ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) መጋቢት 2014

ቃልካ ‘እወን ኣይፋልን’ ድዩ፧

ቃልካ ‘እወን ኣይፋልን’ ድዩ፧

ሓደ ምስ ሆስፒታል ኣብ ዜረዳድእ ኮሚተ ዚዓዪ ሽማግለ፡ ሰንበት ንግሆ ምስ ሓደ መንእሰይ ሓው ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺዓዪ ቘጸራ ነይርዎ ንበል። ይኹን እምበር፡ ሰንበት ንግሆ ሓደ ሓው ናብቲ ሽማግለ ደዊሉ፡ ሰበይቱ ሓደጋ ማኪና ኸም ዘጋጠማን ኣብ ሆስፒታል ከም ዘላን ነገሮ። ምስ ደም ብዚተሓሓዝ ኪተሓባበሮም ዚኽእል ሓኪም ንኺረክብ ኪሕግዞ ድማ ሓተቶ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ሽማግለ ነቲ ምስቲ መንእሰይ ሓው ዝነበሮ ናይ ኣገልግሎት ቈጸራ ሰሪዙ፡ ነታ ሃንደበታዊ ዅነታት ዘጋጠማ ስድራ ቤት ኪሕግዛ ኸደ።

ካልእ ኣብነት ከኣ ንርአ፦ ክልተ ውሉዳት ዘለዉዋ ንጽል ኣደ፡ ኣብ ጉባኤኣ ዘለዉ ሰብ ሓዳር ምሳታቶም ከተምሲ ዓዲሞምዋ። ንደቃ ምስ ነገረተን፡ ኣዝየን ተሓጐሳ። ነታ ምሸት ብሃንቀውታ እየን ዚጽበያኣ ነይረን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ድሮኡ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ነታ ኣደ፡ ዘይተጸበይዎ ጕዳይ ስለ ዘጋጠሞም ነቲ ዕድመ ኸም ዝሰረዝዎ ነገሩዋ። እታ ኣደ ጸኒሓ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ስለምንታይ ነቲ ዕድመ ኸም ዝሰረዝዎ ፈለጠት። እቶም ሰብ ሓዳር ነታ ኣደ ድሕሪ ምዕዳሞም፡ ካልኦት ፈተውቶም ኣብታ ምሸት እቲኣ ናብ ቤቶም ኪመጹ ስለ ዝዓደምዎምን ነቲ ዕድመኦም ስለ እተቐበልዎን እዩ ነይሩ።

ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ቃልና ኽንሕሉ ኣሎና። ቃልና “እወን ኣይፋልን” ኪኸውን የብሉን። (2 ቈረ. 1:18) ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኽልተ ኣብነት ዚሕብሮ፡ ኵሉ ዅነታት ተመሳሳሊ እዩ ማለት ኣይኰነን። ቈጸራ ኽንስርዝ ዜገድደና ዅነታት ኬጋጥመና ይኽእል ይኸውን። ሓደ እዋን፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ከምኡ ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ።

ጳውሎስ ቃሉ ኸም ዚዓጽፍ ተኸስሰ

ኣብ 55 ድ.ክ. ጳውሎስ ኣብ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኣብ ኤፌሶን ከሎ፡ ንባሕሪ ኤጀያ ሰጊሩ ናብ ቈረንቶስ ኪኸይድ፡ ካብኡ ድማ ናብ መቄዶንያ ኺጓዓዝ ሓሲቡ ነበረ። ናብ የሩሳሌም ኪምለስ ከሎ፡ ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ንኻልኣይ ሳዕ ኪበጽሓ፡ ነቲ ሰብ ቈረንቶስ ናብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣሕዋት ዝለኣኽዎ ህያብ ከኣ ኪማልኦ መደበ። (1 ቈረ. 16:3) ነዚ ኣብ 2 ቈረንቶስ 1:15, 16 ብንጹር ሰፊሩ ንረኽቦ ኢና፣ እታ ጥቕሲ፡ “በዚ ተኣማሚነ ኸኣ፡ ካልኣይ ሳዕ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ኣቐዲመ ሓሲበ ነይረ፣ ብኣኻትኩም ኣቢለ ኸኣ ናብ መቄዶንያ ኽሓልፍ፡ ካብ መቄዶንያ ድማ ናባኻትኩም ክምለስ እሞ፡ ንስኻትኩም ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ሓሲበ ነይረ” ትብል።

ጳውሎስ ኣቐዲሙ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ብዛዕባ መደቡ ሓቢርዎም ዝነበረ እዩ ዚመስል። (1 ቈረ. 5:9) ይኹን እምበር፡ ነታ መልእኽቲ እቲኣ ኻብ ዚጽሕፋ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ጉባኤ  ቈረንቶስ ከቢድ ፍልልይ ከም ዘሎ ኻብ እንዳ ቀሎኤ ሰምዐ። (1 ቈረ. 1:10, 11) ሽዑ ነቲ ኣብ ፈለማ ሓሲብዎ ዝነበረ መደብ ኬተዓራርዮ ወሰነ፣ ነዛ ሕጂ ቐዳማይ ቈረንቶስ ኢልና እንጽውዓ መልእኽቲ ኸኣ ጸሓፋ። በታ መልእኽቲ እቲኣ ኣቢሉ ድማ፡ ፍቕሪ ዝሓዘለ ምኽርን መአረምታን ሃበ። ንሰብ ቈረንቶስ ከኣ ጕዕዞኡ ኸም ዝቐየረ ሓበሮም፣ ፈለማ ናብ መቄዶንያ ኸም ዚኸይድ፡ ድሕሪኡ ናባታቶም ከም ዚመጽእ ድማ ነገሮም።—1 ቈረ. 16:5, 6 *

ሰብ ቈረንቶስ ንመልእኽቲ ጳውሎስ ምስ ተቐበልዋ፡ ገሊኦም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ‘ብሉጻት ሃዋርያት’ ንጳውሎስ፡ ቃሉ ኸም ዚዓጽፍን መብጽዓኡ ኸም ዘይሕሉን ገይሮም ዝኸሰስዎ እዩ ዚመስል። ጳውሎስ ንገዛእ ርእሱ ኺከላኸለላ ኸሎ፡ “ከምዚ ኢለ ምስ ሓሰብኩስ፡ ነዚ ኣቕሊለ ድየ ርእየዮ፧ ወይስ ‘እወ፡ እወ’ ኽብል ጸኒሐ፡ ‘ኣይፋል፡ ኣይፋል’ እናበልኩ ብስጋዊ መገዲ ድየ ዕላማ ዝገብር፧” ኢሉ ሓተተ።—2 ቈረ. 1:17፣ 11:5

‘ጳውሎስ ብሓቂ ነቲ ጕዳይ ኣቕሊሉ ድዩ ርእይዎ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። መልሱ፡ ‘ኣይፋልን’ ዚብል እዩ። እታ “ኣቕለለ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ‘ቃሉ ዓጸፈ’ ማለት እያ፣ ‘ትውክልቲ ዘይግበረሉ፡ መብጽዓኡ ዘይሕሉ’ ዚብል ትርጕም ከኣ ተመሓላልፍ እያ። እቲ ጳውሎስ ዘቕረቦ፡ “ብስጋዊ መገዲ ድየ ዕላማ ዝገብር፧” ዚብል ሕቶ፡ ጳውሎስ መደቡ ብምቕያር ዝገበሮ ውሳነ፡ ነቲ ቓሉ ኸም ዚዓጽፍ ዝቐረበሉ ኽሲ ዜፍርስ እዩ ነይሩ።

ጳውሎስ፡ እቲ ዝቐረበሉ ኽሲ ግጉይ ምዃኑ ኼጕልሕ ከሎ፡ “ከምቲ ኣምላኽ እሙን ዝዀነ፡ እቲ ንዓኻትኩም ዝበልናኩም፡ እወን ኣይፋልን ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረ. 1:18) ብንጹር እምበኣር፡ ጳውሎስ ንመደባቱ ዝቐየሮ፡ ንጥቕሚ እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኢሉ እዩ። ኣብ 2 ቈረንቶስ 1:23፡ ነቲ ናብ ቈረንቶስ ኪኸይድ ኣውጺእዎ ዝነበረ ናይ መጀመርታ መደብ ዝቐየሮ፡ ‘ኪንሕፎም’ ኢሉ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። እወ፡ ብኣካል ቅድሚ ምምጻኡ፡ ነቲ ዝነገሮም ነገራት ንኺትግብርዎ እዩ ኣጋጣሚ ዚህቦም ነይሩ። ከምቲ ዝሓሰቦ ኸኣ፡ ኣብ መቄዶንያ ኸሎ፡ እታ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ንሰብ ቈረንቶስ ናብ ጓህን ንስሓን ከም ዝመርሓቶም፡ ቲቶስ ነገሮ፣ እዚ ድማ ኣዝዩ ኣሐጐሶ።—2 ቈረንቶስ 6:11፣ 7:5-7

ብእኡ ንኣምላኽ “ኣሜን” ይብሃል

እቲ ጳውሎስ ቃሉ ኸም ዚዓጽፍ ዝቐረበሉ ኽሲ፡ ‘ኣብቲ በብመዓልቱ ዚገብሮ ነገራት ትውክልቲ ዘይግበሮ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት እውን ኪእመን ኣይክእልን እዩ’ ዚብል ሓሳብ እዩ ዚእምት። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፡ የሱስ ክርስቶስ ብእኡ ኣቢሉ ኸም እተሰብከሎም ኣዘኻኸሮም። “እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ብስልዋኖስን ብጢሞቴዎስን ኣባኻትኩም እተሰብከ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ፡ እወን ኣይፋልን ኣይኰነን፣ ግናኸ፡ ኣብኡ እወ፡ እወ ዀይኑ እዩ” በሎም። (2 ቈረ. 1:19) እቲ ንጳውሎስ ኣርኣያኡ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ፡ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ዘይእሙን ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ኣብ ብምሉኡ ህይወቱን ኣገልግሎቱን፡ ሓቂ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ዮሃ. 14:6፣ 18:37) ስብከት የሱስ ሓቀኛን ዜተኣማምንን እንተ ዀይኑ፡ ጳውሎስ ከኣ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዚሰብኽ እንተ ነይሩ፡ ስብከት ጳውሎስ እውን ዜተኣማምን እዩ ማለት እዩ።

የሆዋ፡ “ኣምላኽ ሓቂ” ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። (መዝ. 31:5) እዚ ኸኣ ኣብቲ ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ ዝጸሓፎ ተገሊጹ ኣሎ፣ ንሱ፡ “ተስፋታት ኣምላኽ ዘበለስ ብእኡ [ብክርስቶስ] እወ ዀይኑ እዩ” በለ። እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝነበሮ መንቅብ ዘይብሉ ንጽህና፡ ንመብጽዓታት ኣምላኽ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ቀጺሉ፡ “ስለዚ ኸኣ፡ ብኣና ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብእኡ [ብየሱስ] ንኣምላኽ ‘ኣሜን’ ይብሃል እዩ” በለ። (2 ቈረ. 1:20) የሱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ እተመባጽዖ መብጽዓ ብምሉኡ ኸም ዚፍጸም ዜረጋግጽ ወይ “ኣሜን” ዚገብር እዩ።

ከምቲ የሆዋን የሱስን ኵሉ ሳዕ ሓቂ ዚዛረቡ፡ ጳውሎስ እውን ኵሉ ሳዕ ቃሉ ይሕሉ ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 1:19) ጳውሎስ “ብስጋዊ መገዲ” ዕላማ ዚገብር፡ ማለት ቃሉ ዚዓጽፍ ወይ ከኣ መብጽዓኡ ዘይፍጽም ሰብ ኣይነበረን። (2 ቈረ. 1:17) የግዳስ፡ ‘ብመንፈስ  እዩ ዚመላለስ’ ነይሩ። (ገላ. 5:16) ምስ ካልኦት ኣብ ዝነበሮ ርክብ፡ ንጥቕሞም እዩ ዚሓስብ ነይሩ። እቲ ‘እወ’ ዝበሎ፡ ‘እወ’ እዩ ነይሩ።

‘እወ’ ዝበልካዮ፡ ‘እወ’ ድዩ፧

ሎሚ እቶም ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይምርሑ ሰባት፡ መብጽዓ እኳ እንተ ተመባጽዑ፡ ንእሽቶ ጸገም እንተ ኣጋጢምዎም ወይ ከኣ ዝሓሸ ነገር እንተ ረኺቦም፡ መብጽዓኦም ኣይፍጽሙን እዮም። ኣብ ጕዳያት ንግዲ፡ ዋላ እውን ስምምዓት ኣብ ጽሑፍ እንተ ሰፈረ፡ እቲ “እወ” ዚብሃል፡ ኵሉ ሳዕ “እወ” እዩ ማለት ኣይኰነን። ብዘይካዚ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ መንጎ ኽልተ ሰባት ብዚግበር ስምምዕ ዚምስረት ሓዳር፡ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ኸም እትሕልዎ ቓል ኪዳን ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም። እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ቝጽሪ ፍትሕ፡ ብዙሓት ሰባት ንሓዳር፡ ብቐሊሉ ኺፈርስ ከም ዚኽእል ወዝባዊ ሕብረት ገይሮም ከም ዚርእይዎ ዚሕብር እዩ።—2 ጢሞ. 3:1, 2

ንስኻኸ፧ ‘እወ’ ዝበልካዮ፡ ‘እወ’ ድዩ፧ ሓቂ እዩ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተገልጸ፡ ቃልና ስለ እንዓጽፍ ዘይኰነስ፡ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ብዝዀነ ምኽንያት፡ ቈጸራ ኽንስርዝ ንግደድ ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ከም ሓደ ክርስትያን መጠን፡ ገለ ነገር ከም እትገብር እንተ ተመባጺዕካ፡ ቃልካ ንኽትሕሉ ዚከኣለካ ጽዓር። (መዝ. 15:4፣ ማቴ. 5:37) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ከም እሙንን ቃሉ ዚሕሉን ወትሩ ሓቂ ዚዛረብን ሰብ ጌርካ ኽትርአ ኢኻ። (ኤፌ. 4:15, 25፣ ያእ. 5:12) ሰባት፡ ኣብ መዓልታዊ ጕዳያት ኪኣምኑኻ ኸም ዚኽእሉ እንተ ፈሊጦም፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ኽትነግሮም ከለኻ፡ ንኺሰምዑ ፍቓደኛታት ኪዀኑ እዮም። ስለዚ፡ ‘እወ’ ዝበልካዮ፡ ‘እወ’ ይኹን።

^ ሕ.ጽ. 7 ጳውሎስ ንቐዳማይ ቈረንቶስ ካብ ዚጽሕፋ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብጥሮኣስ ኣቢሉ ናብ መቄዶንያ ኸይዱ ነይሩ እዩ፣ ኣብኣ ዀይኑ ድማ ንኻልኣይ ቈረንቶስ ጸሓፋ። (2 ቈረ. 2:12፣ 7:5) ጸኒሑ፡ ናብ ቈረንቶስ ከይዱ እዩ።