ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ንቕሑ!  |  ሚያዝያ 2014

 ገበር | ስለምንታይ እየ ብህይወት ዝነብር፧

ኵነታት ስለ ዚቕየር

ኵነታት ስለ ዚቕየር

“ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣብ መጻብቦ ኣይንኣቱን፣ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ መዋጽኦ ዘይብልና ኣይኰንናን።”—2 ቈረንቶስ 4:8

ርእሰ ቕትለት፡ “ንግዝያዊ ጸገም ዚኸውን ነባሪ መፍትሒ” ተባሂሉ ኣሎ። ንኽትኣምኖ ኼጸግም ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ዜጨንቕ ኵነታት፡ ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ዚመስል እውን እንተ ዀነ፡ ግዝያዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። አረ፡ ብዘይተጸበናዮ መገዲ እውን ኪቕየር ይኽእል እዩ።— “ኵነታቶም ተቐዪሩ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ኵነታት እኳ እንተ ዘይተቐየረ፡ ንጸገማትካ በብቝሩብ እንተ ፈታሕካዮ ዝሓሸ እዩ። የሱስ፡ “ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ” በለ።—ማቴዎስ 6:34

ኵነታትካ ኪቕየር ዘይክእል እንተ ዀይኑኸ፧ ንኣብነት፡ ሕዱር ሕማም ይህልወካ፡ ሓዳርካ ይፈርስ፡ ወይ እተፍቅሮ ሰብ ይሞተካ ይኸውን።

ከምዚ ምስ ዜጋጥመካ እውን እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ንዘሎካ ኣረኣእያ ኽትቅይሮ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኽትቅይሮ ዘይትኽእል ነገር እንተ ተቐቢልካዮ፡ ንነገራት ብኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኽትርእዮ ኽትጅምር ኢኻ። (ምሳሌ 15:15) ብተወሳኺ፡ ብሞት ክትገላገል ኣብ ክንዲ እትሓስብ፡ ነቲ ዅነታት እትጻወረሉ መገድታት ከተናዲ ኢኻ። ውጽኢቱኸ እንታይ እዩ፧ ነቲ ዅነታት ክትቅይሮ እኳ እንተ ዘይከኣልካ፡ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ንዘሎካ ኣረኣእያ ግና ክትቅይሮ ትኽእል ኢኻ።—እዮብ 2:10

ነዚ ዘክሮ፦ ኣብ ሓደ ጎቦ ብሓንቲ ስጕምቲ ጥራይ ክትድይብ ኣይትኽእልን ኢኻ። በብቝሩብ እናሰጐምካ ግና ክትሓኵር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ህይወትካ ዜጋጥመካ ዕንቅፋታት እውን ከም ጐቦ ገዚፍ ኰይኑ ኺርኣየካ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ በብቝሩብ ክትሰግሮ ትኽእል ኢኻ።

ሎሚ ኽትገብሮ እትኽእል፦ ብዛዕባ ዅነታትካ ንፈታዊኻ ወይ ንኣባል ስድራ ቤትካ ተዛረቦ። እቲ ሰብ እቲ፡ ንዅነታትካ ብሚዛናዊ መገዲ ንኽትርእዮ ኺሕግዘካ ይኽእል ይኸውን።—ምሳሌ 11:14