ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)  |  ሓምለ 2014

“መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም”

“መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም”

“[የሱስ] ድማ፡ ‘. . . ክሳዕ ወሰን [ምድሪ] መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም’ በሎም።”—ግብ. 1:7, 8

1, 2. (ሀ) እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ናይ የሆዋ ምስክር መን እዩ፧ (ለ) እቲ “የሱስ” ዚብል ስም እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ ወዲ ኣምላኽ ምስ ስሙ ተሰማሚዑ እተመላለሰኸ ብኸመይ እዩ፧

“ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንቲ እዚ ተወለድኩ፡ ምእንቲ እዚ እውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ።” (ዮሃንስ 18:33-37 ኣንብብ።) የሱስ ክርስቶስ ንህይወቱ ብዚምልከት ኣብ ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ነቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ይሁዳ ነዘን ቃላት እዚአን ተዛረቦ። ቀቅድሚ እዚ እውን ንጉስ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ እዩ። ድሕርዚ ፍጻመ እዚ ዓመታት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነዚ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ትብዓት፡ “ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ከም ምስክር ብጽቡቕ እተኣመነ” ብምባል ኣብሪህዎ ኣሎ። (1 ጢሞ. 6:13) ኣብዛ ብጽልኢ እተመልአት ናይ ሰይጣን ዓለም እናነበርካ፡ “እሙንን ሓቀኛን ምስክር” ንኽትከውን፡ ሓድሓደ ግዜ ብዙሕ ትብዓት ይሓትት እዩ።—ራእ. 3:14

2 የሱስ ኣባል ህዝቢ ኣይሁድ ስለ ዝነበረ፡ ብትውልዲ ናይ የሆዋ ምስክር እዩ ነይሩ። (ኢሳ. 43:10) እወ፡ የሱስ ካብቶም ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ስሙ ዘተንስኦም መሰኻኽር እቲ ዝዓበየ ምስክር እዩ ነይሩ። ንትርጕም እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ ገዛእ ርእሱ ስም እውን ኣርዚኑ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ሓደ መልኣኽ ነቲ ንየሱስ ከም ኣቦ ዀይኑ ዘዕበዮ ዮሴፍ፡ ማርያም ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝጠነሰት ኪነግሮ ኸሎ፡ “ወዲ ኽትወልድ እያ፣ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ የሱስ ክትብሎ ኢኻ” በሎ። (ማቴ. 1:20, 21) እቲ “የሱስ” ዚብል ስም ካብቲ “ጀሹዋ” ዚብል ናይ እብራይስጢ ስም ከም ዝመጸ፡ ሓጺር ኣጸዋውዓ እቲ መለኮታዊ ስም እውን ከም ዝሓዘ፡ ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓፈሻ ይሰማምዑሉ  እዮም፣ ትርጕሙ ኸኣ፡ “የሆዋ መድሓኒ እዩ” ማለት እዩ። የሱስ ምስ ትርጕም ስሙ ብምስማማዕ፡ ነቶም “ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል፡” ስምረት የሆዋ ምእንቲ ኺረኽቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኪንስሑ ሓጊዝዎም እዩ። (ማቴ. 10:6፣ 15:24፣ ሉቃ. 19:10) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት መስኪሩ እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀነ ማርቆስ ነዚ ዚስዕብ ጸብጻብ ሃበ፦ “የሱስ ብስራት ኣምላኽ እናሰበኸ ናብ ገሊላ ኸደ፡ ከምዚ እናበለ፦ ‘እቲ ምዱብ እዋን ተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀሪባ ኣላ። ተነስሑ፡ ብብስራት እውን እመኑ።’” (ማር. 1:14, 15) ብዘይካዚ፡ የሱስ ንመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ብትብዓት ኰኒንዎም እዩ፣ ሓደ ኻብቲ ኣብ ጕንዲ ንኺሰቕልዎ ምኽንያት ዝዀኖም ከኣ እዚ እዩ ነይሩ።—ማር. 11:17, 18፣ 15:1-15

“ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ”

3. ድሕሪ ሞት የሱስ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንታይ ተፈጸመ፧

3 የሱስ ብጭካነ ምስ ተቐትለ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣዝዩ ዜደንቕ ነገር ተፈጸመ። የሆዋ ንየሱስ፡ ከም ሰብ ዘይኰነስ፡ ከም ዘይመውት መንፈሳዊ ፍጡር ገይሩ ኻብ ምዉታት ኣተንስኦ። (1 ጴጥ. 3:18) ነዚ መርትዖ ምእንቲ ኪኸውን ከኣ፡ ጐይታ የሱስ ስጋ ሰብ ለቢሱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ተራእይዎም እዩ። ድሕሪ ትንሳኤኡ ኣብ ዝነበረት ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ ንእተፈላለዩ ደቀ መዛሙርቱ እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ሳዕ ተራእይዎም እዩ።—ማቴ. 28:8-10፣ ሉቃ. 24:13-16, 30-36፣ ዮሃ. 20:11-18

4. የሱስ እንታይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣኼባ እዩ መሪሑ፧ ንደቀ መዛሙርቱኸ እንታይ ሓላፍነት ከም ዘለዎም እዩ ነጊርዎም፧

4 የሱስ ንሓምሻይ ግዜ ኣብ እተራእየሉ እዋን፡ ሃዋርያቱን ካልኦትን ብሓባር ተኣኪቦም ነበሩ። ኣብታ ዘይትርሳዕ ኣኼባ እቲኣ፡ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ መርሓሎም። “ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኬስተውዕልዎ፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም።” ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ፡ የሱስ ብኢድ ጸላእቲ ኣምላኽ ከም ዚመውትን ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዚትንስእን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተነጊሩ ኸም ዝነበረ ኺርድኦም ጀመረ። ኣብታ ኣዝያ ኣገዳሲት ኣኼባ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣነጺሩ ገለጸሎም። “ብስሙ . . . ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ንስሓ ኻብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ” ምዃኑ ነገሮም። ኣስዒቡ ድማ፡ “ንስኻትኩም ናይዚ መሰኻኽር ክትኰኑ ኢኹም” በሎም።—ሉቃ. 24:44-48

5 ድሕርዚ የሱስ 40 መዓልቲ ጸኒሑ ንሃዋርያቱ ንመወዳእታ ግዜ ምስ ተራእዮም፡ እሞ ሓያል መልእኽቲ ብዝሓዘለ ቕልል ዝበለ ቓላት፡ “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድርን መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ምስ በሎም፡ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ተረዲእዎም ኪኸውን ኣለዎ። (ግብ. 1:8) የሱስ፡ “መሰኻኽር የሆዋ ኽትኰኑ ኢኹም” ዘይኰነስ፡ “መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧ “መሰኻኽር የሆዋ ኽትኰኑ ኢኹም” ኪብል ምኸኣለ ነይሩ፣ ይኹን እምበር፡ እቶም ዚዛረቦም ዝነበረ ሰባት እስራኤላውያን እዮም ነይሮም፣ ንሳቶም ድማ ብቐደሞም መሰኻኽር የሆዋ እዮም ነይሮም።

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብምዃንና፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘለዎ ዕላማ ወትሩ ንእውጅ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 5, 6 ርአ)

5, 6. (ሀ) የሱስ “መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ብዛዕባ እንታይ ሓድሽ መዳይ ዕላማ ኣምላኽ እዮም ኬፍልጡ ዜድልዮም ነይሩ፧

6 ድሕርዚ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ እተረድእዎ ሓድሽ መዳይ ዕላማ ኣምላኽ ንኻልኦት ኬፍልጡ የድልዮም ነበረ። እዚ ኸኣ ኣምላኽ ብየሱስ ኣቢሉ ንደቂ ሰብ ዝገበረሎም ድሕነት ኪኸውን ከሎ፡ እዚ ድሕነት እዚ፡ ካብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ብምውጻእ ዝገበረሎም ድሕነት ኣዝዩ ዝዓበየ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ሞትን ትንሳኤን የሱስ ክርስቶስ ካብቲ ዝኸፍአ ዓይነት ባርነት፡ ማለት ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኽንወጽኣሉ እንኽእል መሰረት ኣንቢሩ እዩ። ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐብኡ እሞ፡ ንሰባት “ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ኬፍልጡ ጀመሩ፡ ብዙሓት ዝሰምዑ እውን ኣወንታዊ ምላሽ ሃቡ። ሽዑ፡ የሱስ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ኣቦኡ ዀይኑ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ክንስሑን  የሆዋ ንደቂ ሰብ ንምድሓን እተጠቕመሉ ንየሱስ ከም ዝዀነ ኺኣምኑን ከለዉ፡ ስሙ ዝያዳ ትርጕም ከም ዝሓዘ ኺርአ ጀመረ።—ግብ. 2:5, 11, 37-41

“ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ”

7. እቲ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እተፈጸመ ነገራት እንታይ እዩ ዜረጋግጽ ነይሩ፧

7 ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እተፈጸመ ነገራት፡ የሆዋ ንዋጋ እቲ ፍጹም ሰብኣዊ መስዋእቲ የሱስ ከም መተዓረቒ ወይ መሸፈኒ ሓጢኣት ገይሩ ብጸጋ ኸም እተቐበሎ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ። (እብ. 9:11, 12, 24) ከምቲ የሱስ ባዕሉ ዝገለጾ፡ “ኬገልግልን ነፍሱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኪግልገል ኢሉ ኣይመጸን።” (ማቴ. 20:28) እቶም ካብ በጃ የሱስ ዚጥቀሙ “ብዙሓት፡” ኣብቶም እተነስሑ ኣይሁድ ጥራይ እተወሰነ ኣይኰነን። በጃ፡ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ” ብምዃኑ፡ ኣምላኽ፡ “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕን” እዩ ዚደሊ።—1 ጢሞ. 2:4-6፣ ዮሃ. 1:29

8. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክሳዕ ክንደይ እዮም ብስፍሓት ኪሰብኩ ኽኢሎም፧ እዚኸ ብኸመይ እዩ ተኻኢሉ፧

8 ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ብዛዕባኡ ብቐጻሊ ንኺምስክሩ ዜድሊ ትብዓት ነይርዎም ድዩ፧ እወ፡ ነይርዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ትብዓት ካብ ርእሶም ዘጥረይዎ ኣይኰነን ነይሩ። ብቐጻሊ ንኺምስክሩ ዝደረኾምን ዘበርትዖምን፡ እቲ ሓያል ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ የሆዋ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:30-32 ኣንብብ።) ካብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ኣስታት 27 ዓመት ጸኒሑ፡ “መልእኽቲ ሓቂ እቲ ብስራት” ንኣይሁድን ንኣህዛብን ስለ እተሰብከሎም፡ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት ተሰቢኹ” ተባህለ።—ቈሎ. 1:5, 23

9. ከምቲ ብትንቢት እተነግረ፡ ነታ ናይ መጀመርታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ኣጋጠማ፧

9 እቲ ዜሕዝን ግና፡ እታ ናይ መጀመርታ ክርስትያናዊት ጉባኤ በብቝሩብ እናተበላሸወት ከደት። (ግብ. 20:29, 30፣ 2 ጴጥ. 2:2, 3፣ ይሁ. 3, 4) “እቲ እኩይ” ዝዀነ ሰይጣን ዘስፋሕፍሖ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኽሕደት፡ ክሳዕ “መደምደምታ ስርዓት ዓለም” ከም ዚዓብን ንናይ ሓቂ ክርስትና ኸም ዚዕብልሎን፡ የሱስ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 13:37-43) ቀጺሉ፡ የሆዋ ንየሱስ ኣብ ዓለም ኣንገሶ። እዚ ኸኣ ኣብቲ “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ዝጀመረሉ ጥቅምቲ 1914 እዩ ተፈጺሙ።—2 ጢሞ. 3:1

10. (ሀ) ቅቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ እንታይ ኣገዳሲት ዓመት እዮም 30 ዓመት ኣቐዲሞም ዝሓበሩ፧ (ለ) ብጥቅምቲ 1914 እንታይ ተፈጸመ፧ ብንጹር እተራእየኸ ብኸመይ እዩ፧

10 ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ጥቅምቲ 1914 ፍልይቲ ዕለት ከም እትኸውን 30 ዓመት ኣቐዲሞም  ሓቢሮም ነይሮም እዮም። ነዚ ኸኣ ኣብቲ ዳንኤል ሓደ ዓብዪ ኦም ከም ዚቝረጽን ድሕሪ “ሾብዓተ ግዝያት” ከም ዚጥጥዕን እተነበዮ ትንቢት ተመርኲሶም እዮም ፈሊጦምዎ። (ዳን. 4:16) የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን “መደምደምታ ስርዓት ዓለምን” ኣብ እተነበዮ ትንቢት፡ ንትንቢት ዳንኤል፡ “ምዱብ እዋናት ኣህዛብ” ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ። ካብታ ፍልይቲ ዓመት ዝዀነት 1914 ንነጀው፡ ክርስቶስ ሓድሽ ንጉስ ምድሪ ዀይኑ ኸም ዝነገሰ ዚሕብር “ምልክት” ብንጹር ይርአ ኣሎ። (ማቴ. 24:3, 7, 14፣ ሉቃ. 21:24) ስለዚ፡ እቲ ሎሚ እንሰብኮ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ፡” የሆዋ ንየሱስ ብ1914 ኣብ ዓለም ከም ዘንገሶ ንዚገልጽ ሓቂ የጠቓልል።

11, 12. (ሀ) እቲ ሓድሽ ንጉስ ምድሪ፡ ኣብታ ደድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበረት ዓመተ 1919 እንታይ ኪገብር ጀመረ፧ (ለ) ካብ መፋርቕ 1930ታት ንነጀው፡ እንታይ ተወሳኺ ነገር እዩ ነጺሩ፧ (ኣብ ገጽ 28 ዘላ ስእሊ ርአ።)

11 የሱስ ከም ሓድሽ ንጉስ ምድሪ ዀይኑ ምስ ነገሰ፡ ንቕቡኣት ሰዓብቱ ኻብ ምርኮ “ዓባይ ባቢሎን” ሓራ ኼውጽኦም ጀመረ። (ራእ. 18:2, 4) ብ1919 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ደድሕሪ ምዝዛሙ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዚጥቀመሉ መገዲ ድሕነትን ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽን ዓለምለኻዊ ምስክርነት ዚውሃበሉ ኣጋጣሚ ተኸፍተ። ቅቡኣት ክርስትያናት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም ምስክርነት ሃቡ። ሳላ እዚ ምስክርነት እዚ ድማ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ቕቡኣት፡ መዋርስቲ ክርስቶስ ንኪዀኑ ተኣከቡ።

12 ካብ መፋርቕ 1930ታት ንነጀው፡ ክርስቶስ ክፍሊ እተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ንዝዀኑ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ “ብዙሓት ህዝቢ” ኺእክብ ከም ዝጀመረ ነጸረ። እዞም ብዙሓት ህዝቢ ብቕቡኣት ክርስትያናት እናተመርሑ፡ ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ብምስዓብ ብትብዓት ይምስክሩ፣ ድሕነት ዚርከብ ብኣምላኽን ብክርስቶስን ከም ዝዀነ እውን ይእመኑ እዮም። ኣብዚ ዕዮ ምስክርነትን ብበጃ ክርስቶስ ኣብ ዘለዎም እምነትን እንተ ጸኒዖም ከኣ፡ ካብቲ ነዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዜጥፍእ “ብርቱዕ ጸበባ” ኺድሕኑ እዮም።—ዮሃ. 10:16፣ ራእ. 7:9, 10, 14

‘ተቢዕካ ብስራት ንገር’

13. ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን እንታይ ንምግባር ኢና ቘሪጽና ዘሎና፧ ከም እንዕወት ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

13 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝገበሮ “ዓብዪ ግብሪ” ዀነ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዚመጽእ ዚፍጸም መብጽዓታቱ፡ መሰኻኽር ኴንና ንኽንእውጅ ተዋሂቡና ንዘሎ ፍሉይ መሰል ወትሩ ኣኽቢርና ንርኣዮ። እዚ ዕዮ ምስክርነት እዚ፡ ቀሊል ዘይኰነሉ ግዜያት ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ሓያሎ ኣሕዋትና፡ ዘይተገዳስነትን ጽልእን መስጐጕትን ኣብ ዚርኣየሉ ኽሊ እዮም ዚዓይዩ። ንሕና እውን ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስን ብጾቱን ዝገበርዎ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ጳውሎስ፡ “ኣብ መንጎ ኽንደይ ተቓውሞ ብስራት ኣምላኽ ክንነግረኩም ብኣምላኽና ተባዕና” በለ። (1 ተሰ. 2:2) ስለዚ፡ ኣይንተሓለል። ነቲ ርእስና ኽንውፊ ኸለና ዝኣተናዮ ቓል ብምሕላው፡ ስርዓት ሰይጣን ክሳዕ ዚባድም ምስክርነት ንኽንህብ ቈራጻት ንኹን። (ኢሳ. 6:11) ነዚ  ብናይ ርእስና ሓይሊ ኽንገብሮ ስለ ዘይንኽእል፡ ኣብነት ቀዳሞት ክርስትያናት ብምስዓብ፡ የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ንኺህበና ንጸሊ።—2 ቈረንቶስ 4:1, 7 ኣንብብ፣ ሉቃስ 11:13

14, 15. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብኸመይ እዮም ዚርኣዩ ነይሮም፧ ሃዋርያ ጴጥሮስከ ብዛዕባኦም እንታይ ኢሉ፧ (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃንና እንተ ተገፊዕና እንታይ ኪስምዓና ኣለዎ፧

14 ሎሚ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ክርስትያናት ከም ዝዀኑ እኳ እንተ ተዛረቡ፡ “ፍንፉናትን ዘይእዙዛትን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዘይበቕዑን ብምዃኖም ግና፡ [ንኣምላኽ] ብግብሮም ይኽሕድዎ እዮም።” (ቲቶ. 1:16) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ይጸልእዎም ከም ዝነበሩ ኽንዝክር ኣሎና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ‘ምእንቲ ስም ክርስቶስ ትጽረፉ እንተ ኣለኹም፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይዓርፍ ኣሎ እሞ፡ ሕጉሳት ኢኹም’ ዝበለ።—1 ጴጥ. 4:14

15 እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት እዚ፡ ሎሚ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪውዕል ይኽእል ድዩ፧ እወ፡ ከመይ ደኣ! ንሕና እውን የሱስ ከም ዝነገሰ ንምስክር ኢና። ስለዚ፡ ስም የሆዋ ብምጻርና ምስ እንጽላእ፡ ‘ምእንቲ ስም [የሱስ] ክርስቶስ ንጽረፍ’ ከም ዘሎና እዩ ዚቝጸር። የሱስ ንተጻረርቱ፡ “ኣነ ብስም ኣቦይ እየ መጺአ፡ ንስኻትኩም ግና ኣይተቐበልኩምንን” በሎም። (ዮሃ. 5:43) ስለዚ፡ ኣብ ዕዮ ስብከትካ ምጽራር እንተ ኣጋጢሙካ፡ ኣጆኻ ትባዕ። ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ፡ ስምረት ኣምላኽ ከም ዝረኸብካን መንፈሱ ‘ኣባኻ ይዓርፍ ከም ዘሎን’ ዜርኢ እዩ።

16, 17. (ሀ) ኣብ ሓያሎ ኽፋላት ዓለም ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ተመክሮ እዩ ዘለዎም፧ (ለ) እንታይ ንኽትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘሎኻ፧

16 ምስናይዚ እውን ኣብ ሓያሎ ኽፋላት ዓለም ጽቡቕ ወሰኽ ይርአ ኸም ዘሎ ኣይትረስዕ። ኣብቲ ብግቡእ እተዓይየሉ ኽልታት እውን ከይተረፈ፡ ኪሰምዑ ፍቓደኛታት ዚዀኑ፡ ነቲ ዜደንቕ መልእኽቲ ድሕነት ከኣ ከነካፍሎም እንኽእል ሰባት ንረክብ ኢና። ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ተመሊስና ንኽንበጽሖም፡ እንተ ተኻኢሉ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንመርሓሎም ንትጋህ፣ ርእሶም ወፍዮም ምእንቲ ኺጥመቑ ድማ ንሓግዞም። ምናልባት፡ ንስኻ እውን ከምታ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትነብር፡ ኣብ ዕዮ ምስክርነት ድማ ንልዕሊ 60 ዓመት ብንጥፈት ዝዓየየት ሳሪ፡ እተሰምዓ ስምዒት ተሰሚዑካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓብትና ሳሪ፡ “ብመስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ኣቢለ ምስቲ ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወኒ ስለ ዝኸኣለ ኣዝየ እየ ዘመስግን። ነቲ ኽቡር ስሙ ኺእውጅ ብምኽኣለይ ከኣ ሕጕስቲ እየ” በለት። ንሳን ማርቲኑስ ሰብኣያን ንሓያሎ ሰባት፡ እንተላይ ንሰለስተ ደቆም፡ ንየሆዋ ንኼምልኹ ሓጊዞምዎም እዮም። ሓብትና ሳሪ ኣስዒባ፡ “ከምዚ ንጥፈት እዚ ገይሩ፡ ዓብዪ ዕግበት ኬምጽእ ዚኽእል ካልእ ንጥፈት የለን። የሆዋ ድማ ኣብዚ ህይወት ዜድሕን ዕዮ እዚ ንኽንቅጽል ዜድልየና ሓይሊ፡ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ንዅልና ይህበና ኣሎ” በለት።

17 እተጠመቕና ክርስትያናት ንኹን ወይ ኣብዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ እንጽዕር እንተ ኣሊና፡ ምስታ ዓለምለኻዊት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽንሓብር ፍሉይ መሰል ብምርካብና ኸነመስግን ይግብኣና። ሃየ እምበኣር፡ ርእስኻ ኻብዛ ርኽስቲ ናይ ሰይጣን ዓለም እናንጻህካ ኣጸቢቕካ መስክር። ከምዚ እንተ ጌርካ፡ ነቲ ፈቃር ዝዀነ፡ ስሙ ንኽንጸውር ከኣ ፍሉይ መሰል ዝሃበና፡ ሰማያዊ ኣቦና ኸተኽብሮ ኢኻ።