ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ) ጥሪ 2013

ትባዕ—የሆዋ ምሳኻ እዩ!

ትባዕ—የሆዋ ምሳኻ እዩ!

‘ጽናዕ፡ ትባዕ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ምሳኻ እዩ።’እያ. 1:9፡ NW።

1, 2. (ሀ) ንዜጋጥመና ፈተናታት ብዓወት ንኽንሰግሮ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ (ለ) እምነት እንታይ እያ፧ ግለጽ።

ኣገልግሎት የሆዋ፡ ሓጐስ ዜምጽኣልና እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ሰብና ጸገማት የጋጥመና እዩ። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ‘ስለ ጽድቂ ሓሳረ መከራ ንጸግብ’ ኢና። (1 ጴጥ. 3:14፣ 5:8, 9፣ 1 ቈረ. 10:13) ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት ብዓወት ንኽንሰግሮ ግና፡ እምነትን ትብዓትን የድልያና እየን።

2 እምነት እንታይ እያ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እምነት ናይቲ ተስፋ ዚግበሮ ርግጽ ትጽቢት፡ ናይቲ ዘይርአ ነገር መርትዖ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 11:1) ካልእ ትርጕም ከኣ፡ “እምነት ምስክር ዋንነት እቲ ተስፋ እንገብረሉ ነገር እያ። ብዛዕባ እቲ ኽንርእዮ ዘይንኽእል ነገራት ርግጸኛ ምዃን ማለት እያ” ይብል። (ዘ ሲምፕል ኢንግሊሽ ባይብል) ሓደ ንብረት ናትና ምዃኑ ዜረጋግጽ ሕጋዊ ምስክር ዋንነት እንተ ተዋሂቡና፡ ነቲ ንብረት እቲ ኸም እንውንኖ ንተኣማመን ኢና። ኣምላኽ ወትሩ ቓሉ ኸም ዚፍጽም እምነት ስለ ዘሎና፡ ምስክር ዋንነት ከም ዝሓዝና እዩ ዚቝጸር። እምነትና ነቲ ተስፋ እንገብረሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መብጽዓታት ብርግጽ ከም እንርእዮ ተረጋግጸልና፣ ብዛዕባ ህላወ እቲ ኽንርእዮ ዘይንኽእል መንፈሳዊ ነገራት እውን ርግጸኛታት ኢና።

3, 4. (ሀ) ትብዓት እንታይ እያ፧ (ለ) ንእምነትናን ትብዓትናን ከነደልድለን ኪሕግዘና ዚኽእል መገዲ እንታይ እዩ፧

3 ትብዓት ኪብሃል ከሎ፡ “ጸገማትን ሓደጋታትን ኬጋጥመካ ኸሎ ኸይፈራህካ ንኽትዛረብን ስጕምቲ ንኽትወስድን ዚሕግዘካ መንፈሳውን ስምዒታውን ሞራላውን ጽንዓት” ማለት እዩ። (ዘ ኒው ኢንተርፕሪተርስ ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ባይብል) ተባዓት እንተ ዄንና፡ ጽኑዓት፡ ቈራጻት፡ አረ ደፋራት እውን ኢና።—ማር. 6:49, 50፣ 2 ጢሞ. 1:7

4 ኵላትና እምነትን ትብዓትን ኪህልወና ንምነ እኳ እንተ ዀንና፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ግና ዝያዳ እምነትን ትብዓትን ዜድልየና ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ነዘን ባህርያት እዚአን ብምንጽብራቕ ኣብነት ኪዀኑ ዚኽእሉ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ  መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ኣለዉ። ስለዚ፡ ንገለ ኻብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዘለዉ ኣብነታት ምስ እንምርምሮ፡ ንእምነትናን ትብዓትናን ከነደልድለን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

የሆዋ ምስ እያሱ ነበረ

5. እያሱ ኣብ ዕዮኡ ንኺዕወት እንታይ የድልዮ ነበረ፧

5 ብዛዕባ እቲ 3,500 ዓመት ይገብር እተፈጸመ ነገራት እስከ ንመርምር። እዚ ኸኣ፡ እቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ እስራኤላውያን በታ ጽንዕቲ ኢድ የሆዋ ኻብ ባርነት ግብጺ ሓራ ምስ ወጹ፡ ድሕሪ 40 ዓመት ኣቢሉ እዩ። መራሒኦም ነብዪ ሙሴ እዩ ነይሩ። ሽዑ ሙሴ፡ ወዲ 120 ዓመት ከሎ፡ ንምድሪ ተስፋ ኣማዕድዩ ረኣያ እሞ፡ ኣብ ከረን ኔቦ ሞተ። ንእያሱ ማለት ነቲ ንዕኡ ዝተክኦ መራሒ ድማ “መንፈስ ጥበብ መልኦ።” (ዘዳ. 34:1-9) እስራኤላውያን ምድሪ ከነኣን ኪወርሱ ተቐሪቦም ነበሩ። እቲ መራሒኦም ዝነበረ እያሱ ንኺዕወት ጥበብ ኣምላኽ የድልዮ ነበረ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ የሆዋ ዘለዎ እምነት ኬርእን ኪተብዕን ኪጸንዕን እውን ነበሮ።—ዘዳ. 31:22, 23

6. (ሀ) ብመሰረት እያሱ 23:6 እንታይ ንምግባር እዩ ትብዓት ዜድልየና፧ (ለ) ካብ ግብሪ ሃዋርያት 4:18-20፣ 5:29 እንታይ ንመሃር፧

6 እቲ እያሱ ዘርኣዮ ጥበብን ትብዓትን እምነትን ነቶም ምድሪ ከነኣን ኪወርሱ ንነዊሕ ዓመታት ዚዋግኡ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኣበርቲዕዎም ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ንኺዋግኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ እያሱ እተማሕጸኖም ነገራት ንኺፍጽምዎ እውን ትብዓት የድልዮም ነበረ። እያሱ ቐቅድሚ ሞቱ ኽሰናበቶም ከሎ፡ “ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ ዅሉ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፡ ካብኡ ኸኣ ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይትዘብሉስ፡ ኣዚኹም ጽንዑ [“ትብዑ፡” NW]” በሎም። (እያ. 23:6) ንሕና እውን፡ ብፍላይ ሰባት ትእዛዝ ኣምላኽ ከነፍርስ ኪደልዩና ኸለዉ፡ ንየሆዋ ወትሩ ንኽንእዘዞ ትብዓት የድልየና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:18-20፣ 5:29 ኣንብብ።) መምርሒ ኺህበና ናብ የሆዋ ብምጽላይ ኣብኡ እንተ ተወኪልና፡ ትብዓት ኪህበና ይኽእል እዩ።

መገድና ብኸመይ ከነቕንዕ ንኽእል፧

7. እያሱ ንኺተብዕን መገዱ ንኬቕንዕን፡ እንታይ ክገብር የድሊ ነበረ፧

7 ፍቓድ ኣምላኽ ንኽንገብር ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና፡ ንቓሉ ኸነጽንዖን ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ይግባእ። እያሱ ንሙሴ ኽትክኦ ኸሎ፡ የሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ከምቲ ሙሴ ባርያይ ዝአዘዘካ ዅሉ ሕጊ ንምግባሩ ኽትሕልዎ ጥራይ ደኣ፡ ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን። . . . ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ።” (እያ. 1:7, 8) እያሱ ነዚ ምኽሪ እዚ ስዒብዎ፡ ‘መገዱ እውን ቀኒዕዎ እዩ።’ ንሕና እውን ከምኡ እንተ ጌርና፡ ዓብዪ ትብዓት ኪህልወና፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከኣ ኪቐንዓና እዩ።

ጥቕሲ ዓመት 2013፦ ‘ጽናዕ፡ ትባዕ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ምሳኻ እዩ።’ —እያሱ 1:9NW።

8. ጥቕሲ ዓመት 2013፡ ካበየነይቲ ጥቕሲ እያ ተወሲዳ፧ እተን ቃላት እቲአንከ ብኸመይ እየን ኪሕግዛኻ፧

8 የሆዋ ንእያሱ፡ “ጽናዕ፡ ትባዕ፡ . . . እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ” ምስ በሎ፡ እያሱ ኣዝዩ ተበራቲዑ ኪኸውን ኣለዎ። (እያ. 1:9) የሆዋ ምሳና እውን ኣሎ። ስለዚ እምበኣር፡ ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ‘ኣይንፍራህ፡ ኣይንሸበር ከኣ።’ ብፍላይ ከኣ፡ ነተን ‘ጽናዕ፡ ትባዕ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ምሳኻ እዩ’ ዚብላ ቓላት ከነስተብህለለን ይግባእ። እዘን ኣብ እያሱ 1:9 ዚርከባ ቓላት፡ ጥቕሲ ዓመት 2013 ኪዀና ተመሪጸን እየን። ኣብቲ ዚቕጽል ኣዋርሕ ድማ እዘን ንእያሱ እተነግራኦ ቓላት ኰና ቓላትን ተግባራትን እቶም እምነትን ትብዓትን ዘርኣዩ ኻልኦት ሰባት ብርግጽ ኬበርታዓና እዩ።

 ብትብዓት ፍቓድ ኣምላኽ መረጹ

9. ረሃብ እምነትን ትብዓትን ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

9 እያሱ ኽልተ ሰለይቲ ናብ ከነኣን ምስ ለኣኸ፡ ረሃብ እታ ኣመንዝራ ሓብኣቶም፡ ንጸላእቶም ከኣ ግጉይ ሓበሬታ ሃበቶም። እስራኤላውያን ንከተማ ያሪኮ ኼጥፍእዋ ኸለዉ ድማ፡ ረሃብ ሳላ እምነታን ትብዓታን ምስ ስድራ ቤታ ደሓነት። (እብ. 11:30, 31፣ ያእ. 2:25) ንሳ ንየሆዋ ምእንቲ ኸተሐጕስ፡ ነቲ ዘይስነ ምግባራዊ ናብራኣ ኸም ዝገደፈቶ ፍሉጥ እዩ። ገሊኦም ክርስትያን ዝዀኑ ሰባት፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼሐጕሱ ኢሎም፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ለውጢ ንምግባር እምነትን ትብዓትን ሞራላዊ ጽንዓትን ኣርእዮም እዮም።

10. ሩት ንየሆዋ ኸተምልኽ ዝመረጸት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እያ፧ ብኸመይከ ተባረኸት፧

10 ድሕሪ ሞት እያሱ፡ እታ ሞኣባዊት ዝነበረት ሩት ብትብዓት ንየሆዋ ኸተምልኽ መረጸት። ብዓል ቤታ እስራኤላዊ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ የሆዋ እተወሰነ ፍልጠት ነይርዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እታ መበለት ዝነበረት ናእሚ ሓማታ፡ ኣብ ሞኣብ እያ ትነብር ነይራ፣ ኰይኑ ግና ናብታ ኣብ እስራኤል እትርከብ ከተማ ቤት-ልሄም ክትግዕዝ ወሰነት። ኣብ መገዲ ድማ ናእሚ ንሩት ናብ ህዝባ ኽትምለስ ተማሕጸነታ፡ እታ ሞኣባዊት ዝነበረት ሩት ግና፡ “ሐዲገኪ ኻባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ አይትበልኒ። . . . ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ” በለታ። (ሩት 1:16) ሩት ናይ ብልባ እያ ኸምኡ ኢላ። ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ዘመድ ናእሚ ዝዀነ ቦኣዝ ንሩት ተመርዓዋ፣ ንሳ ኸኣ ወዲ ወለደት፣ እኖሓጎ ዳዊትን የሱስን ድማ ኰነት። እወ፡ የሆዋ ነቶም እምነትን ትብዓትን ዜርእዩ ሰባት ይባርኾም እዩ።—ሩት 2:12፣ 4:17-22፣ ማቴ. 1:1-6

ሓያሎ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእተውዋ

11. ዮያዳን የሆሸባን ትብዓት ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ እዚኸ እንታይ ዓመመ፧

11 የሆዋ ነቶም ፍቓዱ ምእንቲ ኺገብሩን ንኣሕዋቶም ምእንቲ ኼዕቝቡን ኢሎም ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ክርስትያናት ከም ዚድግፎም ምፍላጥና፡ ንእምነትናን ትብዓትናን የደልድለን እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ዮያዳን የሆሸባ ሰበይቱን እሞ ንመርምር። ንጉስ ኣሓዝያ ምስ ሞተ፡ ኣዲኡ ዓታልያ ብዘይካ ንዮኣስ፡ ንዅሎም ዝተረፉ ዘርኢ ንጉስ ቀቲላ፡ ኣብ ዝፋን ደየበት። ዮያዳን የሆሸባን ግና፡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ንዮኣስ ወዲ ኣሓዝያ ንሽዱሽተ ዓመት ሓብእዎ። ኣብ ሻብዓይ ዓመት ድማ፡ ዮያዳ ንዮኣስ ኣንጊሱ ንዓታልያ ኣቕተላ። (2 ነገ. 11:1-16) ጸኒሑ፡ ንጉስ ዮኣስ ንቤተ መቕደስ ኪጽግን ከሎ፡ ዮያዳ ደጊፍዎ እዩ። ዮያዳ ኣብ መበል 130 ዓመቱ ኺመውት ከሎ ኸኣ፡ “ኣብ እስራኤል ንኣምላኽን ነታ ቤቱን ጽቡቕ ስለ ዝገበረሎም፡” ምስ ነገስታት ተቐብረ። (2 ዜና 24:15, 16) ብዘይካዚ፡ እቲ ዮያዳን ሰበይቱን ብትብዓት ዝወሰድዎ ስጕምቲ፡ ነቲ ኻብ ዳዊት ናብ መሲሕ ዚመርሕ ወለዶ ኸም ዚዕቀብ ገይርዎ እዩ።

12. ዔቤድ-ሜሌክ ብትብዓት እንታይ ስጕምቲ ወሰደ፧

12 እቲ ኣብ ቤት ንጉስ ጼዴቅያስ ስሉብ ዝነበረ ዔቤድ-ሜሌክ፡ ንኤርምያስ ኬድሕን ኢሉ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ እዩ። ንጉስ ንኤርምያስ ኣብ ኢድ መሳፍንቲ ይሁዳ ኣሕሊፉ ምስ ሃቦ፡ ንሳቶም መናዓቢ ኸም ዝዀነ ገይሮም ብሓሶት ብምኽሳስ፡ ኣብ ጨቃው ዔላ ኺመውት ደርበይዎ። (ኤር. 38:4-6) ዔቤድ-ሜሌክ ንኤርምያስ ብዙሓት ሰባት ከም ዚጸልእዎ እናፈለጠ፡ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ጼዴቅያስ ቀሪቡ ንኤርምያስ ለመነሉ። ጼዴቅያስ ንዔቤድ-ሜሌክ ሰምዖ፣ 30 ሰባት ምስ ዔቤድ-ሜሌክ ኪኸዱ ብምእዛዝ ከኣ ንኤርምያስ ኣድሓኖ። ኣምላኽ ድማ ንዔቤድ-ሜሌክ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ኪወርሩዋ ኸለዉ፡ ነፍሱ ኸም እትነሓፍ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ ኣረጋገጸሉ። (ኤር. 39:15-18) እወ፡ ኣምላኽ ነቶም ፍቕዱ ንኺገብሩ ትብዓት ዜርእዩ ሰባት ይባርኾም እዩ።

13. እቶም ሰለስተ እብራውያን ብትብዓት እንታይ ስጕምቲ ወሰዱ፧ ካብ ተመክሮኦምከ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

13 ኣብ ሻብዓይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ሰለስተ እብራውያን ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ብዘርኣይዎ እምነትን  ትብዓትን ተባሪኾም እዮም። ንጉስ ነቡካድነጻር ንዅሎም ሹማምንቲ ባቢሎን ኣኪቡ፡ ንሓደ ነዊሕ ምስሊ ወርቂ ኺሰግዱሉ ኣዘዘ። ዘይሰገደ ኸኣ ኣብ እቶን ሓዊ ኺድርበ ምዃኑ ተነግረ። እቶም ሰለስተ እብራውያን ንነቡካድነጻር ብኣኽብሮት፡ “እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኼናግፈና ይኽእል እዩ፡ ካብ ኢድካውን ኬናግፈና እዩ። ዎ ንጉስ፡ ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ፡ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾም፡ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ” በልዎ። (ዳን. 3:16-18) እቶም ሰለስተ እብራውያን ዝደሓኑሉ ዜደንቕ መገዲ፡ ኣብ ዳንኤል 3:19-30 ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ እቶን ሓዊ ኸም እንድርበ ዚገልጽ ትእዛዝ እኳ እንተ ዘይተዋህበ፡ ንንጽህናና ዚፍትን ፈተናታት የጋጥመና እዩ፣ በቲ እነርእዮ እምነትን ትብዓትን ኣምላኽ ከም ዚባርኸና ድማ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

14. ብመሰረት ዳንኤል ምዕራፍ 6፡ ዳንኤል ብትብዓት እንታይ ስጕምቲ ወሰደ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧

14 ጸላእቲ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዳርዮስ ቀሪቦም፡ “ዎ ንጉስ፡ ንኣኻ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ዝለመነ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዚድርበ፡ ትእዛዝ ንጉስ ኪጸንዕ፡ ብርቱዕ ክልክል ከኣ ኪእወጅ” ብምባል፡ ኣዋጅ ከም ዚወጽእ ምስ ገበሩ፡ ዳንኤል እምነትን ትብዓትን ኣርእዩ እዩ። ዳንኤል እቲ ሕጊ እቲ ኸም እተጻሕፈ ምስ ፈለጠ፡ “ናብ ቤቱ ኸደ። እተን መሳዅቲ እታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ናብ የሩሳሌም ኣቢለን ተኸፊተን ነበራ እሞ ከምቲ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ፡ ጸለየን አመስገነን።” (ዳን. 6:6-10) እቲ ተባዕ ዝነበረ ዳንኤል ናብ ጕድጓድ እኳ እንተ ተደርበየ፡ የሆዋ ግና ኣድሓኖ።—ዳን. 6:16-23

15. (ሀ) ኣኪላስን ጵርስኪላን ብኸመይ እዮም እምነትን ትብዓትን ዘርኣዩ፧ (ለ) እቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 13:34 እተዛረቦ ቓላት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ ሓያሎ ክርስትያናት ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ዘርኣይዋኸ ብኸመይ እዮም፧

15 ብምንታይ ምኽንያት ምዃኑ እኳ እንተ ዘይተገልጸ፡ ኣኪላስን ጵርስኪላን ‘ኣብ ክንዲ ህይወት ጳውሎስ ክሳዶም ኣሕሊፎም’ እዮም። (ግብ. 18:2፣ ሮሜ 16:3, 4) ምስቲ የሱስ፡ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንስኻትኩም እውን ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ብምስምማዕ ከኣ እዮም ብትብዓት ነዚ ስጕምቲ እዚ ወሲዶም። (ዮሃ. 13:34) ኣብ ሕጊ ሙሴ ሓደ ሰብ ንብጻዩ ኸም ርእሱ ገይሩ ኼፍቅሮ ይሕተት ነበረ። (ዘሌ. 19:18) እቲ የሱስ ዝሃበና ትእዛዝ ግና፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ህይወትና ኣብ ክንዲ ኻልኦት ኣሕሊፍና ንምሃብ እትድርኽ ፍቕሪ ንኸነርኢ ዜተባብዕ ብምዃኑ፡ “ሓድሽ” እዩ ነይሩ። ሓያሎ ክርስትያናት ኣሕዋቶም ብጸላእቲ ምእንቲ ኸይግፍዑ ወይ ከይቅተሉ ንኼዕቝብዎም፡ ብትብዓት ‘ክሳዶም ኣሕሊፎም’ ብምሃብ  ፍቕሪ ኣርእዮም እዮም።—1 ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ።

ቀዳሞት ክርስትያናት ፈጺሞም ኣይተለማለሙን

16, 17. ንገሊኦም ቀዳሞት ክርስትያናት እንታይ ፈተና እዩ ኣጋጢምዎም፧ እዚኸ ምስቲ ኣብዚ ግዜና ንዘለዉ ገሊኦም ክርስትያናት ዘጋጠሞም ፈተናታት ብኸመይ ይመሳሰል፧

16 ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ብትብዓት ንየሆዋ ጥራይ እዮም ዜምልኹ ነይሮም። (ማቴ. 4:8-10) ንኽብሪ ሃጸይ ሮሜ ኢሎም ዕጣን ከይዓጥኑ ኣብዮም እዮም። (ስእሊ ርአ።) ዳንኤል ፒ. ማኒክስ፡ “ጕሁር ሓዊ ዘለዎ መሰውኢ ኣብቲ ቦታ እኳ እንተ ነበረ፡ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ኣብ መትከሎም ጸኒዖም እዮም። ሓደ እሱር፡ ዕጣን ቈንጢሩ ኣብቲ ሓዊ ምስ ዜንብር ጥራይ፡ መስዋእቲ ኸም ዝገበረ ዚገልጽ ወረቐት ምስክር ከም ዚውሃቦ፡ ናጻ ኸኣ ከም ዚልቀቕ ይፈልጥ ነበረ። ብዘይካዚ፡ እዚ ተግባር እዚ ነቲ ሃጸይ ንምምላኽ ዘይኰነስ፡ ከም ርእሲ ግዝኣት ሃጸይ መጠን ኣፍልጦ ምሃብ ጥራይ ከም ዜመልክት ብንጹር ይግለጸሉ ነይሩ እዩ። ምስናይዚ ግና፡ ኬምልጥ ኢሉ ዝፈተነ ክርስትያን ዳርጋ የለን ኪብሃል ይከኣል እዩ።”—ዞስ ኣባውት ቱ ደይ።

17 ኣብዚ ዘመንና እውን፡ ኣብ መዳጐኒ ደንበታት ናዚ ዝነበሩ ሞት ዚጽበዮም ዝነበረ ክርስትያናት፡ ንየሆዋ ኸም ዝኸሓዱ ዚገልጽ ጽሑፍ እንተ ፈሪሞም ናጻ ኸም ዚልቀቑ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። መብዛሕትኦም ግና ኣይፈረሙን። ኣብዚ ቐረባ ግዜ፡ ኣብ ሩዋንዳ ጃምላዊ ቕትለት ምስ ተኻየደ፡ ቱትሲን ሁቱን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ንሓድሕዶም ተዓቛቚቦም እዮም። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት ንኽትሰግሮ እምነትን ትብዓትን ይሓትት።

የሆዋ ምሳና ምዃኑ ዘክር

18, 19. ኣብ ዕዮ ስብከት እምነትን ትብዓትን ብምርኣይ ኣብነት ዚዀኑና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት እኒ መን እዮም፧

18 ኣብቲ ንሰብኣውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ እተዋህቦም ዝዓበየ ዕዮ ናይ ምክፋል መሰል ረኺብና ኢና። እዚ ኸኣ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ዜጠቓልል እዩ። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) የሱስ ፍጹም ኣብነት ስለ ዝገደፈልናስ፡ ኣየ ኽንደይ ከነማሱ ዘይግብኣና! “ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ።” (ሉቃ. 8:1) ንሕና እውን ኣብነቱ ብምስዓብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንሰብኽ፡ እምነትን ትብዓትን የድልያና እየን። ብሓገዝ ኣምላኽ ንሕና እውን ከም ኖህ ተባዓት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኖህ፡ ነታ ብማይ ኣይሂ ኽትጠፍእ ቀሪባ ዝነበረት “ፍርሃት ኣምላኽ ናይ ዘይብሎም ዓለም” ብድፍረት ዚሰብኽ “ሰባኽ ጽድቂ” እዩ ነይሩ።—2 ጴጥ. 2:4, 5

19 ጸሎት ንኽንሰብኽ ይሕግዘና እዩ። መስጐጕቲ ዝወረዶም ገሊኦም ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ‘ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ኪዛረቡ’ ሓይሊ ኺውሃቦም ምስ ጸለዩ፡ ጸሎቶም ተመሊሱ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:29-31 ኣንብብ።) ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ምስባኽ ዜፍርሃካ እንተ ዀይኑ፡ ዝያዳ እምነትን ትብዓትን ንኺውሃበካ እንተ ጸሊኻ፡ የሆዋ ንጸሎትካ ኺምልሶ እዩ።—መዝሙር 66:19, 20 ኣንብብ። *

20. ከም ኣገልገልቲ እምላኽ መጠን እንታይ ደግፍ እዩ ዘሎና፧

20 ኣብዛ እከይን ሽግርን ዝመልኣ ዓለም ፈተናታት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርና ኽንነብር ቀሊል ኣይኰነን። ኰይኑ ግና በይንና ኣይኰንናን። ኣምላኽ ምሳና እዩ። እቲ ርእሲ ጉባኤ ዝዀነ ወዱ እውን ምሳና እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 7,000,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾትና ኣለዉ። እምበኣር ምስኣቶም ሓቢርና፡ ነታ ‘ጽናዕ፡ ትባዕ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ምሳኻ እዩ’ እትብል ጥቕሲ ዓመት 2013 እናዘከርና፡ ወትሩ እምነት ነርኢ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብቐጻሊ ንስበኽ።—እያ. 1:9

^ စာပိုဒ်၊ 19 ኣብ ናይ 15 ለካቲት 2012 ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ፡ “ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ትብዓት ብምርኣይ ኣብነት ዚዀኑና ኻልኦት ሰባት እውን ተጠቒሶም ኣለዉ።