ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንቕሑ! ሰነ 2015

 ካብ ከባቢ ዓለም

ኣትኵሮ ኣብ ኣከባቢ

ኣትኵሮ ኣብ ኣከባቢ

ምድሪ፡ ጽሩይ ኣየርን ዚዕንግል ምግብን ንጹህ ማይን ተዳሉ እኳ እንተ ዀነት፡ ደቂ ሰብ ግና ነቲ ባህርያዊ መስርሕ የመዛብልዎ ኣለዉ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ነዚ ኣካይዳ እዚ ንምቕያር ኣዝዮም እዮም ዚጽዕሩ።

ኣውስትራልያ

ኣብ ትሕቲ ውቅያኖሳት ዓለምና፡ 500,000 ኲቢክ ኪሎ ሜተር ዚኸውን ትሑት መጠን ጨው ዘለዎ ማይ ከም ዘሎ ይግመት። ኣብቲ ኣብ ኣደሌድ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ፍሊንደርስ ዚሰርሕ ቪንሰንት ፖስት፡ “[ኣብ ሓደ እዋን፡] ጽፍሒ ባሕሪ ኻብዚ ሎሚ ዘለዎ ዝተሓተ እዩ ነይሩ” በለ፣ ስለዚ፡ ገማግም ባሕሪ ኻብዚ ሕጂ ዘለዎ ዝረሓቐ እዩ ነይሩ ማለት እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዝናም “ነቲ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዚርከብ ከባቢታት ይሽፍኖ ነበረ።” ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ እዚ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዚርከብ እተዋህለለ ማይ፡ ሓደ መዓልቲ ነቶም ጽሩይ ማይ ዘይረኽቡ ዘለዉ ልዕሊ 700 ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ኪሕግዞም ከም ዚኽእል እዮም ዚኣምኑ።

ምድረ በዳ ሰሃራ

ካብቶም ኣብ ሰሃራ ዝነበሩ ዓበይቲ ዘርኢ እንስሳታት ፍርቆም ዚዀኑ፡ ጠፊኦም ወይ ከኣ ኣብቲ 1 ሚእታዊት ወይ ካብኡ ንታሕቲ ጥራይ ዝተረፎ መንበሪኦም ይነብሩ ኣለዉ። ኣብ ከባቢ ሰሃራ ዘሎ ዘይምርግጋእን እናኣስፋሕፍሐ ዚኸይድ ዘሎ ሃድንን፡ ገለ ኻብቲ ጠንቂ እዩ። ኣብ ምድረ በዳ ዘለዉ እተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልትን እንስሳታትን ምስቶም ኣብ ጫካ ዘለዉ ዚወዳደሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ተመራመርቲ ኸም ዚገልጽዎ ግና፡ “ነቶም ኣብ ምድረ በዳ ዘለዉ እተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልትን እንስሳታትን፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ኣዝዩ ብዙሕ ስነ ፍልጠታዊ ኣቓልቦ ኣይግበረሎምን እዩ።” ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ተጣበቕቲ ዕቃበ ተፈጥሮ፡ ነቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ እተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልትን እንስሳታትን ምድረ በዳ ኺከታተልዎም ኣይከኣሉን።

ዓለም

ብ2012 ካብ 8 ሰብ እቲ 1 ብሰንኪ ብከላ ኣየር ከም ዝሞተ እዩ ዚግመት። ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ “ብከላ ኣየር ሓደ ኻብቲ ዝዓበየ ጠንቂ ጸገም ኣከባቢ እዩ ዀይኑ ዘሎ።”

ብዝያዳ ፍለጥ

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ ምዃኑ፡ መከራ መዓስ ከም ዜብቅዕ፡ ከምኡውን ኣብ ዚመጽእ ምድሪ እንታይ ከም እትኸውንን ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሰባት እንታይ ከም ዜጋጥሞምን ይገልጽ እዩ።

ደቂ ሰብ ንምድሪ፡ ከም ዘይትዕረ ገይሮም ኬጥፍእዋ ድዮም፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዜጋጥም ዘሎ ምጥፋእ ኣከባቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መወዳእታኡ እንታይ ከም ዚኸውን እውን ይንበ እዩ።