ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ሕዳር 2013

‘ንጸሎት ንቕሑ’

‘ንጸሎት ንቕሑ’

“ለብሙ፡ ንጸሎት እውን ንቕሑ።”—1 ጴጥ. 4:7

1, 2. (ሀ) ‘ንጸሎት ንቑሓት’ ክንከውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንጸሎት ብዚምልከት ንገዛእ ርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትታ ዘሎና፧

ለይቲ ዚሕሉ ዝነበረ ሰብ፡ “ቅድሚ ወጋሕታ ኣብ ዘሎ እዋን ነቒሕካ ምሕላው ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ” በለ። ለይቲ ነቒሖም ዚሕልዉ ሰባት፡ ምስዚ ሓሳብ እዚ ይሰማምዑ እዮም። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ኣብቲ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ዚርከበሉ እዋን ስለ ዘለዉ፡ ተመሳሳሊ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። (ሮሜ 13:12) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ብመንፈሳዊ መዳይ ክንድቅስሲ ኽሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ዀን እዩ! ስለዚ፡ ‘ክንልብምን’ ነቲ ‘ንጸሎት ንቕሑ’ ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ኸነቕልበሉን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።—1 ጴጥ. 4:7

2 ነዚ ዘለናሉ እዋን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንገዛእ ርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትታ ጥበባዊ እዩ፦ ‘ንጸሎት ንቑሕ ድየ፧ ኵሉ ዓይነት ጸሎት ድየ ዝጽሊ፧ ኣዘውቲረ ድየ ዝጽሊ፧ ክጽሊ ኸለኹ፡ ኣብቲ ንዓይ ዜድልየኒ ወይ ኣብቲ ኣነ ዝደልዮ ነገራት ጥራይ ድየ ዘተኵር፡ ወይስ ምእንቲ ኻልኦት እውን እጽሊ እየ፧ ጸሎት ንድሕነተይ ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜገድስ፧’

ብዅሉ ጸሎት ትግሁ

3. እንታይ ዓይነት ጸሎት ክትጠቅስ ትኽእል፧

3 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝለኣኻ መልእኽቱ፡ ብዛዕባ ‘ዅሉ ጸሎት’ ጠቒሱ ነበረ። (ኤፌ. 6:18) ክንጽሊ ኸለና፡ ዜድልየና ነገራት ምእንቲ ኼማልኣልናን ንዜጋጥመና ዕንቅፋት ምእንቲ ኽንሰግሮን ንየሆዋ ንልምኖ ኢና። እቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ እውን ብፍቕሪ ተደሪኹ ንልመናና ይሰምዖ እዩ። (መዝ. 65:2) ይኹን እምበር፡ ኣብ ካልእ ዓይነት ጸሎት እውን ከነተኵር ኣሎና። እዚ ኸኣ፡ ውዳሰን ምስጋናን ምህለላን የጠቓልል።

4. ብጸሎትና ኣቢልና ንየሆዋ ብተደጋጋሚ ኽንውድሶ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4 እቲ ናብ የሆዋ እነቕርቦ ጸሎት፡ ውዳሰ ኼጠቓልል ዚግብኣሉ እተፈላለየ ምኽንያት ኣሎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ‘ግብርታት ሓይልን’ ‘ብዝሒ ዕቤትን’ የሆዋ ኽንሓስብ ከለና፡ ንኸነመስግኖ ወይ ንኽንውድሶ ንድረኽ ኢና። (መዝሙር 150:1-6 ኣንብብ።) እተን ኣብ መዝሙር 150 ዚርከባ ሽዱሽተ ፍቕድታት፡  11 ሳዕ፡ ንየሆዋ ኸነመስግኖ ወይ ክንውድሶ የተባብዓና እየን። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር እውን እንተ ዀነ፡ ንኣምላኽ ብዝነበሮ ዓሚቝ ኣኽብሮት ተደሪኹ፡ “ስለ ጽድቂ ፍርድኻ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ኤመስግነካ አሎኹ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 119:164) እወ፡ የሆዋ ውዳሰና ዚግብኦ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ፡ ብጸሎት ኣቢልና “ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ፡” ማለት ብተደጋጋሚ ኽንውድሶዶ ኣይግብኣናን፧

5. ኣብ ጸሎትና እነቕርቦ ምስጋና፡ ዕቝባ ኪዀነና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

5 ምስጋና እውን ካልእ ኣገዳሲ ዓይነት ጸሎት እዩ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ” ኢሉ መዓዶም። (ፊል. 4:6) ብጸሎት ኣቢልና ንየሆዋ ኻብ ልብና ምምስጋንና፡ ዕቝባ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ኣብዚ ብ“ዘየመስግኑ” ሰባት እተኸበብናሉ ዳሕሮት መዓልትታት ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞ. 3:1, 2) ኣብዛ ዓለምና፡ ዘይምምስጋን ኣስፋሕፊሑ እዩ ዘሎ። ንሕና እውን እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ እቲ መንፈስ ብቐሊሉ ኺጸልወና ይኽእል እዩ። ብጸሎት ኣቢልና ምስጋናና ንኣምላኽ ንገልጽ እንተ ዄንና፡ ዕግበት ከም ዚስምዓና ኺገብር እዩ፣ ‘መጕረምረምትን ህይወቶም ዜማርሩን’ ንኸይንኸውን እውን ኬዕቍበና እዩ። (ይሁ. 16) ብዘይካዚ፡ ርእስታት ስድራ ቤት ምስ ስድራ ቤቶም ኰይኖም ኪጽልዩ ኸለዉ ዜመስግኑ እንተ ዀይኖም፡ ኣንስቶምን ደቆምን መማሰውቲ ንኪዀኑ ኺተባብዑ ይኽእሉ እዮም።

6, 7. ምህለላ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እንታይ ኢና ናብ የሆዋ ኽንምህለል እንኽእል፧

6 ምህለላ ኺብሃል ከሎ፡ ብዓሚቝ ስምዒት ዚቐርብ ልባዊ ጸሎት ማለት እዩ። ብዛዕባ እንታይ ኢና ናብ የሆዋ ኽንምህለል እንኽእል፧ መስጐጕቲ ወይ ከኣ ንህይወትና ዜስግእ ሕማም ኬጋጥመና ኸሎ፡ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋናት ምእንቲ ኺሕግዘና ናብ ኣምላኽ እነቕርቦ ጸሎት፡ ምህለላ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ እዋናት ጥራይ ዲና ናብ የሆዋ ኽንምህለል እንኽእል፧

7 ነታ የሱስ ኣብነት ክትኰነና ኢሉ ዝሃበና ጸሎት እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ፣ የሱስ ኣብታ ጸሎት፡ ብዛዕባ ስም ኣምላኽን መንግስቲ ኣምላኽን ፍቓድ ኣምላኽን ጠቒሱ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ።) እዛ ዓለም ኣብ እከይ ተኣሊኻ እያ ዘላ፣ ሰብኣውያን መንግስትታት ድማ ነቲ ንዜጋታተን ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ኬማልኣ ኣይከኣላን። ብርግጽ እምበኣር፡ ስም ሰማያዊ ኣቦና ኪቕደስን መንግስቱ መጺኣ ንኣገዛዝኣ ሰይጣን ካብ ምድሪ ኸተጥፍኦን ክንጽሊ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ምእንቲ ኪኸውን፡ ንየሆዋ እንምህለለሉ እዋን እዩ። ስለዚ፡ ተጊህና ዅሉ ዓይነት ጸሎት ብምጽላይ፡ ንቑሓት ንኹን።

ኣዘውቲርኩም “ጸልዩ”

8, 9. ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርትን፡ ብምድቃሶም ክንነቕፎም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

8 ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት ‘ንጸሎት ኪነቕሑ’ እኳ እንተ ኣተባብዖም፡ ንሱ ንባዕሉ እንተ ወሓደ ኣብ ክልተ እዋናት ከምኡ ኣይገበረን። ንሱ ሓደ ኻብቶም የሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኺጽሊ ኸሎ ዝደቀሱ ደቀ መዛሙርቲ እዩ ነይሩ። ዋላ እኳ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ኺነቕሑን ኪጽልዩን’ ብተደጋጋሚ እንተ ነገሮም፡ ንሳቶም ግና ከምኡ ኣይገበሩን።ማቴዎስ 26:40-45 ኣንብብ።

9 ይኹን እምበር፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን ብምድቃሶም ኣብ ክንዲ እንወቕሶም፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዘሕለፍዎ ነገራት ነቲ ድኹም ስጋኦም ጸልይዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል ክንዝክር ኣሎና። ንፋስጋ ዚኸውን ነገራት ኬዳልዉ እዮም ውዒሎም፣ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ምሸት ከኣ ፋስጋ ኣብዓሉ። ድሕሪኡ የሱስ፡  ዝኽሪ ሞቱ ብኸመይ ኪብዓል ከም ዘለዎ ንምርኣይ፡ ድራር ጐይታ ኣቘመ። (1 ቈረ. 11:23-25) “መዝሙር ውዳሰ ምስ ዘመሩ ድማ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ወጹ፣” በቲ ጸቢብ ጐደናታት የሩሳሌም ገይሮም ከኣ ንእተወሰነ ርሕቀት ተጓዕዙ። (ማቴ. 26:30, 36) ሽዑ ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኔርና እንተ ንኸውን፡ ንሕና እውን ምናልባት ምደቀስና። የሱስ ግና ነቶም ደኺሞም ዝነበሩ ሃዋርያት ኣብ ክንዲ ዚነቕፎም፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ “መንፈስሲ ህንጡይ እዩ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በለ።

ጴጥሮስ ዋላ እኳ እንተ ተዓንቀፈ፡ ‘ንጸሎት ንቑሕ’ ኪኸውን ከም ዘለዎ ተማሂሩ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 10, 11 ርአ)

10, 11. (ሀ) ጴጥሮስ ካብቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ዘጋጠሞ ነገራት እንታይ እዩ ተማሂሩ፧ (ለ) ካብ ተመክሮ ጴጥሮስ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

10 ጴጥሮስ ካብቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ዘጋጠሞ ነገራት፡ ንቑሕ ብዛዕባ ምዃን ብዜሕዝን መገዲ እዩ ተማሂሩ። የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ፡ “በዛ ለይቲ እዚኣ፡ ኵላትኩም ብሰረይ ክትዕንቀፉ ኢኹም” ኢሉ ነበረ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ጴጥሮስ፡ “ኵላቶም እኳ ብሰርኻ እንተ ተዓንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይክዕንቀፍን እየ” በለ። የሱስ ድማ፡ ጴጥሮስ ሰለስተ ሳዕ ከም ዚኽሕዶ ተዛረበ። ጴጥሮስ ግና ኣፉ መሊኡ፡ “ምሳኻ ኽመውት እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ከቶ ኣይክኽሕደካን እየ” ኢሉ መለሰ። (ማቴ. 26:31-35) ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስ፡ ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ ዝበሎ ተዓንቂፉ እዩ። ንየሱስ ንሳልሳይ ምስ ከሓዶ፡ ጌጋኡ ተፈሊጥዎ “ኣምሪሩ በኸየ።”—ሉቃ. 22:60-62

11 ጴጥሮስ ካብቲ ዘሕለፎ ተመክሮ ተማሂሩ እዩ፣ ነቲ ዝነበሮ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምውካል ዝንባለ እውን ኣሰኒፍዎ እዩ። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ንኺገብር ዝሓገዞ፡ ጸሎት ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ‘ንጸሎት ንቕሑ’ ዚብል ምኽሪ ኻብ ጴጥሮስ ዝመጸ ምዃኑ እውን ኣቓልቦ ኺግበረሉ ዚግባእ እዩ። እሞኸ ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሪ ነቕልበሉዶ ኣለና፧ ኣዘውቲርና ‘ንጽልን’ ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ነርእንዶ ኣለና፧ (መዝ. 85:8) ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ እውን ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ኣሎና።—1 ቈረ. 10:12

ጸሎት ነህምያ ምላሽ ረኺቡ

12. ነህምያ ሰናይ ኣብነት ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧

12 ነቲ ኣብ መበል ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. ንኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ ኣሰላፊኡ ዝነበረ ነህምያ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ካብ ልቢ ብምጽላይ ዝመጸ፡ ነህምያ ሰናይ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ንሱ፡ ሕማቕ ኵነታት እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ ኣመና ስለ ዘተሓሳሰቦ፡ ንሓያሎ መዓልትታት ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይጸውምን ይጽልን ነበረ።’ (ነህ. 1:4) ኣርታሕሻስታ ንነህምያ፡ ስለምንታይ ገጹ ኸም ዝጐሃየ ምስ ሓተቶ፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ ‘ነህምያ ናብ ኣምላኽ ሰማይ  ጸለየ።’ (ነህ. 2:2-4) እሞኸ ውጽኢቱ እንታይ ኰነ፧ የሆዋ ንነህምያ ጸሎቱ መለሰሉ፣ ንህዝቡ ዚጠቅም ውሳነ ኸም ዚውሰን ከኣ ገበረ። (ነህ. 2:5, 6) እዚ ፍጻመ እዚ ንእምነት ነህምያ ኣደልዲልዋ ኪኸውን ኣለዎ።

13, 14. እምነትና ንኸነደልድልን ነቲ ሰይጣን ተስፋ ንኬቝርጸና ዚገብሮ ጻዕሪ ንኽንጻረሮን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

13 ከም ነህምያ ኣዘውቲርና ምጽላይና፡ እምነትና ንኽትድልድል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ሰይጣን ንሕስያ ስለ ዘይብሉ፡ መብዛሕትኡ እዋን ክንደክም ከለና እዩ ዜጥቅዓና። ንኣብነት፡ ምስ ሕማም ወይ ምስ ጭንቀት ንቃለስ እንተ ኣሊና፡ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኣገልግሎት እነሕልፎ ግዜ ኣብ ግምት ከም ዘየእትዎ ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ገሌና ምናልባት ብምኽንያት ሕሉፍ ህይወትና ንጭነቕ ንኸውን። ሰይጣን ድማ ነዚ ጭንቀትና ተጠቒሙ፡ ዘይንረብሕ ኰይኑ ኸም ዚስምዓና ኺገብር ይጽዕር እዩ። መብዛሕትኡ እዋን መጥቃዕትታቱ፡ ንስምዒትና ብምምዝማዝ ንእምነትና ምድኻም እዩ። ይኹን እምበር፡ ‘ንጸሎት ንቑሓት’ እንተ ዄንና፡ እምነትና ድልድልቲ ኽትከውን እያ። እወ፡ ‘እቲ ዓብዪ ዋልታ እምነትና፡ ነቲ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት እቲ እኩይ ንኸነጥፍኦ’ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—ኤፌ. 6:16

‘ንጸሎት ንቑሓት’ ምዃንና፡ ንእተፈላለየ ብድሆ ንኽንዋጽኣሉ ይሕግዘና (ሕጡብ ጽሑፍ 13, 14 ርአ)

14 ‘ንጸሎት ንቑሓት’ እንተ ዄንና፡ ንእምነትና ዚፍትን ሃንደበታዊ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ፡ እቲ ፈተና ድቦላ ኣይኪዀነናን እዩ፣ ኣይክንለማለምን ድማ ኢና። ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ነቲ ነህምያ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ብምዝካር፡ ብኡብኡ ናብ የሆዋ ንጸሊ። ከመይሲ፡ ብዘይ ሓገዝ የሆዋ፡ ንዜጋጥመና ፈተናታት ክንዋጽኣሉን እምነትና ኽትፍተን ከላ ኽንጸንዕን ኣይንኽእልን ኢና።

ምእንቲ ኻልኦት ጸልዩ

15. ምእንቲ ኻልኦት ብዛዕባ ምጽላይ፡ ንገዛእ ርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትታ ዘሎና፧

15 የሱስ፡ እምነት ጴጥሮስ ንኸይትጠፍእ፡ ምእንታኡ ተማህለለ። (ሉቃ. 22:32) ኣብ ቀዳማይ  ዘመን ዝነበረ ኤጳፍራስ ዝስሙ እሙን ክርስትያን፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ብምቕዳሕ፡ ምእንቲ እቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ኣሕዋቱ ብጸሎት ይጋደል ነበረ። ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ፡ “ኣብ መወዳእታ ምሉኣትን ንዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ኣጸቢቕኩም እትኣምኑሉን ኴንኩም ክትቈሙ፡ ኵሉ ሳዕ ብጸሎቱ ይጋደለልኩም ኣሎ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ቈሎ. 4:12) ንገዛእ ርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትታ ኣሎና፦ ‘ምእንቲ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋተይ እጽሊ ድየ፧ ብዛዕባ እቶም ባህርያዊ ሓደጋ ዘጋጠሞም ኣሕዋተይ ክንደይ ሳዕ እየ ዝጽሊ፧ ብዛዕባ እቶም ኣብ ውድብ የሆዋ ኸቢድ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ካብ ዝጽሊ ኽንደይ ገይረ ኣለኹ፧ ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ብዛዕባ እቶም ጸገማት ዜጋጥሞም ዘሎ ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ውልቀ ሰባት ጸልየዶ፧’

16. ምእንቲ ኻልኦት እነቕርቦ ጸሎት ኣገዳሲ ድዩ፧ ግለጽ።

16 ምእንቲ ኻልኦት ኢልና ናብ የሆዋ ኣምላኽ እነቕርቦ ጸሎት፡ ብሓቂ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:11 ኣንብብ።) የሆዋ፡ ሓያሎ ኻብ ኣምለኽቱ ብተደጋጋሚ ስለ ዝጸለዩ ጥራይ ስጕምቲ ናይ ምውሳድ ግዴታ እኳ እንተ ዘይብሉ፡ ንተገዳስነቶምን ንሻቕሎቶምን ኣብ ግምት የእትዎን ንጸሎቶም ይምልሶን እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ምእንቲ ኻልኦት ንኽንጽሊ እተዋህበና ፍሉይ መሰልን ሓላፍነትን ኣርዚንና ኽንርእዮ ኣሎና። ልክዕ ከም ኤጳፍራስ፡ ምእንቲ ኻልኦት ብጸሎት ብምግዳል፡ ንክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ልቢ ኸም እነፍቅሮምን ከም እንግደሰሎምን ከነርኢ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ሓጐስና ኺውስኽ እዩ፣ ከመይሲ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”—ግብ. 20:35

‘ድሕነትና ቐሪቡ’

17, 18. ‘ንጸሎት ንቑሓት’ ምዃን ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

17 ጳውሎስ፡ “ለይቲ ሓለፈት፣ መዓልቲ እውን ቀረበት” ኢሉ ቐቅድሚ ምጽሓፉ፡ “ድሕነትና ኻብቲ ዝኣመንናሉ ግዜስ ሕጂ ይቐርብ እሞ፡ ድሮ ኻብ ድቃስ እትበራበሩላ ሰዓት ከም ዝኣኸለት፡ እዋኑ ስለ እትፈልጥዎ” በለ። (ሮሜ 13:11, 12) እታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ቀሪባ እያ፣ ድሕነትና ድማ ካብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ ቐሪቡ እዩ። ብመንፈሳዊ መዳይ ፈጺምና ኽንድቅስ የብልናን፣ እቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚርከብ ኣቓልቦ ዚስሕብ ነገራት፡ ነቲ ናብ የሆዋ እንጽልየሉ ግዜ ኸይሰርቆ እውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። እወ፡ ‘ንጸሎት ንቑሓት ንኹን።’ ከምኡ ምግባር፡ ንመዓልቲ የሆዋ እናተጸበና፡ ‘ቅዱስ ኣነባብራ ንኺህልወናን ኣብ ግብርታት ኣምላኻዊ ተወፋይነት ንኽንካፈልን’ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (2 ጴጥ. 3:11, 12) በዚ ኸምዚ፡ ኣነባብራና ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሓት ምዃንናን መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኸም ዝቐረበን ዜርኢ ኪኸውን እዩ። ስለዚ፡ ‘ከየቋረጽና ንጸሊ።’ (1 ተሰ. 5:17) ብዘይካዚ፡ ንበይንና ዄንና እንጽልየሉ ብሕት ዝበለ ቦታ ብምምራጽ፡ ኣርኣያ የሱስ ንስዓብ። ብብሕትና ንውሕ ዝበለ ጸሎት ንጽሊ እንተ ዄንና፡ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርብ ኢና። (ያእ. 4:7, 8) እዚ ኸኣ ብዙሕ በረኸት ኬምጽኣልና እዩ።

18 ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚኽእል፡ ምህለላን ልማኖን ኣቕረበ፣ ንኣምላኽ ብምፍራሁ ኸኣ ተሰምዐ” ይብል እዩ። (እብ. 5:7) የሱስ ምህለላን ልማኖን ስለ ዘቕረበ፡ ክሳዕ እታ ምድራዊ ህይወቱ እተዛዘመትላ እዋን፡ ንኣምላኽ ዝነበሮ ተኣማንነት ሓልዩ እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ የሆዋ ነዚ ዚፈትዎ ወዱ ኻብ ሞት ኣድሒንዎን ኣብ ሰማይ ዘይትመውት ህይወት ብምሃብ ባሪኽዎን እዩ። ንሕና እውን፡ ኣብ መጻኢ ዝዀነ ይኹን ፈተና የጋጥመና ብዘየገድስ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና እሙናት ክንከውን ንኽእል ኢና። እወ፡ ‘ንጸሎት ንቑሓት’ እንተ ዄንና፡ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ኢና።