ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ጥሪ 2013

ከይተጠዓስካ ምግልጋል

ከይተጠዓስካ ምግልጋል

“ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ናብቲ ብቕድመይ ዘሎ ድማ እናተመጣጠርኩ . . . እግስግስ ኣለኹ።”ፊል. 3:13, 14

1-3. (ሀ) ጣዕሳ እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ዚጸልወና፧ (ለ) ካብ ጳውሎስ፡ ከይተጠዓስካ ንየሆዋ ብዛዕባ ምግልጋል እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ሓደ ገጣሚ፡ “ካብ ኵሉ እተዘርበ ዀነ እተጻሕፈ ዜጕሂ ቓላት ንላዕሊ፡ እተን፡ ‘ከምዚ ወይ ከምቲ እንተ ዚኸውን ነይሩ’ ዚብላ ቓላት ኣመና ዜጕህያ እየን” ኢሉ ጸሓፈ። እቲ ገጣሚ፡ ጆን ግሪንሊፍ ዊቲ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቲ እንደገና ኣጋጣሚ እንተ ዚውሃበና ብእተፈልየ መገዲ እንገብሮ ዜጣዕሰና ነገራት እዩ ዚገልጽ ነይሩ። “ጣዕሳ” ኺብሃል ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ዝገበርናዮ ወይ ከይገበርናዮ ዝተረፍና ነገራት ዚስምዓና ኣእምሮኣዊ ስቓይ እዩ። ኵላትና ዜጣዕሰና ነገራት ንገብር ኢና። ንስኻኸ ዜጣዕሰካ ነገር ጌርካዶ ትፈልጥ፧

2 ገሊኦም ሰባት ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ጌጋ ገይሮም፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሞም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ዝዀነ ይኹን ጌጋ እኳ እንተ ዘይገበሩ፡ እቲ ኣብ ህይወቶም ዝገበርዎ ምርጫ ዝበለጸ እንተ ነይሩ ይጠራጠሩ እዮም። ገሊኦም ሰባት ነቲ ዝሓለፈ ረሲዖም፡ ህይወቶም ኪቕጽሉ ኽኢሎም እዮም። ገሊኣቶም ግና፡ ወትሩ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ እናሓሰቡ፡ ‘ከምዚ ወይ ከምቲ እንተ ዝገብር ነይረ’ ኢሎም ይሳቐዩ። (መዝ. 51:3) ንስኻኸ ኻበየኖት ኢኻ፧ እንተ ወሓደ ኻብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚርካ ንኣምላኽ ከይተጠዓስካ ኸተገልግሎ ትደሊዶ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ኽንቀድሖ እንኽእል ናይ ሓቂ ኣብነት ኣሎዶ፧ እወ ኣሎ፣ ንሱ ኸኣ ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ።

3 ጳውሎስ ኣብ ህይወቱ፡ ከቢድ ጌጋታትን ጥበባዊ ምርጫታትን ገይሩ እዩ። በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበሮ ጌጋታት እኳ እንተ ተጣዕሰ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዚከኣሎ ኺገብር ከም ዘለዎ እውን ተማሂሩ እዩ። ካብ ኣብነት ጳውሎስ፡ ከይተጠዓስካ ንየሆዋ ብዛዕባ ምግልጋል እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

ዝሓለፈ ታሪኽ ጳውሎስ

4. ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ዜጣዕሶ ነገራት እዩ ገይሩ፧

4 ጳውሎስ ፈሪሳዊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዘጣዕሶ ነገራት ገይሩ እዩ። ንኣብነት፡ መራሒ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዝወረደ ሓያል መስጐጕቲ እዩ ነይሩ። ከምቲ ጸብጻብ  መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ እስጢፋኖስ ሰማእት ካብ ዚኸውን ነዊሕ ከይጸንሐ፡ “ሳውል [ደሓር ጳውሎስ እተባህለ] . . . ኣብ ልዕሊ እታ ጉባኤ ዜስካሕክሕ ተግባር ገበረ። ናብ በቤት እናኣተወ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።” (ግብ. 8:3) ኣልበርት ባርንስ ዚብሃል ምሁር ከም ዝገለጾ፡ እታ “ዜስካሕክሕ ተግባር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ነቲ [ሳውል] ናብ መስጐጕቲ ኸም ዚኣቱ ዝገበሮ ቕንኣትን ቍጥዐን እትገልጽ ሓያል መግለጺት እያ።” ባርንስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ሳውል ኣንጻር እታ ቤተ ክርስትያን ልክዕ ከም ኣራዊት እዩ ነዲሩ” በለ። ሳውል ውፉይ ኣይሁዳዊ ስለ ዝነበረ፡ ኣምላኽ ንክርስትና ናይ ምጥፋእ ሓላፍነት ከም ዝሃቦ ገይሩ ይኣምን ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንክርስትያናት ብጭካነ ይሰጕጎም፡ ‘ንሰብኡትን ንኣንስትን ድማ ይጥልቐሎምን ከም ዚቐትሎም ይፍክርን ነበረ።’—ግብ. 9:1, 2፣ 22:4 *

5. ሳውል ንሰዓብቲ ክርስቶስ ምስጓጕ ሓዲጉ፡ ብዛዕባ የሱስ ኪሰብኽ ዝኸኣለ ብኸመይ ምዃኑ ግለጽ።

5 ሳውል ናብ ደማስቆ ከይዱ፡ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብ ቤቶም ጐቲቱ እናኣውጽአ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ዋዕላ ብምቕራብ ኬቕጽዖም እዩ ሓሲቡ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣንጻር ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ኣይቀንዖን። (ኤፌ. 5:23) ናብ ደማስቆ ኺጐዓዝ ከሎ፡ የሱስ ተጓነፎ፣ ብተኣምራዊ ብርሃን ከኣ ዓይኑ ዓወረ። ናብ ደማስቆ ንኪኸይድ፡ ተወሳኺ መምርሒ ኽሳዕ ዚውሃቦ ድማ ኣብኡ ንኺጽበ ተነግሮ። ድሕሪኡ ዘጋጠመ ነገራት ንፈልጦ ኢና።—ግብ. 9:3-22

6, 7. ጳውሎስ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገበሮ ኸቢድ ጌጋ ይፈልጦ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

6 ጳውሎስ ክርስትያን ምስ ኰነ፡ ኣረኣእያኡ ተቐየረ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዜውርዶ ዝነበረ መስጐጕቲ ሓዲግዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ቀንዲ ተጣባቒ ክርስትና እውን ኰይኑ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ጸኒሑ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ቀደም ሰዓቢ ኣይሁድነት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ንጉባኤ ኣምላኽ ኣመና ኸም ዝሰጐጕክዋን ከም ዘዕኖኽዋን ሰሚዕኩም ኣለኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላ. 1:13) ጸኒሑ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብተን ናብ ሰብ ቈረንቶስን ናብ ሰብ ፊልጲን ናብ ጢሞቴዎስን ዝጸሓፈን መልእኽትታት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገበሮ ዜጣዕስ ነገራት ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:9 ኣንብብ፣ ፊል. 3:6፣ 1 ጢሞ. 1:13) እቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝጸሓፎ ነገራት የሕፍሮ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ዝገበሮ ነገራት ሸፋፊኑ ኺሓልፎ ግና ኣይደለየን። ከመይሲ፡ ከቢድ ጌጋ ኸም ዝገበረ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—ግብ. 26:9-11

7 ፍረድሪክ ፋራር ዝስሙ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ ብዛዕባ እቲ ሳውል ኣብቲ “ዜስካሕክሕ መስጐጕቲ” ዝነበሮ ግደ ገሊጹ ነበረ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸም ዝገለጾ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዘውረዶ ሓያል መስጐጕቲ ኽንሓስብ ከለና ጥራይ ኢና “ነቲ እተሰምዖ ጣዕሳን ነቲ ኻብቶም ጸላእቱ ዝዀኑ ሰባት ዚወርዶ ዝነበረ ላግጽን ክንርድኦ እንኽእል።” ምናልባት ጳውሎስ ንእተፈላለያ ጉባኤታት ኪበጽሐን ከሎ፡ ገሊኦም ንፈለማ እዋን ምስኡ እተራኸቡ ኣሕዋት፡ ‘እቲ ዚሰጕጐና ዝነበረ ጳውሎስ እምበኣር ንስኻ ኢኻ’ ይብልዎ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ግብ. 9:21

8. ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ የሆዋን የሱስን ዘርኣይዎ ምሕረትን ፍቕርን እንታይ ተሰምዖ፧ እዚኸ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

8 ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ፡ ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ዝኸኣለ ሳላ ጸጋ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይግንዘብ ነበረ። ኣብተን ዝጸሓፈን 14 መልእኽትታት፡ ካብ ካልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንላዕሊ ነታ ምሕረት ኣምላኽ ዚንጸባረቐላ ባህርይ ኣምላኽ፡ ኣስታት 90 ሳዕ ጠቒስዋ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 15:10 ኣንብብ።) ነቲ እተገብረሉ ምሕረት ኣዝዩ የማስወሉ ስለ ዝነበረ፡ ንሞሳኡ ብተግባር ኬርኢ ይደሊ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ‘ሓለፋ  ኻልኦት ሃዋርያት ጸዓረ።’ ህይወት ጳውሎስ፡ ንሓጢኣትና እንተ ተነሲሕናሉን መገድና እንተ ቐዪርናን፡ የሆዋ ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ የሱስ፡ ነቲ ኸቢድ ሓጢኣትና እውን እንተ ዀነ ኼወግዶ ኸም ዚኽእል ዜርኢ ንጹር ኣብነት እዩ። እዝስ ነቶም መስዋእቲ ክርስቶስ ንዓታቶም ብውልቂ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ንኺርድኡ ዚኸብዶም ሰባት ዚኸውን ከመይ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ትምህርቲ ዀን እዩ! (1 ጢሞቴዎስ 1:15, 16 ኣንብብ።) ጳውሎስ ሓያል ሰጓጒ ክርስቶስ እኳ እንተ ነበረ፡ “ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን ወዲ ኣምላኽ” ኢሉ ኺዛረብ ከኣለ። (ገላ. 2:20፣ ግብ. 9:5) እወ፡ ጳውሎስ፡ ብጣዕሳ ኸይተወሓጥካ ንየሆዋ ብኸመይ ከም እተገልግሎ ተማሂሩ እዩ። ንስኻኸ ኸምኡ ተማሂርካ ዲኻ፧

ጳውሎስ፡ ከይተጣዕሰ ንየሆዋ ብኸመይ ከም ዜገልግሎ ተማሂሩ እዩ

ዜጣዕሰካ ነገር ኣሎዶ፧

9, 10. (ሀ) ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጠዓሱ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ብዛዕባ ዝሓለፈ እዋን ወትሩ ምጭናቕ እንታይ ኬስዕብ ይኽእል፧

9 ዜጣዕሰካ ነገር ጌርካዶ ትፈልጥ፧ ምናልባት ነቲ ኽቡር ግዜኻን ጕልበትካን ኣብ ግጉይ መዓላ ብምውዓል ኣባኺንካዮ ትኸውን። ወይ ከኣ ንኻልኦት ዚጐድእ ነገር ጌርካ ትኸውን። ካልእ እትጠዓሰሉ ምኽንያት እውን ኪህልወካ ይኽእል እዩ። ከምኡ ኺስምዓካ ኸሎ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

10 ብዙሓት ሰባት ይጭነቑ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ብቐጻሊ ምጭናቕ፡ ስቓይን ጓህን ጥራይ እዩ ዜስዕብ። ነቲ ጸገማት ድማ ኣይፈትሖን እዩ። ኣብ ሓደ ነነው ነነው ዚብል ሰድያ ዄንካ ናብ ቅድሚት ክትጐዓዝ እኳ እንተ ፈተንካ፡ ጕልበትካ ኻብ ምውዳእ ሓሊፉ ኣብ እትበጽሖ የብልካን። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ክንዲ እትጭነቕ፡ ገለ ኣወንታዊ ስጕምቲ እንተ ወሰድካ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ነቲ ዝበደልካዮ ሰብ ይቕረታ ብምሕታት፡ ርክብካ ኸተመሓይሽ ትኽእል ኢኻ። ካብቲ ጌጋ ንኽትገብር ዝደረኸካ ነገራት ብምርሓቕ ጌጋኻ ኸይትደግም ተጠንቀቕ። ሓድሓደ እዋን ድማ፡ ነቲ ኣብ ህይወትካ ዜጋጥመካ ነገራት ጼርካዮ ኽትነብር ትግደድ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ጭንቀት ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ንኸይተገልግሎ እዩ ዚዓግተካ። ዋላ ሓንቲ ረብሓ እውን የብሉን።

11. (ሀ) ምሕረትን ሳህልን የሆዋ ኽንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገበርናዮ ጌጋታት ብዚምልከት ናይ ኣእምሮ ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ ነየናይ ኣምላኻዊ መምርሒ ኢና ኽንስዕብ ዘሎና፧

 11 ገሊኣቶም በቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገበርዎ ጌጋታት ስለ ዚድቈሱ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዋጋ ዘይብሎም ኰይኑ ይስምዖም። ሓጢኣቶም ኣመና ኸቢድ ስለ ዚመስሎም ወይ ከኣ ብተደጋጋሚ ስለ ዝሓጥኡ፡ ምሕረት ኣምላኽ ዘይግብኦም ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገበሩ ይግበሩ ብዘየገድስ፡ ኪንስሑን ኪቕየሩን ይቕረታ ኺሓትቱን ይኽእሉ እዮም። (ግብ. 3:19) የሆዋ ልክዕ ከምቲ ንኻልኦት ዝገበሮ፡ ንዓታቶም እውን ምሕረቱን ሳህሉን ኬርእዮም ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ የሆዋ ነቲ ሓደ ትሑትን ቅኑዕን ሰብ ዜርእዮ ልባዊ ነስሓ ብለውሃት እዩ ዚርእዮ። ነቲ፡ “ኣብ ሓመድን ሓሙዅስትን ኰይነ . . . እንሳሕ [“እጠዓስ፡” NW እግረ ጽሑፍ] አሎኹ” ዝበለ እዮብ ከምኡ እዩ ገይሩሉ። (እዮ. 42:6) ናይ ኣእምሮ ሰላም ክንረክብ እንተ ደሊና፡ ነቲ፡ “ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ” ዚብል ኣምላኻዊ መምርሒ ኽንስዕቦ ኣሎና። (ምሳ. 28:13፣ ያእ. 5:14-16) ስለዚ፡ ሓጢኣትና ንኣምላኽ ክንናዘዝን ይቕረታ ኺገብረልና ኽንጽልን ነቲ ጌጋ ንምእራም ስጕምቲ ኽንወስድን ንኽእል ኢና። (2 ቈረ. 7:10, 11) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ምሕረት እቲ ‘ኣዝዩ ይቕረ ዚብል’ ኣምላኽ ክንረክብ ኢና።—ኢሳ. 55:7

12. (ሀ) ነቲ ጸጸት ዚስምዖ ሕልናና ብዚምልከት፡ ካብ ኣብነት ዳዊት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (ለ) የሆዋ ዚጠዓስ ብኸመይ እዩ፧ ነዚ ምፍላጥና ዚሕግዘናኸ ብኸመይ እዩ፧ (ሳጹን ርአ።)

12 ጸሎት ሓይሊ ኣለዎ፣ ብዙሕ ከኣ እዩ ዜስልጥ። ዳዊት ብናይ እምነት ጸሎት ኣቢሉ ውሽጣዊ ስምዒቱ ገሊጹ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ተዓቂቡልና ኣሎ። (መዝሙር 32:1-5 ኣንብብ።) ከምቲ ዳዊት ዝገለጾ፡ ነቲ ጸጸት ዚስምዖ ሕልናኡ ኺጸቕጦ ኺፍትን ከሎ፡ ሓይሉ ይጽንቀቕ ነበረ። ሓጢኣቱ ስለ ዘይተናዘዘ፡ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ስቓይ ኣጋጢምዎን ሓጐሱ ስኢኑን እዩ። ምሕረትን ዕረፍትን ኪረክብ ዝኸኣለ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧ ሓጢኣቱ ንኣምላኽ ስለ እተናዘዘ እዩ። የሆዋ ድማ ንጸሎት ዳዊት ምላሽ ሃበሉ፣ ከም ቀደሙ ህይወቱ ንኺመርሕን ጠቓሚ ነገር ንኺገብርን ከኣ ኣበራትዖ። ንስኻ እውን ካብ ልብኻ እንተ ጸሊኻ፡ የሆዋ ንልማኖኻ ኸም ዜቕልበሉ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ዝሓለፈ ጌጋታት የጨንቐካ እንተ ኣልዩ፡ ንኽትእርሞ ዚከኣለካ ግበር፣ ሽዑ የሆዋ ይቕረ ኸም ዝበለልካ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።—መዝ. 86:5

ናብ መጻኢ ጠምት

13, 14. (ሀ) ሕጂ ብዝያዳ ኼገድሰና ዘለዎ እንታይ እዩ፧ (ለ) ህሉው ኵነታትና ንኽንምርምር ኪሕግዘና ዚኽእል ሕቶታት ኣየናይ እዩ፧

13 ንህይወት ምእንቲ ኽንርድኣ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ኽንሓስብ ኣሎና፣ ብህይወት ንኽንቅጽል ግና፡ ናብ መጻኢ ኽንጥምት ኣሎና። ስለዚ፡ ብዛዕባ ዝሓለፈ ኣብ ክንዲ እንጭነቕ፡  ብዛዕባ ሎምን ብዛዕባ መጻእን ኢና ኽንሓስብ ዘሎና። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት፡ በቲ ኽንገብሮ እናተገብኣና ኽነሱ ዘይገበርናዮ ነገራት ወይ ከኣ በቲ ሕጂ እንገብሮ ዘለና ምርጫታት ክንጠዓስ ዲና፧ ኣብ መጻኢ ኻብ ጣዕሳ ኺሰትረና ብዚኽእል መገዲ ተኣማንነት ዲና እንመላለስ ዘለና፧

14 ብርቱዕ መከራ ይቐርበሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ንርእስና ኽንሓትታ ጥበባዊ እዩ፦ ‘ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝያዳ ኽገብር ምኸኣልኩዶ ነይረ፧ ኣጋጣሚ ተኸፊቱለይ ከሎ ፈላሚ ዘይኰንኩ ስለምንታይ እየ፧ ኣገልጋሊ ጉባኤ ንኸይከውን ዝዓገተኒ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ነቲ ሓድሽ ሰብ ንኽለብስ ናይ ሓቂ ጻዕሪ ገይረዶ፧ ኣብታ የሆዋ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ንኽኣቱ እበቅዕ ድየ፧’ እዚ ረዚን ሕቶታት እዚ ኼጨንቐና ዘይኰነስ፡ ንገዛእ ርእስና ንኽንምርምርን ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ንህቦ እንተ ኣሊና ንኸነረጋግጽን ኪሕግዘና ኣለዎ። ከምኡ እንተ ዘይጌርና፡ ጸኒሑ ብዝያዳ ኼጣዕሰና ዚኽእል ህይወት ክንመርሕ ኢና።—2 ጢሞ. 2:15

በቲ ቕዱስ ኣገልግሎትካ ፈጺምካ ኣይትጠዓስ

15, 16. (ሀ) ብዙሓት ክርስትያናት ንኣገልግሎት ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ንምሃብ እንታይ መስዋእትታት እዮም ገይሮም፧ (ለ) ነቲ ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንምቕዳም ዝገበርናዮ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ኽንጠዓሰሉ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

15 ንየሆዋ ብናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኸተገልግሎ ኢልካ መስዋእቲ እንተ ጌርካኸ፧ ምናልባት ህይወትካ ዝቐለለ ንምግባርን ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዚኸውን ዝያዳ ግዜ ንምርካብን፡ ነቲ ብዙሕ ኣታዊ ዚርከበሉ ስራሕካ ወይ ነቲ ዕዉት ንግድኻ ኣቋሪጽካዮ ትኸውን። ምናልባት እውን ኣብቲ ኸም ኣገልግሎት ቤት-ኤል፡ ኣህጉራዊ ዕዮ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ዕዮ ወረዳ፡ ወይ ሚስዮናውነት ዝኣመሰለ ገሊኡ መዳያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽትካፈል ኢልካ ኣይተመርዓኻን ትኸውን፣ እንተ ተመርዒኻ ድማ ንኸይትወልድ ወሲንካ ትኸውን። እሞኸ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዕድመ ምስ ደፋእካ፡ ነቲ ውሳነኻ ኽትጠዓሰሉ ይግብኣካዶ፧ ዘየድሊ ወይ ከንቱ መስዋእትታት ዝገበርካ ዀይኑ ድዩ ኺስምዓካ ዘለዎ፧ ኣይፋልካን።

16 ንየሆዋ ኣብ ዘሎካ ፍቕርን ነቶም ንዕኡ ኼገልግልዎ ዚደልዩ ሰባት ንኽትሕግዞም ኣብ ዘሎካ ልባዊ ባህግን ተመርኲስካ ኢኻ ወሲንካ። እተፈልየ ናብራ እንተ ትነብር ከም ዚሓይሽ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ቅኑዕ ዝዀነ ነገር ከም ዝገበርካ ብምፍላጥ፡ ዓሚቝ ዕግበት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንየሆዋ ንኸተገልግሎ ዚከኣለካ ስለ ዝገበርካ፡ ክትሕጐስ ትኽእል ኢኻ። ንሱ ነቲ ኣብ ህይወትካ ዝገበርካዮ መስዋእትታት ኣይርስዖን እዩ። ኣብቲ ዚመጽእ ዘሎ ናይ ሓቂ ህይወት፡ ካብቲ ሕጂ ኽትግምቶ እትኽእል ዓስቢ ንላዕሊ ብምሃብ ኪባርኸካ እዩ።—መዝ. 145:16፣ 1 ጢሞ. 6:19

ብኸመይ ንኣምላኽ ብዘይ ጣዕሳ ኸም እተገልግሎ

17, 18. (ሀ) ጳውሎስ ንኣምላኽ ብዘይ ጣዕሳ ንኼገልግሎ ዝሓገዞ መሰረታዊ ስርዓት እንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርካዮን ሕጂ እትገብሮ ዘለኻን ኣብ መጻኢ እትገብሮን ኣገልግሎት የሆዋ፡ እንታይ ክትገብር ቈሪጽካ ኣለኻ፧

17 ጳውሎስ ንኣምላኽ ብዘይ ጣዕሳ ንኼገልግሎ ዝሓገዞ መሰረታዊ ስርዓት እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ናብቲ ብቕድመይ ዘሎ ድማ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሸቶ ኣቢለ . . . እግስግስ ኣለኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊልጲ 3:13, 14 ኣንብብ።) በቲ ሰዓቢ ኣይሁድነት ከሎ ዝገበሮ ጌጋታት ኣይተዋሕጠን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንዅሉ ጕልበቱ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚጽበዮ ሽልማት ናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዕ ኣብ ምዃን ኣውዓሎ።

18 ኵላትና ነቲ ኣብ ቃላት ጳውሎስ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ክንትግብሮ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ኽንልውጦ ዘይንኽእል ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ነገራት ኣብ ክንዲ እንጭነቕ፡ ናብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኽንመጣጠር እዩ ዚግብኣና። ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታትና ኸም ዘይንርስዖ ዘይክሓድ እኳ እንተ ዀነ፡ ወትሩ ንገዛእ ርእስና ኽንወቅስ ግና የብልናን። ነቲ ዝሓለፈ ረሲዕና፡ ሕጂ ብዚከኣለና ንኣምላኽ ከነገልግሎን ኣብቲ ዜደንቕ መጻኢ ኸነተኵርን ንኽእል ኢና።

^ စာပိုဒ်၊ 4 ኣብቲ ሳውል ዘውረዶ መስጐጕቲ፡ ኣንስቲ ብተደጋጋሚ ተጠቒሰን ምህላወን፡ ልክዕ ከምቲ ሎሚ ዚገብራኦ ዘለዋ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እውን ንክርስትና ኣብ ምዝርጋሕ ዓብዪ ግደ ኸም ዝነበረን ዚሕብር እዩ።—መዝ. 68:11