ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) መጋቢት 2013

‘ንኣምላኽ ምስ ፈለጥካዮ፡’ ሕጂ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

‘ንኣምላኽ ምስ ፈለጥካዮ፡’ ሕጂ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

“ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ።”ገላ. 4:9

1. ሓደ መራሕ ነፋሪት፡ ቅድሚ በረራ ነቲ ዝርዝር መዘኻኸሪታት ተጠቒሙ ኣብታ ነፋሪት መርመራ ዚገብር ስለምንታይ እዩ፧

ኣዝየን ምዕቡላት ዝዀና ነፈርቲ ዜብርሩ መራሕቲ ነፈርቲ፡ ቅድሚ በረራ ኺርእይዎ ዘለዎም ልዕሊ 30 ዚኸውን ነገራት ዝሓዘ ዝርዝር መዘኻኸሪታት ኣለዎም። ኵሉ ግዜ ቐቅድሚ ምብራሮም ብጥንቃቐ ነቲ ዝርዝር መዘኻኸሪታት ብምስዓብ ኣብታ ነፋሪት መርመራ እንተ ዘይገይሮም፡ ኣመና ዜሕዝን ሓደጋ ኼጋጥሞም ይኽእል እዩ። ነቲ ዝርዝር መዘኻኸሪታት ወትሩ ኺስዕብዎ ዚንገሮም ብፍላይ ንኸመይ ዝበሉ መራሕቲ ነፈርቲ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ነቶም ኣዝዮም ምኩራት ዝዀኑ እዩ ዚንገሮም። ከመይሲ፡ እቶም ምኩራት መራሕቲ ነፈርቲ፡ ቅሱናት ኪዀኑን ነቲ ቕድሚ ምብራሮም ዚገብርዎ መርመራ ዕሽሽ ኪብልዎን ይኽእሉ እዮም።

2. ክርስትያናት እንታይ ዓይነት ዝርዝር መዘኻኸሪታት ኪጥቀሙ እዩ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ዘሎ፧

2 ንስኻ እውን ልክዕ ከም ሓደ ድሕንነት ዜተሓሳስቦ መራሕ ነፋሪት፡ እምነትካ ምእንቲ ኸይትደክም፡ ዝርዝር መዘኻኸሪታት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቀረባ እዋን እተጠመቕካ ኹን ንኣምላኽ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገልካ ብዘየገድስ፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎካ እምነትን ንዕኡ ዘሎካ ተወፋይነትን ክሳዕ ክንደይ ዓሚቚ ምዃኑ ወትሩ ምምርማርካ ኣገዳሲ እዩ። ኵሉ ሳዕን ብትግሃትን ከምኡ እንተ ዘይጌርካ፡ ኣብ መንፈሳዊ ሓደጋ ኽትወድቕ ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ።—1 ቈረ. 10:12

3. እቶም ኣብ ገላትያ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ኪገብሩ ነበሮም፧

3 ኣብ ገላትያ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ እምነቶም ክሳዕ ክንደይ ዓማቝ ምዃና ኺምርምሩን ንመንፈሳዊ ናጽነቶም ኬማስውሉን ነበሮም። የሱስ ብመስዋእቱ ኣቢሉ፡ ነቶም ብእኡ ዚኣምኑ ሰባት ንኣምላኽ ብዜደንቕ መገዲ ንኺፈልጥዎ፡ ማለት ደቂ ኣምላኽ ንኪዀኑ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም እዩ። (ገላ. 4:9) ይኹን እምበር፡ ሰብ ገላትያ ንኸምዚ ዝበለ እተባረኸ ርክብ ዓቂቦምዎ ኪቕጽሉ እንተ ደልዮም፡ ንትምህርቲ እቶም ሕጊ ሙሴ ጥራይ ኪስዓብ ከም ዘለዎ ገይሮም ዚሓስቡ ዝነበሩ ተሓለቕቲ ኣይሁድነት ኪነጽግዎ  ነበሮም። እቶም ኣብ ጉባኤታት ዝነበሩ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዀይኖም ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ኣይሁድ ኰኑ ኣህዛብ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ኣድልይዎም ነበረ። እዚ ኸኣ፡ ብሕጊ ሙሴ ኣቢልካ ጽድቂ ኸም ዘይርከብ ምእማን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ።

ንኣምላኽ ንምፍላጥ ዚውሰድ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ

4, 5. ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ እንታይ ምኽሪ እዩ ሂብዎም፧ እዚ ንዓና ዚምልከተናኸ ብኸመይ እዩ፧

4 እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ዝሃቦም ምኽሪ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከበሉ ምኽንያት፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዝበለጸ ሓቂ ዝባኖም ብምሃብ ናብ ድሕሪት ምእንቲ ኸይምለሱ እዩ። የሆዋ ንሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቶም ኣብ ጉባኤ ገላትያ ዝነበሩ ክርስትያናት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኵሎም ኣምለኽቲ የሆዋ ንኺጸንዑ ዜተባብዕ መልእኽቲ ምእንቲ ኺጽሕፍ ብመንፈሱ ደረኾ።

5 ኵላትና፡ ብኸመይ ካብ መንፈሳዊ ባርነት ወጺእና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀንና ኽንዝክር ጽቡቕ እዩ። ከምኡ ንምግባር ምእንቲ ኺሕግዘና፡ ነዚ ዚስዕብ ክልተ ሕቶታት እስከ ንመርምሮ፦ ነቲ ቕድሚ ምጥማቕካ ዝወሰድካዮ ስጕምቲ ትዝክሮዶ፧ ንኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝፈለጥካዮን ንሱ ንኣኻ ብኸመይ ከም ዝፈለጠካን፡ ሳላ እዚ ኸኣ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ናጽነት ብኸመይ ከም ዝረኸብካን ትዝክሮዶ፧

6. እንታይ ዝርዝር መዘኻኸሪ ኢና ኽንምርምር፧

6 ናብ ጥምቀት ዜብጽሓና ትሽዓተ ስጕምቲ ወሲድና ኢና። እዚ ስጕምቲ እዚ፡ ልክዕ ከም መንፈሳዊ ዝርዝር መዘኻኸሪ ዀይኑ ኣብቲ፡  “ናብ ጥምቀትን ናብ ቀጻሊ ዕቤትን ዚመርሕ ስጕምቲ” ዘርእስቱ ሳጹን ተገሊጹ ኣሎ። ወትሩ ነቲ ትሽዓተ ስጕምቲ ምዝካርና፡ ናብቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ነገራት ንኸይንምለስ ኬተባብዓና እዩ። ልክዕ ከምቶም ምኩራት ግናኸ ጥንቁቓት ዝዀኑ መራሕቲ ነፈርቲ ቕድሚ ምብራሮም ነቲ ዝርዝር መዘኻኸሪ ዚምርምርዎ፡ ንሕና እውን ነቲ መንፈሳዊ ዝርዝር መዘኻኸሪና ወትሩ ኽንምርምሮ ኣሎና።

እቶም ኣምላኽ ዚፈልጦም፡ ብመንፈስ ይዓብዩ

7. ነየናይ ቅርጺ ኢና ኽንስዕብ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

7 እቲ መራሕቲ ነፈርቲ ዚጥቀሙሉ ዝርዝር መዘኻኸሪ፡ ቅድሚ በረራ ኺገብርዎ ዘለዎም ነገራት ከም ዘሎ የዘኻኽሮም እዩ። ንሕና እውን ኣዘውቲርና ንገዛእ ርእስናን ነቲ ኻብ እንጥመቕ ንነጀው ዝጀመርናዮ ልምድን ክንምርምሮ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “እቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ቕርጺ እቲ ጥዑይ ቃል፡ በቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎካ ሓድነት ዚርከብ እምነትን ፍቕርን ሓዞ” ኢሉ ጸሓፈሉ። (2 ጢሞ. 1:13) እቲ “ጥዑይ ቃል፡” ኣብ ቃል ኣምላኽ እዩ ዚርከብ። (1 ጢሞ. 6:3) ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰኣሊ ዚስእሎ ንድፊ ብዛዕባ እቲ ስእሊ ብሓፈሻኡ ዚሕብር፡ ‘ቅርጺ ሓቂ’ እውን ነቲ የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ብቕዓት ንኽንርድኦን ንኽንስዕቦን ዚሕግዘና ሓፈሻዊ ሓሳባት ይህበና እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ክሳዕ ክንደይ ምስ ቅርጺ ሓቂ ጠቢቕና ንመላለስ ከም ዘለና ንምርኣይ፡ ነቲ ናብ ጥምቀት ዝመርሓና ስጕምቲ ንመርምሮ።

8, 9. (ሀ) ብፍልጠትን ብእምነትን እናዓበና ኽንከይድ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣገዳስነት መንፈሳዊ ዕቤትን ስለምንታይ ብቐጻሊ ኽንዓቢ ኸም ዘሎናን ብምሳሌ ኣረድእ።

8 ኣብቲ ዝርዝር መዘኻኸሪታት ብቐዳምነት ዚስራዕ፡ ኣገዳስነት ፍልጠት እዩ። ፍልጠት ድሕሪ ምጥራይና ድማ፡ እምነትና ኽትዓቢ ትኽእል። ኰይኑ ግና፡ ብፍልጠት ኰነ ብእምነት እናዓበና ኽንከይድ ኣሎና። (2 ተሰ. 1:3) ዕቤት ከኣ ብተኸታታሊ ዚግበር ለውጢ ዜጠቓልል እዩ። “ምዕባይ” ኪብሃል ከሎ፡ ምውሳኽን ምስፋሕን ማለት እዩ። ስለዚ፡ ድሕሪ ጥምቀት፡ ዕቤትና ምእንቲ ኸይድኽድኽ፡ መንፈሳውነትና ብቐጻሊ ኺዓቢ ኣለዎ።

ክርስትያናት ልክዕ ከም ኦም እናዓበዩ ኪኸዱ ኣለዎም

9 ንመንፈሳዊ ዕቤትና ምስ ዕቤት ኦም ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና። ሓደ ኦም ብፍላይ ኣዕሚቑ ሱር እንተ ሰዲዱ፡ ብዜደንቕ መገዲ ኺዓቢ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኡ ዓበይቲ ኣእዋም ሊባኖስ፡ ክንዲ 11 ደርቢ ዘለዎ ህንጻ እዩ ዚኸውን፣ ድልዱልን  ኣዐርዩ ንውሽጢ ዝኣተወን ሰራውር ኣለዎ፣ ዙርያ ጕንዱ ድማ 12 ሜተር እዩ። (መሃ. 5:15) ሓደ ኦም ኣብ ፈለማ ዚገብሮ ዕቤት ብንጹር ዚርአ እኳ እንተ ዀነ፡ ድሕሪኡ ዚገብሮ ዕቤት ግና ብቐሊሉ ኣይርአን እዩ። ይኹን እምበር፡ በብዓመቱ ጕንዱ ይሰፍሕን ሰራውሩ እናዓመቘ ይኸይድን እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ዝያዳ ድልዱል ኦም ይኸውን። ናይ ሓደ ክርስትያን መንፈሳዊ ዕቤት እውን ምስዚ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ኣብቲ ፈለማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጀመርናሉ እዋን፡ ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብርን ክንጥመቕን ንኽእል ኢና። ኣባላት ጉባኤና እውን ንዕቤትና ተሓጒሶም የስተብህሉሉ እዮም። ድሕሪኡ፡ ፈለምቲ ዄንና ነገልግል ወይ ካልእ ፍሉይ መሰል ንረክብ ንኸውን። ኣብቲ ስዒቡ ዘሎ ዓመታት እንገብሮ ቐጻሊ መንፈሳዊ ዕቤት፡ ካልኦት ብቐሊሉ ዜስተብህሉሉ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ብእምነትን ብፍልጠትን “ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ” ክንዓቢ ኣሎና። (ኤፌ. 4:13) ስለዚ፡ ዕቤትና ኻብቲ ኸም ንእሽቶ ጠጥዒ ዝነበርናሉ ጀሚሩ፡ ክሳዕ እቲ ልክዕ ከም ድልዱልን ጽኑዕን ኦም ብሱላት ዝዀንናሉ እዋን ይቕጽል እዩ።

10. ብሱላት ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓብዩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

10 ይኹን እምበር፡ ዕቤትና ደው ኪብል የብሉን። ፍልጠትና ኺሰፍሕ ኣለዎ፣ እምነትና ድማ እናዓመቘት ክትከይድ ኣለዋ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኣብቲ ኸም መሬት ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ሱር ስለ እንሰድድ፡ ምንቕ ኣይክንብልን ኢና። (ምሳ. 12:3) ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ከምኡ እዮም ገይሮም። ንኣብነት፡ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመት ሽማግለ ዀይኑ ዘገልገለ ሓደ ሓው፡ ሕጂ እውን ይዓቢ ኸም ዘሎ ዀይኑ እዩ ዚስምዖ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሎኒ ሞሳ ይዓቢ እዩ ዘሎ። ኵሉ ግዜ ድማ ንስርዓታትን ንሕግታትን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኸውዕለሉ ዝኽእል ሓድሽ ኣጋጣሚታት እረክብ እየ። ንኣገልግሎት ዘሎኒ ሞሳ እውን እንተ ዀነ እናዓበየ እዩ ዚኸይድ ዘሎ።”

ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ዕርክነት ኣደልድሎ

11. ንየሆዋ ብዝያዳ እናፈለጥናዮ ኽንከይድ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 ብመንፈሳዊ መዳይ ክንዓቢ እንተ ደሊና፡ ንየሆዋ ኸም ዓርክናን ከም ኣቦናን ጌርና ኽንቀርቦ ኣሎና። ስምረቱ ኽንረክብ ይደሊ እዩ። ከምቲ ሓደ ቘልዓ ኣብ ሕቝፊ ዚሓልየሉ ወላዲኡ ኪኸውን ከሎ ፍቕርን ድሕንነትን ዚስምዖ፡ ወይ ከኣ ከምቲ ምስ ሓደ ናይ ሓቅን እሙንን ብጻይና ኽንከውን ከለና ድሕንነት ዚስምዓና፡ የሆዋ ድማ፡ ከም ዜፍቅረናን ድሕንነትና ኸም ዚሕልወልናን ክንፈልጥ ይደሊ እዩ። ከም እትፈልጦ ግና፡ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ምምስራት ግዜ ይወስድ እዩ። ንኽንፈልጦን ንኸነፍቅሮን ግዜ የድልየና እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ጋህዲ ምእንቲ ኪዀነልና፡ ግዜ መዲብና በብመዓልቱ ንቓሉ ኸነንብቦ ኣሎና።  ብዘይካዚ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ኰነ ንኻልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ከነንብቦ ኣሎና።

12. ብየሆዋ ምእንቲ ኽንፍለጥ፡ እንታይ ኣገዳሲ ነገር ክንገብር ኣሎና፧

12 ኣዕሩኽ ኣምላኽ ብጸሎትን ምስ ካልኦት ብምሕባርን ብመንፈሳዊ መዳይ ይዓብዩ እዮም። (ሚልክያስ 3:16 ኣንብብ።) ‘ኣእዛን የሆዋ ናብ ምህልላኦም እየን።’ (1 ጴጥ. 3:12) የሆዋ ልክዕ ከም ፈቃር ወላዲ፡ ነቲ ንኺሕግዘና ኢልና ናብኡ እነቕርቦ ጸሎት ጽን ኢሉ ስለ ዚሰምዖ፡ ‘ብጸሎት ክንጸንዕ’ ኣሎና። (ሮሜ 12:12) ኣምላኽ እንተ ዘይሓጊዙና፡ ብሱላት ክርስትያናት ኴንና ኽንመላለስ ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ እዚ ስርዓት እዚ ዜውርዶ ጸቕጢ ብናይ ገዛእ ርእስና ዓቕሚ ኽንቃወሞን ክንዋጽኣሉን ድማ ኪኸብደና እዩ። ጸሎት ዘይነዘውትር እንተ ዄንና፡ ነቲ ኣምላኽ ብፍታው ኪህበና ዚኽእል ብርታዐ ኽንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና። እሞኸ ብትሕዝቶ ጸሎትካ ዕጉብ ዲኻ፡ ወይስ ምምሕያሽ ክትገብር ኣሎካ፧—ኤር. 16:19

13. ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ምሕባር ንመንፈሳዊ ዕቤትና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13 የሆዋ በቶም ‘ኣብኡ ዚምዕቈቡ’ ስለ ዚሕጐስ፡ ንኣምላኽ ድሕሪ ምፍላጥና እውን እንተ ዀነ፡ ኣዘውቲርና ምስቶም ንዕኡ ዚፈልጥዎ ኣባላት ጉባኤና ኽንሓብር ኣሎና። (ናሆ. 1:7) ኣብዛ ብተስፋ ምቝራጽ መሊኣ ዘላ ዓለም፡ ምስ ዜተባብዑና ኣሕዋትን ኣሓትን ምሕባርና ጥበባዊ እዩ። እዚ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን” ዜነቓቕሑና ውልቀ ሰባት ንረክብ ኢና። (እብ. 10:24, 25) ነታ ጳውሎስ ንእብራውያን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ዝጠቐሳ ፍቕሪብግብሪ ኸነንጸባርቓ እንተ ዄንና፡ ምስቶም ከማና ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣምለኽቲ ኣብ ጉባኤ ኽንሓብር ኣሎና። ስለዚ፡ ኣዘውቲርና ኣብ ኣኼባታት ክንእከብን ክንሳተፍን ኣሎና።

14. ምንሳሕን ምምላስን ቀጻሊ መስርሕ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

14 ኣብ ፈለማ ክርስትያናት ምእንቲ ኽንከውን፡ ክንንሳሕን ክንምለስን፡ ማለት ካብ ሓጢኣት ክንርሕቕ ነይሩና። ኰይኑ ግና፡ ንስሓ ቐጻሊ መስርሕ እዩ። ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ከም ምዃንና መጠን፡ ሓጢኣት ልክዕ ከምቲ ኣድብዩ ጸኒሑ ብሃንደበት ዜጥቅዕ እተጠቕለለ ተመን ኬጥቅዓና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 3:9, 10፣ 6:12-14) ስለዚ፡ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና፣ ንጌጋታትና እውን ሸለል ክንብሎ የብልናን። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ምስ ድኽመታትና ኽንቃለስን ለውጢ ኽንገብርን ከለና፡ የሆዋ ይዕገሰና እዩ። (ፊል. 2:12፣ 2 ጴጥ. 3:9) ንኣጠቓቕማ ግዜናን ንብረትናን ክንቈጻጸሮን ካብ ስስዐ ኽንርሕቕን ኣሎና። ሓንቲ ሓብቲ፡ “ኣብ ሓቂ እኳ እንተ ዓበኹ፡ ብዛዕባ የሆዋ ዝነበረኒ ኣረኣእያ ግና እተፈልየ እዩ ነይሩ። ኣመና እፈርሆ ስለ ዝነበርኩ፡ ከሐጕሶ ዘይክእል ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ” ኢላ ጸሓፈት። ድሕሪ ግዜ፡ እዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ብምኽንያት ሓያሎ ብሕታዊ ዕንቅፋታት፡ “ብመንፈሳዊ መዳይ ሰንፈለል” ትብል ነበረት። “ንየሆዋ ስለ ዘየፍቅሮ ዘይኰነስ፡ ኣጸቢቐ ስለ ዘይፈልጦ እየ። ንነዊሕ እዋን ብዕቱብ ምስ ጸለኹ ግና፡ ለውጢ ኽገብር ጀመርኩ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “የሆዋ ልክዕ ከም ሓደ ቘልዓ ብኢደይ ሒዙ ነቲ ዜጋጥመኒ ዝነበረ ዕንቅፋት በብሓደ ንኽሰግሮ እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ እናኣርኣየ ብለውሃት ሓጊዙኒ እዩ” በለት።

15. የሱስን ኣቦኡን ነየናይ እዮም ዜስተብህሉሉ፧

15 ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ “ንህዝቢ ንገሩ”። ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን ካብ ቤት ማእሰርቲ ብተኣምራዊ መገዲ ምስ ወጹ፡ መልኣኽ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ በሎም። (ግብ. 5:19-21) እወ፡ ሓደ ኻብቲ ዝርዝር መዘኻኸሪና ኼጠቓልሎ ዘለዎ ነገራት፡ ሰሙናዊ ኣገልግሎት ወፍሪ እዩ። የሱስን ኣቦኡን ንእምነትናን ንኣገልግሎትናን የስተብህሉሉ እዮም። (ራእ. 2:19) ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ሕጡብ ጽሑፍ እተጠቕሰ ሽማግለ ኸም ዝገለጾ፡ “ኣገልግሎት ወፍሪ ቐንዲ ኽፍሊ ህይወትና እዩ።”

16. ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዝገበርካዮ ወፈያ ምስትንታንካ ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 ብዛዕባ እቲ ዝገበርካዮ ወፈያ ኣስተንትን። እቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ብሕታዊ ርክብ ካብ ዝዀነ  ይኹን ንላዕሊ ዝኸበረ እዩ። ንሱ ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ። (ኢሳይያስ 44:5 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ንትሕዝቶን ንዕምቈትን እቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ብጸሎት መርምሮ። እቲ እተጠመቕካሉ ዕለት ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ እውን ዘክር። እዚ ኸኣ፡ ጥምቀትካ ኻብ ዝዀነ ይኹን ውሳነ ንላዕሊ ኣዝዩ ኸም ዜገድስ ኬዘኻኽረካ እዩ።

ጸኒዕካ ብምምልላስ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ቕረቦ

17. ንየሆዋ ብዝያዳ ምእንቲ ኽንቀርቦ፡ ተጻዋርነት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

17 ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ኺጽሕፈሎም ከሎ፡ ብተጻዋርነት ብዛዕባ ምምልላስ ኣጕሊሑ ነበረ። (ገላ. 6:9) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ብተጻዋርነት ኪመላለሱ ኣለዎም። ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠመካ፡ የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺወሃበካ፡ ወትሩ ጸሊ። የሆዋ ንሓዘንካ ብሓጐስ፡ ንጭንቀትካ ድማ ብሰላም ኪትክኦ ኸሎ፡ እፎይታ ኺስምዓካ እዩ። (ማቴ. 7:7-11) ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰብ፦ የሆዋ ንኣዕዋፍ ዚከናኸነን ካብ ኰነ፡ ነቶም ዜፍቅርዎን ነቶም ንዕኡ ርእሶም ዚውፍዩን ሰባትከ ኽንደይ ኣብሊጹ ዀን እዩ ዚከናኸኖም! (ማቴ. 10:29-31) ዚመጸካ ጸቕጥታት ብዘየገድስ፡ ንድሕሪት ኣይትመለስ፣ ከቶ ድማ ኣይተሓለል። የሆዋ ዚፈልጠና ምዃኑስ ከመይ ዝኣመሰለ ዜደንቕ በረኸት ኰን እዩ!

18. ‘ንኣምላኽ ምስ ፈለጥካዮ፡’ ሕጂ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

18 ንኣምላኽ ካብ እትፈልጦን ካብ እትጥመቕን ነዊሕ ዘይገበርካ እንተ ዄንካ፡ ሕጂ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽትፈልጦ ጽዓር፣ ናብ መንፈሳዊ ብስለት ድማ ዕበ። ካብ እትጥመቕ ነዊሕ ዓመታት ዝገበርካ እንተ ዄንካኸ፡ ሕጂ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧ ንስኻ እውን ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ዘሎካ ፍልጠት ከተዕምቖን ከተስፍሖን ጽዓር። በቲ ሕጂ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ክንዓግብ የብልናን። የግዳስ፡ ምስቲ ፈቃር ኣቦናን ዓርክናን ኣምላኽናን ዝዀነ የሆዋ ዘሎና ርክብ ይዓቢ እንተ ኣልዩ ንምርግጋጽ፡ በብእዋኑ ነቲ መንፈሳዊ ዝርዝር መዘኻኸሪታትና ኽንምርምሮ ኣሎና።—2 ቈረንቶስ 13:5, 6 ኣንብብ።