ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) መጋቢት 2013

ዛ ሕታም እዚኣ፡ ኵሎም ክርስትያናት ብኸመይ ኣብቲ ናብ ህይወት ዚመርሕ ቅድድም ኪጐይዩ ኸም ዚኽእሉ ተዘኻኽሮም። ብዘይካዚ፡ ንልብናን ነቲ ኣምላኽና ዝዀነ የሆዋን ብኸመይ ክንፈልጦ ኸም እንኽእል ትገልጽ።

ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ፡ ‘ዜዐንቅፎም የልቦን’

ነቶም ንሕጊ የሆዋ ዜፍቅርዎ ሰባት ዜዐንቅፎም ዘየልቦ ብኸመይ እዩ፧ ኣብቲ ህይወት ንምርካብ ዚግበር ቅድድም ንኽንጐዪ ኺሕግዘና ብዛዕባ ዚኽእል ነገራት ተምሃር።

‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ድዩ ዘሎካ፧

ቃላት ነብዪ ኤርምያስ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ጥዑይ ልቢ ንኸተጥርን ንኽትዕቅቦን ኪሕግዛኻ ይኽእላ እየን።

‘ንኣምላኽ ምስ ፈለጥካዮ፡’ ሕጂ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

ወትሩ ነታ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ዘላትካ እምነትን ንተወፋይነትካን ምምርማር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ ተምሃር።

ተጸናኒዕካስ ኣጸናንዕ

ኵላትና ንሓምም ኢና፣ ገሌና ኸኣ ከቢድ ሕማም ኢና ንሓምም። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ኬጓንፈና ኸሎ፡ ብኸመይ ኢና ኽኢልናዮ ኽንነብር እንኽእል፧

የሆዋ—መዕቈቢና

ኣብዛ እክይቲ ዓለም እኳ ንነብር እንተለና፡ የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዜዕቝቦም ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

ነቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ኣኽብሮ

ነቲ ስም የሆዋ ንኽትጥቀም ዝረኸብካዮ መሰል ብኸመይ ትርእዮ፧ ስም የሆዋ ምፍላጥን ብስም የሆዋ ምምልላስን እንታይ ማለት እዩ፧

ብሓቂ ጆሰፈስ ድዩ ጽሒፍዎ፧

ነቲ ተስቲሞንዩም ፍላቭየንዩም ዚብሃል ክፋል ጽሑፍ፡ እቲ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ድዩ ጽሒፍዎ፧