ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) መጋቢት 2013

ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ፡ ‘ዜዐንቅፎም የልቦን’

ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ፡ ‘ዜዐንቅፎም የልቦን’

“እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም አለዎም፡ ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን።”መዝ. 119:165

1. ሓንቲ ጐያዪት ዝነበራ ኣረኣእያ፡ ተስፋ ብዛዕባ ዘይምቝራጽ ጽቡቕ ኣብነት ኪዀነና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ሜሪ ደከር ገና ኻብ ንእስነታ ኣትሒዛ፡ ኣብ ዓለም ውርይቲ ጐያዪት እያ ነይራ። ኣብቲ ብ1984 እትገብረ ናይ 3,000 ሜተር ውድድር ጕያ ኦሎምፒክ፡ መዳልያ ወርቂ ኽትሽለም ቍሩብ ተሪፍዋ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ጕያ ኽትዛዝሞ ኣይከኣለትን። ምስ ካልእ ጐያዪት ስለ እተጋጨወት፡ ወደቐት። ጕድኣት ስለ ዘጋጠማ እናበኸየት ድማ ካብቲ ውድድር ወጸት። ኰይኑ ግና፡ ተስፋ ኣይቈረጸትን። ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ እንደገና ተወዳደረት፣ ኣብቲ ብ1985 እተገብረ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ከኣ፡ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝገበት።

2. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ቅድድም ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧ ኣብ ምንታይከ ኢና ኸነተኵር ዘሎና፧

2 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ኣብ ምሳልያዊ ቕድድም ጕያ ኢና ዘለና። ንኽንስዕር ከኣ ኢና ኽንጐዪ ዘሎና። እቲ ዘለናሉ ቕድድም፡ ልክዕ ከምቲ ቕልጣፈ ዜድልዮ ናይ ሓጺር ርሕቀት ጕያ ኣይኰነን። ዘብዘብ እናበልካን ብተደጋጋሚ እናዕረፍካን ዚግበር እውን ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስቲ ተጻዋርነት ዚሓትት ማራቶን ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ምስ ጐያዪ ዚመሳሰል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ብምጥቃም፡ ነቶም ኣብታ ብኣትለቲካዊ ውድድር ፍልጥቲ ዝነበረት ከተማ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ደብዳበ ጸሓፈሎም። “ኣብ ቅድድም፡ ኵሎም ጐየይቲ ኸም ዚጐይዩ፡ ነታ ሽልማት ግና ሓደ ጥራይ ከም ዚወስዳዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም እውን ምእንቲ ኽትዕወቱ፡ ከምኡ ጕየዩ” ድማ በሎም።—1 ቈረ. 9:24

3. ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዚግበር ቅድድም፡ ኵሎም ጐየይቲ ዚዕወቱ ብኸመይ እዮም፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ምሳልያዊ ቕድድም ክንጐዪ ይመኽረና እዩ። (1 ቈረንቶስ 9:25-27 ኣንብብ።) ከም ሽልማት ድማ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ሰማይ፡ እቶም ዝተረፉ ኻልኦት ከኣ ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም። እቲ ቕድድም  ከም መብዛሕትኡ ኣትለቲካዊ ውድድር ስለ ዘይኰነ፡ ኵሎም እቶም ናብቲ ቕድድም ዚኣትዉን ክሳዕ መወዳእታ ዚጸንዑን ሰባት ይሽለሙ እዮም። (ማቴ. 24:13) ተወዳደርቲ ንሕጊ ስዒቦም እንተ ዘይጐይዮም ወይ ከኣ ጕያኦም እንተ ዘይዛዚሞም ጥራይ እዮም ዘይሽለሙ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜውህብ ቅድድም፡ እዚ ጥራይ እዩ።

4. ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ እንገብሮ ጕያ ኣጸጋሚ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

4 ነቲ ጕያ ምዝዛም ቀሊል ኣይኰነን። ርእሰ ግትኣትን ርጉጽ ዕላማን ኪህልወካ ኣለዎ። ዋላ ሓንቲ ኸይተዓንቀፈ ጕያኡ ኺዛዝም ዝኸኣለ፡ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ከም ዝጸሓፎ ግና፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ‘ብዙሕ ሳዕ ይስሕቱ እዮም።’ (ያእ. 3:2) ሓቁ ኸኣ እዩ። ኵላትና ብናይ ገዛእ ርእስናን ብናይ ካልኦትን ዘይፍጽምና ንጽሎ ኢና። ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ኽንዕንቀፍን ሰንከልከል ክንብልን ንኽእል ኢና፣ ብሰንኩ ኸኣ ናህርና ኺንኪ ይኽእል እዩ። ሕሉፍ ሓሊፍና እውን ክንወድቕ ንኽእል ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ ተንሲእና ጕያና ንቕጽል ኢና። ኣወዳድቓ ገሊኦም ሰባት ሕማቕ ስለ ዝዀነ፡ ምእንቲ ኺትንስኡን ጕያኦም ምእንቲ ኺዛዝሙን፡ ሓገዝ የድልዮም እዩ። ስለዚ፡ ሓሓሊፍና ወይ እውን ብተደጋጋሚ ኽንዕንቀፍ ወይ ክንወድቕ ንኽእል ኢና።—1 ነገ. 8:46

እንተ ተዓንቂፍካ፡ ነቲ ዚውሃበካ ሓገዝ ተቐቢልካ ተንስእ

ዋላ እኳ እንተ ተዓንቀፍካ፡ ጕያኻ ኣይተቋርጽ

5, 6. (ሀ) ንሓደ ክርስትያን ‘ዜዐንቅፎ’ ነገር ዘየልቦ ብኸመይ እዩ፧ ‘ንኺትንስእ’ ዚሕግዞኸ እንታይ እዩ፧ (ለ) ገሊኦም ሰባት ምስ ተዓንቀፉ ዘይትንስኡ ስለምንታይ እዮም፧

5 ምናልባት ነተን “ምዕንቃፍ”ን “ምውዳቕ”ን ዚብላ ቓላት፡ ንመንፈሳዊ ዅነታት ንምግላጽ ከም ተወራራሲ ቓላት ጌርካ ትጥቀመለን ትኸውን። እዘን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ቓላት ግና፡ ወትሩ ሕደ ትርጕም ኣይኰነን ዘለወን። ንኣብነት፡ ምሳሌ 24:16 (NW)፡ “ጻድቕ ሸውዓተ ሳዕ እኳ እንተ ወደቐ፡ ብርግጽ ይትንስእ፣ ረሲኣን ግና ብመከራ ይዕንቀፉ” ትብል።

6 የሆዋ ነቶም ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ዚውከሉ ሰባት፡ ኪትንስኡ ኸም ዘይክእሉ ዀይኖም ኺዕንቀፉ ወይ ኪወድቁ፡ ማለት ኣብ ኣምልኾኦም፡ ኪሰግርዎ ዘይክእሉ ጸበባ ወይ ዕንቅፋት ኬጋጥሞም ኣይፈቅድን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምእንቲ ‘ኽንትንስእን’ ዚከኣለና ንዕኡ ምእንቲ ኽንህቦን ከም ዚሕግዘና ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እዝስ ነቶም ንየሆዋ ኻብ ልቦም ዜፍቅርዎ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜጸናንዖም!  ረሲኣን ንኺትንስኡ ባህጊ እውን የብሎምን። ካብ መንፈስ ኣምላኽን ካብ ህዝቢ ኣምላኽን ሓገዝ ኣይደልዩን እዮም፣ ነቲ ዚግበረሎም ሓገዝ እውን ኣይቅበልዎን እዮም። ብኣንጻሩ ግና፡ ነቶም ‘ንሕጊ የሆዋ ዜፍቅርዎ’ ሰባት፡ ካብቲ ንህይወት ዚገብርዎ ቕድድም ኬውጽኦም ዚኽእል መዐንቀፊ የልቦን።መዝሙር 119:165 ኣንብብ።

7, 8. ሓደ ክርስትያን፡ ዋላ እኳ እንተ ‘ወደቐ፡’ ሞገስ ኣምላኽ ኪረክብ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

7 ገሊኦም ክርስትያናት ብምኽንያት ድኽመት፡ ብተደጋጋሚ ቐሊል ሓጢኣት ፈጺሞም እዮም። ኰይኑ ግና፡ እንተ ‘ተንሲኦም፡’ ማለት ካብ ልቦም እንተ ተነሲሖምን እንደገና ተኣማንነቶም ሓልዮም ኪመላለሱ እንተ ጀሚሮምን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸም ጻድቃን ኪቝጸሩ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኣብቲ ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሓዘሉ መገዲ ተራእዩ እዩ። (ኢሳ. 41:9, 10) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ምሳሌ 24:16፡ ኣብ ኣሉታዊ መዳይ፡ ማለት ኣብ ‘ምውዳቕ’ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣወንታዊ መዳይ፡ ማለት ብሓገዝ እቲ መሓሪ ኣምላኽና ኣብ ‘ምትንሳእ’ እያ እተተኵር። (ኢሳይያስ 55:7 ኣንብብ።) የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ብኣና ስለ ዚተኣማመኑ፡ ‘ንኽንትንስእ’ ብለውሃት የተባብዑና እዮም።—መዝ. 86:5፣ ዮሃ. 5:19

8 ኣብ ማራቶን ዚጐዪ ጐያዪ፡ ዋላ እኳ እንተ ተዓንቀፈ ወይ እንተ ወደቐ፡ ቀልጢፉ ብምትንሳእ ጕያኡ እንተ ቐጺሉ፡ ነቲ ቕድድም ኪዛዝሞ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ንናይ ዘለኣለም ህይወት እንገብሮ ቕድድም፡ ነቲ መወዳእታ ዚመጸሉ ‘መዓልትን ሰዓትን’ ኣይንፈልጦን ኢና። (ማቴ. 24:36) ኰይኑ ግና፡ ብዙሕ እንተ ዘይተዓንቂፍና፡ ዘይለዋወጥ ስጕሚ ኺህልወናን ኣብቲ ቕድድም ከየቋረጽና ኽንጐዪን ብዓወት ክንዛዝምን ንኽእል ኢና። ንኸይንዕንቀፍ ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ንግስጋሰና ኺዓግቶ ዚኽእል መዐንቀፊታት

9. እንታይ ነገራት እዩ ኼዐንቅፈና ዚኽእል፧

9 ቀጺልና እስከ ኼዐንቅፈና ዚኽእል ሓሙሽተ ነገራት ንርአ፣ ንሱ ኸኣ፡ ብሕታዊ ድኽመት፡ ትምኒት ስጋ፡ ኣብ ጉባኤ ግጉይ ኣተሓሕዛ ዘሎ ዀይኑ ምስ ዚስምዓና፡ ጸበባ ወይ መስጐጕቲ፡ ከምኡውን ዘይፍጽምና ኻልኦት ክርስትያናት እዩ። ይኹን እምበር፡ ዋላ እኳ እንተ ተዓንቀፍና፡ የሆዋ ኸም ዚዕገሰና ኽንርስዕ የብልናን። ብሃወኽ ከም ዘይእሙናት ገይሩ ኣይቈጽረናን እዩ።

10, 11. ዳዊት ምስ ኣየናይ ብሕታዊ ድኽመት እዩ ተቓሊሱ፧

10 ብሕታዊ ድኽመት ምስቲ ኣብ ቦታ ቕድድም ፈቐዶኡ እተደርበየ ኣእማን ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ ህይወት ንጉስ ዳዊትን ሃዋርያ ጴጥሮስን ዘጋጠመ ነገራት ምስ እንምርምሮ፡ ክልተ ድኽመት ክንርኢ ንኽእል ኢና፣ ንሱ ኸኣ ርእስኻ ዘይምግታእን ፍርሂ ሰብን እዩ።

11 ንጉስ ዳዊት ኣብቲ ምስ ባትሴባ ብዚተሓሓዝ ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ርእሰ ግትኣት ኣየርኣየን። ናባል ምስ ጸረፎ እውን፡ ብሃወኽ ስጕምቲ ኺወስድ ሓሲቡ ነበረ። ርእሰ ግትኣት እኳ እንተ ዘየርኣየ፡ ንየሆዋ ኼሐጕሶ ግና ይጽዕር ነይሩ እዩ። ሳላ እቲ ኻልኦት ዝገበሩሉ ሓገዝ፡ መንፈሳዊ ሚዛኑ ኺሕሉ ኸኣለ።—1 ሳሙ. 25:5-13, 32, 33፣ 2 ሳሙ. 12:1-13

12. ጴጥሮስ ተዓንቂፉ እኳ እንተ ነበረ፡ ጕያኡ ዝቐጸለ ብኸመይ እዩ፧

12 ጴጥሮስ ብሰንኪ ፍርሂ ሰብ እተዓንቀፈሉ ኣጋጣሚታት ነይሩ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንየሱስን ንየሆዋን እሙን ነበረ። ንኣብነት፡ ንጐይታኡ፡ ሓንሳእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ሰብ ከሓዶ። (ሉቃ. 22:54-62) ጸኒሑ ድማ፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ዝመጹ ኣመንቲ ኻብቶም ክርስትያናት ዝዀኑ እተገዝሩ ኣይሁድ ከም ዚትሕቱ ገይሩ ስለ ዝረኣዮም፡ ዘይክርስትያናዊ ባህርይ ኣንጸባረቐ። ሃዋርያ ጳውሎስ ግና፡ ደርባዊ ኣፈላላይ ወይ ኣድልዎ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ቦታ ኸም ዘይብሉ ብንጹር ተረዲኡ ነበረ። ኣረኣእያ ጴጥሮስ ግጉይ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣካይዳ ጴጥሮስ ነቲ ክርስትያናዊ ሕውነት ቅድሚ ምብካሉ፡ ጳውሎስ ስጕምቲ ወሰደ፣ ንጴጥሮስ ድማ ብግህዶ ገጽ ንገጽ መኸሮ። (ገላ. 2:11-14) እሞኸ ጴጥሮስ ብትዕቢት ተወጢሩ ነቲ ንህይወት ዚገብሮ ቕድድም ኣቋሪጽዎዶ፧ ኣይፋሉን። ንምኽሪ ጳውሎስ ኣርዚኑ ብምርኣይ ኣብ ግብሪ ኣውዓሎ፣ ጕያኡ ኸኣ ቀጸለ።

13. ብሕታዊ ድኽመት ኬዐንቅፈና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

13 ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ዘሎና ብሕታዊ ድኽመት ምስ ጥዕና ዚተሓሓዝ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኬዐንቅፈና ድማ ይኽእል እዩ። ንመንፈሳዊ ናህርና  ኺንክዮ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ሰንከልከል ኢልና ኸም እንዳኸም ኪገብረና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ጃፓናዊት ሓብትና፡ ካብ እትጥመቕ 17 ዓመት ጸኒሑ ጸገማት ጥዕና ኣጋጠማ። ጕዳይ ጥዕናኣ ንኣቓልቦኣ ስለ ዝሰረቖ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ደኸመት። ጸኒሓ ድማ ዘይንጥፍቲ ዀነት። ክልተ ሽማግለታት ናብኣ ኸይዶም ለውሃት ብዝመልኦ ቓላት ምስ ኣተባብዕዋ፡ እንደገና ኣብ ኣኼባታት ክትእከብ ጀመረት። ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “እቶም ኣሕዋት ሓንጐፋይ ኢሎም ስለ እተቐበሉኒ፡ ነቢዐ እየ” በለት። እዛ ሓብትና ሕጂ ጕያኣ ትቕጽል ኣላ።

14, 15. ግጉይ ባህግታት ኪመጸና ኸሎ፡ እንታይ ሓያል ስጕምቲ ኢና ኽንወስድ ዘሎና፧ ኣብነት ሃብ።

14 ብዙሓት ክርስትያናት፡ ብትምኒት ስጋ ተዓንቂፎም እዮም። ምስ ትምኒት ስጋ ዚተሓሓዝ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ፡ ብኣእምሮኣውን ብስነ ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ ንጹሃት ክንከውን ዜኽእለና ሓያል ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ከምቲ የሱስ ዝመኸረና፡ ንዝዀነ ይኹን ኬዐንቀፈና ዚኽእል ነገራት፡ እንተላይ ንዓይንና ወይ ንኢድና ብምሳልያዊ መገዲ ‘ጐጥጒጥና’ ወይ ‘ቈሪጽና’ ኽንድርብዮ ኣሎና። እቲ እንድርብዮ ነገራት፡ ነቲ ንገሊኣቶም ካብቲ ቕድድም ዘውጸኦም ርኹስ ሓሳብን ተግባርን ዜጠቓልል እዩ።ማቴዎስ 5:29, 30 ኣንብብ።

15 ሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝዀኑ ስድራ ቤት ዝዓበየ ሓው፡ ንነዊሕ እዋን ምስቲ ምስ ግብረ ሶዶም ዚተሓሓዝ ስምዒት ይቃለስ ነበረ። “ኵሉ ግዜ እሓፍርን ዘይብቑዕ ኰይኑ ይስምዓንን ነበረ” ድማ በለ። ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰነ፡ ስሩዕ ፈላምን ኣገልጋሊ ጉባኤን ኰነ። ድሕሪኡ ግና፡ ተዓንቀፈ፣ ቅዱስ ጽሑፋዊ ተግሳጽ ድማ ተዋህቦ፣ ሽማግለታት ከኣ ሓገዝዎ። ይኹን እምበር፡ ጸሎትን መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽን ንኻልኦት ምሕጋዝን፡ እንደገና ተንሲኡ መንፈሳዊ ጕያኡ ንኪቕጽል ሓገዞ። ዓመታት ጸኒሑ፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ስምዒታት ይደግሰኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ኬሰንፈኒ ኣይፈቕደሉን እየ። የሆዋ ልዕሊ ዓቕምና ኽንፍተን ከም ዘይሓድገና ተማሂረ እየ። ኣምላኽ፡ ነቲ ፈተና ኽዋጽኣሉ ኸም ዝኽእል ገይሩ ኸም ዚሓስብ እየ ዝኣምን” ብምባል ተኣመነ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ “ነቲ ብተጻዋርነት ዘሕለፍክዎ ቓልሲ፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ከም ዝባረኸሉ እፈልጥ እየ። ክባረኽ ከኣ እየ ዝደሊ። ክሳዕ ሽዑ ግና ክቃለስ እየ” በለ። እዚ ሓው እዚ፡ ኣብቲ ቕድድም ኪቕጽል ቈሪጹ እዩ።

16, 17. (ሀ) ንሓደ ዘይፍትሓዊ ነገራት ዘጋጠሞ ዀይኑ እተሰምዖ ሓው እንታይ ሓጊዝዎ፧ (ለ) ምእንቲ ኸይንዕንቀፍ፡ ኣብ ምንታይ ኢና ኸነተኵር ዘሎና፧

16 ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ዘይፍትሓዊ ዝዀነ ነገራት ምስ ዚገብሩ፡ ክንዕንቀፍ ንኽእል ኢና። ኣብ ፈረንሳ ዚነብር ቀደም ሽማግለ ዝነበረ ሓው፡ ዘይፍትሓዊ ነገራት ዘጋጠሞ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ፡ ተመረረ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ምስታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሮ ርክብ ብምቍራጽ ዘይንጡፍ ኰነ። ክልተ ሽማግለታት ድማ በጽሕዎ፣ ታሪኹ ኺነግሮም ከሎ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ ኸይኰለፉ ጽን ኢሎም ብድንጋጽ ሰምዕዎ። ጾሩ ናብ የሆዋ ኺድርቢ ኣተባብዕዎ፣ እቲ ቐንዲ ዜገድስ ንኣምላኽ ምሕጓስ ምዃኑ ድማ ኣጕልሑሉ። ነቲ እቶም ሽማግለታት ዝሃብዎ ምኽሪ ተቐበሎ፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ፡ እንደገና ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብንጥፈት ብምዕያይ ጕያኡ ቐጸለ።

17 ኵሎም ክርስትያናት ኣብ ዘይፍጹማት ሰባት ዘይኰነስ፡ ኣብቲ እተሸመ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኬተኵሩ ኣለዎም። እቲ ኣዒንቱ “ኸም ሃልሃልታ ሓዊ” ዝዀነ የሱስ፡ ንዅሉ ነገራት ብግቡእ ኣንፈት ስለ ዚዕዘቦ፡ ካባና ብዝሓሸ መገዲ ኺርኢ ይኽእል እዩ። (ራእ. 1:13-16) ንኣብነት፡ እቲ ንዓና ዘይፍትሓዊ ዀይኑ እተሰምዓና ነገራት፡ ብኻልእ ስለ ዝተርጐምናዮ ወይ ብጌጋ ስለ እተረዳእናዮ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይግንዘብ እዩ። ንጕዳያት ጉባኤና ብግቡእ መገድን ኣብ ግቡእ ግዜኡን ኪፈትሖ እዩ። ስለዚ፡ ክርስትያናት ብጾትና ብዝገበርዎ ነገራት ወይ ብዝወሰንዎ ውሳነታት ክንዕንቀፍ የብልናን።

18. ንፈተናታት ወይ ንዜጨንቕ ኵነታት ክንዋጽኣሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 ጸበባን መስጐጕትን ከምኡውን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ዘለዎም ዘይፍጽምና እውን ኬዐንቅፈና ይኽእል እዩ። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ዘራኢ ዝሃቦ ምሳሌ፡ ገሊኦም ውልቀ ሰባት በቲ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ዜጋጥሞም “ጸበባ ወይ  መስጐጕቲ” ኸም ዚዕንቀፉ ገሊጹ ነይሩ እዩ። እቲ መስጐጕቲ ኻብ ስድራ ቤት፡ ካብ ጐረባብቲ፡ ወይ ካብ ሰበ ስልጣን ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ‘ሱር ዘይሰደደ’ ሰብ፡ ማለት መንፈሳዊ ዕምቈት ዚጐድሎ ሰብ ብቐሊሉ ይጽሎ እዩ። (ማቴ. 13:21) ይኹን እምበር፡ ቅኑዕ ልቢ ሒዝና እንተ ቐጺልና፡ ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እምነትና ነቕ ዘይብልን ድልዱልን ሱር ንኺህልዋ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብዛዕባ ዚነኣድ ዘበለ ነገራት ብጸሎት ንኸነስተንትን ክንጽዕር ኣሎና። (ፊልጲ 4:6-9 ኣንብብ።) በቲ የሆዋ ዚህበና ብርታዐ፡ ንፈተናታት ክንዋጽኣሉ ኢና፣ ዜጨንቕ ኵነታት ንኼዐንቅፈና ኸኣ ኣይንፈቅድን ኢና።

ዝዀነ ይኹን ነገር ነቲ ቕድድም ካብ ምዝዛም ኪዓግተካ ኣይተፍቅድ

19. ሓደ ሰብ ምስ ዜጕህየና፡ ንኸይንዕንቀፍ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

19 እቲ ዜሕዝን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ገሊኦም ክርስትያናት በቲ ኻልኦት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ዘለዎም ዘይፍጽምና ተዓንቂፎም ካብቲ ቕድድም ወጺኦም እዮም። ብዛዕባ እቲ ንሕልና ዚግደፍ ጕዳያት እተፈልየ ኣረኣእያ ስለ ዘለዎም፡ ተዓንቂፎም እዮም። (1 ቈረ. 8:12, 13) ሓደ ሰብ እንተ ኣጕህዩና፡ ከም ዓብዪ ጕዳይ ጌርና ዲና እንርእዮ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከይንፈርድ፡ በደል ክንሓድግ፡ ኣብ ብሕታዊ መሰላትና ኸይነተኵር ይምሕጸነና እዩ። (ሉቃ. 6:37) ኬዐንቅፈካ ዚኽእል ነገራት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ‘ኣብ ናይ ውልቀይ ምርጫታት ተመርኲሰ ድየ ንሰባት ዝፈርድ፧ ኣሕዋተይ ዘይፍጹማት ምዃኖም እናፈለጥኩ፡ ዘይፍጽምናኦም ካብቲ ንህይወት ዝገብሮ ቕድድም ንኼውጽኣኒ እፈቅድ ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። ንየሆዋ ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ ካልእ ሰብ ዝገበረ ይግበር ብዘየገድስ፡ ጕያና ኸይንዛዝም ኪዓግተና ኽንፈቕደሉ የብልናን።

ብተጻዋርነት ጕየ፡ ከይትዕንቀፍ ድማ ተጠንቀቕ

20, 21. ኣብቲ ንህይወት ዚግበር ቅድድም እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

20 ‘ጕያኻ ኽትውድእ’ ቈሪጽካ ዲኻ፧ (2 ጢሞ. 4:7, 8) ከምኡ ንምግባር፡ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኣገዳሲ እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስን ንኻልእ ቲኦክራስያዊ ጽሑፋትን ተጠቒምና፡ ብዛዕባ ኼዐንቅፈና ዚኽእል ነገራት ምርምር ክንገብርን ከነስተንትንን ነቲ ኼዐንቅፈና ዚኽእል ነገራት ከነለልዮን ኣሎና። መንፈሳዊ ብርታዐ ምእንቲ ኺህልወካ፡ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ለምን። ሓደ ጐያዪ ኣብቲ ንህይወት ዚገብሮ ቕድድም ስለ እተዓንቀፈ ወይ ስለ ዝወደቐ፡ ጕያኡ ኼቋርጽ ከም ዘይግደድ ኣይትረስዕ። ተንሲኡ ጕያኡ ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኼዐንቅፎ ዚኽእል ዝነበረ ምሳልያዊ ኣእማን፡ ከም መሰጋገሪ ገይሩ ብምርኣይ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ እምነቱ ኺወርድ ዚኽእል ጸገማት ኪምሃር ይኽእል እዩ።

21 መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ንዘለኣለም ህይወት ዚግበር ቅድድም ብግብሪ እተሰነየ ኸም ዝዀነ ይገልጽ እዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣውቶቡስ ኮፍ ኢልካ እትገብሮ ጕዕዞ፡ ብዘይ ጻዕሪ ኣብ ዓወት ዚብጻሕ ኣይኰነን። ኣብቲ ንህይወት ዚግበር ቅድድም፡ ባዕልና ኽንጐዪ ኣሎና። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ እቲ ኻብ የሆዋ ዚመጽእ “ብዙሕ ሰላም” ልክዕ ከም ንፋስ ብድሕሬና ዀይኑ ኺደፍኣና እዩ። (መዝ. 119:165) የሆዋ ነቶም ጕያኦም ዚዛዝሙ ክርስትያናት፡ ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ኸም ዚባርኾም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ያእ. 1:12