ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)  |  ሓምለ 2014

‘ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም’

‘ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም’

‘ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ይብል የሆዋ።’—ኢሳ. 43:10

1, 2. (ሀ) ምስክር ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ዜና ዓለም ብዛዕባ እንታይ እዩ ሓቂ ዘይነግር፧ (ለ) የሆዋ ኣብ ዜና ዓለም ዘይምርኰስ ስለምንታይ እዩ፧

ምስክር ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ሓደ መዝገበ ቓላት ነዛ ቓል እዚኣ፡ “ሓደ ፍጻመ ርእዩ፡ እንታይ ከም እተፈጸመ ዚነግር” ኢሉ ይትርጕማ። ንኣብነት፡ ኣብ ከተማ ፒተርማሪጽበርግ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘ ዊትነስ (ምስክር) ተባሂላ እትጽዋዕ ጋዜጣ፡ ንልዕሊ 160 ዓመት ክትሕተም ጸኒሓ እያ። ዕላማ እታ ጋዜጣ ኣብ ዓለም ንዚፍጸም ዘሎ ነገራት ብትኽክል ጸብጻብ ንምሃብ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ስም እቲ ብቑዕ እዩ። መስራትን ኣሰናዳእን ዘ ዊትነስ፡ እታ ጋዜጣ ምሉእ ብምሉእ ሓቂ ጥራይ ከም እትነግር፡ ተማባጺዑ እዩ።

2 እቲ ዜሕዘን ግና ዜና ዓለም፡ ንሓያሎ ፍጻመታት ብትኽክል ኣይገልጾን እዩ። ብዛዕባ ኣምላኽ ኰነ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ነገራት ሓቂ ኣይነግርን እዩ። እቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዝዀነ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ግና ኣብ ዜና ዓለም ኣይምርኰስን እዩ። ንሱ በቲ ጥንታዊ ነብዪ ዝነበረ ህዝቅኤል ኣቢሉ፡ ‘ህዝብታት ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም’ በለ። (ህዝ. 39:7) የሆዋ ብዛዕባኡን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኰነ ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ደቂ ሰብ ዝገበሮን ዚገብሮ ዘሎን ርክብ ዚነግሩ ሸሞንተ ሚልዮን ዚዀኑ መሰኻኽር ኣለውዎ። እዞም መሰኻኽር እዚኦም ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ዚመጽእ ንደቂ ሰብ ከም ዜምጽኣሎም እተመባጽዖ በረኸት እውን ይነግሩ እዮም። ነዚ ዕዮ ምስክርነት እዚ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ብምሃብ፡ ምስቲ ኣብ ኢሳይያስ 43:10 ዚርከብ፡ “ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም፡ ይብል  እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW]” ዚብል ብኣምላኽ እተዋህበና ስም ተሰማሚዕና ንነብር ኢና።

3, 4. (ሀ) ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓድሽ ስም እተጸውዑ መዓስ እዮም፧ ብዛዕባኡኸ ኸመይ ይስምዖም፧ (ኣብ ገጽ 23 ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ስም እቲ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ዝዀነ የሆዋ ኽትጸውርሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ኽቡር መሰል ኰን እዩ! የሆዋ፡ “እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ” በለ። (1 ጢሞ. 1:17፣ ዘጸ. 3:15፣ ምስ መክብብ 2:16 ኣረኣኢ።) ብ1931 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዚብል ስም ተጸውዑ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባኡ ሞሳኦም ዝገለጹ ሰባት ዝለኣኽዎ ደብዳበታት፡ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ተሓቲሙ እዩ። ኣብ ካናዳ እትርከብ ሓንቲ ጉባኤ፡ “‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር’ ከም ዝዀንና ምስ ተበሰርና ኣዝዩ አሐጒሱና እዩ፡ ነዚ ሓድሽ ስም እንበቅዕ ኴንና ምእንቲ ኽንርከብ ዝያዳ ቘራጽነት ንኽንገብር ድማ ኣለዓዒሉና እዩ” ኢላ ጸሓፈት።

4 ስም ኣምላኽ ንኽትጸውር ረኺብካዮ ንዘሎኻ ኽቡር መሰል ሞሳኻ ኽትገልጽ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ንትሕዝቶ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስምና እተወስደሉ ጥቕሲኸ ኸተብርሆ ትኽእልዶ፧

ጥንቲ ዝነበሩ መሰኻኽር ኣምላኽ

5, 6. (ሀ) እስራኤላውያን ወለዲ፡ መሰኻኽር የሆዋ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) እስራኤላውያን ወለዲ እንታይ ካልእ ነገራት ንኺገብሩ እዮም ትእዛዝ እተዋህቦም፧ እዚ ትእዛዝ እዚ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ወለዲ እውን ዚምልከት ስለምንታይ እዩ፧

5 እቶም ብግዜ ኢሳይያስ ብደረጃ ህዝቢ ኸም “ባርያ” ዝነበሩ እስራኤላውያን ብደረጃ ውልቀ ሰብ ‘ምስክር’ የሆዋ እዮም ነይሮም። (ኢሳ. 43:10) ሓደ ኻብቲ እስራኤላውያን ወለዲ ዚምስክሩሉ ዝነበሩ መገዲ፡ ንደቆም ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ ኣቦታቶም ዝነበሮ ርክብ ብምምሃር እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ነቶም ህዝቢ ኣብ ዓዓመት ፋስጋ ኼብዕሉ መምርሒ ኺህቦም ከሎ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኪኸውን ድማ እዩ፡ ደቅኹም፡ እዚ ኣገልግሎትኩም እንታይ እዩ፧ ምስ ዚብልኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ እዚ ነቲ ንግብጻውያን ኪወቅዕ ከሎ፡ ኣብ ግብጺ ኣባይቲ ደቂ እስራኤል ዝሐለፈ፡ ኣባይትና ድማ ዘድሐነ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ፋስጋ እዩ፡  ትብሉ።” (ዘጸ. 12:26, 27) ብዘይካዚ፡ ሙሴ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ቐሪቡ፡ ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ንየሆዋ ንኼምልኹ ኺፈቕደሎም ምስ ሓተቶ፡ ፈርኦን፡ ‘እቲ ቓሉ ሰሚዔ ንእስራኤል ዝሓድግሲ፡ የሆዋ መን እዩ፧’ ኢሉ ኸም ዝመለሰ፡ ወለዲ ንደቆም ይገልጹሎም ነይሮም እዮም። (ዘጸ. 5:2) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ምድሪ ግብጺ ብዓሰርተ መዓት ምስ ተወቕዐትን እስራኤላውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኻብ ሰራዊት ግብጺ ምስ ኣምለጡን፡ ሕቶ ፈርኦን ብንጹር ከም እተመለሰት የዘንትውሎም ነይሮም እዮም። የሆዋ ጥንቲ ዀነ ሎሚ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ። ብተወሳኺ፡ ህዝቢ እስራኤል፡ የሆዋ ናይ ሓቅን መብጽዓታቱ ዚፍጽምን ኣምላኽ ምዃኑ ዚምስክሩ ህያው መሰኻኽር እዮም ነይሮም።

6 እቶም ስም የሆዋ ምጻሮም ከም ክቡር መሰል ገይሮም ዚርእይዎ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ፍጻመታት ንደቆም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣብ ኣባይቶም ባሮት ኰይኖም ዜገልግልዎም ዝነበሩ ጓኖት እውን ይነግርዎም ከም ዝነበሩ ፍሉጥ እዩ። ብዘይካዚ፡ እስራኤላውያን ንደቆም ንስርዓት ቅድስና ኣምላኽ ንኺሕልዉ ኼሰልጥንዎም ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። የሆዋ፡ ‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳት ኩኑ’ በሎም። (ዘሌ. 19:2፣ ዘዳ. 6:6, 7) እዝስ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ወለዲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣርኣያ ዀነ እዩ! ከመይሲ፡ ክርስትያን ወለዲ ንደቆም፡ ነቲ ምዕሩግ ስም ኣምላኽ ክብሪ ምእንቲ ኼምጽኡሉ ብመገዲ ቕድስና ንኺመላለሱ ኼሰልጥንዎም ግዴታ ኣለዎም።—ምሳሌ 1:8፣ ኤፌሶን 6:4 ኣንብብ።

ንደቅና ብዛዕባ የሆዋ ምስ እንምህሮም፡ ንስም የሆዋ ኽብሪ ነምጽኣሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 5, 6 ርአ)

7. (ሀ) እስራኤላውያን ንየሆዋ እሙናት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝነበራ ሃገራት እንታይ ጽልዋ እዩ ገይሩ፧ (ለ) ኵሎም እቶም ስም ኣምላኽ ዝጾሩ ሰባት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧

7 እስራኤላውያን እሙናት ኪዀኑ ኸለዉ፡ ንስም ኣምላኽ ጽቡቕ ምስክርነት ይህቡ ነበሩ። “ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ከም እተጸዋዕካ ይርእዩ እሞ፡ ይፈርሁኻ” ተባሂሉ ተነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 28:10) ታሪኽ ከም ዚሕብሮ ግና፡ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን እሙናት ኰይኖም ዘይምቕጻሎም ዜሕዝን እዩ። ብተደጋጋሚ፡ ሰብ ዝሰርሖ ጣኦታት የምልኹ ነበሩ። ብዘይካዚ፡ ንደቆም ብምስዋእን ንድኻታት ብምጭቋንን፡ ከምቶም ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ከነኣን፡ ጨካናት ኰኑ። እዚ ታሪኽ እዝስ፡ ነቲ ኣዝዩ ቕዱስ ዝዀነ ስሙ ዝጾርናዮ ኣምላኽና የሆዋ ብምምሳል ወትሩ ቕዱሳት ንኽንከውን ክንጽዕር ዚድርኽ ከመይ ዝበለ ሓያል ትምህርቲ ዀን እዩ!

“እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ”

8. የሆዋ ንኢሳይያስ እንታይ መዝነት እዩ ዝሃቦ፧ ኢሳይያስከ እንታይ ምላሽ ሃበ፧

8 የሆዋ ንእስራኤላውያን ብዜደንቕ መገዲ ኻብ ምርኮ ሓራ ኸም ዜውጽኦም ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 43:19) እተን ቀዳሞት ምዕራፋት መጽሓፍ ኢሳይያስ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ከባቢኣ ኣብ ዝነበራ ኸተማታትን ብዛዕባ ኺመጽእ ዝነበሮ ጥፍኣት ዜጠንቅቕ መልእኽቲ ሒዘን ኣለዋ። እቲ ልቢ ዜንብብ የሆዋ ንኢሳይያስ፡ ሰባት ኣሉታዊ ምላሽ እኳ እንተ ሃብዎ፡ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ኻብ ምእዋጅ ከየቋርጽ ነገሮ። ኢሳይያስ ሰንቢዱ እዩ፣ ህዝቢ ኣምላኽ ክሳዕ መዓስ ከይተነስሑ ኸም ዚነብሩ ድማ ኪፈልጥ ደለየ፧ ኣምላኽ ከኣ፡ “ከተማታት ክሳዕ ዚባድማ እሞ ዚነብረን ዜብለን፡ ኣባይቲ ብዘይ ሰብ፡ እታ ሃገርውን በረኻ ዀይና ኽሳዕ እትባድም” ኢሉ መለሰሉ።—ኢሳይያስ 6:8-11 ኣንብብ።

9. (ሀ) ብዛዕባ የሩሳሌም ዚገልጽ ትንቢት ኢሳይያስ መዓስ እዩ ተፈጺሙ፧ (ለ) ሎሚ ኸነቕልበሉ ዜድልየና እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዚውሃብ ዘሎ፧

9 ኢሳይያስ ነዚ መዝነት እዚ እተቐበለ ኣብ መወዳእታ ዓመት ግዝኣት ንጉስ ዑዝያ፡ ወይ ብ778 ቅ.ክ. ኣቢሉ እዩ። ክሳዕ 732 ቅ.ክ. ንኣስታት 46 ዓመት ነብዪ ዀይኑ ስለ ዝቐጸለ ኸኣ ንንጉስ ህዝቅያስ እውን ኣርኪቡሉ እዩ። እዚ ድማ ካብቲ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ዝጠፍኣትሉ እዋን 125 ዓመት ኣቐዲሙ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ንሃገሮም ዜጋጥማ  ነገር ነዊሕ ዓመት ኣቐዲሙ እኹል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። ሎሚ እውን የሆዋ ንህዝቡ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ነገራት እኹል መጠንቀቕታ ኸም ዚነግሩ ይገብር ኣሎ። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኻብታ ቐዳመይቲ ሕታማ ኣትሒዛ ን135 ዓመት ዚኣክል፡ ንኣንበብታ እዚ እኩይ ግዝኣት ሰይጣን ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸም ዚጠፍእን በቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ ከም ዚትካእን ብምንጋር ንኺነቕሑ ኽትምሕጸኖም ጸኒሓ እያ።—ራእ. 20:1-3, 6

10, 11. ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ እስራኤላውያን ነየናይ ፍጻመ ትንቢት ኢሳይያስ እዮም መስኪሮም፧

10 ንባቢሎናውያን ኢዶም ዝሃቡ ሓያሎ እዙዛት ኣይሁድ፡ ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ድሒኖም፡ ናብ ባቢሎን ተማሪኾም እዮም። (ኤር. 27:11, 12) ኣብ ባቢሎን 70 ዓመት ምስ ጸንሑ ድማ እቲ፡ “እግዚኣብሄር፡ እቲ ተበጃዊኹም፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ምእንታኹም ናብ ባቢሎን ልኢኸ፡ ንዅሎም፡ ኤረ ንከለዳውያንውን በተን ዚሕጐሱለን መራኽቦም ሰጒጐ ኸህድሞም እየ” ዚብል ዜደንቕ ትንቢት ኪፍጸም ከሎ ርእዮምዎ እዮም።—ኢሳ. 43:14

11 ብመሰረት እቲ ትንቢት እቲ፡ ለይቲ ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ 539 ቅ.ክ.፡ ዜሰንብድ ነገር ተፈጸመ። ንጉስ ባቢሎንን መሳፍንቱን በቲ ኻብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም እተማረኸ ቕዱስ ኣቕሑ ገይሮም ወይኒ ኺሰትዩን ነቶም ስርሓት ሰብ ዝዀኑ ጣኦታቶም ኪውድሱ ኸለዉን፡ ሰራዊት ሜዶንን ፋርስን ንባቢሎን ሰዓርዋ። ብ538 ወይ ብ537 ቅ.ክ. እቲ ንባቢሎን ዝሰዓራ ቂሮስ፡ ንኣይሁድ ናብ የሩሳሌም ተመሊሶም ንቤተ መቕደስ ኣምላኽ እንደገና ኺሃንጽዋ ኣዘዞም። ኢሳይያስ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቶም እተነስሑ ህዝቡ ናብ የሩሳሌም ኪምለሱ ኸለዉ ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዚህቦምን ከም ዜዕቍቦምን እተመባጽዖ መብጽዓ እውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ብዛዕባኦም፡ “እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንቱ እዩ” በለ። (ኢሳ. 43:21፣ 44:26-28) እቶም ምሩኻት ዝነበሩ ህዝቢ ናብ የሩሳሌም ተመሊሶም ቤተ መቕደስ የሆዋ ምስ ሃነጹ፡ እቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ፡ ወትሩ መብጽዓታቱ ኸም ዚፍጽም መስኪሮም እዮም።

12, 13. (ሀ) ኣምልኾ የሆዋ ምስ ተመልሰ፡ ምስ እስራኤላውያን እተጸንበሩ መን እዮም፧ (ለ) እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ነቶም “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ኣብ ዚገብሩሎም ደገፍ እንታይ ትጽቢት እዩ ዚግበረሎም፧ እንታይ ተስፋኸ እዩ ዘለዎም፧

12 ብኣሽሓት ዚቝጸሩ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት እውን ነቲ እንደገና እተወልደ ህዝቢ ተጸምቢሮምዎ እዮም፣ ጸኒሖም እውን፡ ብዙሓት ካብ ኣህዛብ ናብ ኣይሁድነት ተቐይሮም እዮም። (እዝ. 2:58, 64, 65፣ ኣስ. 8:17) ሎሚ፡ ካብተን “ካልኦት ኣባጊዕ” የሱስ ዝዀኑ “ብዙሓት ህዝቢ” ነቶም “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዜቝሙ ቕቡኣት ክርስትያናት ብተኣማንነት ይድግፍዎም ኣለዉ። (ራእ. 7:9, 10፣ ዮሃ. 10:16፣ ገላ. 6:16) እቶም ብዙሓት ሰብ እውን በቲ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዚብል ብኣምላኽ እተዋህበ ስም ይጽውዑ እዮም።

13 ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ፡  እቶም ብዙሓት ህዝቢ ነቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰባት፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ ናይ የሆዋ ምስክር ኴንካ ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑ ኺገልጹሎም ከለዉ፡ እዚ ዘይብሃል ሓጐስ ኪረኽቡ እዮም። ግናኸ፡ ሕጂ ምስ ስምና ተሰማሚዕና ምስ እንመላለስን ቅዱሳት ኴንና ንኽንነብር ምስ እንጽዕርን ጥራይ ኢና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስ ክንካፈል እንኽእል። ብዘይካዚ፡ ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና ምሉእ ብምሉእ ቅዱሳት ክንከውን ስለ ዘይንኽእል፡ ሓጥኣን ምዃንናን ስም ኣምላኽ ንኽንጸውር እተዋህበና መሰል ኣዝዩ ኽቡር ምዃኑን ብምግንዛብ፡ በብመዓልቱ ይቕረታ ኽንሓትት ይግባእ።—1 ዮሃንስ 1:8, 9 ኣንብብ።

ትርጕም ስም ኣምላኽ

14. ስም የሆዋ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

14 ስም ኣምላኽ ብምጻር ንዝረኸብናዮ ፍሉይ ክብሪ ብዝያዳ ምእንቲ ኸነማስወሉ፡ ብዛዕባ ትርጕም እቲ ስም እቲ ኸነስተንትን ኣሎና። እታ መብዛሕትኡ ግዜ “የሆዋ” ተባሂላ እትትርጐም ስም፡ ንተግባር ካብ እትገልጽ ናይ እብራይስጢ ግሲ ዝመጸት ክትከውን ከላ፡ “ምዃን” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ስለዚ፡ ስም የሆዋ፡ “የኽውን” ዚብል ትርጕም ከም ዘለዎ ኢና እንግንዘብ። የሆዋ ንዩኒቨርስን ንመስተውዓልቲ ፍጡራትን ዝፈጠረ ብምዃኑ ኸምኡ እውን ትንቢታቱ ዚፍጽም ኣምላኽ ብምዃኑ፡ እቲ ትርጕም ንዕኡ ዚበቅዕ እዩ። የሆዋ ሓደ ነገር ከም ዚፍጸም እንተ ተነብዩ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ተጻራሪ፡ ሰይጣን እውን ከይተረፈ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዘይፍጸም ኪገብር ኣይክእልን እዩ።

15. ካብቲ የሆዋ ንሙሴ ዝበሎ ነገራት፡ ብዛዕባ ስም የሆዋ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (“ ብዙሕ ትርጕም ዝሓዘለ ስም” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

15 የሆዋ ንሙሴ፡ ንህዝቡ ኻብ ግብጺ ንኼውጽኦም ኪምዝዞ ኸሎ፡ ብዛዕባ ትርጕም ሰሙ ተወሳኺ መብርሂ ሂብዎ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ፡ ‘ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ፡ ክኸውን እየ’ በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ ‘ንደቂ እስራኤል፡ “እቲ ክኸውን ናባኻትኩም ልኢኹኒ” በሎም’ በሎ።” (ዘጸ. 3:14NW) ስለዚ፡ የሆዋ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ዕላማኡ ንኺፍጽም ከምቲ ዚድለ ይኸውን እዩ። ነቶም ሓደ ግዜ ኣብ ባርነት ዝነበሩ እስራኤላውያን መድሓኒ፡ መዕቈቢ፡ መራሒ፡ ከምኡ እውን ብስጋን ብመንፈስን ዜድልዮም ዘበለ ዜማልኣሎም ወሃቢ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።

ሞሳና ንግለጽ

16, 17. (ሀ) ስም ኣምላኽ ብምጻር ረኺብናዮ ንዘሎና ፍሉይ መሰል፡ ሞሳና ብኸመይ ክንገልጽ ንኽእል፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

16 ኣብዚ ግዜ እዚ፡ የሆዋ ብስጋን ብመንፈስን ዜድልየና ዘበለ ብምሃብ፡ ምስ ትርጕም ስሙ ዚኸይድ ስጕምቲ ይወስድ ኣሎ። ግናኸ፡ ትርጕም ስም ኣምላኽ፡ ኣብቲ የሆዋ ባዕሉ ኪዀኖ ዚደልዮ ጥራይ እተሓጽረ ዘይኰነስ፡ ምስ ዕዮ መሰኻኽሩ ብእተተሓሓዘ ዕላማኡ ምእንቲ ኺፍጸም ኢሉ ንነገራት ከምቲ ዚደልዮ ኺገብር ከም ዚኽእል እውን የጠቓልል። ብዛዕባ እዚ ምስትንታንና፡ ምስ ስሙ ተሰማሚዕና ንኽንነብር ኪድርኸና ይኽእል እዩ። ካረ ኣብ ኖርወይ ዚነብር፡ ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመት ከኣ ብቕንኣት ኬገልግል ዝጸንሐ 84 ዓመት ዝዕድሚኡ ናይ የሆዋ ምስክር እዩ። ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ነቲ ንጉስ ዘለኣለም ዝዀነ የሆዋ ምግልጋልን ኣባል እቶም በቲ ቕዱስ ስሙ ዚጽውዑ ህዝቢ ምዃንን ዓብዪ ኽብሪ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገልጽን ሰባት ከም እተሓጐሱን ከም እተረድኦምን ኣብ ኣዒንቶም ክትርእን ዓብዪ መሰል እዩ። ንኣብነት፡ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ብኸመይ ከም ዚዓዪን ሰባት ብእኡ ኣቢሎም ሰላምን ጽድቅን ኣብ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ብኸመይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉን ክምህር ከለኹ፡ ውሽጣዊ ዕግበት እረክብ እየ።”

17 ኣብ ገሊኡ ኽልታት ብዛዕባ ኣምላኽ ኪመሃሩ ዚደልዩ ሰባት ክትረክብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ዚሰምዕ ሰብ ክትረክብ ከለኻን ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ክትምህሮ ኸለኻን ከም ካረ ኣዚኻ ኣይትሕጐስንዶ፧ ግናኸ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክነስና ናይ የሱስ መሰኻኽር እውን ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንመያየጠላ ኢና።