ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንቕሑ! ጥሪ 2015

ህይወት ብኸመይ ጀሚሩ፧

እቲ እትህቦ መልሲ፡ ሃይማኖታዊ ምዃንካን ዘይምዃንካን ድዩ ዚውስኖ፧

ህይወት ብኸመይ ጀሚሩ፧

ብዙሓት ስነ ፍልጠታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት፡ ንፍልቀት ከም መበቈል ህይወት ገይሮም ኪርእይዎ ዚኸብዶም ስለምንታይ እዩ፧

ኪሕተት ዚግባእ ክልተ ሕቶ

እቲ ኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት ብዛዕባ መበቈል ህይወት ዚህቦ መልሲ ዜዕግብ እንተ ዀይኑ፡ ባዕልኻ ወስን።

ክትሓስበሉ ዚግባእ መልሲ

ንሓደ ቐንዲ ተጣባቒ ኢዝሄርነት ዝነበረ ሰብኣይ፡ ህይወት ካብ ሓደ ዝለዓለ ምስትውዓል ዘለዎ ኣካል ከም ዝመጸ ዘእመኖ እንታይ እዩ፧

ጎጎ መዓር

ክኢላታት ሕሳብ ክሳዕ 1999 ብመርትዖ ኬቕርብዎ ዘይከኣሉ፡ ኣናህብ ግና ድሮ ዝፈለጥዎ ውጽኢታዊ ኣጠቓቕማ ቦታ።

ንቝጥዓኻ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

ንቝጥዓኻ ንኽትቈጻጸሮ ኺሕግዘካ ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሓሙሽተ ነጥቢ።

ናብ ኮስታ ሪካ እተገብረ ምብጻሕ

ተቐማጦ እዛ ሃገር እዚኣ፡ ቲኮስ ተባሂሎም ዚጽውዑ ስለምንታይ ምዃኑ ፍለጥ።

“ሕማመይ ንህይወተይ ኪቈጻጸሮ ኣይፈቕደሉን እየ”

ኢላይሳ ነቲ ዘለዋ ሕዱር ሕማም ንኽትጾሮ፡ ሓድሓደ እዋን እውን ንኽትርስዖ ዜኽእላ ብርታዐ እትረክብ ብኸመይ እያ፧

መከራ

ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመና ፈተናታትን ስቓይን ይግደስ ድዩ፧

ኣትኵሮ ኣብ ሃይማኖት

ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ዜና ኸም ዚሕብሮ፡ ሃይማኖት ምንጪ ሓድነት ኪኸውን ኣይከኣለን።