ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንቕሑ! ሓምለ 2015

 ገበር | ንህይወትካ ኽትቈጻጸራ ትኽእል ዲኻ፧

ንህይወትካ ኽትቈጻጸራ ትኽእል ዲኻ፧

ንህይወትካ ኽትቈጻጸራ ትኽእል ዲኻ፧

ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ጸገም ዘይብሉ ዅነታት ኬሕልፍ ዚኽእል ሰብ የለን። ኵነታቱ ተቐቢሉ፡ ዓቕሙ ዚፈቕደሉ እናገበረ ዚነብር ሰብ ግና፡ ንዅነታቱ ተቘጻጺርዎ ኺብሃል ይክኣል እዩ። ሕማቕ ኵነታት እናኣጋጠመካ፡ ብመጠኑ እውን እንተ ዀነ ንህይወትካ ኽትቈጻጸራ እንተ ኽኢልካ ጽቡቕ እዩ። ድሕሪ ግዜ ዅነታትካ እንተ ተተዓርዩ ኸኣ ዝሓሸ እዩ። እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ግና ብሕጂ እዩ ዚመጽእ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኵሎም ሰባት ንህይወቶም ብዜዕግብ መገዲ ኺቈጻጸርዎ ኸም ዚኽእሉ ይገልጽ እዩ። ሽዑ ሰባት ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት፡ ዕለታዊ ጸቕጥታት፡ ከምኡ እውን ኣሉታዊ ስምዒታት ስለ ዘየጋጥሞም፡ ምሉእ ብምሉእ ተሓጒሶም ኪነብሩ እዮም። (ኢሳይያስ 65:21, 22) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ህይወት እቲ፡ “ናይ ሓቂ ህይወት” እዩ ዚብሎ።—1 ጢሞቴዎስ 6:19

“ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን፡ ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ፡ ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን፡ ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።” —ኢሳይያስ 65:21, 22

ብዝያዳ ፍለጥ

መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት መልሲ ንኺረኽቡሉ ይሕግዞም ኣሎ። ንስኻኸ ሓደ ኻባታቶም ክትከውን ትደሊዶ፧