ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንቕሑ!  |  ታሕሳስ 2014

ካብ ከባቢ ዓለም

ካብ ከባቢ ዓለም

እስራኤልን ዮርዳኖስን ፍልስጥኤምን

ምዉት ባሕሪ ኣብ ዓመት ሓደ ሜተር ዚኸውን ይንኪ ኣሎ። ገሊኦም ሰባት፡ ኣብ ዓመተ 2050 እቲ ቐላይ ምሉእ ብምሉእ ከይነቅጽ የስግኦም እዩ። ሰበ ስልጣን፡ መፍትሒ ንምርካብ ይጽዕሩ ኣለዉ። ሓደ ኻብቲ መጽናዕቲ ዚግበረሉ ዘሎ ኣማራጺ፡ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ማይ ወሲድካ ነቲ ጨው ብምፍላይ፡ እቲ ጨው ናብ ምዉት ባሕሪ ኸም ዚኣቱ ምግባር እዩ፣ እቲ ጨው ዘይብሉ ማይ ከኣ ንህዝቢ ይዝርጋሕ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ኣማራጺ እዚ ንገሊኦም ሓያስያን፡ ነቲ ኣብ ምዉት ባሕሪ ዚርከብ ፍልይ ዝበለ ስርዒት ኢኮ ኸይጐድኦ የስግኦም ኣሎ።

ጀርመን

ኣብ መዓልቲ በዓል ልደት ብሰንኪ ሕማም ልቢ ናብ ሆስፒታል ዚኣትዉ ሰባት፡ ካብቶም ኣብ ካልእ እዋን ዚኣትዉ ብሓደ ሲሶ ይበልጹ። እቲ ትካል ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ሰባት ኣደዳ ሕማም ልቢ ዚዀኑ ብሰንኪ ልዑል ውጥረት እዩ፣ ከምዚ ዜጋጥም ድማ፡ ህያባት በዓል ልደት ንምርካብ ላዕልትን ታሕትን ስለ ዚብሉ እዩ፣ ኣባላት ስድራ ቤትን ፈተውትን እውን እንተ ዀኑ፡ ዓብዪ ህያብ እዮም ዚጽበዩ።

ብሪጣንያ

እቲ 405 ዓመት ከም ዝገበረ ጌርካ ዚሕሰብ ዝነበረ “ሞሉስካ ኣይስላንድ” ዚብሃል እንስሳ፡ ብ2006 ኣብ ዘይግዜኡ ኣብ ዝሞተሉ እዋን፡ ዕድሚኡ ብልክዕ 507 ዓመት ከም ዝነበረ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ብሪጣንያ ኣፍሊጦም። ስለዚ፡ ዝነውሐ ዕድመ ብህይወት ዝነበረ እንስሳ * እዩ ማለት እዩ። እቲ እንስሳ፡ ተመራመርቲ ናብ ቤተ ምከራኦም ንምውሳድ ኣብ መዝሓሊ ምስ ኣእተውዎ እዩ ሞይቱ።

ላቲን ኣመሪካን ካሪበያን

ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪበያን ዚርከባ 33 ሃገራት፡ ኣብቲ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት እዚ ኣብ ሃቫና፡ ኩባ ዝገበራኦ ኣኼባ፡ ነቲ ኣብ መንጎአን ዜጋጥም ግጭት ብዘይ ሓይሊ ንኺፈትሓኦ ብምስምማዕ፡ መሬተን “ዞባ ሰላም” ምዃኑ ኣዊጀን። ኣብቲ ኣኼባ ኻብ እተኣከቡ ሰባት፡ እቲ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ባን ኪ-ሙን ሓደ እዩ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 7 “ዝነውሐ ዕድመ ብህይወት ዝነበረ እንስሳ” ኺብሃል ከሎ፡ ነቶም ከም መርጀን ዝኣመሰሉ ንኣሽሓት ዓመታት ብህይወት ዝነበሩ ፍጥረታት ዜጠቓልል ኣይኰነን።