ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ሰነ 2014

‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’

‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’

“እታ እትመስላ ኻልአይታ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።’”—ማቴ. 22:39

1, 2. (ሀ) የሱስ፡ እታ ኻልአይቲ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ ምዃና እዩ ገሊጹ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

ሓደ ፈሪሳዊ ንየሱስ ኪፍትኖ ኢሉ፡ “መምህር፡ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ ትእዛዝ እያ ዝዓበየት፧” ኢሉ ሓተቶ። ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ የሱስ፡ “‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።’ እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ” ኢሉ መለሰሉ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “እታ እትመስላ ኻልአይታ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’” በለ።—ማቴ. 22:34-39

2 የሱስ፡ ንብጻይና ኸም ነፍስና ጌርና ኸነፍቅሮ ኸም ዘሎና ተዛሪቡ ኣሎ። ስለዚ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና፦ ብጻይና መን እዩ፧ ከም እነፍቅሮ ኸነርኢ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

ብጻይና መን እዩ፧

3, 4. (ሀ) የሱስ ነታ “ብጻየይከ መን ኰን እዩ፧” እትብል ሕቶ፡ በየናይ ምሳሌ እዩ መሊስዋ፧ (ለ) ሓደ ሳምራዊ ንሓደ እተኸትረን እተቐጥቀጠን ኣይምዉት ኣይስሩር ጌርካ እተገድፈን ሰብኣይ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

3 ሓደ ርእሱ ኼጽድቕ ዝደለየ ሰብኣይ ንየሱስ፡ “ብጻየይከ መን ኰን እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ድማ ነታ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ እትገልጽ ምሳሌ ነገሮ። (ሉቃስ 10:29-37 ኣንብብ።) ሓደ እስራኤላዊ ኻህንን ሌዋውን፡ ነቲ እተኸትረን እተቐጥቀጠን ኣይምዉት ኣይስሩር ጌርካ እተገድፈን ሰብኣይ፡ ኪድንግጹሉን ኪሕግዝዎን ነበሮም። ይኹን እምበር፡ ዋላ ሓንቲ  ኣይገበሩሉን። ነቲ ሰብኣይ ዝሓገዞ፡ ሓደ ሳምራዊ እዩ ነይሩ፣ ሳምራውያን ድማ ንሕጊ ሙሴ የኽብርዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብኣይሁድ ግና እተናዕቁ እዮም ነይሮም።—ዮሃ. 4:9

4 እቲ እተኸትረ ሰብኣይ ቍስሉ ምእንቲ ኺሓውየሉ፡ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብቲ ቝስሉ ዘይትን ወይንን ኣፍሰሰሉ። እቲ ነቲ ሓላው መሕደር ኣጋይሽ ዝኸፈሎ ኽልተ ዲናር ድማ፡ ዳርጋ ናይ ክልተ መዓልቲ ደሞዝ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 20:2) ካብቶም ሰለስተ ሰብኡት፡ ነቲ ዝቘሰለ ሰብኣይ ናይ ሓቂ ብጻይ ዝዀኖ መን ምዃኑ ንጹር እዩ። ምሳሌ የሱስ፡ ንብጻይና ኽንድንግጸሉን ፍቕሪ ኸነርእዮን ከም ዘሎና ዚምህር እዩ።

ኣገልገልቲ የሆዋ ንብጻዮም ቀልጢፎም ፍቕሪ የርእዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5 መብዛሕትኡ እዋን ከምቲ ሕዋያይ ሳምራዊ ዝበለ ሰብ ምርካብ፡ ኣጸጋሚ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ፍቕሪ ንስድራ ቤት ዘይብሎምን ጨካናትን ሰናይ ዘይፈትዉን ሰባት ዚመልኡሉ “ዳሕሮት መዓልትታት፡” ሕዋያይ ሰብ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1-3) ንኣብነት፡ ባህርያዊ ሓደጋ ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን፡ ኵነታት ኪጽንክር ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2012፡ ከተማ ኒው ዮርክ ብህቦብላ ሳንዲ ምስ ዓነወት ዘጋጠመ ነገራት እስከ ንርአ። ኣብ ሓደ ብኸቢድ እተጐድአ ሸነኽ እታ ኸተማ፡ ሰረቕቲ ኻብቶም ብሰንኪ ሕጽረት ኤለክትሪክን መሞቕን ካልእ ኣገዳሲ ነገራትን ዚሳቐዩ ዝነበሩ ተቐማጦ ይሰርቁ ነበሩ። ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና፡ ንሓድሕዶም ኰነ ንኻልኦት ዚሕግዙሉ መደብ ኣውጽኡ። ክርስትያናት ከምዚ ዚገብሩ፡ ንብጻዮም ስለ ዜፍቅሩ እዮም። ብጻይና ኸም እነፍቅር ከነርእየሉ እንኽእል ካልእ መገድታት እንታይ እዩ፧

ብጻይና ኸም እነፍቅር ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6. ዕዮ ስብከት፡ ብጻይና ኸም እነፍቅር ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

6 ንሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ሓግዞም። ከምኡ ኽንገብር እንኽእል፡ “ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዒ” ኣቢልና ኢና። (ሮሜ 15:4) ኣብ ዕዮ ስብከትና ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንነግሮም ከለና፡ ብጻይና ኸም እነፍቅር ዜርኢ እዩ። (ማቴ. 24:14) ነቲ ኻብቲ “ተስፋ ዚህብ ኣምላኽ” ዚመጽእ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንእውጆ ምኽኣልና፡ ኣዝዩ ኽቡር መሰል እዩ።—ሮሜ 15:13

7. እታ ወርቃዊት ሕጊ እንታይ እያ፧ ንዓኣ እንተ ስዒብናያኸ ብኸመይ ኢና እንባረኽ፧

7 ነታ ወርቃዊት ሕጊ ስዓባ። እንታይነት እዛ ሕጊ እዚኣ፡ ኣብቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ተገሊጹ ኣሎ፣ ንሱ፡ “ሕግን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም” በለ። (ማቴ. 7:12) ንኻልኦት ሰባት ከምቲ የሱስ ዝመኸረና ጌርና ንሕዞም እንተ ዄንና፡ ምስ መንፈስ እቲ “ሕግን” (ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ዘዳግም) “ነብያትን” (ትንቢታዊ መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ) ተሰማሚዕና ኢና እንመላለስ። እዚ እተጠቕሰ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣምላኽ ነቶም ንኻልኦት ዜፍቅሩ ሰባት ከም ዚባርኾም የነጽረልና እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ብኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “ፍርዲ ሐልዉ ጽድቂውን ግበሩ። እቲ ነዚ ዚገብር ሰብ፡ . . . ብጹእ እዩ” ኢሉ ነበረ። (ኢሳ. 56:1, 2) ንብጻይና ብፍቕርን ብጽድቅን ክንሕዞ ስለ እንጽዕር፡ ክንባረኽ ኢና።

8. ንጸላእትና ኸነፍቅሮም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ከምኡ እንተ ጌርናኸ እንታይ እዩ ኼጋጥም ዚኽእል፧

8 ጸላኢኻ ኣፍቅር። የሱስ፡ “‘ብጻይካ ኣፍቅር፡ ጸላኢኻ ድማ ጽላእ’ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ምእንቲ እቶም ዚሰጕጉኹም እውን ጸልዩ፣ ውሉዳት እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ከኣ ክትኰኑ ኢኹም” በለ። (ማቴ. 5:43-45) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን፡ “ጸላኢኻ እንተ ጠመየ፡ ኣብልዓዮ፣ እንተ ጸምአ፡ ኣስትዮ” ኢሉ ብምጽሓፍ ተመሳሳሊ ሓሳብ ጠቒሱ እዩ። (ሮሜ  12:20፣ ምሳ. 25:21) ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ሓደ ሰብ ንጸላኢኡ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጽዕነቱ ዝወደቐ ኣድጉ ንምልዓል ኪሕግዞ ነበሮ። (ዘጸ. 23:5) እቶም ቀደም ጸላእቲ ዝነበሩ ሰባት፡ በዚ ኸምዚ ብሓባር እንተ ዓይዮም፡ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ክርስትያናት ፍቕሪ ስለ ዜርእዩ፡ ብዙሓት ጸላእትና ልቦም ለስሊሱ እዩ። ንጸላእትና፡ እንተላይ ነቶም ሕሱማት ሰጐጕትና ፍቕሪ ነርእዮም እንተ ዄንና፡ ገሊኦም ነቲ ናይ ሓቂ ክርስትና ምስ ተቐበልዎ ኣዚና ኽንሕጐስ ኢና።

9. የሱስ፡ ምስ ኣሕዋትና ብዛዕባ ምትዕራቕ እንታይ እዩ ኢሉ፧

9 ‘ምስ ኵሉ ሰብ፡ ሰላም ስዓብ።’ (እብ. 12:14) እዚ ንኣሕዋትና እውን ዜጠቓልል እዩ፣ ከመይሲ፡ የሱስ፡ “መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጺእካ፡ ኣብኡ ኸኣ ሓውካ ሓዚኑልካ ኸም ዘሎ እንተ ዘኪርካ፡ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ ሓዲግካ፡ ኪድ። ቅድም፡ ምስ ሓውካ ተዓረቕ፣ ድሕሪኡ፡ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 5:23, 24) ንኣሕዋትና ነፍቅሮም እንተ ዄንናን ምሳታቶም ንምትዕራቕ ቅልጡፍ ስጕምቲ ንወስድ እንተ ዄንናን፡ ኣምላኽ ኪባርኸና እዩ።

10. ጌጋታት ክንኣሪ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

10 ጌጋ ኣይትእረ። የሱስ ከምዚ በለ፦ “ከይፍረደኩም፡ ኣይትፍረዱ፣ ከመይሲ፡ ብእትፈርድዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብእትሰፍርዎ መስፈሪ ድማ ኪስፈረልኩም እዩ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ሰርወ ዘየስተብሃልካስ፡ ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ኣብ ዓይንኻ ሰርወ ኸሎ፡ ከመይ ጌርካ ንሓውካ፡ ‘ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካ ሕደገኒ’ እትብሎ፧ ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ነቲ ሰርወ ኣውጽኣዮ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ንኸተውጽእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ ኢኻ።” (ማቴ. 7:1-5) ንሕና ንባዕልና ዓበይቲ ጌጋታት እናገበርና፡ ናይ ካልኦት ሰባት ንኣሽቱ ጌጋታት ክንኣሪ ኸም ዘይብልና ዚሕብር ሓያል ትምህርቲ እዩ።

 ብጻይካ ኸም እተፍቅር እተርእየሉ ፍሉይ መገዲ

11, 12. ብጻይና ኸም እነፍቅር ከነርኢ እንኽእል በየናይ ፍሉይ መገዲ እዩ፧

11 ብጻይና ኸም እነፍቅር እነርእየሉ ፍሉይ መገዲ ኣሎ። ልክዕ ከም የሱስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኽ ኢና። (ሉቃ. 8:1) የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ኢሉ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ሰባት ካብታ ናብ ጥፍኣት እትመርሕ ገፋሕን ርሕብትን መገዲ ወጺኦም፡ ኣብታ ናብ ህይወት እትመርሕ ቀጣን መገዲ ንኺኣትው ብምሕጋዝ፡ ነቲ እተዋህበና መዝነት ንምፍጻም ብዚከኣለና ንጽዕር ኢና። (ማቴ. 7:13, 14) የሆዋ ንኸምዚ ዓይነት ጻዕሪ ኸም ዚባርኾ ድማ ኣየጠራጥርን እዩ።

12 ንሕና እውን ልክዕ ከም የሱስ ንሰባት፡ መንፈሳውነት ንኺሃርፉ ንሕግዞም ኢና። (ማቴ. 5:3) ነቶም ጽቡቕ ምላሽ ዚህቡ ሰባት ድማ፡ “ብስራት ኣምላኽ” ብምንጋር፡ መንፈሳውነቶም ንኼዕግቡ ንሕግዞም ኢና። (ሮሜ 1:1) እቶም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚቕበልዎ ሰባት፡ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ምስ ኣምላኽ ይተዓረቑ እዮም። (2 ቈረ. 5:18, 19) ስለዚ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ፡ ብጻይና ኸም እነፍቅር እነርእየሉ ኣገዳሲ መገዲ እዩ።

13. ብዛዕባ እቲ ኸም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዘሎና ንጥፈት እንታይ ይስምዓካ፧

13 ውጽኢታዊ ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን፡ ሰባት ምስ ስርዓታት ጽድቂ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ንኺነብሩ እንሕግዘሉ መገዲ ስለ ዝዀነ፡ ዕግበት የምጽኣልና እዩ። እዚ ኸኣ ንናብራ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ ሰብ ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 6:9-11) ኣምላኽ ነቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ሰባት፡ ግቡእ ለውጢ ንኺገብሩን ምስኡ ጥብቂ ርክብ ንኺምስርቱን ዚሕግዞም ምዃኑ ዜሐጕስ እዩ። (ግብ. 13:48) በዚ ኸምዚ፡ ብዙሓት ተስፋ ቘሪጾም ዝነበሩ ሰባት፡ ሕጉሳት ኪዀኑ ኽኢሎም እዮም፣ እቶም ጭንቀት ዝነበሮም ከኣ፡ በቲ ሰማያዊ ኣቦና ኺተኣማመኑ ኽኢሎም እዮም። ሓደስቲ ሰባት መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ኸለዉ ምርኣይ፡ ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰና። ከም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን፡ ብጻይና ኸም እነፍቅር ብፍሉይ መገዲ ኸነርኢ ብምኽኣልና፡ ተባሪኽና ኢና።

መለኮታዊ መግለጺ ፍቕሪ

14. ንገለ ኻብቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:4-8 ተጠቒሱ ዚርከብ መዳያት ፍቕሪ፡ ብናትካ ቓላት ግለጾ።

14 ነቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝጸሓፎ ሓሳባት፡ ምስ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ እንተ ተግቢርናዮ፡ ካብ ብዙሕ ጸገማት ኪሰትረና፡ ሓጐስን በረኸት ኣምላኽን እውን ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 13:4-8 ኣንብብ።) ጳውሎስ ብዛዕባ ፍቕሪ እንታይ ከም ዝበለን ንቓላቱ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ክንትግብሮ ኸም እንኽእልን እስከ ኣሕጽር ኣቢልና ንርአ።

15. (ሀ) ዓቕልን ለውሃትን ከነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ካብ ቅንእን ጃህራን ክንርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

15 “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ።” ኣምላኽ ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ዘለዎ ርክብ፡ ዓቕልን ለውሃትን የርኢ እዩ፣ ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ካልኦት ኪጋገዩ ኸለዉ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ግዲ ዘይብሎም ወይ ዘይእሩማት ኪዀኑ ኸለዉ፡ ዓቕልን ለውሃትን ከነርኢ ኣሎና። “ፍቕሪ ኣይትቐንእን” እያ፣ ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንተ ኣልያትና፡ ንናይ ካልእ ሰብ ንብረት ወይ ፍሉይ መሰል ኣይንምነን ኢና። ብዘይካዚ፡ ፍቕሪ እንተ ኣልያትና፡ ኣይንጀሃርን ወይ ብትዕቢት ኣይንንፋሕን ኢና። ከመይሲ፡ “ኵሩዓት ኣዒንትን ንፉሕ ልብን ሓጢኣት እዩ፡ ንሱ ኸኣ መብራህቲ ረሲኣን እዩ።”—ምሳ. 21:4

16, 17. ምስ 1 ቈረንቶስ 13:5, 6 ተሰማሚዕና ኽንመላለስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ፍቕሪ፡ ምስ ብጻይና ኣብ ዘሎና ርክብ ስዲ ንኸይንኸውን ትዓግተና እያ። ኣይንሕሱን፡ ኣይንሰርቕን፡ ወይ ከኣ ዝዀነ ይኹን ንሕግታትን ንስርዓታትን የሆዋ ዚጥሕስ ነገር ኣይንገብርን ኢና። ብዘይካዚ፡ ፍቕሪ፡ ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስና ጥራይ ንኸይንጥምት ትድርኸና እያ።—ፊል. 2:4

17 ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብቐሊሉ “ኣይትቝጣዕን” እያ፣ ነቲ ኻልኦት ዝገበርዎ ሕማቕ ነገራት ስለ ዘይትምዝግቦ ድማ፡ “ኣይትቕየምን” እያ። (1 ተሰ. 5:15) ተቐየምቲ እንተ ዄንና ግና፡ ንኣምላኽ ኣይነሐጕሶን ኢና፣ ብዘይካዚ፡ ቂም ከምቲ ኺባራዕ ዚኽእል እተደጐለ ሓዊ ስለ ዝዀነ፡ ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ክንጐድእ ንኽእል ኢና።  (ዘሌ. 19:18) ፍቕሪ ብሓቂ ደኣ እምበር፡ ‘ብዓመጻ ስለ ዘይትሕጐስ፡’ ዚጸልኣና ሰብ እውን እንተ ዀነ፡ ኪግፋዕ ወይ ዘይፍትሓዊ ነገር ኬጋጥሞ ኸሎ ኣይንሕጐስን ኢና።—ምሳሌ 24:17, 18 ኣንብብ።

18. ካብ 1 ቈረንቶስ 13:7, 8 ብዛዕባ ፍቕሪ እንታይ ንመሃር፧

18 ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ ብዛዕባ ፍቕሪ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኵሉ ኽኢላ ትነብር” በለ። ሓደ ሰብ እንተ በዲሉና፡ ግናኸ ይቕረ ኽንብለሉ እንተ ሓቲቱና፡ ብፍቕሪ ተደሪኽና ይቕረታ ኽንገብረሉ ኣሎና። ፍቕሪ ‘ንዅሉ ቓል ኣምላኽ ትኣምኖ እያ፣’ ነቲ ዚዳለወልና መንፈሳዊ ምግቢ ንኸነማስወሉ እውን ትድርኸና እያ። ብዘይካዚ፡ ፍቕሪ ‘ተስፋ ትገብር እያ፣’ እዚ ኸኣ፡ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋታት ከም እትተኣማመን ዚሕብር እዩ። ፍቕሪ፡ ብዛዕባ እታ ኣባና ዘላ ተስፋ ንኻልኦት ሰባት ምኽንያት ንኽንህብ እውን ተለዓዕለና እያ። (1 ጴጥ. 3:15) ብዘይካዚ፡ ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ውጽኢቱ ጽቡቕ ንኪኸውን ንጽልን ተስፋ ንገብርን ኢና። ፍቕሪ፡ ‘ኵሉ ስለ እትጻወር፡” ሓደ ሰብ ኪብድለና ወይ መስጐጕቲ ኼውርደልና ኸሎ ዀነ ኻልእ ዓይነት ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ፡ ንጸንዕ ኢና። “ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ።” ከመይሲ፡ እዙዛት ሰባት ንዘለኣለም ኬንጸባርቕዋ እዮም።

ወትሩ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ

19, 20. ወትሩ ንብጻይና ንኸነፍቅሮ ኺድርኸና ዘለዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣየናይ እዩ፧

19 ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ወትሩ ብጻይና ኸነፍቅር ንኽእል ኢና። ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ፡ ንዓሌትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሉ ሰብ እተጠቓልል እያ። ብዘይካዚ፡ የሱስ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ኸም ዝበለ ኣይንረስዕ። (ማቴ. 22:39) ኣምላኽን ክርስቶስን፡ ብጻይና ኸነፍቅር ይደልዩና እዮም። ኣብ ገሊኡ ምስ ብጻይና ዚተሓሓዝ ኵነታት እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና እንተ ተጠራጢርና፡ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ምእንቲ ኺመርሓና፡ ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ በረኸት የሆዋ ኽንረክብ ኢና፣ ንሱ ድማ ብፍቕሪ ንኽንመላለስ ኪሕግዘና እዩ።—ሮሜ 8:26, 27

20 እቲ ንብጻይና ኸም ነፍስና ንኸነፍቅሮ እተዋህበና ትእዛዝ፡ “ንጉሳዊ ሕጊ” ተባሂሉ ኣሎ። (ያእ. 2:8) ጳውሎስ ንገለ ትእዛዛት ሕጊ ሙሴ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ “ካልእ ትእዛዝ ዘበለ እውን እንተሎ፡ ኣብቲ፡ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’ ዚብል ቃል ይጠቓለል እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን እያ፣ እምበኣር፡ ፍቕሪ መፈጸምታ ሕጊ እያ” በለ። (ሮሜ 13:8-10) ስለዚ፡ ወትሩ ንብጻይና ኸነፍቅሮ ኣሎና።

21, 22. ንኣምላኽን ንብጻይናን ከነፍቅር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

21 ንብጻይና ኸነፍቅሮ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ኸነስተንትን ከለና፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ኣቦኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንሱ ንእኩያትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ከኣ ዝናም የዝንም እዩ” ዝበሎ ሓሳብ ክንዝክሮ ጽቡቕ እዩ። (ማቴ. 5:43-45) ብጻይና ጻድቕ ይኹን ሓጥእ ብዘየገድስ፡ ከነፍቅሮ ኣሎና። ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ ኸነርእየሉ እንኽእል ዝዓበየ መገዲ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር እዩ። ነቶም ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ልቦም ዜማስዉሉ ሰባት፡ ብዙሕ በረኸት እዩ ዚጽበዮም ዘሎ።

22 ንየሆዋ ብምሉእ ልብናን ብምሉእ ነፍስናን ብምሉእ ኣእምሮናን እነፍቅረሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። ንብጻይና ኸም እነፍቅሮ እነርእየሉ ብዙሕ መገድታት እውን ኣሎ። ንኣምላኽን ንብጻይናን ነፍቅር እንተ ዄንና፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ጕዳያት እዚ ዝበሎ ነገራት ከም እነኽብሮ ኢና እነርኢ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኸነሐጕሶ ኢና።