ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ሓምለ 2013

“ኣየ ስእሊ!”

“ኣየ ስእሊ!”

ሓድሽ ሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ ኺወጽእ ከሎ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢልካ ንርእስኻ ወይ ንኻልእ ሰብ እተዛረብካሉ እዋናት ክንደይ እዩ፧ እቲ ብብዙሕ ጻዕሪ ዚዳሎ ስእልታት፡ ዕላማ ኣለዎ። ንሓሳብናን ንስምዒትናን ዚትንክፍ መምሃሪ እዩ። ብፍላይ ንመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኽንዳሎ ኸለናን ኣብ ጉባኤ ኽንምልስ ከለናን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ፡ ኣብ ልዕሊ ቐንዲ ጥቕሲ እታ ዓንቀጽ ዚወጽእ ስእልታት ስለምንታይ ከም እተመርጸ ሕሰብ። ኣብቲ ስእሊ እንታይ እዩ ዚርአ ዘሎ፧ ምስቲ ኣርእስቲ ወይ ምስታ ቐንዲ ጥቕሲ ብኸመይ እዩ ዚተሓሓዝ፧ ነቲ ምስ ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ ተተሓሒዙ ዚወጽእ ስእልታት ክትርእዮ ኸለኻ፡ ምስቲ ሓፈሻዊ ትምህርትን ምስ ህይወትካን ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ሕሰብ።

እቲ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚመርሕ ሓው፡ ሰማዕቲ ንነፍሲ ወከፍ ስእሊ ሓሳብ ምእንቲ ኺህቡሉ፡ ማለት ምስቲ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ወይ ከኣ እንታይ ስምዒት ከም ዘሕደረሎም ምእንቲ ኺገልጹ፡ ኣጋጣሚ ኺህቦም ኣለዎ። ሓድሓደ እዋን፡ እቲ ስእሊ ምስ ኣየናይ ሕጡብ ጽሑፍ ከም ዚተሓሓዝ ዚገልጽ ሓበሬታ ይውሃብ እዩ። ኣብ ካልእ እዋናት ግና፡ እቲ ዚመርሕ ሓው፡ ኣየናይ ሕጡብ ጽሑፍ ምስ ኣየናይ ስእሊ ምይይጥ ኪግበረሉ ኸም ዘለዎ ኺውስን ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ኵሎም ሰማዕቲ፡ ካብቲ ንትምህርቲ ቓል ኣምላኽ ብኣእምሮኦም ንኺስእልዎ ተባሂሉ እተዳለወ ስእልታት ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።

ሓደ ሓው፡ “እቲ ምስታ ብዜደንቕ መገዲ እተጻሕፈት ዓንቀጽ ዚርአ ስእሊ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ምቁር ሕብስቲ ዚንስነስ ሽኮር እዩ” በለ።

ብዝያዳ ፍለጥ

ኣንበብትና ንሓደ ፍጻመ ብኣእምሮኦም ኪስእልዎ ዚሕግዝ ስእልታት

መብዛሕትኡ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንትሕዝቶኡ ዚገልጽ ሕብራዊ ስእልታት ዝሓዘ እዩ። ቀደም ግና ከምኡ ኣይነበረን።

ንጽሑፍ ዜጸብቕ ስእልታት ዚሰኣለሉ መገዲ

ሰኣልትና ንሕታማትና ዜጸብቕን ነቲ ጽሑፍ ማራኺ ዚገብርን ስእልታት ዚስእሉ ብኸመይ እዮም፧