ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንቕሑ!  |  መጋቢት 2015

 ገበር

ኣምላኽ ኣሎ ድዩ፧ ብዛዕባ እዚ ምፍላጥካ ዚጸልወካ ብኸመይ እዩ፧

ኣምላኽ ኣሎ ድዩ፧ ብዛዕባ እዚ ምፍላጥካ ዚጸልወካ ብኸመይ እዩ፧

ብዙሓት ሰባት፡ እቲ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ዚልዓል ሕቶ፡ ኪምለስ ዘይክእል ወይ ዘየገድስ ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ኣብ ፈረንሳ ዝዓበየ አርቬ፡ “ንርእሰይ ብህልውና ኣምላኽ ከም ዘይኣምን ወይ ከኣ ብህልውና ኣምላኽ ከም ዚጠራጠር ሰብ ገይረ እኳ እንተ ዘይገለጽክዋ፡ ኣማኒ ግና ኣይኰንኩን። በቲ ቕኑዕ መሲሉ እተራእየኒ ኽምራሕ እየ ዝደሊ። ብኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ትምራሕ እንተ ዄንካ ድማ፡ ኣብ ኣምላኽ ክትኣምን ኣየድልየካን እዩ” በለ።

ገሊኦም ሰባት ድማ፡ ከምቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ጆን ዝበሎ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ወለዲ እዮም ኣዕብዮምኒ። መንእሰይ ከለኹ፡ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ንጹር መትከል ኣይነበረንን። ኰይኑ ግና፡ ሓድሓደ ሳዕ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እሓስብ ነይረ እየ።”

ንስኻኸ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ኣምላኽ እንተ ኣልዩ፡ ህይወት ዕላማ ዘለዎ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ኣምላኽ እንተ ዘየልዩ፡ ንገሊኡ ሓቅታት ንኽትገልጾ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነ ይስምዓካ ይኸውን፣ ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ፕላኔትና ህይወት ከም ዚህሉ ዚገብሩ ብስርዓት ዚንቀሳቐሱ ባህርያዊ ሓይልታት ዚገልጽ ስነ ፍልጠታዊ መርትዖ፡ ወይ ከኣ ህይወት ካብ ዘይህይወታዊ ነገር ኪመጽእ ከም ዘይክእል ዚገልጽ መርትዖ ኽንጠቅስ ንኽእል ኢና።—“ ነቲ መርትዖ መርምሮ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ንኣገዳስነት እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓቅታት እስከ ንርአ። እቲ ሓቅታት፡ ልክዕ ከምቲ ናብ ክቡር መዝገብ ዘለዎ ቦታ ዚመርሕ ኣብ መገዲ ዚስቀል ምልክት እዩ። ኣምላኽ ከም ዘሎ ዚገልጽ ዜእምን መርትዖን ብዛዕባኡ ዚገልጽ ዜተኣማምን ሓበሬታን እንተ ረኺብካ፡ ብዙሕ ክትጥቀም ኢኻ። ኣርባዕተ ኣብነት እስከ ንርአ።

 1. ትርጕም ህይወት ትፈልጥ

ህይወት ዕላማ እንተ ኣልዩዋ፡ እቲ ዕላማ እንታይ ምዃኑን ንዓና ብኸመይ ከም ዚጸልወናን ክንፈልጥ ኣሎና። ከመይሲ፡ ኣምላኽ እንተ ኣልዩ፡ ንሕና ግና ብዛዕባኡ ዘይንፈልጥ እንተ ዄንና፡ ኣብ ብምሉኡ ፍጥረት ኣዝዩ ኣገዳሲ ንዝዀነ ሓቂ ኸይፈለጥና ኢና እንነብር ዘለና ማለት እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ምንጪ ዅሉ ህይወት ከም ዝዀነ ይገልጽ እዩ። (ራእይ 4:11) ብዛዕባ እዚ ምፍላጥና ንህይወትና ትርጕም ከም ዚህልዋ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ኢሉ ኸም ዚምህር እስከ ንርአ።

ደቂ ሰብ ካብ ኵሎም ፍጥረታት ምድሪ ንላዕሊ ፍሉያት እዮም። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ብመልክዑ፡ ማለት ንባህርያቱ ኸም እነንጸባርቕ ገይሩ እዩ ፈጢሩና። (ዘፍጥረት 1:27) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደቂ ሰብ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ይምህር እዩ። (ያእቆብ 2:23) ምስ ፈጣሪና ኸምዚ ዓይነት ርክብ ካብ ምምስራት ንላዕሊ ንህይወትና ትርጕም ከም ዚህልዋ ዚገብር ካልእ ነገር የልቦን።

ዓርኪ ኣምላኽ ምዃን እንታይ ማለት እዩ፧ ዓርኪ ኣምላኽ ዝዀነ ሰብ፡ ንዕኡ ብቐጥታ ኼዘራርቦ ይኽእል እዩ። ኣምላኽ እውን እንተ ዀነ፡ ከም ዚሰምዓናን ኣብ ክንዳና ስጕምቲ ኸም ዚወስድን ኣተስፍዩና ኣሎ። (መዝሙር 91:15) ንሕና እውን ኣዕሩኹ ኸም ምዃንና መጠን፡ ነቲ ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት ዘለዎ ሓሳቡ ኽንፈልጦ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ነቲ ንህይወትና ዚምልከት ኣገዳሲ ሕቶታት ብዜተኣማምን መገዲ ንኽንፈልጦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

ኣምላኽ እንተ ኣልዩ፡ ንሕና ግና ብዛዕባኡ ዘይንፈልጥ እንተ ዄንና፡ ኣብ ብምሉኡ ፍጥረት ኣዝዩ ኣገዳሲ ንዝዀነ ሓቂ ኸይፈለጥና ኢና እንነብር ዘለና ማለት እዩ

2. ናይ ኣእምሮ ሰላም ትረክብ

ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዜጋጥም ዘሎ መከራ ኺርእዩ ኸለዉ፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን የጸግሞም እዩ። ‘እቲ ዅሉ ዚኽእል ሓያል ፈጣሪ፡ መከራን እከይን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢሎም ድማ ይሓትቱ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዜጸናንዕ መልሲ ይህብ እዩ፣ ኣምላኽ፡ ደቂ ሰብ ኪሳቐዩ ኸም ዘይሓለነ ድማ ይገልጽ እዩ። ኣምላኽ ንሰባት ኪፈጥሮም ከሎ፡ ህይወት ደቂ ሰብ ካብ መከራ ናጻ እያ ነይራ። ሞት እውን እንተ ዀነ፡ ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ዕላማ ኣይነበረን። (ዘፍጥረት 2:7-9, 15-17) እዚ ንምእማኑ ዜጸግም ድዩ፧ ወይ ሕልሚ ጥራይ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኵሉ ዚኽእል ሓያል ኣምላኽ እንተ ኣልዩ፡ ቀንዲ ባህርዩ ድማ ፍቕሪ እንተ ዀይና፡ ንደቂ ሰብ ብዚምልከት ዘለዎ ዕላማ ኸምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኪኸውን ኢና እንጽበዮ።

ደቂ ሰብ ኣብዚ ሕጂ ዘለውዎ ዅነታት ኪወድቁ ዝኸኣሉ ደኣ እሞ ብኸመይ እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡ ኸም ዝፈጠሮም ይገልጸልና እዩ። ኣምላኽ፡ ልክዕ ከም ሮቦት፡ ኣገዲዱ ኸም እንእዘዞ ኣይገብረናን እዩ። እቶም ወለድና ዝዀኑ ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ንመምርሒ ኣምላኽ ኪነጽግዎ መረጹ። ብስስዐ ድማ ደድሕሪ ናታቶም ድሌት ሰዓቡ። (ዘፍጥረት 3:1-6, 22-24) ንሕና ድማ ሕጂ ሳዕቤኑ ንዓጽድ ኣለና።

እቲ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ መከራ፡ ዕላማ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ብምፍላጥ ናይ ኣእምሮ ሰላም ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ ካብቲ መከራ ኸነዕርፍ እውን ንደሊ ኢና። ብዛዕባ መጻኢ ድማ ተስፋ ኺህልወና ንደሊ ኢና።

 3. ተስፋ ይህልወካ

ደቂ ሰብ ደድሕሪ ምዕላዎም፡ ኣምላኽ፡ ድሕሪ ግዜ ነቲ ንምድሪ ዚምልከት ናይ መጀመርታ ዕላማኡ ኸም ዚፍጽሞ ኣተስፈወ። ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ዕላማኡ ኻብ ምፍጻም ኪዓግቶ ዚኽእል የልቦን። (ኢሳይያስ 55:11) ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ፡ ንሳዕቤን እቲ ዕልወት ምሉእ ብምሉእ ኬጥፍኦ እዩ፣ ኵነታት ምድርን ደቂ ሰብን ከኣ ምስቲ ናይ መጀመርታ ዕላማኡ ዚሰማማዕ ኪኸውን እዩ።

እዚ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ እተመባጽዖ ኽልተ ተስፋ እስከ ርአ።

  • ኣብ መላእ ምድሪ ሰላም ኪሰፍንን እከይ ኪጠፍእን እዩ። “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፡ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፡ ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:10, 11

  • ማምን ሞትን ኪውገድ እዩ። “‘ሓደ እኳ ሕሙም እየ’ ኣይኪብልን እዩ።” (ኢሳይያስ 33:24ትርጕም 1990) “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ።”—ኢሳይያስ 25:8

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋ ኽንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ እቲ ኣብኡ እተመዝገበ ብዙሕ ትንቢታት ድሮ ስለ እተፈጸመ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣብ መጻኢ ኻብ መከራ ናጻ ኸም እንኸውን ዘሎና ተስፋ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ጸገማት ህይወት ኣየወግዶን እዩ። እሞኸ ኣምላኽ እንታይ ተወሳኺ ሓገዝ እዩ ዚህበና፧

4. ንጸገማትካ ኽትፈትሖን ጽቡቕ ውሳነ ኽትገብርን ትኽእል

ኣምላኽ፡ ንጸገማትና ምእንቲ ኽንዋጽኣሉን ጽቡቕ ውሳነታት ምእንቲ ኽንገብርን፡ መምርሒ ይህበና እዩ። ገሊኡ ውሳነታት ቀሊል እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኡ ግና ንመላእ ህይወትና ዚጸሉ እዩ። ካብቲ ፈጣሪና ኺህበና ዚኽእል ጥበብ ንላዕሊ ውጽኢታዊ ዝዀነ ሰብኣዊ ጥበብ ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ኵሉ ዚፈልጥን ምንጪ ሰብኣዊ ህይወትን እዩ። ስለዚ፡ ንዓና ዚሕሸና ይፈልጥ እዩ።

እተፈላለዩ ሰብኣውያን ጸሓፍቲ፡ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ብዛዕባኡ ስለ ዝጸሓፉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓሳብ የሆዋ ኣምላኽ ዝሓዘ እዩ። ኣብኡ ድማ፡ “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን፡ በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ዚብል ንረክብ።—ኢሳይያስ 48:17, 18

ኣምላኽ ደረት ዘይብሉ ሓይሊ ስለ ዘለዎ፡ ንዓና ንምሕጋዝ ኪጥቀመሉ ፍቓደኛ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ፡ ንዓና ኺሕግዘና ኸም ዚደሊ ፈቃር ኣቦ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። “እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!” ይብል። (ሉቃስ 11:13) እዚ ኻብ ኣምላኽ ዚመጽእ ሓይሊ እዚ፡ ኪመርሓናን ኬበራትዓናን ይኽእል እዩ።

ኣምላኽ ምእንቲ ኺሕግዘካ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኺምልሶ ኸሎ፡ “እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ” ይብል። (እብራውያን 11:6) ኣምላኽ ከም ዘሎ ኽትኣምን እንተ ደሊኻ፡ ነቲ መርትዖ ባዕልኻ ኽትምርምሮ ኣሎካ።

 ነቲ መርትዖ ኽትምርምሮ ዲኻ፧

ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ምፍላጥ ግዜ ይወስድ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ከምኡ ብምግባርካ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ንተመክሮ እቲ ኣብ ቻይና ተወሊዱ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ዘሎ ሽዩጂን ሺኣዎ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ከምዚ በለ፦ “ኣብ ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት እኣምን እኳ እንተ ነበርኩ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ክፈልጥ እደሊ ነይረ እየ። ስለዚ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀሚረ። ኣብታ ኣብ ኮለጅ ዝጸናሕኩላ ናይ መወዳእታ ዓመት፡ ብስራሕ ትሑዝ ስለ ዝነበርኩ፡ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ትምህርቲ ዚኸውን ብዙሕ ግዜ ኣይነበረንን። ሓጐሰይ ድማ ነከየ። እንደገና ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቀዳምነት ምስ ሃብክዎ ግና፡ ውሽጣዊ ሓጐስ ረኸብኩ።”

ብዛዕባ እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ንምንታይ ግዜ ወሲድካ ብዛዕባኡ ዘይትምርምር፧