ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)  |  ጥቅምቲ 2014

“መንግስቲ ኻህናት” ክትኰኑ ኢኹም

“መንግስቲ ኻህናት” ክትኰኑ ኢኹም

“መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም።” —ዘጸ. 19:6

1, 2. ዘርኢ እታ ሰበይቲ እንታይ ዕቝባ እዩ ዜድልዮ ነይሩ፧ ስለምንታይከ፧

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ መጀመርታ ትንቢት፡ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ዓብዪ ትርጕም ኣለዎ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ኤድን ዝኣተዎ መብጽዓ ኼውስኦ ኸሎ፡ “ኣብ መንጎኻን [ኣብ መንጎ ሰይጣንን] ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ” በለ። እቲ ጽልኢ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ብርቱዕ፧ የሆዋ፡ “ንሱ [ዘርኢ እታ ሰበይቲ] ርእስኻ [ርእሲ ሰይጣን] ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በለ። (ዘፍ. 3:15) እቲ ኣብ መንጎ እቲ ተመንን እታ ሰበይትን እተተኽለ ጽልኢ ኣዝዩ ብርቱዕ ስለ ዝዀነ፡ ሰይጣን ንዘርኣ ንምጥፋእ ዚከኣሎ እዩ ዚገብር።

2 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ፡ “እንሆ፡ ጸላእትኻ የውክዑ፡ ዚጸልኡኻውን ርእሶም የልዕሉ አለዉ እሞ፡ ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፡ ነቶም እትጋርዶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ይማኸሩሎም አለዉ። . . . ንዑ፡ ነጽንቶም፡ ይብሉ አለዉ” ኢሉ ምጽላዩ ኣየገርምን እዩ። (መዝ. 83:2-4) መስመር ወለዶ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ንኸይጸንትን ንኸይበላሾን ዕቝባ የድሊ ነበረ። የሆዋ ነቲ ዘርኢ ንኼዕቍቦን ዕላማኡ ንኺፍጽምን ካልእ ተወሳኺ መሰናድዎታት ገበረ።

 ነቲ ዘርኢ ዜዕቍብ ኪዳን

3, 4. (ሀ) ኪዳን ሕጊ ሙሴ መዓስ እዩ ኺዓዪ ጀሚሩ፧ ህዝቢ እስራኤልከ እንታይ ንኺገብሩ እዮም ተሰማሚዖም፧ (ለ) ኪዳን ሕጊ ሙሴ እንታይ ንምክልኻል እዩ ቘይሙ፧

3 ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እናሰሰኑ ብምኻድ ሚልዮናት ምስ ኰኑ፡ የሆዋ ኸም ህዝቢ፡ ማለት ጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል ገይሩ ኣቘሞም። ብሙሴ ኣቢሉ ኸኣ፡ ምስኣቶም ፍሉይ ኪዳን ኣተወ። ሕጊ ድማ ሃቦም፡ ንሳቶም እውን ነቲ ሕጊ ንኺእዘዝዎ ተሰማምዑ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ፦ “[ሙሴ] ነቲ መጽሓፍ ኪዳን ወሲዱ . . . ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ ኣንበቦ። ንሳቶም ከኣ እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር፡ ንእዘዝ ድማ፡ በሉ። ሙሴ ኸኣ ነቲ ደም [እቶም እተሰውኡ ዝራብዓት] ወሲዱ ናብ ህዝቢ ነጸጎ እሞ፡ እቲ ደም ኪዳን እግዚኣብሄር ብዅለን እዘን ቃላት እዚኤን ምሳኻትኩም ዝገበሮ እንሆ፡ በለ።”—ዘጸ. 24:3-8

4 ኪዳን ሕጊ ሙሴ ብ1513 ቅ.ክ. ኣብ ከረን ሲና እዩ ኺዓዪ ጀሚሩ። በቲ ኺዳን እቲ ኸኣ ጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል፡ ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ኰይኖም ተፈልዩ። የሆዋ ‘ፈራዲኦም፡ ሓጋግ ሕጎም፡ ንጉሶም’ ኰነ። (ኢሳ. 33:22) ታሪኽ እስራኤል፡ እቲ ጻድቕ ስርዓታት ኣምላኽ ኪሕሎ ኸሎን ኪጠሓስ ከሎን እንታይ የጋጥም ከም ዝነበረ ይገልጽ እዩ። እቲ ሕጊ እቲ፡ እስራኤላውያን ምስ ኣረማውያን ንኸይዋሰቡን ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ንኸይካፈሉን ይኽልክል ስለ ዝነበረ፡ መስመር ወለዶ ኣብርሃም ንኸይበላሾ ተባሂሉ እዩ ተሓጊጉ።—ዘጸ. 20:4-6፣ 34:12-16

5. (ሀ) ኪዳን ሕጊ ሙሴ ንእስራኤላውያን እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ኸፊቱሎም፧ (ለ) ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝነጸጎም ስለምንታይ እዩ፧

5 ኪዳን ሕጊ ሙሴ፡ ስርዓት ክህነት እውን ሂቡ እዩ፣ እዚ ድማ ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ዝዓበየ ስርዓት እዩ ነይሩ። (እብ. 7:11፣ 10:1) እስራኤላውያን ንሕግታት የሆዋ እንተ ተኣዚዞም፡ በቲ ኺዳን እቲ ኣቢሎም “መንግስቲ ኻህናት” ንኪዀኑ ፍሉይ ኣጋጣምን ፍሉይ መሰልን ረኺቦም ነበሩ። (ዘጸኣት 19:5, 6 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ነቲ ዚድለ ብቕዓት ኣየማልኡን። ነቲ ቐንዲ ኽፋል ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀነ መሲሕ ኣብ ክንዲ ብኽብሪ ዚቕበልዎ፡ ነጸግዎ። ኣምላኽ ድማ ነጸጎም።

እስራኤላውያን እኳ እንተ ዘይተኣዘዙ፡ ኪዳን ሕጊ ሙሴ ግና ጕድለት ኣይነበሮን (ሕጡብ ጽሑፍ 3-6 ርአ)

6. ኪዳን ሕጊ ሙሴ እንታይ እዩ ዓሚሙ፧

6 እስራኤላውያን ንየሆዋ እሙናት ብዘይምዃኖም፡ መንግስቲ ኻህናት ኪዀኑ ኣይከኣሉን። እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ሕጊ ሙሴ ጕድለት ነይርዎ ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ፡ እቲ ሕጊ ነቲ ዘርኢ ኣዕቊብዎ እዩ፡ ንሰባት ከኣ ናብ መሲሕ መሪሕዎም እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ክርስቶስ ምስ መጸን ምስ ተለለየን፡ እቲ ሕጊ ሸቶኡ ወቒዑ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ክርስቶስ መወዳእታ ሕጊ እዩ” ይብል። (ሮሜ 10:4) ኰይኑ ግና፡ ‘መንግስቲ ኻህናት ንኪዀኑ ኣጋጣሚ ዚውሃቦም ደኣ እሞ ንመን እዩ፧’ ዚብል ሕቶ ኺለዓል ይኽእል እዩ። የሆዋ ኣምላኽ፡ ሓድሽ ህዝቢ ንኬቕውም ካልእ ሕጋዊ ውዕል ገበረ።

ሓድሽ ህዝቢ ይቐውም

7. የሆዋ ብዛዕባ ሓድሽ ኪዳን ብኤርምያስ ኣቢሉ እንታይ እዩ ተነብዩ፧

7 ኪዳን ሕጊ ሙሴ ቕድሚ ምስራዙ ነዊሕ ይገብር፡ የሆዋ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ፡ ምስ ህዝቢ እስራኤል “ሓድሽ ኪዳን” ከም ዝኣቱ ተነበየ። (ኤርምያስ 31:31-33 ኣንብብ።) እቲ ኺዳን እቲ ኻብ ኪዳን ሕጊ ሙሴ ዚፍለ፡ ብዘይ መስዋእቲ እንስሳታት፡ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚርከብ ምግባሩ እዩ። ነዚ ኺገብሮ ዚኽእል ግና ብኸመይ እዩ፧

8, 9. (ሀ) እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ እንታይ እዩ ዚዓምም፧ (ለ) ነቶም ኣብ ሓድሽ ኪዳን እቱዋት ዝዀኑ ሰባት እንታይ ኣጋጣሚ እዩ እተኸፍተሎም፧ (ኣብ ገጽ 13 ዘላ ስእሊ ርአ።)

8 ዘመናት ጸኒሑ ኸኣ የሱስ ብ14 ኒሳን 33 ድ.ክ. ድራር ጐይታ ሰርዐ። ነቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ብዛዕባ ጽዋእ ወይኒ፡ “እዛ ጽዋእ እዚኣ፡ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ደመይ ዚግበር ሓድሽ ኪዳን ማለት እያ” በሎም። (ሉቃ. 22:20) ማቴዎስ ከኣ፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ ወይኒ፡ “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ናተይ ‘ደም ኪዳን’ ማለት እዩ” ኸም ዝበለ መዝጊቡ ኣሎ።—ማቴ. 26:27, 28

9 እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ፡ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ኣጽኒዕዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ደም እቲ፡ ሓንሳእን ንሓዋሩን ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚርከብ ገይሩ እዩ። የሱስ ተሳታፊ እቲ ሓድሽ ኪዳን ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ሓጢኣት ስለ ዘይብሉ፡ ሕድገት ኣየድልዮን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንዋጋ እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ኣብ ዘርኢ ኣዳም ከም ዚዓዪ ኺገብር ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ ንገለ ውፉያት ውልቀ ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ብምቕባእ ‘ውሉዳቱ’ ገይሩ ርዒምዎም ወይ ተቐቢልዎም እዩ። (ሮሜ 8:14-17 ኣንብብ።) የሆዋ ነዞም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ፡ ከምቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ወዱ የሱስ ገይሩ እዩ ዚርእዮም። እዞም ቅቡኣት እዚኦም፡ ‘ንክርስቶስ መዋርስቱ’ እዮም፣ “መንግስቲ ኻህናት” ኰይኖም ናይ ምግልጋል ኣጋጣምን ፍሉይ መሰልን እውን ኣለዎም። እዚ “መንግስቲ ኻህናት” ኴንካ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል እዚ፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ኺዳን ሕጊ ሙሴ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኪረኽብዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ መሰል እዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ‘መዋርስቲ ክርስቶስ’ ኪገልጽ ከሎ፡ “ንስኻትኩም ግና ናይቲ ኻብ ጸልማት ናብ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ‘ብሉጽነት ምእንቲ ኽትእውጁ፡ ሕሩይ ዓሌት፡ ንጉሳዊ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ፍሉይ ጥሪት ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም’” በለ። (1 ጴጥ. 2:9) እወ፡ ሓድሽ ኪዳን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ፡ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካልኣይ ክፋል ዘርኢ ኣብርሃም ንኪዀኑ ኣኽኢልዎም እዩ።

ሓድሽ ኪዳን ኪዓዪ ይጅምር

10. ሓድሽ ኪዳን መዓስ እዩ ኺዓዪ ጀሚሩ፧ ክሳዕ ሽዑ ዘይዓየየኸ ስለምንታይ እዩ፧

10 ሓድሽ ኪዳን መዓስ እዩ ኺዓዪ ጀሚሩ፧ ኣብታ የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፈላ ናይ መወዳእታ ምሸት ብዛዕባዚ ኣብ ዝጠቐሰሉ ህሞት ኣይኰነን ጀሚሩ። ሓድሽ ኪዳን ንኺዓዪ፡ ደም የሱስ ኪፈስስ፡ ዋጋኡ ድማ ኣብ ሰማይ ንየሆዋ ኪቐርብ የድሊ ነበረ። ብዘይካዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ‘ንክርስቶስ መዋርስቱ’ ዝዀኑ ሰባት ኪፈስስ የድሊ ነበረ። ስለዚ፡ ሓድሽ ኪዳን ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብኡ እዩ ኺዓዪ ጀሚሩ።

11. ሓድሽ ኪዳን ንኣይሁድን ንኣህዛብን ክፍሊ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ከም ዝዀኑ ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን እቱዋት ዝዀኑ ኽንደይ እዮም፧

11 የሆዋ ምስ እስራኤላውያን ሓድሽ ኪዳን ከም ዚኣቱ ብኤርምያስ ኣቢሉ ኣብ ዝነገረሉ እዋን፡ እቲ ቐዳማይ ዝዀነ ኺዳን ሕጊ ሙሴ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ እኳ እንተ ‘ኣረገ፡’ ኺዳን ሓድሽ ኪዳን ዕዮኡ ኽሳዕ ዚጅምር ግና ቐጺሉ እዩ። (እብ. 8:13) እቲ ሓድሽ ኪዳን ዕዮኡ ኻብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ድማ፡ ኣምላኽ ንኣይሁድን ንዘይተገዝሩ ኣህዛብን ብማዕረ ኺርእዮም ጀመረ። ከመይሲ፡ “ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እዩ እምበር፡ ብጽሑፍ ሕጊ ኣይኰነን።” (ሮሜ 2:29) ኣምላኽ ምስ ኣይሁድን ምስ ዘይተገዝሩ ኣህዛብን ሓድሽ ኪዳን ብምእታዉ፡ ‘ንሕግታቱ ኣብ  ኣእምሮኦም የእትዎ፡ ኣብ ልቦም እውን ይጽሕፎ እዩ።’ (እብ. 8:10) ቍጽሪ እቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን እቱዋት ዝዀኑ ቕቡኣት፡ 144,000 እዩ። እዞም ቅቡአት እዚኦም ብሓባር ኰይኖም፡ ሓድሽ ህዝቢ፡ ማለት “ናይ ኣምላኽ እስራኤል፡” ወይ መንፈሳውያን እስራኤል የቝሙ እዮም።—ገላ. 6:16፣ ራእ. 14:1, 4

12. ኪዳን ሕጊ ሙሴን ሓድሽ ኪዳንን ብኸመይ እዩ ዚመሳሰል፧

12 ኪዳን ሕጊ ሙሴን ሓድሽ ኪዳንን ብኸመይ እዩ ዚመሳሰል፧ ኪዳን ሕጊ ሙሴ ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎ ብስጋ እስራኤላውያንን እተኣትወ እዩ ነይሩ፣ ሓድሽ ኪዳን ከኣ ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎ ብመንፈስ እስራኤላውያንን እተኣትወ እዩ። ሙሴ ማእከላይ እቲ ቐዳማይ ኪዳን እዩ ነይሩ፣ የሱስ ከኣ ማእከላይ እቲ ሓድሽ ኪዳን እዩ። ኪዳን ሕጊ ሙሴ ብደም እንስሳ እዩ ዚጸንዕ ነይሩ፣ ሓድሽ ኪዳን ከኣ ብደም የሱስ እዩ ዚጸንዕ። እቶም ኣብ ትሕቲ ኺዳን ሕጊ ሙሴ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል ብሙሴ ተወዲቦም ነይሮም እዮም፣ እቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን እቱዋት ዚዀኑ ድማ በቲ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እተወደቡ እዮም።—ኤፌ. 1:22

13, 14. (ሀ) ሓድሽ ኪዳን ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) መንፈሳውያን እስራኤል ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኪገዝኡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

13 ሓድሽ ኪዳን ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ኺዳን እዚ፡ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ነገስታትን ካህናትን ኪዀኑ መሰል ዘለዎም ቅዱስ ህዝቢ ኣቚሙ እዩ። እቲ ቕዱስ ህዝቢ ኸኣ፡ ካልኣይ ክፋል ዘርኢ ኣብርሃም የቕውም እዩ። (ገላ. 3:29) ስለዚ እምበኣር፡ ሓድሽ ኪዳን ነቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን ዜደልድሎ እዩ።

14 ሓድሽ ኪዳን፡ ብመንፈስ እስራኤላውያን ኣቚሙ፡ ‘ንክርስቶስ መዋርስቱ’ ኪዀኑ ሕጋዊ መሰረት ኣንቢሩሎም እዩ። ይኹን እምበር፡ ብመንፈስ እስራኤላውያን ምስ ክርስቶስ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ኣብ ሰማይ ኪገዝኡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ካልእ ሕጋዊ ውዕል ነዚ ፈቒዱ ኣሎ።

ካልኦት ምስ ክርስቶስ ንኺገዝኡ መገዲ ዝኸፈተ ኺዳን

15. የሱስ ምስቶም እሙናት ሃዋርያቱ እንታይ ኪዳን እዩ ኣትዩ፧

15 የሱስ ድራር ጐይታ ምስ ሰርዐ፡ ምስቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ኺዳን አተወ፣ እዚ ኺዳን እዚ፡ ኪዳን መንግስቲ ይብሃል። (ሉቃስ 22:28-30 ኣንብብ።) ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝረአናዮ ኺዳናት፡ የሆዋ ሓደ ኻብቶም ተሳተፍቲ እዩ ነይሩ። ኪዳን መንግስቲ ግና ኣብ መንጎ የሱስን ኣብ መንጎ ቕቡኣት ሰዓብቱን እተገብረ ብምዃኑ፡ የሆዋ ኣብዚ ኺዳን እዚ ተሳታፊ ኣይኰነን። የሱስ፡ “ከምቲ ኣቦይ ምሳይ ኪዳን መንግስቲ ዝገበረ” ኺብል ከሎ፡ ነቲ የሆዋ፡ “ከም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን” ኪኸውን ኢሉ ምስኡ ዚኣተዎ ኺዳን ይጠቅስ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—እብ. 5:5, 6

16. ኪዳን መንግስቲ ንቕቡኣት ክርስትያናት እንታይ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ኸፊቱሎም፧

16 እቶም ዓሰርተው ሓደ እሙናት ሃዋርያት ‘ብፈተና የሱስ ምስኡ ተዓጊሶም’ እዮም። ብመሰረት ኪዳን መንግስቲ ኸኣ፡ እቶም ዓሰርተው ሓደ እሙናት ሃዋርያት ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ከም ዚዀኑን ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ንኼገልግሉ ኣብ ዝፋናት ከም ዚቕመጡን ተረጋጊጹሎም እዩ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ዚረኽብዎ እቶም ዓሰርተው ሓደ እሙናት ሃዋርያት ጥራይ ኣይኰኑን። እቲ ግርማ ዝለበሰ የሱስ ንሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ ተራእዮ እሞ፡ “ከምቲ ኣነ እውን ዝሰዓርኩን ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩን፡ ነቲ ዚስዕር፡ ምሳይ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ ክፈቕደሉ እየ” በሎ። (ራእ. 3:21) ስለዚ፡ ኪዳን መንግስቲ ምስቶም 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት እውን እዩ ተገይሩ። (ራእ. 5:9, 10፣ 7:4) እዚ ኺዳን መንግስቲ እዚ፡ እቶም 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት ምስ የሱስ ኰይኖም ኣብ ሰማይ ንኺገዝኡ ሕጋዊ መሰረት ዜቕውም እዩ። እዚ ኸኣ ንሓደ ንጉስ ንኽትምርዖ ምስ እተመርጸት መርዓት ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። እታ መርዓት ነቲ ንጉስ ምስ ተመርዓወቶ፡ ምስኡ ዀይና ኽትገዝእ ትኽእል እያ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንቕቡኣት  ክርስትያናት “መርዓት” ክርስቶስ ከምኡ እውን ንክርስቶስ እተሓጽየት “ንጽህቲ ድንግል” ከም ዚዀኑ ገይሩ ይጠቕሶም እዩ።—ራእ. 19:7, 8፣ 21:9፣ 2 ቈረ. 11:2

ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ድልድልቲ እምነት ትሃሉኻ

17, 18. (ሀ) ነቲ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ እተተሓሓዘ ሽዱሽተ ኺዳናት ግለጾ። (ለ) ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ከነሕድር እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

17 ኣብዘን ክልተ ዓንቀጻት እዚአን ዝረኣናዮ ኺዳናት ምስ ሓደ ወይ ዝያዳ ኣገዳሲ መዳያት መንግስቲ ኣምላኽ እተተሓሓዘ እዩ። (“ኣምላኽ ዕላማኡ ብኸመይ ከም ዚፍጽም” ዘርእስቱ ሰሌዳ ርአ።) እዚ ሓቂ እዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ጽኑዕ ሕጋዊ ውዕላት ከም እተመስረተት ዚሕብር እዩ። ስለዚ፡ መሲሓዊት መንግስቲ፡ ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ ምድርን ብዛዕባ ደቂ ሰብን ኣብ መጀመርታ ዝገበሮ ዕላማ ንኺፍጽም ዚጥቀመላ መሳርሒት ምዃና፡ ምሉእ ብምሉእ ከም እንተኣማመን ዚገብረና ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።—ራእ. 11:15

የሆዋ ብመሲሓዊት መንግስቲ ኣቢሉ ነቲ ብዛዕባ ምድሪ ዝገበሮ ዕላማ ኺፍጽሞ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 15-18 ርአ))

18 መንግስቲ ኣምላኽ በቲ እትዓምሞ ነገራት ንደቂ ሰብ ዘለኣለማዊ በረኸት ከም እተምጽኣሎም እተረጋገጸ እዩ። ንዅሉ ጸገማት ደቂ ሰብ ነባሪ ፍታሕ እተምጽእ መንግስቲ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ኣፍና መሊእና ኽንእውጅ ንኽእል ኢና። ሃየ እምበኣር፡ ነዚ ሓቂ እዚ ብቕንኣት ንንገር!—ማቴ. 24:14