ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ሕዳር 2013

‘ብተስፋ’ ኽንጽበ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

‘ብተስፋ’ ኽንጽበ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

“ተስፋ እገብር አሎኹ።”—ሚክ. 7:7

1. ትዕግስትና ኺጽንቀቕ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

ብ1914 መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ቈመት፡ መደምደምታ ስርዓት ሰይጣን ጀመረ። ከም ውጽኢት እቲ ኣብ ሰማይ እተገብረ ውግእ ድማ፡ የሱስ ንድያብሎስን ንኣጋንንቱን ናብ ከባቢ ምድሪ ደርበዮም። (ራእይ 12:7-9 ኣንብብ።) ሰይጣን፡ ‘ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ’ ይፈልጥ እዩ።’ (ራእ. 12:12) ይኹን እምበር፡ እዚ ‘እዋን’ እዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ስለ ዝጸንሐ፡ ገሊኦም ሰባት፡ ዳሕሮት መዓልትታት ነዊሕ እዋን ዝገበረ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። እሞኸ የሆዋ ስጕምቲ ንኺወስድ ኣብ እንጽበየሉ ዘለና እዋን፡ ትዕግስትና ተጸንቂቑ ድዩ፧

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

2 ትዕግስትና እንተ ተጸንቂቑ፡ ናይ ሃወኽ ስጕምቲ ኽንወስድ ስለ እንጅምር፡ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብኸመይ ደኣ ኢና እሞ ብተስፋ ኽንጽበ እንኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ብምምላስ ክትሕግዘና እያ። (1) ንትዕግስቲ ብዚምልከት፡ ካብ ኣብነት ሚክያስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (2) መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ዚሕብር ፍጻመታት እንታይ እዩ፧ (3) ንትዕግስቲ የሆዋ ኸም እነማስወሉ ብኸመይ ነርኢ፧

ካብ ኣብነት ሚክያስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

3. ብግዜ ሚክያስ፡ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ዅነታት እንታይ ይመስል ነይሩ፧

3 ሚክያስ 7:2-6 ኣንብብ። እቲ ነብዪ የሆዋ ዝነበረ ሚክያስ፡ መንፈሳዊ ዅነታት እስራኤላውያን እናኣንቈልቈለ ኪኸይድ ከሎ ርእዩ እዩ፣ ኣብቲ እኩይ ንጉስ ኣሃዝ ዚገዝኣሉ ዝነበረ እዋን ድማ ኣብ ዜስካሕክሕ ደረጃ በጽሐ። ሚክያስ ነቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን ምስ “ተዀርባ”ን ምስ “ሓጹር እሾኽ”ን ኣመሳሰሎም። ልክዕ ከምቲ ተዀርባን ሓጹር እሾኽን ንዚረግጾ ሰብ ዚጐድኦ፡ እቶም ብልሹዋት እስራኤላውያን እውን ንዝዀነ ይኹን ምሳታቶም ርክብ ዝነበሮ ሰብ ይጐድእዎ ነበሩ። እቲ ብልሹው ኵነታት እናገደደ ስለ ዝኸደ፡ ስድራ ቤታት ይበታተና ነበራ። ሚክያስ ነቲ ዅነታት ኪቕይሮ ኸም ዘይክእል ስለ እተገንዘበ፡ ልቡ ናብ የሆዋ ኣፍሰሰ። ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ስጕምቲ ኽሳዕ ዚወስድ ብትዕግስቲ  ተጸበየ። ከመይሲ፡ የሆዋ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ኢዱ ኸም ዜእቱ ይተኣማመን ነይሩ እዩ።

4. እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥመና፧

4 ንሕና እውን ልክዕ ከም ሚክያስ፡ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ብዚሓስቡ ሰባት ኢና ተኸቢብና ዘለና። ብዙሓት ሰባት፡ “ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም” እዮም። (2 ጢሞ. 3:2, 3) መሳርሕትናን መማህርትናን ጐረባብትናን፡ ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዜተኵሩ ኪዀኑ ኸለዉ የጕህየና እዩ። ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እሞ ኸኣ ካብዚ ዚገድድ ብድሆ እዩ ዜጋጥሞም። የሱስ፡ ሰዓብቱ ኻብ ስድራ ቤቶም ምጽራር ከም ዜጋጥሞም ገሊጹ ነይሩ እዩ፣ ምስተን ኣብ ሚክያስ 7:6 ዚርከባ ቓላት ዚመሳሰል መግለጺ ድማ እዩ ተጠቒሙ ነይሩ። ከምዚ በለ፦ “ወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ፡ መርዓት ካብ ሓማታ ኽፈላሊ እየ መጺአ። ንሰብ ከኣ ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም።” (ማቴ. 10:35, 36) እቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ኣባላት ስድራ ቤትና ኼላግጹልናን ኪጻረሩናን ከለዉ፡ ምጻሩ ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ከምኡ የጋጥመና እንተ ኣልዩ፡ ንጸቕጢ ኣባላት ስድራ ቤትና ኢድና ኽንህብ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እሙናት ብምዃን፡ የሆዋ ነቲ ዅነታት ክሳዕ ዚፈትሖ ብትዕግስቲ ንጸበዮ። ምእንቲ ኺሕግዘና ኣዘውቲርና ንልምኖ እንተ ዄንና፡ ንኽንጸንዕ ዜድልየና ብርታዐን ጥበብን ኪህበና እዩ።

5, 6. የሆዋ ንሚክያስ ዝባረኾ ብኸመይ እዩ፧ ሚክያስ ነየናይ ትንቢት እዩ ኺፍጸም ከሎ ዘይረኣዮ፧

5 የሆዋ ንሚክያስ ስለቲ ትዕግስቱ ባሪኽዎ እዩ። ሚክያስ፡ ንጉስ ኣሃዝን እቲ እኩይ ምምሕዳሩን ኪጠፍእ ከሎ ርእዩ እዩ። እቲ ቕኑዕ ንጉስ ዝነበረ ህዝቅያስ ወዲ ኣሃዝ፡ ንግስና ኺወርስን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺመልሶን ከሎ እውን ርእዩ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ የሆዋ ብሚክያስ ኣቢሉ ብዛዕባ ሰማርያ እተዛረቦ መልእኽቲ ፍርዲ፡ ኣሶራውያን ንሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ምስ ወረርዎ ተፈጺሙ እዩ።—ሚክ. 1:6

6 ይኹን እምበር፡ ሚክያስ ብምሉኡ እቲ ብመንፈስ የሆዋ ተደሪኹ እተነበዮ ትንቢት ኪፍጸም ከሎ ኣይረኣየን። ንኣብነት፡ ‘በተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ እቲ ደብሪ ቤት የሆዋ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ፡ ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታት ከኣ ልዕል ኪብል እዩ። ህዝብታት ድማ ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ፡ “ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ ንደይብ” ኪብሉ እዮም’ ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (ሚክ. 4:1, 2) እዚ ትንቢት እዚ ቕድሚ ምፍጻሙ ነዊሕ ይገብር እዩ ግና ሞይቱ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ዝገበሩ እንተ ገበሩ፡ ክሳዕ ዚመውት ንየሆዋ እሙን ኪኸውን ቈሪጹ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም፡ ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና” ኢሉ ጸሓፈ። (ሚክ. 4:5) ሚክያስ፡ የሆዋ ንዅሉ መብጽዓታቱ ኸም ዚፍጽሞ ምሉእ ምትእምማን ስለ ዝነበሮ፡ ብተስፋ ኺጽበ ይኽእል ነበረ። እወ፡ እዚ እሙን ነብዪ እዚ፡ ኣብ የሆዋ ይውከል ነበረ።

7, 8. (ሀ) ብየሆዋ ንኽንተኣማመን ብቑዕ ምኽንያት ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ንግዜ ቐልጢፉ ኸም ዚሓልፍ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

7 ንሕናኸ ኸም ሚክያስ ብየሆዋ ንተኣማመን ዲና፧ ከምኡ እንገብረሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ትንቢት ሚክያስ ኪፍጸም ከሎ ብዓይንና ርኢና ኢና። ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት፡” ካብ ኵሎም ህዝብታትን ዓሌታትን ቋንቋታትን ዝመጹ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ‘ናብ ደብሪ ቤት የሆዋ’ ይውሕዙ ኣለዉ። ገሊኦም ኣምለኽቲ ኻብ ንሓድሕደን ዚጻልኣ ሃገራት እኳ እንተ መጹ፡ ‘ኣስያፎም ንማሕረሻታት ሰሪሖምዎ’ እዮም፣ ‘ውግእ ድማ ኣይመሃሩን እዮም።’ (ሚክ. 4:3) ምስቶም ሰላማውያን ህዝቢ የሆዋ ኽትቍጸርሲ ኸመይ ዝኣመሰለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!

8 የሆዋ ነዚ እኩይ ስርዓት እዚ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኬጥፍኦ ኸም እንደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብተስፋ ኽንጽበ እንተ ዄንና ግና፡ ንነገራት ብኣረኣእያ የሆዋ ኽንርእዮ ኣሎና። ንደቂ ሰብ  በቲ ‘ንሱ ዝሸሞ’ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ። (ግብ. 17:31) ቅድሚኡ ግና፡ ንዅሎም ዓይነት ሰባት፡ ‘ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ንኺመጹን’ ነቲ ፍልጠት ንኺትግብርዎን ንኺድሕኑን ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ኣሎ። ከመይሲ፡ ክቡር ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4 ኣንብብ።) ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ልክዕ ፍልጠት ንኺረኽቡ ኣብ ምሕጋዝ ትሑዛት እንተ ዄንና፡ እቲ ቕድሚ ምምጻእ ፍርዲ የሆዋ ዘሎ ግዜ ቐልጢፉ ኺሓልፍ እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ እቲ ግዜ ብሃንደበት ኪውዳእ እዩ። ምስ ተወድአ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብንጥፈት ብምክፋልና ኽንሕጐስ ኢና።

መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ዚሕብር ፍጻመታት እንታይ እዩ፧

9-11. ቀዳማይ ተሰሎንቄ 5:3 ተፈጺማ ድያ፧ ግለጽ።

9 ቀዳማይ ተሰሎንቄ 5:1-3 ኣንብብ። ድሕሪ ቐረባ እዋን፡ ኣህዛብ፡ “ሰላምን ደሓንን!” ኢሎም ኪእውጁ እዮም። እዚ ኣዋጅ እዚ ድቦላ ምእንቲ ኸይኰነና፡ “ንንቃሕን ንጠንቀቕን።” (1 ተሰ. 5:6) ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሓት ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ “ሰላምን ደሓንን!” ዚብል ኣዋጅ፡ መገዲ ብዛዕባ ዚጸርግ ፍጻመታት እስከ ንመርምር።

10 ድሕሪ ቐዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም፡ ሃገራት ሰላም ኬስፍና ጽዒረን እየን። ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም፡ ሰላም ንምምጻእ፡ “እተኣሳሰራ መንግስትታት” ዚብሃል ውድብ ተመስረተ። ጸኒሑ ኸኣ፡ ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምድሪ ሰላም ኬስፍን ተስፋ ተገይሩ ነበረ። መንግስትታትን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ እቲ ኽልተ ውድባት ንደቂ ሰብ ሰላም ኬምጽኣሎም ተጸብዮም ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ብ1986 ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኻዊት ዓመት ሰላም ኣወጀ። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን መራሕቲ፡ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኰይኖም ምእንቲ ሰላም ንኺጽልዩ ኣብ ኣሲሲ፡ ኢጣልያ፡ ተኣከቡ።

11 ይኹን እምበር፡ እቲ ሽዑ ዀነ ድሕሪኡ እተነግረ “ሰላምን ደሓንን!” ዚብል ኣዋጅ፡ መፈጸምታ እቲ ኣብ 1 ተሰሎንቄ 5:3 ዚርከብ ትንቢት ኣይኰነን ነይሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ‘ሃንደበታዊ ጥፍኣት’ ኣየጋጠመን።

12. ብዛዕባ እቲ “ሰላምን ደሓንን!” ዚብል ኣዋጅ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧

 12 ነቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም “ሰላምን ደሓንን!” ዚብል ኣዋጅ ዚእውጆ መን እዩ፧ መራሕቲ ሃይማኖት ህዝበ ክርስትያንን ካልኦት ሃይማኖታትን እንታይ ግደ እዩ ኺህልዎም፧ መራሕቲ እተፈላለያ መንግስትታት ኣብቲ ኣዋጅ ዚካፈሉ ብኸመይ እዮም፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እዚ ኣይገልጸልናን እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣዋጅ ዚንገረሉ መገዲ እንታይ ምዃኑ፡ ወይ ከኣ ክሳዕ ክንደይ ዜእምን ይምሰል ብዘየገድስ፡ ናይ ሓሶት ኰይኑ ጥራይ ከም ዚተርፍ ንፈልጥ ኢና። እዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ፡ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ኪቕጽል እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኻብ ሱር መሰረቱ ዝመሽመሸ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ኢሉ እዩ ዚቕጽል። ንፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ኣሚንና ንክርስትያናዊ ገለልትነትና እንተ ጥሒስና፡ ኣዝዩ ዜሕዝን ኪኸውን እዩ።

13. እቶም መላእኽቲ ነቲ ንፋሳት ጥፍኣት ሒዞምዎ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧

13 ራእይ 7:1-4 ኣንብብ። ኣብዚ ንመፈጸምታ 1 ተሰሎንቄ 5:3 እንጽበየሉ ዘለና እዋን፡ ብርቱዓት መላእኽቲ ነቲ ዜጥፍእ ንፋሳት ብርቱዕ ጸበባ ሒዞምዎ ኣለዉ። እንታይ እዮም ዚጽበዩ ዘለዉ፧ ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ፍጻመታት፡ እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝገለጾ፡ ቅቡኣት “ባሮት ኣምላኽና” ንመወዳእታ እዋን ዚሕተሙሉ እዋን እዩ። * እዚ ናይ መወዳእታ ምሕታም ምስ ተዛዘመ፡ እቶም መላእኽቲ ነቲ ንፋሳት ጥፍኣት ኪፍንውዎ እዮም። ሽዑ እንታይ ኬጋጥም እዩ፧

14. ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ከም ዝቐረበ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

14 እታ ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን፡ ክትጠፍእ እያ። “ህዝብታትን ብዙሕ ሰብን ኣህዛብን ቋንቋታትን” ብንጥፈት ኣይኪድግፍዋን እዮም። ድሮ እኳ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ንርኢ ኣለና። (ራእ. 16:12፣ 17:15-18፣ 18:7, 8, 21) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ሎሚ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን፡ ሃይማኖታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ብቐጻሊ ኣደዳ መጥቃዕቲ ይዀኑ ስለ ዘለዉ፡ ድጋፍ ትስእን ኣላ። ኰይኑ ግና፡ መራሕቲ ዓባይ ባቢሎን፡ ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ። ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ተጋግዮም! ነቲ “ሰላምን ደሓንን!” ዚብል ኣዋጅ ስዒቡ፡ ፖለቲካውያን ባእታታት ስርዓት ሰይጣን ብሃንደበት ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪስልበጥዋን ኬጥፍእዋን እዮም። ዓባይ ባቢሎን ዳግማይ ኣይክትርአን እያ። ንኸምዚ ዝበለ ኣገዳሲ ፍጻመታት ብተስፋ ኽትጽበዮ ዚግባእ እዩ።—ራእ. 18:8, 10

ንትዕግስቲ የሆዋ ኸም እነማስወሉ ብኸመይ ነርኢ፧

15. የሆዋ ተሃዊኹ ስጕምቲ ዘይወሰደ ስለምንታይ እዩ፧

15 ዋላ እኳ ሰባት ንስም የሆዋ እንተ ኣሕሰርዎ፡ የሆዋ ግና ክሳዕ እቲ ስጕምቲ ዚወስደሉ ምዱብ ግዜ ብትዕግስቲ ይጽበ ኣሎ። ንሱ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ኪጠፍኡ ኣይደልን እዩ። (2 ጴጥ. 3:9, 10) ንሕናኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓና፧ መዓልቲ የሆዋ ቕድሚ ምምጽኣ፡ በዚ ዚስዕብ መገድታት ንትዕግስቲ የሆዋ ኸም እነማስወሉ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

16, 17. (ሀ) ነቶም ዘይንጡፋት ክንሕግዞም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እቶም ዘይንጡፋት ውዓል ሕደር ከይበሉ ናብ የሆዋ ኺምለሱ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

16 ነቶም ዘይንጡፋት ንሓግዞም። የሱስ፡ ሓንቲ ዝጠፍአት በጊዕ ክትርከብ ከላ፡ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ከም ዚኸውን ገሊጹ ነበረ። (ማቴ. 18:14፣ ሉቃ. 15:3-7) የሆዋ ነቶም ንስሙ ዜፍቅርዎ ሰባት፡ ዋላ እውን ኣብዚ እዋን እዚ ዘይንጡፋት እንተ ዀኑ፡ ኣዝዩ ይሓልየሎም እዩ። ነዞም ሰባት እዚኦም ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺምለሱ ኽንሕግዞም ከለና፡ ንየሆዋን ንመላእኽትን ነሐጕሶም ኢና።

17 ሓደ ኻብቶም ሎሚ ንኣምላኽ ብንጥፈት ዘየገልግልዎ ዘለዉ ዲኻ፧ ምናልባት ኣብ ጉባኤኻ ዘሎ ሓደ ክርስትያን ስለ ዝጐድኣካ፡ ምስ ውድብ የሆዋ ምሕባር ኣቋሪጽካ ትኸውን። ከምዚ ኻብ ዚኸውን እተወሰነ ግዜ ሓሊፉ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ስለዚ፡ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ሕጂ ህይወተይ ዝያዳ ትርጕም ድዩ ዘለዋ፧ ሕጉስ  ድየ፧ የሆዋ ድዩ ኣጕህዩኒ ወይስ ሓደ ዘይፍጹም ሰብ፧ የሆዋ ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ዚጐድኣኒ ነገር ገይሩ ድዩ፧’ የሆዋ ዚጠቕመና ጥራይ እዩ ዚገብር። ምሉእ ብምሉእ ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ኽንነብር እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ንሱ ግና በቲ ኻብኡ ዚመጽእ ጽቡቕ ነገራት ክንሕጐስ እዩ ዚደልየና። (ያእ. 1:16, 17) ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ መዓልቲ የሆዋ ኽትመጽእ እያ። ስለዚ እምበኣር፡ ናብ ሕቝፊ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦናን ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤን እንምለሰሉ እዋን ሕጂ እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ከምኡ ምስ እንገብር ጥራይ ኢና ናይ ሓቂ ሰላማዊ ዅነታት ክንረክብ እንኽእል።—ዘዳ. 33:27፣ እብ. 10:24, 25

ህዝቢ የሆዋ፡ ዘይንጡፋት ሰባት ናብ የሆዋ ንኺምለሱ ንምሕጋዝ ዝከኣሎም ይገብሩ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 16, 17 ርአ)

18. ነቶም ዚመርሑና ኽንድግፎም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ነቶም ዚመርሑና ብተኣማንነት ንደግፎም። የሆዋ ልክዕ ከም ፈቃር ጓሳ፡ ይመርሓናን የዕቍበናን እዩ። ንወዱ ኸም ሓለቓ ጓሶት ገይሩ ሸይምዎ እዩ። (1 ጴጥ. 5:4) ኣብ ልዕሊ 100,000 ጉባኤታት ዚርከቡ ሽማግለታት፡ ንነፍሲ ወከፍ በጊዕ ኣምላኽ ንምጕሳይ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። (ግብ. 20:28) ነዞም ንኺመርሑ እተሸሙ ሽማግለታት ብተኣማንነት ክንድግፎም ከለና፡ ነቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩልና ነገራት ሞሳና ነርኢ ኣሎና ማለት እዩ።

19. ንሓድሕድና ኽንቀራረብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

19 ንሓድሕድና ንቀራረብ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ሓደ ብዚግባእ ዝሰልጠነ ሰራዊት ካብ ጸላኢ መጥቃዕቲ ኼጋጥሞ ኸሎ፡ እቶም ወተሃደራት ንሓድሕዶም ይቀራረቡ እዮም። በዚ ኸምዚ ዘይጠሓስ ዕርዲ ይፈጥሩ። ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዜውርዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ይውስኽ ኣሎ። ስለዚ፡ እዚ ዘለናሉ ግዜ፡ ንሓድሕድና እንበኣሰሉ ግዜ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንሓድሕድና እንቀራረበሉን ንዘይፍጽምና ኻልኦት ዕሽሽ እንብለሉን ኣብ መሪሕነት የሆዋ ዘሎና ምትእምማን እነርእየሉን እዋን እዩ።

ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ምእንቲ ኽንቃወሞም፡ ንሓድሕድና ኽንቀራረብ ዘሎና ሕጂ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)

20. ሕጂ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

20 ኵላትና ብመንፈስ ንቑሓትን ብተስፋ እንጽበን ክንከውን ኣሎና። ነቲ “ሰላምን ደሓንን!” ዚብል ኣዋጅን ነቲ ናይ መወዳእታ ምሕታም እቶም ሕሩያትን ብትዕግስቲ ንጸበዮ። ድሕሪኡ፡ እቶም ኣርባዕተ መላእኽቲ ነቲ ንፋሳት ጥፍኣት ኪፍንውዎ እዮም፣ ዓባይ ባቢሎን ድማ ክትጠፍእ እያ። ነዚ ኣገዳሲ ፍጻመታት እናተጸበና፡ ነቲ ኻብቶም ኣብ ውድብ የሆዋ ንኺመርሑ እተሸሙ ኣሕዋት ዚመጽእ መምርሒ ንቀበሎ። ንድያብሎስን ንኣጋንንቱን ምእንቲ ኽንቃወሞም፡ ንሓድሕድና ንቀራረብ። ነቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝሃቦ ማዕዳ እንስዕበሉ እዋን ሕጂ እዩ፣ ንሱ፡ “ኣቱም ብእግዚኣብሄር ተስፋ እትገብሩ ዅሉኹም፡ በርትዑ፡ ልብኹምውን ይጽናዕ” በለ።—መዝ. 31:24

^ ሕ.ጽ. 13 ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ናይ መፈለምታ ምሕታምን ናይ መወዳእታ ምሕታምን ቅቡኣት ዘሎ ፍልልይ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2007 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 30-31 ርአ።