ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ሕዳር 2014

ትንሳኤ የሱስ ብኸመይ ይጸልወና፧

ትንሳኤ የሱስ ብኸመይ ይጸልወና፧

“ተንሲኡ እዩ።”ማቴ. 28:6

1, 2. (ሀ) ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ብዛዕባ እንታይ እዮም ኪፈልጡ ደልዮም ነይሮም፧ ጴጥሮስከ እንታይ ኢሉ መለሰሎም፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ጴጥሮስ ብትብዓት ኪዛረብ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ካብ ዚመውት ሒደት መዓልትታት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ብቐሊሉ ዘይድፈሩን ተጻረርትን ሰብኡት ቀረበ። እዞም ሰብኡት እዚኦም፡ የሱስ ብውዲት ከም ዚቕተል ዝገበሩ ሓያላት መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ እዮም ነይሮም። ጴጥሮስ ንሓደ ኻብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ ሓንካስ ዝነበረ ሰብኣይ ስለ ዘሕወዮ፡ ብዛዕባኡ ኺነግሮም እዮም ጸዊዖምዎ፣ በየናይ ሓይሊ ወይ ብስም መን ከምኡ ኸም ዝገበረ ድማ ሓተትዎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከኣ ብትብዓት፡ ‘ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ፡ ኣምላኽ ግና ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ የሱስ ክርስቶስ እቲ ናዝሬታዊ፡ ብእኡ እዩ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ደው ኢሉ ዘሎ’ በሎም።—ግብ. 4:5-10

2 ኣቐድም ኣቢሉ፡ ጴጥሮስ ብምኽንያት ፍርሂ፡ ንየሱስ ከም ዘይፈልጦ ሰለስተ ሳዕ ክሒዱ ነይሩ እዩ። (ማር. 14:66-72) ኣብ ቅድሚ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ቀሪቡ ብትብዓት ኪዛረብ ዝኸኣለ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧ መንፈስ ቅዱስ ንጴጥሮስ ኣብ ምሕጋዝ ዓብዪ ግደ ኸም ዝነበሮ ኣይከሓድን እዩ፣ ኣብ ርእሲኡ ግና ጴጥሮስ፡ የሱስ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ብኸመይ እዩ ርግጸኛ ኪኸውን ክኢሉ፧ ንሕናኸ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3, 4. (ሀ) ሃዋርያት የሱስ ገና ኸይተወልዱ ኸለዉ፡ እንታይ ትንሳኤታት እዩ ተፈጺሙ፧ (ለ) የሱስ ንመን እዩ ኣተንሲኡ፧

 3 ምዉታት ኪትንስኡ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ሓሳብ ንሃዋርያት የሱስ ሓድሽ ኣይኰነን ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ንሳቶም ገና ኸይተወልዱ ኸለዉ እውን፡ ትንሳኤታት ተፈጺሙ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ንነብዪ ኤልያስን ንነብዪ ኤልሳእን፡ ምዉታት ኬተንስኡ ዜኽእሎም ሓይሊ ኸም ዝሃቦም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (1 ነገ. 17:17-24፣ 2 ነገ. 4:32-37) ሓደ ሬሳ እውን እንተ ዀነ፡ ናብ መቓብር ኤልሳእ ምስ ተደርበየ፡ ንኣዕጽምቲ ኤልሳእ ድሕሪ ምትንካዩ ኻብ ሞት ተንሲኡ እዩ። (2 ነገ. 13:20, 21) ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ጸብጻባት እዚ ይኣምንዎ ነይሮም እዮም፣ ንሕና እውን ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንኣምን ኢና።

4 ኵላትና ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዝፈጸሞ ትንሳኤታት ዚገልጽ ጸብጻባት ከነንብብ ከለና፡ ልብና ኸም ዚትንከፍ ኣየጠራጥርን እዩ። ንሓንቲ መበለት ነቲ ሓደ ወዳ ምስ ኣተንስኣላ፡ ኣዝያ ተደኒቓ ኽትከውን ኣለዋ። (ሉቃ. 7:11-15) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ የሱስ ንሓንቲ ጓል 12 ዓመት ቈልዓ ኻብ ሞት ኣተንስኣ። እቶም ብጓሂ ሕርር ኵምትር ኢሎም ዝነበሩ ወለዳ፡ ጓሎም ምስ ተንስአት ንእተሰምዖም ሓጐስ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! (ሉቃ. 8:49-56) ብዘይካዚ፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ፡ ኣልኣዛር ካብ መቓብር ብህይወት ኪወጽእ ከሎ ኺርእዩ ኸለዉ፡ ኣዝዮም ተገሪሞም ኪዀኑ ኣለዎም።—ዮሃ. 11:38-44

ትንሳኤ የሱስ ፍሉይ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5. ትንሳኤ የሱስ፡ ቅድሚኡ ኻብ ዝነበረ ኻልእ ትንሳኤታት እተፈልየ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

5 ትንሳኤ የሱስ፡ ቅድሚኡ ኻብ ዝነበረ ኻልእ ትንሳኤታት እተፈልየ ኸም ዝዀነ፡ ሃዋርያት ይፈልጡ ነበሩ። እቶም ቅድሚ የሱስ ዝተንስኡ ሰባት፡ ስጋዊ ኣካል ሒዞም እዮም ተንሲኦም፣ ውዒሎም ሓዲሮም ድማ ሞይቶም እዮም። የሱስ ግና፡ ፈጺሙ ዘይጠፍእ መንፈሳዊ ኣካል ሒዙ እዩ ተንሲኡ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:34 ኣንብብ።) ጴጥሮስ፡ የሱስ ‘ብስጋ ኸም ዝሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ከም ዝዀነ’ ጽሒፉ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ናብ ሰማይ ከይዱ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣሎ፣ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይልታትን ድማ ይግዝእዎ ኣለዉ” በለ። (1 ጴጥ. 3:18-22) እቲ ቕድሚ የሱስ እተፈጸመ ትንሳኤታት ኣዝዩ ዜደንቕ ተኣምራት እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ኻብ ኵሉ ትንሳኤታት እተፈልየ ዝዀነ ትንሳኤ የሱስ ግና ዚወዳደሮ የልቦን።

6. ትንሳኤ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝጸለዎም ብኸመይ እዩ፧

6 ትንሳኤ የሱስ ኣብ ደቀ መዛሙርቱ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ከምቲ ጸላእቲ የሱስ ዝሓሰብዎ፡ ሞይቱ ኣይተረፈን። ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ተንሲኡ እዩ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ድማ ኪጐድኦ ኣይክእልን እዩ። ትንሳኤኡ፡ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ፣ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሓቂ እዚ ምፍላጦም፡ ብሞት የሱስ እተሰምዖም ጓሂ ናብ ሓጐስ ከም ዚቕየር ገይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ዝነበሮም ፍርሂ ናብ ትብዓት ተለወጠ። እወ፡ ትንሳኤ የሱስ ኣብቲ ኣብ ኵሉ ቦታታት ዚሰብክዎ ዝነበሩ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ ኣብ ዕላማ የሆዋ ኣገዳሲ ግደ ነበሮ።

7. ሎሚ የሱስ እንታይ ይገብር ኣሎ፧ እንታይ ሕቶታትከ እዩ ዚልዓል፧

7 ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ የሱስ ዓብዪ ሰብ ጥራይ ከም ዘይነበረ ንፈልጥ ኢና። ሕጂ ብህይወት ከም ዘሎን ነቲ ኣብ መላእ ምድሪ ዚካየድ ዘሎ ዕዮ ስብከት ይመርሖ ኸም ዘሎን እውን ንፈልጥ ኢና። የሱስ ክርስቶስ ንጉስ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንምድሪ ኻብ እከይ ኬጽርያ፡ ሰባት ንዘለኣለም ናብ ዚነብሩላ ገነት ድማ ኪቕይራ እዩ። (ሉቃ. 23:43) የሱስ ካብ ሞት እንተ ዘይተንሲኡ ግና፡ እዚ ዅሉ ኺፍጸም ኣይክእልን እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ እንታይ መርትዖ ኣሎና፧ ትንሳኤኡኸ ብኸመይ እዩ ዚጸልወና፧

 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሞት ዘለዎ ሓይሊ ኣርኣየ

8, 9. (ሀ) መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ መቓብር የሱስ ብጽኑዕ ንኺሕሎ ዝሓተቱ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) እተን ኣንስቲ ናብቲ መቓብር ምስ መጻ እንታይ ኣጋጠመ፧

8 የሱስ ምስ ሞተ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ናብ ጲላጦስ መጺኦም፡ “ጐይታና፡ እቲ መስሓቲ ብህይወት ከሎ፡ ‘ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እየ’ ኸም ዝበለ ዘኪርና። ስለዚ፡ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ከይሰርቅዎ እሞ፡ ንህዝቢ፡ ‘ካብ ምዉታት ተንሲኡ’ ኸይብሉስ፡ ካብቲ ቐዳማይ ከኣ ዳሕራይ ስሕተት ከይገድድሲ፡ እቲ መቓብር ክሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ብጽኑዕ ኪሕሎ ኣዝዝ” በልዎ። ጲላጦስ ከኣ፡ “ሓለውቲ እነዉልኩም። ከም እትፈልጥዎ ጌርኩም ብጽኑዕ ሓልዉ” በሎም። ልክዕ ከምኡ ድማ ገበሩ።—ማቴ. 27:62-66

9 የሱስ ምስ ሞተ፡ ሬሳኡ ኣብ ዓብዪ ኸውሒ ኣብ እተወቕረ መቓብር ተነብረ፣ ነቲ መቓብር ድማ ዓብዪ እምኒ ዓጽይዎ ነበረ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ የሱስ ኣብቲ መቓብር ንዘለኣለም ሞይቱ ኺነብር እዮም ዚደልዩ ነይሮም። የሆዋ ግና እተፈልየ ሓሳብ እዩ ነይርዎ። ማርያም መግደላዊትን እታ ኻልአይቲ ማርያምን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብቲ መቓብር መጻ፣ እቲ እምኒ ተንከባሊሉ፡ ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኾፍ ኢሉ ጸንሐን። እቲ መልኣኽ ነተን ኣንስቲ፡ እቲ መቓብር ጥራሑ ምዃኑ ብዓይነን ኪርእያ ነገረን። “ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ኣብዚ የሎን” ከኣ በለን። (ማቴ. 28:1-6) እወ፡ የሱስ ካብ ሞት ተንሲኡ እዩ።

10. ጳውሎስ፡ የሱስ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ዚሕብር እንታይ መርትዖ እዩ ዘቕረበ፧

10 ኣብተን ስዒበን ዝነበራ 40 መዓልቲ ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ የሱስ ብርግጽ ከም ዝተንስአ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ዅነታት ኣሕጽር ኣቢሉ ኺገልጾ ኸሎ ኸምዚ በለ፦ “እቲ እተቐበልክዎ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣመሓላሊፈልኩም እየ፣ ማለት ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፣ ተቐብረ ኸኣ፣ ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ድማ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተንስአ፣ ንኬፋ፡ ደሓር እውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእዮም። ድሕሪኡ፡ ካብ 500 ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእዮም፣ መብዛሕትኦም ክሳዕ ሎሚ ኣለዉ፡ ገሊኣቶም ግና ዓሪፎም ኣለዉ። ድሕሪኡ፡ ንያእቆብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዅሎም ሃዋርያት ተራእዮም፣ ድሕሪ ዅላቶም ድማ ንዓይ፡ ከም ንቝላዕ ተራእየኒ።”—1 ቈረ. 15:3-8

የሱስ ከም ዝተንስአ እንፈልጥ ብኸመይ ኢና፧

11. ትንሳኤ የሱስ ልክዕ “ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ” እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

11 የሱስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ እንፈልጠሉ ቐዳማይ ምኽንያት፡ ትንሳኤኡ ልክዕ “ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ” ስለ እተፈጸመ እዩ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ዳዊት፡ እቲ ቐንዲ ናይ ኣምላኽ ‘ቅዱስ’ ኣብ መቓብር ከም ዘይሕደግ ጽሒፉ ነበረ። (መዝሙር 16:10 ኣንብብ።) ኣብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ እታ ትንቢታዊት ጥቕሲ ኣብ የሱስ ከም እትውዕል ገለጸ፣ “[ዳዊት] ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ንሱ ኣብ መቓብር ከም ዘይሕደግ፡ ስጋኡ እውን ከም ዘይብስብስ፡ ኣቐዲሙ ርእዩ ተዛረበ” ድማ በለ።—ግብ. 2:23-27, 31

12. ነቲ ዝተንስአ የሱስ መን እዩ ርእይዎ፧

12 የሱስ ከም ዝተንስአ እንፈልጠሉ ኻልኣይ ምኽንያት፡ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ስለ ዘለዉ እዩ። የሱስ ኣብተን ድሕሪ ትንሳኤኡ ዝነበራ 40 መዓልትታት፡ ነቶም ኣብ ጥቓ መቓብሩ ዝነበሩን ነቶም ናብ ኤማሁስ ዚኸዱ ዝነበሩን ነቶም ኣብ ካልእ ቦታታት ዝነበሩን ደቀ መዛሙርቱ ተራእይዎም እዩ። (ሉቃ. 24:13-15) ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ ድማ፡ ንጴጥሮስ እውን ሓዊስካ፡ ንውልቀ ሰባትን ንብዙሓት ሰባትን ኣዘራሪብዎም እዩ። ኣብ ሓደ እዋን እሞ ኸኣ፡ ንልዕሊ 500 ዚዀኑ ሰባት ተራእይዎም እዩ። ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝሃብዎ ምስክርነት፡ ዕሽሽ ኪብሃል ኣይከኣልን እዩ።

13. እቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዘርኣይዎ ቕንኣት፡ የሱስ ከም ዝተንስአ ርግጸኛታት ምንባሮም ዜርኢ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

 13 የሱስ ከም ዝተንስአ እንፈልጠሉ ሳልሳይ ምኽንያት፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ብቕንኣት ስለ ዝኣወጁ እዩ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ብቕንኣት ስለ ዝመስከሩ፡ መስጐጕትን መከራን ሞትን ኣጋጢምዎም እዩ። የሱስ እንተ ዘይትንስእ ነይሩ፡ ኵሉ ነገር ድማ ሽጣራ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ጴጥሮስ ነቶም ንየሱስ ዚጸልእዎ ዝነበሩን ብውዲት ከም ዚቕተል ዝገበሩን መራሕቲ ሃይማኖት ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ምእንቲ ኺእውጀሎም ኢሉ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ መእተወዶ ነይሩ፧ ጴጥሮስ ኰነ ኻልኦት ደቀ መዛሙርቲ፡ የሱስ ህያው ከም ዝዀነን ንዕዮ ስብከት ይመርሖ ኸም ዝነበረን ርግጸኛታት እዮም ነይሮም። ብዘይካዚ፡ ትንሳኤ የሱስ፡ ንሳቶም እውን ካብ ሞት ኪትንስኡ ኸም ዚኽእሉ ኣረጋጊጹሎም እዩ። ንኣብነት፡ እስጢፋኖስ፡ ትንሳኤ ምዉታት ከም ዚኸውን ርግጸኛ ዀይኑ እዩ ሞይቱ።—ግብ. 7:55-60

14. የሱስ ህያው ከም ዝዀነ እትኣምን ስለምንታይ ኢኻ፧

14 የሱስ ከም ዝተንስአ እንፈልጠሉ ራብዓይ ምኽንያት፡ ሕጂ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ይገዝእን ከም ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀይኑ የገልግልን ከም ዘሎ መርትዖ ስለ ዘሎና እዩ። የሱስ ንጉስን ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤን ስለ ዝዀነ፡ ናይ ሓቂ ክርስትና ይስስን ኣሎ። ንሱ ኻብ ምዉታት እንተ ዘይትንስእ ነይሩ፡ እዚ ዅሉ ዕቤት ምሃለወዶ፧ የሱስ እንተ ዘይትንስእ ነይሩ፡ ምናልባት ብዛዕባኡ እውን ፈጺምና ኣይምሰማዕናን ኔርና። ኰይኑ ግና፡ ንሱ ህያው ከም ዝዀነ፡ ኣብ መላእ ምድሪ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ከለና ድማ ከም ዚመርሓና ኣዚና ርግጸኛታት ኢና።

ትንሳኤ የሱስ ብኸመይ ይጸልወና፧

15. ትንሳኤ የሱስ ብትብዓት ከም እንሰብኽ ዚገብረና ስለምንታይ እዩ፧

15 ትንሳኤ ክርስቶስ ብትብዓት ከም እንሰብኽ ይገብረና። ጸላእቲ ኣምላኽ ን2,000 ዓመት፡ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ደው ንኼብልዎ ዘይፈተንዎ ኣጽዋር የልቦን፣ ንኣብነት፡ ክሕደትን ላግጽን ናዕብን እገዳን ስቓይን ቅትለትን ተጠቒሞም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ‘ንዓና ኺወግኡሉ እተሰርሐ ኣጽዋር ኵሉ፡’ ንዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ደው ኣየበሎን። (ኢሳ. 54:17) ንዓሳኽር ወይ ኣገልገልቲ ሰይጣን ኣይንፈርሆምን ኢና። የሱስ ልክዕ ከምቲ እተመባጽዖ፡ ምሳና ዀይኑ ይድግፈና እዩ። (ማቴ. 28:20) ጸላእትና ዝገበሩ እኳ እንተ ገበሩ ስቕ ኬብሉና ስለ ዘይክእሉ፡ እንፈርሃሉ ምኽንያት የብልናን።

ትንሳኤ የሱስ ብትብዓት ከም እንሰብኽ ይገብረና (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

16, 17. (ሀ) ትንሳኤ የሱስ፡ ነቲ ንሱ ዝመሃሮ ትምህርቲ ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብመሰረት ዮሃንስ 11:25፡ ኣምላኽ ንየሱስ እንታይ ሓይሊ እዩ ሂብዎ፧

16 ትንሳኤ የሱስ ንዅሉ እቲ ዝመሃሮ ትምህርቲ ዜረጋግጽ እዩ። ጳውሎስ፡ ክርስቶስ ካብ ምዉታት እንተ ዘይተንሲኡ፡ ክርስትና ዀነ ዕዮ ስብከት ዋጋ ኸም ዘይብሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ “ክርስቶስ እንተ ዘይተንሲኡ፡ . . . ክርስትያናት ብዓብዪ ሽጣራ እተታለሉ ዜሕዝኑ ሰባት እዮም ማለት እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። የሱስ እንተ ዘይትንስእ ነይሩ፡ እቲ ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ሓደ ብጸላእቱ እተቐትለ ሕያዋይን ጥበበኛን ሰብኣይ ጥራይ ዚገልጽ ዜሕዝን ዛንታ ዀይኑ ምተረፈ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ክርስቶስ ብሓቂ ተንሲኡ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንሓቅነት እቲ ብዛዕባ መጻኢ እውን ዝመሃሮ ትምህርቲ ዜረጋግጽ እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:14, 15, 20 ኣንብብ።

17 የሱስ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ እንተ ሞተ እኳ፡ ህያው ኪኸውን እዩ” ኢሉ ነበረ። (ዮሃ. 11:25) እዚ ዜደንቕ ዘረባ እዚ ብርግጽ ኪፍጸም እዩ። የሆዋ ንየሱስ ነቶም ናብ መንፈሳዊ ህይወት ዚትንስኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ዚትንስኡ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እውን ካብ ሞት ንኼተንስኦም ሓይሊ ሂብዎ እዩ። እቲ የሱስ ዝኸፈሎ ናይ መተዓረቒ መስዋእትን ትንሳኤኡን፡ ሞት ከም ዚጠፍእ ዜረጋግጽ እዩ። ነዚ ምፍላጥካ፡ ዝዀነ ይኹን ፈተና፡ ሞት እውን እንተ ዀነ ኼጋጥመካ ኸሎ ንኽትጸንዕ ደይኰነን ዜበራትዓካ፧

18. ትንሳኤ የሱስ እንታይ እዩ ዜረጋግጸልና፧

 18 ትንሳኤ የሱስ፡ ተቐማጦ ምድሪ ብመሰረት ፍቕራዊ ስርዓታት የሆዋ ኸም ዚፍረዱ ዜረጋግጽ እዩ። ጳውሎስ ኣብ ጥንታዊት ኣቴና ተኣኪቦም ንዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን፡ “[ኣምላኽ] በቲ ዝሸሞ ሰብኣይ ኣቢሉ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፣ ንዕኡ ኻብ ምዉታት ብምትንሳእ ከኣ፡ ንዅሎም ሰባት መተኣማመኒ ሂብዎም ኣሎ” በለ። (ግብ. 17:31) እወ፡ የሱስ ብኣምላኽ እተሸመ ፈራዲ ስለ ዝዀነ፡ ፍርዱ ፍትሓውን ፍቕራውን ከም ዚኸውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 11:2-4 ኣንብብ።

19. ኣብ ትንሳኤ የሱስ ዘላትና እምነት ብኸመይ እያ እትጸልወና፧

19 ኣብ ትንሳኤ የሱስ ዘላትና እምነት፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንኽንገብር ትድርኸና። የሱስ መስዋእታዊ ሞት እንተ ዘይመውትን እንተ ዘይትንስእን ነይሩ፡ ኣብ ትሕቲ ዅነኔ ሓጢኣትን ሞትን ምነበርና። (ሮሜ 5:12፣ 6:23) ብዘይካዚ፡ የሱስ እንተ ዘይትንስእ ነይሩ፡ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን” ምበልና ኔርና። (1 ቈረ. 15:32) ይኹን እምበር፡ ኣብ ተድላ ህይወት ኣይኰንናን እነተኵር። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንተስፋ ትንሳኤ ኣኽቢርና ንርእዮን ኣብ ኵሉ መዳያት ንመምርሒ የሆዋ ነቕልበሉን ኢና።

20. ትንሳኤ የሱስ ንዕቤት ኣምላኽ ዚምስክር ብኸመይ እዩ፧

20 ትንሳኤ የሱስ፡ እቲ ‘ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ዚህቦም’ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ምዃኑ ዚምስክር እዩ። (እብ. 11:6) የሆዋ ንየሱስ ካብ ሞት ኣተንሲኡ ዘይትመውት ህይወት ኣብ ሰማይ ንምሃብ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሓይልን ጥበብን እዩ ተጠቒሙ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንዅሉ መብጽዓታቱ ኺፍጽሞ ኸም ዚኽእል ኣርኣየ። እዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ ሓደ ንጕዳይ ልዑላውነት ዜደቅሶ “ዘርኢ” ዚገልጽ ትንቢታዊ መብጽዓ እውን ዜጠቓልል እዩ። እዚ መብጽዓ እዚ ምእንቲ ኺፍጸም፡ የሱስ ኪመውትን ካብ ሞት ኪትንስእን ነበሮ።—ዘፍ. 3:15

21. ተስፋ ትንሳኤ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመካ፧

21 ነቲ እተረጋገጸ ተስፋ ትንሳኤ ዝሃበና የሆዋ ኸነመስግኖዶ ኣይግብኣናን፧ ቅዱሳት ጽሑፋት እዚ ዚስዕብ መረጋገጺ ይህበና፦ “እንሆ፡ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱ እውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም። ኣምላኽ ባዕሉ እውን ምሳታቶም ኪኸውን እዩ። ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።” እዚ ዜደንቕ ተስፋ እዚ፡ ነቲ እሙን ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ እዩ ተዋሂብዎ፣ “እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሓፍ” ድማ ተባህለ። ዮሃንስ ነዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ራእይ ካብ መን እዩ ተቐቢልዎ፧ ካብቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ እዩ ተቐቢልዎ።—ራእ. 1:1፣ 21:3-5