ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንቕሑ! ታሕሳስ 2015

ዓሳ ኣንበሪ እነዉ!

ዓሳ ኣንበሪ እነዉ!

ዓመት ዓመት፡ ኣንስትዮ ዓሳ ኣንበሪ ሳውዘርን ራይት (ዩባሌና ኣውስትራሊስ) ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚረን ናብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ሳንታ ካታሪና፡ ብራዚል ይመጻ እየን። ኣብቲ ዕምቈት ዘይብሉ ማያት ኪወልዳን ንወለልደን ከጥብዋን እየን ካብ ከባቢ ኣንታርክቲክ ተበጊሰን ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ተጓዒዘን ዚመጻ። ንሓያሎ ኣዋርሕ፡ ተቐማጦን በጻሕቲ ሃገርን ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ወይ ኣጻድፍ ኰይኖም፡ እተን ዓሳ ኣንበሪ ምስ ወለልደን ኣብቲ ማያት ኬዕርፋን ኪጻወታን ምርኣይ ባህ የብሎም እዩ። *

ናይ ምግልባጥ ክእለት ዘለዎም ገዘፍቲ ፍጥረታት ባሕሪ

ሓንቲ ኣንስተይቲ ዓሳ ኣንበሪ፡ ክሳብ 80 ቶን ክትምዘን ከላ 16 ሜተር ዚኣክል ንውሓት እውን ኣለዋ፣ እዚ ድማ ክንዲ ሓንቲ ተጐታቲ ዘለዋ ኣውቶቡስ ማለት እዩ! እቲ ገዚፍ ኣካላታ ብሓፈሻ ጸሊም ኪኸውን ከሎ፡ ሓድሓደ ግዜ ግና ብሸነኽ ከብዳ ሓሓሊፉ ጻዕዳ ሕብሪ ኣለዋ። ክንዲ ርብዒ ቝመታ ዚኸውን ኣዚዩ ገዚፍ ርእሲ ድማ ኣለዋ። ኣፋ ነዊሕን ቀስታዊ ቕርጺ ዘለዎን እዩ። ዘይከም ካብ ካልእ ጅር ዝዀኑ ዓሳ ኣንበሪ፡ ኣብ ዝባና ኽንፊ የብላን። ነቲ ገዚፍን ብማእከሉ ጨዳድ ዝዀነን ጭራኣ፡ ከም ካልኦት ዓሳታት ኣብ ክንዲ ንየማነ ጸጋም፡ ንላዕልን ንታሕትን ብምንቅስቓስ እያ ንቕድሚት ገጻ እትሕንብስ። ኣንፈታ ንምቕያር ድማ ንኽንፋ ተንቀሳቕሶ። እዚ ምስቲ ሓንቲ ነፋሪት ኣንፈታ ንምቕያር እትስዕቦ ኣገባብ ዚመሳሰል እዩ።

እቲ ዜገርም፡ ዓሳ ኣንበሪ ራይት ኣዝዮም ገዘፍቲ እኳ እንተዀኑ፡ ናይ ምትዕጽጻፍ ክእለት ዘለዎምን ኣደናቒ ኣክሮባታዊ ምንቅስቓስ ዚገብሩን እዮም። ንንውሕ ዝበለ ግዜ ጭራኦም ንላዕሊ ኣውጺኦም ኪሕንብሱ፡ ጭራኦም ንደገ ብምውጻእ ነቲ ማይ ኣበርቲዖም ኪጸፍዕዎ፡ ከምኡ እውን ንላዕሊ ተወንጪፎም ብምውጻእ ተመሊሶም ናብቲ ባሕሪ ኺንቈቱን ክሳዕ ርሑቕ ቦታ ዚርአ ጨፍላሕታ ኺገብሩን ክትርእዮም ትኽእል ኢኻ።

ፍሉይ ኣካላዊ መለለዪ

ዓሳ ኣንበሪ ሳውዘርን ራይት፡ ኣብ ከባቢ ርእሱ ሓሓሊፉ ጻዕዳ ወይ ብጫ ዝሕብሩ ሓባጥ ነገር ኣለዎ።  እዚ፡ ኣብቲ ቘርበት እተላገበ ሓርፋፍ ነገር ኰይኑ ብተሪር ድርዒ ዘለዎም ቁማል ዓሳ ኣንበሪ ዚብሃሉ ዕስለ ደቀቕቲ እንስሳታት እተሸፈነ እዩ። ኣወሃሃዲት ፕሮጀክት ዓሳ ኣንበሪ ራይት ብራዚል ዝዀነት ካሪና ግሮች፡ “ልክዕ ከምቲ ኣሰር ኣጻብዕቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍሉይ ዝዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ንድፊ እዚ ሓባጥ ነገር እዚ ፍሉይ ብምዃኑ ሓደ ኻብ ሓደ ንኽትፈልዮም ዜኽእል እዩ። እዞም ዓሳ ኣንበሪ እዚኦም፡ ናብ ገማግም ባሕርና ኺመጹ ኸለዉ ንንድፊ እዚ ሓባጥ ነገር ንስእሎን ኣብ መዛግብትና ንዕቅቦን ኢና” በለት።

ተመራመርቲ ስነ ህይወት፡ እዞም ዓሳ እዚኦም ኣስናን ስለ ዘይብሎም ኪሞቱ ኸለዉ ዕድመኦም ብልክዕ ኪፍለጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ እዮም ዚዛረቡ። ገምጋም ዕድመ ዓሳ ኣንበሪ፡ እንተ ወሓደ 65 ዓመት ኪኸውን ከም ዚኽእል ድማ ይግምቱ። *

ፍሉይ ኣመጋግባ

ዓሳ ኣንበሪ ራይት፡ ድርዒ ዘለዎም ደቀቕቲ እንስሳታት እዮም ዚምገቡ። ኣብ ክልቲኡ ወገን ላዕለዋይ ምንጋጋኦም፡ ወሰን ወሰኑ ቐጠንቲ ጸጕሪ ዘለዎ ብኣማእታት ኣዕጽምቲ ዝቘመ መጻረዪ ኣለዎም። ኣፎም ከፊቶም ኪሕንብሱ ኸለዉ፡ ማይ በቲ መጻረዪ ዝዀነ ኣዕጽምቲ ይሓልፍ፡ እቶም ግዳያት ዝዀኑ ንኣሽቱ እንስሳታት ከኣ በቲ ጸጕሪ ይትሓዙ። በዚ መገዲ እዚ ኣቢሎም፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ መዓልቲ ኽልተ ቶን ዚምዘኑ ድርዒ ዘለዎም እንስሳታት ኪምገቡ ይኽእሉ።

ዓሳ ኣንበሪ ሳውዘርን ራይት፡ ኣብ ግዜ ኽረምቲ (ጥሪ/ለካቲት)፡ ኣብ ኣንታርክቲካዊ ውቅያኖስ እናተመገቡ ኣብ ኣካላቶም ስብሒ ይእክቡ። እዚ ረጒድ ቀጸላ ዘለዎ ስብሒ፡ ኣብ ቈራሪ ማያት ኪበጽሑ ኸለዉ ሙቐት ይህቦም፡ ናብ ካልእ ቦታ ኺጐዓዙ ኸለዉ ድማ ከም መኽዘን ምግቢ ዀይኑ የገልግሎም።

ዚህደኑ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

ካብ 18 ዘመን ንደሓር ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ ኽቢ፡ ሃደንቲ ነዞም ዓሳ ኣንበሪ እዚኦም ብብዝሒ ሃዲኖምዎም እዮም። ስለምንታይ፧ ቀስ ኢሎም ስለ ዚሕንብሱ፡ ብዕንጸይቲ እተሰርሓ ድኹማት ጀላቡን ናይ ኢድ መቐለስ ዓሳ ኣንበርን ብዝሓዙ ሃደንቲ እውን ከይተረፈ ብቐሊሉ ይትሓዙ ነበሩ። ብዘይካዚ፡ ዓሳ ኣንበሪ ራይት ብምኽንያት እቲ ኣብ ኣካላቶም ዚርከብ ማእለያ ዘይብሉ ስብሒ፡ ምስ ተቐትሉ ዘይከም ካልኦት ዓሳ ኣንበሪ ኣብ ባሕሪ ጸምበለል እዮም ዚብሉ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ሃደንቲ ዓሳ ኣንበሪ ብቐሊሉ ናብ ገማግም ባሕሪ ኺጓትትዎም ይኽእሉ ነበሩ።

ኣብ ርእሲ እዚ፡ ስብሒ እቲ ዓሳን ኣብ ኣፉ ዚርከብ ዓጽምን ሓደ ኻብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዚሽየጥ ዝነበረ ኣገደስቲ ነገራት እዩ ነይሩ። ንስብሒ ዓሳ ኸም ዘይቲ ቐነዲል ጐደናን ከም መለስለሲ ዘይትን ይጥቀሙሉ ነበሩ። ኣብ ኣፉ ዚርከብ ዓጽሚ ድማ ንኣካላት ቅርጺ ንምትሓዝ ጠርኒቑ ዚሕዝ ክዳንን ኩርማጅ ካሮሳን መወጠሪ ጽላልን ንምስራሕ ይጠቅም ነበረ። ካብ ሓደ ዓሳ ጥራይ ዚርከብ ዝነበረ ዓጽሚ ንኹሉ ወጻኢታት ናይ ሓደ ወፍሪ ይሽፍን ነበረ።

ኣብ መጀመርታ 20 ዘመን፡ እቲ ብጻዕቂ ዚግበር ዝነበረ ምግፋፍ ዓሳ ንብዝሒ ዓሳ ኣንበሪ ኣዝዩ ነከዮ፣ ኣብ መወዳእታኡ ድማ እዚ ንግዲ እዚ ተቛረጸ። ኣብ ብራዚል፡ እታ ናይ መወዳእታ መደበር ምግፋፍ ዓሳ ኣንበሪ ብ1973 እያ ተዓጽያ። ሎሚ ገሊኦም ዓሳ ኣንበሪ ቝጽሮም በብቕሩብ ይውስኽ እኳ እንተሎ፡ ካልኦት ግና ኸይጸንቱ የስግኡ እዮም።

ዓሳ ኣንበሪ ራይት ዜደንቕ ኣብነት ናይቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ብዙሕ ዝዓይነቱን እተሓላለኸን ህይወት እዩ። እዚ፡ እቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረን ዓብዪ ነዳፊ ዝዀነን የሆዋ ኣምላኽ ዜደንቕ ጥበብን ሓይልን ከም ዘለዎ ዜረጋግጽ እዩ።—መዝሙር 148:7

^ ሕ.ጽ. 2 ከም ገማግም ባሕሪ ኣርጀንቲና፡ ኣውስትራልያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኡራጓይ ከምኡ እውን ደሴታት ኦክላንድ ዝኣመሰለ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ገማግም ባሕሪ እውን እዞም ዓሳታት ዚራብሑሉ ኻልእ ማያት እዩ።

^ ሕ.ጽ. 8 ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ሰለስተ እተፈላለየ ጅር ዘለዎም ዓሳ ኣንበሪ ራይት ከም ዘለዉ እዮም ዚገልጹ። ብዘይካ እቶም ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ ኽቢ ዚርከቡ ዩባሌና ኣውስትራሊስ፡ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ኽቢ ዩባሌና ግላሲያሊስዩባሌና ጃፖኒካን ዚብሃሉ ዓይነት እውን ኣለዉ።