ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ነሓሰ 2013

ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህልን ንተባባዕን

ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህልን ንተባባዕን

“ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል።”—እብ. 10:24

1, 2. ነቶም 230 ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ኻልኣይ ውግእ ዓለም እተገብረ ጕዕዞ ሞት ንኺዋጽኡሉ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

ኣብ መወዳእታ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፡ ስርዓት ናዚ ምስ ወደቐ፡ ነቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ንምጥፋእ፡ ትእዛዝ ተዋህበ። ነቶም ኣብ ዛክሰንሃውዘን ዝነበሩ እሱራት ናብ ገማግም ባሕሪ ኸም ዚኸዱ ብምግባር፡ ብመርከብ ጕዕዞኦም ምስ ጀመሩ፡ ነተን መራኽብ ንምጥሓል እዩ ተሓሲቡ ነይሩ። እዚ ኸኣ፡ ክፋል እቲ “ጕዕዞ ሞት” ተባሂሉ እተጸውዐ ስትራተጂ እዩ ነይሩ።

2 እቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበ ዛክሰንሃውዘን ዝነበሩ 33,000 እሱራት፡ ናብታ 250 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ዝነበረት ሉበክ እትብሃል ወደባዊት ከተማ ጀርመን ብእግሮም ከም ዚጓዓዙ ተገብረ። ኣብ መንጎ እቶም ተገዲዶም ዚጓዓዙ ዝነበሩ እሱራት፡ ካብ ሽዱሽተ ሃገራት ዝመጹ 230 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ። ኵሎም እቶም እሱራት ብጥሜትን ብሕማምን ደኺሞም ነበሩ። እሞኸ እቶም ኣሕዋትና ነቲ ጕዕዞ ኺዋጽኡሉ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ሓደ ኻባታቶም፡ “ንሓድሕድና ንተባባዕ ነበርና” በለ። እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም “ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ምስታ ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበረቶም ፍቕሪ ተደሚሩ፡ ነቲ ጸገም ንኺሰግርዎ ሓጊዝዎም እዩ።—2 ቈረ. 4:7

3. ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

3 ሎሚ ኣብ ጕዕዞ ሞት እኳ እንተ ዘይሃለና፡ ብዙሕ ጸገማት ግና የጋጥመና እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ምስ ቈመት፡ ሰይጣን ካብ ሰማይ ተሰጒጉ ኣብ ከባቢ ምድሪ ተኣሲሩ ኣሎ፣ ‘ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ፈሊጡ ድማ፡ ኣመና ተቘጢዑ’ እዩ ዘሎ። (ራእ. 12:7-9, 12) እዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣርማጌዶን ኣብ እትቐርበሉ ዘላ እዋን፡ ሰይጣን ንፈተናታትን ንጸቕጥታትን ተጠቒሙ ብመንፈሳዊ መዳይ ኬዳኽመና ይፍትን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ምስ መዓልታዊ ህይወትና ዚተሓሓዝ ውጥረት የጋጥመና እዩ። (እዮ. 14:1፣ መክ. 2:23) ሓድሓደ ግዜ እቲ ጸገማትና ተደማሚሩ ኼድክመና ስለ ዚኽእል፡ እቲ ዘሎና ስምዒታውን መንፈሳውን ብርታዐ ምስቲ ዜጋጥመና ተስፋ ምቝራጽ  ዘይመጣጠን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንነዊሕ ዓመታት ንብዙሓት ሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ንዝሓገዘ ሓው እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ጸኒሑ ንሱን ሰበይቱን ጸገም ጥዕና ስለ ዘጋጠሞም፡ ተስፋ ኪቘርጽ ጀመረ። ንሕና እውን ልክዕ ከምዚ ሓው እዚ፡ እቲ ኻብ የሆዋ ዚመጽእ “ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ኸምኡውን እቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚህቡና ምትብባዕ የድልየና እዩ።

4. ንኻልኦት ከነተባብዖም እንተ ደሊና፡ ነየናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ኢና ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ዘሎና፧

4 ንኻልኦት ምንጪ ምትብባዕ ክንከውን እንተ ደሊና፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ዝሃቦም ምሕጽንታ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ኣሎና። ንሱ፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። ንሓድሕድና ንተባባዕ እምበር፡ ከምቲ ገሊኦም ልማድ ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ። እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽትርእዩ ኸለኹም ከኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ግበርዎ” በለ። (እብ. 10:24, 25) ነቲ ኣብዘን ኣገደስቲ ቓላት ዘሎ ምኽሪ ኽንትግብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

“ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል”

5. ‘ኣብ ንሓድሕድካ ምስትብሃል’ እንታይ ማለት እዩ፧ እዚኸ እንታይ ጻዕሪ እዩ ዚሓትት፧

5 ‘ኣብ ንሓድሕድካ ምስትብሃል’ ኪብሃል ከሎ፡ “ንድሌት ካልኦት ኣብ ግምት ምእታው፡ ብዛዕባኦም ምሕሳብ” ማለት እዩ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ እንራኸበሉ እዋን፡ ዝርርብና ኻብ ሰላምታ ወይ ካብ ጢጥ ቅሚጥ ዕላል ዘይሓልፍ እንተ ዀይኑ፡ ንድሌት ካልኦት ኣብ ግምት ነእቱ ኣሎና ኺብሃል ይከኣልዶ፧ ኣይፋሉን። ሓቂ እዩ፡ ኣብ ዘየገድሰና ብዘይምእታው ‘ዕዮ ርእስና ጥራይ ክንገብር’ ደኣ እምበር፡ ‘ወልፋሳት’ ክንከውን የብልናን። (1 ተሰ. 4:11፣ 1 ጢሞ. 5:13) ኰይኑ ግና፡ ንኣሕዋትና ኸነተባብዖም እንተ ደሊና፡ ብዛዕባኦም ክንፈልጥ፡ ማለት ብዛዕባ ዅነታት ህይወቶምን ባህርያቶምን መንፈሳውነቶምን ብርታዐኦምን ድኽመታቶምን ክንፈልጥ ኣሎና። ከም ኣዕሩኾም ገይሮም ኪርእዩና ኣለዎም፣ ከም እነፍቅሮም ኰይኑ ኸኣ ኪስምዖም ኣለዎ። እዚ ኸኣ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎን ተስፋ ኪቘርጹ ኸለዉን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልእ እዋናት እውን ምሳታቶም ግዜ ምሕላፍ ዚሓትት እዩ።—ሮሜ 12:13

6. ሓደ ሽማግለ ነቶም ምስኡ ዘለዉ ‘ንኼስተብህለሎም’ ዚሕግዞ እንታይ እዩ፧

6 ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት፡ ‘ነቲ ምሳታቶም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ’ ብፍታውን ብሃንቀውታን ‘ኪጓስይዎ’ ተማዒዶም ኣለዉ። (1 ጴጥ. 5:1-3) ሽማግለታት ነተን ኣባጊዕ ዘይፈልጥወን እንተ ዀይኖም፡ ከመይ ገይሮም እዮም ኪጓስይወን ዚኽእሉ፧ (ምሳሌ 27:23 ኣንብብ።) ሽማግለታት ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ዚቐርብዎምን ምሳታቶም ግዜ ዜሕልፉን እንተ ዀይኖም፡ እተን ኣባጊዕ ሓገዝ ኬድልየን ከሎ ብቐሊሉ ኪቐርባኦም እየን። ብዘይካዚ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ውሽጦም ኣውጺኦም ንኺዛረቡ ኺድረኹ እዮም፣ በዚ ኸምዚ፡ ሽማግለታት ነቶም ምሳታቶም ዘለዉ ‘ኼስተብህሉሎምን’ ብዜድልዮም ኪሕግዝዎምን ይኽእሉ።

7. ነቶም ብተስፋ ምቝራጽ ‘ዘረባኦም ምግታእ’ ዚኣብዮም ሰባት ብኸመይ ክንርእዮም ኣሎና፧

7 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኺጽሕፈሎም ከሎ፡ “ንድኹማት ደግፍዎም” በለ። (1 ተሰሎንቄ 5:14 ኣንብብ።) ‘እተጨነቑን’ ተስፋ ዝቘረጹን ሰባት፡ ድኹማት እዮም። ምሳሌ 24:10፡ “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ” ትብል። ሓደ ኣዝዩ ተስፋ ዝቘረጸ ሰብ፡ ‘ዘረባኡ ምግታእ’ ኪኣብዮ ይኽእል እዩ። (እዮ. 6:2, 3) እቶም ‘ከነስተብህለሎም’ ዚግብኣና ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ዚዛረብዎ ነገራት፡ ናይ ልቦም ከይከውን ከም ዚኽእል ክንዝክር ኣሎና። ኣዲኣ ኸቢድ ጭንቀት ዘለዋ ሬቸል ዝስማ ሓብቲ፡ ነዚ ተመኪራቶ እያ። ከምዚ በለት፦ “ኣደይ ብዙሕ ሳዕ ዚጐድእ ነገር ትዛረብ እያ። መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ ነቲ ናይ ሓቂ መንነታ ኽዝክር እየ ዝጽዕር፣ ፈቃርን ለዋህን ለጋስን እያ። እተጨነቑ ሰባት ብዙሕ ዘይሓሰብዎ ነገር ከም  ዚዛረቡ ተማሂረ እየ። ንሕማቕ ዘረባኦም ወይ ተግባሮም ምላሽ ክትህበሉ የብልካን።” ምሳሌ 19:11፡ “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ፡ ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ” ትብል።

8. ብፍላይ ንመን ኢና ፍቕርና ‘ኸነረጋግጸሉ’ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

8 ሓደ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሓጢኣት ድሕሪ ምፍጻሙ ንዅነታቱ ንምትዕርራይ ስጕምቲ እኳ እንተ ወሰደ፡ እቲ ሓጢኣት ዘስዓበሉ ውርደትን ተስፋ ምቝራጽን ይደቝሶ ይኸውን፣ ንኸምዚ ዝበለ ሰብ ብኸመይ ኢና ‘ኸነስተብህለሉ’ እንኽእል፧ ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ብዛዕባ ዝነበረ እተነስሐ ኣባሲ ኺጽሕፍ ከሎ፡ “ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ብብዝሒ ጓሂ ምእንቲ ኸይውሓጥ፡ ብለውሃት ይቕረ በሉሉን ኣጸናንዕዎን። ስለዚ፡ ፍቕርኹም ከተረጋግጹሉ እምዕደኩም ኣለኹ” በለ። (2 ቈረ. 2:7, 8) ስለዚ፡ እቲ ሰብ ንፍቕርናን ንሓልዮትናን ከም ዚርድኦ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ብኣረኣእያናን ብተግባርናን ኪርእዮ ኣለዎ።

‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንነቓቓሕ’

9. ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ምንቕቓሕ’ እንታይ ማለት እዩ፧

9 ጳውሎስ፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል” ኢሉ ጸሓፈ። ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና፡ ፍቕሪ ንኼርእዩን ሰናይ ግብሪ ንኺገብሩን ከነለዓዕሎም ኣሎና። ሓዊ ጭልምልም ኪብል እንተ ጀሚሩ፡ ነቲ ሓዊ ብምንብድባድ ከነጐሃህሮ ኣሎና። (2 ጢሞ. 1:6) ብተመሳሳሊ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን፡ ንኣምላኽን ንብጻዮምን ዘላቶም ፍቕሪ ንኼርእዩ ብፍቕራዊ መገዲ ኸነነቓቕሖም ንኽእል ኢና። ንኻልኦት ሰባት ንሰናይ ግብሪ ንምንቕቓሕ፡ ግቡእ ናእዳ ኣገዳሲ እዩ።

ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ተኻፈል

10, 11. (ሀ) ካብ መንጎና ናእዳ ዜድልዮ መን እዩ፧ (ለ) ናእዳ ‘ንሓደ ብዘይ ፍላጥ ዝሰሓተ ሰብ’ ብኸመይ ከም ዚሕግዞ ዜርኢ ኣብነት ጥቐስ።

10 ተስፋ ዝቘረጽና ንኹን ኣይንኹን ብዘየገድስ፡ ኵላትና ናእዳ የድልየና እዩ። ሓደ ሽማግለ፡ “ኣቦይ ንኢዱኒ ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ፡ ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ብርእሰይ ኣይተኣማመንን እየ ነይረ። . . . ሕጂ ወዲ 50 ዓመት እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣዕሩኸይ ከም ሽማግለ መጠን ጽቡቕ እዓዪ ኸም ዘለኹ ኺነግሩኒ ኸለዉ አማስወሉ እየ። . . . ናይ ገዛእ ርእሰይ ተመክሮ፡ ንኻልኦት ምትብባዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ስለ ዝመሃረኒ፡ ከምኡ ኽገብር እጽዕር እየ” በለ። ናእዳ ንዅሉ ሰብ፡  እንተላይ ንፈለምትን ንኣረጋውያንን ነቶም ተስፋ ዝቘረጹን ኬለዓዕሎም ይኽእል እዩ።—ሮሜ 12:10

11 ‘እቶም መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ንሓደ ብዘይ ፍላጥ ዝሰሓተ ሰብ ኬቕንዕዎ ኸለዉ፡’ እቲ ዚህብዎ ፍቕራዊ ምኽርን ግቡእ ናእዳን፡ ነቲ ኣባሲ ናብ ልቡ ተመሊሱ ሰናይ ግብሪ ንኺገብር ኬለዓዕሎ ይኽእል እዩ። (ገላ. 6:1) ሓንቲ ሚርያም ዝስማ ሓብቲ፡ ነዚ ተመኪራቶ እያ። ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “መሓዙተይ ካብ መገዲ ሓቂ ምስ ወጻ ሰንበድኩ፡ ምስናይዚ እውን ኣቦይ ናይ ሓንጎል መድመይቲ ኣጋጠሞ። እዚ ኣመና ኣጨነቐኒ። ካብቲ ጭንቀት ንኽገላገል ኢለ ድማ ምስ ሓደ ዓለማዊ ወዲ ተዓራረኽኩ።” ከምኡ ድሕሪ ምግባራ፡ የሆዋ ኼፍቅራ ዘይክእል ኰይኑ ተሰምዓ፣ ካብ ሓቂ ኽትወጽእ ከኣ ወሰነት። ይኹን እምበር፡ ሓደ ሽማግለ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብተኣማንነት ዘገልገለቶ ኣገልግሎት ምስ ኣዘኻኸራ፡ ስምዒታ ተለዓዓለ። ነቶም ሽማግለታት፡ ብፍቕሪ የሆዋ ንኽትተኣማመን ምእንቲ ኺሕግዝዋ ኣጋጣሚ ሃበቶም። በዚ ኸምዚ፡ እታ ዝነበረታ ፍቕሪ ተጐሃሃረት። ነቲ ምስቲ ዘይኣማኒ ዝዀነ ወዲ ዝነበራ ርክብ ኣቋረጸቶ፣ ንየሆዋ ምግልጋላ ኸኣ ቀጸለት።

ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንነቓቓሕ

12. ንኣሕዋትና ምስ ካልኦት ነወዳድሮምን ንነቕፎምን ሕማቕ ከም ዚስምዖም ንገብርን እንተ ዄንና፡ እንታይ ውጽኢት እዩ ኺህልዎ ዚኽእል፧

12 ንኣሕዋትና ምስ ካልኦት ከነወዳድሮምን ነቲ ንሕና ዘውጻእናዮ ስርዓታት ብዘይምስዓቦም ክንነቕፎምን ዝያዳ ብዘይምዕያዮም ሕማቕ ከም ዚስምዖም ክንገብርን የብልናን፣ ከምኡ ምግባር፡ ነባሪ ውጽኢት የብሉን። ብኣንጻሩ ግና፡ ንኣማኒ ዝዀነ ብጻይና እንተ ንኢድናዮን ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ እንተ ኣረዲእናዮን፡ ነባርን ኣወንታውን ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።—ፊልጲ 2:1-4 ኣንብብ።

“ንሓድሕድና ንተባባዕ”

13. ንኻልኦት ምትብባዕ እንታይ የጠቓልል፧ (ነታ ኣብ ገጽ 18 ዘላ ስእሊ ርአ።)

13 ‘ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ኣሎና፣ እታ መዓልቲ ትቐርብ ከም ዘላ ኽንርኢ ኸለና ኸኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ኽንገብሮ ኣሎና።’ ንኻልኦት ምትብባዕ፡ ኣብቲ ንኣምላኽ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ንቕድሚት ኪቕጽሉ ምድራኽ እውን የጠቓልል እዩ። ልክዕ ከምቲ ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ምንቕቓሕ፡ ንሓደ ጭልምልም ዚብል ሓዊ ምስ ምጕህሃር ኪመሳሰል ዚኽእል፡ ንኻልኦት ምትብባዕ እውን፡ ኣብ ጓህሪ ነዳዲ ብምውሳኽ ገሃጽሃጽ ከም ዚብል ምስ ምግባር ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ንኻልኦት ከነተባብዖም ኪብሃል ከሎ፡ ነቶም እተደቝሱ ኸነበራትዖምን ከነጸናንዖምን ኣሎና ማለት እዩ። ንኸምዚ ዝበለ ሰብ ናይ ምትብባዕ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ከለና፡ ብርሕራሐን ብለውሃትን ክንዛረብ ኣሎና። (ምሳ. 12:18) ብዘይካዚ፡ ‘ንምስማዕ ቅልጡፋት፡ ንምዝራብ ከኣ ደንጐይቲ’ ኽንከውን ኣሎና። (ያእ. 1:19) ብድንጋጽ ንሰምዕ እንተ ዄንና፡ ነቲ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ተስፋ ዘቝረጾ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥን ንዅነታቱ ንኺጾሮ ዚሕግዞ ገለ ነገር ክንዛረብን ኢና።

ጥዑይ ምሕዝነት ይሃሉኻ

14. ሓደ ተስፋ ዝቘረጸ ሓው ሓገዝ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧

14 ሓደ ርሕሩሕ ሽማግለ ንሓደ ንሓያሎ  ዓመታት ዘይንጡፍ ዝነበረ ሓው ብኸመይ ከም ዝሓገዞ እስከ ንርአ። እቲ ሽማግለ ነቲ ሓው ኪሰምዖ ኸሎ፡ ንየሆዋ ዘላቶ ፍቕሪ ገና ዓማቝ ምዃና ተገንዘበ። ንነፍሲ ወከፍ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ብትግሃት እዩ ዜጽንዓ፣ ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲሩ ኺእከብ ከኣ ይጽዕር እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ገሊኦም ሰባት ዝገበርዎ ነገራት ኣጕህይዎን ኣመሪርዎን ነበረ። እቲ ሽማግለ፡ ነቲ ሓው ከይፈረደ ብርሕራሐ ሰምዖ፣ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኸም ዜፍቅርዎ ኸኣ ኣረጋገጸሉ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሓው፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠሞ ሕማቕ ተመክሮ፡ ነቲ ዜፍቅሮ ኣምላኽ ንኸየገልግሎ ይዓግቶ ኸም ዝነበረ ተገንዘበ። እቲ ሽማግለ ድማ ነቲ ሓው፡ ናብ ዕዮ ስብከት ሓቢሮም ኪኸዱ ዓደሞ። እቲ ሓው ብሓገዝ እቲ ሽማግለ፡ ኣገልግሎቱ እንደገና ጀመረ፣ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ እንደገና ሽማግለ ዀነ።

ምትብባዕ ንዜድልዮ ሰብ ብትዕግስቲ ስምዓዮ (ሕጡብ ጽሑፍ 14, 15 ርአ)

15. ነቶም እተደቝሱ ብምትብባዕ ዝመጸ፡ ካብ የሆዋ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧

15 ሓደ ተስፋ ዝቘረጸ ሰብ፡ ቀልጢፉ ኣይበራታዕን ወይ ነቲ እንገብረሉ ሓገዝ ቅልጡፍ ምላሽ ኣይህበሉን ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ደገፍና ኸነቋርጽ የብልናን። ጳውሎስ፡ “ንድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅሎም ተዓገስዎም” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ተሰ. 5:14) ስለዚ፡ በቶም ድኹማት ቀልጢፍና ተስፋ ኣብ ክንዲ እንቘርጽ፡ ከይተሓለልና ‘ንደግፎም።’ ብግዜ ጥንቲ የሆዋ ነቶም ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ዚቘርጹ ዝነበሩ ኣገልገልቱ፡ ብትዕግስቲ እዩ ዚሕዞም ነይሩ። ንኣብነት፡ ንስምዒታት ኤልያስ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብሕያውነት ሓዞ። እቲ ነብዪ ኣገልግሎቱ ንኪቕጽል ዜድልዮ ነገራት ከኣ ገበረሉ። (1 ነገ. 19:1-18) ዳዊት ካብ ልቡ ስለ እተነስሐ፡ የሆዋ ብለውሃት ይቕረ ኢሉሉ እዩ። (መዝ. 51:7, 17) ኣምላኽ ነቲ ንኣገልግሎቱ ኼቋርጾ ሓሲቡ ዝነበረ ጸሓፍ መዝሙር 73 እውን ሓጊዝዎ እዩ። (መዝ. 73:13, 16, 17) የሆዋ ንዓና እውን ብፍላይ ክንድቈስን ተስፋ ኽንቈርጽን ከለና፡ ብሕያውነትን ብለውሃትን እዩ ዚሕዘና። (ዘጸ. 34:6) ምሕረቱ “ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ፣” ‘ኣይውዳእን ከኣ እዩ።’ (ድጕ. 3:22, 23) የሆዋ፡ ንሕና እውን ነቶም እተጨነቑ ሰባት ብለውሃት ብምሓዝ፡ ንኣርኣያኡ ኽንስዕብ እዩ ዚደልየና።

ካብ መገዲ ህይወት ምእንቲ ኸይንወጽእ፡ ንሓድሕድና ንተባባዕ

16, 17. መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ዚቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

16 ካብቶም ካብ መዳጐኒ ደምበ ዛክሰንሃውዘን ዝወጹ 33,000 እሱራት፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሞይቶም እዮም። እቶም 230 ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና፡ ብምሉኦም ብህይወት ተሪፎም እዮም። ንሓድሕዶም ይተባብዑን ይደጋገፉን ስለ ዝነበሩ፡ እቲ ጕዕዞ ሞት፡ ንዓታቶም ጕዕዞ ድሕነት እዩ ነይሩ።

17 ሎሚ ኣብታ ‘ናብ ህይወት እትመርሕ መገዲ’ ኢና ዘለና። (ማቴ. 7:14) ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኵሎም ኣምለኽቲ የሆዋ ናብታ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ብሓባር ኪኣትዉ እዮም። (2 ጴጥ. 3:13) ሃየ እምበኣር፡ ኣብታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ መገዲ ኽንጓዓዝ ከለና፡ ንሓድሕድና ንኽንተሓጋገዝ ቈራጽነት ንግበር።