ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)  |  ሕዳር 2014

 ካብ መዛግብትና

ኣብ ምብራቕ ጸሓይ ዘላ ሃገር ብርሃን በሪሁላ

ኣብ ምብራቕ ጸሓይ ዘላ ሃገር ብርሃን በሪሁላ

ኣብ ቶክዮ ንህዝባዊ መደረ ዚኸውን ወረቐት ዕድመ ተዓደለ፣ ኣብ ኦሳካ ኸኣ ካብ ነፈርቲ ተበተነ

ብ6 መስከረም 1926፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ሓደ ጃፓናዊ ፒልግሪም (ገያሺ ሓላዊ)፡ ሚስዮናዊ ዀይኑ ናብ ጃፓን ተመልሰ። እቲ ኣብ ጃፓን ዚጽበዮ ዝነበረ ሰብ፡ ኣብ ኮበ ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጅመር ዝገበረ፡ ካብ ብምሉኡ ጃፓን ንሱ ጥራይ ኰንትራት ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበሮ ሰብ እዩ ነይሩ። እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብ2 ጥሪ 1927 ንፈለማ እዋን ኣብ ኮበ ዓብዪ ኣኼባ ገበሩ። እቶም ተኣከብቲ 36 ነበሩ፣ ሸሞንተ ኸኣ ተጠምቁ። እዚ ጽቡቕ ጅመራ እኳ እንተ ነበረ፡ እዛ ንእሽቶ ጕጅለ እዚኣ ግና፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብርሃን ሓቂ ነቶም 60 ሚልዮን ዚዀኑ ተቐማጦ ጃፓን ከም ዚበርሃሎም ክትገብር እትኽእል ብኸመይ እያ፧

ኣብ ግንቦት 1927 ህርኩታት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ብምክፋል፡ ንተኸታታሊ መደረታት መጽሓፍ ቅዱስ ዜፋልጥ ወፈራ ገበሩ። እቶም ኣሕዋት ነቲ ኣብ ኦሳካ ዚግበር ናይ መጀመርታ መደረ ምእንቲ ኼፋልጡ፡ ኣብ ብምሉኡ እቲ ኸተማ፡ ኣብ መገዲ ኣጋር ዚስቀል ምልክትታትን ዓበይቲ ሰሌዳታትን ገበሩ፣ ንኣዝዮም ፍሉጣት ሰባት ድማ 3,000 ወረቐት ዕድመ ለኣኹሎም። ኣብ ኦሳካ፡ 150,000 ወረቐት ዕድመ ዓደሉ፣ ኣብ ዓበይቲ ጋዜጣታትን ኣብ 400,000 ቲኬት ባቡርን ድማ ብዛዕባ እቲ መደረ ብምጽሓፍ ኣፋለጡ። ኣብታ መደረ ዚቐርበላ ዕለት፡ ክልተ ነፈርቲ ኣብ ሰማያት ኦሳካ 100,000 ወረቐት ዕድመ በተና። ኣስታት 2,300 ዚዀኑ ሰባት፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ቀሪባ!” ዘርእስቱ መደረ ንምስማዕ፡ ነቲ ኣብ ኦሳካ ዚርከብ ኣዳራሽ ኣሳሂ ኽሳዕ ዓንቀሩ መልእዎ። ኣስታት ሽሕ ዚዀኑ ድማ፡ ቦታ ስለ ዝመልአ ተመልሱ። ድሕሪ እቲ መደረ፡ ልዕሊ 600 ዚዀኑ ተኣከብቲ፡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ገበሩ። ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ኣዋርሕ፡ ኣብ ክዮቶን ኣብ ምዕራብ ጃፓን ኣብ ዚርከባ ኻልኦት ከተማታትን ህዝባዊ መደረ መጽሓፍ ቅዱስ ቀሪቡ እዩ።

ኣብ ጥቅምቲ 1927 እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቶክዮ መደረታት ንምቕራብ ምድላዋት ገበሩ። ንፍሉጣት ሰባት፡ እንተላይ ነቲ ቐዳማይ ሚኒስተርን ንኣባላት ፓርላማን ንመራሕቲ ሃይማኖትን ንሓለፍቲ ወተሃደራትን ወረቐት ዕድመ ተላእከሎም። ሰሌዳዊ ምልክታታትን ኣብ ጋዜጣ ዚወጽእ መወዓውዒታትን 710,000 ወረቐት ዕድመን ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ እዩ፣ ኣብታ ርእሰ ኸተማ ጃፓን ዝዀነት ቶክዮ ኣብ ዝቐረበ ሰለስተ መደረታት፡ 4,800 ሰባት ተኣከቡ።

ቀናኣት ኮልፖርተራት

ካትሱኦ ሚውራን ሃጊኖ ሚውራን

ኮልፖርተራት (ፈለምቲ) ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኣባይቲ ሰባት ኣብ ምብጻሕ ዓብዪ ግደ እዩ ነይርዎም። ማትሱኢ ኢሺ፡ ሓንቲ ኻብቶም ኣብ ጃፓን ዝነበሩ ናይ መጀመርታ ኮልፖርተራት እያ ነይራ፣ ምስ ጂዞ ሰብኣያ ዀይና ድማ፡ ንሰለስተ ርብዒ ጃፓን ብኣገልግሎት ሸፈነቶ፣ እዚ ኸኣ፡ ካብቲ ኣብ ርሑቕ ሰሜን ዚርከብ ሳፖሮ ጀሚርካ ኽሳብ ሰንዳይን ቶክዮን ዮኮሃማን ናጎያን ኦሳካን ክዮቶን ኦካያማን ቶኩሺማን ዜጠቓልል እዩ። ሓብትና ኢሺን ካብኣ እትዓቢ ሓብትና ሳኪኮ ታናካን፡ ነቲ ኪሞኖ ዚብሃል ባህላዊ ኽዳን ተኸዲነን ንላዕለዎት ሰበ ስልጣን ይበጽሓኦም ነበራ። ሓደ ኻብቶም ሰበ ስልጣን፡ ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዚርከብ ቤተ መጻሕፍቲ ዚኸውን 300 ቕዳሕ እተን ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ (በገና ኣምላኽ)፡ ደሊቨራንስ (ድሕነት) ዘርእስተን መጻሕፍቲ ኺውሃብኦ ሓተተ።

ሓብትና ኢሺ ንካትሱኦ ሚውራን ንሃጊኖ ሚውራን መጻሕፍቲ ምስ ሃበቶም፡ ነቲ ሓቂ ብኡብኡ ኣለለይዋ። ብ1931 ተጠሚቖም  ድማ ኮልፖርተራት ኰኑ። ሃሩኢቺ ያማዳን ታን ያማዳን ብዙሓት ኣዝማዶምን እውን፡ ቅድሚ 1930 ኣብ ዝነበረ እዋናት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተቐበልዎ። እንዳ ያማዳ ኮልፖርተራት ኰኑ፣ ጓሎም ዩኪኮ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ቶክዮ ዝነበረ ቤት-ኤል ከተገልግል ከደት።

ዓበይትን ንኣሽቱን “የሁ”

እተን ዓበይቲ “የሁ፡” ሽዱሽተ ፈለምቲ ይሕዛ ነበራ

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ማካይን ክቡራት እየን ነይረን፣ እቲ መገዲ እውን ጽቡቕ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ካዙሚ ሚኖውራን ካልኦት መንእሰያትን ሞተር ዘየድልየን ተጐተትቲ ገዛውቲ ይጥቀሙ ነበሩ። ነተን ተጐተትቲ ድማ፡ ብስም እቲ ብሰረገላኡ ብፍጥነት ዚጓዓዝ ዝነበረ እስራኤላዊ ንጉስ፡ “የሁ” ኢሎም ሰመይወን። (2 ነገ. 10:15, 16) ካባታተን እተን ሰለስተ ዓበይቲ “የሁ፡” 2.2 ሜተር ዝንውሓተንን 1.9 ሜተር ዝምግፍሐንን 1.9 ሜተር ዝቝመተንን እየን ነይረን፣ ነፍሲ ወከፈን ከኣ ሽዱሽተ ፈለምቲ ኺሕዛ ይኽእላ ነበራ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጃፓን፡ ክልተ ሰባት ዚሕዛን ከም ብሽክለታ ኺዝወራ ዚኽእላን 11 ንኣሽቱ “የሁ” ተሰርሓ። እቲ ነተን “የሁ” ኣብ ምስራሕ ዝሓገዘ ከይቺ ኢዋሳኪ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነፍሲ ወከፍ ‘የሁ’ ቴንዳን ንመብራህቲ ዚኸውን ባትሪ ማኪናን ነበራ” በለ። እቶም ኮልፖርተራት ካብቲ ኣብ ሰሜን ዚርከብ ሆካይዶ ጀሚርካ ኽሳብ እቲ ኣብ ደቡብ ዚርከብ ኪዩሹ ዘሎ ኣኽራን ዚበዝሖ ቦታታትን ስንጭሮታትን፡ ነተን “የሁ” እናደፍኡ ዀነ እናጐተቱ፡ ብርሃን ሓቂ ኣብ ምልእቲ ጃፓን ከም ዚበርህ ገይሮም እዮም።

እተን ንኣሽቱ “የሁ፡” ክልተ ሰብ ይሕዛ ነበራ

እቲ ኮልፖርተር ዝነበረ ኢኩማትሱ ኦታ፡ “ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽንበጽሕ ከለና፡ ነታ ‘የሁና’ ኣብ ጥቓ ሩባ ወይ ኣብ ሜዳ ደው ነብላ። ፈለማ ነቲ ኸንቲባ ወይ ንኻልኦት ሰበ ስልጣን ንበጽሖም፣ ድሕሪኡ፡ ጽሑፋትና ንምዕዳል ናብ ተቐማጦ እታ ኸተማ ንኸይድ። ነቲ ኽልና ምስ ሸፈንናዮ ድማ፡ ናብታ ቐጺላ ዘላ ኸተማ ንጓዓዝ” በለ።

ኣብ ኮበ ዝነበሩ 36 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማ እዋን ዓብዪ ኣኼባ ዝገበሩሉ እዋን፡ “መዓልቲ ናእሽቱ ነገር” እዩ ነይሩ። (ዘካ. 4:10) ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ማለት ብ1932 ግና፡ 103 ኮልፖርተራትን ኣስፋሕትን ኣብ ጃፓን ልዕሊ 14,000 መጻሕፍቲ ኣበርከቱ። ሎሚ ኣብተን ሰብ ብብዝሒ ዚጓዓዘለን ዓበይቲ ኸተማታት ጃፓን፡ ብዚግባእ እተወደበ ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት ይካየድ ኣሎ፣ ኣስታት 220,000 ኣስፋሕቲ ድማ ኣብታ “ኣብ ምብራቕ ጸሓይ ዘላ ሃገር” ብርሃኖም የብርሁ ኣለዉ።—ኣብ ጃፓን ካብ ዚርከብ መዛግብትና።

እቲ ነተን “የሁ” ኣብ ቤት-ኤል ጃፓን ዚሰርሐን ዝነበረ ኪቺ ኢዋሳኪ ዝሰኣሎ