ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ሚያዝያ 2014

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን

“ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። . . .ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።”—ማቴ. 6:24

1-3. (ሀ) ሎሚ ብዙሓት ሰባት እንታይ ቍጠባዊ ጸገም እዩ ዜጋጥሞም፧ ገሊኣቶምከ ነዚ ብኸመይ እዮም ኪፈትሕዎ ዚፍትኑ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ምስ ምዕባይ ቈልዑ ብዚተሓሓዝ፡ ወለዲ እንታይ እዩ ኼተሓሳስቦም ዚኽእል፧

ማርሊን፡ * “ጄምስ ሰብኣየይ፡ ኣብ ስራሑ ሃለኽለኽ ኪብል ውዒሉ፡ ደኺሙ ናብ ቤት ዚምለስ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣታዊና ግና ትሑት እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ንጄምስ ሰብኣየይ ከብርዮ፡ ንጂሚ ወድና ኸኣ ከም ናይ መማህርቱ ዓይነት ጽቡቕ ነገራት ክዕድገሉ ደለኹ” በለት። ብዘይካዚ፡ ንኣዝማዳ ኽትሕግዞምን ንመጻኢ ዚኸውን ገንዘብ ከተዋህልልን ደለየት። ብዙሓት መሓዙታ፡ ዝያዳ ገንዘብ ንምርካብ ናብ ካልእ ሃገር ግዒዘን እየን። ንሳ እውን ከምኡ ኽትገብር እኳ እንተ ደለየት፡ ክልተ ልቢ ዀነት። ስለምንታይ፧

2 ማርሊን ንኽቡራት ስድራ ቤታን ነቲ ድልዱል መንፈሳዊ ንጥፈታታን ሓዲጋ ኽትከይድ ከበዳ። ኰይኑ ግና፡ ካልኦት ናብ ወጻኢ ሃገር ዝኸዱ ሰባት ከም ዘለዉን ኣባላት ስድራ ቤቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ክንድቲ ኸም ዘይተጐድኡን ሓሰበት። ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ንጂሚ ወዳ ኣብ ርሑቕ ሃገር ኰይና ብኸመይ ከተዕብዮ ኸም እትኽእል ኣተሓሳሰባ። ንወዳ ብኢንተርነት ኣቢላ፡ “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ኸተዕብዮ ትኽእል ድያ፧—ኤፌ. 6:4

3 ማርሊን ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ ምኽሪ ሓተተት። ሰብኣያ ኽትከይድ ኣይደለየን፣ ግናኸ ኽትከይድ እንተ ወሲና ኸም ዘይክልክላ ነገራ። ሽማግለታትን ካልኦት ኣባላት ጉባኤኣን እውን ከይትኸይድ መኸሩዋ፣ ሓያሎ ኣሓት ግና ንኽትከይድ ኣተባብዓኣ። “ስድራኺ ትፈትዊ እንተ ዄንኪ፡ ኪዲ፣ ኣብኡ ዄንኪ  እውን እኮ ንየሆዋ ኸተገልግልዮ ትኽእሊ ኢኺ” በላኣ። ማርሊን እናተጠራጠረት፡ ንጄምስ ሰብኣያን ንጂሚ ወዳን ተሰናቢታቶም፡ ስራሕ ንኽትረክብ ናብ ወጻኢ ሃገር ከደት። “ቀልጢፈ ኽምለስ እየ” ኸኣ በለቶም።

ሓላፍነት ስድራ ቤትን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን

4. ገሊኦም ሰባት ስለምንታይ እዮም ዚስደዱ፧ መብዛሕትኡ እዋን ግና ንደቆም ዜዕብዩሎም መን እዮም፧

4 የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ ብጥሜት ኪሳቐዩ ኣይደልዮምን እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ስደት ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኸም መፍትሒ ድኽነት ጌርካ እዩ ዚርአ። (መዝ. 37:25፣ ምሳ. 30:8) እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበዋት ዝነበረ ያእቆብ፡ ብጥሜት ከይሞቱ ኢሉ፡ ደቁ ናብ ግብጺ ኸይዶም ምግቢ ኸም ዚዕድጉ ገይሩ ነይሩ እዩ። * (ዘፍ. 42:1, 2) ሎሚ ሰባት ናብ ካልእ ሃገር ዚስደዱ፡ ስለ ዝጠመዩ ኣይኰኑን። ምናልባት ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ስለ ዝኣተዉ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ስድራ ቤቶም ዝሓሸ ናብራ ኽትነብር ይደልዩ ይዀኑ። ኣብ ትሑት ቍጠባ ኸምኡ ኺገብሩ ስለ ዘይክእሉ ግና፡ ካብ ስድራ ቤቶም ተፈልዮም፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ይሰርሑ። መብዛሕትኡ እዋን ድማ፡ ንውሉዳቶም ምስቲ ኣብ ቤት ዚተርፍ መጻምድቶም፡ ምስ ሓዎም ወይ ምስ ሓብቶም፡ ምስ ኣቦሓጎኦም ወይ ምስ ዓባዮም፡ ወይ ከኣ ምስ ዘመዶም ወይ ምስ ፈተውቶም ሓዲጎምዎም ይኸዱ። እቶም ዚስደዱ ሰባት፡ ንመጻምድቶም ወይ ንውሉዳቶም ሓዲጎምዎም ብምኻዶም ዚሓዝኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ከምኡ ኻብ ምግባር ሓሊፎም ካልእ ምርጫ ዘይብሎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም።

5, 6. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ሓጐስን ቅሳነትን እንታይ እዩ ምሂሩ፧ (ለ) የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ እንታይ ኪጽልዩ እዩ ምሂርዎም፧ (ሐ) የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚባርኸና፧

5 ብግዜ የሱስ፡ ብዙሓት ድኻታት ነይሮም እዮም፣ ንሳቶም ሓጐስን ቅሳነትን ኪረኽቡ ዚኽእሉ፡ ዝያዳ ገንዘብ ምስ ዚህልዎም ጥራይ ምዃኑ ተሰሚዕዎም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማር. 14:7) የሱስ ግና፡ ሰባት ተስፋኦም ኣብ ካልእ ነገር ኪገብሩ እዩ ዚደልዮም ነይሩ። እወ፡ ኣብቲ ምንጪ ነባሪ ሃብቲ ዝዀነ የሆዋ ኺውከሉ እዩ ዚደልዮም ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ድማ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስን ቅሳነትን ኣብ ስጋዊ ነገራትን ኣብ ሰብኣዊ ጻዕርን ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ምስ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ዕርክነት እተመስረተ ምዃኑ ገለጸ።

6 የሱስ ኣብታ ኣብነት ክትኰነና ዝሃበና ጸሎት፡ ብዛዕባ ሃብቲ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ዜድልየና ነገር፡ ማለት ብዛዕባ “ናይ ዕለት እንጌራና” ኽንጽሊ እዩ ምሂሩና። ነቶም ሰማዕቱ ድማ ብቐጥታ፡ “ኣብ ምድሪ መዝገብ ኣይትግበሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ . . . ኣብ ሰማይ መዝገብ ግበሩ” በሎም። (ማቴ. 6:9, 11, 19, 20) የሆዋ መብጽዓኡ ብምሕላው ከም ዚባርኸና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። በረኸት ኣምላኽ፡ ስምረት ብምሃብ ጥራይ ኣይኰነን ዚግለጽ፣ የሆዋ፡ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና እውን ውሕስነት ሂቡና ኣሎ። ብሓቂ እምበኣር፡ ናይ ሓቂ ሓጐስን ቅሳነትን ኪርከበሉ ዚኽእል እንኮ መገዲ፡ ኣብ ገንዘብ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ሓላዪ ዝዀነ ኣቦና ምውካል እዩ።—ማቴዎስ 6:24, 25, 31-34 ኣንብብ።

7. (ሀ) የሆዋ ንውሉዳት ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ንመን እዩ ሂብዎ፧ (ለ) ክልቲኦም ወለዲ ንውሉዳቶም ኣብ ምዕባይ ኪተሓጋገዙ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

7 ‘ቅድም ጽድቂ ኣምላኽ ምድላይ፡’ ንሓላፍነት ስድራ ቤት ብዚምልከት ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ምሓዝ የጠቓልል። ሕጊ ሙሴ ንክርስትያናት እውን ዚምልከት ስርዓት ዝሓዘ እዩ፣ ወለዲ ንውሉዳቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ኬሰልጥንዎም ከም ዘለዎም ይገልጽ እዩ። (ዘዳግም 6:6, 7 ኣንብብ።) ኣምላኽ ነዚ ሓላፍነት እዚ፡ ንኣቦሓጎ ወይ ንእኖሓጎ ወይ ከኣ ንኻልእ ሰብ ዘይኰነስ፡ ንወለዲ እዩ ሂብዎም። ንጉስ ሰሎሞን፡ “ወደየ፡ . . . ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ” በለ። (ምሳ. 1:8) የሆዋ፡ ክልቲኦም ወለዲ ንውሉዳቶም ምእንቲ ኺመርሕዎምን ኪምህርዎምን፡ ብሓባር ኪነብሩ እዩ ዚደሊ። (ምሳ. 31:10, 27, 28) ውሉዳት ካብ ወለዶም ብዙሕ ነገራት፡ ብፍላይ ከኣ መንፈሳዊ ነገራት ኪምሃሩ  ዚኽእሉ፡ ወለዶም በብመዓልቱ ብዛዕባ የሆዋ ኺዛረቡ ኺሰምዕዎም ከለዉን ኣብነቶም ኪርእዩ ኸለዉን እዩ።

ዘይተሓስበ ሳዕቤናት

8, 9. (ሀ) ሓደ ወላዲ ኻብ ስድራ ቤቱ ተፈልዩ ኺነብር ከሎ፡ መብዛሕትኡ እዋን እንታይ ለውጢ እዩ ዜጋጥም፧ (ለ) ካብ ስድራ ቤትካ ምፍልላይ፡ እንታይ ስምዒታውን ስነ ምግባራውን ጕድኣት እዩ ኼስዕብ ዚኽእል፧

8 ስደተኛታት ናብ ወጻኢ ሃገር ቅድሚ ምኻዶም፡ ብዛዕባ እቲ ኼጋጥሞም ዚኽእል ሓደጋታትን ብዛዕባ እቲ ዚገብርዎ መስዋእትታትን ይሓስቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንስድራ ቤትካ ሓዲግካ ምኻድ ብዛዕባ ዘለዎ ሳዕቤናት ዚሓስቡ ግና ሒደት እዮም። (ምሳ. 22:3) * ማርሊን ምስ ስድራ ቤታ ኻብ እትፈላለ ጀሚራ፡ ስምዒታዊ ስቓይ ኣጋጢምዋ እዩ። ሰብኣያን ወዳን እውን ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎም። ጂሚ ወዳ ዅሉ ሳዕ፡ “ስለምንታይ ኢኺ ሓዲግክኒ ኼድኪ፧” ኢሉ ይሓትታ ነበረ። ማርሊን ቀልጢፋ ኸም እትምለስ እኳ እንተ ተዛረበት፡ ኣዋርሕ ብዓመታት እናተተክአ ነዊሕ እዋን ምስ ሓለፈ ግና፡ ኣብ ስድራ ቤታ ዜሻቕል ለውጢ ኽትርኢ ጀመረት። ጂሚ ወዳ፡ ጠባዩ ኪቕየር ጀመረ፣ ንኣዲኡ ብዙሕ ኬዘራርባን ናይ ልቡ ኣውጺኡ ኺዛረባን ኣይደልን እዩ ነይሩ። ማርሊን ብዛዕባ ወዳ ዝነበራ ተዘክሮ ብጓሂ ኽትገልጽ ከላ፡ “ንዓይ ዝነበረቶ ፍቕሪ ቐሃመት” በለት።

9 ወለድን ውሉዳትን ብሓደ ዘይነብሩ እንተ ዀይኖም፡ ስምዒታውን ስነ ምግባራውን ጕድኣት ኬስዕበሎም ይኽእል እዩ። * እቶም ውሉዳት ብዕድመ ንኣሽቱ እንተ ዀይኖም፡ ንነዊሕ እዋን ድማ ካብ ወለዶም እንተ ተፈልዮም፡ እቲ ጕድኣት ከቢድ እዩ ዚኸውን። ማርሊን ንጂሚ፡ ምእንታኡ ኢላ መስዋእቲ ትኸፍል ከም ዝነበረት ነገረቶ። ጂሚ ግና ኣዲኡ ዝጠንጠነቶ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዎ። ኣብ ፈለማ፡ ሓዲጋቶ ምኻዳ ጸሊእዎ ነበረ። ጸኒሑ ግና፡ ክትበጽሖም ኢላ ኽትመጽእ ከላ እውን ከይተረፈ፡ ምምጻኣ ኺጸልኦ ጀመረ። ልክዕ ከምቶም እተራሕርሑ ውሉዳት ዚስምዖም፡ ጂሚ እውን፡ ንኣዲኡ ኺእዘዛን ኬፍቅራን ዘይብሉ ዀይኑ ተሰምዖ።—ምሳሌ 29:15 ኣንብብ።

ንውሉድካ ብኢንተርነት ኣቢልካ ኽትሓቝፎ ኣይትኽእልን ኢኻ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. (ሀ) ወለዲ፡ ግዜን ኣቓልቦን ዘይኰነስ፡ ህያባት ዚህቡ እንተ ዀይኖም፡ እዚ ንውሉዳት ኪጸልዎም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሓደ ወላዲ ንውሉዳቱ ኣብ ርሑቕ ቦታ ዀይኑ ኼዕብዮም እንተ ፈቲኑ፡ ውሉዳት እንታይ እዩ ዚጐድሎም፧

10 ማርሊን ገንዘብን ህያባትን ብምልኣኽ ነቲ ጕዳይ ከተመሓይሾ እኳ እንተ ፈተነት፡ ንወዳ ብዝያዳ ኻብኣ ኸም ዚርሕቕ ትገብሮ ኸም ዝነበረት ተገንዘበት፣ ብዘይካዚ፡ ከይተፈለጣ ንጂሚ ወዳ፡ ንመንፈሳዊ ነገራትን ንስድራ ቤትን ዘይኰነስ፡ ንስጋዊ ነገራት ቀዳምነት ኪህብ እያ እተሰልጥኖ ነይራ። (ምሳ. 22:6) ጂሚ ድማ፡ “ደሓን ኣይትምጽኢ። ህያባት ጥራይ ልኣኽለይ” ይብላ ነበረ። ማርሊን ንወዳ፡ ብደብዳበ፡ ብተሌፎን፡ ወይ ከኣ ብኢንተርነት ኣቢላ ኸተዕብዮ ኸም ዘይትኽእል ክትግንዘብ ጀመረት። “ንውሉድካ ብኢንተርነት ኣቢልካ  ኽትሓቝፎ ወይ ከኣ ‘ደሓን ሕደር’ ኢልካ ኽትስዕሞ ኣይትኽእልን ኢኻ” በለት።

ምስ መጻምድትኻ ተረሓሒቕካ ኽትነብር ከለኻ፡ እንታይ ሓደጋታት እዩ ኼጋጥመካ ዚኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. (ሀ) ሰብኣይን ሰበይትን ንስራሕ ኢሎም ተፈላልዮም ምስ ዚነብሩ፡ እዚ ንሓዳር ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሓንቲ ሓብቲ ናብ ስድራ ቤታ ኽትምለስ ከም ዘለዋ እተገንዘበት ብኸመይ እያ፧

11 ማርሊን ምስ የሆዋን ምስ ጄምስ ሰብኣያን ዝነበራ ርክብ እውን ተጸልዩ እዩ። ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ወይ እውን ካብኡ ንታሕቲ ጥራይ እያ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ናብ ኣገልግሎትን ትኸይድ ነይራ፣ ብዘይካዚ፡ ኣስራሒኣ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ይደፋፍኣ ስለ ዝነበረ፡ ምስዚ እውን ክትቃለስ ነበራ። ማርሊንን ጄምስን ብዛዕባ ጸገማቶም ኪዘራረቡ ስለ ዘይከኣሉ፡ ስምዒቶም ንኻልኦት ሰባት ኪገልጹሎም ጀመሩ፣ ዝሙት ካብ ምፍጻም እውን ንስክላ እዮም ኣምሊጦም። ማርሊን፡ ንሳን ሰብኣያን ዝሙት እኳ እንተ ዘይፈጸሙ፡ ተረሓሒቖም ዚነብሩ እንተ ዀይኖም ግና፡ ንመምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ብምእዛዝ፡ ናይ ንሓድሕዶም ስምዒታውን ጾታውን ድሌት ኬማልኡ ኸም ዘይክእሉ ተገንዘበት። እሂን ምሂን ኪባሃሃሉ፡ ገጽ ንገጽ ኪጠማመቱ፡ ብሓባር ኪስሕቁ፡ ኢድ ንኢድ ኪተሓሓዙ፡ ኪተሓቛቘፉ፡ ‘ፍቕሮም’ ኪገላለጹ፡ ወይ ከኣ ንሓድሕዶም ‘ዚግብኦም’ ኪገብሩ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። (መሃ. 1:2፣ 1 ቈረ. 7:3, 5) ብዘይካዚ፡ ምስ ወዶም ብሓባር ኰይኖም ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ኼምልኽዎ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ማርሊን ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣብ ሓደ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ካብታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ንኽንድሕን ኣገዳሲ ረቛሒ ኸም ዝዀነ ምስ ተመሃርኩ፡ ናብ ቤተይ ክምለስ ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ንመንፈሳውነተይን ንሓዳረይን እንደገና ኽሃንጾ ነበረኒ” በለት።

ጽቡቕን ሕማቕን ምኽሪ

12. ነቶም ካብ ስድራ ቤቶም ተፈልዮም ዚነብሩ ክርስትያናት፡ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ እዩ ኺውሃቦም ዚኽእል፧

12 ማርሊን ናብ ቤታ ንኽትምለስ ምስ ወሰነት፡ ጽቡቕን ሕማቕን ምኽሪ እዩ ተዋሂብዋ። ሽማግለታት ጉባኤኣ፡ በቲ ዘርኣየቶ እምነትን ትብዓትን ነኣዱዋ። ካብ መጻምድቶምን ካብ ስድራ ቤቶምን ተፈልዮም ዚነብሩ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት ግና፡ ኣይነኣዱዋን። ኣብ ክንዲ ንኣብነታ ዚስዕቡ፡ ንኸይትኸይድ ኬእምኑዋ ፈተኑ። “ብዙሕ ከይጸናሕኪ ኽትምለሲ ኢኺ። ናብ ስድራ ቤትኪ እንተ ተመሊስኪ ግና፡ ብኸመይ ክትናበሩ ኢኹም፧” በልዋ። ክርስትያናት ከምዚ ዓይነት ተስፋ ዜቝርጽ ዘረባ ኺዛረቡ የብሎምን፣ የግዳስ፡ ‘ነተን ንኣሽቱ ኣንስቲ ንሰብኡተን ኬፍቅራ፡ ንውሉዳተን ኬፍቅራ ቤተን ዚኣልያ ኪዀና ኼለብምወን ኣለዎም። እዚ ዚግበር ድማ፡ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍ እዩ።’—ቲቶስ 2:3-5 ኣንብብ።

13, 14. ካብ ንትጽቢታት ስድራ ቤት ንየሆዋ ቐዳምነት ምሃብ፡ እምነት ዚሓትት ስለምንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

13 ብዙሓት ስደተኛታት፡ ኣብቲ ንባህልን ንቤተ ሰብን፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ንወለዲ ንናይ ምክንኻን ሓላፍነት ክብ ኣቢሉ ዚርኢ ኸባቢ እዮም ዓብዮም። ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ንየሆዋ ምእንቲ ኼሐጕስ ኢሉ፡ ኣንጻር ህቡብ ልምድታት ወይ ድሌታት ቤተ ሰብ ኪኸይድ ከሎ፡ ዓባይ እምነት እዩ ዜርኢ።

 14 ንታሪኽ ካረን እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ፣ ከምዚ በለት፦ “ዶን ወደይ ኣብ እተወልደሉ እዋን፡ ኣነን ሰብኣየይን ኣብ ወጻኢ ሃገር ኢና እንሰርሕ ኔርና፣ ኣነ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ኣይገበርኩን ነይረ። ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤተይ፡ ንዶን ናብ ወለደይ ክልእኮን ቍጠባዊ ዅነታትና ኽሳዕ ዚመሓየሽ ንሳቶም ኬዕብይዎን እዮም ተጸብዮም ነይሮም።” ካረን ግና ንዶን ወዳ ባዕላ ኸተዕብዮ ኸም ዝቘረጸት ምስ ገለጸት፡ ኣዝማዳ፡ እንተላይ ሰብኣያ፡ “ሃካይ” እናበሉ የላግጹላ ነበሩ። ካረን፡ “ሓቂ ይሓይሽ፡ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዶን ምስ ወለደይ ንሒደት ዓመታት እንተ ጸንሐ፡ ዋላ ሓንቲ ጸገም ዘይብሉ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንወድና ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ዝሃበና ንዓና ንወለዱ ኸም ዝዀነ እፈልጥ ነይረ እየ” በለት። እንደገና ነፍሰ ጾር ምስ ኰነት፡ እቲ ዘይኣምን ሰብኣያ ነቲ ጥንሲ ኽትሰድዶ ኸም ዘለዋ ነገራ። ካረን ግና፡ እቲ ኣቐዲማ ዝገበረቶ ውሳነ ንእምነታ ድሮ ኣደልዲሉላ ስለ ዝነበረ፡ ጸኒዓ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ደው በለት። ሕጂ ንሳን ሰብኣያን ደቆምን ብሓባር ተሓጒሶም ይነብሩ ኣለዉ። ካረን ንሓዲኦም ወይ ንኽልቲኦም ደቃ፡ ካልእ ሰብ ንኼዕብዮም እንተ ትልእኮም ነይራ፡ ውጽኢቱ ሕማቕ ምዀነ ነይሩ።

15, 16. (ሀ) ሓንቲ ሓብቲ ብኸመይ ካብ ወለዳ ተፈልያ ኸም ዝዓበየት ግለጽ። (ለ) እዛ ሓብቲ እዚኣ ንጓላ፡ ካብቲ ናታ ኣተዓባብያ ብዚፍለ መገዲ ኸተዕብያ ዝደለየት ስለምንታይ እያ፧

15 ቪኪ ዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ በለት፦ “ንሒደት ዓመታት፡ ዓባየይ እያ ኣዕብያትኒ፣ እታ ምንኣሰይ ሓብተይ ከኣ ምስ ወለደይ እያ ዓብያ። ምስ ወለደይ ክነብር ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን ግና፡ ንዓታቶም ዝነበረኒ ስምዒት ተቐዪሩ እዩ ነይሩ። ሓብተይ ብቐሊሉ ትዛረቦምን ትሓቝፎምን ትቐርቦምን ነበረት። ኣነ ግና ብዙሕ ኣይቀርቦምን እየ ነይረ፣ ምስ ዓበኹ እውን እንተ ዀነ፡ ናይ ውሽጠይ ኣውጺአ ኽዛረቦም ይኸብደኒ ነይሩ። ኣነን ሓብተይን ንወለድና፡ ኣብ ግዜ እርጋኖም ከም እንከናኸኖም ኣረጋጊጽናሎም ኢና። ሓብተይ ካብ ፍቕሪ ተበጊሳ እያ እትከናኸኖም፣ ኣነ ግና ግዴታ ዀይኑኒ እየ ዝከናኸኖም።”

16 ቪኪ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ኣደይ ልክዕ ከምቲ ንዓይ ዝገበረትኒ፡ ንጓለይ ናብኣ ኽልእካን ንሳ ኸተዕብያን ሓቲታትኒ እያ። ኣነ ግና ብሜላ ኣበኹዋ። ኣነን ሰብኣየይን፡ ንጓልና ብመገዲ የሆዋ ኸነዕብያ ኢና እንደሊ። ነቲ ኣብ መጻኢ ምስ ጓለይ ዚህልወኒ ርክብ ከበላሽዎ ድማ ኣይደልን እየ” በለት። ቪኪ፡ ዕውትቲ ኽትከውን እትኽእል፡ ንገንዘብን ንትጽቢት ስድራ ቤትን ቀዳምነት ብምሃብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋን ንስርዓታቱን ብምቕዳም ምዃኑ ተመኪራቶ እያ። የሱስ ብንጹር፡ “ንኽልተ ጐይተት፡” ማለት ንኣምላኽን ንገንዘብን ‘ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ’ ገሊጹ ነይሩ እዩ።—ማቴ. 6:24፣ ዘጸ. 23:2

የሆዋ ንጻዕርታትና ‘የቕንዖ’

17, 18. (ሀ) ክርስትያናት ወትሩ እንታይ ምርጫ እዩ ዘለዎም፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ነየናይ ሕቶታት ኢና ኽንምልሶ፧

17 የሆዋ ኣቦና፡ ንመንግስቲ ኣምላኽን ንጽድቁን እንተ ኣቐዲምና፡ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ተመባጺዑልና ኣሎ። (ማቴ. 6:33) ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ወትሩ ምርጫ ኣለዎም። ዜጋጥመና ጸገም ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ የሆዋ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጋጮ “መዋጽኦ” ኸም ዚገብረልና ቓል ኣትዩልና ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 10:13 ኣንብብ።) ‘ንየሆዋ እንተ ተጸቢናዮ፡’ ጥበብን መምርሕን ንኺህበና ብምጽላይ ‘ኣብኡ እንተ ተወኪልና፡’ ትእዛዛቱን ስርዓታቱን ድማ እንተ ሓሊና፡ ንሱ ‘ኼስልጠልና እዩ።’ (መዝ. 37:5, 7) ነቲ ኸም ናይ ሓቂ ጐይታ መጠን ንዕኡ ንምግልጋል እንገብሮ ልባዊ ጻዕሪ ኺባርኾ እዩ። ንዕኡ ቐዳምነት እንተ ሂብናዮ፡ ንህይወትና ‘ኬቕንዖ’ እዩ።—ምስ ዘፍጥረት 39:3 ኣረኣኢ።

18 ካብ ስድራ ቤት ምፍልላይ ንዜስዕቦ ጕድኣት ንምትዕርራይ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ ምስ ስድራ ቤትና ኸይተፈላለና፡ ስድራ ቤትና ንምእላይ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል፧ ካልኦት ኣብዚ መዳይ እዚ ቕኑዕ ውሳነ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኸነተባብዖም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።

^ ሕ.ጽ. 1 ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 4 ደቂ ያእቆብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናብ ግብጺ ዝኸዱሉ እዋን፡ ካብ ስድራ ቤቶም እተፈልዩሉ መዓልታት፡ ካብ ሰለስተ ሰሙን ኣይበልጽን እዩ ነይሩ። ጸኒሖም ንሳቶምን ያእቆብን ናብ ግብጺ ኺግዕዙ ኸለዉ፡ ንኣንስቶምን ንደቆምን ምሳታቶም ተማሊኦምዎም እዮም።—ዘፍ. 46:6, 7

^ ሕ.ጽ. 8 ነታ ኣብ ናይ ለካቲት 2013 ሕታም ንቕሑ! ዝወጸት፡ “ስደት—ሕልምን ጋህድን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 9 ካብ እተፈላለያ ሃገራት እተረኽበ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ንስራሕ ኢልካ ኻብ መጻምድትኻ ወይ ካብ ውሉዳትካ ተፈሊኻ ኣብ ወጻኢ ሃገር ምንባር፡ ንገሊኣቶም ከቢድ ጸገማት ኬስዕበሎም ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዜጋጥም ጥልመትን ግብረ ሶዶምን ኣብ መንጎ ኣዝማድ ዚፍጸም ጾታዊ ርክብን ዜጠቓልል እዩ፣ ምስ ቈልዑ ብዚተሓሓዝ ከኣ፡ ኣብ ጠባዮምን ትምህርቶምን ጸገም የጋጥሞም፣ ሓራቓት ወይ ከኣ ጭኑቓት ይዀኑ፣ ርእሰ ቕትለት ኪፍጽሙ እውን ይደልዩ።