ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንቕሑ! ግንቦት 2015

 ካብ ከባቢ ዓለም

ኣትኵሮ ኣብ እስያ

ኣትኵሮ ኣብ እስያ

እስያ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝሓዘት ክፍለ ዓለም እያ። ንቻይናን ንህንድን ጥራይ እኳ ኸም ኣብነት እንተ ወሲድና፡ ካብ ብምሉኡ ህዝቢ ዓለም ልዕሊ ሓደ ሲሶ ዚኸውን ኣባታተን እዩ ዚርከብ። ሃገራት እስያ ንዜጋታተን ኣብ ምምሃርን ኣብ ምዕቋብን እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥመን ዘሎ፧

ትምህርቲ ንቘልዑ የዕቍቦም፦

ወለዲ ንደቆም ገና ኻብ ሕጻንነቶም ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ዘይምህርዎም እንተ ዀይኖም፡ እቶም ደቆም ጾታዊ ማህሰይቲ ኼጋጥሞም ከም ዚኽእል፡ ኣብ ቻይና ዘለዉ ሰብ ሞያ ሕጊ ገሊጾም። ኣብ ቻይና ዚርከቡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ዝነበረ ኣርባዕተ ዓመት፡ ምስ ጾታዊ ማህሰይቲ ቘልዑ ዚተሓሓዝ ኣስታት 8,000 ክሲ ተኸታቲሎም እዮም። ሓደ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቤጂንግ ኖርማል ዚሰርሕ ፕሮፌሰር ሕጊ፡ ቈልዑ “ተነቀፍትን ብቐሊሉ ግዳይ ኪዀኑ ዚኽእሉን እዮም። ካብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኼዕቍቦም ዚኽእል፡ ትምህርቲ እዩ” በለ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ጥበበኛታት ወለዲ ንደቆም፡ ብኸመይ ንገዛእ ርእሶም “ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት” ከም ዚከላኸሉላ ይምህርዎም እዮም።ምሳሌ 2:1, 10-12

ድሕሪ ብርቱዕ ህቦብላ ዜጋጥም ሞት፦

ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ብዝሒ እተን ብርቱዕ ህቦብላ ድሕሪ ምግጣሙ ኣብ ዘሎ ዓመት ኣብ ፊሊፒንስ ዝሞታ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ሕጻናት፡ ምስ ብዝሒ እቶም በቲ ብርቱዕ ህቦብላ ዝሞቱ ሰባት ኪነጻጸር ከሎ፡ ብ15 ዕጽፊ ይዛይድ። ከምኡ ዜጋጥመሉ ምኽንያት፡ ድሕሪ እቲ ብርቱዕ ህቦብላ ዜጋጥም ሽቕለት ኣልቦነት፡ ንዳግመ ህንጸት ዚወጽእ ወጻኢታት፡ ከምኡ እውን ኣብቲ ምስ ምግብን ክንክን ጥዕናን ብዚተሓሓዝ ንደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ሕጻናት ዚግበረለን ነገራት ዜጋጥም ዋሕዲ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ‘እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ድማ ክትከድኖ ኣሎካ።’ኢሳይያስ 58:7

ኣብ ደቡብ ኮርያ ዚነብሩ ኣረጋውያን ዚፍጽምዎ ርእሰ ቕትለት፦

ብ2011 ኣብ ደቡብ ኮርያ ኻብ ዘጋጠመ ርእሰ ቕትለት እቲ ልዕሊ ርብዒ ዚኸውን፡ በቶም 65 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም እዩ ተፈጺሙ። ገሊኦም ተመራመርቲ ኸም ዚገልጽዎ፡ ጠንቂ እቲ ርእሰ ቕትለት፡ ንኽንክን ኣረጋውያን ብዚምልከት ዘጋጠመ ናይ ኣረኣእያ ለውጥን ቍጠባዊ ዅነታትን እዩ፣ ካብቶም ኣብ ደቡብ ኮርያ ዚነብሩ ኣረጋውያን ዳርጋ 50 ሚእታዊት ድኻታት እዮም። ውሉዳት ንኣረጋውያን ወለዶም ኪድግፍዎም ከም ዘለዎም ዚኣምኑ ተቐማጦ ደቡብ ኮርያ፡ ትሕቲ ፍርቂ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።”ኤፌሶን 6:2