ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ጥቅምቲ 2014

ነቲ መዓይይቲ የሆዋ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ኣኽቢርካ ርኣዮ

ነቲ መዓይይቲ የሆዋ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ኣኽቢርካ ርኣዮ

“ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና።”1 ቈረ. 3:9

1. የሆዋ ብዛዕባ ዕዮ እንታይ እዩ ዚስምዖ፧ እዚኸ እንታይ ንኺገብር እዩ ዚድርኾ፧

የሆዋ ብዕዮኡ ዚሕጐስ ዓያዪ እዩ። (መዝ. 135:6፣ ዮሃ. 5:17) መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ተመሳሳሊ ሓጐስን ዕግበትን ምእንቲ ኺረኽቡ ድማ፡ ባህ ዜብልን ዜዕግብን ዕዮ ይህቦም እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ በዅሪ ወዱ ኣብ ዕዮ ፍጥረት ከም ዚካፈል ገይርዎ እዩ። (ቈሎሴ 1:15, 16 ኣንብብ።) መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጽኡ፡ ኣብ ሰማይ ክኢላ “ሰራሕተኛ” ዀይኑ ምስ ኣቦኡ ይዓዪ ኸም ዝነበረ ይሕብረና እዩ።—ምሳ. 8:30

2. መንፈሳውያን ፍጡራት ወትሩ ኣገዳስን ዜዕግብን ዕዮ ይዓይዩ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

2 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ የሆዋ ወትሩ ንመንፈሳውያን ደቁ ዕዮ ኸም ዚህቦም ዜርኢ ኣብነታት ይጠቅስ እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡን ካብ ገነት ምስ ተሰጕጉን፡ ኣምላኽ “ንምሕላው መገዲ ኦም ህይወት፡ . . . ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤድን ምስናይ እተምበልብል ሃልሃልታ ሴፍ፡ ኪሩቤል ኣቐመጠ።” (ዘፍ. 3:24) ብዘይካዚ፡ ራእይ 22:6፡ ‘እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ ነገር ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም፡ የሆዋ መልኣኹ ኸም ዝሰደደ’ ትገልጽ እያ።

 ደቂ ሰብከ፧

3. የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ንኣርኣያ ኣቦኡ ዝሰዓበ ብኸመይ እዩ፧

3 የሱስ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ተሓጒሱ ይፍጽሞ ነበረ። ንኣርኣያ ኣቦኡ ብምስዓብ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣገዳሲ ዕዮ ሃቦም። ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ዚፍጽምዎ ነገራት ብሃንቀውታ ምእንቲ ኺጽበይዎ ኸኣ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ ስለ ዘለኹ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ ንሱ እውን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት ኪገብር እዩ፣ ካብዚ ዚዓቢ ግብርታት እውን ኪገብር እዩ” በሎም። (ዮሃ. 14:12) እቲ ዕዮ ህጹጽ ምዃኑ ንምሕባር ድማ፡ “መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽንገብር ይግብኣና እዩ፣ ሓደ እኳ ኺዓይየላ ዘይክእል ለይቲ ትመጽእ ኣላ” በለ።—ዮሃ. 9:4

4-6. (ሀ) ኖህን ሙሴን ነቲ የሆዋ ዝሃቦም ዕዮ ብምፍጻሞም ከነመስግን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኵሉ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝሃቦም ዕዮታት፡ እንታይ ዜመሳስሎ ነገር ኣሎ፧

4 የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጽኡ እውን እንተ ዀነ፡ ደቂ ሰብ ኣዝዩ ዜዕግብ ዕዮ ነበሮም። ኣዳምን ሄዋንን ነቲ እተዋህቦም ዕዮ እኳ እንተ ዘይፈጸምዎ፡ ካልኦት ግና ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መምርሒ ፈጺሞምዎ እዮም። (ዘፍ. 1:28) ኖህ ንህይወት ሰባት ካብ ማይ ኣይሂ እተድሕን መርከብ ብኸመይ ከም ዚሰርሕ ዝርዝር መምርሒ ተዋህቦ። ነቲ የሆዋ ኺገብሮ ዝነገሮ ነገራት ድማ ብጥንቃቐ ፈጸሞ። ሳላ ጥንቃቐኡ ኸኣ ኢና ሎሚ ብህይወት እንነብር ዘለና።—ዘፍ. 6:14-16, 22፣ 2 ጴጥ. 2:5

5 ንሙሴ እውን እንተ ዀነ፡ እታ ማሕደር ብኸመይ ከም እትስራሕን ክህነት ብኸመይ ከም ዚውደብን ዚገልጽ ዝርዝር መምርሒታት ተዋሂብዎ እዩ፣ ልክዕ ከምቲ እተነግሮ ድማ ገበረ። (ዘጸ. 39:32፣ 40:12-16) ካብቲ ሙሴ ንዕዮኡ ንምፍጻም ዘርኣዮ ተኣማንነት፡ ሎሚ እውን ጥቕሚ ንረክብ ኢና። ብኸመይ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ገሊኡ መዳያት ሕጊ ሙሴ፡ ጽላሎት “እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገራት” ከም ዝዀነ ገሊጹ ነበረ።—እብ. 9:1-5, 9፣ 10:1

6 ዕላማ ኣምላኽ እናዓበየ ኪኸይድ ከሎ፡ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ እተፈላለየ ዕዮ እዩ ዚህቦም። ኰይኑ ግና፡ እቲ ዕዮ ወትሩ ንየሆዋ ዜኽብሮን ንደቂ ሰብ ዚጠቅምን እዩ። የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጽኡ ዀነ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝዓየዮ ዕዮ፡ ልክዕ ከምኡ እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 4:34፣ 17:4) ብተመሳሳሊ፡ እቲ ሎሚ ንዓና እተዋህበና ዕዮ እውን እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ የኽብሮ እዩ። (ማቴ. 5:16፣ 1 ቈረንቶስ 15:58 ኣንብብ።) ብኸመይ፧

ብዛዕባ ዕዮኻ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

7, 8. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ሎሚ ክርስትያናት ዚዓይዎ ዘለዉ ዕዮ ግለጽ። (ለ) ንመምርሒ የሆዋ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህበሉ ዚግብኣና፧

7 የሆዋ ንዘይፍጹማት ደቂ ሰብ መዓይይቱ ዀይኖም ንኼገልግሉ ምዕዳሙ ዓብዪ ኽብሪ እዩ። (1 ቈረ. 3:9) ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ልክዕ ከም ኖህን ሙሴን፡ መአከቢ ዓብዪ ኣኼባን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ኣብ ምህናጽ ይካፈሉ እዮም። ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽጋን ወይ ከኣ ነቲ ኣብ ዎርዊክ፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ምህናጽ ትካፈል እንተ ኣሊኻ፡ ንዕዮኻ ኣኽቢርካ ርኣዮ። (ኣብ ገጽ 23 ዘላ ስእሊ ርአ።) ከመይሲ፡ እቲ ዕዮ፡ ቅዱስ ኣገልግሎት እዩ። ይኹን እምበር፡ ክርስትያናት መብዛሕትኡ እዋን ኣብ መንፈሳዊ ህንጸት ንኺካፈሉ እዮም ጻውዒት ቀሪቡሎም ዘሎ። እዚ ዕዮ እዚ እውን እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ዜኽብርን ንእዙዛት ደቂ ሰብ ዚጠቅምን እዩ። (ግብ. 13:47-49) ብውድብ ኣምላኽ ኣቢሉ ድማ፡ እቲ ዕዮ ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ኺዕየ ኸም ዚኽእል፡ ግቡእ መምርሒ ይውሃብ እዩ። እዚ ኸኣ ሓድሓደ ግዜ፡ ሓድሽ ዕዮ ምቕባል ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ።

8 እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ወትሩ ንቲኦክራስያዊ መምርሒ ብታሕጓስ እዮም ዚግዝእዎ። (እብራውያን 13:7, 17 ኣንብብ።) ሓድሓደ ሳዕ፡ ነቲ እንዓይየሉ መገዲ ምሉእ ብምሉእ ኣይንርድኦን  ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ምስ ዝዀነ ይኹን የሆዋ ዚገብሮ ምትዕርራይ ምትሕብባር ብዛዕባ ዜምጽኦ ጥቕሚ ምሉእ ብምሉእ ንፈልጥ ኢና።

9. ንዕዮ ብዚምልከት፡ ሽማግለታት ንጉባኤታት ኣርኣያ ዚዀኑ ብኸመይ እዮም፧

9 ሽማግለታት በቲ ንጉባኤታት ዚመርሑሉ መገዲ፡ ፍቓድ የሆዋ ናይ ምፍጻም ባህጊ ኸም ዘለዎም የርእዩ እዮም። (2 ቈረ. 1:24፣ 1 ተሰ. 5:12, 13) ኣበርቲዖም ንኺዓይዩን ምስ ኵነታት ብዚሰማማዕ መገዲ ለውጢ ንኺገብሩን ፍቓደኛታት እዮም። እቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዚዕየየሉ መገዲ ብሓድሽ መልክዕ ኪቕየር ከሎ፡ ንሳቶም እውን ብሃንቀውታ ምትዕርራይ ይገብሩ እዮም። ገሊኦም ኣብ ፈለማ ነቲ ብተሌፎን፡ ኣብ ወደባት፡ ወይ ከኣ ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት ኣብ ምውዳብ ሰጋእ መጋእ እኳ እንተ በሉ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ግና ጽቡቕ ውጽኢት ረኺቦም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ጀርመን ዚነብሩ ኣርባዕተ ፈለምቲ፡ ብዙሕ እዋን ሸለል ተባሂሉ ኣብ ዝነበረ ቦታታት ንግዲ ኼገልግሉ ወሰኑ። ሚኻኤል፡ “ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ኻብ እንካፈል ሓያሎ ዓመታት ስለ ዝሓለፈ፡ ቍሩብ ተጨኒቕና ነበርና። የሆዋ ድማ ንስግኣትና ዝፈለጦ እዩ ዚመስል፣ ከመይሲ፡ ፈጺምካ ዘይርሳዕን ባህ ዜብልን ኣገልግሎት ንኸነገልግል ኣኽኢሉና እዩ። ነቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸ መምርሒ ምስዓብናን ደገፍ ምእንቲ ኺህበና ኣብ የሆዋ ምውካልናን ኣሐጕሱና እዩ” በለ። ንስኻኸ ኣብ ክልኻ ሓድሽ መዳያት ኣገልግሎት ንኽትጅምር ትህንጠ ዲኻ፧

10. ኣብ ቀረባ እዋናት፡ እንታይ ውድባዊ ምትዕርራይ እዩ ተገይሩ፧

10 ሓድሓደ ግዜ፡ ውድባዊ ምትዕርራይ ኪግበር ይኽእል እዩ። ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ሓያሎ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ሓደ ተጠርኒፈን እየን። ከምዚ ዓይነት ለውጢ፡ ነቶም ኣብተን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ዜገልግሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ምትዕርራይ ንኺገብሩ ዜገድዶም እኳ እንተ ዀነ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግና ጥቕሚ እቲ ለውጢ ንዅላቶም ንጹር ይዀነሎም እዩ። (መክ. 7:8) እቶም ፍቓደኛታት ዓየይቲ፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ህዝቢ የሆዋ ግደ ኺህልዎም ምኽኣሉ ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሶም።

11-13. ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ብምኽንያት ውድባዊ ምትዕርራይ፡ እንታይ ብድሆ እዩ ኣጋጢምዎም፧

11 ሓያሎ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ሓደ ኺጥርነፋ ኸለዋ ኣባታተን ዜገልግሉ ኻብ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ገሊኣቶም ኣብቲ ዝነበሩሉ ቤት-ኤል ንዓሰርተታት ዓመታት እዮም ኣገልጊሎም። ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ስድራ ቤት-ኤል ዜገልግሉ ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ካብቲ ዝነበርዎ ዳርጋ ብ30 ዕጽፊ ናብ ዚዓቢ ኣብ መክሲኮ ዚርከብ ቤት-ኤል ኪግዕዙ ጻውዒት ቀረበሎም። ሮሄልዮ፡ “ንስድራ ቤትካን ንፈተውትኻን ሓዲግካ ምኻድ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ ነይሩ” በለ። ኹዋን ዝስሙ ናብ መክሲኮ ኺግዕዝ ጻውዒት ዝቐረበሉ ኻልእ ሓው ድማ፡ “ዳርጋ ኻልኣይ ሳዕ እተወለድኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ፣ ሓድሽ ርክብ ኢኻ ኽትምስርት ዘሎካ። እዚ ኸኣ ሓድሽ ባህልን ሓድሽ ኣተሓሳስባን ምልማድ ዚሓትት እዩ” በለ።

12 ኣብ ገሊአን ሃገራት ኤውሮጳ ዝነበሩ ግናኸ ናብቲ ኣብ ጀርመን ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪግዕዙ ጻውዒት ዝቐረበሎም ቤት-ኤላውያን እውን፡ በዳሂ ዅነታት ኣጋጢምዎም እዩ። ኣኽራን ዚፈቱ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ እቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ግርማ ዝመልኦ ኣኽራን ኣልፕስ ሓዲጎም ኪኸዱ ኽሳዕ ክንደይ ኪኸብዶም ከም ዚኽእል ኪርዳእ ይኽእል እዩ። እቶም ኣብ ኦስትርያ ዝነበሩ ኣሕዋት እውን እንተ ዀኑ፡ ኣብ ፈለማ ነቲ ኣብ ሃገሮም ዝለመድዎ ህድእ ዝበለ ናብራ ናፊቖምዎ ነይሮም እዮም።

13 እቶም ናብ ካልእ ሃገር ዚግዕዙ ኣሕዋት፡ ንሓድሽ መንበሪ ኺለምዱ፡ ምስ ዘይፈልጥዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ኪሰርሑ፡ ምናልባት እውን እተፈልየ ዓይነት ዕዮ ኺዓይዩ የድልዮም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሓድሽ ጉባኤ፡ ምናልባት እውን ብኻልእ ቋንቋ ንዚዕየ ሓድሽ ክሊ ኣገልግሎት ኪለምዱ ነበሮም። ከምዚ ዓይነት ለውጢ ምግባር ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ቤት-ኤላውያን ነቲ ለውጢ ተቐቢሎምዎ እዮም። ስለምንታይ፧

14, 15. (ሀ) ብዙሓት ኣሕዋት ነቲ መዓይይቲ የሆዋ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ኣኽቢሮም ከም ዚርእይዎ ብተግባር ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) እቶም ኣሕዋት ንዓና ሰናይ ኣብነት ዚዀኑና ብኸመይ እዮም፧

14  ግሪተል፡ “ነቲ ጻውዒት እተቐበልኩሉ ምኽንያት፡ ንየሆዋ ዘላትኒ ፍቕሪ ብሃገር፡ ብህንጻ፡ ወይ ብገለ ዓይነት ፍሉይ መሰል እትግደብ ከም ዘይኰነት ንየሆዋ ምእንቲ ኸርእዮ ኢለ እየ” በለት። ዳኢስካ ድማ፡ “እቲ ጻውዒት ካብ የሆዋ ምዃኑ ምስ ተገንዘብኩ፡ ተሓጒሰ ተቐበልክዎ” በለት። ኣንድሬን ጋብሪኤላን እውን ምስዚ ይሰማምዑ እዮም፣ ከምዚ ድማ በሉ፦ “ንውልቃዊ ባህግና ሓዲግና፡ ንየሆዋ ኸም እነገልግለሉ ተወሳኺ ኣጋጣሚ ጌርና ኢና ርኢናዮ። ንገዛእ ርእስና፡ ‘ምስ ኣገልግሎት የሆዋ ብዚተሓሓዝ ናይ ለውጢ ንፋስ ኪነፍስ ከሎ፡ መጋረዲ ኽንሃንጽ ዘይኰነስ፡ ጋንጽላና ኸነተዓራሪ እዩ ዚግብኣና’ በልናያ።”

እቲ ዝዓበየ ፍሉይ መሰል፡ ዕዮ የሆዋ ምዕያይ እዩ

15 ሓያሎ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ሓደ ስለ እተጠርነፋ፡ ገሊኦም ቤት-ኤላውያን ፈለምቲ ዀይኖም ንኼገልግሉ ተመዲቦም እዮም። ኣብ ሽወደንን ኖርወይን ደንማርክን ዝነበረ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ስካንዲናቭያ ንምቛም ኣብ ሓደ ምስ ተጠርነፈ፡ ከምኡ እዩ ኣጋጢሙ። ካባታቶም ንፍሎርያንን ኣንያን ክንጠቅስ ንኽእል ኢና፣ ከምዚ በሉ፦ “ነቲ ሓድሽ ምድብና፡ ከም ዜሀንጢ ዕዮ ጌርና ረኣናዮ። ንዓና ብዝያዳ ዜገድሰና፡ እነገልግለሉ ቦታ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ይጥቀመልና ምህላዉ እዩ። የሆዋ ኣብዚሑ ኸም ዝባረኸና፡ ካብ ልብና ኽንምስክር ንኽእል ኢና።” መብዛሕትና ኸምዚ ዓይነት ለውጢ ኽንገብር ዘየድልየና እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ እቶም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንምሃብ ዘርኣይዎ ፍቓደኛነት ክንቀድሖ ኣይግብኣናንዶ፧ (ኢሳ. 6:8) የሆዋ ነቶም ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዀይኖም፡ ነቲ ምስኡ ናይ ምዕያይ ፍሉይ መሰል ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ሰባት፡ ወትሩ ይባርኾም እዩ።

በቲ መዓይይቲ የሆዋ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ወትሩ ተሓጐስ

16. (ሀ) ገላትያ 6:4 እንታይ ንኽንገብር እያ እትነግረና፧ (ለ) ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪረኽቦ ኻብ ዚኽእል ፍሉይ መሰል እቲ ዝበለጸ እንታይ እዩ፧

16 ዘይፍጹማት ሰባት ንገዛእ ርእሶም ምስ ካልእ የወዳድሩ እዮም፣ ኰይኑ ግና፡ ቃል ኣምላኽ፡ ኣብቲ ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ከነተኵር እዩ ዚነግረና። (ገላትያ 6:4 ኣንብብ።) መብዛሕትና ኣብ ውድብ ኣምላኽ፡ ሓላፍነት ኣይህልወናን ይኸውን። ብዘይካዚ፡ ፈለምቲ፡ ሚስዮናውያን፡ ወይ  ቤት-ኤላውያን ክንከውን እንኽእል፡ ኵላትና ኣይኰንናን። እዚ እተጠቕሰ ዕዮ እዚ፡ ፍሉይ መሰል ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪረኽቦ ኻብ ዚኽእል ፍሉይ መሰል እቲ ዝበለጸ፡ እቲ ንዅላትና እተዋህበና ፍሉይ መሰል እዩ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት መዓይይቲ የሆዋ ምዃን እዩ። ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ኢና ኣኽቢርና ኽንርእዮ ዘሎና።

17. እዛ ሰይጣን ዚቈጻጸራ ዓለም ክሳዕ ዘላ፡ እንታይ እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧ እዚ ተስፋ ኬቝርጸና ዘይብሉ ግና ስለምንታይ እዩ፧

17 እዛ ሰይጣን ዚቈጻጸራ ዓለም ክሳዕ ዘላ፡ ንየሆዋ ኸምቲ እንደልዮ ጌርና ኣይነገልግሎን ንኸውን። ሓላፍነት ስድራ ቤት ወይ ኵነታት ጥዕና ወይ ካልእ ነገራት ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ በዚ ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ክንምስክርን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንዛረብን ስለ እንኽእል፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ንኽንዓዪ ዘሎና ዓቕሚ ኣትሒትና ኽንርእዮ የብልናን። እቲ ብቐንዱ ዜገድስ፡ ብዚከኣለካ ዓቕሚ ምስኡ ምዕያይካ፡ የሆዋ ነቶም ካባኻ ንላዕሊ ኺገብሩ ዚኽእሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ንኺባርኾም ድማ ምጽላይካ እዩ። ንስም የሆዋ ዚውድስ ዘበለ ሰብ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡር ምዃኑ ኣይትረስዕ።

18. ደድሕሪ እንታይ ኢና ኽንጐዪ ዘይብልና፧ ስለምንታይከ፧

18 ድኽመትን ዘይፍጽምናን እኳ እንተ ሃለወና፡ የሆዋ ተሓጒሱ ኸም መዓይይቱ ገይሩ ይጥቀመልና እዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ነቲ መዓይይቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኣሎና። ስለዚ፡ ደድሕሪ እቲ ብውልቂ እንደልዮ ነገራት ካብ ምጕያይ ንኸነቋርጽ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና፣ ከመይሲ፡ ከምኡ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ሓጐስን ሰላምን ዝመልኦ “ናይ ሓቂ ህይወት፡” ማለት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ ኬኽእለና እዩ።—1 ጢሞ. 6:18, 19

ነቲ ንየሆዋ ንኸተገልግሎ ዝረኸብካዮ ፍሉይ መሰል ኣኽቢርካ ትርእዮ ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16-18 ርአ)

19. የሆዋ ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ኣዳልዩልና ዘሎ፧

19 ኣብ ድርኵዂት ሓዳስ ዓለም ስለ ዘለና፡ ሙሴ ንእስራኤላውያን ቀቅድሚ ናብ ምድሪ ተስፋ ምእታዎም እንታይ ከም ዝበሎም ሕሰብ፣ ንሱ፡ “እግዚኣብሄር ብዅሉ ተግባር ኢድካ . . . ኪመልኣካ እዩ” በሎም። (ዘዳ. 30:9, 10) ድሕሪ ኣርማጌዶን፡ እቶም ምስ ኣምላኽ ኰይኖም ኣብ ምዕያይ ትሑዛት ዝነበሩ ሰባት፡ ነታ ኣምላኽ እተመባጽዓሎም ምድሪ ኺወርስዋ እዮም። ድሕሪኡ፡ ኣብ ሓድሽ ዕዮ፡ ማለት ንምድሪ ምልክዕቲ ገነት ኣብ ምግባር ከነተኵር ኢና።