ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ነሓሰ 2013

‘ኣብ የሆዋ ኣይተንጸርጽር’

‘ኣብ የሆዋ ኣይተንጸርጽር’

“ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ ይገላብጥ፡ ልቡ ግና ኣብ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] እዩ ዜንጸርጽር።”—ምሳ. 19:3

1, 2. በቲ ኣብ ዓለም ዚርአ ዘሎ ጸገማት ንየሆዋ ኽንወቕሶ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ ኣብነት ሃብ።

ካብ እትምርዖ ሓያሎ ዓመታት ዝገበርካ ሕጉስ በዓል ሓዳር ኢኻ ንበል። ሓደ መዓልቲ ናብ ቤትካ ምስ ተመለስካ ግና፡ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዅሉ ኣቕሑ ዓንዩ ይጸንሓካ። እቲ ኣቕሑ ተሰባቢሩ፡ እቲ ብያትታት ተሓማሺሹ፡ እቲ ምንጻፍ ድማ ተቐዳዲዱ ይጸንሓካ። እታ ኽብርቲ ቤትካ ዓንያ እያ። እሞኸ፡ “ሰበይተይ ንምንታይ እያ ኸምዚ ገይራ፧” ምበልካዶ፧ ወይስ፡ “ነዚ፡ መን እዩ ገይርዎ፧” ኢኻ እትብል፧ ኣብ ኣእምሮኻ ቐልጢፋ እትመጽእ፡ እዛ ኻልአይቲ ሕቶ ኸም ዝዀነት ፍሉጥ እዩ። ከመይሲ፡ እታ እተፍቅራ ሰበይትኻ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸይቂ ኸም ዘይትገብር ትፈልጥ ኢኻ።

2 ሎሚ፡ እዛ መንበሪት ወዲ ሰብ ዝዀነት ምድሪ፡ ብብከላን ብዓመጽን ብርኽሰትን ተበላሽያ እያ ዘላ። ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብምዃንና፡ ጠንቂ ዅሉ እዚ ጸገማት እዚ የሆዋ ኸም ዘይኰነ ንፈልጥ ኢና። ነዛ ምድሪ እዚኣ፡ ባህ እተብል ገነት ክትከውን እዩ ፈጢርዋ። (ዘፍ. 2:8, 15) የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ። (1 ዮሃ. 4:8) ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጽናዕና፡ ቀንዲ ጠንቂ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መብዛሕትኡ ጸገማት መን ምዃኑ ኽንፈልጥ ክኢልና ኢና። ንሱ ኸኣ እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ።—ዮሃ. 14:30፣ 2 ቈረ. 4:4

3. ኣተሓሳስባና ኺዝንብል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

3 ይኹን እምበር፡ ንዅሉ እቲ ዜጋጥመና ጸበባ ናብ ሰይጣን ከነላግቦ ኣይንኽእልን ኢና። ከመይሲ፡ ገሊኡ ጸገማትና ባዕልና ብዝፈጸምናዮ ጌጋ ዝመጸ እዩ። (ዘዳግም 32:4-6 ኣንብብ።) ነዚ ኽንእመነሉ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ዘይፍጽምናና ግና ንኣተሓሳስባና ኣዘንቢሉ፡ ናብ ጥፍኣት ናብ ዚመርሕ ግጉይ መገዲ ኸም እንጐዓዝ ኪገብረና ይኽእል እዩ። (ምሳ. 14:12) ብኸመይ፧ ጸገም ኬጋጥመና ኸሎ ንርእስና ወይ ንሰይጣን ኣብ ክንዲ እንወቕስ፡ ንየሆዋ ኽንወቕሶ ኽንጅምር ንኽእል ኢና። ሕሉፍ ሓሊፍና እውን፡ ‘ኣብ የሆዋ ኸነንጸርጽር’ ንኽእል ኢና።—ምሳ. 19:3

4, 5. ሓደ ሰብ ‘ኣብ የሆዋ ኼንጸርጽር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

4 ብሓቂዶ ‘ኣብ የሆዋ ኸነንጸርጽር’ እንኽእለሉ ኣጋጣሚ ኣሎ  እዩ፧ ከምኡ ምግባር ምንም ረብሓ ኸም ዘይብሉ ፍሉጥ እዩ። (ኢሳ. 41:11) ኣብ የሆዋ ኣንጸርጺርና እሞ እንታይ ኢና ኽንዓምም፧ ሓደ እዋን፡ ሓደ ገጣሚ፡ “ኢድካ ሓጻር ስለ ዝዀነት፡ ምስ ኣምላኽ ክትጓሰጥ ኣይትኽእልን ኢኻ” ኢሉ ነበረ። ብኣፍና ኣብ የሆዋ ንኸነንጸርጽር ኣይንደፍርን ንኸውን። ምሳሌ 19:3 ግና፡ “ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ ይገላብጥ፡ ልቡ ግና ኣብ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] እዩ ዜንጸርጽር” እያ እትብል። እወ፡ ሓደ ሰብ ብልቡ ኣብ ኣምላኽ ኬንጸርጽር ይኽእል እዩ። እዚ ባህርይ እዚ ኣብ ተግባራቱ ኺንጸባረቕ ይኽእል እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ንየሆዋ ቒም ኪሕዘሉ ይኽእል እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ካብ ጉባኤ ኺርሕቕ ወይ ከኣ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓት ኣምልኾ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይድግፍ ኬርኢ ይኽእል እዩ።

5 ‘ኣብ የሆዋ ኸም እነንጸርጽር’ ኪገብረና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ነዚ መፈንጠራ እዚ ኽንኣልዮ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ ንመልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽንፈልጦ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ፡ እዚ ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ይጸልዎ እዩ።

‘ኣብ የሆዋ እነንጸርጽረሉ’ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

6, 7. እቶም ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኣብ የሆዋ ኼንጸርጽሩ ዝጀመሩ ስለምንታይ እዮም፧

6 ንሓደ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ብልቡ ኣብ ኣምላኹ ኸም ዜንጸርጽር ኪገብሮ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ሓሙሽተ ረቛሒታት ንርአ፣ ከምኡውን ገሊኦም ብኸመይ ኣብዚ መፈንጠራ እዚ ኸም ዝወደቑ ዜጕልሕ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብነታት ንመርምር።—1 ቈረ. 10:11, 12

ኣሉታዊ ዘረባ ምስ እትሰምዕ፡ ሕማቕ ጽልዋ ኼሕድረልካ ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7 ሰባት ዚዛረብዎ ኣሉታዊ ነገራት ኪጸልወና ይኽእል። (ዘዳግም 1:26-28 ኣንብብ።) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝገበረሎም ነገራት እሞ ሕሰብ። የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ኣብቲ ጨቋኒ ህዝቢ ግብጺ ዓሰርተ መዓት ኣውረደ፡ ብድሕሪኡ ንፈርኦንን ንሰራዊቱን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣጥሓሎም። በዚ ኸምዚ ድማ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኣውጽኦም። (ዘጸ. 12:29-32, 51፣ 14:29-31፣ መዝ. 136:15) ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ተቐሪቦም ነበሩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብታ ወሳኒት ህሞት እቲኣ፡ ኣብ የሆዋ ኼጕረምርሙ ጀመሩ። እምነቶም ከም ዜጥፍኡ ዝገበሮም እንታይ እዩ፧ ገለ ኻብቶም ነታ ምድሪ ንኺስልዩ እተላእኩ ሰባት ሕማቕ ወረ ሒዞምሎም ምስ መጹ፡ ልቦም መኸኸ። (ዘሁ. 14:1-4) እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧ እቲ ወለዶ ብምሉኡ ናብታ “ጽብቕቲ ምድሪ” ኺኣቱ ኣይተፈቕደሉን። (ዘዳ. 1:34, 35) ካብዚ እንታይ ንመሃር፧ ሰባት ዚዛረብዎ ኣሉታዊ ነገራት ንእምነትና ኼድክማ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ምሳና ዚገብሮ ርክብ ከኣ ከም እነንጸርጽር ኪገብረና ይኽእል እዩ።

8. እቶም ብግዜ ኢሳይያስ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ፡ በቲ ዘጋጠሞም ኵነታት ንየሆዋ ኺወቕስዎ ዝጀመሩ ስለምንታይ እዮም፧

8 መከራን ጸገምን ተስፋ ኬቝርጸና ይኽእል። (ኢሳይያስ 8:21, 22 ኣንብብ።) ብግዜ ኢሳይያስ፡ ህዝቢ ይሁዳ ኣብ ዜሕዝን ኵነታት ወዲቖም ነበሩ። ብጸላእቲ ተኸቢቦም ነበሩ። እኹል ምግቢ ስለ ዘይነበረ ኸኣ ብዙሓት ብጥሜት ይሳቐዩ ነበሩ። ብዝያዳ ግና፡ መንፈሳዊ ጥሜት ነበረ። (ኣሞ. 8:11) ይኹን እምበር፡ ነዚ መከራ እዚ ንኺዋጽኡሉ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ኣብ ክንዲ ዚደልዩ፡ ንንጉሶምን ንኣምላኾምን ‘ኪረግሙ’ ጀመሩ። እወ፡ በቲ ዘጋጠሞም ጸገማት ንኣምላኽ ወቐስዎ። ንሕናኸ፡ እተፈላለየ ጸገማት ምስ ዜጋጥመና፡ ብልብና ‘ኣብ እዋን ጸገማተይ፡ የሆዋ ኣበይ ነይሩ፧’ ንብል ዲና፧

9. እቶም ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ እስራኤላውያን ግጉይ ኣረኣእያ ዘማዕበሉ ስለምንታይ እዮም፧

9 ንዅሉ ዝርዝር ነገራት ኣይንፈልጦን ኢና። እቶም ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ንዅሉ ዝርዝር ነገራት ብዘይምፍላጦም፡ መገዲ የሆዋ “ኣይቅኑዕን እዩ” ይብሉ ነበሩ። (ህዝ. 18:29) ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓታት ፍትሒ ኣውጺኦም፡ ልዕሊ ስርዓታት የሆዋ ብምስራዕ ብዛዕባ እቲ ንሱ ንነገራት ዚፍጽመሉ ምኽንያት ምሉእ ምርዳእ ዘይነበሮም ክነሶም፡ ፈረድቲ ኣምላኽ ኰይኖም ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ  ንሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ህይወትና ንዜጋጥመና ፍጻመታት ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይተረዲእናዮ፡ ብልብና መገዲ የሆዋ “ኣይቅኑዕን እዩ” ንብል ዲና፧—እዮ. 35:2

10. ሓደ ሰብ ነቲ ኣዳም ዝገደፎ ሕማቕ ኣብነት ኪስዕብ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

10 ብዝፈጸምናዮ ሓጢኣትን ጌጋን ንኻልኦት ንወቕሶም። ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ኣዳም በቲ ባዕሉ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ንኣምላኽ ወቐሶ። (ዘፍ. 3:12) ኣዳም፡ ሕጊ ኣምላኽ ዘፍረሰ ደይመደይ ኢሉ እዩ። ብዛዕባ ሳዕቤኑ እውን ምሉእ ፍልጠት ነይርዎ እዩ። ምስናይዚ ግና፡ የሆዋ ሕማቕ ሰበይቲ ኸም ዝሃቦስ ያኢ፡ ንየሆዋ ወቐሶ። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ካልኦት ሰባት እውን ኣብነት ኣዳም ብምስዓብ፡ በቲ ባዕላቶም ዝፈጸምዎ ጌጋታት ንኣምላኽ ኪወቕስዎ ጸኒሖም እዮም። ስለዚ እምበኣር፡ ‘እቲ ብዝፈጸምኩዎ ጌጋታት እተሰምዓኒ ጓህን ተስፋ ምቝራጽን ንስርዓታት ኣምላኽ ከም ዘይሕጐሰሉ ገይሩኒ ድዩ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና።

11. ካብ ዮናስ እንታይ ንመሃር፧

11 ኣብ ርእስና እምብዛ ነተኵር ንኸውን። ነብዪ ዮናስ በቲ የሆዋ ንሰብ ነነዌ ዘርኣዮ ምሕረት ኣይተሓጐሰን። (ዮና. 4:1-3) ስለምንታይ፧ ንሰብ ነነዌ ጥፍኣት ከም ዚወርዶም ኣዊጁ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዝኣወጆ ኸይተፈጸመ ብምትራፉ፡ ‘ሰባት እንታይ ኪብሉኒ እዮም’ ዚብል ሓሳብ እዩ ብዝያዳ ኣሻቒልዎ ኪኸውን ዚኽእል። ነቶም እተነስሑ ሰብ ነነዌ ኣብ ክንዲ ዚድንግጸሎም፡ ብዛዕባ ስሙ እምብዛ ተሻቐለ። ንሕናኸ፡ ኣብ ገዛእ ርእስና እምብዛ ብምትኳር፡ መወዳእታ ቐልጢፉ ብዘይምምጻኡ ‘ኣብ የሆዋ ነንጸርጽር’ ዲና፧ መዓልቲ የሆዋ ኸም ዝቐረበት ንሓያሎ ዓመታት ክንሰብኽ እንተ ጸኒሕና፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኽንእውጅ ከለና ሰባት ምስ ዚወቕሱና፡ የሆዋ ኸም ዝደንጐየ ዀይኑ ይስምዓና ድዩ፧—2 ጴጥ. 3:3, 4, 9

‘ኣብ የሆዋ ኻብ ምንጽርጻር’ ብኸመይ ክንርሕቕ ንኽእል፧

12, 13. ብልብና ንገሊኡ ንጥፈታት የሆዋ ኽንጠራጠረሉ እንተ ጀሚርና፡ እንታይ ኢና ዕሽሽ ክንብል ዘይብልና፧

12 በቲ ዘይፍጹም ልብና ንገሊኡ ንጥፈታት የሆዋ ኽንጠራጠረሉ እንተ ጀሚርናኸ፧ ከምዚ ምግባር ዕሽነት ምዃኑ ኣይንረስዕ። ካልእ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንምሳሌ 19:3፡ “ሰብ ብዕሽነቱ ሕይወት የባላሹ፥ ተመሊሱ ድማ ንእግዚኣብሔር የማርር” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። (ትርጕም 1990)  ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ፡ ነቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጠመና ተስፋ ምቝራጽ ኣብ የሆዋ ኸም እነንጸርጽር ከይገብረና ኺሕግዘና ዚኽእል ሓሙሽተ ረቛሒታት ንርአ።

13 ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ዕሽሽ ኣይትበሎ። ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ እንተ ኣማዕቢልና፡ ኣብ የሆዋ ኣይከነንጸርጽርን ኢና። (ምሳሌ 3:5, 6 ኣንብብ።) ብየሆዋ ኽንእመን ኣሎና። “ባዕለይ እፈልጥ” ኣይንበል፡ ወይ ከኣ ኣብ ርእስና ጥራይ ኣይነተኵር። (ምሳ. 3:7፣ መክ. 7:16) ነዚ ምኽሪ እዚ እንተ ዓዪናሉ፡ ሕማቕ ነገራት ምስ ዜጋጥመና ንየሆዋ ኣይክንወቕሶን ኢና።

14, 15. በቲ ኻልኦት ዜውስእዎ ኣሉታዊ ዘረባ ንኸይንጽሎ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

14 ኣሉታዊ ዘረባ ንኺጸልወካ ኣይትፍቀድ። ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ የሆዋ ናብ ምድሪ ተስፋ ኸም ዜእትዎም ዚኣምኑሉ ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎም እዩ። (መዝ. 78:43-53) እቶም ዓሰርተ ዘይእሙናት ሰለይቲ ሕማቕ ወረ ምስ ነገርዎም ግና፡ ‘ንኢዱ ኣይዘከሩን።’ (መዝ. 78:42) ብወገንና እምበኣር፡ ብዛዕባ ንጥፈታት የሆዋ ነስተንትን፡ ንዅሉ እቲ ዝገበረልና ነገራት ከኣ ንዝክሮ እንተ ዄንና፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ይድልድል፡ ኣሉታዊ ዘረባ ኻልኦት ሰባት ድማ ካብ የሆዋ ኸም እንርሕቕ ኣይገብረናን።—መዝ. 77:11, 12

15 ብዛዕባ ክርስትያን ብጾትና ኣሉታዊ ኣረኣእያ እንተ ኣልዩናኸ፧ እዚ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኪትንክፎ ይኽእል እዩ። (1 ዮሃ. 4:20) እስራኤላውያን በቲ ንኣሮን እተዋህቦ ሽመትን ሓላፍነትን ምስ ኣጕረምረሙ፡ የሆዋ ናብኡ ኸም ዘጕረምረሙ ገይሩ ረኣዮ። (ዘሁ. 17:10) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብቶም ሎሚ የሆዋ ንምድራዊ ውድቡ ንምምራሕ ዚጥቀመሎም ዘሎ ሰባት ነጕረምርም እንተ ዄንና፡ ኣብ የሆዋ ነጕረምርም ከም ዘሎና እዩ ዚቝጸር።—እብ. 13:7, 17

16, 17. ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

16 ጠንቂ ጸገማትና፡ የሆዋ ኸም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። እቶም ብግዜ ኢሳይያስ ዝነበሩ እስራኤላውያን ካብ የሆዋ እኳ እንተ ዓለዉ፡ የሆዋ ግና ኪሕግዞም ይደሊ ነበረ። (ኢሳ. 1:16-19) ንሕና እውን ዝዀነ ይኹን ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ኸም ዚሓልየልናን ኪሕግዘና ኸም ዚደልን ብምፍላጥና ኽንጸናናዕ ንኽእል ኢና። (1 ጴጥ. 5:7) ከመይሲ፡ ንኽንጽመም ዜኽእለና ሓይሊ ኺህበና ምዃኑ ተመባጺዑልና እዩ።—1 ቈረ. 10:13

17 ከምቲ ነቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ዘጋጠሞ፡ ዘይፍትሓዊ ነገራት እንተ ኣጋጢሙና፡ ነቲ ነገር እቲ የሆዋ ኸም ዘየምጽኦ ኽንዝክር ኣሎና። ከመይሲ፡ የሆዋ ግፍዒ ዚጸልእ፡ ጽድቂ ድማ ዚፈቱ ኣምላኽ እዩ። (መዝ. 33:5) ከምቲ ፈታዊ እዮብ ዝነበረ ኤሊሁ ዝበሎ፡ “ረሲእነት ካብ ኣምላኽ ይርሐቕ፡ ክፍኣትውን ካብቲ ዅሉ ዚኽእል ይርሐቕ” ንበል። (እዮ. 34:10) የሆዋ ኣሽምባይዶ ጠንቂ ጸገማትና ኪኸውንሲ፡ “ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን” እዩ ዚህበና።—ያእ. 1:13, 17

18, 19. ንየሆዋ ፈጺምና ኽንጥርጥሮ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ መብርሂ ሃብ።

18 ንየሆዋ ፈጺምካ ኣይትጠርጥሮ። ኣምላኽ ፍጹም እዩ፡ ሓሳባቱ ኸኣ ካብ ሓሳባትና ልዕል ዝበለ እዩ። (ኢሳ. 55:8, 9) ስለዚ፡ ትሑታት እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ ሓደ ነገር ምሉእ ምርዳእ ከም ዘይብልና ኽንፈልጥ ኢና። (ሮሜ 9:20) መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንዅሉ እቲ ዝርዝር ነገራት ኣይንፈልጦን ኢና። “እቲ ቕድም ነገሩ ዜፍስስ ቅኑዕ ይመስል፡ እቲ በዓል ጋራ ግና መጺኡ ኣጸቢቑ ይምርምሮ” ንዚብል ምሳሌ ኣብ ህይወትካ ተመኪርካዮ ኸም እትኸውን ፍሉጥ እዩ።—ምሳ. 18:17

19 ሓደ እንኣምኖ ፈታዊና፡ ኣብ ፈለማ ንምርዳኡ ዜጸግመና ወይ ዘይልሙድ ኰይኑ ዚስምዓና ነገር እንተ ዚገብር፡ ገለ ኣበሳ ኸም ዝፈጸመ ጌርና ተሃዊኽና ምኸሰስናዮዶ፧ ወይስ፡ ብፍላይ ድማ ንብዙሕ ዓመታት ንፈልጦ እንተ ዄንና፡ ከምኡ ዝገበረሉ ብቑዕ ምኽንያት ኪህልዎ ኣለዎ ኢና እንብል፧ ነቶም ዘይፍጹማት ፈተውትና ብኸምዚ ዝኣመሰለ  ፍቕራዊ መገዲ ንምልከቶም እንተ ዄንና፡ ነቲ ኻብቲ ናትና ኣዝዩ ልዕል ዝበለ መገድታትን ሓሳባትን ዘለዎ ሰማያዊ ኣቦና ደኣ እሞ ኽንደይ ኣዚና ኽንኣምኖ ዘይግባእ!

20, 21. ንጸገማትና ተሓታቲ መን ምዃኑ ክንፈልጥ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

20 ንጸገማትካ ተሓታቲ መን ምዃኑ ፍለጥ። ከምኡ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ንገሊኡ ጸገማትና ባዕልና ኢና እንሕተተሉ። ናብ ካልእ ከነላግቦ ድማ የብልናን። (ገላ. 6:7) ንየሆዋ ኣይንውቀሶ። ንሓደ ባዕልና እንሕተተሉ ጸገም ንየሆዋ ምውቃሱ፡ ዘይርትዓዊ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ ነዚ ዚስዕብ ኣብነት ንርአ፦ ሓንቲ ማኪና ብልዑል ናህሪ ኽትጐዓዝ ተኽእሎ ኣለዋ ንበል። ዘዋሪ እታ ማኪና ናብ ሓደ ቐራና መገዲ ኺጥወ ኸሎ፡ ካብቲ ዚድለ ናህሪ ብዘይመጠን ሓሊፉ ብምዝዋሩ ተጋጨወ። እሞኸ፡ ፋብሪካ እታ ማኪና በዚ ተሓታቲ ድዩ፧ ፈጺሙ ተሓታቲ ኣይኰነን። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡና እዩ። ብዘይካዚ፡ ብኸመይ ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ከም እንኽእል ዚሕብር መምርሒታት እውን ሂቡና እዩ። ባዕልና ብዝፈጸምናዮ ጌጋታት ንፈጣሪና እንወቕሶ ደኣ እሞ ስለምንታይ ኢና፧

21 ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኵሉ እቲ ዜጋጠመና ዘበለ ጸገማት፡ ብሰንኪ እቲ ባዕልና ዝፈጸምናዮ ጌጋታት እዩ ዚመጽእ ማለት ኣይኰነን። ገሊኡ ጸገማት ብሰንኪ “ጊዜን ኣጋጣምን” እዩ ዚመጽእ። (መክ. 9:11) ብዘይካዚ፡ ሰይጣን ድያብሎስ፡ ቀንዲ ጠንቂ እከይ ምዃኑ እውን ኣይንረስዕ። (1 ዮሃ. 5:19፣ ራእ. 12:9) ጸላኢ፡ ንሱ ደኣ እምበር፡ የሆዋ ኣይኰነን።—1 ጴጥ. 5:8

ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኣኽቢርካ ርኣዮ

እያሱን ካሌብን ብየሆዋ ብምእማኖም ተባሪኾም እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 22 ርአ)

22, 23. ብዜጋጥመና ጸገማት ተስፋ እንተ ቘሪጽና፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

22 መከራን ጸገምን ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ነቲ እያሱን ካሌብን ዝገደፍዎ ኣብነት ስዓብ። እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ኽፉእ ወረ ኼውርዩ ኸለዉ፡ እዞም ክልተ እሙናት ሰለይቲ ግና ጽቡቕ ጸብጻብ ኣቕረቡ። (ዘሁ. 14:6-9) በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ የሆዋ እምነት ከም ዘለዎም ኣርኣዩ። ምስናይዚ ግና፡ ምስቶም ካልኦት እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ን40 ዓመት ኰለል ኢሎም እዮም። እሞኸ፡ እያሱን ካሌብንሲ፡ ‘እዝስ ዘይፍትሓዊ እዩ’ ብምባል ኣጕረምሪሞም ወይ ተመሪሮም ድዮም፧ ኣይፋሎምን። ብየሆዋ ተኣሚኖም እዮም። በረኸትከ ረኺቦምዶ፧ ብርግጽ፡ ረኺቦም እዮም። እቲ ወለዶ ኣብ በረኻ ኺጠፍእ ከሎ፡ እዞም ክልተ ሰብኡት ግና ናብ ምድሪ ተስፋ ኣትዮም እዮም። (ዘሁ. 14:30) ንሕና እውን፡ ፍቓድ የሆዋ ንኽንገብር “እንተ ዘይተሓሊልና፡” በረኸቱ ኽንረክብ ኢና።—ገላ. 6:9፣ እብ. 6:10

23 ብዜጋጥመካ ጸገማት፡ ብናይ ካልኦት ዘይፍጽምና፡ ወይ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ዘይፍጽምና ተስፋ እንተ ቘሪጽካ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ኣብቲ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋ ኣተኵር። ነቲ የሆዋ ዝሃበካ ተስፋ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ‘ንየሆዋ እንተ ዘይፈልጦ ነይረስ እንታይ ምዀንኩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። ወትሩ ንየሆዋ ቕረቦ። ንልብኻ ድማ ኣብ የሆዋ ኼንጸርጽር ኣይትፍቀደሉ።