ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ሚያዝያ 2014

ኣዒንቲ የሆዋ ዚቋመታኻ ምዃነን ተማስወሉ ዲኻ፧

ኣዒንቲ የሆዋ ዚቋመታኻ ምዃነን ተማስወሉ ዲኻ፧

“ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን፡ ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም።”—ምሳ. 15:3

1, 2. የሆዋ ንዓና ዚቋመተሉ መገዲ፡ ካብቲ ካሜራታት ሓለዋ ዚርእያሉ መገዲ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ንዋሕዚ መጓዓዝያ ንምቍጽጻርን ንሓደጋታት ንምስኣልን፡ ካሜራታት ሓለዋ ብብዝሒ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ። ሓደ ብዓል ማኪና፡ ሰብ ገጭዩ እንተ ሃዲሙ፡ በተን ካሜራታት ስለ ዚስኣል፡ ዚምልከቶም ሰበ ስልጣን ነቲ መራሕ ማኪና ኺሕዝዎን ኪኣስርዎን ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኵሉ ቦታታት፡ ኤለክትሮኒካዊ ኣዒንቲ ይበዝሕ ስለ ዘሎ፡ ሰባት ካብ ሳዕቤን ተግባራቶም ኪሃድሙ ኣጸጋሚ ይኸውን ኣሎ።

2 ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ በቦታኡ እናበዝሐ ዚኸይድ ዘሎ ቝጽሪ ካሜራታት ሓለዋ፡ ነቲ ፈቃር ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ድዩ ዜዘኻኽረና፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣዒንቲ የሆዋ “ኣብ ኵሉ ስፍራ” ኸም ዝዀና ይገልጽ እዩ። (ምሳ. 15:3) ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ንዅሉ እቲ እንገብሮ ነገራት ወትሩ ኣድቂቑ ይምርምሮ ማለት ድዩ፧ ኣምላኽ ሕጉ ኸም ዚኽበር ንኺገብርን እንተ ዘየኽቢርናዮ ንኪቐጽዓናን ኢሉ ድዩ ዚቋመተና፧ (ኤር. 16:17፣ እብ. 4:13) ኣይፋሉን። የሆዋ ብቐንዱ ዚዕዘበና፡ ንነፍሲ ወከፍና ስለ ዜፍቅረናን ብዛዕባ ድሕንነትና ስለ ዜተሓሳስቦን እዩ።—1 ጴጥ. 3:12

3. ኣምላኽ በየናይ ሓሙሽተ መገዲ ገይሩ እዩ ዚቋመተና፧

3 ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዚቋመተና ምዃኑ ንኽንርዳእ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ የሆዋ ንዓና ዚቋመተሉ ሓሙሽተ መገዲ እስከ  ንርአ። (1) ሕማቕ ዝንባለ ኸነርኢ ኸለና ብምጥንቃቕ፡ (2) ግጉይ ስጕምቲ ኽንወስድ ከለና ብምእራም፡ (3) በቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ስርዓት ብምምራሕ፡ (4) እተፈላለየ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ብምሕጋዝ፡ (5) ኣብ ውሽጥና ጽቡቕ ኪርኢ ኸሎ ዓስቢ ብምሃብ።

እቲ ነቒሑ ዚሕሉ ኣምላኽና የጠንቅቐና

4. የሆዋ ንቃየል፡ ሓጢኣት ‘ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸዎ’ ኸም ዘላ ዘጠንቀቖ ስለምንታይ እዩ፧

4 ብቐዳምነት፡ ሕማቕ ዝንባለ ኸነርኢ ኸለና፡ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዜጠንቅቐና እስከ ንርአ። (1 ዜና 28:9) ነዚ ብዝያዳ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ኣምላኽ ንቃየል ብኸመይ ከም ዝሓዞ እስከ ንመርምር፣ ቃየል ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይረኸበ ምስ ረኣየ ‘ኣዝዩ ዀረየ።’ (ዘፍጥረት 4:3-7 ኣንብብ።) የሆዋ ንቃየል፡ ‘ጽቡቕ ንኺገብር’ ኣተባብዖ። ከምኡ እንተ ዘይገይሩ ግና፡ ሓጢኣት ‘ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸዎ’ ኸም ዘላ ኣጠንቀቖ። “ንስኻ ክትገዝኣ ይግብኣካ” ድማ በሎ። ኣምላኽ፡ ቃየል ነቲ እተዋህቦ መጠንቀቕታ ተቐቢሉ ‘ገጹ ትኽ ኬብል’ ወይ ሞገስ ኪረክብ እዩ ዚደሊ ነይሩ። ከመይሲ፡ ሞገስ ኣምላኽ ምርካብ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ብዝያዳ የደልድሎ እዩ።

5. የሆዋ ብዛዕባ እቲ ኺህልወና ዚኽእል ሕማቕ ዝንባለ ዜጠንቅቐና ብኸመይ እዩ፧

5 እዚ ንዓና ብኸመይ ይምልከተና፧ ኣዒንቲ የሆዋ ንልብና ኺርእያኦ ይኽእላ እየን፣ ነቲ ናይ ሓቂ ዝንባለናን ድራኸናን ድማ ካብኡ ኽንሓብኦ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ፈቃር ዝዀነ ኣቦና የሆዋ፡ መገዲ ጽድቂ ኽንስዕብ ዚደሊ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣየገድደናን እዩ። ብግጉይ ኣንፈት ክንከይድ ከለና፡ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ የጠንቅቐና እዩ። ብኸመይ፧ ኣብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሕማቕ ዝንባለታት ንኽንዋጽኣሉ ዚሕግዘና ሓሳባት ንረክብ ኢና። ብዘይካዚ፡ ክርስትያናዊ ሕታማትና፡ ንጸገማትና ንኸነለልዮን ንኽንዋጽኣሉን ዚሕግዘና ሓሳባት ይህብ እዩ። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ድማ፡ ኵላትና ኣብ ግቡእ እዋኑ ምኽሪ ይውሃበና እዩ።

6, 7. (ሀ) ንሚልዮናት ተባሂሉ እተዳለወ ትምህርቲ፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዚቋመተካ ዜርኢ መርትዖ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ካብ ውልቃዊ ኣቓልቦ የሆዋ ኽትጥቀም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

6 ኵሉ እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ መጠንቀቕታታት፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዚቋመተና ዚሕብር እዩ። ሓቂ እዩ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳባት፡ ዘመናት ዝገበረ እዩ፣ ብውድብ ኣምላኽ ዚዳሎ ሕታማትና ድማ ንሚልዮናት ተባሂሉ እዩ ዚጽሓፍ፣ እቲ ኣብ ኣኼባታትና እንረኽቦ ምኽሪ ኸኣ ንብምሉኡ ጉባኤ ዚምልከት እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ በዚ እተጠቕሰ መዳያት ኣቢሉ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከም እተቕልብ ብምግባር ንዝንባለኻ ኸም እተተዓራሪ ይገብረካ እዩ። እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዚቋመተካ ዜርኢ መርትዖ እዩ።

እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናና፡ ካብ ሓደጋ ንኽንርሕቕ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 6, 7 ርአ)

7 ካብ መጠንቀቕታ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ፈለማ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ኸም ዚግደስ ክንግንዘብ ኣሎና። ድሕሪኡ፡ ነቲ ንኣምላኽ ዜጕህዮ ሓሳባት ብምውጋድ ንቓሉ ኣወንታዊ ምላሽ ክንህበሉ ኣሎና። (ኢሳይያስ 55:6, 7 ኣንብብ።) ነቲ እተዋህበና መጠንቀቕታ እንተ ደኣ ኣስተብሂልናሉ፡ ካብ ብዙሕ ጓሂ ኽንስተር ኢና። ይኹን እምበር፡ ነቲ ግጉይ ዝንባለና ኢድና እንተ ሂብና፡ እቲ ፈቃር ኣቦና ብኸመይ እዩ ዚሕግዘና፧

እቲ ሓላዪ ኣቦና ይእርመና

8, 9. እቲ የሆዋ ብኣገልገልቱ ኣቢሉ ዚህበና ምኽሪ፡ ከም ዚሓልየልና ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

8 የሆዋ ኺእርመና ኸሎ፡ ከም ዚሓልየልና ዜርኢ እዩ። (እብራውያን 12:5, 6 ኣንብብ።) ሓቂ እዩ፡ ክንእረም ወይ ክንግሰጽ ከለና ባህ ኣይብለናን እዩ። (እብ. 12:11) ኰይኑ ግና፡ እቲ ዚመኽረና ሰብ ኣብ ግምት ኬእትዎ ብዛዕባ ዘለዎ ነገራት እሞ ሕሰብ። እቲ ሰብ፡ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኣብ ሓደጋ ኸም ዘሎ ኺግንዘብን ንስምዒትና ኺጥንቀቕን ኣለዎ፣ ብዘይካዚ፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕስ መገዲ ንኽንመላለስ ዜኽእለና ምትዕርራይ ክንገብር ከም ዘሎና ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺገልጸልና፡ ግዜ ወሲዱ ንኺጽዕር ፍቓደኛ ኪኸውን ኣለዎ። ምንጪ እቲ ዚውሃበና  ምኽሪ የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኣሎና።

9 ሰብኣውያን መኸርቲ ብኸመይ ሓልዮት ኣምላኽ ከም ዜንጸባርቑ ዜርኢ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ሓደ ሓው ናብ ሓቂ ቕድሚ ምምጽኡ ኣዘውቲሩ ስእለ ጽዩፍ ይርኢ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ልማድ ኣሰኒፍዎ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ናይ ቀደም ዝንባለኡ ልክዕ ከም ጓህሪ ተደጒሉ ነበረ። ሓዳስ ሞባይል ምስ ዓደገ፡ እቲ ናይ ቀደም ልማዱ እንደገና ተጐሃሃረ። (ያእ. 1:14, 15) በታ ሞባይል ተጠቒሙ ድማ ኣብ ኢንተርነት ስእለ ጽዩፍ ይርኢ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ብተሌፎን ኪምስክር ከሎ፡ ንሓደ ሽማግለ፡ ኣድራሻ ምእንቲ ኺርኢ ሞባይሉ ሃቦ። እቲ ሽማግለ ነታ ሞባይል ኪጥቀመላ ምስ ጀመረ፡ ወብ ሳይታት ስእለ ጽዩፍ ተራእየ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣብ ሓደጋ ዝነበረ ሓውና፡ ንበረኸት ኰነሉ። እዋናዊ ምኽሪ ተዋህቦ፣ ንሱ ድማ ካብቲ ምኽሪ ተጠቕመ፣ ነቲ ሕማቕ ዝንባለኡ ኸኣ ኣወገዶ። እቲ ሓላዪ ሰማያዊ ኣቦና፡ ነቲ እተሓብአ ሓጢኣትና እውን ብምርኣይ፡ ብኣጋኡ ዚእርመና ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ!

ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እንትግብሮ ንጥቀም

10, 11. (ሀ) በየናይ መገድታት ኢና ብኣምላኽ ክንምራሕ እንኽእል፧ (ለ) ሓንቲ ስድራ ቤት፡ ንመምርሒ ኣምላኽ ምስዓብ ጥበባዊ ምዃኑ እተመከረቶ ብኸመይ እያ፧

10 ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ . . . ኢኻ” ኢሉ ንየሆዋ ዘመረሉ። (መዝ. 73:24) መምርሒ ኼድልየና ኸሎ፡ የሆዋ ንገሊኡ ጕዳያት ብኸመይ ከም ዚርእዮ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብምምርማር ብዛዕባኡ፡ ማለት ብዛዕባ የሆዋ ‘ኽንሓስብ’ ንኽእል ኢና። ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምትግባር፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ይጠቕመና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብስጋዊ መዳይ እውን ይሕግዘና እዩ።—ምሳ. 3:6

11 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንህዝቡ ዚመርሓሉ መገዲ ዚሕብር ኣብነት እስከ ንርአ፣ ኣብቲ ማስባቲ ዚብሃል ኣኽራን ዚበዝሖ ኣውራጃ ፊሊፒንስ፡ ቦታ ሕርሻ ተኻርዩ ዚነብር ሓረስታይ ሓውና ኣሎ። ንሱን ሰበይቱን ብዙሓት ውሉዳት እኳ እንተ ኣለውዎም፡ ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም እዮም ዜገልግሉ። ሓደ መዓልቲ፡ ዋና እቲ ቦታ ሕርሻ፡ ኪሰጕጎም ምዃኑ ሓበሮም። ስለምንታይ፧ ሓቀኛታት ከም ዘይኰኑ ጌርካ ስለ እተኸስሱ እዩ። እቲ ሓውና ንስድራ ቤቱ ዚኸውን ቦታ ምርካብ እኳ እንተ ኣጨነቖ፡ “የሆዋ ኺህበና እዩ። ዝዀነ ይኹን የጋጥም ብዘየገድስ፡ ኵሉ ሳዕ እዩ ዜድልየና ነገራት ዜማልኣልና” በለ። እወ፡ ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ገበረ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ እታ ስድራ ቤት ካብቲ እትነብረሉ ቦታ ኽትወጽእ  ከም ዘየድልያ ፈለጠት። እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧ ዋና እቲ ቦታ ሕርሻ፡ እታ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ስድራ ቤት ዋላ እኳ ብሓሶት እንተ ተኸስሰት፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እትምራሕ፡ ብኣኽብሮትን ብሰላማዊ መገድን ከም እትነብር ስለ ዘስተውዓለ እዩ። እዚ ነቲ ዋና ኣዝዩ ስለ ዘደነቖ፡ ኣብቲ ቦታ ንኺነብሩ ፈቐደሎም፣ ተወሳኺ መሬት እውን ሃቦም። (1 ጴጥሮስ 2:12 ኣንብብ።) እወ፡ የሆዋ፡ ነቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ጸገማት ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ፡ ብቓሉ ኣቢሉ ይመርሓና እዩ።

ፈተናታት ንኽንጻወር ዚሕግዘና ፈታዊ

12, 13. ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ንመከራኦም ብሓቂ ዜስተብህለሉ እንተ ዀይኑ ዚጠራጠሩ፡ እንታይ ኬጋጥሞ ከሎ እዩ፧

12 ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ዜጋጥመና ፈታኒ ዅነታት ንነዊሕ እዋን ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ምስ ሕዱር ሕማም ንቃለስ ንህሉ ንኸውን፣ ብዘይካዚ፡ ናይ ቀረባ ኣባል ስድራ ቤትና ንነዊሕ እዋን ይጻረረና፡ ወይ ከኣ ቀጻሊ መስጐጕቲ የጋጥመና ይህሉ ይኸውን። ምናልባት እውን ሓድሓደ ግዜ ኣብ ጉባኤና፡ ብምኽንያት ናይ ባህርይ ፍልልይ ምስ ሓደ ሓውና ተጋጪና ንኸውን።

13 ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ዚጐድእ ኰይኑ እተሰምዓካ ዘረባ ስለ እተዛረበ ኽትጕሂ ትኽእል ኢኻ። “ኣብ ውድብ ኣምላኽ ከምዚ ኺግበር የብሉን” ትብል ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ እቲ ሓው ኣብ ጉባኤ፡ ፍሉይ መሰላት ይረክብን ካልኦት ብዛዕባኡ ጽቡቕ ኣረኣእያ ይህልዎምን ይኸውን። “ከመይ ጌርካ ኸምዚ ይግበር፧ የሆዋ ነዚ ጕዳይ ኣይርእዮን ድዩ፧ ንምንታይ እዩ ስጕምቲ ዘይወስድ፧” ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።—መዝ. 13:1, 2፣ ኣን. 1:2, 3

14. ኣምላኽ ንውልቃዊ ጸገማትና ኣብ ምፍታሕ ኢዱ ዘየእቱ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

14 የሆዋ ስጕምቲ ዘይወሰደ፡ ብቑዕ ምኽንያት ስለ ዘለዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ንስኻ ነቲ ሓው ከም ተሓታቲ ጌርካ እኳ እንተ ረኣኻዮ፡ ኣምላኽ ግና ነቲ ጕዳይ ብእተፈልየ መገዲ ይርእዮ ይኸውን። ብኣረኣእያ ኣምላኽ፡ ካብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ፡ ንስኻ ተሓታቲ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እቲ ዚጐድእ ኰይኑ እተሰምዓካ ዘረባ፡ ክትሓስበሉ ዘሎካ ጽቡቕ ምኽሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ሓውና ካርል ክለይን፡ ነቲ ሓደ እዋን ሓውና ራዘርፎርድ ብግህዶ ዝሃቦ ተግሳጽ ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ጠቒስዎ ኣሎ። ጸኒሑ፡ ሓውና ራዘርፎርድ ንሓውና ክለይን ብምዉቕ ስምዒት፡ “ከመይ ኣለኻ፧” ኢሉ ሰላም በሎ። ሓውና ክለይን ግና በቲ እተዋህቦ ተግሳጽ ኰርዩ ስለ ዝነበረ፡ ንማለቱ ጥራይ ብትሕቲ መልሓሱ መለሰሉ። ሓውና ራዘርፎርድ፡ ሓውና ክለይን ገና ዀርዩ ኸም ዘሎ ስለ እተገንዘበ፡ ኣብ መጻወድያ ድያብሎስ ከይኣቱ ኣጠንቀቖ። ሓውና ክለይን ጸኒሑ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ብፍላይ ሓደ ሓውና ብምኽንያት ሓላፍነቱ ገለ ነገር ኪዛረበና ኸሎ እንተ ተቐይምና፡ ንገዛእ ርእስና ኣብ መጻወድያ ድያብሎስ ኢና እነእትዋ።” *

15. የሆዋ ንፈታኒ ዅነታት ንኽትዋጽኣሉ ምእንቲ ኺሕግዘካ ኽትጽበ ኸለኻ፡ ብዛዕባ እንታይ ምሕሳብካ እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧

15 ይኹን እምበር፡ እቲ ፈታኒ ዅነታት ንነዊሕ እዋን ኪቕጽል ከሎ፡ ትዕግስትና ይጽንቀቕ ይኸውን። ነዚ ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧ ኣብ ዓብዪ ጐደና፡ ማኪና ትዝውር ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣብቲ መገዲ ብዙሓት ማካይን ስለ ዘለዋ፡ ንኽንደይ ሰዓት ደው ኢልካ ኸም እትጽበ ኣይትፈልጥን ኢኻ። በዚ ስለ እተበሳጨኻ፡ ብኻልእ መገዲ ኽትከይድ እንተ ፈቲንካ፡ ክትጠፍእ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ዝደለኻዮ ቦታ ንምብጻሕ ድማ፡ ካብቲ ብትዕግስቲ እንተ ትጽበ ኔርካ ዚወስደልካ ግዜ ብዝያዳ ኺወስደልካ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጠቒሱ ዘሎ መገዲ እንተ ስዒብካዮ፡ ድሕሪ ግዜ ኣብቲ ዝሓሰብካዮ ኽትበጽሕ ኢኻ።

16. የሆዋ፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ዚፈቕደሉ ኻልእ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

16 የሆዋ፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ዚፈቅድ፡ ኣገዳሲ  ስልጠና ኺህበና ስለ ዝደለየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:6-10 ኣንብብ።) ኣምላኽ ኣይፍትነናን እዩ። (ያእ. 1:13) ምንጪ መብዛሕትኡ ጸገማት፡ ‘ድያብሎስ እቲ መጻርርትና’ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ብኣጸጋሚ ዅነታት ኣቢሉ ብመንፈሳዊ መዳይ ንኽንዓቢ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ንመከራና ይርእዮ እዩ፣ ‘ስለ ዚሓልየልና’ ድማ፡ እቲ መከራ ‘ንቝሩብ ግዜ’ ጥራይ ንኪቕጽል እዩ ዚፈቅድ። መከራ ኼጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ መዋጽኦ ንኼዳልወልና ኢሉ ዚቋመተና ምዃኑስ ኣይተማስወሉንዶ፧—2 ቈረ. 4:7-9

ስምረት ኣምላኽ በረኸት የምጽኣልካ

17. የሆዋ ንልቢ ሰባት ዚምርምሮ ስለምንታይ እዩ፧

17 ኣምላኽ ንህይወትና ዚምርምረሉ ኻልእ ኣዝዩ ዜጸናንዕ ምኽንያት ኣሎ። የሆዋ ንንጉስ ኣሳ፡ ብሃናኒ እቲ ረኣዪ ኣቢሉ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ” በሎ። (2 ዜና 16:9) ልቢ ኣሳ ምሉእ ብምሉእ ናብ ኣምላኽ ኣይነበረን፣ ንስኻ ግና ቅኑዕ ዘበለ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ‘ኼጽንዓካ’ እዩ።

18. ንሰናይ ተግባርካ ዜማስወሉ ኸም ዘየለ ዀይኑ ኺስምዓካ ኸሎ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ኢኻ ኽትዝክር ዘሎካ፧ (ኣብ ገጽ 27 ዘላ ስእሊ ርአ።)

18 ኣምላኽ ምእንቲ ‘ኺርሕርሓልና፡’ ‘ሰናይ ንድለ፡’ ‘ሰናይ ነፍቅር፡’ ‘ሰናይ ከኣ ንግበር።’ (ኣሞ. 5:14, 15፣ 1 ጴጥ. 3:11, 12) የሆዋ ንጻድቃን የስተብህለሎምን ይባርኾምን እዩ። (መዝ. 34:15) ንኣብነት፡ ብዛዕባ እተን ሺፍራን ጱዓን ዝስመን መሕረስቲ እብራውያን ኣንስቲ እሞ ሕሰብ። እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ብባርነት ተታሒዞም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ፈርኦን ነተን መሕረስቲ፡ እብራዊ ወዲ እንተ ተወሊዱ ኪቐትላኦ ኣዚዝወን ነበረ፣ ንሳተን ግና ካብቲ ንጉስ ንላዕሊ ንኣምላኽ ይፈርሃ ነበራ። እቲ ብኣምላኽ ዚምራሕ ሕልናአን፡ ነቶም ሕጻናት ንኸይቀትላኦም ደሪኽወን ኪኸውን ኣለዎ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ሺፍራን ጱዓን ናይ ገዛእ ርእሰን ኣባይቲ ወይ ስድራ ኺህልወን ከኣለ። (ዘጸ. 1:15-17, 20, 21) እቲ ዝገበራኦ ሰናይ ግብሪ፡ ካብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ኣይተሰወረን። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ዝገበርናዮ ሰናይ ተግባር ዚግደሰሉ ኸም ዘየለ ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። የሆዋ ግና ይግደሰሉ እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ሰናይ ተግባርና የስተብህለሉ እዩ፣ ዓስብና ድማ ኪህበና እዩ።—ማቴ. 6:4, 6፣ 1 ጢሞ. 5:25፣ እብ. 6:10

19. ሓንቲ ሓብቲ፡ የሆዋ ንሰናይ ግብሪ ኸም ዜስተብህለሉ እተመከረቶ ብኸመይ እያ፧

19 ኣብ ኦስትርያ እትነብር ሓንቲ ሓብትና፡ ኣምላኽ ነቲ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኸም ዜስተብህለሉ ተመኪራቶ እያ። ጓል ሃንጋሪ ስለ ዝዀነት፡ ንሓንቲ ሃንጋሪያዊት ሰበይቲ ኸይዳ ንኽትበጽሓ ተነግራ። ብኡብኡ ናብታ ሰበይቲ እኳ እንተ ኸደት፡ ሰብ ኣይረኸበትን። ብተደጋጋሚ ድማ ፈተነት። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ ሰብ ከም ዘሎ እኳ እንተ ጠርጠረት፡ ማዕጾ ዚኸፍት ግና ኣይነበረን። ጽሑፋትን ደብዳበታትን ኣድራሻኣን ካልእ ነገራትን ከኣ ተቐምጠላ ነበረት። ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ግና፡ ነታ ሃንጋርያዊት ሰበይቲ ረኸበታ። እታ ሰበይቲ ንሓብትና ሰላም ድሕሪ ምባል፡ “በጃኺ እተዊ። ንዅሉ እቲ እተምጽእዮ ዝነበርኪ ኣንቢበዮ እየ፣ ክጽበየኪ ድማ እየ ጸኒሐ” በለታ። እታ ሰበይቲ፡ ኬሞተራፒ ዚብሃል ሕክምና ትከታተል ስለ ዝነበረት፡ ካብ ዓራታ ተንሲኣ ንሰባት ክትቅበል ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ኣብ መወዳእታኡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። እወ፡ ኣምላኽ ነታ ሓብትና፡ ስለቲ ትግሃት ዝመልኦ ጻዕራ ባሪኽዋ እዩ።

20. ኣዒንቲ የሆዋ ዚቋመታኻ ምዃነን፡ እንታይ ከም ዚስምዓካ እዩ ዚገብር፧

20 የሆዋ ንዝዀነ ይኹን እትገብሮ ነገራት ይርእዮ እዩ፣ ዓስብኻ ኸኣ ኪህበካ እዩ። ኣዒንቲ ኣምላኽ ከም ዚቋመታኻ ምስ ፈለጥካ፡ ልክዕ ከም ብካሜራ ሓለዋ ትምርመር ዘለኻ ዀይኑ ኺስምዓካ የብሉን። የግዳስ፡ ናብቲ ብሓቂ ዚግደሰልካ ሓላዪ ኣምላኽ ብዝያዳ ዝቐረብካ ዀይኑ ኺስምዓካ ኣለዎ።

^ ሕ.ጽ. 14 ታሪኽ ህይወት ሓውና ክለይን፡ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1984 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ይርከብ።