ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)  |  ለካቲት 2013

ልብኻ ንዚሕልኖ ተጠንቀቐሉ

ልብኻ ንዚሕልኖ ተጠንቀቐሉ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፡ መንከ የስተውዕሎ፧” ይብል። (ኤር. 17:9) ልብና ሓደ ነገር ኪብህግ ከሎ፡ ነቲ ዚሕልኖ ነገራት ንኽንፍጽሞ ምኽንያታት ንፈጥርዶ ኣይኰንናን፧

ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ካብ ልቢ፡ ክፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝርና፡ ስርቂ፡ ምስክርነት ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ” ይብል። (ማቴ. 15:19) ምሳልያዊ ልብና ኺጠልመና፡ ኣንጻር ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ነገራት ንኽንገብር ከኣ ኪመርሓና ይኽእል እዩ። ዘይጥበባዊ ስጕምቲ ኽሳዕ እንወስድ ከኣ እንታይ ከም ዝገበርና ኸይፍለጠና ይኽእል እዩ። ግጉይ ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳድና፡ ነቲ ልቢ ዚሕልኖ ነገራት ንኽንፈልጥ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

ነቲ እትሕልኖ ኣለልዮ—ብኸመይ፧

መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሳልያዊ ልብና ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኣንብብ፡ ነቲ ዘንበብካዮ ኸኣ ኣስተንትነሉ።

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን እዩ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ እውን ዚበልሕ እዩ፣ ነፍስን መንፈስን . . . ክሳዕ ዚፈላሊ ዚስንጥቕ፡ ልቢ ዚሓስቦን ዚሕልኖን ከኣ ዚመሚ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 4:12) ንርእስና ብመብራህቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ጌርና ምስ እንርእያ፡ ነቲ ልብና ዚሕልኖ ነገራት ንኸነለልዮ ብርግጽ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ኸነንብብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ኸነስተንትንን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ ምስ እንገብር፡ ሓሳባትን ኣረኣእያን ኣምላኽ ኣብ ልብና ኺሰርጽ እዩ።

ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ተቐቢልና ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ‘ምስክር፡’ ማለት ሕልናና ይጽሎ እዩ። (ሮሜ 9:1) ሕልናና ብዛዕባ ሓደ ግጉይ ነገር ንኸይነመኻኒ ኺዓግተና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ  ቅዱስ “መለበሚ” ኪዀነና ዚኽእል ኣብነታት ሒዙ ኣሎ። (1 ቈረ. 10:11) ብዛዕባኡ ምምርማርና፡ ግጉይ ስጕምቲ ንኸይንወስድ ኪዓግተና ይኽእል እዩ። ነፍሲ ወከፍና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

ጸሎት ውሽጣዊ እንታይነትና ንኽንፈልጥ ይሕግዘና

ኣምላኽ ልብኻ ንዚሕልኖ ኸተለልዮ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ብጸሎት ለምኖ።

የሆዋ፡ ‘ልቢ ዚፍትን’ ኣምላኽ እዩ። (1 ዜና 29:17) ንሱ፡ “ካብ ልብና ይዓብን ኵሉ ይፈልጥን እዩ።” (1 ዮሃ. 3:20) ክታለል ድማ ኣይክእልን እዩ። ብዛዕባ ሻቕሎታትናን ስምዒታትናን ባህግታትናን ብጸሎት እንተ ገሊጽናሉ፡ ነቲ ልብና ዚሕልኖ ነገራት ንኸነለልዮ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። “ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፡” ኢልና እውን ክንልምኖ ንኽእል ኢና። (መዝ. 51:10) ስለዚ፡ ልብና ናበይ ገጹ ይዘብል ከም ዘሎ ኸነለሊ እንተ ደሊና፡ ንጸሎት ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን።

ክርስትያናዊ ኣኼባታት ልብና ንዚሕልኖ ኸነለሊ ይሕግዘና

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብትዅረት ተኸታተል።

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብትዅረት ምክትታልና፡ ልብና ንኽንምርምር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ሓድሽ ትምህርቲ ኸይንረክብ ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ ናብ ኣኼባታት ምስ እንኸይድ፡ ብዛዕባ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ቅድም ዝሓሸ ምርዳእ ይህልወና፡ ልብና ንዚሕልኖ ነገራት ክንምርምር ዚሕግዘና ጠቓሚ መዘኻኸሪታት ከኣ ንረክብ። እቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚህብዎ መልሲ፡ ውሽጣዊ እንታይነትና ኸም ዚዅላዕ ኪገብር ይኽእል እዩ። (ምሳ. 27:17) ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲርና ብምኻድ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ክንዲ እንቀራረብ፡ ርእስና ንፈሊ እንተ ዄንና፡ ክንጕዳእ ንኽእል ኢና። እዚ ኣካይዳ እዚ፡ ‘ትምኒትና ኸም እንደሊ’ ኺገብር ይኽእል እዩ። (ምሳ. 18:1) ስለዚ፡ ንርእስና፡ ‘ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ክእከብን ካብኡ ኽጥቀምን ልማድ ገይረዮ ድየ፧’ ኢልና ንሕተታ።—እብ. 10:24, 25

ልብና ናበይ እዩ ኺመርሓና ዚኽእል፧

እቲ ጐራሕ ልብና ኣብ ሓያሎ መዳያት ናብራና፡ ናብ ግጉይ ኣንፈት ኪመርሓና ይኽእል እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣርባዕተ መዳያት ናብራና፡ ማለት ስጋዊ ነገራት፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ኣዕሩኽ፡ ከምኡውን መዘናግዒ ኽንምርምር ኢና።

ስጋዊ ነገራት።

ብባህርይና ብስጋ ዜድልየና ነገራት ከነማልእ ንብህግ ኢና። ይኹን እምበር፡ የሱስ ንስጋዊ ነገራት ካብ ግቡእ ንላዕሊ ቘላሕታ ኸይንገብረሉ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ኣብ ሓደ ኻብቲ ምስላታቱ፡ ብዛዕባ ሓደ ማዕከኑ ዝመልኣሉ ሃብታም ሰብኣይ ክንምርምር ዓዲሙና እዩ። እቲ ሰብኣይ፡ ተወሳኺ ምህርቲ ምስ ሓፈሰ፡ ዜቐምጠሉ ኻልእ ማዕከን ኣይነበሮን። ስለዚ ኸኣ፡ ማዕከኑ ኣፍሪሱ፡ ኣግፊሑ ኺሰርሖ ሓለነ። ከምዚ ኢሉ ድማ ሓሰበ፦ “ኣብኡ ኸኣ ኵሉ እኽለይን ሃብተይን ክእክቦ እየ፣ ንነፍሰይ እውን፡ ‘ኣቲ ነፍሰይ፡ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣኽለኪ ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ኣሎኪ፣ ኣዕርፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሓጐሲ’ ኽብላ እየ።” ይኹን እምበር፡ እዚ ሃብታም ሰብኣይ እዚ፡ ህይወቱ ኣብታ ለይቲ እቲኣ ኽትውሰድ ከም እትኽእል ኣይሓሰበን።—ሉቃ. 12:16-20

ብዕድመ እናደፋእና ኽንከይድ ከለና፡ ምስ ኣረግና ኺጠቕመና ዚኽእል ስጋዊ ነገራት ንኸነጥሪ ስለ ዜተሓሳስበና፡ በዚ ኣመኻኒና ኣብ እዋን ኣኼባታት ጉባኤ ተወሳኺ ሰዓት ብምስራሕ ካብ ጉባኤ ኽንበኵር ወይ ከኣ ክርስትያናዊ ሓላፍነትና ዕሽሽ ክንብል ንጅምር ንኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለ ንኸይሓድረናስ ክንጥንቀቕ ኣይግብኣናንዶ፧ መንእሰያት እንተ ዄንና ኸኣ፡ ካብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዚበልጽ ዕዮ ኸም ዘየለ  ንግንዘብ ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ፈለምቲ ዄንና ቕድሚ ምግልጋልና፡ ፈለማ ብስጋ ዜድልየና ነገራት ንምምእራር ዲና እንሓስብ፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት ንኽንከውን ክንጽዕር ኣይግብኣናንዶ፧ መን ካባና እዩ እሞ ጽባሕ ከም ዚነብር ኪፈልጥ ዚኽእል፧

ኣልኮላዊ መስተ።

ምሳሌ 23:20፡ “ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን” ብምባል ትገልጽ። ሓደ ሰብ ኣልኮላዊ መስተ ንኺሰቲ ሓያል ባህጊ እንተ ኣልይዎ፡ ኣዘውቲሩ ንኺሰቲ የመኻኒ ይኸውን። ‘ንኽሰክር ኢለ ዘይኰንኩስ፡ ንኽዘናጋዕ ኢለ እየ ዝሰቲ’ ይብል ይኸውን። ንኽንዘናጋዕ ኢልና ኣልኮላዊ መሰተ ኽንሰቲ እንተ ኣድልዩና፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ልብና ንዚሕልኖ ኽንምርምር የድልየና ይኸውን።

ኣዕሩኽ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኰነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ምስ ዘይኣመንቲ ሰባት ንራኸብ እኳ እንተ ዀንና፡ ምስኣቶም ክንቀራረብ ወይ ከኣ ናይ ቀረባ ዕርክነት ክንምስርት ግና ግቡእ ኣይኰነን። ምናልባት፡ ‘ብዙሕ ጽቡቕ ባህርያት ስለ ዘለዎም እየ ዝቐርቦም’ እናበልና ነመኻኒ ዲና፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣይትታለሉ። ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ” ብምባል የጠንቅቕ። (1 ቈረ. 15:33) ከምቲ ዚብክል ነገራት፡ ሒደት እውን ይኹን ንጽሩይ ማይ ኪምርዞ ዚኽእል፡ ምስቶም ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘይብሎም ሰባት ዕርክነት ምምስራት እውን ንመንፈሳውነትና ኺምርዞ፡ ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ኣከዳድናን ኣዘራርባን ኣካይዳን ከም እንስዕብ እውን ኪገብረና ይኽእል እዩ።

መዘናግዒ።

ዘመናዊ ተክኖሎጂ፡ ኵሉ ዓይነት መዘናግዒ እዩ ዜቕርብ። መብዛሕትኡ ድማ ዜተሓታትት ወይ ንክርስትያን ዘይበቅዕ እዩ። ጳውሎስ፡ ‘ኵሉ ርኽሰት ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ’ ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 5:3) ልብና ርኹስ ነገር ኪርኢ ወይ ኪሰምዕ እንተ ተሳሒቡኸ፧ ‘ኵሉ ሰብ ቅሩብ ኪዘናጋዕ የድልዮ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ናይ ብሕቱ ምርጫ ኺገብር ኣለዎ’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ነቲ ጳውሎስ ዝሃበና ምኽሪ ነቕልበሉ፣ ርኽሰት ኣብ ኣዒንትና ወይ ኣብ ኣእዛንና ኺኣቱ ድማ ኣይንፍቀደሉ።

ክንቅየር ንኽእል ኢና

ነቲ ጐራሕ ልቢ ኢድና ብምሃብ ነቲ እንፍጽሞ ሕማቕ ጠባይ ወትሩ ነመኻንየሉ እንተ ዄንና፡ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ኢና ዘለና። ይኹን እምበር፡ ክንቅየር ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 4:22-24) ክልተ ዘመናዊ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ሚገል * ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ኼተዓራሪ ነበሮ። ከምዚ ብምባል ከኣ ይገልጽ፦ “ኣነን ሰበይተይን ወደይን ኣብቲ ብሉጽን ዘመናውን ተክኖሎጂ ዀነ ምሾት ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርካ ዚርኣየሉ ሃገር ኢና እንነብር። ሓደ እዋን ከኣ፡ ፍቕረ ንዋይ ከይሓደረኒ፡ ብእተኻእለኒ መጠን ኣብ ዓለም ዘሎ ዅሉ ነገራት ኬጥሪ ኸም ዝኽእል ብምሕሳብ፡ ንስጋዊ ነገራት ንምጥራይ ርእሰይ ወፈኹ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግና፡ ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ምጕያይ መወዳእታ ዘይብሉ መገዲ ምዃኑ ተገንዘብኩ። ብዛዕባ ኣመለኻኽታይን ብዛዕባ እቲ ልበይ ዚሕልኖ ነገራትን ከኣ ናብ የሆዋ ጸለኹ። ብስድራ ቤትና ንዕኡ ምሉእ ብምሉእ ከነገልግሎ ኸም እንደሊ ኸኣ ነገርክዎ። ሽዑ ናብራና ብምቕላል ናብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ዜድልዩሉ ቦታ ኼድና ኸነገልግል ወሰንና። ነዊሕ ከይጸናሕና ኸኣ ፈለምቲ ዀንና። ምሉእን ባህ ዜብልን ህይወት ንኺህልወና፡ ብዙሕ ስጋዊ ነገራት ከም ዘየድልየና ድማ ክንርኢ ኽኢልና ኢና።”

ሊ ዝስሙ ሓው ከኣ፡ ብቕንዕና ርእሱ ምምርማሩ ኻብ ሕማቕ ዕርክነት ንኺርሕቕ ከም ዝሓገዞ ይሕብር። ከምዚ ድማ በለ፦ “ብምኽንያት ስርሐይ ኣዘውቲረ ምስ ወጻእተኛታት ኣቕረብቲ ኣቕሑ እራኸብ ነበርኩ። ኣብቲ ኣኼባታት ብዙሕ መሰተ ኸም ዘሎ እፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብኡ ምእካበይ የሐጕሰኒ ነበረ። ብዙሕ ሳዕ ክሰክር ዝቐረብኩሉ ግዜያት ነይሩ እዩ፣ ድሕሪኡ ግና እጠዓስ ነበርኩ። ብቕንዕና ዅነታት ልበይ ክምርምር ኣድልዩኒ እዩ። እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ምኽርን፡ ሽማግለታት ዝሃቡኒ ርእይቶን፡ ምስቶም ንየሆዋ ዘየፍቅርዎ ሰባት ክተዓራረኽ እደሊ ኸም ዝነበርኩ ንኽግንዘብ ሓጊዙኒ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ብእተኻእለ መጠን ንስራሐይ ብተሌፎን እየ ዝፍጽሞ፡ ነቲ ምስቶም ኣቕረብቲ ኣቕሑ ዚገብሮ ዝነበርኩ ርክብ ከኣ ነከኽዎ።”

ብቕንዕና ርእስና ብምምርማር፡ ልብና ንዚሕልኖ ኸነለሊ ይግባእ። ከምዚ ኽንገብር ከለና፡ የሆዋ “ንምስጢራት ልቢ ይፈልጥ” ምዃኑ ብምዝካር፡ ንኺሕግዘና ብጸሎት ንለምኖ። (መዝ. 44:21) ኣምላኽ ነቲ ኸም መስትያት ዝዀነ ቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ሂቡና ኣሎ። (ያእ. 1:22-25) እቲ ብክርስትያናዊ ጽሑፋትን ብኣኼባታትናን ኣቢሉ ዚውሃበና መዘኻኸሪታትን ምኽርን እውን ጠቓሚ እዩ። ነዚ መሰናድዎታት እዚ ምስ እንጥቀመሉ፡ ንልብና ኽንሕልዎ፡ ኣብ መገዲ ጽድቂ ኸኣ ክንመላለስ ኢና።

^ စာပိုဒ်၊ 18 ስማት ተቐዪሩ እዩ።