ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) መጋቢት 2014

ንልቢ እቶም ዘይኣመንቲ ኣዝማድካ ኽትንክፎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ንልቢ እቶም ዘይኣመንቲ ኣዝማድካ ኽትንክፎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

የሱስ ክርስቶስ፡ ምናልባት ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ገሊላ ኣብ እትርከብ ጋዳራ እትብሃል ዓዲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንሓደ ሰዓቢኡ ኪኸውን ዝሓተቶ ሰብኣይ፡ “ናብ ቤትካ፡ ናብ ሰብካ ኺድ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልካን ዝመሓረካን ንገሮም” በሎ። ከምኡ ምባሉ ኸኣ፡ ሰባት ዜገድስ ነገራት ንኣዝማዶም ናይ ምንጋር መሰረታዊ ድሌት ከም ዘለዎም ተረዲኡ ኸም ዝነበረ ይሕብር።—ማር. 5:19

እዚ ድሌት እዚ፡ ሽሕ እኳ ኣብ ገሊኡ ባህልታት ጐሊሑ ዚርአ እንተ ዀነ፡ ሎሚ እውን ሰባት ከምኡ ዓይነት ድሌት ከም ዘለዎም ንርኢ ኢና። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኼምልኽ ኪጅምር ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣዝማዱ ብዛዕባኡ ኺነግሮም ይደሊ እዩ። ግናኸ ብኸመይ እዩ ኺነግሮም ዘለዎ፧ ንልቢ እቶም እተፈልየ ሃይማኖት ዘለዎም ወይ እምነት ዚብሃል ዘይብሎም ኣዝማዱ ብኸመይ እዩ ኺትንክፎ ዚኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣወንታውን ግብራውን ምኽሪ ይህብ እዩ።

‘ንመሲሕ ረኺብናዮ’

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እንድርያስ ሓደ ኻብቶም መጀመርታ ንመሲሕ ዘለለይዎ ሰባት እዩ ነይሩ። ንሱ ብዛዕባ መሲሕ ምስ ፈለጠ ብኡብኡ ንመን እዩ ነጊርዎ፧ “ቅድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፡ ‘ንመሲሕ (ትርጕሙ ክርስቶስ እዩ) ረኺብናዮ’ በሎ።” ንስምኦን ናብ የሱስ ወሲዱ ኸኣ፡ ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንኪኸውን ኣጋጣሚ ኸፈተሉ።—ዮሃ. 1:35-42

ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ኣቢሉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ዮጴ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብሸነኽ ሰሜን ገይሩ ናብ ቂሳርያ ብምኻድ ንቤት እቲ ሓለቓ ሚእቲ ዝነበረ ቆርኔሌዎስ ኪበጽሓ ዕድመ ቐረበሉ። እሞኸ ጴጥሮስ ኣብታ ቤት ምስ በጽሐ ንመን እዩ ረኺቡ፧ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቆርኔሌዎስ ከኣ ኣዝማዱን ናይ ቀረባ ፈተውቱን ኣኪቡ [ንጴጥሮስን ነቶም መኻይዱን] ይጽበዮም ነበረ” ይብል። ቆርኔሌዎስ በዚ ኸምዚ፡ ንኣዝማዱ  ዘረባ ጴጥሮስ ንኺሰምዑን ኣብቲ ዝሰምዕዎ ተመርኲሶም ንኺውስኑን ኣጋጣሚ ኸፈተሎም።—ግብ. 10:22-33

ካብ እንድርያስን ቆርኔሌዎስን እንታይ ንመሃር፧

እንድርያስን ቆርኔሌዎስን፡ ኣዝማዶም ብዛዕባ የሱስ ምእንቲ ኺሰምዑ ዝገበርዎ ነገራት ኣሎ። እንድርያስ ተበግሶ ወሲዱ ንጴጥሮስ ምስ የሱስ ኣፋለጦ፣ ቆርኔሌዎስ ከኣ ኣዝማዱ ዘረባ ጴጥሮስ ምእንቲ ኺሰምዑ፡ መሰናድዎ ገይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ እንድርያስን ቆርኔሌዎስን ንኣዝማዶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ንኪዀኑ ጸቕጢ ኣይገበሩሎምን ወይ ኬታልልዎም ኣይፈተኑን። ካብዚ እንታይ ንመሃር፧ ኣብነቶም ምስዓብና ጥበባዊ እዩ። ንኣዝማድና ገለ ሓሳባት ብምክፋል ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺፈልጡን ምስ ክርስትያን ብጾትና ንኺራኸቡን ኣጋጣሚ ኽንከፍተሎም ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ነኽብረሎም፡ ዘየድሊ ጸቕጢ ድማ ኣይንገብረሎምን ኢና። ንኣዝማድና ብኸመይ ክንሕግዞም ከም ዘሎና ንኽንፈልጥ፡ ኣብ ጀርመን ዚነብሩ ጁርገንን ፔትራን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር ዝገደፉልና ኣብነት ንርአ።

ፔትራ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዓ ተጠምቀት። ሰብኣያ ጁርገን፡ ኣብ ውትህድርና ዚዓዪ ብዓል ስልጣን እዩ ነይሩ። ንሱ ኣብ ፈለማ፡ በቲ ሰበይቱ ዝገበረቶ ውሳነ ሕጉስ ኣይነበረን። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሰብኩ ተገንዘበ። ንሱ እውን ርእሱ ንየሆዋ ወፈየ፣ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ንልቢ ሓደ ዘይኣማኒ ዘመድ ንምትንካፍ እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎኸ እዩ ዚመክር፧

ጁርገን ከምዚ በለ፦ “ንኣዝማድና፡ ንኺሰምዑና ጸቕጢ ኽንገብረሎምን ብመንፈሳዊ ነገራት ዓቕሎም ከነጽብበሎምን የብልናን። እዚ ብዝያዳ ኸም ዜድሓርሕሩ እዩ ዚገብሮም። በብቝሩብ ብዛዕባ ሓቂ ብሜላ እንተ ነገርናዮም ዝሓሸ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንኣዝማድና ምስቶም ኣብ ክሊ ዕድሚኦም ዚርከቡን ተመሳሳሊ ድሌት ዘለዎምን ኣሕዋት ከነራኽቦም ጠቓሚ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ብቐሊሉ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።”

“ንኣዝማድና፡ ንኺሰምዑና ጸቕጢ ኽንገብረሎምን ብመንፈሳዊ ነገራት ዓቕሎም ከነጽብበሎምን የብልናን።”—ጁርገን

ሃዋርያ ጴጥሮስን ኣዝማድ ቆርኔሌዎስን ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ውዓል ሕደር ከይበሉ እዮም ተቐቢሎምዎ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ብዛዕባ ሓቂ እተነግሮም ካልኦት ሰባት ግና፡ ውሳነ ንኺገብሩ ዝያዳ ግዜ ኣድልይዎም እዩ።

ኣሕዋት የሱስ

ገሊኦም ኣዝማድ የሱስ፡ ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብእኡ ኣሚኖም እዮም። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ያእቆብን ሃዋርያ ዮሃንስን ደቂ ሓትኖ የሱስ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣዲኦም ሰሎሜ ድማ ሓንቲ ኻብተን ንየሱስን ንሃዋርያትን ‘ብገንዘበን ዜገልግላኦም ዝነበራ ብዙሓት ካልኦት ኣንስቲ’ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ።—ሉቃ. 8:1-3

ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤት የሱስ ግና፡ ብኡብኡ ኣይኣመኑን። ንኣብነት፡ ድሕሪ ጥምቀት የሱስ ሓደ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብዙሓት ሰብ ንየሱስ ንኺሰምዕዎ ኣብ ሓንቲ ቤት ተኣኪቦም ነበሩ። “ኣዝማዱ ምስ ሰምዑ ግና፡ ‘ተጸሊሉ’ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ ኪሕዝዎ መጹ።” ድሕሪኡ ገለ ግዜ ጸኒሑ፡ እቶም ብኣደ ኣሕዋቱ ብዛዕባ መገሻኡ ምስ ሓተትዎ፡ ቀጥታዊ መልሲ ኣይሃቦምን። ምኽንያቱ ድማ፡ “ኣሕዋቱ ብእኡ ኣይኣምኑን ነበሩ።”—ማር. 3:21፣ ዮሃ. 7:5

ካብቲ የሱስ ንኣሕዋቱ ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ንመሃር፧ ገለ ኻብ ኣሕዋቱ ኸም እተጸለለ ገይሮም ምስ ተዛረቡ፡ ኣይተቐየመን። ተቐቲሉ ምስ ተንስአ እውን ነቲ ብኣደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ ስለ እተራእዮ፡ ንኣዝማዱ ተወሳኺ መረጋገጺ ሂብዎም እዩ። በዚ ኸምዚ ያእቆብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልኦት ኣሕዋቱ እውን የሱስ ብሓቂ እቲ መሲሕ ምዃኑ ኺኣምኑ  ኽኢሎም እዮም። ስለዚ ድማ፡ ምስ ሃዋርያትን ምስ ካልኦትን ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብ ሓንቲ ደርቢ ተኣኪቦም፡ መንፈስ ቅዱስ ከም እተቐበሉ ፍሉጥ እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ እቶም ንየሱስ ብኣደ ኣሕዋቱ ዝነበሩ ያእቆብን ይሁዳን እውን ፍሉይ መሰላት ረኺቦም እዮም።—ግብ. 1:12-14፣ 2:1-4፣ 1 ቈረ. 15:7

ገሊኣቶም ዝያዳ ግዜ የድልዮም

“እንተ ዘይተሓሊልካ፡ ብዙሕ ረብሓ እዩ ዚርከብ።”—ሮስዊት

ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት፡ ሎሚ እውን ገሊኦም ኣዝማድና ኣብ መገዲ ህይወት ኪጐዓዙ ቕድሚ ምጅማሮም እተወሰነ ግዜ የድልዮም እዩ። ነዚ ዜብርህ ሓደ ኣብነት ንርአ። ሮስዊት፡ ሰብኣያ ብ1978 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ኺጥመቕ ከሎ፡ ንጥፍቲ ኣባል ሮማዊት ካቶሊክ ነበረት። መጀመርታ፡ ንሰብኣያ ብቕንዕና ተደሪኻ ተጻረረቶ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ግና፡ ክትለዝብ ጀመረት፡ ትምህርትታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቂ ምዃኑ ድማ ተገንዘበት። ብ2003 ንሳ እውን ተጠምቀት። ንኽትቅየር ዝሓገዛኸ እንታይ እዩ፧ መጀመርታ ንሰብኣያ ምስ ተቓወመቶ፡ ንሱ ኣረኣእያኣ ንኽትቅይር ኣጋጣሚ ደኣ ኸፈተላ እምበር፡ ኣይተቐየማን። ሮስዊት፡ “እንተ ዘይተሓሊልካ፡ ብዙሕ ረብሓ እዩ ዚርከብ” ዚብል ምኽሪ ሃበት።

ካልእ ኣብነት እውን ንርአ። ሞኒካ ብ1974 ተጠምቀት፡ ክልተ ደቃ ኸኣ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ሰብኣያ ሃንስ፡ ዘይጻረራ እኳ እንተ ነበረ፡ ብ2006 እዩ ተጠሚቑ። እታ ስድራ ቤት ካብ ተመክሮኣ ተበጊሳ፡ “ወትሩ ንየሆዋ እሙን ኩን፡ ብእምነት ዝመጸ ኣይትለማለም” ዚብል ምኽሪ ሃበት። ይኹን እምበር፡ ሞኒካን ደቃን ንሃንስ ከም ዜፍቅርዎ ዅሉ ሳዕ ይነግርዎ ነይሮም እዮም። ሓደ መዓልቲ ሓቂ ኸም ዚቕበል ከኣ ብተስፋ ይጽበዩ ነይሮም እዮም።

ብማይ ሓቂ ኣርውዮም

የሱስ ንመልእኽቲ ሓቂ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚህብ ማይ ከም ዝዀነ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (ዮሃ. 4:13, 14) ኣዝማድና ነቲ ጽሩይ ማይ ሓቂ ብምስታይ ኪረውዩ ንደልዮም ኢና። ብሓንሳእ ብዙሕ ማይ ብምሃብ ከነሰርንቖም ከም ዘይንደሊ ፍሉጥ እዩ። እቲ ብዛዕባ ሓቂ እንገልጸሉ መገዲ፡ ከም ዚረውዩ ወይ ከም ዚስርነቑ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ” ይብል። ኣስዒቡ እውን፡ “ልቢ እቲ ጥበበኛ ንኣፉ መስተውዓሊ ይገብሮ፡ ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኸን” ይብል። ነዚ ምኽሪ እዚ ብኸመይ ኢና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእል፧—ምሳ. 15:28፣ 16:23

ንኣብነት፡ ሓንቲ ሓብቲ ንሰብኣያ ብዛዕባ እምነታ ኽትገልጸሉ ትደሊ ትኸውን። እዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ‘እትመልሶ ትሓስብ’ እንተ ዀይና፡ ቃላት ተጠንቂቓ እያ እትመርጽ፡ ብሃወኽ ድማ ኣይትዛረብን እያ። ርእሳ ኸይተመጻድቕ ወይ ጸብለል ከይተብል ክትጥንቀቕ ኣለዋ። እቲ ብጥንቃቐ እተዛረበቶ ዘረባ ዜርውን ሰላማዊ ሃዋህው ዚፈጥርን ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ኵነታት ኣብ ግምት ምስ እተእቱ፡ ብምስትውዓል ክትዛረብን ክትመላለስን ትኽእል፦ ሰብኣያ ምቕልል ዚብለሉን ብቐሊሉ ዚቕረበሉን እዋን መዓስ እዩ፧ ብዛዕባ እንታይ እዩ ኺዛረብ ወይ ኬንብብ ባህ ዚብሎ፧ ብዝያዳ ዜገድሶ እንታይ እዩ፧ ስነ ፍልጠት፧ ፓለቲካ፧ ወይስ ስፖርት፧ ንስምዒታቱን ንርእይቶኡን እናኽበረት፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምፍላጥ ድሌት ከተሕድረሉ እትኽእል ብኸመይ እያ፧

ንልቢ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣባላት ስድራ ቤትና ንኽንትንክፎ፡ ብዛዕባ እምነትና ብሚዛናዊ መገዲ ኻብ ምግላጽ ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ዘረባና ብሰናይ ኣካይዳና ኺድገፍ ኣለዎ።

ሰናይ ኣካይዳ

እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጁርገን፡ “ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ወትሩ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ዕየየሉ። ዘመድካ ሽሕ እኳ ብኣፉ እንተ ዘይተኣመነ፡ ነዚ ኼስተብህለሉ እዩ” በለ። እቲ ኻብ ሰበይቱ ዳርጋ 30 ዓመት ድሒሩ እተጠምቀ ሃንስ፡ ምስዚ ሓሳብ እዚ ብምስምማዕ፡ “ዘመድና፡ ሓቂ ኣብ ህይወትና ኣወንታዊ ጽልዋ ኸም ዚገብር ምእንቲ ኺርኢ፡ ኣብነት ዚኸውን ክርስትያናዊ ጠባይ ኣገዳሲ እዩ” በለ። ኣዝማድና፡ እምነትና ኻብ ካልኦት ዚፈልየና ብኣወንታዊ ደኣ እምበር፡ ብኣሉታዊ መገዲ ኸም ዘይኰነ ኺርእዩ ኣለዎም።

“ዘመድና፡ ሓቂ ኣብ ህይወትና ኣወንታዊ ጽልዋ ኸም ዚገብር ምእንቲ ኺርኢ፡ ኣብነት ዚኸውን ክርስትያናዊ ጠባይ ኣገዳሲ እዩ።”—ሃንስ

ሃዋርያ ጴጥሮስ ነተን ዘይኣመንቲ ሰብኡት ዘለዉወን ኣንስቲ ከምዚ ብምባል ጠቓሚ ምኽሪ ሂብወን ኣሎ፦ “ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣለዉ፡ ብዘይ ቃል ብኣካይዳ ኣንስቶም ምእንቲ ኺማረኹ ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም፣ ከምኡ ዚዀኑ ድማ፡ ነቲ ንጹህ ኣካይዳኽንን ብዙሕ ኣኽብሮትክንን ምስ ረኣዩ እዮም። ስልማትክን ደጋዊ፡ ማለት ቍኖ ጸጕርን ስልማት ወርቅን ምኽዳን ክዳውንትን ኣይኹን፣ የግዳስ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ብህዱእን ልኡምን መንፈስ ብዘይሓልፍ ስልማት እተሰለመ ኣብ ልቢ ዘሎ ሕቡእ ሰብ ይኹን።”—1 ጴጥ. 3:1-4

 ጴጥሮስ፡ ሓደ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በቲ ሰበይቱ እተርእዮ ጽቡቕ ጠባይ ኪሰሓብ ከም ዚኽእል እዩ ገሊጹ። ክሪስታ ዝስማ ሓብቲ ብ1972 ካብ እተጠምቀትሉ እዋን ኣትሒዛ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ ቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ብምስዓብ፡ ብኣካይዳኣ ልቢ ሰብኣያ ኽትትንክፍ ጽዒራ እያ። ሓደ እዋን ሰብኣያ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር የጽንዕ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሓቂ ምሉእ ብምሉእ ኣይተቐበላን ነይሩ። ኣብ ገሊኡ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይእከብ ነይሩ፡ ምስ ኣባላት እታ ጉባኤ ኸኣ ጽቡቕ ርክብ እዩ ነይርዎ። ንሳቶም እውን ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቱ የኽብሩሉ ነይሮም። እሞኸ፡ ክሪስታ ልቢ ሰብኣያ ኽትትንክፍ ዝጸዓረት ብኸመይ እያ፧

ክሪስታ ኸምዚ በለት፦ “በቲ የሆዋ ዚደልዮ መገዲ ጠቢቐ ንኽመላለስ ቈሪጸ እየ። ንሰብኣየይ ድማ ‘ብዘይ ቃል’ ብጽቡቕ ጠባየይ ምእንቲ ኽማርኾ እጽዕር እየ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይጥሓሰሉ ዅነታት፡ ብእተኻእለኒ መጠን ድሌቱ ኽፍጽመሉ እየ ዝጽዕር። ንናይ ምምራጽ ናጽነቱ አኽብረሉ እየ፡ ነቲ ጕዳይ ከኣ ንየሆዋ እየ ዝገድፈሉ።”

ኣብነት ክሪስታ፡ ተዓጻጸፍቲ ኽንከውን ከም ዘሎና የጕልሕ። ንሳ ንመንፈሳዊ ጕዳያት ስሩዕ መደብ እዩ ዘለዋ፣ ማለት ካብ ኣኼባታት ኣይተብኵርን፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ድማ ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ትገብር እያ። ይኹን እምበር፡ ሰብኣያ ፍቕራን ግዜኣን ቈላሕታኣን ከም ዚደሊ ስለ እትግንዘብ እውን ብምስትውዓል እያ እትመላለስ። ዘይኣመንቲ ኣዝማድ ዘለዉና ዘበልና፡ ተዓጻጸፍትን ኣስተውዓልትን ክንከውን ጥበባዊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ” ይብል። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኻልእ እምነት ምስ ዘለዎም ኣባላት ስድራ ቤትና፡ ብፍላይ ድማ ምስ መጻምድትና እነሕልፎ ግዜ ዜጠቓልል እዩ። ሓቢርና እነሕልፎ ግዜ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ንኽንለዋወጥ መገዲ ዚኸፍት እዩ። ብተመክሮ ኸም እተራእየ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ እንተ ኣልዩ፡ ኣባላት ስድራ ቤት ኣይቀንኡን፡ እተገለሉ ወይ እተጠልዩ ዀይኑ እውን ኣይስምዖምን እዩ።—መክ. 3:1

ተስፋ ኣይትቝረጽ

ካብ ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤቱ 20 ዓመት ጸኒሑ እተጠምቀ ኣቦ ዘለዎ ሆልገር፡ “ንኣባል ስድራ ቤትና ኸም እነፍቅሮ ኸነርእዮን ክንጽልየሉን ኣገዳሲ እዩ” በለ። እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ክሪስታ፡ ‘ሰብኣያ መትከሉ ምስ የሆዋ ኺገብርን ሓቂ ኪቕበልን ብተስፋ ኸም እትጽበ’ ገለጸት። ብዛዕባ እቶም ካልእ እምነት ዘለዎም ኣዝማድና፡ ወትሩ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኺህልወና ኣለዎ፣ ተስፋ ኽንቈርጽ እውን የብልናን።

ሸቶና፡ ኣዝማድና ንሓቂ ኺፈልጥዋ ኣጋጣሚ ኽንከፍተሎምን ንልቦም ብሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንትንክፎን ምሳታቶም ንዘሎና ርክብ ከነደልድሎን እዩ። ኣብ ኵሉ ነገራት ከኣ፡ “ብልእመትን ብብዙሕ ኣኽብሮትን” ክንመላለስ ይግባእ።—1 ጴጥ. 3:15