ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ሚያዝያ 2013

ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም

ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም

“በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ።”ሮሜ 7:22

1-3. ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምንባብን ንትምህርትታቱ ኻብ ምትግባርን እንታይ ጥቕምታት እዩ ዚርከብ፧

“የሆዋ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድኦ ስለ ዚሕግዘኒ፡ ንግሆ ንግሆ አመስግኖ እየ።” እታ ኸምዚ ኢላ እተዛረበት ብዕድመ ዝደፍአት ክርስትያን ሓብቲ፡ ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 40 ሳዕ ኣንቢባቶ እያ፣ ሕጂ እውን ትቕጽል ኣላ። ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ድማ፡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ጋህዲ ንኪዀነላ ኸም ዝሓገዛ ጽሒፋ ነበረት። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ናብቲ ሰማያዊ ኣቦኣ ብዝያዳ ኽትቀርብ ከኣለት። “ከም ሎሚ ሕጕስቲ ዀይነ ኣይፈልጥን እየ” ድማ በለት።

2 ሃዋርያ ጴጥሮስ ንዅሎም ክርስትያናት፡ “ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ ጸባ እቲ ቓል ብሃግዎ” ኢሉ ኣተባቢዕዎም ኣሎ። (1 ጴጥ. 2:2) እቶም ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ነቲ ባህጊ እቲ ዜርውይዎን ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚትግብርዎን ሰባት፡ ንጹህ ሕልናን ዕላማ ህይወትን ኣለዎም። ብዘይካዚ፡ ምስቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዜፍቅርዎን ዜገልግልዎን ሰባት ስጡም ዕርክነት ይምስርቱ እዮም። እዚ ዅሉ ነጥብታት፡ ‘ብሕጊ ኣምላኽ ባህ ንኺብለና’ ዚድርኽ ብቑዕ ምኽንያታት እዩ። (ሮሜ 7:22) ኰይኑ ግና፡ ዝያዳ ጥቕምታት እውን ኣለዎ። እቲ ጥቕምታት እንታይ እዩ፧

3 ብዛዕባ የሆዋን ወዱን ብዝያዳ ብእተመሃርካ መጠን፡ ንዓታቶምን ንብጻይካን ዘላትካ ፍቕሪ እውን ክትዓቢ እያ። ቅኑዕ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንእዙዛት ደቂ ሰብ ካብዚ ዚመውት ዘሎ ስርዓት ብኸመይ ከም ዜድሕኖም ንኽትፈልጥ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እትረኽቦም ሰባት ክትነግሮም እትኽእል ብስራት ዝሓዘለ ጽቡቕ መልእኽቲ ኣሎካ ማለት እዩ። ነቲ ንቓል ኣምላኽ ብምንባብ እተመሃርካዮ ነገራት ንኻልኦት ሰባት ከተካፍሎም ከለኻ ድማ፡ የሆዋ ኺባርኸካ እዩ።

ኣንብብን ኣስተንትንን

4. ንመጽሓፍ ቅዱስ ‘እናኣስተንተንካ’ ምንባብ እንታይ ማለት እዩ፧

4 የሆዋ፡ ኣገልገልቱ ንቓሉ ተሃዊኾም ኬንብብዎ ኣይደልን እዩ።  ነቲ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ እያሱ፡ “መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ” በሎ። (እያ. 1:8፣ መዝ. 1:2) እዚ መምርሒ እዚ፡ ህድእ ኢልካ እናኣስተንተንካ ኸተንብብ ከም ዚግባእ እዩ ዚሕብር። ንመጽሓፍ ቅዱስ ‘እናኣስተንተንካ’ ምንባብ፡ ኣብቲ ብፍላይ ጠቓምን ዜተባብዕን ክፋል ንኸተተኵር ኪሕግዘካ እዩ። ነቲ ጠቓምን ዜተባብዕን ሓረጋት፡ ጥቕስታት፡ ወይ ጸብጻባት ከተንብብ ከለኻ፡ ህድእ በል፣ ምናልባት እውን ነቲ ቓላት ብትሑት ድምጺ ኸተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ እቲ እተንብቦ ዘለኻ ቕዱስ ጽሑፋዊ ነጥቢ፡ ንልብኻ ኺትንክፎ እዩ። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንምኽሪ ኣምላኽ ምርዳኡ፡ ንኽትትግብሮ ስለ ዜለዓዕል እዩ።

5-7. ንቓል ኣምላኽ እናኣስተንተንካ ምንባብ፡ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ከም ዚሕግዝ ዜርኢ ኣብነት ሃብ፦ (ሀ) ብስነ ምግባራዊ መዳይ ንጹህ ንምዃን፣ (ለ) ንኻልኦት ብትዕግስትን ብለውሃትን ንምሓዝ፣ (ሐ) ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት እውን ከይተረፈ ኣብ የሆዋ ንምውካል።

5 ነቲ እትፈልጦ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቦ ኸለኻ ምስትንታን ሓጋዚ እዩ። ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ዅነታት እስከ ንርአ። ብቐዳምነት፡ ትንቢት ሆሴእ የንብብ ብዛዕባ ዘሎ ሓደ መንእሰይ ክርስትያን ሓው ሕሰብ። ነተን ኣብ ምዕራፍ 4 ፍቕዲ 11 ኽሳብ 13 ዚርከባ ጥቕስታት ብምስትንታን ምስ ኣንበበን፡ ሓንሳእ ንባቡ ኣቋሪጹ ኺሓስበለን ይጅምር። (ሆሴእ 4:11-13 ኣንብብ።) ስለምንታይ፧ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘይስነ ምግባራዊ ነገር ኪገብር ዜጋጥሞ ጸቕጥታት ኪቃወሞ ይጽዕር ስለ ዝነበረ እዩ። ነታ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣስተንተነላ ድማ፡ ‘የሆዋ ነቲ ሰባት ተሓቢኦም ዚገብርዎ ነገራት እውን እንተ ዀነ ይርእዮ እዩ። ኣነ ኸኣ ንየሆዋ ኸጕህዮ ኣይደልን እየ’ ኢሉ ይሓስብ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ ሓው ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብስነ ምግባራዊ መዳይ ንጹህ ኪኸውን ይውስን።

6 እቲ ኻልኣይ ኵነታት ንሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ዚምልከት ኰይኑ፡ ኣብ ትንቢት ዮኤል እያ እተንብብ ዘላ፣ ሽዑ ኣብ ምዕራፍ 2 ፍቕዲ 13 ትበጽሕ። (ዮኤል 2:13 ኣንብብ።) ነታ ጥቕሲ ኸተስተንትነላ ኸላ ድማ፡ ነቲ “ንዅራ ደንጓዪ፡ ብሳህሊ ኸኣ ምሉእ” ዝዀነ የሆዋ ብኸመይ ክትመስሎ ኸም እትኽእል ትሓስብ። ነቲ ምስ ሰብኣያን ምስ ካልኦት ሰባት ክትዛረብ ከላ እትጥቀመሉ ሕጫጨን ሕርቃንን ዝመልኦ ቓላት ከተቋርጾ ድማ ትውስን።

7 እቲ ሳልሳይ ኵነታት ንሓደ ክርስትያን ኣቦ ዚምልከት ኰይኑ፡ ካብ ስራሑ ስለ ዝወጸ፡ ንሰበይቱን ንደቁን ብኸመይ ኬናብሮም ከም ዚኽእል ይጭነቕ። ኣብ ትንቢት ናሆም 1:7 ድማ፡ የሆዋ ‘ነቶም ኣብኡ እተማዕቈቡ ኸም ዚፈልጦምን’ “ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲ” ኸም ዝዀነን የንብብ። እዚ ሓሳብ እዚ ኸኣ የጸናንዖ። የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኸም ዚሓልየሉ ምስ ተገንዘበ፡ ኣመና ኺጭነቕ ከም ዘየድልዮ ይርዳእ። ድሕሪኡ፡ ንፍቕዲ 15 እናኣስተንተነ የንብባ። (ናሆም 1:15 ኣንብብ።) እቲ ኣቦ፡ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት እውን እንተ ዀነ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ፡ ንየሆዋ ኸም ዕርዱ ገይሩ ኸም ዚርእዮ የርኢ። ዓለማዊ ስራሕ ኪረክብ እኳ እንተ ጸዓረ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኣገልግሎት ወፍሪ እውን ኪካፈል ይድረኽ።

8. ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዝረኸብካዮ ኽቡር መንፈሳዊ ነገር ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ።

8 እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጠቓሚ ነጥብታት፡ ካብቲ መብዛሕትኦም ሰባት ንምርዳኡ ኸም ዜጸግም ገይሮም ዚርእይዎ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ እዩ። ንትንቢት ሆሴእን ንትንቢት ዮኤልን ንትንቢት ናሆምን፡ ካብአን ትምህርቲ ምእንቲ ኽትረክብ ኢልካ እንተ ኣንቢብካየን፡ ነቲ ኣባታተን ዚርከብ ካልእ ጥቕስታት እውን ብዝያዳ እናኣስተንተንካ ንኸተንብቦ ኽትድረኽ ኢኻ። ካብዘን መጻሕፍቲ እዚአን፡ ብዙሕ ጥበብን ምጽንናዕን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ዝተረፈ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ቃል ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ብዙሕ ኣልማዝ ዚርከቦ ቦታ መዐደኒ እዩ። ስለዚ፡ ኣልማዝ ንኽትረክብ ተጊህካ ጽዓር። እወ፡ ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቦ ኸለኻ፡ ምስ ክቡር ሃብቲ ዚመሳሰል መለኮታዊ መምርሕን ምጽንናዕን ንኽትረክብ ጽዓር።

ክትርድኦ ጽዓር

9. ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ዘሎና ምርዳእ ክንውስኽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 በብመዓልቱ እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ እተንብቦ እውን ክትርድኦ ኣሎካ። ስለዚ፡ ነቲ ውድብ የሆዋ ዜውጽኦ  ጽሑፋት፡ ብዛዕባ ሰባትን ቦታታትን ፍጻመታትን ምርምር ንምግባር ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ። ብዘይካዚ፡ ገሊኡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ንህይወትካ ኸም ዚጸልዎ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ንሓደ ሽማግለ ጉባኤ ወይ ከኣ ንኻልእ ብሱል ክርስትያን ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ምርዳእና ኸነስፍሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምሳሌ ንምርኣይ፡ ንሓደ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ክርስትያን እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ስሙ ኣጵሎስ ይብሃል።

10, 11. (ሀ) ኣጵሎስ፡ ከም ኣገልጋሊ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ንኼመሓይሽ እተሓገዘ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ካብቲ ብዛዕባ ኣጵሎስ ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (ነታ፡ “እቲ እትምህሮ ትምህርቲ እዋናዊ ድዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

10 ኣጵሎስ ‘ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ዚፈልጥን’ “ብመንፈስ ተቓጺሉ” ዝነበረን ኣይሁዳዊ ክርስትያን እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ብዛዕባኡ ኽትገልጽ ከላ፡ “ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ ዚፈልጥ ክነሱ፡ . . . ብዛዕባ የሱስ ብልክዕ ይዛረብን ይምህርን ነበረ” ትብል። ኣጵሎስ ከይፈለጠ፡ ብዛዕባ ጥምቀት ዚገልጽ ግዜኡ ዝሓለፎ ትምህርቲ እዩ ዚምህር ነይሩ። እቶም ጵርስኪላን ኣኪላስን ዝስሞም ክርስትያን ሰብ ሓዳር፡ ንኣጵሎስ ኣብ ኤፌሶን ኪምህር ከሎ ምስ ሰምዕዎ፡ “መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ገለጹሉ።” (ግብ. 18:24-26) እዚ ንኣጵሎስ ዝጠቐሞ ብኸመይ እዩ፧

11 ኣጵሎስ ኣብ ኤፌሶን ምስ ሰበኸ፡ ናብ ኣካይያ ኸደ። “ኣብኣ ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ነቶም ብጸጋ ኣምላኽ ዝኣመኑ ብዙሕ ረድኦም፣ ከመይሲ፡ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብቕዱሳት ጽሑፋት እናኣርኣየ፡ ንኣይሁድ ብግህዶ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ።” (ግብ. 18:27, 28) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣጵሎስ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ጥምቀት ብቕኑዕ መገዲ ኺገልጽ ይኽእል ነበረ። ምርዳኡ ስለ ዝወሰኸ ድማ፡ ንሓደስቲ ሰባት ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዕቤት ንኺገብሩ “ብዙሕ ረድኦም።” ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ንሕና እውን ልክዕ ከም ኣጵሎስ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ ነገራት ክንርድኦ ንጽዕር ኢና። ይኹን እምበር፡ ተመክሮ ዘለዎ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ብኸመይ ብውጽኢታዊ መገዲ ኽንምህር ከም እንኽእል ምስ ዚነግረና፡ ነቲ ሓገዝ  ብትሕትናን ብሞሳን ክንቅበሎ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ እቲ እነቕርቦ ቕዱስ ኣገልግሎት ኪመሓየሽ እዩ።

ነቲ እተመሃርካዮ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ተጠቐመሉ

12, 13. ንቕዱሳት ጽሑፋት ብሜላ ምጥቃም፡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ንኺገብሩ ኺሕግዞም ዚኽእል ብኸመይ ምዃኑ ኣብነት ሃብ።

12 ልክዕ ከም ጵርስኪላን ኣኪላስን ኣጵሎስን፡ ንኻልኦት በረኸት ክንኰኖም ንኽእል ኢና። ንሓደ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ፡ ነቲ ንመንፈሳዊ ዕቤቱ ዚዓግቶ ዘሎ ዕንቅፋት ብኸመይ ከም ዚሰግሮ ብምንጋር እንተ ተተባብዖ እሞ፡ ብእኡ እንተ ዚሕገዝ እንታይ ምተሰምዓካ፧ ወይ ከኣ ሽማግለ ኢኻ ንበል፣ ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይካ ናባኻ መጺኡ፡ እቲ ዝሃብካዮ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ከም ዝሓገዞ ብምንጋር እንተ ዜመስግነካ ኸመይ ምተሰምዓካ፧ ስለዚ እምበኣር፡ ብቓል ኣምላኽ ተጠቒምና፡ ካልኦት ሰባት ህይወቶም ንኼመሓይሹ ምሕጋዝና፡ ዕግበትን ሓጐስን እዩ ዜምጽኣልና። * ብኸመይ ከምኡ ኽትገብር ከም እትኽእል እስከ ንርአ።

13 ብዙሓት ብግዜ ኤልያስ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ነቲ ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ኣምልኾ ብዚምልከት ናብ ክልቲኡ ወገን ይሕንክሱ ነበሩ። እቲ ኤልያስ ነቶም ህዝቢ ዝሃቦም ምኽሪ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ካብ ምግባር ድሕር ምሕር ንዚብል ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። (1 ነገስት 18:21 ኣንብብ።) ካልእ ኵነታት እውን እስከ ንርአ፦ ሓደ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ፡ እቲ ፈተውቱ ወይ ስድራ ቤቱ ኺህብዎ ዚኽእሉ ምላሽ እንተ ኣፍሪህዎ፡ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 51:12, 13 ዘሎ ሓሳብ ብምግላጽ ንየሆዋ ንኼምልኽ ከተተባብዖ ትኽእል ኢኻ።—ኣንብብ።

14. ንኻልኦት ክትሕግዞም ኣብ እትደልየሉ እዋን ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትዝክሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

14 ብንጹር እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኬተባብዕ፡ ኪእርም፡ ወይ ከኣ ኬደልድል ዚኽእል ቃላት ዝሓዘ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ‘ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኬድልየኒ ኸሎ ኽዝክሮ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። በብመዓልቱ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቦን ኣስተንትነሉን። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ መለኮታዊ መግለጺታት ከተዋህልል ኢኻ፣ መንፈስ የሆዋ ኸኣ ኣብቲ ዜድሊ እዋን ንኽትዝክሮ ኺሕግዘካ እዩ።—ማር. 13:11፣ ዮሃንስ 14:26 ኣንብብ። *

15. ንቓል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ንኽትርድኦ ኺሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

15 ልክዕ ከም ንጉስ ሰሎሞን፡ ንቲኦክራስያዊ ሓላፍነታትካ ኽትፍጽም ከለኻ ጥበብ ምእንቲ ኺህበካ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ። (2 ዜና 1:7-10) ልክዕ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ፍቓዱን ዚገልጽ ቅኑዕ ፍልጠት ምእንቲ ኽትረክብ፡ ‘ኣጸቢቕካ ድለን መርምርን።’ (1 ጴጥ. 1:10-12) ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ‘ቃል እምነትን ትምህርትን’ ኪምገብ ኣተባቢዕዎ ነበረ። (1 ጢሞ. 4:6) ንስኻ እውን ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንኻልኦት ሰባት ብመንፈስ ንኽትሕግዞም ብቑዕ ክትከውን ኢኻ። እምነትካ ድማ ክትድልድል እያ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ዜተኣማምን ዕቝባ

16. (ሀ) ሰብ ቤርያ ‘ንቕዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማሮም’ ዝጠቐሞም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሎሚ በብመዓልቱ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 እቶም ኣብታ ኣብ መቄዶንያ ዝነበረት ከተማ ቤርያ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ‘ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ናይ ምምርማር’ ልምዲ ነበሮም። ጳውሎስ ነዞም ኣይሁድ እዚኦም ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሰበኸሎም፡ ንቓላቱ ምስቲ ዝነበሮም ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣረኣኣይዎ። ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ ብዙሓት ካባታቶም፡ እቲ ትምህርቲ ሓቂ ምዃኑ “ኣመኑ።” (ግብ. 17:10-12) እዚ ጸብጻብ እዚ፡ በብመዓልቱ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ፡ ነታ ኣብ የሆዋ ዘላትካ እምነት ከም ዜደልድላ ዜርኢ እዩ። ከምዚኣ ዓይነት እምነት፡  “ናይቲ ተስፋ ዚግበሮ ርግጽ ትጽቢት፡ ናይቲ ዘይርአ ነገር መርትዖ እያ፣” ናብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ንምእታው ከኣ ኣገዳሲት እያ።—እብ. 11:1

17, 18. (ሀ) ድልድልቲ እምነትን ፍቕርን ንምሳልያዊ ልቢ ሓደ ክርስትያን ዚከላኸላሉ ብኸመይ እየን፧ (ለ) ተስፋ ኻብ ሓደጋ እተዕቍበና ብኸመይ እያ፧

17 ጳውሎስ፡ “ንሕና ግና ናይ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን ለቢስና፡ ተስፋ ድሕነት እውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና ንጠንቀቕ” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (1 ተሰ. 5:8) ልቢ ሓደ ዓቀይታይ፡ ካብ ጸላኢ ዚከላኸለሉ ነገር የድልዮ እዩ። ምሳልያዊ ልቢ ክርስትያናት እውን ብተመሳሳሊ፡ ካብ ሓጢኣት ዜዕቊቦ ነገር የድልዮ እዩ። ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ፡ ብዛዕባ መብጽዓታት የሆዋ ድልድልቲ እምነት እንተ ኣልያቶ፡ ንየሆዋን ንብጾቱን ድማ ዜፍቅር እንተ ዀይኑ፡ ዝበለጸ መንፈሳዊ ድርዒ ኣለዎ ማለት እዩ። ሞገስ ኣምላኽ ዜስእኖ ነገራት ድማ ኣይገብርን እዩ።

18 ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ “ተስፋ ድሕነት” ዝዀነ ቍራዕ ርእሲ እውን ገሊጹ ነይሩ እዩ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሓደ ዓቀይታይ፡ ንርእሱ ዘይከላኸለሉ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ኲናት ብቐሊሉ ኺመውት ይኽእል ነበረ። ጽቡቕ ቍራዕ ርእሲ እንተ ኣልይዎ ግና፡ ርእሱ እኳ እንተ ተሃርመ፡ ከቢድ ጕድኣት ኣይወርዶን እዩ። ንሕና እውን ንቓል ኣምላኽ ብምጽናዕ፡ በቲ የሆዋ ንዓና ንምድሓን ዘለዎ ዓቕሚ ተስፋ ንገብር ኢና። ነቕ ዘይትብል ተስፋ ድማ፡ ካብ ከሓድትን ካብቲ ኸም ጋንግሪን ዝዀነ “ሃተውተው” ዝመልኦ ዘረባኦምን ንኽንርሕቕ ትሕግዘና እያ። (2 ጢሞ. 2:16-19) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ዚዅንኖ ነገራት ክንገብር ንዚደፋፍኡና ሰባት ንኽንቃወሞም ዜኽእለና ብርታዐ ትህበና እያ።

ንድሕነት ኣገዳሲ

19, 20. ንቓል ኣምላኽ ኣኽቢርና እንርእዮ ስለምንታይ ኢና፧ ሞሳና እነርኢኸ ብኸመይ ኢና፧ (ነታ፡ ‘የሆዋ፡ ዜድልየኒ ይህበኒ እዩ’ ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

19 ናብ ግዜ መወዳእታ እናቐረብና ብዝኸድና መጠን፡ ብዝያዳ ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንውከል ኣሎና። እቲ ኻብኡ እንረኽቦ ምኽሪ፡ ሕማቕ ልምድታትና ንኸነወግድን ንሓጥእ ዝንባለና ንኽንቈጻጸሮን ይሕግዘና እዩ። እቲ ኣብኡ ዚርከብ ምትብባዕን ምጽንናዕን ድማ፡ ነቲ ሰይጣንን እዛ ዚቈጻጸራ ዓለምን ዜምጽኡልና ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና እዩ። ነቲ የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ዚህበና መምርሒ ንስዕቦ እንተ ዄንና፡ ካብቲ ናብ ህይወት ዚመርሕ መገዲ ኣይክንወጽእን ኢና።

20 ፍቓድ ኣምላኽ፡ “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕን” ምዃኑ ኣይትረስዕ። ኣገልገልቲ የሆዋ ኸኣ፡ ምስቶም “ኵሉ ዓይነት ሰብ” ተባሂሎም ዘለዉ እዮም ዚቝጸሩ። ነቶም ኣብ ናይ ስብከትን ናይ ምምሃርን ዕዮ እንረኽቦም ሰባት እውን ዜጠቓልል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኵሎም ኪድሕኑ ዚደልዩ ሰባት፡ “ልክዕ ፍልጠት ሓቂ” ኺህልዎም ኣለዎ። (1 ጢሞ. 2:4) ስለዚ፡ ካብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ምድሓን ከምኡውን ንመጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ነቲ ኣብኡ ዚርከብ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መምርሒታት ምትግባርን፡ ልክዕ ከም ኢድን ጓንትን እዩ። እወ፡ በብመዓልቱ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብና፡ ነቲ ኽቡር ዝዀነ ናይ የሆዋ ቓል ሓቂ ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ዚሕብር እዩ።—ዮሃ. 17:17

^ စာပိုဒ်၊ 12 ሓቂ እዩ፡ ብምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ንኻልኦት ጽልዋ ኽንገብረሎም ወይ ክንኵንኖም ኣይግብኣናን እዩ። ምስቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ ሰብ ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ልክዕ ከም የሆዋ፡ ዕጉሳትን ለዋሃትን ክንከውን ኣሎና።—መዝ. 103:8

^ စာပိုဒ်၊ 14 ነቲ ኣብ ሓንቲ ጥቕሲ ዚርከብ ቀንዲ ቓላት ትዝክሮ ትኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ መጽሓፍን ምዕራፍን ፍቕድን እንተ ዘይዘከርካዮኸ፧ ነቲ ቓላት ኣብቲ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሐበሪ፡ ኣብ ዎችታወር ላይብረሪ፡ ወይ ከኣ ኣብቲ ብተርታ ቓላት ጥቕስታት ዚሕብር ኮንኮርዳንስ ዚብሃል መወከሲ ናይ ትርጕም ሓዳስ ዓለም (እንግሊዝኛ) እንተ ኣናዲኻዮ፡ ነታ ጥቕሲ ትረኽባ ትኸውን።