ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ጥቅምቲ 2013

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ፍጥረት ብዛዕባ ሓይልን ጥበብን ፈጣሪና ብኸመይ ከም ዚገልጽ ተብርህ። ምስ ሓደ ኻብቲ ልባዊ ጸሎት የሱስ ብኸመይ ተሰማሚዕና ኽንነብር ከም እንኽእል እውን ርአ።

ፈትዮም ይመጹ—ፊሊፒንስ

ገሊኣቶም ንስራሖም ሓዲጎምን ንንብረቶም ሸይጦምን፡ ኣብ ፊሊፒንስ ናብ ዚርከብ ግሉል ቦታ ንኺግዕዙ ዝደረኾም እንታይ ምዃኑ ፍለጥ።

ፍጥረት ብዛዕባ እቲ ህያው ኣምላኽ ይገልጽ

ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ፈጣሪ እቲ ሓቂ ንኺፈልጡ ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእልን ነታ ኣብኡ ዘላትና እምነት ብኸመይ ከነደልድላ ኸም እንኽእልን ፍለጥ።

“ንየሆዋ ተገዝእዎ”

ባሮት ሰይጣን ንኸይንኸውን ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከም ባሮት የሆዋ መጠን ብተኣማንነት ምግልጋልና እንታይ ዓስቢ እዩ ዘለዎ፧

ታሪኽ ህይወት

ኣብ የሆዋ ብምውካልና ዓስቢ ረኺብና

ማልከም ኣለንን ግሬስ ኣለንን ነፍሲ ወከፎም ንየሆዋ ንልዕሊ 75 ዓመት ኣገልጊሎምዎ እዮም። የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ብኸመይ ከም ዚባርኾም ኣንብብ።

ጽቡቕ ምድላው ካብ እተገብረሉ ጸሎት ዚርከብ ትምህርቲ

ካብቲ ሌዋውያን ዘቕረብዎ ጸሎት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ጸሎትና ዝያዳ ትርጕም ንኺህልዎ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ምስቲ ልባዊ ጸሎት የሱስ ተሰማሚዕካ ተመላለስ

የሱስ ኪጽሊ ኸሎ፡ ካብ ብሕታዊ ድሌቱ ንላዕሊ፡ ፍቓድ የሆዋ ኣቐደመ። ምስ ጸሎት የሱስ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ንሰባት ንምጥንቃቕ ብዝያዳ ኽትዓዪ ትኽእልዶ፧

ገሊኣቶም መዓልታዊ ንጥፈታቶም እናገበሩ ንዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ንሰባት ብኸመይ ከም ዚምስክሩሎም ርአ።