ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)  |  ሓምለ 2014

 ታሪኽ ህይወት

ኣቦ ስኢነ፡ ኣቦ ረኺበ

ኣቦ ስኢነ፡ ኣቦ ረኺበ

ኣቦይ ብ1899 ኣብ ግራዝ ኦስትርያ እዩ ተወሊዱ፣ ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከኣ መንእሰይ እዩ ነይሩ። ብ1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ጀመረ፡ ብኡብኡ ኣብ ሰራዊት ጀርመን ብግዲ ተኸትበ። ብ1943 ኣብ ሩስያ ኺዋጋእ ከሎ ድማ ተቐትለ። እቲ ዜሕዝን ድማ ኣቦይ ኪመውት ከሎ፡ ገና ወዲ ኽልተ ዓመት ኣቢለ ጥራይ እየ ነይረ። ንኣቦይ ንኽፈልጦ ኣጋጣሚ ኣይረኸብኩን። ብፍላይ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ቈልዑ፡ ኣቦ ኸም ዘለዎም ምስ ፈለጥኩ፡ ኣቦ ዘይብለይ ብምዃነይ ኣዝየ አስቈርቍር ነበርኩ። ኰተቴ ምስ ኰንኩ፡ ብዛዕባ እቲ ኺመውት ዘይክእል ብሉጽ ኣቦ ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና ኽመሃር ብምኽኣለይ ተጸናኒዐ እየ።—ኣን. 1:12ትርጕም 1990።

ምስ ማሕበር ስካውት ዘሕለፍክዎ ተመክሮ

ቈልዓ ከለኹ

ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣባል እቲ ብደቂ ተባዕትዮ መንእሰያት ዝቘመ ማሕበር ስካውት ኰንኩ። እዚ ማሕበር እዚ፡ ብ1908 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እተመስረተ ዓለምለኻዊ ውድብ መንእሰያት እዩ። መስራቲኡ ኸኣ ሮበር ስቲፈንሰን ሲሚዝ ባደን ቦወል ዝስሙ ሌተና ጀነራል ሰራዊት ብሪጣንያ እዩ ነይሩ። ንሱ ብ1916 ዎፍ ካብስ (ካብ ስካውት) ዚብሃል ኣብ ክሊ ዕድመይ ንዘለዉ ብዕድመ ንኡሳን ንዝዀኑ መንእሰያት ዚሓቍፍ ማሕበር መስረተ።

ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናብ ገጠር ኬድና ግዜ ኸነሕልፍ ከለና፡ ማለት ኣብ ድንኳናት ክንድቅስን ዩኒፎርም ክንክደንን ድምጺ ኸበሮ ብዘለዎ መሳርያ ሙዚቃ ተዓጂብና ኽንስለፍን ከለና ባህ ይብለኒ ነይሩ። ብፍላይ ከኣ ምስ ካልኦት ኣባላት ስካውት ተራኺብና፡ ምሸት ሓዊ ኽንስሕንን ክንዝምርን ኣብ ጫካ ኽንጻወትን ከለና ደስ ይብለኒ ነይሩ። ብዛዕባ ተፈጥሮ እውን ብዙሕ ተማሂርና ኢና፣ እዚ ኸኣ ንግብርታት ፈጣሪና ኸም ዘማስወሉ ገበረኒ።

ኣባላት ማሕበር ስካውት፡ በብመዓልቱ ጽቡቕ ተግባራት ኪፍጽሙ እዮም ዚተባብዑ። እዚ ናይ ወትሩ ጭርሖኦም እዩ። ንሓድሕድና ሰላም ክንብሃሃል ከለና፡ “ወትሩ ድሉው” ንበሃሃል ነበርና። እዚ ኸኣ ይማርኸኒ ነበረ። ጋንታና ልዕሊ ሚእቲ ኣባላት ዝሓቘፈት እያ ነይራ። ፍርቅና ካቶሊክ፡ ፍርቆም ድማ ፕሮተስታንት እዮም ነይሮም፡ ሓደ ኸኣ ቡድሂስት እዩ ነይሩ።

ካብ 1920 ጀሚሩ ኣብ እተወሰነ ሒደት ዓመታት፡ ማሕበር ስካውት፡ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ይገብር ነበረ። ኣብ ነሓሰ 1951 ኣብ ባትሺት ኦስትርያ ኣብ እተገብረ ሻውዓይ ኣህጕራዊ ኣኼባ ማሕበር ስካውትን ኣብ ነሓሰ 1957 ኣብ ስተን ፓርካ፡ ጥቓ በርሚንግሃም፡ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ እተገብረ ታሽዓይ ኣህጉራዊ ኣኼባ ማህበር ስካውትን ተኻፊለ እየ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ እተገብረ ኣህጕራዊ ኣኼባ፡ ካብ 85 ሃገራትን ክልታትን ዝመጹ ኣስታት 33,000 ኣባላት ስካውት ነበሩ። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ኣህጕራዊ ኣኼባ እቲ፡ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ንግስቲ ኤልዛቤት እትርከቦም ኣስታት 750,000 ሰባት በጺሖምና እዮም። ሽዑ፡ ዓለምለኻዊ ሕውነት ዝረኣኹ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ብድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ምስ ሓደ ብዝያዳ ዚማርኽ መንፈሳዊ ሕውነት ዘለዎ ውድብ ከም ዝላለ ግና ኣይፈለጥኩን ነይረ።

ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንመጀመርታ ግዜ ተራኸብኩ

ንመጀመርታ ግዜ ዝመስከረለይ ብዓል ሞያ ዶልሺ ዝነበረ ሩዲ ቺገርፓስ

ኣብ ጽድያ 1958፡ እቲ ኣብ ግራዝ፡ ኦስትርያ ኣብ ዚርከብ ግራንድ ሆቴል ዊስላ ኸም ኣሰላፊ ዀይነ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ስልጠና ናብ ምዝዛም ገጹ እዩ ዚኸይድ ነይሩ። ኣብኡ ሩዶልፍ  ቺገር ዝስሙ መሳርሕተይን ብዓል ሞያ ዶልሽን፡ ብዘይወግዓዊ መገዲ መስከረለይ። ቅድሚኡ፡ ብዛዕባ ሓቂ ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ሩዶልፍ ብዛዕባ ሰረተ እምነት ስላሴ ኣበገሰ እሞ፡ እቲ ትምህርቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሰረተ ኸም ዘይኰነ ኣብርሃለይ። ንስላሴ ብምድጋፍ ተኸራኸርክዎ፡ ክረትዖ ኸኣ እየ ዝደሊ ነይረ። ንመሳርሕተይ እፈትዎ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣእሚነ ናብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ኽመልሶ እደሊ ነበርኩ።

እቲ ሩዲ ኢልና እንጽውዖ ዝነበርና ሩዶልፍ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምጽኣለይ። ብካቶሊክ እተዳለወ ትርጕም ንኸምጽኣለይ ኣትሪረ ነጊረዮ ነይረ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቦ ጀመርኩ፡ ብኡብኡ ኸኣ ሩዲ ዘቐመጣ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተዳለወት ትራክት ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ረኸብኩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፍ ቅኑዕ ዚመስል ግናኸ ግጉይ ዝዀነ ሓሳባት ዝሓዘ ዀይኑ ስለ እተሰምዓኒ ተቓወምክዎ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምስኡ ኽመያየጥ ፍቓደኛ እየ ነይረ። ሩዲ ኻብኡ ንደሓር ክጥንቀቕ ስለ ዝጀመረ፡ ዝዀነ ይኹን ካልእ ጽሑፍ ኣይሃበንን። ንሰለስተ ወርሒ ዚኣክል ድማ ጸጸኒሕና ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንመያየጥ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ክሳዕ ምሸት ንጸንሕ ነበርና።

ኣብ ዓደይ ግራዝ፡ ኣብ ሆቴል ዝወሰድክዎ ስልጠና ምስ ወዳእኩ፡ ኣደይ ገንዘብ ከፊላ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምምሕዳር ሆቴል ኣእተወትኒ። እታ ቤት ትምህርቲ ናብ እትርከበሉ፡ ኣብ ስንጭሮ ኣልፕስ ኣብ እተሃንጸት ከተማ ባት ሆፍጋስታይን ድማ ገዓዝኩ። እታ ቤት ትምህርቲ ምስ ግራንድ ሆቴል ባት ሆፍጋስታይን እተተሓሓዘት እያ ነይራ፣ ካብቲ ኣብ ክፍሊ እተመሃርክዎ ንላዕሊ ተመክሮ ምእንቲ ኺህልወኒ ድማ ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ሆቴል እቲ እሰርሕ ነበርኩ።

ክልተ ሚስዮናውያን በጽሓኒ

ኢልዘ ኡተርዶርፈርን ኤልፍሪደ ሎርን ብ1958 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓለይ ጀመራ

ሩዲ ነቲ ሓድሽ ኣድራሻይ ናብቲ ኣብ ቭየና ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ለኣኾ፣ እቲ ቤት ጽሕፈት ከኣ ኢልዘ ኡተርዶርፈርን ኤልፍሪደ ሎርን ናብ ዚብሃላ ኽልተ ሚስዮናውያን ኣሓት ለኣኾ። * ሓደ መዓልቲ እቲ፡ ኣብቲ ሆቴል ዝነበረ ተቐባል ጋሻ፡ ክልተ ኣንስቲ ኣብ ደገ ኣብ ማኪና ዀይነን ይጽበያኒ ኸም ዝነበራን ኪዛረባኒ ኸም ዚደልያን ነገረኒ። ብዛዕባአን ዝፈልጦ ነገር ስለ ዘይነበረኒ፡ መን ምዃነን ደንጽዩኒ እዩ። ይኹን እምበር፡ መንነተን ንኽፈልጥ ወጻእኩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ፡ ቀቅድሚ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፡ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣጊዱሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ናዚ ጀርመን ጽሑፋት ኣብ ምብጽጻሕ ይዓይያ ኸም ዝነበራ ፈለጥኩ። እቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ እውን ከይተረፈ፡ ብናይ ምስጢር ፖሊስ ጀርመን (ጌስታፖ) ተታሒዘን ኣብ መዳጎኒ ደንበ ሊኽታንቡርግ ተኣሲረን ነይረን እየን። ኣብ እዋን እቲ ውግእ ከኣ ኣብ ጥቓ በርሊን ናብ ዚርከብ መዳጐኒ ደንበ ራቨንስብሩኽ ተወስዳ።

እተን ኣሓት ኣብ ክሊ ዕድመ ኣደይ ስለ ዝነበራ፡ ብኣኽብሮት እየ ርእየየን። ነቲ ምይይጥ፡ ምናልባት ድሕሪ ገለ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ኪቕጽሎ ኸም ዘይደሊ ኽነግረን ከም ዝኽእል ስለ ዝሓሰብኩ ድማ፡ ግዜአን ከጥፍኣለን ኣይደለኹን። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ እናተተክኡ ዚመጹ ሃዋርያት ዚገልጽ ሰረተ እምነት ካቶሊክ ዜብርህ ዝርዝር ጥቕስታት ኬምጽኣለይ ዚኽእላ እንተ ዀይነን ጥራይ ሓተትክወን። ነቲ ጥቕስታት እቲ ምስ ቀሺ ተዘራሪበ ኽመያየጠሉ ምዃነይ ድማ ነገርክወን። ድሕሪኡ፡ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ኽፈልጥ ከም ዝኽእል ሓሰብኩ።

ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ቕዱስ ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦ ተመሃርኩ

እቲ ብዛዕባ እቲ እናተተክኡ ዚመጹ ሃዋርያት ዚገልጽ ትምህርቲ ሮማዊት ካቶሊክ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ሃዋርያ ጴጥሮስ ጀሚሩ እናተተኻኽአ ኸም ዚመጽእ እዩ ዚገልጽ። (እታ  ቤተ ክርስትያን ነቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 16:18, 19 ዝጠቐሶ ሓሳብ ብጌጋ እያ እትትርጕሞ።) ብዘይካዚ፡ ካቶሊክ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንበረ ጵጵስና ዀይኑ ብዛዕባ ሰረተ እምነት ኣብ ዚህቦ ሓሳባት ከም ዘይጋገ እያ እትምህር። ነዚ እኣምነሉ እየ ነይረ። እቲ ካቶሊክ ቅዱስ ኣቦ ኢሎም ዚጽውዕዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሰረተ እምነት ብዚምልከት ዘይጋገ እንተ ዀይኑ እሞ ስላሴ ሓቂ ኸም ዝዀነ ኸኣ ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ሓቂ ኪኸውን ከም ዘለዎ፡ ዚጋገ እንተ ዀይኑ ግና፡ እቲ ሰረተ እምነት ከኣ ጌጋ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሓስብ ነበርኩ። ኵሉ ትምህርትታት ካቶሊክ ልክዕ ወይ ጌጋ ምዃኑ ዚምርኰስ ኣብቲ ብዛዕባ እናተተክኡ ዚመጹ ሃዋርያት ዚውሃብ ትምህርቲ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ትምህርቲ እዚ ንሓያሎ ካቶሊክ ኣዝዩ እዩ ዜገድሶም።

ናብቲ ቐሺ ኸይደ ምስ ሓተትክዎ፡ ንሕቶታተይ ኪምልሰለይ ኣይከኣለን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብ ከብሑ ሓንቲ መጽሓፍ ኣውጺኡ ሃበኒ። እታ መጽሓፍ ብዛዕባ እቲ እናተተክኡ ዚመጹ ሃዋርያት ዚገልጽ ሰረተ እምነት ካቶሊክ እተብርህ እያ ነይራ። ከምቲ ዝበለኒ ነታ መጽሓፍ ናብ ገዛይ ወሲደ ኣንበብክዋ፡ ዝያዳ ሕቶታት ሒዘ ኸኣ ተመለስክዎ። ኣብ መወዳእታ እቲ ቐሺ ንሕቶታተይ ኪምልሰለይ ስለ ዘይከኣለ፡ “ከእምነካ ኣይክእልን እየ፡ ንስኻ እውን ከተእምነኒ ኣይትኽእልን ኢኻ። . . . እዚ ወደሓንካ!” በለኒ። ምሳይ ተወሳኺ ምይይጥ ኪገብር ኣይደለየን።

ሽዑ፡ ምስ ኢልዘን ምስ ኤልፍሪደን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ድሉው እየ ነይረ። ንሳተን ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ቕዱስ ኣቦ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብዙሕ ነገራት መሃራኒ። (ዮሃ. 17:11) ኣብቲ ኸባቢ ጉባኤ ስለ ዘይነበረ፡ እተን ክልተ ኣሓት ኣብ ቤት ሓንቲ ተገዳስነት ዝነበራ ስድራ ቤት ኰይነን እየን ኣኼባታት ዚመርሓ ነይረን። ሽዑ ሒደት ተኣከብቲ ጥራይ እዮም ነይሮም። ኪመርሕ ዚኽእል እተጠምቀ ሓው ስለ ዘይነበረ፡ እተን ኣሓት፡ ንመብዛሕትኡ ኽፍልታት እቲ ኣኼባ ንሓድሕደን እናተመያየጣ እየን ዜቕርባኦ ነይረን። ሓሓሊፉ ድማ፡ ካብ ካልእ ቦታ ዝመጸ ሓው፡ ኣብ ሓደ ገዛ ኽራይ ህዝባዊ መደረ ይህብ ነበረ።

ኣገልግሎት ጀመርኩ

ኢልዘን ኤልፍሪደን፡ ኣብ ጥቅምቲ 1958 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓለይ ጀመራ፣ ሰለሰተ ወርሒ ጸኒሐ፡ ማለት ኣብ ጥሪ 1959 ከኣ ተጠመቕኩ። ቀቅድሚ ምጥማቐይ፡ እቲ ዕዮ ሰብከት ብኸመይ ከም ዚካየድ ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ነተን ኣሓት ምስኣተን ኰይነ ኻብ ቤት ናብ ቤት ክኸይድ ሓተትኩወን። (ግብ. 20:20) ንመጀመርታ ግዜ ምስኣተን ኰይነ ምስ ኣገልገልኩ፡ ክዓይየሉ ዝኽእል ናይ ርእሰይ ክሊ ኺህባኒ ሓተትኩወን። እተን ኣሓት ናብ ሓንቲ ቝሸት መደባኒ እሞ፡ ንበይነይ ኰይነ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት እሰብኽን ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ እገብረሎምን ነበርኩ። ምሳይ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝኸደ ናይ መጀመርታ ሓው፡ እቲ ጸኒሑ ኺበጽሓና ዝመጸ ሓላው ወረዳ እዩ።

ብ1960፡ ነቲ ኣብ ሆቴል ዚውሃበኒ ዝነበረ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ንኣዝማደይ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺመሃሩ ምእንቲ ኽሕግዞም፡ ናብ ዓደይ ተመለስኩ። ክሳዕ ሕጂ ኻብ ኣዝማደይ ዋላ ሓደ ናብ ሓቂ ዝመጸ የለን፣ ገለ ኻባታቶም ግና እተወሰነ ተገዳስነት የርእዩ ኣለዉ።

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት

ኣብ 20ታት ዕድመይ ከለኹ

ብ1961 ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እተላእከ ዕዮ ፈላምነት ዜተባብዕ ደብዳበታት ኣብ ጉባኤታት ተነብበ። ንጽልን ድልዱልን ስለ ዝነበርኩ፡ ፈላሚ ዘይኰነሉ ምኽንያት ከም ዘይብለይ ተሰምዓኒ። ንዕዮ ፈላምነት እትጠቕመኒ ማኪና ምእንቲ ኽዕድግ ንሒደት ኣዋርሕ ክሰርሕ ስለ ዝሓሰብኩ፡ ነቲ ኩርት ኩን ዝስሙ ሓላው ወረዳ፡ ርእይቶ ኽህበኒ ተወከስክዎ። ርእይቶኡኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ “የሱስን ሃዋርያቱን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኺካፈሉ ማኪና ኣድልይዎም ድዩ፧” ኢሉ ሓተተኒ። እዚ ንዓይ ዚኸውን መልሲ እዩ ነይሩ። ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፈ ዕዮ ፈላምነት ክጅምር ድማ መደብኩ። ግናኸ፡ ኣብ ሆቴል ኣብ ሰሙን 72 ሰዓት እሰርሕ ስለ ዝነበርኩ፡ ገለ ለውጥታት ክገብር ኣድልዩኒ ነበረ።

 ንሓለቓይ፡ 60 ሰዓት ክሰርሕ ኪፈቕደለይ ምስ ሓተትክዎ ተሰማምዐ፡ ደሞዘይ እውን ኣይነከየን። ቍሩብ ጸኒሐ ድማ፡ ኣብ ሰሙን 48 ሰዓት ጥራይ ንኽሰርሕ ኪፈቕደለይ ሓተትክዎ። ነዚ እውን ተቐበለኒ፡ ደሞዘይ ድማ ከም ቀደሙ እዩ ነይሩ። ጸኒሐ፡ ኣብ ሰሙን 36 ሰዓት ጥራይ፡ ወይ ከኣ ን6 መዓልቲ፡ ሸሹድሽተ ሰዓት ንኽሰርሕ ኪፍቀደለይ ሓተትኩ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ተፈቕደለይ። እቲ ዜገርም ድማ፡ ደሞዘይ እውን ኣይነከየን። ከም ዝመስለኒ፡ ሓለቓይ፡ ካብ ስራሕ ክወጽእ ኣይደልየንን እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ ስሩዕ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ካብ ሓደ ፈላሚ ኣብ ወርሒ ዚድለ ዝነበረ ሰዓታት፡ 100 ሰዓት እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ፡ ኣብ ኣውራጃ ካሪንትያ፡ ኣብ ከተማ ሽፒታል ኣን ዴር ድራው ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ጉባኤ፡ ፍሉይ ፈላምን ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታትን ኰይነ ኸገልግል ተመደብኩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ካብ ሓደ ፍሉይ ፈላሚ ዚድለ ዝነበረ ሰዓታት ኣብ ወርሒ 150 ሰዓት እዩ። መገላግልቲ ፈላሚ ኣይነበረንን፣ ግናኸ እታ ጸሓፊት ጉባኤ ዀይና እትዓዪ ዝነበረት ሓብትና ገርትሩደ ሎብነር ኣብ ኣገልግሎት ንዝገበረትለይ ደገፍ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ።

ቅልጡፍ ለውጥታት ምደባ

ብ1963 ኣብ ዕዮ ወረዳ ንኽዓዪ ተጸዋዕኩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ ክኸይድ ከለኹ፡ ከቢድ ሳንጣታት ተሰኪመ ብባቡር እጐዓዝ ነበርኩ። መብዛሕትኦም ኣሕዋት ማኪና ስለ ዘይነበሮም፡ ካብ መደበር ባቡር ዚቕበለኒ ሰብ ኣይነበረን። ንርኣዩለይ ዝገብሮ ዘሎኹ ኽመስል ስለ ዘይደለኹ፡ ናብ ዝዓርፈላ ቤት፡ ብኰንትራት ታክሲ ክኸይድ ኣይደልን እየ ነይረ፣ ስለዚ፡ ብእግረይ እጐዓዝ ነበርኩ።

ብ1965 ንጽል እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ መበል 41 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኪካፈል ተዓደምኩ። መብዛሕትኦም መማህርተይ እውን ንጽል እዮም ነይሮም። ኣብ እዋን ምረቓ፡ ኣብታ ዝዓበኹላ ሃገረ ኦስትራያ ኣብ ዕዮ ወረዳ ንክቕጽል ምስ ተመደብኩ ኣዝዩ ደንጽዩኒ እዩ። ግናኸ፡ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ቕድሚ ምውጻአይ፡ ንኣርባዕተ ሰሙን ምስ ሓደ ሓላው ወረዳ ንኽዓዪ ሕቶ ቐረበለይ። ምስ ኣንቶኒ ኮንቲ ኸገልግል ብምምዳበይ ኣዝየ እየ ዘመስግን፣ እቲ ሓው ፈቃርን ኣገልግሎት ዚፈቱን ውጽኢታውን እዩ ነይሩ። ምስኡ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ኒው ዮርክ፡ ኣብ ከባቢ ኮርንዎል ሓቢርና ኣገልገልና።

ኣብ መዓልቲ መርዓና

ናብ ኦስትርያ ምስ ተመለስኩ፡ ኣብ ሓደ ወረዳ ተመደብኩ እሞ ኣብቲ ወረዳ እቲ ምስ ሓንቲ ቶቨ መረተ ዝስማ ጽብቕቲ ንጽል ሓብቲ ተራኸብኩ። ቶቨ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ካብ ዝነበረትሉ ግዜ ኣትሒዛ፡ ኣብ ሓቂ እያ ዓብያ። ኣሕዋት ብኸመይ ከም እተራኸብና ኺሓትቱና ኸለዉ፡ እናተዋዘና፡ “ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እዩ ኣራኺቡና” ኢና እንብሎም። ካብቲ እተራኸብናሉ እዋን ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ማለት ኣብ ሚያዝያ 1967 ድማ ተመርዓና፣ ሓቢርና ኣብ ዕዮ መገሻ ኽንቅጽል ከኣ ተፈቕደልና።

ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት፡ የሆዋ ብጸጋኡ መንፈሳዊ ውሉድ ከም ዝገበረኒ ተገንዘብኩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኸኣ፡ ምስ ሰማያዊ ኣቦይን ምስ ኵሎም እቶም ብመሰረት ሮሜ 8:15፡ ‘ኣባ፡ ኣቦ! ኢሎም ዚጽውዑ’ ውሉዳት ፍሉይ ርክብ ኪህልወኒ ኸኣለ።

ኣነን መረተን ክሳዕ 1976 ኣብ ዕዮ ወረዳን ኣብ ዕዮ ኣውራጃን ሓቢርና ኣገልጊልና ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ ትሕቲ ዜሮ ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ኣብ ዝዀነ ቘራሪ ኽፍልታት ንሓድር ኔርና ኢና። ሓደ መዓልቲ፡ ምስ ተበራበርና ላዕለዋይ ጫፍ ኮቦርታና ተሪሩን ብሃፋ ትንፋስና ጻዕድዩን ጸንሓና። ድሕሪ ግዜ ግና ለይቲ ነቲ ቝሪ ምእንቲ ኽንጻወሮ፡ ንእሽቶ ብኤለክትሪክ እትዓዪ መሞቚት ክንስከም ወሰንና። ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ እቲ ቤተ ንጽህና ኻብ ቤት ወጻኢ ስለ ዝነበረ፡ ለይቲ ኽንጥቀመሉ  ምስ እንደሊ ብልዕሊ በረድ ኢና ንኸይድ ኔርና። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብቲ ኽፍሊ መብዛሕትኡ ግዜ ብርቱዕ ንፋስ ፍሽፍሽ ይብል ነበረ። እንጥቀመሉ ኣፓርታማ ስለ ዘይነበረና ኸኣ፡ ሰኑይ ሰኑይ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቤት እታ እነገልግለላ ዝነበርና ጉባኤ ኢና ንሓድር ኔርና። ሰሉስ ንግሆ ኸኣ ናብ እትቕጽል ጉባኤ ንጐዓዝ ነበርና።

ኣብ ኦስትርያ፡ ኣብ መገዲ ኣብ ዚግበር ዕዮ ሓዊስካ ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ምስክርነት ክካፈል ክኢለ እየ

ኣብ ኵሉ እቲ ዘሕለፍናዮ ዓመታት፡ ብዓልቲ ቤተይ ዓብዪ ደገፍ ከም ዝዀነትኒ ኽገልጽ እፈቱ። ኣገልግሎት ስለ እትፈቱ፡ ኣገልግሎት ንኽትወጽእ ከተባብዓ ኣየድልየንን እዩ። ብዘይካዚ፡ ንክርስትያን ብጾትና እተፍቅር፡ ብዛዕባ ኻልኦት ድማ ኣዝያ እትግደስ ሓብቲ እያ። እዚ ንዓይ ዓብዪ ደገፍ እዩ ዀይኑኒ።

ብ1976 ኣብ ቪያና ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኦስትርያ ንኸገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። ኣባል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኰይነ ኸገልግል ከኣ ተሸምኩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ቤት ጽሕፈት ኦስትርያ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ንዝነበረ ዕዮ ብሓላፍነት ይቈጻጸሮ፡ ነቲ ብጥበባዊ መገዲ ዚልኣኸለን ዝነበረ ጽሑፋት ከኣ ይውድቦ ነበረ። ሓው ዩርገን ሩንደል ኣብዚ መሪሕ ግደ ስለ ዝነበሮ፡ ብተበግሶኡ ብዙሕ ዕዮ ዓይዩ እዩ። ኣነ እውን ምስኡ ዀይነ ኽዓዪ ፍሉይ መሰል ረኺበ እየ፣ ጸኒሐ ድማ ንዓሰርተ ቛንቋ ምብራቕ ኤውሮጳ ንዚሓቍፍ ዕዮ ትርጕም ብሓላፍነት ንኺቈጻጸር ሕቶ ቐረበለይ። ዩርገንን ጌርትሩደ ብዓልቲ ቤቱን ኣብ ጀርመን ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም ብተኣማንነት የገልግሉ ኣለዉ። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኦስትርያ፡ ካብ 1978 ጀሚሩ ብንእሽቶ ማሕተም ተጠቒሙ ብሽዱሽተ ቛንቋ መጽሔታት ኪሓትም ጸኒሑ እዩ። ብዘይካዚ፡ መጽሔታት ብኰንትራት ኪልኣኸለን ንዝሓተታ እተፈላለያ ሃገራት፡ ንልእከለን ኔርና ኢና። ኦቶ ኩግሊሽክ ሕጂ ምስ ኢንግሪት ሰበይቱ ዀይኑ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጀርመን ዜገልግል ዘሎ ሓው፡ ኣብዚ ዕዮ እዚ ዓብዪ ሓላፍነት እዩ ነይርዎ።

ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ብመባዚሒት ማኪና ተጠቒሞም ጽሑፋት የባዝሑ ወይ ይሓትሙ እኳ እንተ ነበሩ፡ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ሓገዝ የድልዮም ነይሩ እዩ። የሆዋ ነዚ ዕዮ እዚ ኣዕቊብዎ እዩ። ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ድማ ነቶም ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታትን ኣብ ትሕቲ እገዳን ኰይኖም ንሓያሎ ዓመታት ዜገልግሉ ዝነበሩ ኣሕዋት ከነፍቅሮም ተደሪኽና ኢና።

ናብ ሩማንያ ዝገበርክዎ ፍሉይ ምብጻሕ

ብ1989፡ ምስቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝነበረ ሓው ቴኦዶር ጃራዝ ኰይነ ናብ ሩማንያ ክኸይድ ፍሉይ መሰል ረኺበ  እየ። ዕላማ እቲ ምብጻሕ፡ ኣብታ ሃገር ንዚነብሩ ሓያሎ ኣሕዋት ምስ ውድብ የሆዋ ንኺሓብሩ ንምሕጋዝ እዩ ነይሩ። እቶም ኣሕዋት ካብ 1949 ጀሚሩ፡ ብእተፈላለየ ምኽንያት ካብ ውድብ የሆዋ ተፈልዮም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ጉባኤታት መስሪቶም ነበሩ። ምስናይዚ ግና፡ ብቐጻሊ ይሰብኩን የጠምቑን ነበሩ። ከምቶም ኣባላት እቲ ብቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዓለም እተደገፈ ውድብ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ እዚኣቶም እውን ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ይእሰሩ ነበሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ሩማንያ ዕዮና ተኣጊዱ ስለ ዝነበረ፡ ብምስጢር ኣብ ቤት ፓምፊል ኣልቡ፡ ምስቶም ቀንዲ ሓላፍነት ዝነበሮም ኣርባዕተ ሽማግለታትን ምስ ወኪላት እቲ ብወግዒ ዝጸደቐ ኮሚተ ሃገር ሩማንያን ተኣከብና። ንሮልፍ ከልነር እውን ንኽትርጕመልና ኢልና ኻብ ኦስትርያ ተማሊእናዮ ነበርና።

ኣብ ካልአይቲ ምሸት ኣብ ዝገበርናዮ ምይይጥ፡ ሓው ኣልቡ ነቶም ኣርባዕተ መገላግልቱ ዝዀኑ ሽማግለታት፡ “ሕጂ እንተ ዘይጌርናዮ፡ ካልእ ኣጋጣሚ ኸይህልወና ይኽእል እዩ” ብምባል ምሳና ንኺሓብሩ ኣእመኖም። ድሕርዚ፡ ኣስታት 5,000 ኣሕዋት ምስ ውድብ የሆዋ ሓበሩ። እዚ፡ ንየሆዋ ዓወት፡ ንሰይጣን ከኣ ጽፍዒት እዩ ነይሩ።

ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1989፡ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ስርዓት ኮምዩኒስት ቀቅድሚ ምውዳቑ፡ ኣማሓዳሪ ኣካል ንዓይን ንሰበይተይን ናብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ክንግዕዝ ዕድመ ኣቕረበልና። ኣዝዩ ኸኣ ደንጸወና። ኣብ ሓምለ 1990 ኣብ ብሩክሊን ቤት-ኤል ከነገልግል ጀመርና። ብ1992 ሓጋዚ ኮሚተ ኣገልግሎት ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይነ ኸገልግል ተሸምኩ፣ ብ1994 ድማ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይነ ንኸገልግል ፍሉይ መሰል ተዋህበኒ።

ተዘክሮይን ተስፋይን

ምስ ሰበይተይ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ

ኣብ ሆቴል፡ ኣሳሳዪ ዀይነ ኻብ ዘገልግል ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ ኣሎ። ሕጂ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ኣሕዋትና ዚኸውን መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ምድላውን ኣብ ምዝርጋሕን ንኽካፈል ፍሉይ መሰል ረኺበ ኣለኹ። (ማቴ. 24:45-47) ነቲ ንልዕሊ 50 ዓመት ዚኣክል ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፍክዎ ህይወት ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ፡ የሆዋ ንዓለምለኻዊ ሕውነትና ስለ ዝባረኾ ሞሳይን ሓጐሰይን ካብ ምግላጽ ሓሊፈ ዝብሎ የብለይን። ኣብቲ ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋን ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስን ንኽንመሃር ዜጕልሕ ኣህጕራዊ ኣኼባታት ክእከብ ከለኹ የሐጕሰኒ እዩ።

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑን ሓቂ ኪቕበሉን ምስቲ ዓለምለኻዊ ክርስትያናዊ ሕውነትና ሓቢሮም ብሓድነት ንየሆዋ ኼገልግልዎን እጽሊ እየ። (1 ጴጥ. 2:17NW እግረ ጽሑፍ) ኣብ ሰማይ ኰይነ ምድራዊ ትንሳኤ ኺፍጸም ከሎ ኽርእን ኣብ መንጎኦም ከኣ ንሰብኣዊ ኣቦይ ክረኽቦን ብሃረርታ እየ ዝጽበ። ኣደይን ካልኦት ኣዝማደይን እውን ኣብ ገነት ንየሆዋ ኼምልኽዎ ኺደልዩ፡ ተስፋ ኣሎኒ።

ኣብ ሰማይ ኰይነ ምድራዊ ትንሳኤ ኺፍጸም ከሎ ኽርእን ኣብ መንጎኦም ከኣ ንሰብኣዊ ኣቦይ ክረኽቦን ብሃረርታ እየ ዝጽበ

^ ሕ.ጽ. 15 ታሪኽ ህይወተን ኣብ ናይ 1 ሕዳር 1979 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ርአ።