ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) መስከረም 2014

ንሓቂ ኸም ዝረኸብካያ ኣሚንካ ዲኻ፧ ስለምንታይ፧

ንሓቂ ኸም ዝረኸብካያ ኣሚንካ ዲኻ፧ ስለምንታይ፧

“እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም [ፍለጡ]።”—ሮሜ 12:2

1. ኣቕሽሽቲ ህዝበ ክርስትያን ኣብ ግዜ ውግእ እንታይ እዮም ገይሮም፧

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ናብ ውግእ ኪኸዱን ንዜጋታት ካልእ ሃገር ኪቐትሉን ፍቓድ ኣምላኽ ድዩ፧ ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት፡ ‘ክርስትያናት ኢና’ ዚብላ ሓያሎ ሃይማኖታት ኣብ ውግእ ኪሳተፋ ጸኒሐን እየን። ካቶሊካውያን ኣቕሽሽቲ ሰራዊት፡ ወተሃደራቶም ምስ ናይ ካልእ ሃገር ካቶሊካውያን ንኺዋግኡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ንወተሃደራቶም ምስ ኣጽዋሮም ባሪኾም ኣፋንዮምዎም እዮም። ፕሮተስታንት ኣቕሽሽቲ ሰራዊት እውን ከምኡ ገይሮም እዮም። ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምቅትታል እንታይ ከም ዘስዓበ ዚገልጽ ቀንዲ ኣብነት እዩ።

2, 3. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ኰነ ድሕሪኡ እንታይ መትከል እዩ ነይርዎም፧ ስለምንታይከ፧

2 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እንታይ መትከል እዩ ነይርዎም፧ ታሪኻዊ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ሓልዮም እዮም። ነዚ መትከል እዚ ዝሓዙ ስለምንታይ እዮም፧ ብቐዳምነት ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነትን ነቲ ዝመሃሮ ትምህርትታትን ስለ ዝሰዓቡ እዮም። የሱስ፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃ. 13:35) ብዘይካዚ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ንዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፈሎም መሰረታዊ ስርዓት ኣቕሊቦምሉን ተግቢሮምዎን እዮም።—2 ቈረንቶስ 10:3, 4 ኣንብብ።

 3 ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ሕልናኦም ብመጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝሰልጠነ፡ ውግእ ኣይመሃሩን ወይ ኣብ ውግእ ኣይካፈሉን እዮም። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ኣብዚ ክርስትያናዊ መትከሎም ብምጽናዖም፡ ተሰጒጐም እዮም። ሓያሎ ኻባታቶም ኣብ ናይ ሸቕሊ ደምበታትን ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን ተዳጒኖም እዮም። ኣብ ጀርመን ኣብ እዋን ናዚ፡ ገለ ኻባታቶም ተቐቲሎም እዮም። ኣብ ኤውሮጳ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝዩ ዜስካሕክሕ መሰጐጕቲ እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ነቲ ብስራት መንግስቲ የሆዋ ንምእዋጅ እተዋህቦም መዝነት ኣይረስዕዎን። ኣብ ቤት ማእሰርትን ኣብ መዳጐኒ ደምበታትን ኣብ ማሕዩርን ብተኣማንነት ሰቢኾም እዮም። * ድሕርዚ እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ብ1994 ኣብ ሩዋንዳ እተገብረ ቐቢላዊ ውግእ ኣይተኻፈሉን። ብዘይካዚ፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዩጎዝላቭያ ነበር ኣብ እተመቓቐለትሉ እዋን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሃገራት ባልካን ኣብ እተኻየደ ውግእ ገለልትነቶም ሓልዮም እዮም።

4. ገለልትነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንተዓዘብቲ ጽልዋ ዝገበረሎም ብኸመይ እዩ፧

4 ኣብ መላእ ዓለም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ገለልትነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ረኣዩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽን ንሰብን ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘለዎም፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ብናይ ሓቂ ክርስትና ኸም ዚመላለሱ ኣሚኖም እዮም። ግናኸ፡ ንሓያሎ ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ዘእመኖም ካልእ መዳያት ኣምልኾና እውን ኣሎ።

ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ትምህርታዊ ዕዮ

5. ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ህይወቶም እንታይ ለውጢ እዩ ኣጋጢምዎም፧

5 የሱስ ኣገልግሎቱ ኻብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ የጕልሕ ነይሩ እዩ። ንዓለምለኻዊ ኣገልግሎት መሰረት ኣብ ምንባር እጃሞም ምእንቲ ኼበርክቱ 12 ደቀ መዛሙርቲ ሓረየ፣ ድሕሪኡ ኸኣ ን70 ደቀ መዛሙርቲ ኣሰልጠነ። (ሉቃ. 6:13፣ 10:1) እቶም ደቀ መዛሙርቲ መጀመርታ ንኣይሁድ፡ ጸኒሖም ከኣ ንኻልኦት ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ተዳልዮም ነበሩ። ቀጺሎም ከኣ ንዘይተገዝሩ ኣህዛብ ኪሰብኩ ዘይተጸበይዎ መምርሒ ተዋህቦም። እቶም ኣይሁድ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ንኣህዛብ ኪሰብኩ፡ ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ለውጢ እዩ ነይሩ።—ግብ. 1:8

6. ጴጥሮስ፡ የሆዋ ኸም ዘየዳሉ ኺግንዘብ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

6 ሃዋርያ ጴጥሮስ ናብ ቤት እቲ ኻብ ዘይተገዝሩ ኣህዝብ ዝነበረ ቆርኔሌዎስ ተላእከ። ሽዑ ጴጥሮስ፡ ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ተገንዘበ። ቆርኔሌዎስ ምስ ስድራ ቤቱ ተጠምቀ። በዚ ኸምዚ ክርስትና ኣብ ሓድሽ ክሊ ኣስፋሕፍሐ፣ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝዀኑ ሰባት ንሓቂ ኺፈልጥዋን ኪቕበልዋን ክኢሎም እዮም። (ግብ. 10:9-48) ሎሚ እቲ ኽሊ ንምልእቲ ዓለም እዩ ዜጠቓልል።

7, 8. ውድብ የሆዋ ብተበግሶኣ እንታይ እያ እትገብር ዘላ፧ (ኣብ ገጽ 7 ዘላ ስእሊ ርአ።)

7 ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም እተራእየ፡ እቶም መሪሕ ግደ ዘለዎም ኣሕዋት ኣብ ብዘላ ዓለም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ኪሰብኩን ኪምህሩን ጸኒሖም እዮም። ሎሚ ዳርጋ ሸሞንተ ሚልዮን ዝዀኑ ቐናኣት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መልእኽቲ ክርስቶስ ብልዕሊ 600 ቛንቋታት ንምዝርጋሕ ዚከኣሎም ይገብሩ ኣለዉ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤትን ኣብ መገድን ብዚገብርዎ ዕዮ ስብከት፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ሰደቓን ዓረብያታትን ተጠቒሞም ጽሑፋት ብምዝርጋሕ ይፍለጡ እዮም።

8 ልዕሊ 2,900 ዝዀኑ ተርጐምቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትን ንኺትርጕሙ ፍሉይ ስልጠና ተዋሂብዎም እዩ። ዕዮኦም ኣብተን ዓበይቲ ቛንቋታት ዚብሃላ ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። እቶም ተርጐምቲ በቲ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘይብሉ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ተዛረብቲ ግና ዘለውዎ ቛንቋታት ከይተረፈ ይትርጕሙ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ስጳኛ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት በቲ መበቈላዊ ቛንቋኦም ዝዀነ  ካታላንኛ ይዛረቡ እዮም። ብፍላይ ኣብዚ ቐረባ እዋናት፡ ኣብ ከተማ ቫለንስያን ከተማ ኣሊካንተን፡ ኣብ ደሴታት ባልያሪክ፡ ከምኡ እውን ኣብ ሃገረ ኣንዶራ ዚነብሩ ሓያሎ ሰባት ካታላንኛ ኺዛረቡ ጀመሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብካታላንኛ ብምትርጓሞም፡ ህዝቢ ካታላን በቲ ንልቦም ዚትንክፍ ቋንቋኦም እተዳለወ ጽሑፋት ይረኽቡን ብቛንቋኦም ኣብ ዚካየድ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይእከቡን ኣለዉ።

9, 10. ውድብ የሆዋ፡ ኵሎም ሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ነገራት ኪረኽቡ ኸም እትደሊ ዜርኢ እንታይ ኣብነት ኣሎ፧

9 እዚ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምትርጓምን ንሰባት ብቛንቋኦም ናይ ምስትምሃርን ዕዮ ኣብ መላእ ዓለም እዩ ዚግበር ዘሎ። ንኣብነት፡ መክሲኮ ስጳንኛ ዚዝረበላ ሃገር እኳ እንተ ዀነት፡ ካልእ ቋንቋታት ዚዛረቡ ሓያሎ ነበርቲ እውን ኣለውዋ። ሓደ ኻብቲ ቛንቋታት፡ ቋንቋ ማያ እዩ። ኣብ መክሲኮ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ንተርጐምቲ ቛንቋ ማያ፡ እቲ ቛንቋ ኣብ ዚዝረበሉ ኽፋል እታ ሃገር ኰይኖም ዕዮኦም ኬካይዱ መደቦም። ካልእ ኣብነት ከኣ፡ ኣብታ ልዕሊ 29 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ነፓል ዚዝረብ ቋንቋ ነፓሊ እዩ። ኣብ ነፓል 120 ዚኸውን ቋንቋታት ኣሎ፣ ልዕሊ ዓሰርተ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ግና ቋንቋ ነፓሊ ይዛረቡ እዮም። ንሓያሎ ኻልኦት ከኣ ቋንቋ ነፓሊ ኻልኣይ ቋንቋኦም እዩ። ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ነፓሊ እውን ተተርጒሙ ኣሎ።

10 ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ሓያሎ ጕጅለታት ትርጕም ዚግበረሎም ዘሎ ደገፍ፡ ውድብ የሆዋ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ምስባኽ መዝነት ኣዝያ ብርዝነት ትርእዮ ኸም ዘላ ይሕብር። ብሚልዮናት ዚቝጸር ትራክትታትን ብሮሹራትን መጽሔታትን ኣብ መላእ ዓለም ብወፈራን ብናጻን ተዓዲሉ እዩ። እቲ ነዚ ተባሂሉ ዝወጸ ወጻኢታት በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍታው ዚውፍይዎ ወፈያታት እዩ ዚሽፈን። ንሳቶም ነቲ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” ዚብል መምርሒ የሱስ ይስዕብዎ እዮም።—ማቴ. 10:8

ጕጅለ ትርጕም ብቛንቋ ሎው ጀርመንኛ ሕታማት ኬዳልዉ ኸለዉ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

ብቛንቋ ሎው ጀርመንኛ እተዳለወ ሕታማት ኣብ ፓራጓይ ይጠቅም ኣሎ (ኣብ ገጽ 7 ዘላ ስእሊ እውን ርአ)

11, 12. እቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚዕይየ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ኣብ ካልኦት ጽቡቕ ጽልዋ ዘሕደረ ብኸመይ እዩ፧

11 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ውፉያት ክርስትያን ሰበኽትን መምህራንን ብምዃኖም፡ ንሓቂ ኸም ዝረኸብዋ ኣጸቢቖም ይኣምኑ እዮም፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዮም ንዅሎም ኣህዛብን ቀቢላታትን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼብጽሑሎም ብዙሕ መስዋእትታት ዚኸፍሉ። ሓያሎ ኻባታቶም ኣብዚ ኣገዳሲ ክርስትያናዊ ዕዮ ንኺካፈሉ ኢሎም ናብራኦም ኣቕሊሎም፡ ካልእ ቋንቋ ተማሂሮም፡ ከምኡ እውን ምስ ሓድሽ ባህሊ ተለማሚዶም  እዮም። እዚ ኣህጉራዊ ዕዮ ስብከትን ትምህርትን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ የሱስ ምዃኖም ንሓያሎ ሰባት ዘእመኖም ተወሳኺ ረቛሒ እዩ።

12 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ዕዮ እዚ ዚዓይይዎ፡ ንሓቂ ኸም ዝረኸብዋ፡ ንገዛእ ርእሶም ስለ ዚኣምኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓቂ ኸም ዝረኸብዋ፡ ንሓያሎ ሰባት ዘእመኖም እንታይ ካልእ ረቛሒ ኣሎ፧—ሮሜ 14:17, 18 ኣንብብ።

ዚኣምኑሉ ምኽንያት

13. ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ውድብ የሆዋ ንጽህቲ ዀይና ንኽትነብር እንታይ ጻዕሪ እዮም ዚገብሩ፧

13 ንሓቂ ኸም ዝረኸብዋ ዝኣመኑ ኣብ ግዜና ዘለዉ ውፉያት ክርስትያናት ዚህብዎ ሓሳባት ኪጠቕመና ይኽእል እዩ። ሓደ ንነዊሕ ዓመታት ንየሆዋ ዘገልገሎ ሓው፡ “እቲ ምኽሪ ወይ ተግሳጽ ዚውሃቦ ሰብ መን ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ውድብ የሆዋ ብስነ ምግባር ንጽህትን ዘይርኽስትን ኰይና ምእንቲ ኽትነብር ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ዚግበር” በለ። እዚ ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓት ኪብጻሕ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ሰፊሩ ዘሎ ስርዓታት ብምሕላውን ነቲ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዝገደፍዎ ኣርኣያ ብምስዓብን እዩ። ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ስርዓታት ኣምላኽ ብዘይምሕላዎም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚውገዱ ሰባት ብተዛማዲ ኣዝዮም ሒደት እዮም። መብዛሕትኦም ግና፡ እንተላይ እቶም ቅድሚ ሓቂ ምፍላጦም ኣምላኽ ብዘይሰምሮ መገዲ ዚነብሩ ዝነበሩ እሞ እተቐየሩ ሰባት፡ ንጹህን ኣብነታውን ናብራ ሒዞም ይነብሩ ኣለዉ።—1 ቈረንቶስ 6:9-11 ኣንብብ።

14. ሓያሎ እተወገዱ ሰባት እንታይ እዮም ገይሮም፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ኣምጽአ፧

14 እቶም ብመሰረት መምርሒ ቕዱስ ጽሑፋት ካብ ጉባኤ እተወገዱ ሰባትከ እንታይ እዮም ዚዀኑ፧ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ተነሲሖም ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተመሊሶም እዮም። (2 ቈረንቶስ 2:6-8 ኣንብብ።) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ስለ ዜውዕልዎ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንጽህቲ ኽትከውን ክኢላ እያ። እዚ ኸኣ ውድቦም ስምረት ኣምላኽ ከም ዘለዋ የረጋግጸሎም። ሓያሎ ሃይማኖታት ንኣባላተን ከም ድላዮም ኪመላለሱ ኺፈቕዳሎም ከለዋ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ብስርዓታት ኣምላኽ ዚመላለሱ ብምዃኖም ንሓቂ ዝረኸብዋ ህዝቢ ንሳቶም ከም ዝዀኑ ንሓያሎ ሰባት ኣእሚንዎም እዩ።

15. ንሓደ ሓው፡ ንሓቂ ኸም ዝረኸባ ዘእምኖ እንታይ እዩ፧

15 ንገሊኦም ምኩራት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሓቂ ኸም ዝረኸብዋ ዘእመኖም እንታይ እዩ፧ ኣብ 50ታት ዕድመ ዚርከብ ሓደ ሓው፡ “ኮተቴ ኸለኹ ኣትሒዘ፡ እምነተይ ኣብ ሰለስተ ኣዕኑድ ከም እተሃንጸት፡ ማለት (1) ኣምላኽ ከም ዘሎ፡ (2) ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈሱ ኸም ዘጽሓፎ፡ ከምኡ እውን (3) ነዛ ሎሚ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይጥቀመላን ይባርኻን ከም ዘሎ ኣሚነ እየ። ንሓያሎ ዓመታት ኬጽንዕ ከለኹ፡ እዚ ኣዕኑድ እዚ ድልዱል እንተ ዀይኑ ወትሩ እፍትኖ፡ ኣብ ጽኑዕ ባይታ እተነብረ እንተ ዀይኑ ንምርግጋጽ ከኣ ንርእሰይ እሓትታ እየ። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዓንዲ ዚኸውን መርትዖ ኣብ ዓዓመት እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ፣ እዚ ኸኣ ንእምነተይ  ኣበርቲዕዋ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓቂ ከም ዝረኸብናያ ንዘሎኒ እምነት እውን ኣደልዲልዎ እዩ” በለ።

16. ንሓንቲ ሓብቲ፡ ንሓቂ ኸም ዝረኸበታ ዘእመና እንታይ እዩ፧

16 ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገልግል ሓንቲ ብዓልቲ ሓዳር ዝዀነት ሓብቲ ብዛዕባ ውድብ የሆዋ፡ “ብዘይነግፈረግ ስም የሆዋ እትእውጅ እንኮ ውድብ እያ። እቲ መለኮታዊ ስም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስታት 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ምህላዉ ኸኣ ነዚ የረጋግጽ። ነቲ ‘ኣዒንቲ የሆዋስ፡ ስለ እቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ ዝዀነ ብርታዐኡ ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ’ ዚብል ኣብ 2 ዜና መዋእል 16:9 (NW) ዚርከብ መተባብዒ አማስወሉ እየ” በለት። ኣስዒባ ድማ፡ “የሆዋ ብርታዐኡ ምእንቲ ኼርእየኒ፡ ብኸመይ ምሉእ ልቢ ኺህልወኒ ኸም ዚኽእል፡ ሓቂ ምሂራትኒ እያ። ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ። ብዘይካዚ፡ የሱስ እውን በቲ ዝገበሮ ነገራት ንኣምላኽ ኣጸቢቐ ኸም ዝፈልጦ ስለ ዝገበረኒ፡ አማስወሉ እየ። እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎኒ ናይ ቀረባ ርክብ፡ ንኽጸንዕ ሓጊዙኒ እዩ” በለት።

17. ቀደም ኢዘሀራዊ ንዝነበረ ሰብ፡ ንሓቂ ኸም ዝረኸባ ዘእመኖ እንታይ እዩ፧

17 ቀደም ኢዘሀራዊ ዝነበረ ሰብ፡ “ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ተሓጒሶም ኪነብሩ ኸም ዚደልዮም፡ መከራ ንዘለኣለም ኪቕጽል ድማ ከም ዘይፈቅድ፡ ፍጥረት ኣእሚኑኒ እዩ። ብዘይካዚ፡ ዓለም ናብ ረሲእነት እናንቈልቈለት ክትከይድ ከላ፡ ህዝቢ የሆዋ ግና ብእምነትን ብቕንኣትን ብፍቕርን እናወሰኹ ይኸዱ ኣሎ። ነዚ ዘመናዊ ተኣምር ኪፍጽሞ ዚኽእል መንፈስ የሆዋ ጥራይ እዩ” ብምባል ይእመን።—1 ጴጥሮስ 4:1-4 ኣንብብ።

18. ንኽልተ ኣሕዋት፡ ንሓቂ ኸም ዝረኸብዋ ዘእምኖም እንታይ እዩ፧ ንስኻኸ ብዛዕባ እቲ ዝሃብዎ ሓሳባት እንታይ ይስምዓካ፧

18 ንነዊሕ ዓመታት ንየሆዋ ዘገልገሎ ኻልእ ናይ የሆዋ ምስክር እውን፡ “እቲ ንሓያሎ ዓመታት ዝገበርክዎ መጽናዕቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣርኣያ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ክርስትና ንኺስዕቡ ብዙሕ ጻዕሪ ኸም ዝገበሩ ኣእሚኑኒ እዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምስ ተጓዓዝኩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓለምለኻዊ ሓድነት ከም ዘለዎም ብዓይነይ ርእየ እየ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ፡ ዕግበትን ሓጐስን ኣምጺኡለይ እዩ” ብምባል እቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ሓቂ ምዃኑ ዘእመኖ እንታይ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኡ ሓው፡ ንሓቂ ኸም ዝረኸባ ዘእመኖ እንታይ ምዃኑ ምስ ተሓትተ፡ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ብምትኳር፡ “ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ብጥንቃቐ ኣጽኒዕና፡ ነቲ ዝገደፈልና ኣብነት እውን ነማስወሉ ኢና። ኣብነት ክርስቶስ ብምስዓብ ንኣምላኽ ብዝያዳ ንኽንቀርቦ ኣብ ኣነባብራና ምትዕርራይ ጌርና ኢና። ድሕነትና ኣብ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ እተመስረተ ምዃኑ ፈሊጥና ኢና። ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንሰአ እውን ንፈልጥ ኢና። እዚ ሓቂ ምዃኑ ዜረጋገጸልና፡ እሙናት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣለዉና” በለ።—1 ቈረንቶስ 15:3-8 ኣንብብ።

ንሓቂ እንታይ ክንገብራ ኣሎና፧

19, 20. (ሀ) ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንዝነበረት ጉባኤ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ እንታይ ሓላፍነት እዩ ኣጕሊሑ፧ (ለ) ርእስና ዝወፈና ክርስትያናት፡ እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ዘሎና፧

19 ከም ክርስትያናት መጠን ንሰባት ስለ እነፍቅሮም፡ ነቲ ኽቡር ፍልጠት ሓቂ ንርእስና ሒዝናዮ ስቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “‘ብኣፍካ እቲ ቓል፡’ ማለት የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እውን ብልብኻ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። ከመይሲ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑ እውን ይድሕን” ኢሉ ጸሓፈሎም።—ሮሜ 10:9, 10

20 ርእስና ዝወፈና ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሓቂ ኸም ዝረኸብናያ ኣሚንና ኢና፣ ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንምህሮም ፍሉይ መሰል ከም ዘሎና እውን ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህሮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓቂ ኸም ዝረኸብናያ ኸም እንኣምን ብኣነባብራና ንኸነርእዮም ሸቶ ንግበር።

^ ሕ.ጽ. 3 ኣብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 191-198, 448-454 ርአ።