ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)  |  ለካቲት 2013

መንፈሳዊ ውርሻና እዚ እዩ

መንፈሳዊ ውርሻና እዚ እዩ

‘ውርሻ ባሮት የሆዋ እዚ እዩ።’—ኢሳ. 54:17፡ ባይንግተን።

1. የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ እንታይ ንደቂ ሰብ ዚጠቅም መልእኽቲ እዩ ዓቂቡ፧

እቲ “ህያውን ነባርን ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ፡ ነቲ ህይወት ዚህብ መልእኽቱ ንደቂ ሰብ ዓቂቡሎም እዩ። ‘ቃል የሆዋ ንዘለኣለም ስለ ዚነብር’ ድማ፡ እቲ መልእኽቲ ንሓዋሩ ኸም ዚቕጽል ኣየጠራጥርን እዩ። (1 ጴጥ. 1:23-25) የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣብቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ፡ ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝዓቀበልና፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግኖ!

2. ኣምላኽ፡ ህዝቡ ምእንቲ ኺጥቀሙሉ ኢሉ፡ ኣብቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ዝዓቀቦ እንታይ እዩ፧

2 ኣምላኽ ኣብ ቃሉ፡ ህዝቡ ምእንቲ ኺጥቀሙሉ ኢሉ፡ ነቲ ንርእሱ ዘውጽኦ ስም ዓቂብዎ ኣሎ። ቅዱሳት ጽሑፋት ን“የሆዋ ኣምላኽ” ንፈለማ እዋን ዚጠቕሶ፡ ኣብ “ወለዶ [ወይ ታሪኽ] ሰማይን ምድርን” እዩ። (ዘፍ. 2:4) ብዘይካዚ፡ ስም ኣምላኽ ኣብተን ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓዛ ጽላት፡ ብተኣምራዊ መገዲ ብተደጋጋሚ ተጻሒፉ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብታ ናይ መጀመርታ ትእዛዝ፡ “ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽካ እየ” ዚብል ሓረግ ኣሎ። (ዘጸ. 20:1-17) ሰይጣን ንቓልን ንስምን ኣምላኽ ኬጥፍኦ ሒዅ እኳ እንተ በለ፡ እቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ግና ንቓሉን ንስሙን ዓቂብዎ እዩ።—መዝ. 73:28

3. ሃይማኖታዊ ጌጋታት ኣስፋሕፊሑ እኳ እንተሎ፡ ኣምላኽ ግና እንታይ እዩ ዓቂቡልና፧

3 የሆዋ ኣብ ቃሉ፡ መንፈሳዊ ሓቂ እውን ዓቂቡልና ኣሎ። ኣብ መላእ ዓለም ሃይማኖታዊ ጌጋታት ኣስፋሕፊሑ እኳ እንተሎ፡ ኣምላኽ ግና መንፈሳዊ ብርሃንን ሓቅን ስለ ዚህበና፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነመስግኖ ዚግብኣና! (መዝሙር 43:3, 4 ኣንብብ።) መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ኣብ ጸልማት ዚመላለሱ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንሕና ግና በቲ ኣምላኽ ዝሃበና መንፈሳዊ ብርሃን ተሓጒስና ንመላለስ ኢና።—1 ዮሃ. 1:6, 7

ኣኽቢርና እንርእዮ ውርሻ ኣሎና

4, 5. ካብ 1931 ኣትሒዙ፡ እንታይ ፍሉይ መሰል ኢና ረኺብና፧

4 ከም ክርስትያናት መጠን፡ ክቡር ውርሻ ኣሎና። ኮሊንስ ኮብዩልድ ኢንግሊሽ ዲክሽነሪ፡ “ውርሻ ሓንቲ ሃገር፡ ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝቐጸለ፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ድማ እናተመሓላለፈ ዝመጸ  ኣብታ ሃገር ዘሎ ባህርያት፡ ባህልታት፡ ወይ ከኣ ናብራ ህይወት ዜጠቓልል እዩ” ይብል። መንፈሳዊ ውርሻና፡ ቅኑዕ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ከምኡውን ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ዕላማኡን ዘሎና ንጹር ምርዳእ ዜጠቓልል እዩ። ካልእ ፍሉይ መሰል እውን ዚሓቍፍ እዩ።

ኣብቲ ብ1931 እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ነቲ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዚብል ስም ብምቕባልና ተሓጒስና ኢና

5 እዚ ፍሉይ መሰል እዚ፡ ኣብቲ ብ1931 ኣብ ኮሎምበስ፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ. እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ክፍሊ መንፈሳዊ ውርሻና ዀነ። እቲ ሽዑ እተሓትመ መደብ ኣኼባ ኣውራጃ፡ “JW” (“ጀይ.ዳብሊው.”) ዚብል ጽሑፍ ነበሮ። ሓንቲ ሓብቲ፡ “እተን ‘JW’ (‘ጀይ.ዳብሊው.’) ዚብላ ፊደላት እንታይ ከም ዜመልክታ ብዙሕ ግምት እዩ ነይሩ” በለት። ቅድሚኡ “ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ” ተባሂልና ንጽዋዕ እኳ እንተ ነበርና፡ ሰንበት 26 ሓምለ 1931 ግና ነቲ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዚብል ስም ብናይ ኣቕዋም መግለጺ ተቐበልናዮ። ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስም እዚ ምቕባል ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 43:12 ኣንብብ።) ሓደ ሓው ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነቲ ኣብቲ መአከቢ ዝነበረ ጭድርታን ጣቕዒትን ፈጺመ ኣይርስዖን እየ” በለ። ኣብ ዓለም ብስም ኣምላኽ ኪጽዋዕ ዝደለየ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ኣይነበረን፣ ኣምላኽ ግና ንዓና ንልዕሊ 80 ዓመት ክንጥቀመሉ ብምፍቃድ ባሪኹና እዩ። ናይ የሆዋ ምስክር ምዃን ከመይ ዝኣመሰለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!

6. መንፈሳዊ ውርሻና እንታይ ቅኑዕ ሓበሬታ እዩ ዜጠቓልል፧

6 መንፈሳዊ ውርሻና ብዛዕባ ጥንቲ ዚገልጽ ማእለያ ዘይብሉ ልክዕን ጠቓምን ሓበሬታ የጠቓልል እዩ። ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። እዞም ኣበዋት እዚኦምን ስድራ ቤቶምን ብኸመይ ንየሆዋ ኼሐጕስዎ ኸም ዚኽእሉ ይዘራረቡ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ዮሴፍ ካብቲ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኣት’ ዝዀነ ርኽሰት ዝሃደመ። (ዘፍ. 39:7-9) ክርስትያናዊ ልምድታት እውን ብቓል ወይ ብግብሪ ይመሓላለፍ ነበረ። ሓደ ኻብቲ ልምድታት፡ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያን ጉባኤታት ዝነገረን ንድራር ጐይታ ዚምልከት ነጥብታት እዩ። (1 ቈረ. 11:2, 23) ሎሚ ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ንኸነምልኾ ዜድልየና ዝርዝር ስርዓታት፡ ኣብቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 4:23, 24 ኣንብብ።) መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ደቂ ሰብ ፍልጠት ዚህብ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሕና ግና ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ከነማስወሉ ኣሎና።

7. ውርሻና እንታይ ዜተባብዕ መብጽዓ እዩ ዜጠቓልል፧

7 መንፈሳዊ ውርሻና፡ ነቲ ‘የሆዋ ምሳና’ ኸም ዝዀነ ዚሕብር ኣብ ቀረባ እዋን እተሓትመ ጸብጻባት እውን ዜጠቓልል እዩ። (መዝ. 118:7) እዚ ኸኣ፡ መስጐጕቲ እውን እንተ ወረደና፡ ድሕንነት ከም ዚስምዓና እዩ ዚገብር። ሓደ ኽፋል እቲ በብእዋኑ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዜተባብዕ መንፈሳዊ ውርሻና፡ እዚ ዚስዕብ መብጽዓ እዩ፦ “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ፡ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዅሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ [ወይ “ውርሻ፡” ባይንግተን] ባሮት እግዚኣብሄር፡ ጽድቆምውን ካባይ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።” (ኢሳ. 54:17) ነባሪ ጕድኣት ኬውርደልና ዚኽእል ኣጽዋር ሰይጣን የልቦን።

8. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን እንታይ ክንምርምር ኢና፧

 8 ሰይጣን ንቓል ኣምላኽን ንስም የሆዋን ኬጥፍኦ፡ ንሓቂ ኸኣ ኪዓብጦ ፈቲኑ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ምስቲ ነዚ ዅሉ ጻዕርታቱ ዘፍሸሎ የሆዋ ኺወዳደር ኣይክእልን እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን፡ (1) ኣምላኽ ንቓሉ ብኸመይ ከም ዝዓቀቦ፣ (2) የሆዋ ንስሙ ብኸመይ ከም ዝዓቀቦ፣ ከምኡውን (3) ሰማያዊ ኣቦና ምንጭን ዓቃብን እቲ ሕጂ ዘሎና ሓቂ ዝዀነ ብኸመይ ምዃኑ ኽንምርምር ኢና።

የሆዋ ንቓሉ ዓቀቦ

9-11. መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዘጋጠሞ ብዙሕ መጥቃዕትታት ከም ዝሓለፎ ዚሕብር ኣብነታት እንታይ እዩ፧

9 የሆዋ ንቓሉ ኻብ ዝዀነ ይኹን መጥቃዕቲ ዓቂብዎ እዩ። ኢንቺክሎፔድያ ካቶሊካ (ኢንሳይክሎፔድያ ካቶሊክ) ከምዚ በለ፦ “ብ1229 ዋዕላ ቱሉስ ብምኽንያት እቲ ምስ ኣልቢጀንሳውያንን ዋልደንሳውያንን ዚግበር ዝነበረ ቓልሲ፡ ተራ ሰባት [ብቛንቋኦም እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ] ከይጥቀሙ ኸልከለ። . . . ኣብቲ ብ1234 ኣብ ታራጎና፡ ስጳኛ ብቐዳማዊ ጀምስ እተገብረ ኣኼባ እውን ተመሳሳሊ ትእዛዝ ወጸ። . . . ብ1559 እቲ ጳውሎስ ራብዓይ ዘዳለዎ መሐበሪ፡ ብቛንቋ እቲ ህዝቢ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱሳት ብዘይፍቓድ እቲ ቕዱስ ቤት ጽሕፈት ከይሕተምን ከይትሓዝን ምስ ከልከለ፡ መንበረ ጵጵስና ሮሜ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ጕዳይ ጣልቃ ኣተወ።”

10 መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ መጥቃዕቲ እኳ እንተ ወረዶ፡ ተዓቂቡ እዩ። ኣብ ከባቢ 1328፡ ጆን ዊክሊፍን ብጾቱን ናይ መጀመርታ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብእንግሊዝኛ ኣዳለዉ። ካልእ ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ እቲ ብ1536 እተቐትለ ዊልያም ቲንደል እዩ ነይሩ። ኣብ ጕንዲ ተሰቒሉ ኸሎ ድማ፡ “ጐይታ! ንኣዒንቲ ንጉስ ዓዲ እንግሊዝ ክፈተን” ኢሉ ጨደረ። ድሕሪኡ፡ ሓኒቖም ብሓዊ ኣንደድዎ።

11 መጽሓፍ ቅዱስ ምጽራር እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ክሳዕ ሕጂ ተዓቂቡ እዩ። ንኣብነት፡ ብ1535 እቲ ሚልዝ ካቨርድ ዝተርጐሞ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ወጸ። ካቨርድ ኣብ ዕዮ ትርጕሙ፡ ነቲ ቲንደል ዘዳለዎ “ሓድሽ ኪዳን” ከምኡውን ነቲ ኻብ ዘፍጥረት ክሳዕ ዜና መዋእል ዝሓቘፈ “ብሉይ ኪዳን” እዩ ተጠቒሙ። ነቲ ኻልእ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ፡ ካብ ላቲንን ካብቲ ማርቲን ሉተር ዘዳለዎ ናይ ጀርመንኛ መጽሓፍ ቅዱስን እዩ ተርጒምዎ። ሎሚ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ንጹርን ዜተኣማምንን ኣብ ኣገልግሎትና ጠቓምን ስለ ዝዀነ፡ ብዙሓት የማስዉሉ እዮም። ዝዀነ ይኹን ኣጋንንታዊ ዀነ ሰብኣዊ ሓይሊ፡ ነቲ የሆዋ ንቓሉ ንምዕቃብ ዚገብሮ ጻዕሪ ፈጺሙ ኸም ዘይዓግቶ ምፍላጥና የሐጕሰና እዩ።

የሆዋ ንስሙ ዓቀቦ

ከም ቲንደል ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ምእንቲ ቓል ኣምላኽ ሞይቶም እዮም

12. ትርጕም ሓዳስ ዓለም ንመለኮታዊ ስም ኣብ ምዕቃብ እንታይ ተራ እዩ ዘለዎ፧

12 የሆዋ ኣምላኽ፡ ስሙ ኣብ ቃሉ ኸም ዚዕቀብ ገይሩ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ድማ፡ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዓብዪ ተራ ኣለዎ። እቲ ብውፉያት ተርጐምቲ ዝቘመ ኮሚተ፡ ኣብ መእተዊ መጽሓፍ  ቅዱስ—ትርጕም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ)፡ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ቀንዲ ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጕም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ)፡ እቲ የሆዋ ዚብል ፍሉይ ስም ኣምላኽ 237 ሳዕ ይርከብ። . . . ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ዘለዎ ኣገዳስነትን ኪድሕን ዚደሊ ዘበለ ዅሉ ነቲ ስም እቲ ኺጽውዕ ከም ዘለዎን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ትርጕም እዚ ንስም የሆዋ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግቡእ ቦታኡ መሊሱ ኣእትይዎ ኣሎ።” ሕጂ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብልዕሊ 116 ቋንቋታት ኪርከብ ይከኣል እዩ፣ ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ልዕሊ 178,545,862 ቅዳሓት ተሓቲሙ ኣሎ።

13. ሰባት ንስም ኣምላኽ ካብ እዋን ፍጥረት ኣትሒዞም ይፈልጥዎ ነይሮም ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

13 ሰባት ንስም ኣምላኽ ካብ እዋን ፍጥረት ኣትሒዞም ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ኣዳምን ሄዋንን እውን ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም፣ ብኸመይ ብልክዕ ከም ዚድመጽ እውን ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ካም ንኣቦኡ ንዕቀት ምስ ኣርኣየ፡ ኖህ፡ “እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽ ሴም፡ ይባረኽ። ከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹን” በለ። (ዘፍ. 4:1፣ 9:26) ኣምላኽ እውን እንተ ዀነ፡ “ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ፡ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ . . . ኣይህብን እየ” ኢሉ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ “እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ኣነ እየ፡ ካልእ የልቦን፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 42:8፣ 45:5) ስሙ ኸም ዚዕቀብን ኣብ መላእ ምድሪ ኸም ዚፍለጥን ገይሩ እዩ። ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ክንጥቀመሉን መሰኻኽሩ ኽንከውንን፡ ከመይ ዝኣመሰለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! ስለዚ፡ “ንሰንደቕ ዕላማውን ብስም ኣምላኽና ነልዕሎ” ኽንብል ንኽእል ኢና።—መዝ. 20:5

14. ስም ኣምላኽ ብጀካ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይ እዩ ኺርከብ ዚከኣል፧

14 ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኣይኰነን ዚርከብ። ነቲ ብሸነኽ ምብራቕ ምዉት ባሕሪ 21 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ቲባን (ዲቦን) እተረኽበ ጽላት እምኒ ሞኣብ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እቲ ጽላት እምኒ፡ ንኦምሪ ንጉስ እስራኤል ይጠቕሶ እዩ፣ ሜሳ ንጉስ ሞኣብ ካብ እስራኤል ከም ዝዓለወ እውን ይገልጽ እዩ። (1 ነገ. 16:28፣ 2 ነገ. 1:1፣ 3:4, 5) ኰይኑ ግና፡ ስም ኣምላኽ ኣብቲ ጽላት እምኒ በተን የሀወሀ ዚብላ ቴትራግራማተን ዚብሃላ ፊደላት እብራይስጢ ተጻሒፉ ምርካቡ ኣቓልቦ ዚስሕብ እዩ። ብዘይካዚ፡ እተን ቴትራግራማተን ኣብቲ ኣብ እስራኤል ኣብ ስብርባር ካይላ እተጻሕፈ ደብዳበታት ላኪሽ ብተደጋጋሚ ይርከባ እየን።

15. ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት እንታይ እዩ፧ ኣድላዪ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

15 ጥንቲ ዝነበሩ ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመለኮታዊ ስም ኣብ ምዕቃብ ግደ ነይርዎም እዩ። ብዙሓት ኣይሁድ ካብ 607 ቅ.ክ. ክሳዕ 537 ቅ.ክ. ኣብ ባቢሎን ብምርኮ ን70 ዓመት ድሕሪ ምጽናሖም፡ ናብ ይሁዳን ናብ እስራኤልን ኣይተመልሱን። ኣብ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ክ. ድማ፡ ሓያሎ ኣይሁድ ኣብ እስክንድርያ፡ ግብጺ ይነብሩ ነበሩ፣ ስለዚ፡ በቲ ሽዑ ዓለምለኻዊ ቛንቋ ዝነበረ ግሪኽኛ እተዳለወ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣድለዮም። ሽዑ ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ. ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት ተተርጒሙ ተዛዘመ። ኣብ ገሊኡ ቕዳሕ እዚ ትርጕም እዚ፡ እቲ ብእብራይስጢ እተጻሕፈ “የሆዋ” ዚብል ስም ይርከብ እዩ።

16. ሓደ ብ1640 ንፈለማ እዋን እተሓትመ መጽሓፍ፡ ንስም ኣምላኽ ብኸመይ ከም እተጠቕመሉ ኣብነት ሃብ።

16 መለኮታዊ ስም ኣብቲ በይ ሳልም ቡክ ዚብሃል መጽሓፍ ይርከብ እዩ፣ እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ኣብተን ብዓዲ እንግሊዝ ዚመሓደራ ዝነበራ ግዝኣት ኣመሪካ እተሓትመ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ እዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ሕታም (ብ1640 እተሓትመ)፡ ነታ ኻብ እብራይስጢ ናብቲ ሽዑ ዚዝረብ ዝነበረ እንግሊዝኛ እተተርጐመት መጽሓፍ መዝሙር ዳዊት ዜጠቓልል ነበረ። ንኣብነት፡ ኣብ መዝሙር 1:1, 2 ብዛዕባ እቲ ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ “ብጹእ ሰብ” ክትገልጽ ከላ፡ “ብሕጊ ኤሆቫህ ዚፍሳህ” ትብል። ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ዚገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም ዘርእስታ ብሮሹር ርአ።

 የሆዋ ንመንፈሳዊ ሓቂ ዓቀቦ

17, 18. (ሀ) ሓቂ እንታይ እዩ፧ (ለ) “ሓቂ እቲ ብስራት” እንታይ የጠቓልል፧

17 ን“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓቂ” ተሓጒስና ኢና እነገልግሎ። (መዝ. 31:5) ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ነታ “ሓቂ” እትብል ቃል፡ “ርግጸኛ፡ ዜተኣማምን፡ ዘየጠራጥር” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ብመሰረት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እብራይስጢ፡ እታ መብዛሕትኡ እዋን “ሓቂ” ተባሂላ እትትርጐም ቃል፡ ንሓደ ዜተኣማምን፡ ርጉጽ፡ ወይ ጭቡጥ ዝዀነ ነገር እያ እተመልክት። እታ “ሓቂ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል ድማ፡ ንሓደ ጭቡጥ ወይ ግቡእን ቅኑዕን ዝዀነ ነገር እያ እተመልክት።

18 የሆዋ ንመንፈሳዊ ሓቂ ዓቂብዎ እዩ፣ ነቲ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሓቂ ዚገልጽ ፍልጠት ድማ ኣብዚሑ ይህበና ኣሎ። (2 ዮሃ. 1, 2) ብዛዕባ ሓቂ ዘሎና ምርዳእ ከኣ በብቝሩብ እናነጸረ ይኸይድ ኣሎ፣ ከመይሲ፡ “መገዲ ጻድቃን . . . ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ፡ እናወሰኸት ትበርህ።” (ምሳ. 4:18) ምስቲ፡ “ቃልካ ሓቂ እዩ” ብምባል ናብ ኣምላኽ ጸሎት ዘቕረበ የሱስ፡ ምሉእ ብምሉእ ንሰማማዕ ኢና። (ዮሃ. 17:17) እቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ፡ “ሓቂ እቲ ብስራት፡” ማለት ንብምሉኡ ክርስትያናዊ ትምህርትታት ዝሓቘፈ እዩ። (ገላ. 2:14) እዚ ኸኣ፡ ነቲ ብዛዕባ ስም የሆዋን ብዛዕባ ልዑላውነቱን ብዛዕባ መስዋእታዊ በጃ የሱስን ብዛዕባ ትንሳኤን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ዚገልጽ ሓቅታት እዩ ዜጠቓልል። ሰይጣን ንመንፈሳዊ ሓቂ ኺዓብጦ እኳ እንተ ፈተነ፡ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝዓቀቦ እስከ ንርአ።

የሆዋ ነቲ ንሓቂ ንምጥፋእ እተገብረ መጥቃዕቲ ኣፍሸሎ

19, 20. ኒምሮድ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ ኣየናይ ጻዕሪኸ እዩ ፈሺሉ፧

19 ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ “ከም ኒምሮድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ” ዚብል ብሂል ነበረ። (ዘፍ. 10:9) ኒምሮድ ንየሆዋ ኣምላኽ ይጻረሮ ስለ ዝነበረ፡ ንሰይጣን እዩ ዜምልኽ ነይሩ፣ ከምቶም የሱስ፡ “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፣ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩ እውን ትደልዩ ኣለኹም። ንሱ . . . ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን” ዝበሎም ሰባት እዩ ነይሩ።—ዮሃ. 8:44

20 ግዝኣት ኒምሮድ፡ ንባቤልን ነተን ኣብ መንጎ ሩባ ጢግሪስን ሩባ ኤፍራጥስን ዝነበራ ኻልኦት ከተማታትን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 10:10) እቲ ኣብ ባቤል ዝነበረ ግምቢ ብ2269 ቅ.ክ. ኪህነጽ ዝጀመረ፡ ምናልባት ኒምሮድ ብዝሃቦ ትእዛዝ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዕላማ የሆዋ፡ ደቂ ሰብ ንምድሪ ኺመልእዋ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ሃነጽቲ ግና፡ “ክላ ግዳ፡ ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ፋሕ ከይንብልሲ፡ ከተማን ርእሱ ሰማይ ዝጥንቍር ግንብን ንስራሕ፡ ስምና ኸኣ ነጸውዕ” በሉ። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ፡ “ቋንቋ ዅላ ምድሪ ፋሕፋሕ ስለ ዘበለ፡” እቶም ሃነጽቲ ተበታተኑ። (ዘፍ. 11:1-4, 8, 9) ሰይጣን ንዕኡ ጥራይ ዜምልኹ ኣባላት ዘለውዋ ሓንቲ ሃይማኖት ኪምስርት ሓሲቡ እንተ ነይሩ፡ እዚ ውዲት እዚ ፈሺሉ እዩ። ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ኣምልኾ የሆዋ ተዓዊቱ እዩ፣ በብመዓልቱ ድማ ይሰፍሕ ኣሎ።

21, 22. (ሀ) ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸቢድ መጥቃዕቲ ኼውርድ ዘይከኣለ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

21 ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸቢድ መጥቃዕቲ ኼውርድ ኣይከኣለን። ስለምንታይ፧ እቲ ዓብዪ መምህርና ነቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉን ንስሙን ስለ ዝዓቀቦ፡ ምንጪ ዘየቋርጽ መንፈሳዊ ሓቂ ድማ ስለ ዝዀነ እዩ። (ኢሳ. 30:20, 21) ንኣምላኽ ብሓቂ ኸነገልግሎ የሐጕሰና እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ንምግባር ግና ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሓት ብምዃን ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ኽንውከልን ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱሱ ኽንስዕቦን ኣሎና።

22 ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ገሊኡ ናይ ሓሶት ሰረተ እምነት ብኸመይ ከም ዝማዕበለ ኽንምርምር ኢና። ብዓይኒ ቕዱሳት ጽሑፋት ኪርአ ኸሎ፡ እቲ ሰረተ እምነት ብላሽ ምዃኑ እውን ክንርኢ ኢና። ብዘይካዚ፡ እቲ ንሓቂ ብምዕቃብ ዝመጸ መወዳድርቲ ዘይብሉ የሆዋ፡ ነቲ ኸም መንፈሳዊ ውርሻና ጌርና ኣኽቢርና እንርእዮ ናይ ሓቂ ትምህርቲ ብምሃብ ብኸመይ ከም ዝባረኸና ኽንርኢ ኢና።