ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ታሕሳስ 2013

መጻምድትኻ ምስ ዚመውት

መጻምድትኻ ምስ ዚመውት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[ሰብኣይ] ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ፣ እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ” ብምባል ኣነጺሩ ይገልጽ እዩ። ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ከም “ሓደ ስጋ” መጠን ዘለዎም ግደ ኺፍጽሙ ኣለዎም። (ኤፌ. 5:33፣ ዘፍ. 2:23, 24) ድሕሪ ግዜ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍቕርን ምቅርራብን እናደልደለ እዩ ዚኸይድ። ንኣብነት፡ ክልተ ኣግራብ ተጸጋጊዐን ምስ ዚዓብያ፡ ሰራውረን ንሓድሕዱ ይተኣሳሰርን ይጠላለፍን እዩ። ሓድሕዳዊ ስምዒታት ሕጉሳት ሰብ ሓዳር እውን ልክዕ ከምኡ ይተኣሳሰርን ይጠላለፍን እዩ።

ሓደ ኻብቶም ሰብ ሓዳር እንተ ሞይቱኸ፧ ሽዑ እቲ ኣብ ህይወቶም ዘይብተኽ ዝነበረ ማእሰር ይብተኽ። እቲ ብህይወት ዘሎ መጻምድቲ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ጓህን ጽምዋን ይስምዖ፣ ሓድሓደ ግዜ እውን ቍጥዓ ወይ ጸጸት ኪስምዖ ይኽእል እዩ። ኣብ ሓዳር 58 ዓመት ዝገበረት ዳንየላ፡ መጻምድቶም ብሞት እተፈለይዎም ሓያሎ ሰባት ትፈልጥ እያ። * ሰብኣያ ምስ ሞተ ግና፡ “እዚ ተመክሮ እዚ ፈጺሙ ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ። ብእኡ እንተ ዘይሓሊፍካ፡ ፈጺሙ ኺርድኣካ ኣይክእልን እዩ” በለት።

ዘየኽትም ዚመስል ጓሂ

ገሊኦም ተመራመርቲ፡ ሞት መጻምድቲ ዜስዕቦ ጓሂ፡ እቲ ዝኸፍአ ጓሂ ምዃኑ ይገልጹ። ሓያሎ ሓዘንተኛታት ምስዚ ሓሳብ እዚ ይሰማምዑ እዮም። ንኣብነት፡ ሰብኣይ ሚሊ ኻብ ዚመውት ሓያሎ ዓመታት ገይሩ እዩ። ሚሊ ግና ብዛዕባ እቲ መበለት ኰይና ን25 ዓመት ዘሕለፈቶ ናብራ፡ “ስንክልቲ ኸም ዝዀንኩ እዩ ዚስምዓኒ” ብምባል ገለጸት።

 ሱዛን፡ እተን ሰብኡተን ምስ ሞትወን ንዓመታት ዝሓዘና መበለታት፡ ሓዘነን ዘብዝሓኦ ዀይኑ ይስምዓ ነበረ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ እቲ ምስኣ 38 ዓመት ዝጸንሐ ሰብኣያ ሞተ። ሕጂ ኻብ ዚመውት ልዕሊ 20 ዓመት እኳ እንተ ሓለፈ፡ “ብዛዕባኡ ዅሉ መዓልቲ እየ ዝሓስብ” በለት። ወትሩ ድማ እያ ትበኪ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጻምድትኻ ምስ ዚመውት ዚስምዓካ ሓዘን፡ መሪርን ንነዊሕ እዋን ዚጸንሕን ከም ዝዀነ የረጋግጸልና እዩ። ሳራ ምስ ሞተት፡ ሰብኣያ ኣብርሃም፡ “ኪሐዝነላን ኪበኽየላን መጸ።” (ዘፍ. 23:1, 2) ኣብርሃም ኣብ ትንሳኤ ይኣምን እኳ እንተ ነበረ፡ እታ ዜፍቅራ ሰበይቱ ምስ ሞተት ግና ኣምሪሩ ሓዚኑ እዩ። (እብ. 11:17-19) ያእቆብ እውን እታ ዜፍቅራ ሰበይቱ ራሄል ምስ ሞተቶ፡ ቀልጢፉ ኣይረስዓን። ንደቁ እውን ብዛዕባኣ ብለውሃት ተዛሪብዎም እዩ።—ዘፍ. 44:27፣ 48:7

ካብዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ መበለታትን ኣንስቶም ዝሞታኦም ሰብኡትን ንዓመታት እዮም ዚጕህዩ። ኪበኽዩን ኪሓዝኑን ክንርእዮም ከለና፡ ንሓዘኖም ሞት መጻምድቶም ዘስዓቦ ንቡር ሓዘን ጌርና ደኣ እምበር፡ ከም ድኽመት ጌርና ኽንርእዮ የብለናን። ንነዊሕ ግዜ ኽንሓልየሎምን ክንድግፎምን የድሊ።

በብቝሩብ ክትጻወሮ ፈትን

መጻምድቱ ብሞት እተፈልዮ ሰብ፡ ብቐሊሉ ናብቲ ኸይተመርዓወ ኸሎ ዝነበሮ ዓይነት ናብራ ኣይምለስን እዩ። ኣብ ሓዳር ነዊሕ እዋን ዝገበረ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ኽትጕሂ ወይ ተስፋ ኽትቈርጽ ከላ ብኸመይ ከም ዜጸናንዓ ይፈልጥ እዩ። ንሱ እንተ ሞይቱ ግና፡ ሰበይቱ እቲ ዜፍቅራን ዜጸናንዓን ዝነበረ ሰብ እያ እትስእን። ብተመሳሳሊ፡ ሰበይቲ ምስ ግዜ፡ ንሰብኣያ ብኸመይ ቅሳነትን ሓጐስን ከም ዚስምዖ ኽትገብር ከም እትኽእል ትፈልጥ እያ። ብኣእዳዋ ብምትንካፍን ባህ ዜብል ቃላት ብውሳእን እናኣጸናንዐት ንዜገድሶን ዜድልዮን ነገራት እትገብረሉ ቘላሕታ መዳርግቲ የብሉን። ንሳ እንተ ሞይታ ግና፡ ሰብኣያ ባዶነት ኪስምዖ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ገሊኣቶም፡ መጻምድቶም ብሞት ምስ ተፈለይዎም፡ ብዛዕባ መጻኢ ፍርሂ ደኣ እምበር፡ ምትእምማን ኣይስምዖምን እዩ። ነዚኣቶም ኣየናይ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ቕሳነትን ሰላምን ንኺረኽቡ ኺሕግዞም ዚኽእል፧

ሓዘንካ ንኽትጻወሮ፡ ኣምላኽ በብመዓልቱ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ

“ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።” (ማቴ. 6:34) እዘን የሱስ እተዛረበን ቃላት ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወትና ዜድልየና ስጋዊ ነገራት ዜመልክታ እኳ እንተ ዀና፡ ነቶም ዘፍቅርዎ ሰብ ብሞት እተፈለዮም ሓያሎ መጻምድቲ፡ ነቲ ኸቢድ ሓዘኖም ንኺጻወርዎ ሓጊዘናኦም እየን። ቻርለስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ምስ ሞተቶ፡ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ንሞኒክ ብምስኣነይ ዚስምዓኒ ጓሂ መሪር እዩ፣ አረ ሓድሓደ ግዜስ እናገደደ ዚኸይድ እዩ ዚመስል። ኰይኑ ግና፡ እዚ ንቡር ምዃኑ፡ ግዜ እናሓለፈ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ጓህየይ ብመጠኑ እናነከየ ኸም ዚኸይድ ተገንዚበ እየ።”

እወ፡ ቻርለስ፡ “ግዜ እናሓለፈ ኪኸይድ ከሎ” ሓዘኑ ኺጻወር ከም ዘለዎ እዩ ፈሊጡ። ብኸመይከ እዩ ኺጻወሮ ዝኸኣለ፧ ንሱ፡ “ብሓገዝ የሆዋ፡ በብቝሩብ እየ ኺጻወሮ ኽኢለ” በለ። ቻርለስ፡ ብጓሂ ተዋሒጡ ኣይተረፈን። ጓሂኡ ብሓንሳእ እኳ እንተ ዘይጠፍአ፡ ከም ዚርመስ ግና ኣይገበሮን። ንስኻ እውን፡ መጻምድትኻ ብሞት ተፈልዩካ እንተ ዀይኑ፡ ንሓዘንካ በብቝሩብ ክትጻወሮ ፈትን። ሓንቲ ሓዳስ መዓልቲ እንታይ  ጥቕሚ ወይ መተባብዒ ኸተምጽኣልካ ኸም እትኽእል ኣይትፈልጥን ኢኻ።

ሞት ክፍሊ እቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ የሆዋ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ግና፡ ሓደ ኻብቲ “ግብሪ ድያብሎስ” እዩ። (1 ዮሃ. 3:8፣ ሮሜ 6:23) ሰይጣን ንሞትን ፍርህን ተጠቒሙ ንሰባት ብባርነትን ብዘይ ተስፋን ኬንብሮም እዩ ዚደሊ። (እብ. 2:14, 15) ሰባት ካብ ተስፋ ምቝራጽ እተላዕለ፡ ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም እውን ከይተረፈ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ኪረኽቡ ኸም ዘይክእሉ ዀይኑ ኺስምዖም ከሎ፡ ሰይጣን ይሕጐስ እዩ። ስለዚ፡ መጻምድቱ ብሞት እተፈልዮ ሓዘንተኛ ኣብ ጓሂ ኺወድቕ ዝኸኣለ፡ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳምን ውዲት ሰይጣንን እዩ። (ሮሜ 5:12) የሆዋ ነቲ ሕሱም ኣጽዋር ሰይጣን ዝዀነ ሞት ብምስዓር፡ ንዅሉ እቲ ሰይጣን ዜምጽኦ ጕድኣት፡ ምሉእ ብምሉእ ኬዕርዮ እዩ። መጻምድቶም ዝሞትዎም ሰብ ሓዳር ዚርከብዎም ሓያሎ ሰባት፡ ካብቲ ሰይጣን ዘማዕበሎ ፍርሂ ሓራ ኺወጹ እዮም።

እቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኺነብሩ ዚትንስኡ ሰባት፡ ኣብ ሰብኣዊ ርክባቶም ሓያሎ ለውጥታት ከም ዚርእዩ ፍሉጥ እዩ። ብዛዕባ እቶም ካብ ሞት ተንሲኦም ምስ ደቆምን ደቂ ደቆምን ኰይኖም በብቝሩብ ናብ ፍጽምና ዚሰጋገሩ ወለድን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን እሞ ሕሰብ። ሳዕቤናት እርጋን ኪጠፍእ እዩ። እቶም ሓደስቲ ወለዶ፡ ንኣቦሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ካብቲ ሕጂ ዘለዎም ኣረኣእያ ብእተፈልየ መገዲ ንኺርእይዎም ይመሃሩ ደዀን ይዀኑ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጥታትከ ኽፍሊ እቲ ኣብ ስድራ ቤት ወዲ ሰብ ዚርአ ምምሕያሽ ምዃኑስ ንኣምነሉዶ ኸይኰንና!

ብዛዕባ እቶም ዚትንስኡ ኺለዓል ዚኽእል ብዙሕ ሕቶታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቶም ክልተ ወይ ዝያዳ መጻምድቲ  ዝሞትዎም ሰባት ሕቶታት ይለዓል እዩ። ሰዱቓውያን ብዛዕባ ሓንቲ፡ ቀዳማይ ሰብኣያ ዝሞታ፡ ጸኒሑ ድማ እቲ ኻልኣይ፡ ከምኡ እናበለ ብዙሓት ሰብኡት ዝሞትዋ ሰበይቲ ሓተቱ። (ሉቃ. 20:27-33) እዞም ሰባት እዚኦም፡ ኣብ ትንሳኤ እንታይ ዓይነት ርክብ እዩ ኺህልዎም፧ ሕጂ እንፈልጦ ነገር የለን። ብዛዕባ ዘይንፈልጦ ነገር ክንግምት ወይ ክንጭነቕ ከኣ ትርጕም የብሉን። ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ክንውከል እዩ ዘሎና። ሓደ ርግጸኛ እንዀነሉ ነገር ግና፡ እቲ የሆዋ ኣብ ዚመጽእ ዚገብሮ ነገራት፡ ዜፍርህ ዘይኰነስ፡ ጽቡቕን ባህ ዜብልን ምዃኑ እዩ።

ተስፋ ትንሳኤ—ምንጪ ምጽንናዕ

ሓደ ኻብቲ ንጹር ትምህርትታት ቃል ኣምላኽ፡ ብሞት እተፈልዩና እነፍቅሮም ሰባት ኪትንስኡ ምዃኖም እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ታሪኽ ዝተንስኡ ሰባት፡ እቲ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ስለ እትመጽእ፡ በዚ ኣይትገረሙ” ዚብል ጥቕሲ እውን ከም ዚፍጸም የረጋግጸልና። (ዮሃ. 5:28, 29) እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ብህይወቶም ዚጸንሑ ሰባት፡ ነቶም ካብ ማእሰርቲ ሞት ሓራ ዚወጹ ሰባት ኪረኽብዎም ከለዉ ኺሕጐሱ እዮም። እቶም ዚትንስኡ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዚሕጐሱ እሞ ኸኣ፡ ክንግምቶ እውን ኣይንኽእልን ኢና።

ምዉታት ምስ ተንስኡ፡ ኣብ ምድሪ ቕድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ሓጐስ ኪሰፍን እዩ። ሞይቶም ዝነበሩ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ተንሲኦም ከም ቀደሞም ምስ ህያዋን ኪነብሩ እዮም። (ማር. 5:39-42፣ ራእ. 20:13) ኵሎም እቶም ዜፍቅርዎም ብሞት እተፈለይዎም ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ተኣምራት ብምስትንታን ኪጸናንዑ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ዓብዪ ተኣምራት ዝዀነ ትንሳኤ ኣብ ዚፍጸመሉ ግዜ፡ ዜጕሂ ነገር ኪህሉ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይህሉ ይነግርና። ብመሰረት ኢሳይያስ 25:8፡ የሆዋ “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ” እዩ። ኵሉ እቲ ብሰንኪ ሞት ዝመጸ ሳዕቤናት እውን ምስኡ ኺውሓጥ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ትንቢት ቀጺሉ፡ የሆዋ ኣምላኽ “ንሕስራን ህዝቡ ኻብ ኵላ ምድሪ ኼርሕቖ” ምዃኑ ይገልጽ እዩ። መጻምድትኻ ብሞት ስለ እተፈልየካ ጕሂኻ እንተ ኣሊኻ፡ ትንሳኤ፡ ብርግጽ ከም እትሕጐስ ኪገብረካ እዩ።

ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚፍጽሞ ነገራት፡ ምሉእ ብምሉእ ኪርድኦ ዚኽእል ሰብ የለን። የሆዋ፡ “ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ”  ይብል። (ኢሳ. 55:9) እቲ የሱስ ብዛዕባ ትንሳኤ እተመባጽዖ መብጽዓ፡ ንሕና እውን ከም ኣብርሃም ብየሆዋ ንኽንእመን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ሕጂ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን፡ ምስቶም ዚትንስኡ ሰባት ብምዃን ‘ነቲ ስርዓት ዓለም ኪረክብ ምእንቲ ኺበቅዕ፡’ ነቲ ኣምላኽ ካባና ዚደልዮ ብቕዓት ኬማልእ ኣለዎ።—ሉቃ. 20:35

ተስፋ እትገብረሉ ምኽንያት

ተሓጐስ ደኣ እምበር፡ ኣይትሻቐል። መጻኢ ብርእይቶ ሰብ ብሩህ ኣይኰነን። የሆዋ ግና ዝሓሸ እዋን ከም ዚመጽእ ኣተስፍዩና ኣሎ። ንዅሉ እቲ ዜድልየና ነገራትን ባህግታትናን ብኸመይ ከም ዜማልኣልና ብልክዕ ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ከም ዘማልኣልና ግና ክንጠራጠር የብልናን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እትርአ ተስፋ ግና፡ ተስፋ ኣይኰነትን፣ ንዚርአ ነገር ተስፋ ዚገብርከ መን ኣሎ፧ ንዘይንርእዮ ተስፋ እንተ ገበርና ግና፡ ብተጻዋርነት ተሃንጢና ኢና እንጽበዮ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 8:24, 25) ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ጽንዕቲ ተስፋ እንተ ኣልያትካ፡ እዛ ተስፋ እዚኣ ንኽትጻወር ክትሕግዘካ እያ። ብተጻዋርነት ከኣ ነቲ ዓብዪ መብጽዓ የሆዋ ኽትረኽቦ ኢኻ፣ ሽዑ፡ “ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።” እወ፡ የሆዋ፡ “ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት” ኬጽግቦ እዩ።—መዝ. 37:4፣ 145:16፣ ሉቃ. 21:19

በቲ የሆዋ እተመባጽዖ ሓጐስ ዚሰፍነሉ መጻኢ እመን

ኣብ ኣጋ ሞት የሱስ፡ ሃዋርያቱ ተዘኒቦም ነበሩ። የሱስ ከኣ፡ “ልብኹም ኣይረበሽ። ብኣምላኽ እመኑ፡ ብኣይ እውን እመኑ” ብምባል ኣጸናንዖም። ኣስዒቡ እውን፡ “ኣብ ሓዘን ኴንኩም ኣይክሓድገኩምን እየ። ክመጸኩም እየ” በሎም። (ዮሃ. 14:1-4, 18, 27) እቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት፡ ኣብ ኵሉ እቲ ዝሓለፈ ዘመናት ንዝነበሩ ቕቡኣት ሰዓብቱ፡ ተስፋ ንኺገብሩን ንኺጻወሩን መሰረት ኰይንዎም እዩ። እቶም ንፍቑራቶም ብትንሳኤ ንኺረኽብዎም ዚናፍቑ ሰባት እውን ተስፋ ዚቘርጹሉ ምኽንያት የብሎምን። ከመይሲ፡ የሆዋን ወዱን ሓዚኖም ንኺነብሩ ኣይሓድግዎምን እዮም። ብዛዕባ እዚ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

^ ሕ.ጽ. 3 ስማት ተቐይሩ እዩ።