ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ጥሪ 2014

ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ ዝዀነ የሆዋ ኣምልኮ

ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ ዝዀነ የሆዋ ኣምልኮ

“ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡ . . . ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ግርማን ይኹኖ።”1 ጢሞ. 1:17

1, 2. (ሀ) “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” መን እዩ፧ እቲ መዓርግ እቲ ብቑዕ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ናብቲ ንጉስ ዝዀነ የሆዋ ኸም እንቐርብ ዚገብረና እንታይ እዩ፧

ንጉስ ዳግማዊ ሶብሁዛ ኣብ ስዋዚላንድ ንኣስታት 61 ዓመት ገዝአ። ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ ሰብ ንኽንድዚ ዚኣክል ዓመት ኪገዝእ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዕድመ ዘይድረት ግዝኣት ዘለዎ ንጉስ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ንጉስ እዚ፡ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ይብሎ። (1 ጢሞ. 1:17) ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መዝሙር ነዚ ልዑላዊ ንጉስ እዚ፡ “የሆዋ ንዘለኣለመ ኣለም ንጉስ እዩ” ብምባል ብስሙ ጠቒስዎ ኣሎ።—መዝ. 10:16NW።

2 ኣምላኽ ንዘለኣለም ዚገዝእ ብምዃኑ፡ ግዝኣቱ ኻብ ግዝኣት ደቂ ሰብ እተፈልየ እዩ። ናብ የሆዋ ኸም እንቐርብ ዚገብረና ግና ኣገዛዝኣኡ እዩ። ሓደ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ን40 ዓመት ዝገዝአ ንጉስ፡ ንኣምላኽ፡ “እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ርሕሩሕን መሓርን እዩ፡ ንዅራ ደንጓዪ፡ ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቘመ፡ መንግስቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ አላ” ብምባል ወዲስዎ ኣሎ። (መዝ. 103:8, 19) የሆዋ፡ ንጉስና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና እውን እዩ። እዚ ኸኣ ነዚ ዚስዕብ ክልተ ሕቶታት የበግስ፦ (1) የሆዋ ኸም ኣቦ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (2) የሆዋ ኻብቲ ኣብ ኤድን እተፈጸመ ዕልወት ንነጀው፡ ንንግስነቱ ዝዓየየሉ ብኸመይ እዩ፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን፡ ናብ የሆዋ ንኽንቀርብን ብምሉእ ልብና ንኸነምልኾን ይድርኸና።

 እቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡ ስድራ ቤት መስረተ

3. ናይ መጀመርታ ኣባል ስድራ ቤት ኣምላኽ መን እዩ፧ ከም “ደቂ ኣምላኽ” ኰይኖም እተፈጥሩ ኻልኦትከ መን እዮም፧

3 የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ምስ ፈጠሮ፡ ኣዝዩ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ በዅሪ ወዱ ኣትሒቱ ኣይረኣዮን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከም ወዱ ገይሩ ኣፍቂርዎን ምስኡ ዀይኑ ንኻልኦት ፍጹማት ተገዛእቲ ንኺፈጥር ዓዲምዎን እዩ። (ቈሎ. 1:15-17) እቶም ፍጹማት ተገዛእቲ፡ ኣእላፋት መላእኽቲ ይርከብዎም። እዞም “ንቓሉ እትፍጽሙ” ተባሂሎም እተጸውዑ መላእኽቲ፡ ንኣምላኽ ብሓጐስ እዮም ዜገልግልዎ፣ ከም ‘ደቁ’ ገይሩ ብምጽዋዕ ድማ ኣኽቢርዎም እዩ። ኣባላት ስድራ ቤት የሆዋ ኸኣ እዮም።—መዝ. 103:20-22፣ እዮ. 38:7

4. ደቂ ሰብ ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ ኪዀኑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

4 የሆዋ ሰማይን ምድርን ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ንስድራ ቤቱ ኣስፍሖ። ንምድሪ ውቅብቲ መንበሪት ገይሩ ድሕሪ ምድላዉ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ብመልክዑ ፈጠሮ። (ዘፍ. 1:26-28) ከም ፈጣሪኡ መጠን ኪእዝዞ ግቡእ እዩ ነይሩ። ከም ኣቦ መጠን ድማ ብፍቕርን ብለውሃትን መምርሒታት ሃቦ። እዚ መምርሒታት እዚ ንናጽነት ኣዳም ኣመና ዚቕይድ ኣይነበረን።—ዘፍጥረት 2:15-17 ኣንብብ።

5. ምድሪ ብደቂ ሰብ ምእንቲ ኽትመልእ፡ ኣምላኽ እንታይ መሰናድዎ እዩ ገይሩ፧

5 ሓያሎ ሰብኣውያን ነገስታት ንተገዛእቶም ሓላፍነት ኪህብዎም ኣይደልዩን እዮም። የሆዋ ግና ንተገዛእቱ ኸም ኣባላት ስድራ ቤቱ ገይሩ ስለ ዚርእዮምን ስለ ዚኣምኖምን ተሓጒሱ ሓላፍነት ይህቦም እዩ። ንኣብነት፡ ንኣዳም ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ህያዋን ፍጥረታት ስልጣን ሂብዎ እዩ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን፡ ንእንስሳታት ስም ኬውጽኣሎም መዝነት ብምሃብ፡ ባህ ዜብልን ኣገዳስን ዕዮ ሂብዎ እዩ። (ዘፍ. 1:26፣ 2:19, 20) ኣምላኽ ንምድሪ ዚመልእዋ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ፍጹማት ሰባት ኣይፈጠረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኣዳም ፍጽምቲ ሰበይቲ፡ ማለት ንሄዋን ኪፈጥረሉ መረጸ። (ዘፍ. 2:21, 22) ድሕርዚ፡ ነዞም ሰብኣይን ሰበይትን ንምድሪ ብደቆም ኪመልእዋ ኣጋጣሚ ሃቦም። ኣብ ፍጹም ኵነታት ኰይኖም ከኣ፡ በብቝሩብ ንምልእቲ ምድሪ ናብ ገነት ኪቕይርዋ ምኸኣሉ ነይሮም። ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ ብምዃኖም ድማ፡ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቲ ዀይኖም ንየሆዋ ንዘለኣለም ኬምልኽዎ ምኸኣሉ ነይሮም። እዝስ መግለጺ እቲ ኣባታዊ ፍቕሪ የሆዋ ዝዀነ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ ነይሩ!

ዓለወኛታት ውሉዳት ንንግስነት ኣምላኽ ነጸግዎ

6. (ሀ) ኣብ ስድራ ቤት ኣምላኽ ዕልወት ዝጀመረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ልዑላውነት የሆዋ ኸም ዘይተቛረጸ ብኸመይ ንፈልጥ፧

6 እቲ ዜሕዘን ግና፡ ኣዳምን ሄዋንን፡ የሆዋ ልዑላዊ ገዛኢኦም ምዃኑ ኣየዕገቦምን። ኣብ ክንዲ ንየሆዋ ዚግዝኡ ኸኣ፡ ንሓደ ዓለወኛ መንፈሳዊ ውሉድ ኣምላኽ፡ ማለት ንሰይጣን ኪስዕቡ መረጹ። (ዘፍ. 3:1-6) ካብ ግዝኣት ኣምላኽ ወጻኢ ዝዀነ ህይወት ድማ፡ ንዓታቶም ኰነ ንዘርኦም ስቓይን መከራን ሞትን ኣምጽኣሎም። (ዘፍ. 3:16-19፣ ሮሜ 5:12) ስለዚ፡ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ እዙዛት ተገዛእቲ ኣይነበርዎን። እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኣብ ልዕሊ ምድርን ነበርታን ዝነበሮ ልዑላውነት ተቛሪጹ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ኸምኡ ማለት ኣይኰነን። ንኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤድን ብምስጓጕን ንኸይምለሱ ብምኽልካልን ኣብ መእተዊ ገነት ኤድን ኪሩቤል ብምቕማጥን ስልጣኑ ኣርእዩ እዩ። (ዘፍ. 3:23, 24) ምስናይዚ እውን፡ እቲ ውፉያት መንፈሳውያን ውሉዳትን ሰብኣውያን ውሉዳትን ዝሓቘፈት ስድራ ቤት ንኽትህልዎ ዝነበሮ ዕላማ ኸም ዚፍጸም መረጋገጺ ብምሃብ ኣባታዊ ፍቕሩ ኣርኣየ። ብዘይካዚ፡ ንሰይጣን ዜጥፍእን ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም ንዝመጸ ሳዕቤናት ዜልግስን ‘ዘርኢ’ ኸም ዜምጽእ ተመባጽዐ።—ዘፍጥረት 3:15 ኣንብብ።

7, 8. (ሀ) ብግዜ ኖህ፡ ኵነታት ምድሪ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኸፊኡ ነይሩ፧ (ለ) የሆዋ ንምድሪ ንምጽራይን ንሰብኣዊ ስድራ ቤት ንምድሓንን እንታይ መሰናድዎ እዩ ገይሩ፧

7 ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዘመናት፡ ገሊኦም  ሰባት ንየሆዋ እሙናት ኪዀኑ መሪጾም እዮም። ገለ ኻብኣቶም ከኣ ኣቤልን ሄኖክን እዮም። ግናኸ፡ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ንየሆዋ ኸም ኣቦኦምን ንጉሶምን ገይሮም ኪቕበልዎ ኣይደለዩን። ብግዜ ኖህ ከኣ፡ ምድሪ “ብዓመጻ መልኤት።” (ዘፍ. 6:11) እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ የሆዋ ንምድራዊ ጕዳያት ኣይቈጻጸሮን እዩ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚሕብር፧

8 ታሪኽ ኖህ እሞ ንርአ። የሆዋ ንኖህ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ዚድሕኑላ ዓባይ መርከብ ንኺሰርሕ ዝርዝር መምርሒ ሃቦ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንኖህ “ሰባኽ ጽድቂ” ኪኸውን መዝነት ብምሃብ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኣባላት ስድራ ቤቱ፡ ዓባይ ፍቕሪ ኣርእይዎም እዩ። (2 ጴጥ. 2:5) ኖህ ንሰባት፡ ንኺንስሑ ይነግሮምን ብዛዕባ እቲ ኺወርድ ቀሪቡ ዝነበረ ጥፍኣት የጠንቅቖምን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ሰማዒት እዝኒ ግና ኣይረኸበን። ኖህን ስድራ ቤቱን ንሓያሎ ዓመታት፡ ኣብታ ዓመጽን ብዕልግናን መሊእዋ ዝነበረት ዓለም ይነብሩ ነበሩ። የሆዋ፡ ከም ሓላዪ ኣቦ ብምዃን ነቶም ሸሞንተ ነፍሳት ኣዕቍብዎምን ባሪኽዎምን እዩ። ኣብ መላእ ምድሪ ማይ ኣይሂ ብምውራድ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ዓለወኛታት ሰባትን እኩያት መላእኽትን ዘለዎ ስልጣን ኣርእዩ እዩ። እወ፡ ንምድራዊ ጕዳያት ብሓቂ ተቘጻጺርዎ ነይሩ እዩ።—ዘፍ. 7:17-24

የሆዋ ንንግስነቱ ወትሩ ይዓይየሉ እዩ (ሕጡብ ጽሑፋት 6, 8, 10, 12, 17 ርአ)

ንግስነት የሆዋ —ድሕሪ ማይ ኣይሂ

9. ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ የሆዋ ንሰባት እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ኸፊቱሎም፧

9 ኖህን ስድራ ቤቱን ካብ መርከብ ወጺኦም ኣብታ ዝጸረየት ምድሪ ኺረግጹ ኸለውን ነቲ ንጹህ ኣየር ኬስተንፍሱ ኸለዉን፡ ንየሆዋ ስለቲ ሓልዮቱን ዕቝብኡን ኣመስጊኖምዎ ኪዀኑ ኣለዎም። ኖህ ንየሆዋ ንኼምልኽ ብኡብኡ መሰውኢ ሰሪሑ፡ መስዋእቲ ኣቕረበ። ኣምላኽ ንኖህን ንስድራ ቤቱን ባረኾም፡ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ” በሎም። (ዘፍ. 8:20–9:1) በዚ ኸምዚ፡ ደቂ ሰብ ብሓድነት ኬምልኹን ንምድሪ ኺመልእዋን እንደገና ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም።

10. (ሀ) ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ሰባት ኣበይን መዓስን እዮም ኣንጻር የሆዋ ኺዓልዉ ዝጀመሩ፧ (ለ) የሆዋ፡ ፍቓዱ ኸም ዚፍጸም ንምግባር እንታይ ስጕምቲ ወሰደ፧

10 ይኹን እምበር፡ ማይ ኣይሂ፡ ዘይፍጽምና ኣየጥፍአን። ሰይጣንን እቶም ዓለወኛታት መላእኽትን እውን ኣብ ደቂ ሰብ ጽልዋ ምግባሮም ቀጺሎም እዮም። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ሰባት ካብቲ ፍቕራዊ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ኪዓልዉ ጀመሩ። ሓደ ኻብቶም ንግዝኣት የሆዋ እተጻረሩ ሰባት፡ ወዲ ወዱ ንኖህ ዝወለዶ ኒምሮድ እዩ ነይሩ። ንሱ፡ “ንየሆዋ ዚጻረር ጅግና ሃዳኒ” (NW) ተባሂሉ ኣሎ። ኒምሮድ፡ ከም ባቤል ዝኣመሰላ ዓበይቲ ኸተማታት ሃነጸ፡ “ኣብ ሃገር ሲንኣር” ከኣ ባዕሉ ነገሰ። (ዘፍ. 10:8-12) እቲ ንጉስ ዘለኣለም፡ ነዚ ዓለወኛ ንጉስ እንታይ ስጕምቲ ወሰደሉ፧ ነቲ፡ “ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ” ዚብል ዕላማኡ ንምትዕንቓፍ ንዝገበሮ ጻዕርታትከ ብኸመይ ኣፍሸሎ፧ ኣምላኽ፡ ቋንቋ እቲ ህዝቢ ደባለቐ፣ በዚ ኸምዚ፡ ተገዛእቲ ኒምሮድ ተስፋ ቘሪጾም፡ “ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ” ተበተኑ። ነቲ ናይ ሓሶት ኣምልኾኦምን ሰብኣዊ ኣገዛዝኣኦምን ድማ ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ኣተኣታተውዎ።—ዘፍ. 11:1-9

11. የሆዋ ነቲ ዓርኩ ዝነበረ ኣብርሃም ተኣማንነቱ ዘርኣዮ ብኸመይ እዩ፧

11 ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ሓያሎ ሰባት ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እኳ እንተ ኣምለኹ፡ እተወሰኑ እሙናት ሰባት ግና ንየሆዋ ምምላኾም ቀጺሎም እዮም። ሓደ ኻባታቶም ኣብርሃም እዩ ነይሩ። ንሱ ብተኣዛዝነት ካብታ ምሾት ዝነበራ ኸተማ ኡር ወጺኡ፡ ንዓመታት ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። (ዘፍ. 11:31፣ እብ. 11:8, 9) ዘላን ኰይኑ ይነብረሉ ኣብ ዝነበረሉ ዅነታት፡ ኣብ ዙርያኡ፡ ኣብ እተሓጽረ ኸተማታት ዚነብሩ ሰብኣውያን ነገስታት እኳ እንተ ነበሩ፡ የሆዋ ግና ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ኣዕቊብዎም እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ብዛዕባቲ ኣባታዊ ዕቝባ የሆዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሰብ ኪጠቕዖም ኣይሐደገን፡ . . . ምእንትኦም  ንነገስታት ገሰጾም” በለ። (መዝ. 105:13, 14) የሆዋ ነቲ ዓርኩ ዝነበረ ኣብርሃም፡ ብተኣማንነት፡ “ነገስታትውን ካባኻ ኪወጹ እዮም” ኢሉ ተመባጽዓሉ።—ዘፍ. 17:6፣ ያእ. 2:23

12. የሆዋ፡ ኣብ ግብጺ ልዑላዊ ገዛኢ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ንህዝቡኸ ብኸመይ ሓገዞም፧

12 ኣምላኽ ንይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም ኰነ ንያእቆብ ወዲ ወዱ ንኣብርሃም፡ ከም ዚባርኾምን ካብ ዘርኦም ነገስታት ከም ዜውጽእን ተመባጺዑሎም እዩ። (ዘፍ. 26:3-5፣ 35:11) ይኹን እምበር፡ ዘርኢ ያእቆብ፡ ነገስታት ቅድሚ ምዃኖም፡ ኣብ ግብጺ ባሮት ኰይኖም ይነብሩ ነይሮም እዮም። እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ የሆዋ መብጽዓኡ ኺፍጽም ኣይከኣለን ወይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘለዎ ልዑላውነቱ ኣቋሪጽዎ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ኸምኡ ማለት ኣይኰነን። የሆዋ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ፡ መለኮታዊ ሓይሉ ኣርእዩ እዩ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ተሪር ዝነበረ ፈርኦን ከኣ ልዑላውነቱ ኣርእዩ እዩ። እቶም ኣብ ባርነት ዝነበሩ እስራኤላውያን ኣብ የሆዋ ኣመኑ፣ ንሱ ድማ ብተኣምራዊ መገዲ ብቐይሕ ባሕሪ ኣሕለፎም። ስለዚ እምበኣር፡ የሆዋ፡ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ምዃኑ ኣርእዩ እዩ፣ ከም ሓላዪ ኣቦ መጠን ከኣ፡ ነቲ ዓብዪ ሓይሉ ንህዝቡ ንምዕቋብ ተጠቒሙሉ እዩ።—ዘጸኣት 14:13, 14 ኣንብብ።

የሆዋ ንጉስ እስራኤል ኰነ

13, 14. (ሀ) እስራኤላውያን ብዛዕባ ንግስነት የሆዋ እንታይ ኢሎም እዮም ዘሚሮም፧ (ለ) ንንግስነት ብዚምልከት፡ ኣምላኽ ንዳዊት እንታይ ኢሉ እዩ ተመባጺዑሉ፧

13 እስራኤላውያን ብተኣምራዊ መገዲ ኻብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ብኡብኡ ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ዘመሩሉ። እቲ መዝሙር እቲ፡ ኣብ ዘጸኣት ምዕራፍ 15 ተመዝጊቡ ኣሎ። ፍቕዲ 18 (NW)፡ “የሆዋ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ” ትብል። እወ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓድሽ ህዝቢ ነጊሱ እዩ። (ዘዳ. 33:5) ይኹን እምበር፡ ንሱ ዘይርአ ንጉሶም ምዃኑ፡ ንእስራኤላውያን ኣየዕገቦምን። ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣስታት 400 ዓመት ጸኒሖም፡ ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣረማውያን ጐረባብቶም፡ ሰብኣዊ ንጉስ ኬንግሰሎም ሓተትዎ። (1 ሳሙ. 8:5) ምስናይዚ ግና፡ ኣብ ግዝኣት እቲ ኻልኣይ ሰብኣዊ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ከም እተራእየ፡ የሆዋ ሽዑ እውን እንተ ዀነ ንጉስ እዩ ነይሩ።

14 ዳዊት ነቲ ቕዱስ ታቦት ኪዳን ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ። ኣብቲ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ እቲ፡ ሌዋውያን መዝሙር ውዳሰ ዘመሩ። እቲ መዝሙር፡ “ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ ‘የሆዋ ነጊሱ!’ ይበሉ” ዚብል ኣገዳሲ ሓሳባት ሒዙ ኣሎ፣ ኣብ 1 ዜና መዋእል 16:31 ድማ ይርከብ። ሓደ ሰብ፡ ‘የሆዋ ናይ ዘለኣለም  ንጉስ ካብ ኰነ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸም ብሓድሽ ዝነገሰ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧’ ኢሉ ይሓትት ይኸውን። የሆዋ ኣብ ውሱን ግዜ ወይ ንሓደ ፍሉይ ኵነታት ብዚምልከት ንስልጣኑ ኺጥቀመሉ ኸሎ፡ ወይ ንሓደ ወኪል ኪሸይም ከሎ ነጊሱ ኺብሃል ይከኣል እዩ። የሆዋ ብኸመይ ከም ዚነግስ ምርዳእና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ዳዊት ቅድሚ ሙማቱ፡ የሆዋ ንዳዊት፡ “ድሕሬኻ ድማ ነቲ ኻብ ከርስኻ ዚወጽእ ዘርእኻ ልዕል ከብሎ እየ፡ ነታ መንግስቱውን ከጽንዓ እየ” ብምባል ንግስነቱ ንዘለኣለም ከም ዚቕጽል ተመባጺዑሉ ነበረ። (2 ሳሙ. 7:12, 13) ‘ዘርኢ’ ዳዊት ልዕሊ 1,000 ዓመት ጸኒሑ ምስ ተቐልቀለ፡ እቲ መብጽዓ እቲ ተፈጸመ። እቲ ‘ዘርኢ’ መን እዩ ነይሩ፧ መዓስከ እዩ ነጊሱ፧

የሆዋ ሓድሽ ንጉስ ሸመ

15, 16. የሱስ፡ ንጉስ ኪኸውን እተቐብአ መዓስ እዩ፧ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜኸ ንግዝኣቱ እንታይ መሰናድዎ እዩ ገይሩ፧

15 ብ29 ድ.ክ. ዮሃንስ መጥመቕ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ” እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ። (ማቴ. 3:2) የሱስ ብዮሃንስ ምስ ተጠምቀ፡ የሆዋ ንየሱስ፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕን ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽን ኪኸውን ቀብኦ። የሆዋ ብዛዕባ የሱስ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” ብምባል፡ ንወዱ ኣባታዊ ፍቕሩ ገሊጹሉ እዩ።—ማቴ. 3:17

16 የሱስ ብዅሉ ኣገልግሎቱ ንኣቦኡ ኣኽቢርዎ እዩ። (ዮሃ. 17:4) ነዚ ኸኣ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ እዩ ኣርእይዎ። (ሉቃ. 4:43) ንሰዓብቱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ ኪጽልዩ እውን ምሂርዎም እዩ። (ማቴ. 6:10) ከም እተሸመ ንጉስ መጠን ከኣ፡ ንተጻረርቱ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ኣላ” ኺብሎም ክኢሉ እዩ። (ሉቃ. 17:21) ድሕርዚ፡ ኣብታ ቐቅድሚ ሞቱ ዝነበረት ምሸት፡ ምስ ሰዓብቱ “ኺዳን መንግስቲ” ገበረ። በዚ ኸምዚ፡ ንገለ ኻብቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስኡ ሓቢሮም ኪነግሱ፡ ተመባጽዓሎም።—ሉቃስ 22:28-30 ኣንብብ።

17. የሱስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ብኸመይ እዩ ንግስነቱ ዝጀመረ፧ ነየናይ ንግስነትከ እዩ እተጸበየ፧

17 የሱስ፡ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኺገዝእ ዝጀመረ መዓስ እዩ፧ ምስ ተሸመ ብኡብኡ ኣይኰነን ነጊሱ። ንጽባሒቱ ድሕሪ ቐትሪ፡ የሱስ ተሰቕለ፡ ሰዓብቱ ኸኣ ፋሕ በሉ። (ዮሃ. 16:32) ይኹን እምበር፡ የሆዋ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝገበሮ፡ ንዅነታት ወዱ ይቈጻጸሮ ነይሩ እዩ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ፡ ንወዱ ኻብ ምዉታት ኣተንስኦ። ድሕርዚ፡ የሱስ ኣብ መዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ ልዕሊ እታ ብቕቡኣት ኣሕዋቱ ዝቘመት ክርስትያናዊት ጉባኤ ነገሰ። (ቈሎ. 1:13) ምስናይዚ ግና፡ ከም ‘ዘርኢ’ ዳዊት መጠን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንጉሳዊ ስልጣኑ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዚሕዝ ኪጽበ የድልዮ ነይሩ እዩ። የሆዋ ንወዱ፡ “ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዚገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ።—መዝ. 110:1

ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ ኣምልኮ

18, 19. እንታይ ንኽንገብር ኢና እንድረኽ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽከ እንታይ ኢና ኽንመሃር፧

18 ንዘመናት ዚኣክል፡ ንግስነት የሆዋ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ምጽራር ኬጋጥሞ ጸኒሑ እዩ። የሆዋ፡ ንልዑላውነቱ ኣቋሪጽዎ ኣይፈልጥን እዩ፣ ንዅነታት ተገዛእቱ ወትሩ ይቈጻጸሮ እዩ። ከም ፈቃር ኣቦ መጠን ንኸም ኖህን ኣብርሃምን ዳዊትን ዝኣመሰሉ ተገዛእቱ ኣዕቊብዎምን ሓልዩሎምን እዩ። እዝስ ከም ንጉስና መጠን ንኽንግዝኦን ንኽንቀርቦን ዚድርኸናዶ ኣይኰነን፧

19 ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ንሓትት ንኸውን፦ የሆዋ ኣብ ግዜና ዝነገሰ ብኸመይ እዩ፧ እሙናት ተገዛእቲ መንግስቲ የሆዋ ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ኣብ ስድራ ቤት ኣምላኽ ፍጹማት ውሉዳት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ምጽላይና እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ እዘን ሕቶታት እዚአን፡ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኪምለሳ እየን።