ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ሰነ 2013

ሽማግለታት “ንዝጸምኤት ነፍሲ” ተርውዩ ዲኹም፧

ሽማግለታት “ንዝጸምኤት ነፍሲ” ተርውዩ ዲኹም፧

ሓንቲ ኣብ 30ታት ዕድሚኣ እትርከብ ኣንጀላ * ዝስማ ንጽል ሓብቲ ምስ ሽማግለታት ቈጸራ ስለ ዝነበራ፡ ቍሩብ ፈሪሃ ነበረት። እንታይ ኰን እዮም ኪብልዋ፧ ካብ ሒደት ኣኼባታት በዂራ ኸም ዝነበረት ዘይከሓድ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ምሉእ መዓልቲ ኽትሰርሕ ስለ ዝወዓለት ኣዝያ ደኺማ እያ ነይራ። ኣብ ርእሲ እቲ መዓልታዊ ዜሻቕላ ነገራት፡ ብዛዕባ ጥዕና ኣዲኣ እውን ኣዝያ ተጨኒቓ ነበረት።

ንኣንጀላ ንኽትበጽሓ ኣጋጣሚ ነይሩካ ንበል። እሞኸ ነዛ “ዝጸምኤት ነፍሲ” ብኸመይ መተባባዕካያ፧ (ኤር. 31:25) ዕረፍቲ ዚህብ ጕስነታዊ ምብጻሕ ቅድሚ ምግባርካ ግና፡ መጀመርታ ብኸመይ ምተዳለኻ፧

ብዛዕባ ዅነታት ኣሕዋትካ ሕሰብ

ሓድሓደ ግዜ፡ ኵላትና ብምኽንያት ዓለማዊ ስራሕና ወይ ቲኦክራስያዊ ሓላፍነታትና ንጸምእ ወይ ንደክም ኢና። ንኣብነት፡ ነብዪ ዳንኤል ንምርዳኡ ዜጸግም ራእይ ምስ ረኣየ፡ ‘ኣዝዩ ደኸመ።’ (ዳን. 8:27ትርጕም 1990) ሓደ ኻብቶም መላእኽቲ ዝዀነ ገብሪኤል ተራእዮ፡ ሓገዞ ኸኣ። እቲ መልኣኽ ንዳንኤል ምስትውዓል መሃሮ፡ ጸሎቱ ኸም እተሰምዐ ኣረጋገጸሉ፡ “ንስኻ ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ” ድማ በሎ። (ዳን. 9:21-23) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እውን፡ ሓደ ኻልእ መልኣኽ፡ ምሩጻት ቃላት ተጠቒሙ፡ ነቲ ደኺሙ ዝነበረ ነብዪ ኣበርቲዕዎ እዩ።—ዳን. 10:19

ንክርስትያን ብጻይካ ቕድሚ ምብጻሕካ፡ ብዛዕባ ዅነታቱ ሕሰብ

ንስኻ እውን ንሓደ ዝደኸመ ወይ ተስፋ ዝቘረጸ ክርስትያን ብጻይካ ቕድሚ ምብጻሕካ፡ ግዜ ወሲድካ ብዛዕባ ዅነታቱ ሕሰብ። ንሓውካ እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞ፧ እዚ ጸገማት እዚ፡ ንሓይሉ ኺጽንቅቖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ እንታይ ጽቡቕ ባህርያት እዩ ዘለዎ፧ ን20 ዓመት ሽማግለ ዀይኑ  ዘገልገለ ሪቻርድ፡ “ኣብ ኣወንታዊ ጐድኒ ኣሕዋተይ እየ ዘተኵር። ቀቅድሚ ምብጻሐይ ንዅነታቶም ተጠንቂቐ ስለ ዝሓስበሉ፡ ምስ ኵነታቶም ዚኸይድ መተባብዒ ንኺህቦም ኣይከብደንን እዩ” በለ። ንሓደ ሓው ክትበጽሖ ኸለኻ፡ ካልእ ሽማግለ ምሳኻ ዚኸይድ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ዅነታት እቲ ሓው ብሓንሳእ ኴንኩም ዘይትመያየጡሉ፧

ንኣሕዋትካ ኸም ዚፈዅሶም ግበር

ስምዒትካ ኽትገልጽ ኬሰክፍ ከም ዚኽእል ትሰማምዓሉ ትኸውን። ንኣብነት፡ ሓውካ ኺበጽሕዎ ንዝመጹ ሽማግለታት፡ ሓሳባቱ ንኺገልጸሎም ኬጸግሞ ይኽእል እዩ። እሞኸ ብኸመይ ኢኻ ኸም ዚፈዅሶ ኽትገብር እትኽእል፧ ልባዊ ፍሽኽታን ባህ ዜብል ሒደት ቃላትን ጽቡቕ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ንልዕሊ 40 ዓመት ሽማግለ ዀይኑ ዘገልገለ ሚካኤል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዚገብሮ ምብጻሕ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል እዩ ዚጅምሮ፦ “ሓደ ኻብቲ ንሽማግለ እተዋህቦ ፍሉይ መሰላት፡ ንኣሕዋት ናብ ቤቶም ከይዱ ብምብጻሕ ኵነታቶም ብዝያዳ ምፍላጥ እዩ። ስለዚ፡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ሃረር ኪብላ እየ ቐንየ።”

ነቲ ምብጻሕ ልባዊ ጸሎት ብምቕራብ ክትጅምሮ ትመርጽ ትኸውን። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እምነትን ፍቕርን ተጻዋርነትን ኣሕዋቱ ኣብ ጸሎቱ ኣጕሊሑዎ ኣሎ። (1 ተሰ. 1:2, 3) ንስኻ እውን ብዛዕባ ሰናይ ባህርያት ኣሕዋትካ ምስ እትገልጽ፡ ንልብኻን ንልቡን ዚሃንጽ ዝርርብ ክትገብሩ የዳልዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ ቃላትካ ኺፍውስ ይኽእል እዩ። ረይ ዝስሙ ምኩር ሽማግለ፡ “ሓድሓደ ግዜ ዅላትና ነቲ እንዓምሞ ሰናይ ነገራት ንርስዖ ኢና። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ብዛዕባኡ ኼዘኻኽረና ኸሎ ንነፍስና ዕረፍቲ የምጽኣላ እዩ” በለ።

መንፈሳዊ ውህበት ኣማቕል

ንስኻ እውን ከም ጳውሎስ፡ ካብ ሓንቲ ጥቕሲ እውን እንተ ዀነ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ብምካፋል “መንፈሳዊ ውህበት” ከተማቕል ትኽእል ኢኻ። (ሮሜ 1:11) ንኣብነት፡ ጭንቀት ዘለዎ ሓው፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መዝሙር እተሰምዖ፡ ዘይረብሕ ኰይኑ ይስምዖ ይኸውን። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ከም ኣብ ትኪ ዘሎ  ሓርቢ ዀንኩ” በለ። (መዝ. 119:83, 176) ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣሕጽር ኣቢልካ ምስ ኣብራህካያ፡ ንሓውካ ትእዛዛት ኣምላኽ ከም ‘ዘይረስዐ’ ኸተረጋግጸሉ ትኽእል ኢኻ።

ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ እታ ዝጠፍአት ድራክማ ዚገልጽ ምሳሌ፡ ንሓንቲ ኻብ ጉባኤ ዝረሓቐት ወይ ዝዛሕተለት ሓብቲ ይትንክፋ ይኸውን። (ሉቃ. 15:8-10) እታ ዝጠፍአ ድራክማ ሓንቲ ኻብቲ ንስልማት ክሳድ ዜገልግል ድራክማታት ብሩር ክትከውን ትኽእል እያ። ነታ ሓብቲ ብዛዕባ እዚ ምስ እተመያይጣ፡ ኣገዳሲት ክፍሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ዝዀነት ኪስምዓ ይኽእል እዩ። ነታ ምሳሌ ምስ ተመያየጥኩምላ ድማ፡ የሆዋ ኸም ሓንቲ ኻብ ኣባጊዑ ገይሩ ኸም ዚርእያን ከም ዚሓልየላን ከተጕልሓላ ትኽእል ኢኻ።

ክርስትያን ብጾትና ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባቶም ኪገልጹ የሐጕሶም እዩ። ስለዚ፡ ንስኻ ጥራይ ኣይትዛረብ። ነቶም ኣሕዋት ምስ ኵነታቶም ዚኸይድ ጥቕሲ ምስ ኣንበብካሎም፡ ሓንቲ ቓል ወይ ሓረግ ነጺልካ ብምጥቃስ ሓሳባት ኪህቡላ ሕተቶም። ንኣብነት፡ ሓደ ሽማግለ 2 ቈረንቶስ 4:16 ኣንቢቡ፡ “የሆዋ ብብሕትኻ ዘሐደሰካ እዋናት ኣሎዶ፧” ኢሉ ኺሓትት ይኽእል እዩ። እዚ ኣቀራርባ እዚ፡ ‘ንሓድሕድኩም ከም እትተባብዑ’ ኺገብር ይኽእል እዩ።—ሮሜ 1:12

ክርስትያን ብጾትና ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባቶም ኪገልጹ የሐጕሶም እዩ

ብዘይካዚ፡ ንክርስትያን ብጻይካ ብዛዕባ እቶም ምስ ኵነታቱ ዚመሳሰል ተመክሮ ዘሕለፉ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገቡ ሰባት ብምጥቃስ ከተመያይጦ ትኽእል ኢኻ። ሓደ እተደቝሰ ሰብ ከም ናይ ሃና ወይ ኤጳፍሮዲጦስ ዝኣመሰለ ተመክሮ ኽትንክፎ ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ሃናን ኤጳፍሮዲጦስን እተጨነቑሉ ግዜያት እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡራት እዮም ነይሮም። (1 ሳሙ. 1:9-11, 20፣ ፊል. 2:25-30) ስለዚ፡ ኣብቲ ኣድላዪ ዝዀነሉ ዅነታት፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነታት ጠቒስካ ተመያየጥ።

ተኸታቲልካ ሓግዞም

ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ምስ በጻሕካዮም፡ ተኸታቲልካ ብምሕጋዝ፡ ብሓቂ ኸም እትግደሰሎም ከተርኢ ትኽእል ኢኻ። (ግብ. 15:36) ንኣብነት፡ ምይይጥኩም ክትድምድሙ ኸለኹም፡ ሓቢርኩም ንኸተገልግሉ ኽትቋጸሩ ትኽእሉ ኢኹም። በርናርድ ዝስሙ ምኩር ሽማግለ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ንዝበጽሖ ሓው እንደገና ኺረኽቦ ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሃቦ ምኽሪ ብሜላ፡ “ሰሊጡካዶ፧” ብምባል ይሓትቶ። ንስኻ እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ተገዳስነት ተርኢ እንተ ዄንካ፡ ተወሳኺ ሓገዝ ምሃብ ዜድሊ እንተ ዀይኑ ኽትውስን ክትክእል ኢኻ።

ሎሚ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም እንሓልየሎምን ከም እንርድኣሎምን ከም እነፍቅሮምን ኪፈልጡ ኣብ ዜድልየሉ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። (1 ተሰ. 5:11) ስለዚ እምበኣር፡ ንሓደ ሓው ቅድሚ ምብጻሕካ፡ ግዜ ወሲድካ ብዛዕባ ዅነታቱ ሕሰብ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ጸሊ። ጥቕስታት ምረጽ። ከምዚ እንተ ጌርካ፡ “ንዝጸምኤት ነፍሲ” ዜርዊ ቓላት ክትረክብ ኢኻ።

^ ሕ.ጽ. 2 ስማት ተቐዪሩ እዩ።