ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንቕሑ! ሰነ 2014

 ከመይ ይመስል ነበረ፧

ጆሴፍ ፕሪስትሊ

ጆሴፍ ፕሪስትሊ

“ተዓጻጻፍነቱን ህንጥዩነቱን ንጥፈታቱን ሰብኣውነቱን፣ ብዛዕባ ኣካላዊ፡ ስነ ምግባራዊ፡ ወይ እውን ብዛዕባ ማሕበራዊ ነገራት ዝነበሮ ዓሚቝ ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታ፣ ኣብ ስነ ፍልጠትን ስነ ሃይማኖትን ፍልስፍናን ፖለቲካን ዝነበሮ ቦታ፣ ኣብ ሰውራ [ፈረንሳ] ዝነበሮ እጃምን ብዛዕባ እቲ ብዘይገበሮ ነገራት ዘጋጠሞ መከራ ዚገልጽ ዜገርም ታሪኽን፣ እዚ ዅሉ [ንጆሴፍ ፕሪስትሊ] ጅግና መበል ዓሰርተው ሸሞንተ ዘመን እዩ ዚገብሮ።”—ፍረድሪክ ሃሪሰን፡ ፈላስፋ።

ጆሴፍ ፕሪስትሊ እንታይ ኣዝዩ ዜደንቕ ነገር እዩ ገይሩ፧ እቲ ዝረኸቦ ነገራትን ጽሑፋቱን፡ ሰባት ብዛዕባ መንግስትን ብዛዕባ እንታይነት ኣምላኽን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ብዛዕባ እዚ እነስተንፍሶ ኣየር ንዝነበሮም ኣረኣእያ ጸልይዎ እዩ።

ፕሪስትሊ ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ኰነ ብዛዕባ ሃይማኖት ኪጽሕፍ ከሎ፡ ንኽልሰ ሓሳባትን ንልምድታትን ብምንጻግ፡ ኣብቲ ሓቂ ዝዀነ ነገራት ይምርኰስ ነበረ። ብኸመይ ከምኡ ኸም ዝገበረ እስከ ንርአ።

ናይ ሓቂ ስነ ፍልጠት ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ

ጆሴፍ ፕሪስትሊ ንስነ ፍልጠት ከም መሕለፍ ግዜ ገይሩ ይርእዮ እኳ እንተ ነበረ፡ ብ1765 ምስቲ ቤንጃሚን ፍራንክሊን ዝስሙ ኣመሪካዊ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ድሕሪ ምርኻቡ፡ ምስ ኤለክትሪክ ዚተሓሓዝ ፈተነ ኺገብር ጀመረ። ንዓመታኡ ድማ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ዝዀኑ ብጾት ጆሴፍ ፕሪስትሊ፡ በቲ ዝረኸቦ ነገር ኣዝዮም ተደነቑ፣ ኣባል ሮያል ሶሳይቲ ኦቭ ለንደን ንኪኸውን ድማ መረጽዎ።

ፕሪስትሊ ቐጺሉ ኣቓልቦኡ ኣብ ከሚስትሪ ገበረ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ ሓያሎ ጋዛት፡ እንተላይ ኣሞንያን ናይትረስ ኦክሳይድን (ዜስሕቕ ጋዝ) ረኸበ። ብዘይካዚ፡ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ናብ ማይ ብምእታው፡ ካርቦነይት ዝዀነ ማይ ኪምህዝ ክኢሉ እዩ።

ብ1774 ፕሪስትሊ ኣብ ደቡባዊ ዓዲ እንግሊዝ ፈተነ ኼካይድ ከሎ፡ ንሽምዓ ብዝያዳ ኸም እተብርህ ዚገብራ ዜደንቕ ጋዝ ፈልዩ ኺረክብ  ከኣለ። ጸኒሑ፡ ካብቲ ጋዝ 60 ሚሊ ሊትር ወሲዱ፡ ምስ ኣንጭዋ ገይሩ ኣብ ጥርሙዝ ዓጽዩ ኣቐመጦ። እታ ኣንጭዋ ኻብቲ ኣብ ተራ ኣየር ዘለዎ ጥርሙዝ እትነብሮ ንላዕሊ፡ ብኽልተ ዕጽፊ ዝነውሐ ግዜ ጸንሐት። ፕሪስትሊ ንባዕሉ ነቲ ጋዝ ምስ ሰሓቦ፡ ‘እተወሰነ እዋን ጸኒሑ፡ ፍዅስ ከም ዝበሎን ምስትንፋስ ከም ዝቐለሎን’ ገለጸ።

ጆሴፍ ፕሪስትሊ፡ ኦክስጅን እዩ ረኺቡ። * ኰይኑ ግና፡ ፍሎጂስተን (ነገራት ከይነድድ ዚዓግት ክልሰ ሓሳባዊ ባእታ) ዘይብሉ ተራ ጋዝ ዝረኸበ ስለ ዝመሰሎ፡ ነቲ ጋዝ፡ ዲፍሎጂስቲኬትድ ኤየር ኢሉ ጸውዖ። እቲ ዝበጽሖ መደምደምታ ጌጋ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ርኽበቱ፡ ከም “ዝለዓለ ደረጃ ዕዮኡ” ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ

ፕሪስትሊ፡ “ልክዕ ከምቲ መሰረት ዘይብሉ ኽልሰ ሓሳብ ካብ ስነ ፍልጠታዊ ሓቅታት ዚዓግተካ፡ ልምድታትን ከየመዛዘንካ እትቕበሎ ሰረተ እምነትን እውን ካብ ሃይማኖታዊ ሓቅታት ኪዓግተካ ይኽእል እዩ” ኢሉ ይኣምን ነበረ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ምሉእ ህይወቱ እኳ እንተ ጸዓረ፡ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ትምህርቲ ዚጋጮ እተወሰነ ኣረኣእያ ነበሮ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ዘይኣመነሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ብህይወት ከም ዝነበረ ንዚገልጽ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነጺግዎ ነይሩ እዩ።

“ስነ ፍልጠት ንሓቂ ንምርካብ ምጽዓር እንተ ዀይኑ፡ ፕሪስትሊ ናይ ሓቂ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት እዩ ነይሩ።”—ካትሪን ኩለን፡ ተመራማሪት ስነ ህይወት

ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ፕሪስትሊ ነቲ ሽዑ ዀነ ሎሚ ብዓበይቲ ሃይማኖታት ብሰፊሑ ዚእመነሉ ዘሎ ትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣቃሊዕዎ እዩ። እቲ የሱስን ሰዓብቱን ዚምህርዎ ዝነበሩ ሓቂ፡ ጸኒሑ ብሓሶት ከም እተበከለ መሃረ፣ እዚ ድማ ንሰረተ እምነት ስላሴን ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላ ንዚገልጽ ግጉይ ትምህርትን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተዀነነ ብምስሊ ዚግበር ኣምልኾን ዜጠቓልል እዩ።

ፕሪስትሊ ዝነበሮ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ፡ ነቲ ኣብ ኣመሪካን ኣብ ፈረንሳን እተገብረ ሰውራ ድማ ዝገበሮ ደገፍ፡ ንደቂ ዓዱ ኣቘጥዖም። ብ1791 ናዕበኛታት ንቤትን ንቤተ ምከራን ፕሪስትሊ ምስ ኣዕነውዎ፡ ኣብ መወዳእታኡ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሃደመ። ጆሴፍ ፕሪስትሊ ብፍላይ ብስነ ፍልጠታዊ ርኽበት ዚፍለጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሱ ግና ኸም “ዝለዓለ ኽብርን ኣገዳሲ ነገርን” ገይሩ ዚርእዮ ዝነበረ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማኡን ምፍላጥ እዩ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 10 ኣቐድም ኣቢሉ፡ ካርል ሼላ ዝስሙ ሽወደናዊ ከሚከኛ፡ ንኦክስጅን ፈልዩ እኳ እንተ ረኸቦ፡ ንርኽበቱ ግና ኣብ ጽሑፍ ኣየስፈሮን። ጸኒሑ፡ ኣንትዋን-ለቭዋ ለቭዋዜ ዝስሙ ፈረንሳዊ ከሚከኛ፡ ነቲ ጋዝ “ኦክስጅን” ዚብል ስም ሃቦ።