ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንቕሑ! ሓምለ 2014

 ገበር | ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ ብኸመይ ከም እትጻወሮ

ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ

ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ

ውዒሉ ሓዲሩ፡ ዳርጋ ዅሎም ሰባት፡ እቶም ምሉእ ዘይጕዱል ዘለዎም እኳ ኸይተረፈ፡ ዜሕዝን ነገራት የጋጥሞም እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦

“ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከኣ ጕያ ንፈጣናት፡ ውግእ ንጀጋኑ፡ እንጌራ ንጥበበኛታት፡ ሃብቲ ነእምሮኛታት፡ ሞገስ ንብልህታት ከም ዘይኰነሎም፡ ተመሊሰ ርኤኹ። ግናኸ ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም።”—መክብብ 9:11

እቲ ዚልዓል ሕቶ እምበኣር፡ ‘መከራ የጋጥመካ ደዀን ይኸውን፧’ ዚብል ዘይኰነስ፡ ‘መከራ ኼጋጥመካ ኸሎ እንታይ ኢኻ እትገብር፧’ ዚብል እዩ። ንኣብነት፡ ከምዚ ዚስዕብ እንተ ዜጋጥመካ እንታይ ምገበርካ፧

  • ኵሉ ጥሪትካ ብባህርያዊ ሓደጋ እንተ ዚጠፍእ

  • ምስ ተመርመርካ ሓደገኛ ሕማም ከም ዘሎካ እንተ ትፈልጥ

  • እተፍቅሮ ሰብ ብሞት እንተ ዚፍለየካ

ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥመካ ኸሎ ንኽትጻወሮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዜተኣማምን ተስፋ ንኺህልወካ እውን ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 15:4) ነዚ ብኸመይ ከም እትገብሮ ዜርኢ ሰለስተ ተመክሮታት ርአ።