣብ ኣረኣእያይ ዓብዪ ለውጢ ኣምጺኡለይ እዩ። ሰበይተይ ስለ ዝሞተትኒ ሕጂ እውን እሳቐ እኳ እንተ ዀንኩ፡ የሆዋ ምስኣ ጽቡቕ ሓዳር ንኸሕልፍ ስለ ዝሓገዘንን ንዕኡ ኣጸቢቓ ምስ እተፍቅሮ ዝነበረት ሓብቲ ዀይነ ንኸገልግሎ ፍሉይ መሰል ስለ ዝሃበንን አመስግኖ እየ፣ እዚ ኸኣ ንኣረኣእያይ ኣመሓይሽዎ እዩ” በለ።

“ኣምላኸይ የሆዋ ብምዃኑ ኣዝየ እየ ዘመስግን።”—ሸሪል

13. ሸሪል መብዛሕትኦም ኣባላት ስድራ ቤታ ብሙማቶም ንዘጋጠማ ዅነታት ክትጻወሮ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧

13 ኣብ መወዳእታ 2013 ዝናም እተሓወሶ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ኣብ ፍሊፒንስ ምስ ወረደ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ጓል 13 ዓመት ዝነበረት ሸሪል፡ ዳርጋ ዅሎም ስድራ ቤታን ንብረታን ጠፍአ። “ቤተይ ዓንዩ፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ስድራ ቤተይ እውን ሃሊቖኦም እዮም” በለት። በቲ ብርቱዕ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ኣቦኣን ኣዴኣን ሓዋን ክልተ ኣሓታን ሞይቶም እዮም። እሞኸ ሸሪል ነዚ ዜሕዝን ኵነታት እዚ ኸይተመረረት ንኽትዋጽኣሉ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ነቲ ሕጂ ረኺባቶ ዘላ  በረኸት ተቕልበሉን ተማስወሉን እያ። ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ንዅሉ እቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቶም ሓገዝ ዜድልዮም ረድኤትን ምትብባዕን ንምሃብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ርእየዮ እየ። ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ዅሎም ኣሕዋት ንዓይ ይጽልዩለይ ከም ዝነበሩ እፈልጥ እየ” በለት። ቀጺላ እውን፡ “ኣምላኸይ የሆዋ ብምዃኑ ኣዝየ እየ ዘመስግን። ወትሩ ዜድልየና ነገራት ይህበና እዩ” በለት። እወ፡ ነቲ ዝረኸብናዮ በረኸት ነማስወሉ እንተ ዄንና፡ ብሓዘን ኣይክንውሓጥን ኢና። መማሰዊ ልቢ እንተ ኣልዩና፡ ዝዀነ ይኹን ጸበባ ኼጋጥመና ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ክንጻወሮ ኢና።—ኤፌ. 5:20፣ ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ።

‘ኣነ ግና ብየሆዋ ኽሕጐስ እየ’

14. እንታይ ዜሐጕስ መጻኢ እዩ ዚጽበየና ዘሎ፧ (ኣብ ገጽ 8 ዘላ ስእሊ ርአ።)

14 ኣብ ታሪኽ ከም እተራእየ፡ ህዝቢ የሆዋ በቲ ዚረኸብዎ በረኸት ይሕጐሱ እዮም። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኻብ ፈርኦንን ሰራዊቱን ምስ ደሓኑ፡ ብመዝሙር ውዳሰን ምስጋናን ሓጐሶም ገሊጾም እዮም። (ዘጸ. 15:1-21) ሎሚ፡ ገለ ኻብቲ ረኺብናዮ ዘሎና ኣዝዩ ኽቡር በረኸት፡ ካብ ኵሉ እቲ ስቓይን ጓህን ዜምጽኣልና ነገራት ክንድሕን ዘሎና ጽኑዕ ተስፋ እዩ። (መዝ. 37:9-11፣ ኢሳ. 25:8፣ 33:24) የሆዋ ንዅሎም ጸላእቱ ኣጥፊኡ፡ ናብታ ሰላምን ጽድቅን ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ኬእትወና ኸሎ ኸመይ ከም ዚስምዓና እሞ ሕሰብ። እታ መዓልቲ እቲኣ፡ መዓልቲ ውዳሰ ኽትከውን እያ።—ራእ. 20:1-3፣ 21:3, 4

15. ኣብ ዓመተ 2015 እንታይ ንኽትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

15 ኣብ ዓመተ 2015 ማእለያ ዘይብሉ መንፈሳዊ በረኸት ንኽንረክብ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ። እተወሰነ ፈተናታት እውን ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ግናኸ ዝመጸ እንተ መጸ፡ የሆዋ ፈጺሙ ኸም ዘይሓድገና ንፈልጥ ኢና። (ዘዳ. 31:8፣ መዝ. 9:9, 10) ብተኣማንነት ምእንቲ ኸነገልግሎ ዜድልየና ዘበለ ዅሉ ነገራት ምሃቡ ኣይኬቋርጽን እዩ። ሃየ እምበኣር፡ ከምቲ ነብዪ ኣንባቆም ዝነበሮ መንፈስ ንኸነሕድር ቈራጽነት ንግበር። ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ኦም በለስ ኣይክትዕምብብን፡ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህሉን፡ ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልም፡ ግርሁ ምግቢ ኣይኪህብን እዩ፡ ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍኣ፡ ኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰኣና እየን። ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፡ ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ።” (ኣን. 3:17, 18) እወ፡ ኣብ ዚመጽእ ዓመት፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብናዮ በረኸት ነስተንትን፣ ነቲ፡ ‘የሆዋ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ወድስዎ’ ዚብል ጥቕሲ ዓመት 2015 ንኽንስዕቦ ኸኣ ቈራጽነት ንግበር።—መዝ. 106:1NW።

^ ሕ.ጽ. 10 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ብዝያዳ ፍለጥ

‘ንጸሎት ንቕሑ’

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣዘውቲሮም ኪጽልዩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ ምእንቲ ኻልኦት ክትጽሊ ኸለኻ፡ መን እዩ ዚጥቀም፧